Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝናን ባህታን ናጽነትን ሱቕታን። (15)

ዝናን ባህታን ትርጉም ስኢኖም ናጽነትን ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢነን ትብል መበገሲ ሒዛ ክትከይድ ዝጸንሐት ተኸታታሊት ጽሕፍቲ ደጊም’ሲ በዚኣን በ’ዳነኣን ክትዛዘም’ያ። ዝኾነ ኾይኑ ብዛዕባውድቀት ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ዝበሃልን ዝጸሓፍን ዘሎ ሰማዕን ኣንባብን’ኳ እንተረኺቡ’ዩ። ኣመና በዚሑ’ሲ

ዝናን ባህታን ትርጉም ስኢኖም ናጽነትን ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢነን ትብል መበገሲ ሒዛ ክትከይድ ዝጸንሐት ተኸታታሊት ጽሕፍቲ ደጊም’ሲ በዚኣን በ’ዳነኣን ክትዛዘም’ያ። ዝኾነ ኾይኑ ብዛዕባውድቀት ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ዝበሃልን ዝጸሓፍን ዘሎ ሰማዕን ኣንባብን’ኳ እንተረኺቡ’ዩ። ኣመና በዚሑ’ሲ እንግድዓ ሰብኣዊ ፍጡር ዝጾሮ’ኳኣይመስልን። እንተ ንሳቶም ግን ሓንሳብ ናይ ሞያ ኣንፈቶም ምስሰሓቱ፡ ብኡ’ቢሉ ተሰቢሉዎም ዝተባህለ እንተተባህለ ክሳብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ ዝስቆሮም ኣይመስሉን ዘለዉ። ……. ንሓዋሩ ደኣ ገለ ዘይረኣይዎ ይፍጠረሎም’ምበር!

አረ ሎምስ ሕሉፍ-ሓሊፍዎም ንሓድሕዶም ካን ዛ’ሓመድ ኣዳም ክነፋፈጉ’ዮም ዝረኣዩ ዘለዉ። እዚ ኣዝዩ ዘፍርሕንዘሕፍርን ሓዲሽ ተርእዮ’ዚከመይ ዝበለ ትምህርቲ ከምዝገድፍ ደኣ እንድዒ’ምበር ኣብ መወዳእትኦም’ሲ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጉድ ዝገድፉ’ዩምዝመስሉ ዘለዉ። ስለ’ዚ ብፍላይኣገባብ ኣተሓሕዛ መንግስቲ ኤርትራንመሰል ኣቐባብራ ነፍስ ሄር ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ እንተርኢኻ፡ እንዳ ዝናን ባህታን’ሲ ቀደም’ውን ናይ ስልጣንን ናይ ረብሓንህርፋን’ዩ ኣኻኺቡዎም ኔሩ’ምበር ሃገራውነትን መሰል ዜግነትንኣይነበረን ክሳብ ምባል ምድፋር ምግናን ዝመስል ኣይመስለንን።

ብተወሳኺ ድማ  ኣቶ ናይዝጊ ኣብ ንግድን ዕዳጋን ከይተዋፈረ ኣብ ለንደን ኣጥርይዎንዘሎ ገዛውቲ መግዝኢ ዝኸውን ገንዘብ ካበይ’ዩ ረኺቡ?ምናልባትካልኦት ሰበስልጣንከ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ካልእ ዓለም ከምኡ ዝበለ ንብረት ኣጥርዮምዶኾን ይህልዉ ይኾኑ? ምባል  ……. ንእዋን ዝግደፍ ሰባብ ሕቶ’ዩ።

ምናልባት ግንካብ ሜዳ ክንኣቱ እንከለና ኮንጎ ሳእኒ ጥራይ ከምዝነበረና ህዝቢ ኤርትራ ይፈልጥ ኔሩ’ዩ። ካብኡ ቀጺልና ኣብ ሓጺር ግዜ ገዛውትን መኻይንን ከነጥሪ እንከለና ድማ ህዝቢ ኤርትራ ይፈልጥ’ዩ። ስለ’ዚ ገንዘብ መንግስቲ ከነላዕል እንከለና ሱቕ ኢሉ ስለዝረኣየና ህዝብና’ውንምሳና ተሓታቲ’ዩ ዝብል ብሂሎም ከም ምኽንያት ክደጋግምዎ ይደፍሩ’ኾኑ።… ዕድመ ዝሃቦ ክርእዮ’ዩ።

