Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኣረገ ልቢ ኣብ ዳንጋ መንእሰይ: እቲ ከይትኮስ እቲ ከይስልክይ: ንበሎ ኣለይ መለይ!

ዝኣረገ ልቢ ኣብ ዳንጋ መንእሰይ እቲ ከይትኮስ እቲ ከይስልክይ ንበሎ ኣለይ መለይ! ሕጂ ‘ውን እቲ ሽግር ንሕና ኤርትራውያን ኢና EYSC-G ብመንገዲ ኣፈኛኡ “ሕጂ ‘ውን ሽግር ኤርትራ ብኤርትራውያን’ዩ ዝፍታሕ” ክብል ኣኼባ ቦለኛ ኣብ ምውድኡ፣ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ” ዝዓይነቱ ኣብ መስከረም

ዝኣረገ ልቢ ኣብ ዳንጋ መንእሰይ

እቲ ከይትኮስ እቲ ከይስልክይ

ንበሎ ኣለይ መለይ!

ሕጂ ‘ውን እቲ ሽግር ንሕና ኤርትራውያን ኢና

EYSC-G ብመንገዲ ኣፈኛኡ “ሕጂ ‘ውን ሽግር ኤርትራ ብኤርትራውያን’ዩ ዝፍታሕ” ክብል ኣኼባ ቦለኛ ኣብ ምውድኡ፣ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ” ዝዓይነቱ ኣብ መስከረም ዘቕረቦ ስምዒታዊ ጽሑፍ ሰሚዐዮ።

ብልሙድ ሓደ ኣኼባ ክዛዘም ከሎ፣ ኣፈኛ ናይቲ ወዳቢ ጉጅለ ዲዩ ማሕበር ውጽኢት ናይቲ ኣኼባ ንምጽብራቕ ደኣ’ዩ ዝፍትን እምበር፣ ከም’ዚ EYSC-G ዝገበሮ “ቀሚሽ ኣደይ ሓንኵሉኒ” እናበለ ከቝረምርም ንቡር ኣይኮነን። እዚ ጸለመን ምንሻውን ኣንነትን ጃህራን ዝጀለሖ ናይ እንጽርጽሮት ጽሑፍ፣ ብውጽኢት ኣኼባኻ ካብ ዘይምትእምማን  እትወድቆ ዓቕሊጽበታዊ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ እዩ። ዘይተዓወትና ‘ኮ መጥቃዕቲ ስለዝበዝሓና እዩ ኢልካ ካልኦት ፍሬኻ ምሕታት ገዲፎም ምስ ምእካብካ ጥራይ ከምዝደናገጹ ንምግባር።

ናብቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ሞገተኡ ቅድሚ ምእታወይ ኣሕጽር ኣቢለ ደሃይ ክገብረሉ ዝደሊ ነገር እንተሎ፣ ኣፈኛ EYSC-G “… ሸለል ክብሎ ፈቲነስ …ናይ ኣሰና ሓተታ ምስ ኣንበብኩ ግን ዝተወደበ መጥቃዕቲ ኮይኑ ስለዝተሰመዓኒ ክጽሕፍ ተደሪኸ” ኢሉ ነቲ ጽሑፍ ስለዝጀመሮ፣ ንእግረመንገደይ ከምቲ ዝመሰሎ ኣንጻር ኣኼባ ቦለኛ ኣብ ዝተወደበ መጥቃዕቲ ኣሰና ከምዘይተሳተፈ፣ ኣድሚቐ ከረጋግጸሉ እደሊ። ንነብስኹም ምውድዳብ ዘድልየኩም ኣምሲልኩም ኣተዓባቢኹም ከይትርእዩዋ ኸኣ እምሕጸነኩም።

ኣብቲ ጽሑፍ፣ ኣሰና ነቲ ራኢ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት ተወኪሱ እንትዝነበር፣ ነቲ ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን ዝብል ጭርሖና ምናልባት ጓንጓ ጭርሖ ኣይምበሎን ነይሩ፣ ምባሉ ‘ውን ሰሚዐ። እንተኾነ እቲ ኣብኡ ዘቐመጡዎ ጽሑፍ መሸፈኒ ከረሜላ እዩ። እቲ ከረሜላ፣ ኣብዚ “ሕጂ ‘ውን ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ዳሕረዋይ ጽሑፎም እዩ ዘሎ። እቲ ኣብ መወከሲኦም ኣቕሪቦሞ ዘለዉ፣ ጭርሖኦም ሕንፍሽፍሽ ምስ ኣለዓዓለ ነቲ ህዝቢ ዘቕረበሎም ነቐፌታ ብምዝሕሓል ሰብ ኣብቲ ኣኼባ ክመጽኦም መታን ንኹሉ ባህ ከብሉ ብጥበብ መሪጾም ዘቐመጡዎ እዩ። ነቲ ጭርሖ ዝወለደ ሕቡእ ኣተሓሳስባ ግን እዚ ሕጂ ብመንገዲ ኣፈንኛኦም ዘገሃዱዎ ንሕና፣ ብዘይካና፣ መን ከማና ዝበዝሖ ካብ ትሕዝትኡ ኣንነታዊ ኣቀራርባኡ ዝጎልሐ ጽሑፍ እዩ።

ኣሰና ንኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ንምንጽብራቕ ከምኡ ‘ውን ገለ ካብቶም ከይስጉም ዝሓልክዎ ዘለዉ ግጉያት መረዳእታታት ምስ ህዝቢ ንምዝታይ ብተኸታታሊ ኣብ ዝዘርግሖም ሰለስተ ሰፋሕቲ ዓንቀጻት፣ ብፍላይ እቲ ብ “ኢትዮጵያ ምምስማስ” ዝብል ኣርእስቲ ምስቲ EYSC-G ዘልዓሎ ጭርሖ ቀጥታዊ ተዛማድነት (Relevance)  ስለዝነበሮ ኣብ ሕጡበ ጽሑፋት ናይቲ ሰፊሕ ዓንቀጽ ምጥቃሱ ባህርያዊ እዩ ነይሩ። ዝተወደበ መጥቃዕቲ ኣሰና እንተዝነበር መልክዑ ካልእ ክኸውን ከምዝነበሮ ካብ ዝኾነ ኣካል ንላዕሊ EYSC-Gን ኣፈኛኡን ይፈልጡዎ እዮም። ኣብ ቦለኛ EYSC-G ባዕሉ ‘ዩ ነብሰ ፍሽለት ዓዲሙ። ሕጂ ኣብ ሓደ ፍጻሜ ከነተኩር ኣይንደልን ኢና፣ ስለምንታይ ከምዘይተዓወተ ባዕሉ ነብሰ ገምጋም ክገብር ኣለዎ። እቲ ጉጅለ ካብ ሰንበት ናብ ሰንበት ብዛዕባ’ቲ ኣኼባ መግለጺ ከየውጽአ፣ ቅድሚ ኣኼባ ኣብ ዝነበሩ ኩነታት ምድሃቡ ኸኣ ምስክር እዩ።

ንኣሰና ብይመስለኒ መኽፈቲ ኣፍ ምግባሩ ካብ ዝንባለ EYSC-G ዘላገሰ ኣመል ኣይኮነን። EYSC-G “ነጻ ኮይነ ከድምዕ ይኽእል’የ” ዝብል ርእሰተኣማንነት ስለዘይብሉ፣ ከም ጻህያይ ወትሩ ናብ ካልኦት ተጸጊዑ ወይ ኣስማት ተለቂሑ እዮ ዝንቀሳቐስ።