ዝገደደ ድማ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ኣማኢት ገጻት ዘለዎ ጽሑፍ ገዲፉ’ሎ ዝበሃል ወረ ሓቂ እንተኾይኑ! ምናልባት ንሱ’ውን ኢሳያስ ሰባት ክቕንጽል’ከሎ ክሳደይ ኣድኒነ ይዕዘብ ኔረ’የ ዝዓይነቱ ዓውዲ ጸቒጡ  ሓሊፉ ከይኸውን ጥራይ? እንተተረኺቡ ግን ንስሓስ እንታይበሃሊ! መጋረጃ ደገሰላም ገንጻሊ።

ስለ’ዚእንዳ ዝናን ባህታን’ሲ መኣዶም በሊዖም ካብ መኣዲ ደቆምእና’ንቀላወጡ በብሓደ ይሓልፉ’ለው። እንተኾነ ግን ገዲፎሞ ዝኸዱ ዘለዉ ጣጣ ብቐሊሉ ዝሓልፍ ኣይመስልን ዘሎ።…. ብዘይቃልዓለም ግን ካብ’ዛ ናይ ሕልሚ ዓለሞም ምብርባር የድሊ’ሎ!

ዝኾነ ኾይኑ ናጽነትን ሱቕታን ድማ ኣብ’ታዝዓበያላ….. መኣዲ ናይ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ….. ብሓባር ኮፍ ምባል ካብ ዝስእና ዝሓለፈ እዋን ኣይሓጸረን። እንተኾነ ግን ገዚፍ ክፋል ናይ’ቲ ጻዕርታት ኣብ ክንዲ ንቕድሚት እና’ጠመትካ ምስ እዋን ምትዕጽጻፍ፡ ስረን ጅግንነትን፡ ኤርትራን ኤርትራውነትን ኣብ ጎላጉል ባርካን ጎቦታት ሳሕልን ከምዝተፈጥሩን ከምዝተረስዑን ክሳብ ዝመስል፡ ንድሕሪት ናብ እዋን ገድልን ምግዳልን ተተመሊስካዝግበር መዕለቢ ዘይብሉናይ ታሪኽዓዋዊል ምሕንጓስ’ዩ ግዜን ጻዕርን ናይ ብዙሓት ዘቃጽልን ንመስርሕ ለውጥን ዕርቅን ዝቕፍድን ዘሎ።

እወ ነዚ ናይ ታሪኽ ዝምባሌ’ዚ ዝተመርኮሰ ናየ’ረኣእያ ነጸብራቕድማ’ዩንህሉው ኩነታትን መጻኢ ዕድልን ፍሕት ምባል ከሊእዎ ዘሎ።ስለ’ዚ እዚ ዓድን ዓውድን ለኪሙ፡ባዕሉ ንባዕሉ ክንእድን ከሞጉስን፡ኣብ ዕጹው ማዕጾ እዋኑ ዘዕረበ ስምዒታዊ ናየ’ተሓሳስባ ህቦቡላን ሳዕቤኑን ከም ዓለሙ ንኽመስል’ሞ ምስ እዋን ንኽጎዓዝ እንታይ እንተተገብረ ይሓይሽ ኣብ ዝብል ናይ ተስፋ መስኮት’የን እምበኣርከስ ናጽነትን ሱቕታን ዝቀናጠዋ ዘለዋ።

እዚ ምቅንጣው’ዚ ድማ ብብዙሕ መልክዕ’ዩዝንጸባረቕ ዘሎ።ብቐዳምነት ዝጥቀስ እቲበብቑሩብ እና’ሃሰሰን እና’ፈኾሰን ዝኸይድ ዘሎ ናይ ታሪኽ ዕሙሙ፡ ነቲ ሕማም፡ከም ናይ ርእሲ ሕማም ጥራይ  ኣምሲሉ ዘቕርብ ኮይኑ፡ በሃልቱ ድማ ንተራን ሓላፍነትን ናይ’ቲ ብበዓል ናይዝግን ኢሳያስን ዝተዓደሎምሽመቶምን ስልጣኖምን ኣወንዚፎም ሕጂ ድሕሪ ፍርቂ ዘመን፡ ቀደም ኣብ እዋን ገድልን ምግዳልን ካብ ብልሕን ሽርሕን መራሕትና ዝሓባእናዮ ናይ ቀደም ልቦናናዓቚሩዎ ዝጸንሐ ዘስካሕክሕ ምስጢር እነሀለኩም’ሞ፡ ንመጻኢ ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ኣይትረስዕዎ ክሳብ ምባል ዝበጽሕ ብሂል ከይተሓለሉ ከንጸባርቑ ይፍትኑ፡፡

እንተኾነ ግን እዚ ዝምባሌ’ዚ፡

ሀ) ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ….. ካብ ዓምን ቅድሚ ዓምን…. ዝውረስ ትምህርቲ ዘይመሚ፡

ለ) ብዝበለየ ሜላን እምነትን ዝዘንግዐ፡

ሐ) ኡሉኽ ቂምታን ሕነ ምፍዳይን ዘንጸባርቕ፡

መ) ንሕቶታት ናይ እዋን ቀዳምነት ዝነፍግ፡

……ሸፈጥ ስለዝመስል፡ ንመስርሕ ለውጥን ዕርቅን’ሲ ይትረፍ ንናይ ታሪኽ መመላእታ’ኳ ዝበቅዕ ምዃኑ የጠራጥረካ። እዚኣቶም ከም ኣበሃህላኦምእንተኾይኑ ሚዛኖም፡ኣብ’ቲ ናይ ገድልን ምግዳልን እዋን’ሲ ምስ ናይ መራሕትና ዝመጣጠን ናይ ሕልና ሚዛን ጥራይ ዘይኮነክንድስብእነቶም ዘለክዕ …..ተስተስተሮን’ውን……  ኣይነበረናን ክብሉ ዝደፍሩ’ዮም ዝመስሉ።

በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ዝዓበ ዝነኣሰ ደላይ ለውጢ ዘርእዮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ብብዙሕ ኩርናዓት ናይ ዓለም  ዝንጸባረቕ ዘሎ ሓዲሽ መንፈስ’ዩ መንገዲ ተስፋ ዘብርህ ዘሎ። እወ ሓዲሽ መንፈስ! ንኣብነትኣብ ቀረባ እዋን፡ መንእሰይ ዘካርያስ ክብረኣብ …….. ዘሕለፎ ናይ ጆግራፍን ናይ ሂወትንተመኩሮ ኣመልኪቱ ብዝጸሓፋ መጽሓፍ ኣድህቦ ማዕከናት ዜና ናይ ጀርመን ጥራይ ዘይኮነ ምስ መራሒት ናይ’ታ ካብ አውሮጳ ዝሃብተመት ሃገር ክራኸብን ኣገናዕ ተባሂሉ ኣድንቖት ናይ ጻዕሩ ክርእን ክሰምዕን ከምዝበቕዐ ሰሚዕና።

ስለምንታይ ናይ ዘካርያስ ሜላ ክሳብ ክንድ’ዚ ተቐባልነት ረኺቡ ብምባል ካብ ዘካርያስ ክንመሃር እንተፈቲ’ና፡………….ይቕረታ ቋንቋ ጀርመን ስለዘይፈልጥ ኣየንበብኩዋን። እንተኾነ ግን ካብ’ቲ