ከምቲ ንዓርቢ ሓርነት – ካብ Arab Spring፣ ንቦለኛ – ካብ ገድሊ፣ “ኤርትራ ንኤርትርውያን” – ካብ ናይ 40ታት ታሪኽ ኤርትራ ዝተለቅሖ፣ በቋራጭ ኣቓልቦ ሰባት ክስሕብ መታን ኣብ መእተዊ ዓንቀጹ ኣሰና ዝብል ስም ክጠቅስ ነይሩዎ። ንምዃኑ ኣስማት ጥራይ ኣይኮነን ዝልቃሕ፣ ሰባት ‘ውን ኣይገድፍን እዩ። ከምቲ ኣብ ምርጫታት ብዓል ኣመሪካ ፍሉጣት ሰባት ዓዲምካ በቋራጭ ሰዓብቶም ንምኽሳብ ዝግበር ናይ Endorsment ጥበብ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባኡ ተፈላጥነት ኣለዎም ዝበሎም ሰባት ከምዝሳተፉ ብምግባር ዘይጸዓረሉ ቆላሕታ ክረክብ ናይ ምፍታን ኣመል’ውን ኣለዎ። ፍሪኡ ብዘየገድስ “ኦ ብዓል ኩስቶ እንተተሳቲፎሞ ደኣ” ተባሂሉ ያኢ ቁምነገር ዝገበርካ ክምሰለለይ።

እዚ ናይ PR ጥበብ’ዚ ግን ንኤርትራውያን ከደናግር ኣይክእልን እዩ። ግዱስ ኤርትራዊ፣ እንተሰሪሕካ ባዕሉ ሸቲቱ እዩ ዝመጸካ። እንሆ ግን ኣብ ቦለኛ ዝተገብረ ኣኼባ መኣዲ 90 ሓባ ኮይኑ ተሪፉ። እዚ ‘ውን ባዕሎም እቶም ወደብቲ ዝበሉዎ እዩ። ምናልባት “ኦ ኖ ንሕና ኮ ኣብ ቁጽሪ ኣይኮናን ኣብ ዓይነት ኢና ንግደስ” ክብሉኹም ይኽእሉ እዮም። እዚ ግን ከምቲ ውኻርያ፣ ዘሊላ ዘሊላ ምርካባ ንዝሰኣነታ ዘለላ ወይኒ “ወረ ዘይመጻጽ ኢኺ” ኢላ ዝገደፈታ ጌርኩም ቁጸሩዎ።

ወደብቲ ዋዕላ ቦለኛ፣ “ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ክብሉ ንኣዋርሕ ብምግዓር ዘካየዱዎ ጎስጓስ፣ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ ጥልያንስ ይትረፍ፣ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ቦለኛ ‘ኳ ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፍ 100 ከማልኡዎም ከእምኑዎም ኣይከኣሉን።

መቸም፣ በቲ ይኹን በቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሓንቲ ስድሪ ‘ውን ንቕድሚት ገስጋስ ክርአ ኸሎ ክንደይ ደስ ዘብል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሽለት ከጋጥም ከሎ ድማ ንኹሉ ተቓዋሚ ከጕሂ ይግባእ። EYSC-G ን ኣፈኛኦምን ካብዚ ክመሃሩዎ ዝግብኦም፣ ስራሕ እምበር ጭርሖ ፍረ ኣልቦ ምዃኑ እዩ። ጭርሖ ብዘይ ፍረ ጓንጓ እዩ። ጮማ ኣብ ስራሕ እምበር ከምቲ ዝበሉዎ ኣብ ጭርሖ ኣይኮነን ዝርክብ።

ን EYSC-G ቅድሚ ሕጂን ሎሚን ዘውደቖም፣ ጽባሕ ‘ውን ኣብ ቅድሚኦም ዝጸንሕ ሓደ ኣጉል ጠባይ ጻልጣ ኣንነትን ጃህራን እዩ። ዝገበሩዎ ክንዲ ጻጸ ክንሱ ክንዲ ሓርማዝ ኮይኑ እዩ ዝረኣዮም። ከይሰራሕካ ትዓግብ እንተዄንካ ግን ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኣብቲ ዓንቀጽ’ቲ ዝበሉዎ ቃል ንቓሉ እንሀልኩም።

“ካብ ተቓወምቲ ውድባት ይኹን በርጌሳውያን ማሕበራት፡ ራኢን ኣገባብ ቃልሱን ነዲፉ፡ ስትራተጂ ሓንጺጹ ሓደ ብሓደ ከተግብር ዝተበገሰ ማሕበር እንተሎ EYSC ኢዩ። ናይ ደገ ቃልሲ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ምንቅስቓስ ንምልጋብ ረቂቕ ስልቲ ኣሊሙ ዝሰርሕ እንተሎ ንሱ’ዩ። ሕሉፍ ጌጋታት ተቓወምቲ ውድባት ከይደግም ነጻነቱ ሓልዩ ናብ እንኮ ጸላኢ ስርዓት ህግደፍ ኣተኲሩ፡ መንፈስ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ዘባርትዑ ዘለዉ ሓደ EYSC ኢዩ።”

ኣቤት ኣቤት ኣቤት!

ኣብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ዘሎ ሓደ ጸገም፣ ንቓልሲ ካብቲ ንሶም ዝጀመሩሉ ዕለት ዝቖጽሩዎ ምዃኖም እዩ። እዚ ኸኣ፣ ኣጋ ምሸት ካብ ድቃስ ስለተበራበርካ ንጉሆ እዩ ዘሎ ኢልካ ከምምዝራብ እዩ። እዚ ኹሉ ትብሉዎ ዘለኹም ብብዙሓት ቅድሜኹም ዝተገብረ ዶ ኣይኮነን። ፍሉይነትኩም ጥራይ ኣንነትኩም’ዩ።

ኣብቲ ናይ ኣሰና ዓንቀጽ፣ “ሽግር ኤርትራውያን ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ጭርሖ ከም “ጓንጓ” ዝተገልጸሉ ምኽንያት፣ ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ዝቐደመ ጽሑፍ ብሰፊሑ ዝተጠቕሰ ምስ እውናዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ዝዛመድ ትሕዝቶ ዘይብሉ ብምዃኑ እዩ። ብቐንዱ ኤርትራዊ፣ ሽግር ኤርትራውያን ብኤርትራውያን ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣሚኑ እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ። እዚ ዘለናዮ እዋን ናይ ቀጽሪ ናጽነትን ማሕበር ኣንድነትን፣ ዘበነ 40ታት ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ፣ ነቲ ምትላል ኤርትራውያንን ዓመጽ ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ዓለማዊ ውዲትን ሸለልትነትን ሕንፍሽፍሽ ኣእትዩሉ ዝነበረ ኩነታት፣ ብብረታዊ ቓልሲ በዲሁ ናጽነቱ ብምጭባጥ፣ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር ጨቢጡ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ኢሳያስን ህግደፍን ብምእላይ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ፣ ቅዋማዊ ሕጋዊ መንግስቲ ናይ ምትካል ዕማም እዩ።

ነዚ ኣረጊት ጭርሖ’ዚ ኣብዚ ሓዱሽ መድረኽ ከም ቀንዲ መርሆ ክትጥቀመሉ ምፍታን እምበኣር ኣብ ህዝቢ ምድንጋር (Confusion) እዩ ዝፈጥር።

1ይ- እቲ ስትራተጂካዊ ዕላማ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምእላይን ብዲሞክራስያዊ መንግስቲ ምትክኡን ክንሱ፣ እዚ ጭርሖ’ዚ፣ ኣብ ክንዲ ናብዚ ቀንዲ ስትራተጂካዊ ሕቶ’ዚ፣ናብቶም ነዚ ዕላማ’ዚ ንምውቃዕ ንምንቅስቓስ ኤርትራውያን ዘለዉዎ ኣማራጺ ሜላታትን ስልትታትን ተመሊሱ ክሰሓሓብ ዝዕድም እዩ። ኤርትራውያን ኣብቲ ቀዳማይ ዕላማ ሓባራዊ ራእይ እንተደኣ ሃልዩዎም፣ ስልትታት ከም ኣከራኸርቲ ኮይኖም ክቐርቡን ከሰሓሕቡን የብሎምን። ብመጽናዕትን ዘተን ክምዕብሉ ይኽእሉ እዮም።

2ይ – ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ብቐጥታ ከም ቀንዲ ሽግር ኣብ ክንዲ ዝምክት፣ ንኢትዮጵያ መመሳመሲ ዝገብር እዩ። ኣብቲ ዝቐደመ ዓንቀጽ ብሰፊሑ ተገሊጹ ከምዘሎ፣ ኢትዮጵያ ንተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ይኹን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣይጨወየቶምን። ብህግደፍ ተደፊኦም ብጸገሞም እዮም ከይዶማ። ኣብዚ ክንጸር ዝግባእ፣ ቀዳምነት፣ ትዅረት ክወሃቦ ዘለዎ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ እዩ። ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራ ብዝኾነ መልክዕ ከፋፊልካ ናይ ምድኻም፣ ሳተላት መንግስቲ ናይ ምትካል፣ ወይ ከኣ ከምዚ ዘላቶ ኣይጥዕይቲ ኣይስርርቲ ዝኾነት ሃገር ናይ ምግባር ውዲት ከይህልዋ ምስትብሃል ኣሽንባይ ዶ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝነጥፍ ሰብ፣ ተራ ኤርትራዊ ዝስከፈሉን ዘስተብህለሉን ጉዳይ እዩ። እዚ EYSC-G ንፈለማ ግዜ ዝዳህሰሶ ሓዱሽ ስክፍታ ኣይኮነን፣ ምናልባት ድሕሪ ኹሉ ሰብ ዓው ኢሉ ዝዛረበሉ ዘሎ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝመደበሮም ኮነ ናብ ኢትዮጵያ ዝመላለሱ ኤርትራውያን ነቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መርገጽን ድሌትን ደው ከምዝብሉሉ ‘ውን ምዝካር የድሊ። እንተኾነ፣ እዚ ፍርሒ’ዚ ካብ ቃልሲ ንምእላይ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከብኩረና የብሉን። ሃገራዊ መስመርና ብጥንቃቐ ሓሊና፣ ነቲ ስትራተጂካዊ ዕላማ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክንወቅዕ ክንሰርሕ ይግባእ። ምስ ኢትዮጵያውያን ኣብ ምትፍናን ዘይኮነ ኣብ ጽምዶ (Engagement) ዝተመስረተ ርክብ ክህልወና ከሎ ‘ውን ነቲ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ዝጠቅም ‘ዩ። ብነባሪ ጽልኢ ዝመጽእ ፍታሕ የለን። እቲ ንህዝብናን ተቓወምትናን ናብ ኢትዮጵያ ዘጽደፎም ቀዳማይ ጸላኢ እናሃለወ ኸ እንታይ ጸላእቲ ዘብዝሕ ኣለና። ኣብ ካናዳ ወይ ዓዲ እንግሊዝ ኴንካ “ኤርትራ ብኤርትራውያን” ኢልካ ብወንጭፍ ስለዝጨራሕካ ዝመጽእ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ‘ውን የለን።

3ይ- እዚ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓሳት፣ ናይ ምልክን ዲሞክራስን ክንሱ፣ ናይ ተጣበቕቲ ናጽነት ኤርትራን ተጣበቕቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያን (ኣንድነት) ኣምሲልካ ምግላጹ መሰረት ዘይብሉ ዝንቡዕ ኣገላልጻ’ዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ነቲ ምንቅስቓስ ኣንፈቱ ዘስሕት ዘይብሱል መርገጺ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ንደምበ ተቓውሞ ካብ ህዝቢ ዝንጽል፣ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ነንሕድሕዶም ንዘሎ ዘይምትእምማን ‘ውን መሊሱ ዘጋፍሕ እዩ። ነዚ ህግደፍ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻም ክጥቀመሉ ዝጸንሐ፣ ዘይብሱል፣ ዝንቡዕ ኣገላልጻ ‘ዚ ፣EYSC-G ‘ውን ንታሪኽ 40ታት ብምዝካር ኣብቲ ዓንቀጹ ብተመሳሳሊ ቋንቋ ክጥቀመሉ ፈቲኑ ‘ሎ። ስለዚ ኸኣ’ዩ፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብዝያዳ መንጎ መንእሰያት መን ኤርትራዊ መን ዘይኤርትራዊ ናብ ዝብል ጋግ ዘጋፍሐ (Polarised) ዝኾነ ምጉት ዘምርሐ።

ኣብዚ መዳይ’ዚ EYSC-G ን ኣፈኛኡን፣ “…ሕጂ ‘ውን ኢትዮጵያ ነዚ ታሪኽ ‘ዚ (ፈደረሽንን ጎበጣ ኤርትራን ማለቱ ‘ዩ) ክትደግም ትህንደድ ዘላ’ያ ትመስል”  ብምባል፣ “ገለ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ውልቀሰባት ኣብ እከይ ውጥን ነብሶም ጸሚዶም ከምዘለዉ ምስሎም እናሓደረ ይኹላዕ ኣሎ” ኢሉ ዱብ ዘበሎ ጸለመ ዘረባ ‘ውን ብኽልቲኡ ወገናት ዘይሓላፍነታዊ እዩ። መሳርሒ ጎበጣ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኤርትራውያን ከምዘለዉ እናፈለጥካ ካብ ምቅልዖም ምቝጣብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ በደል ምፍጻም እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦም ስለዘለዎ ብጋህዲ ክዝረበሎም ይግባእ። ጭብጢ ከይሓዝካ፣ ጭርሖኻ ከተመቅር ዝዝረብ ናይ ሃውሪ ዘረባ እንተኾይኑ ድማ ካብኡ ዝዓበየ በደል እዩ። ነቲ ናይ ኢትዮጵያ “ውዲት” “ይመስል” ኢልካ ዘይርጉጽ ወይ ግምታዊ ጌርካዮ እናሓለፍካ ኸ፣ ስለምንታይ፣ ነቶም ኤርትራውያን ጭብጢ ከምዘለካ ብርጉጽነት ምውንጃል ኣድልዩ? እቲ “ውዲት” ዘይርጉጽ፣ ተሓባበርቲ ናይቲ ውዲት ግን ርጉጻት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ኣበይ ኣሎ እቲ ርትዒ። እዚ ብጭብጥን ግሉጽነትን ክሳብ ዘይቀረበ ስምዒታዊ ትንታኔ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

ብዛዕባ ምምስማስ ብኢትዮጵያ ኣብ ህግደፍን ተቓውሞን ኣብቶም ተኸታተልቲ ጽሑፋት ብሰፊሑ ቀሪቡ ስለዘሎ ምውካሱ ይከኣል። ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ መመሳመስቲ ኴንና ከምዘለና ብተወሳኺ ንምብራህ ግን EYSC-G ዝወዓሎም ጉዳያት ብጭቡጥ ኣብነት ኣብዚ ክንጠቅስ።

እዞም ነዚ ናይ ቦለኛ “ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ኣኼባ ዝወደቡ  መብዛሕትኦም ዝነበሩሉ ብ2012 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ቅነ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ብተመሳሳሊ ጭርሖ ዋዕላ ንምክያድ ምድላዋት እናገበሩ ኸለዉ፣ ናብ ክልቲኦም ማለት (EYC-EYSC ደሓር EYSC ዝኾነ ማለት’ዩ) ከምኡ ‘ውን EYGM ደዊለ፣ ኩሉኹም ናይ መንእሰያት ኤርትራ ማሕበራት፣ ዕላማኹም ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካት ክንሱ፣ ኣብ ሓደ ኣኼባ ውዒልኩም ዘይትመያየጡሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን ‘ሞ፣ መጀመርያ ነቲ ምስናይ ኣብዩ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ኣብነት ትኾኑዎ፣ ካልኣይ ንመንእሰያት ተበራብሩ ብሓፈሻ ንህዝቢ ተስፋ ትህቡዎ፣ ብዓቢኡ ኸኣ ንኽልቴኹም ማሕበራት ቀዳማይ ስጉምቲ ንስምረት ክኾነኩም ከም ሓባራዊ ጉዳይ ብሓንሳብ ዘይተካይዱዎ ኢለ ተወኪሰዮም፣ ክልቲኦም ወገናት ንዘተ ኣውንታዊ ግብረመልሲ ስለዘርኣዩ፣ ካብ ቀንዲ መራሕቶምን ተነጣጠፍቶምን ከክልተ ወከልቲ ገይሮም ብቴለፎን ንኽልተ ሰለስተ ግዜ ርክባት ኣካይድና። ኣብቲ ስለምንታይ መን ሓንጊዱ ዝብል ዝርዝራት ከይኣተና፣ እቲ ብሓባር ናይ ምክያዱ ሓሳብ ኣይሰመረን። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝመደበሮም ኣባላት EYGM ገሊኦም ልቢ ኣዕብዮም ኣብቲ ዋዕላ ኮነ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ሰቦም ተሳቲፎም፣ ገሊኦም ግን ባህ ስለዘይበሎም ኣይተሳተፉን።