(ዘካርያስክብረኣብዝተባህለወዲ 28 ዓመትኣብጀርመንዝቕመጥመንእሰይ፡ካብኤርትራኣትሒዙብምድረበዳሱዳንንሊብያንማእከላይባሕርንጥሒሱንጀርመንቅድሚምእታውዘጋጠሞናይባህርንናይሰብንተጻብኦታትንመስገደልንኣጻምእንዝገልጽመጽሓፍብቋንቋጀርመንኣሕቲሙንዕዳጋኣውሪዱኣሎ፡፡) ዝብል ሓባሪ መግለጺኣ፡ ተጽግበኒ ቕጫስ ኣብ ሞጎጎ እንከላ እፈልጣ (ምስላ) ዝብል ብሂል ብምምርኳስ፡ ንናይ ዘካርያስ ሜላ ብዛዕባ …….. ምእንቲ ጎቦን ኩቦን ዝግበር ሓዞ’ርክቦ ዘይኮነ ብዛዕባ ሂወትን ባህግን ኣመልኪቱ፡

  1. ዝብላዕ ከም እኽሊ
  2. ዝስማዕ ብእዝኒ
  3. ዝርአ ብዓይኒ
  4. ዝሕለን ከም ስእሊ
  5. ዝዓቢ ከም ቡቕሊ
  6. ንእዋን ዘድሊ
  7. ዝሕከም ቁስሊ
  8. ናይ ሂወት መዐንገሊ
  9. ናይ ተስፋ ጻዕሪ ….  ዝጸብጸበ መሲሉ ይረኣየኒ።

ከምኡ ድማ ናይ መንእሰይ ራእይን ምስክርነትን ዘንጸባርቕ ንቕድሚት ዝኣንፈተ ብልሒ ስለዘለዎ’ዩ ኣብ’ቲ ገፊሕ ልቦና ናይ ምዕቡል ዓለም ብልጫን ኣድንቖትን ዝረኸበ ክብል እደፍር።

ብዘይምግናን ግንእቶም ብዛዕባ ታሪኽ ለኒኒዝም (ናይ ፓርቲ ምልኪ) ፡ ፋሺዝም (ናይ ግለ ሰብ ምልኪ) ከምኡ’ውን  ናይ ናዚዝም- ናይ ዓዶም ዝፈልጡ ጀርመናውያን’ሲ፡ ነ’ዛ መጽሓፍ ናይ ዘካርያስ ምሰ’ንበቡ ደንጽዩዎም፡ …….. ዋእ ኣንታ  ኣብ’ዚ’ባ እነሀለ ካብ ኩሎም ዝገደደ ዝበሉ’ዮም ዝመስሉ።

ከምኡ’ውን ራሄል በራኺ ዝተባህለት መንእሰይ ጨው ቀትሪ ንጥይት ኣሽኪዓ ፈንጂ ነጢራ ናብ ኢትዮጵያ ክትሰግር ምስፈተነት በ’ድረጋ ጠያይቲ ተረሺና ከምዝወደቐት፡ ኣብ መወዳእታ ግን ካብ ሞት ከምዘምለጠት፡ እሞ ድማ ብመንእሰያት ኢትዮጵያውያን ሓካይም ክንክን እናተገብረላ ኣብ ማዕከናት ዜና ተራእያ።

ኣብ’ዛ ዜና’ዚኣ ብንጹር ዝርአ ፍልልይ፡ ንእስነት ኤርትራውነት ኣብ ድፋዕ ይበሊ፡ ንእስነት ኢትዮጵያውነት ድማ ተማሂሩስ ንወገኑን ጽጉምን ይሕክም ይኣሊ ከምዘሎ ዝእንፍት እዋናዊ ሓበሬታ’ዩ ። መንእሰይ ራሄል ድማ ምስ’ቲ ኹሉ ስቓያኣብ ዘስምዓቶ ድምጻ … “ብሰንከይ ንወለደይ… እንታይኮን ክወርዶም’ዩ” ክትብል’ያ ስግኣታ ገሊጻ።