ሕራይ ከምቲ መግለጺ ኣፈኛ EYSC-G ዝበሎ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሮም ተቓወምትስ ኢትዮጵያ መታን ሓቢሮም ከይሰርሑ ኮነ ኢላ ትብትኖም ኣላ። ነዞም ኣብ ኣመሪካ ዝመደበርኩም ክልተ ማሕበራት መንእሰያት ነቲ ዋዕላ ብሓባር ከይተካይዱዎ ደኣ መን ከልከለኩም? ኢትዮጵያ? በየን መጺኣ ፋሕ ኣቢላትኩም? ባዕልኹም ዶ ኣይኮንኩምን ነቲ ተሳኒኻ ምስራሕ ዝጸየንኩሞ። ኣብቲ ዘተ ከምዝተዓዘብኩዎ፣ ስም ማሕበርካ ተዋሒጡ ኣነ ገይረዮ ምባል ከይጽግመካ ምንሕንጋድ እንተዘይኮይኑ ሓቢርካ ካብ ምስራሕ ዘዐንቅፎም ዝጭበጥ ምኽንያት ኣይረኣኹን።

ነቲ ሽዑ፣ ኣብ ዋዕላ ዲሲ ሰሚሩ ተባሂሉ ብወግዒ ዝተኣወጀሉ EYSC ኸ መን’ዩ ሕጂ ናብ EYSC-G ከምኡ’ውን EYSC-NA ኣብ ክልተ ገሚዑዎ? መን ካራ መን ሕምባሻ ከምዝነበረ ባዕልኻትኩም ትፋለጡ። እቲ ናይ ፋሕጭንግራሕ ተግባር ግን ናትኩም እዩ። ዓበይቲ ኤርትራውያን ኣቦታትኩም፣ ዶር በረኸት ሃብተስላሰን ኣቶ ብርሃነ ገብረንጉስን ክዓርቁኹም ዘካየዱዎ ሰናይ ፈተነ ከምዘምከንኩሞ ‘ውን ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ከመይ ደኣ’ሞ ኣብ ኣመሪካ፣ ኤርትራውያን ብኤርትራውያን፣ እሞ ኸኣ ክትረዳድኡ ኣብ ዝግብኣኩም መንእሰያት ኣትዩኩም ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ዘየጽረኹም፣ ብናይ ኢትዮጵያ ውዲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክትዋራዘዩ ትፍትኑ። ንውዕሎ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ባዕሎም እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ይመስክሩዎ። ከም ውልቀሰብ፣ ቅድሚ ሕጂ ይኹን ንመጻኢ ረብሓ ኤርትራውያን ክትንከፍ ዓይነይ ኣብ ዝርእየሉ ግዜ፣ ከምቲ ኣብ ዲሲ ኣብ ኣኼባኹም ‘ውን ባዕልኹም ዝረኣኹሞ፣ ልበይ ከምዘይጎርሕ፣ ኣፈይ ከምዘይሕተም ከረጋግጸልኩም ይደሊ። ከምተን ኣብ ኣፍደገ ገዛ ንዝተቐበላኦ ዕትሮ ማይ ዝወረዳሉ ከምዝስላ ልህላሄአን ዘጋንና ጎራሓት ኣንስቲ ኣይትኹኑ። ብጃህራ እዝኒ ሰብ ከተጽምሙ ኣይታቅኑ። ቃልሲ ዝተወድአ ከይመስለኩም፣ ቃልሲ ገና ኣይተጀመረን።

ንምዃኑ ነታ Global እትብል መለቀብታ ኣበይ ኣቐመጥኩማ፣ ጎናያት ክንስኹም ምሉኣት ክትመስሉ EYSC እናበልኩም ነዚ ናይ ምክልኻልን ጸለመን መግለጺ ዘውጻእኩሞ? እዚ ዘይኮንካዮ ናይ ምምሳል ኣመል መመሊሱ ከጋግየኩም ‘ዩ ለብሙ ደኣ ኣሕዋት፣ ነብሱ ዘይቀየረ ሰብ፣ ካልእ ሰብ ክቕይር ኣይክእልን’ዩ።

ኣረግቶት ሕልምታት ሓደሽቲ ፈታሕቲ

እቶም EYSC-G “ሕልሚ ኢሳይያስ” “ሕልሚ ኢትዮጵያ” ኢሉ ዝጠቐሶም ናይ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ናይ ምጕባጥ ሕልምን ናይ ኢሳይያስ መራሒ ኢትዮ-ኤርትራ ኮይኑ ንኽመርሕ ዝነበሮ ሕልሚ ዘውድን፣ ናይ ዘበን እኒእኒ እዮም። ሕጂ ብ EYSC-G ዝተረኽቡ ሓደስቲ ምስጢራት ኣይኮኑን። ኣብዚ እዋን’ዚ ሃለዋቶም ከመይ ኣሎ’ዩ ክፍተሽ ዘለዎ።

  1. 1.  ሕልሚ ኢትዮጵያ

ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም፣ ብፍላይ ከኣ ስዕረት መግዛእቲ ጥልያን ኣብ ኤርትራ፣ ንፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ዝሓላለኾ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ናይ ምውሓጥ ሕልሚ እዩ። ድሕሪ ኽንደይ ፖለቲካዊ ሓጎጽጎጽን ናዕብን ብሓይልን ዕምጸጻን ኤርትራ ብኢትዮጵያ ምስ ተጎብጠት፣ እቲ ሕልሚ ንኢትዮጵያውያን ዝተጋህደ ‘ኳ እንተመሰሎም፣ ብዓይኒ ኤርትራውያን ገና ሕልሚ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ካብ ፈለማ ሱሳታት ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት ዝተሰጋገረ ዝለዓለ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ከኣ፣ “ ‘ኢምብራጦርያዊ’ ሕልሚ ኢትዮጵያ” እናተባህለ ይምከት ነይሩ። ሓርነት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ብረት ተረጋጊጹ፣ ናጽነት ብረፈረንደም ወግዓዊ ምስ ኮነ፣ ንኤርትራውያን ጋህዲ ናጽነት ምብርዓን ሕልሚ ኢትዮጵያ ኮነ። ብዓይኒ ኢትዮጵያውያን ግን ሕልሚ ብኤርትራ ኣይዓረፈን። ብሓጺሩ፣ ኣብዚ ዘበናዊ መዋእል፣ ሕልሚ ኢትዮጵያውያን ንኤርትራ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ። በብግዚኡ መጠኑ ይውስኽን ይደክምን ነይሩ ደኣ ክብሃል ይኽእል እምበር ከም ሓዱሽ ሕልሚ ክግለጽ ኣይክእልን።

ኢትዮጵያውያን ከምድላዮም ክሓልሙ ይኽእሉ እዮም። ድምቀቱን ህሰቱን ግን ኣብ ኤርትራውያን እዩ ዝምርኴስ። እንተሓይልና ይሃስስ፣ እንተደኺምና ይደምቕ። ስለዚ ብሕልሚ ኢትዮጵያውያን ዘይኮነስ ብድኻምና ኢና ክንጭነቕ ዘለና።

ሕልሚ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ዝተሓተ ደረጃኡ ዝወረደሉ መድረኽ፣ ናጽነት ኤርትራ ተኣዊጁ፣ ኤርትራ ከም ስድራቤት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ምስተፈልጠት እዩ። ነቲ ሕልሚ ናብ ዜሮ ኣውሪድና ናብ ፍቕሪ ክንቅይሮ ኸኣ ሓላፍነትና እዩ ነይሩ። ንሕልሚ ኢትዮጵያውያን ናብ ፍቕሪ ክንቅይሮ፣ ንኹሎም ‘ቶም ብሰንኪ ጎበጣ ኢትዮጵያ በዅሮምና ኢልና ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሎም፣ ቅዋማዊ ስርዓት፣ ፍትሕን ሕግን፣ ስልጣኔን ምዕባለን፣ ሰላምን ምርግጋእን ክዉናት ክንገብሮም ነይሩና። ኢሳይያስ ግን ኣሽንባይ ‘ዶ ነቲ ሃነን ከብለና ኪኖኦም ዝወሰኾ ሕልሚ ሲንጋፖር፣ ነዚኣቶም በቲ ዝተሓተ ናይ ኣፍሪቃ ደረጃ ኳ ኣብ ግብሪ ክትርጉሞም ዓቕሚ መሪሕነት ስለዘይነበሮ፣ ዝቐደመ ድኻሙ ክሽፍን ጥራይ ዘይኮነ ፍሽለቱ ገምምጊሙ ኣንፈቱ ከዐሪ ‘ውን ርእሰምትእምማን ስለዘይነበሮ፣ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመታት ናጽነት ናብቲ ምንጪ ህቡብነቱ ከምዝነበረ ዝኣምነሉ ኵናት ምስ ኢትዮጵያ መሊሱና። ማዕጾ ገሃነም ኤርትራ ኸኣ ተኸፊቱ። ዝርዝራት ናይቲ ከም ኤርትራውያን ዝወረደና ውርደትን ሕስረትን ንኹልና ብሩህ ስለዝኾነ ንዝለሎ። ኣብ መወዳእትኡ፣ ሓበና ኣብ ቦትኡ ኸሎ፣ ናብ ኢትዮጵያ ከም ኣውፈርትን ኣድለይቲ ክኢላታትን ዘይኮነ ከም ስደተኛታት ባዕልና ገፈፍ እናበልና ጥይት ህግደፍ እናስሓትና ተመሊስና፣ ንሕልሚ ናብ ፍቕሪ ክንቅይሮ ዝነበረና ዕድል ሓሺሽናዮ፣ ዝምድናና ናይ ስደተኛታትን መዕቆብትን ኮይኑ። እዚ ናይ ኢትዮጵያውያን ጥፍኣት ኣይኮነን። ናትና ጥፍኣት እዩ። ናይ ኢሳይያስ ጥፍኣት ጥራይ ‘ውን ኣይኮነን፣ ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ጥፍኣት እዩ። ኣብ ቤትፍርዲ፣ ኣታሊሉ ገበን ዘፈጸመ ጥራይ ኣይኮነን ብገበን ዝኽስስ፣ ተታሊሉ ኣብ ገበን ዝወዓለ ‘ውን ገበነኛ እዩ፣ መቕጻዕቶም ጥራይ እዩ ዝፈላለ። ናትና ናይ ኤርትራውያን ጸገም ከኣ፣ ነብስና ዘይንጥምት ምዃና’ዩ። እቲኣቶም፣ እቲኣቶም ክንብል ኣብ ዘይውዳእ ናይ ሕርሲ ቅልውላው ንነብር ኣለና።

ኢሳይያስ ኵናት ባዕሉ ከምዝጀመረ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝፈለጠላ መዓልቲ፣ ኢሳይያስ ካብ ስልጣኑ ተበርቍቑ ብገበን ክሕተት ነይሩዎ። እንተኾነ፣ ተነጣጠፍቲ ፖለቲካ ኤርትራ፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ሓርበኛታት (Patriots) ክመስሉ መታን “ወያነ ሕጋዊ ፍርዲ ኮምሽን ዶባት ተቐቢላ ካብ ባድመ ክትወጽእ ኣለዋ” ይብሉ፣ ምስ ሓፋሽ ተሰሪዖም፣ ብጉዳይ ኢትይዮጵያ ነብሰ ነቐፌታዊ ርእይቶ ንዘልዕሉ ባእታታት ከም ከዳዓትን ትሕተ-ሃገራውያንን ይሓምዩ። እዚ ግን ርእሰተኣማንነት ናይ ዘይብሎም ድኹም ሕልና እዩ። እንተ ሰቡ ክመስል እንተ ናይ ልቡ፣ “ባድመ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ኣለዋ” ኢሉ ዘይዓፈረ ኤርትራዊ የለን። ንምዃኑ ኤርትራ ንርእሳ ኣበይ ኣላ? መጀመርያ ኤርትራ ናብ ኤርትራ ክትምለስ፣ ነብሳ ክትረክብ ኣለዋ፣ ባድመ ናብ ኤርትራ ክትምለስ። ባድመ ኤርትራ እንተሓይላ ጥራይ እያ ናብ ኤርትራ ትምለስ። ኤርትራ እንተሓይላ፣ ኵናት ምግባር’ውን ኣየድልያን’ዩ።

ስለዚ እቶም ንጉዳይ ኤርትራ ብነብሰ ነቐፌታ ዝርእዩዎ ዜጋታት፣ ካብቶም ብጓንጓ ዘረባ ዝበለጹ ሓርበኛታት ክመስሉ ዝደልዩ ኤርትራውያን “ንላዕሊ” ምባል ኳ ትምክሕቲ ከይኮነና፣ እንተወሓደ ማዕሪኦም ፍቕሪ ኤርትራ ኣለዎም።

ኢትዮጵያውያን እንተ ሕልሞም ሃሰስ ክብሉ እንተ ከም ጎረቤት ደሃይና ክገብሩ፣ ማዕጾና ክዅሕኩሑዎ ኸለዉ፣ ከይደፍኡዎ ባዕሉ ይኽፈተሎም ኣሎ። ሃለዋትና ስለዘጥፋእና። መቐመጫ ኤርትራውያን ኣጓብዝ ብዕንጨይቲ በደዊን ዝተሸዅሸዄ፣ ማህጸን ኣዋልድ ኤርትራ ሕፍሶ ቁማል ዝተወተፎ፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ንበደዊን ስለዝኣዘዞም ኣይኮነን። ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሲናይ፣ እስራኤል ሕሱራት ስደተኛታት ኮይኖም ዘለዉ፣ ኢሳይያስ ንኤርትራ እሾኽ ስለዝዘረኣላ መርገጺ እግሪ ስኢኖም፣ ተስፋ ቆሪጾም ስለዝተበተኑ ዝበጽሑዎ ናይ ውርደት መኣዝናት ‘ዩ። ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምንጪ ቅልውላው ዝኾነ ስርዓት ቀዳማይ ጸላኢና ምዃኑ ብምልላይ፣ ንምምካቱ ብስምረትን ሓባራዊ ራእይን ዝሓየለ ውዳበ ክሳብ ዘይገበርና ኸኣ፣ ኢትዮጵያ ኣይኮነን ዚምባብወ ኢዳ ክትሰድልና እያ። ነብስና ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኸሎ “ኢድ ኢትዮጵያ ኣትዩና” ኢልካ ምዕዝምዛም ከኣ ጣቋ የብሉን። ምሉእ ብምሉእ ነጻ ክንከውን፣ ከምቲ ተጋዳላይ ቀደም ዚገበሮ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንምቅላስ ስረ ምዕጣቕ፣ ተወፋይነት ‘ዩ ዘድልየና። እዞም ሕጂ ኣብ ቦለኛ ሰብኡት ሃገራውነት ክኾኑ ብምፍታን፣ ቫይርስ ደምበ ተቓውሞ ኮይኖም ንኻልኦት ሃገራውያን ክበታትኑን ክነጻጽሉን ዝፍትኑ ዘለዉ፣ እቲ ኣብነት ናይዚ ወለዶ ክኸውን ዝነበሮ ተወፋይነት ተጋዳላይ ከይባኽን ክንከላኸለሉ ኸለና፣ ገሊኦም “ መን ተጋደለለይ ኢሉካ” ኢሎም ብጣቕዒት ናብ ፋኛቱራ ዘፍኑዉዎ፣ ገሊኦም ከኣ ኣጽቂጦም ኣብ ውልቃዊ ውራዮም ሃተምተም ክብሉ ዝጸንሑ ዶ ኣይኮኑን። ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ለውጢ ኣብ ውሽጢ እዩ ዝመጽእ ምባሎም ዝጽላእ ኣይኮነን። “ንሕና ኢና ምሂዝናዮ፣ ብዘይካና ዝገበሮ የለን” ኢሎም ክጅሃሩ ምፍታኖም ግን መርኣያ ድኽመቶም እዩ።