ዝኾነ ኾይኑ እስኪ ናብ’ቲ ቐንዲ ኣርእስተይ ክምለስ። ምስ ናጽነትን መስርሕ ምህናጽ ሃገርን’ሲ  ድኳን እንዳ ሻሂ ፋርማሲ ወይ ድማ ካልእ ተመሳሳሊ ቤት ንግዲ ከይዕጾ ኣንጊሁ ደሃይ ንግድን ዕዳጋን  ሃሰስ ዝብል ከንቲባ ዝሸይም ስርዓት እንተነጊሱ’ዩ መቐረት ናጽነት ጥዑም ዝጥዕም። …..  ኣይተረኽበን’ምበር።

ኣነ ድማ ከምሰበይ፡ዝኽእሎ ስራሕ ኣስፊለ ሂወተይ ክመርሕ ክብገስ እንከለኹ’የዜግነተይ ዝቐረበለይ ዕጫ ወጢጡኒ፡ምስ ምትእትታው መደብ ዑቑር ሰራዊት ሳዋ ዝወረድኩ።መደብ ዑቑር ሰራዊት ብወረ እንኪስማዕ ካብ ኣርብዓ ክሳብ ሓሙሳ ንዝዕድመኦም ሰብኡት ዝምልከት’ዩ ኔሩ። ኣብ ተግባር ግን ወላ ልዕሊ ሓሙሳ ዝዕድመኦም ሓረስቶት መሊኦሞ’ዮም ኔሮም።…. ዳንጋ ጥራይ ይደልድል’ምበር!

ብወገነይ’ኳሓቂ’ሓይሽ ሳዋ ክበሃል እንከሎ’ሲ ብዓይኒ ማዕዶ ከም’ቲ ብቖልዓይ እንከለኹ ብብሎኮ ከተማ ደቀምሓረ ሕልፍ ክብል ዝርእዮ ዝነበርኩ ናይ ወተሃደራት መሰልጠኒ መሲሉ’ዩ ዝስምዓኒ ዝነበረ።

እወ እዚ ኣብ ብሎኮ ደቀምሓረ ዘሎ ናይ ወተሃደራት መሰልጠኒ ቀደም እስራኤላውያን ኮማንዶስ ክዕልሙሉ ዝተሃንጸ’ዩ ተባሂሉ ዝንገረሉ ዘመናዊ መዓስከር’ዩ ኔሩ።ካብኡ ብምቕጻል ድማ ሰፈር ጦር ሰራዊት ኮይኑ ዝነበረ ዘይድፈር  ገፊሕ ጎልጎል ዝሓጸረ’ዩ። ኣነ ድማ ካልእስ ይትረፍ ዓይነይ መሊአ’ኳ ክርእዮ ከይደፈርኩ፡ብኣውቶቡስ ወይ ድማ ብናይ ሑጻ ቲግረቶ እና’ሓንሳብ ድማብናይ እንዳ ኖራ እምኒ ዝጸዓና ዓበይቲ መኻይን ተሳፊረ ክሓልፍ እንከለኹ’የ ዝፈልጦ።

እንተኾነ ግን ናብራ ሳዋ ኣይውረድኩም’ዩ! ንጸላኢኻ’ኳ ኣይትምነየሉን። ብቓላት ክትገልጾ ወይ ድማ ምስ ካልእ ከተነጻጽሮ ቀሊል ኣይኮነን። ንመጻኢ’ውን ብዙሕ ዘዛርብ ብቐሊሉ ዘይግመት ናይ ታሪኽ ሓበላ ክገድፈልና’ዩ። …….. ዕድመን ሰላምን ይሃበና ጥራይ!

ዝኾነ ኾይኑ ጉዕዞና ብኣውቶቡስ’ዩ ኔሩ። ዳርጋ መብዛሕትና ድማ ናይ ዓሶ መድሓኒት ቫይታሚን ድልኽ  ብዓቢኡ ድማ… ጥሕኒ…ላምባዲና  ከምኡ’ውን ብኻሻ ዝተሸፈነት ጋሎን ዘይተማልአ ሰብኣይ ይከስፍ’ዩ። ማለት’ሲ መሸማዕ ሙሉእ ናይ ክሽነ እስቤዛ፡ ብኻሻ ዝተጠቕለለት ጋሎን ድማ ከም መዝሓሊት ዝስተ ማይ ሒዝካ’ዩ ዕስክርና ተነቒሉለይ። …. እንዳ ዝናን ባህታን ዝሓስብዎ ካልእ ህዝቢ ዝደልዮ ካልእ!