ብሓጺሩ፣ ኢትዮጵያውያን ይሕለሙ፣ ኤርትራውያን ከኣ ንሕለም። ንሕና ሕልሚ ምቍራጽና ‘ምበር ኢትዮጵያውያን ሕልሚ ምቕጻሎም ኣይኮነን እቲ ጸገም። ንሕልሞም ዘበራበሮ፣ ድኻምና’ዩ። ፈውሱ ኸኣ ሓይልና።

  1. 2.  ሕልሚ ኢሳይያስ

ኢሳይያስ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ደሚሩ ናይ ምግዛእ ሕልሚ ኣለዎ፣ ተባሂሉ ከም ሓደ ሓድሽ ፍልጠት ኣብ ጽሑፍ ዝወደቐ ኣበሃህላ፣ ናይ ብሃማት እዩ። ካብ ሓደ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምጽእ ካብ ሰበይ ንላዕሊ ይቃለስ ኣለኹ ኢሉ ዝምካሕ ኣካል ክመጽእ ከሎ ኸኣ ‘ሞ የሕፍር።

ቀደም ዋላ ክሳብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ናይ ሓንቲ ዓባይ ሃገር (ኤርትራን ኢትዮጵያን) መራሒ ክኸውን ጥሙሕ ነይሩዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ድሌት’ዚ ግን ካብ ፖለቲካዊ ንቕሓት ኤርትራውያን ሕቡእ እዩ ዝነበረ። ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ነዚ ዘይርጉጽ ባህጊ‘ዚ ዝጠራጠሩሉን ከም ስግኣት በጨቕ ዘብሉዎን ዝነበሩ እቶም ንብሄራዊ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ዝቃለሱ ዝነበሩ፣ ሕጂ ኣብ መሪሕነት ኢትዮጵያ ዘለዉን ዝነበሩን ኣካላት እዮም።

ድሕሪ ምዝላቕ፣ (ካብ 1978 ንደሓር) ኣብ ምብራቕ ጀርመን ከምኡ’ውን ኣብ ኣትላንታ ብ1989 ህዝባዊ ግንባር ምስ ስርዓት ደርግ ዝርርብ ሰላም ከካይድ ከሎ ብፍላይ፣ ስርዓት ደርግ ንባህጊ ስልጣን ኢሳይያስ ዘርዊ ሕድገታት እንተገይሩ፣ ኢሳይያስ ብናይ ስልጣን ህርፋኑ ንባዕሉ ተቐሺሹ ንህዝባዊ ግንባር ቀሺሹ ብረቱ ከውርድ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣቶም ይሕይል ስለዝነበረ ኸኣ’ዮም ብተወላዋልነት ዝሓምዩዎ ነይሮም። ኣብ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ተኣማሚኖም፣ ንናጽነት ኤርትራ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ኣትሪሮም ዝድግፉሉ ዝነበሩ ምኽንያት ከኣ፣ ነቲ ናይ ኢሳይያስ ስግኣት ናብ ዜሮ ብምውራድ፣ ንሓይሊ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ቃልሲ ከምዝጸንዕ ብምግባር፣ ኣብቲ ንሳቶም ኣብ ኢትዮጵያ ከምጽኡዎ ዝደልዩ ለውጢ ንዘለዎ ዓቢ ኣበርክቶ ንምዕቃብ፣ መግዳዕቶም ንምጕዳል እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ናጽነት ኤርትራ ብትሪ ዝደገፉሉ ምኽንያት ብቐዳምነት ንረብሓኦም ኢሎም እዮም። እቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮም ምድንጋጽ ካልኣዊ እዩ።

ንእግረ መንገድና፣ “ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ኣይትደልን’ያ” ዝብል መስመር ‘ውን ኣድማዕነት ከምዘይብሉ ምዝካር የድሊ። እቲ ወሳኒ ሓይሊ ድሌትና እዩ። ድሌትና ንምዕቃብ ነጻነትና እንተሓይሉ፣ ድሌት ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን። ቀደም’ውን ኮ እዞም ሕጂ ዘለዉ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ደጊፎሞ እምበር፣ ኣይፈጠሩዎን። እቲ ሽዑ ዝነበረ ስርዓትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ‘ውን ተገዲዶም ‘ምበር ፈትዮም ኣይተቐበሉዎን። ስለዚ ኣብ ሓይሊ ድሌትና ከነተኩር ኣለና።

ብዝኾነ፣ እዚ ናይ ኢሳይያስ ሕልሚ ጽንቃቑ ክሳብ 1998 ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብ2000 ዓመተ ምህረት ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብስዕረቱ ምስ ተዛዘመ ግን፣ ሕልሚ ኢሳይያስ ኣብቂዑ፣ ሞይቱ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኢሳይያስ፣ እዛ ኣብ ኤርትራ ብሓይሊ ዓምጺጹ ዓማጺጹ ዝሓዛ፣ ኣብ ጫፍ በጺሓ ዘላ ስልጣን ከይትመልቆ እዩ ናይ ሞትን ሕየትን (ናይ Survival) ጻዕሪ ዘካይድ ዘሎ። ነዚ ንኤርትራ ኳ ከመሓድር ዘይከኣለ ኢሳይያስ፣ ንኢትዮጵያ ደሚርካ ናይ ምምራሕ ሕልሚ ከምዘለዎ ምግላጹ ኸኣ ዘይሓይሉ ምሃቡ፣ ኣብ ርእሲ ካልኦት ዝተሰላሰለ ሕልሚ ናብ ርእሱ ከም ምልጣፍ እዩ ዝቑጸር። ብዛዕባ’ቲ “ቀዳድ ገረወይና” እናበለ ንባደመ ንኢትዮጵያ ዘረከበ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ 18 ኪሎሜትር ናብ ኤርትራ ኣትዩ ንዝፈነወሉ መጥቃዕቲ ዘይተኸላኸለ፣ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ’ቲ ብሓይሊ ሒዙዎ ዝነበረ በረኻታት ትግራይ መዓስከር ስደተኛታት ደኵኖም ክነበሩ ዝገበረ፣ ስዊች መብራህቲ ኣስመራ ኣብ ትርኣሱ ገይሩ ክውልዕልን ከጥፍእን ዝሓደር ዘሎ ኢሳይያስ ይዛረቡ እንተልዮም፣ ይጋገዩ እዮም ዘለዉ። ኢሳይያስ ደኣ ‘ሞ ከይደቀሰ ከመይ ኢሉ ክሓልም።