ካብኡ ወየን ኣቕቲረን ካበ’ስመራ ዝተበገሳ ኣውቶቡሳትና ምሕዳረን’የን ሳዋ በጺሐን።ስለ’ዚ ምሕዳርና ኣብኡ ምስ ኣተናስንወዮ ብዛዕባ ሳዋ ኣብ ልበይ ዝነበረ ስግኣትን ጥርጣረን ግብ ዝበለ ጸልማት ተወሰኾ። ኣውቶቡሳት ድማ ኣብ ቅርዓት ተኣኻኺበን ደው በላ’ሞ ሓንቲ ብሓንቲ ሞተረ ኣጥፊአን ናይ ለይቲ ዕረፍተን ወሰዳ። ሓፋሽ ድማ በበጉዥለ ዕጉግ-ዕጉግኢላ ጉዥም ጀመረት። ወያ ኣነ ዝነበርኩዋ ጉዥለ ከኣ ነቲ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት ብኣምሓሪኛን-ትግርኛን ዝፍኖ መደብረድዮ ድምጺ ኣመሪካክትሰምዕ ትንፋሳ ሓቢኣ ክትጸናጸን ኣብ ዙርያይ ከበበት። ዝገርመኩም’ዩ እሕሕ ዝብል ድምጺ’ኳ ኣይነበረን። እታ ረድዮ ናተይ ስለዝነበረት ዓቕለይ ክሳብ ዝጸበኒ’ዮም ከቢቦሙኒ።

ሽዑ ካብ ኩነታት ናይ’ቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ከምዝገተዓዘብኩዎ፡ መደብ ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ካብ ላዕላይ ሰማይ ከም ዝዝርጋሕ ክቡር መልእኽቲ ዓቢ ግምት ዝወሃቦ’ዩዝመስል ኔሩ። ኣብ’ታ ናይ ሽዓ ምሸት ዝመሓላለፍ ካብ ዝነበረ ጸብጻብ ንኣብነት “ኤርትራን ኣመሪካን ብ……. ንምትሕግጋዝ ተሰማሚዐን” ዝብል ዘረባ ምስሰምዐ ሓደ ካብ መንጎና ዋዕ ኢሉ “ኤርትራን ኣመሪካን ተሰማሚዐን” ትብል ሓረግ ዋዕ ኢሉ ኣቃለሐ። ኣነ ድማ ዋእ! ሰብኣይ ደሓኑ ድዩ’የ ዝበልኩ ብልበይ።

ኮይኑ ድማ ድሕሪ ሓደ ኽልተ ሰዓታት ኣቢሉ ሓንቲ ቶዮታ ላንድክሩይዘር ብገለ’ቢላ ደበኽ በለት’ሞ መሬት ክሳብ ዝወግሕ ኣብ ዘለኹሞ ሕደሩ ዝብል ቀጢን ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ በታ ዝመጽአታ ዕዝር ኢላ ኸደት። ብኡነት እብለኩም ኣለኹ ሽሕ’ኳ ተወሊደ ዝዓበኹሉ ቦታ ሃገረ ሰብ እንተኾነ ኣብ ማእከል በረኻ ኣብ ቃልዕ ካብ ዘይሓድር’ሲ ዳርጋ 30 ዓመታት’የኣሕሊፈ ኔረ። ስለ’ዚ ሽዓ ለይቲ’ሲ መሸማዐይ ተጸጊዐ ኮፍ ኢለ’የ ከዋኽብቲ ሰማይ ክቖጽር ዝሓደርኩ።  ….. ኣይሃበና!