ኤርትራውያን ኣሕዋት፣ ልክዕ ከም ህግደፍ፣ “ወያነ፣ ኣመሪካ ከምዚ ይሓልሙልና ኣለዉ፣ ሓሲዶምና፣ ዓይኖም ደም መሊኡ፣ ከምዚ ‘ባ ከምቲ ‘ባ ገይሮምና” ወዘተረፈ እናበልና ኣይነመሳምስ። እቲ ናይ ውዱቓት መጻንሒ ዝኾነ ምስምስ ንህግደፍ፣ ኣይጠቕሞን ‘ምበር የምሕረሉ’ዩ። እንተንስኹም፣ ከይተንሳእኩም ከይትወድቁ ምስምስ ኣይተብዝሑ። ትሕቲ ጉጭ ልዕሊ ጉጭ ኣይትበሉ፣ ን EYSC-G እቶም ካልኦት ማሕበራት መንእሰያትን ነነሕድሕዶም ከይቃረቡ ፊጽፊጽ ዘብሎም ዘሎ ኢድ ኢትዮጵያ ኣይኮነን፣ ወገናዊ ፖለቲካ እዩ። ካብዚ ድሑር ዝንባለ ‘ዚ ኸኣ ብጭርሖ ምኽዋል ኣይከኣልን እዩ። ኣበገስቲ ዲዮም ቀጸልቲ እዝጊሄር ዋንኦም። ግን ብዙሓት ኤርትራውያን ብወገንነት ተጨማሊቖም ከምዘለዉ ኣብ ባይታ ዘሎ ርኡይ ሓቂ እዩ። ብፍላይ ኣብ መንእሰያትን ተጋደልትን ሳዕሪሩ ምህላዉ ኸኣ የሕዝን። እዚ ካብ ድኻም’ዩ ዝብገስ። ናይ ምግባር ዓቕምኻ ተጸንቂቑ ወለል ምስ በለካ ኣብዚ ድሑር ዝንባለ’ዚ ኢኻ ትወድቕ። እዚ ኸኣ ንቕድሚት ፍሕት ዘብለና ኣይኮነን። ከምዚ እንተቐጺልና ነቶም Silent Majority ናብ ቃልሲ ምስሓብስ ይትረፍ ንርእስና Silent ክንከውን ኢና።

ብቐንዱ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ክውዳእ፣ ምስኡ ሕልሚ ኢትዮጵያ ከብቅዕ፣ ኤርትራውያን ሻራይ ሻራኻ ገዲፍና ብወገን ዘይኮነ ብመትከል ሰሚርና ንስርዓት ኢሳይያስ ክንኣልዮ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሽግርና ክንፈትሕ ኣለና። ነዚ እንተጌርናዮ ሕልሚ ኢሳይያስ ኮነ ሕልሚ ኢትዮጵያ ክበንን’ዩ፣ ከምዚ ዘለናዮ ቢጣጦ ኴንና እንተቐጽልና ግን ኤርትራ መኺኻ ናብ ኢትዮጵያ ክትፈስስ እያ። እዚ ከኣ ብሰንክና እምበር ብሰንኪ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ጥፍኣት ኣይኮነን። እዚ ወያነ መታን ከይጥቀም ኢሳይያስ ይጽንሓልና ዝብል፣ ጻህያይ ከይቦቕለና ማይ ይትረፈና ዝዓይነቱ ናይ ሰነፋት ምጉት ግደፉዎ። ጻህያይ እናጸሃኹም እኽልኹም ተኸናኸኑ። ጽባሕ ዘይኮነ ሕጂ ክትጠዓሱ ዘለኩም ከኣ፣ እቶም ብዘይምዕቡል ኣተሓሳስባ ካልኦት እናተዘወርኩም ንህዝቢ ርእሱ ከተዙሩሉ፣ ኣብ ምድንጋር ነዋፊርኩም ዘለኹም ዕሸላት ኢኹም’ሞ፣ ዝኣረገ ልቢ ኣብ ዳንጋ መንእሰይ ለጢፍኩም ኣይትጕየዩ፣ እቲ ከይትኮሰኩም እቲ ከይስልክየኩም።

ኣማኑኤል ኢያሱ

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

5 መስከረም 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
65 COMMENTS
  • Kokhob selam September 7, 2013

    It is good we are all followoing the journey (up-down).this will let us unite and work.

  • kemal Ali September 7, 2013

    Good point brother Amanual the more we are stronger the more the dream fade and the more we are weak the more the dream flourished….period!

  • Daniel September 7, 2013

    Amanuel…you are a mentally sick person. It is very sad. You better be born in ‘dehri merebe melash’…you are a disgrace for your family and country. Beka maye koyenka kiedeka…

    • tekeste September 7, 2013

      Apart from insulting hero citzens, think how you could help your people in this difficult time for all eritreans. I think Amanuel is one of the few heroic citizens who should be admired for his patriotism and committment.

    • Tes September 7, 2013

      Daniel

      You are retarded insane person. You are outfit and a wrong place. Loser!

    • The eye wittness September 8, 2013

      Daniel, with the support of sick people DIA is ruthlessly destroying Eritrea. You need a gut to challenge the hgdf/pfdj government. You need a gut to tell the truth . People who dare to challenge DIA’s power disappear forever. Amanuel has a gut to expose the hgdf/ pfdj gov. People who try to coverup hgdf/pfdj dirty job are mentally sick! They really need help

    • The eye wittness September 8, 2013

      Daniel, you should be ashemed of yourself . It is not Amanuel’s fault that you don’t have gut to expose the hgdf gov. Be a man like Amanuel and other brave Eritreans and stand with your people.

    • salma a. September 9, 2013

      daniel,
      really? you sound so desperate. why is that? why does what Mr. Amanuel Eyasu say cause you such a headache? I am sure if you were an oppressed Eritrean you could have been able to see what our people and our country are going through. Does it mean you don’t care that our people suffer under eseyas’s dictatorship? does it mean you don’t care whether we have a country or not? you better ask yourself before insulting dedicated and honest, intelligent citizen. you are an insult to human intelligence. shame on you daniel

  • ተወልደመድኅን September 7, 2013

    ኣንታ ኣማን ንሕና ኤርትራውያን’ኮ ገና ንጎይ ኢና ዘሎና።ሕጂ’ውን ስሮኣት ህግደፍ ሮሞቕ ኣቢሉና እንኸሶ እንተጠፍኣና እናወደቕና ምጉያይ ኣብ ሰራውር ደምና ኣትያ ኢያ ዘላ።ነገራት ህድእ ኢልና ብትዕግስቲ ክንርእየሉ፡ነገራት ኣንቢብና ክንርደኣሉ ንኽእል ናይ ህዱኣት ባህሪ የብልናን።ቅድሚ ኩሉ ካብ ኣፍ ናብ ኣፍ ዝመሃላለፍ ክንሰምዕ ደስ ዚብለና፡ኦኣቕምና ከኣ ኣብ ምስማዕን ምርኣይን’ምበር ኣንቢብካ ኣብ ምርዳእ ኣይኮነን።ቅድሚ ሕጂ ብዙሃት ሰባት ጽሑፍካ ነዊሕ’ዩ መጽሃፍካ ነዋሕ’ያ ምስረኣካያ ተሀኪየካ…..ምስበሉኒ ስለምንታይ ኣንተበልኩዎም ንሕና ኤርትራውያን ንእሽቶን ምቅርትን ኢና ንፈቱ ዝብል ምላሽ ሂቦምኒ። ስለዚ ጽሑፍካ ነዊሑ ሓቂ’ዶ እቶም ናይ ኣተሃሳስባ ለውጢ ኣምጺኦም ኣብቲ ጉዳይ ሃገር ተሳተፍቲ ክኾኑ ትደልዮም ይኩኑ እቶም ስለሃገር ንግደስ ዝብሉ ህግደፋውያን የንብቡዎ።