ዋእ! ከምዘይወግሕ ግን የለን፡ እዋን ወገግ ክትብል ምስጀመረት ዝሕልሕል ዝብል ንፋስ’ኳ እንተነፈሰ ደሃይ ድቃስ ኣይተረኽበን። መሬት ንርእሳ ክትብል’ያ ወጊሓ። ኣይደንጎዩን ግን በዚ መጺኦም ዘይተባህሉ ሓደ ዓይነት ዝሕብሩ ክዳን ዝለበሱ ቁጽሪ ዘይብሎም ሰብኡት ዘብዘብ እናበሉ ብጥቓና ሓለፉ።ንኣንፊ መንገዶም ድማ ብዛዕባና እና’ተዛረቡ፡ ማለት’ሲ፡ ዋይ ሓደስቲ ሰባት መጺኦም’ሲ ኣብ’ዚ ጎልጎል ሓዲሮም! በዓል መን’ዮም በጃኻ!  እና’በሉ ሓለፉ።

ዝኾነ ኾይኑ ጸሓይ ሳዋ ክትበርቕን ክትመርርን ደቒቕ ኣይወስደላን’ዩ። ኩሉ ኣብ ኢዳ’ዩ።ስለ’ዚ ነቲ ዝሓደርናሉ ጎልጎል ሸፊኑዎ ዝነበረ ጸልማት ምስተቐንጠጠ’ሲብቕጽበት መሬት ናብ ሓዊ ተቐየረት። ሽዑ ብዓሰርተታት ዝጽብጸብ ዓበይቲ ኣደራሻት ተሰሪዑ ከምዝነበረ ዝሕብር ዚንጎታት ከብለጭልጭ ረአና። ከምኡ ድማ ቁጽሪ ዘይብሎም ተዓላሞ ካብ’ዘን ኩለን ኣደራሻት ተተመራሪሖም ክውጽኡ ተዓዘብና።

እቲ ሰናይ ዘመን ተረኺቡስ! ጡጥን ዕፉንን ማሸላን ጣፍን ኣራንሺን ለሚንን ሽጉርትን ኮሚዶረን ፓፓዮን ዙኲኒን ፉልን ብርስንን …. ክትዘርኣሉ ዘወናውነካ ሰጣሕ ጎልጎል’ሲ፡ ኦም የብሉ ጽላል የብሉ፡ ካን እግሩን ርእሱን’ኳ ክትፈልዮ ዝእግመካ ብጎቦታት ዝተኸ’በ ሜዳ፡ ውቅያኖስ መሲሉ ዝተራእየኒ። ዝኾነ ኾይኑ ኣብ’ቲ ቃልዕ ጸሓይ ክሳብ ትመርር ተጸበና’ሞ፡ ኣብ መወዳእታስ ናብ’ቲ ኣደራሻት ክንኣቱ ተፈቕደልና።

ወዮ ዝኣተናዮ ኣደራሽ ድማ ውሽጡ እንተረአኻስ ዱኳ’ብሉ ዓራት የብሉ፡ ጣውላ’ብሉ ኣርማድዮ’ብሉ፡ ሱቕ ኢሉ ገረውረው ዝብል ዓንዲ ማእከል ዘይብሉ ክንዲ ግዛዕ ዝኸውን መረባዕ ጥራይ’ዩ ኔሩ።ኣሓን ሓሰማን ከተራብሓሉ’ምበር ሰብ ከተሕድረሉ ዘመኒ ኣይኮነን። ….. ምስ በዓል መን’ሞ!

ስለ’ዚ ወዮ ብማዕዶ ክትርእዮ ካልእ ነገር ዝመስል ዝነበረ መረባዕ፡ ምስ ኣተኻዮ ቀልብኻ ዝደፍን ባዶነት እንተዘይኮይኑ፡ ኡንኮ ትሕዝቶ ኣይነበሮን። ዝገደደ ድማ ዙርያ ጥምጥም ናይ ጸግዒ መንደቕ ኣቐዲሙተታሒዙ ስለዝጸንሓኒ ምስ’ቶም ኣብ ማእከል’ቲ ዓቢ መረባዕ ዝነበሩ’የ ንእደይ መድሚደ። ስለ’ዚ ዓሰርተ ግዜ’የ’ዮም ሰባት ብእግርኻን ብርእስኻን ክኣትዉ ክወጽኡ ካብ ድቃስ ዘበራብሩኻ!