  • Truly Truly i say to you September 7, 2013

    ኣምሓሩት ክምስሉ ከምዚ ይብሉ። የሚያጠግብ እንጀራ ከምጣዱ ያስታውቃል። እዚ ናይ ቦሎኛ ምትእክካብ ገና ከይተበገሰ ከምዝፈሽል ንሰከንድ ኣይተጠራጠርኩን ነረ። እነሆ´ከኣ ውጽኢቱ ሰሚእናዮ። ንምኳኑ እዚ “ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን፦” ዝብል ጭርሆ እቲ ዕላምኡ ኣንጻር ሕግደፍ ኣቅኒኡ እንተዝከውን ነሩ፣ ኩላህና አእምሮና ቑሩብ ምተቀበሎ ነሩ። አቲ ጸገም ግን ኣንጻር ነቶም ኣብ´ተቃውሞ ንዘለዉ ብሙሉእ ሀገራውያን ከምደይሃገራውያን ብሙቅጻር ንምውቃእ ዝኣለመ፣ ነነፍሶም ግን ከምፍሉይ ሃግራውያን ብምቁጻር፣ ወይ ካብ ትምክህቲ፣ ወይ ኮነ ኢልካ ንተቃውሞ ንምድኻም ብሕግደፍ ተማእዚዞም ዝጨርኽዎ ጭርሆ ምምሳሉ እዩ ዘገርመና።
    እዚ ብሃደ ወገን ክኸውን ከሎ፣ ብካልእ ወገን ግን ምስ ክቡር ሃው ኣማንኤል እያሱ ዳርጋ ሚእቲ ፐርሰንት ምስቲ ናቱ ርእይቶ ዝሰማማእ አንተኮንኩ፤ ገለ ስክፍታ ስለዝፈጠረለይ ክሃቶ ወይ´ከኣ ከስተባህለሉ ዝመክሮ፣ “ዶክተር በረከት ነዚኦም ዝተገማምኡ መንእስያት ንክኣርቁ ፈተነ ከምዝገበሩ” ገሊጹ ነሩ´ሞ፣ ቅድሚ ሕጂ ግን ዶክተር በርከት ቅድሚ ምሟታይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሃደ ተጽንቢረን ንክርእይ እዩ ትምኒተይ ክብሉ ስለዝተሰምኡ፣ ብኸመይ ከምዚ ኣይነት መርገጺን ዕላማን ዘለዎ ሰብ፣ ዝገበረ እንተገበረ ዝበለ እንተበለ ከመይ ክእመን ይኽዕል? ኢለ ምሃተትኩ። ነዚ ዝብል ዘለኩ እቲ ጸገም ናይ መንእስያት ጥራህ ደይኮነ፣ ዋላ ናይቶም ኣበይቲ ዝበሃሉ ምሑራት ይኩኑ ካልኦት ተቃወምቲ ኢና ባህልቲ ናይኩሎም ሕማም ብምዃኑ እዩ። እዝኦም ብእርጋናም ተጋጊዮም ዘጋግዩ ናይ ስቶክሖልም (ስውዲን) ተኣከብቲስ ካብዚኣቶም ኣይ ዝገደዱ እንድዮም? ንምዃኑ ኣቦ ደይጠኣየስ ወዱ´ዶ ክጥእይ ኮይኑ?
    ነቲ ካልኣይ ዝኣበየ ነጥበይ ክዛረበሉ ዝደልይ፣ ልክእ እዩ ኢሳያስ ነቲ ውግእ ባእሉ ከምዝጀመሮ ተዓሚንሉ ክኸውን ይክእል እዩ። ግናስ ዕላማ ኢሳያስን መንነትን ካብ ግብሩ፣ መንንን አንታይን ምዃኑ ኩላህና ንስሕቶ ጉዳይ ኣይመስለንን ፣ ንሱ ንዕላሙኡ ብሽም ሀገረ ኤርትራ ኮነ ኢሉ ፣ ንሃገርናን ሕዝብናን ንመጻኢ ወለዶ ዕዳ ንክኾኖ ንዝተኣመነሉ ውግእ ንህናውን ንክንደግሞ አይግድን። ምኽንያቱ ኣብቲ ናቱ ዕላማ ከይተፈለጠና ንኣቱ ስለዘለና።
    ብዝተረፈ ነቲ ኢሳያስ ጀሚርዎ ዘሎ ቃለመጠይቅ ኣስተብሂልኩሙሉ እንተኮንኩም፣ ኃይሊ ኤሌክትሪክ ንምድንፋእ እንታይ ዝተወጠነ ኣሎ ነቲ ዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ፣ ዓብክንዲ ናትና ዝህልወና፣ ገና ናይ ኢትዮጵያ ምስተሃንጸ ካብኡ ብምግዛእ ምጥቃም አቲ ዝሃሸ ከምድኮነ እዩ ዝገልጽ ነሩ። በዚ´ከኣ ዕላምኡ እንታይ ከምድኮነ ምግጣሙ ብዙህ ዘጽግም ኣይመስለንን።

  • ahmed saleh September 7, 2013

    The last couple of years Eritrean youth took the matter in their hands to up-lift the political struggle
    for change . Then lately we observed some different groups with no association to others start to initiate
    their own agenda . If the aim is to defeat the current system for democratic country , why do we need splinter
    political groups ? Remember the last time report about HGDF’s plan to fight against opposition movements in
    diaspora. The only way to break down their opponents foundation is to see the them fragile out of lack of unity .

  • woldu tekle September 7, 2013

    ዝኸበርካ ኣቶ ኣማንኤል ኢያሱ፡

    ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መንገዲ ባብር ደቅስ ከም ዝብሃል ኩሉ አቲ ዝበልካዮ ሓቂ ኢዩ ወጾ የብሉን፡ ፡ ልቢ ኣዕቢና እምበር ካብቲ ንስኻ ዝበልካዮ ንላዕሊ ክንብል ንኽእል ኔርና፡ ፤ኣብ 2013 ብዛዕባ 50ታት ኣልዒልካ እሞ ከኣ መልእኽቱ ቀይርካን ሕብሪ ቀባቢእኻን ንህዝቢ ክተደናግር ምፍታን ናይ ሕልና ድኽነት ኢዩ፡ ፤ ማሕበር ቦሎኛ መምሃሪ ክኸውን ተስፋ እገብር፡ ፡ ሓደ ጸላኢ ህዝቢ አርትራ ህግደፍ ስለ ዝኾነ ሓይልና ኣንጻር ህግደፍ ክኸውን ይግባእ፡ ፤ ከምዚ ክብል ከለኹ ግን ደለይቲ ፍትሒ ተመሲሎም ናይ ህግደፍ ስራሕ ዝሰርሑን ኣንጻር እዚ ተበጊሱ ዘሎ ማዕበል ለውጢ ክጽይቑ ምስ እንርኢ ኣእዳውና ኣጣሚርና ስቕ ክንብል ማለት ኣይኮነን፡ ፤ጉጅለ ቦሎኛ ኤርትራውያን ኢዮም ንሕና እውን ኤርትራውያን ኢና ስለዚ ተኸባቢርና ንጸላኢ ህዝብ ኤርትራ ዝኾነ እንኮ ህግደፍ ሳቦያ ኢልና ሓግሒግና ክነውጽኦ ይግብኣና፡ ፤ ኩልና ልቢ ኣዕቢና ንጌጋና ኣሚና ህዝቢ ዝደልዮ ፍታሕ ክነምጽእ ንኹሉ ደላዪ ፍትሒ ይዕድም፡ ፤ ዓቕምታትና ኣንጻር ህግደፍ እምበር ኣብ ነንሕድሕድና ከይከውን በዚ ኣጋጣሚ ንኹሉ ደላዪ ፍትሒ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰይ ወለዶ ጸዋዒተይ የቕርብ፡ ፡

  • Efrem September 7, 2013

    To have people like you on the side of the oppressed gives me hope. Eritrea needs all of her children!! Let’s agree to disagree for the sake of our country

  • Meretse Asmelash September 7, 2013

    Dear Amanuel Iysu,
    Simply you are a charismatic journalist and activist. Thank you for changing the light shade now.

  • Wedi Meret September 7, 2013

    Aman
    you got it all right, well done

POST A COMMENT