ዝኾነ ኾይኑ ኣብ’ታ ናይ ፈለማ መዓልቲ ማክያቶን ካፑቺኖን’ሲ ይትረፍ ሓረሮ ቡን’ውን ከይተረኽበት ምሳሕን ቁርስን ተላገባ። ካብኡ እቶም ኣቐዲሞም መጺኦም ኣብኡ ዝቐነዩ ሰባት፡ ተሓጺቡን ረሲሑን ፍልልዩዘየንጸባርቕኮምብላስዮኒ! ለቢሶም እቶም ሓደስቲ ድማ ክዳን ቀደምና ለቢስና ኣብ’ቲ ምግቢ ዝዕደለሉ ኣደራሽ ተራኸብና። ኣብኡ ድማ ሰድያ ወይ ድማ ጣውላ ኣይጸንሓናን። …. ብርክኻ’ዩ ዱኳኻ!

ስለ’ዚ ዓዳላይ ክሳብ ዝመጽእ’ሲ ወይ ስኮደላኻ ሒዝካ መንደቕካ ተጸጊዕካ ደው ምባል’ዩ፡ ወይ ድማ ብርኪ እንተተዓጺፋስ ኣብ ባይታ ተኾርሚኻ ምጽባይ’ዩ። እንተ ጨና ናይ’ቲ ኣደራሽ ግን ኣየጋብርን’ዩ። ዝኾነ ኾይኑ ሻሂ ብሳኬሎታት ክዕደል ምስተጀመረ፡ ኣዳም ኣብ ጸሓይ ባሕሪ ውዒለን ካብ ዔላ ዝቕዳሕ ማይ ከም ዝረኣያ ጥሪት ጽቕጥቅጥ ክትብል ተቐዳደመት። ካብኡ ወዮም ዓደልቲ ተሰራዕ! ኣብሩኽ!! እና’በሉ ስነስርዓት ከትሕዙ ፈተኑ። … እዛ ኣብሩኽ ትብል ቃል ቦኽሪ እዝነይ’ያ ኔራ።

ካብኡ ኣነን ካልኣየይን እንታይ ደኣሎማ’ታ ከም ኣግማል ኣብሩኽ ዝብሉና! እሞ ድማ ንሻሂስ ክንድ’ዚ ጽቕጥቅጥ እና’በልና ገዲፍናዮ ወጻእና። ባኒ ግንዝበልዖ ጥሙይ ከብዲ እንተተረኺቡ፡  ኣኻይሽ መሊኡ ኣብ’ቲ ምድርቤት’ዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን ካብ ዘይተነፈ እሞ ድማ ዝነቐዘ ሓሪጭ ከምዝተሰንከተ ዝሕብር መልክዕ፡ ጉርዲ ብዝመስሉ ጸለምቲ ነገራት ዝተሰለመ’ዩ ኔሩ። መብዛሕትኡ ሰብ ድማ ለላዕላዩ ቀሪፉ ዝብላዕ ከውጽኣሉ’ዩ ዝፍትን’ምበር ነቲ ቀንዲ ትሕዝትኡስ ኣብ ደገ’ዩ ዝድርብዮ።

ነዚ ከም’ዚ ዝዓይነቱ ኣገባብ ምስረአኻ ብዘይቃል ዓለም ኣንታ’ዞም እንዳ ዝናን ባህታን’ሲ ክዳን ናጽነት ኣጎልቢቦም ቃልሲ’ባ’ዮም ተሰኪሞም ካብ ሳሕል ንዓዲ ኣትዮም የብለካ።ዝወረደካ ድማ ንምፍታን ንሰብካ ምምሳል’ዩ።

ካብኡ ኣይደንጎየን ሓደ በለለይ ተባሂሉ ብምዝገባ መስርሕ ናይ ታዕሊም ተጀመረ። እንተኾነ ግን ናይ ወረቐት ምምዝጋብ ጥራይ እኹል ኣይነበረን። እንተ ብጎተና እንተ ብዳንጋ እንተ ብሕብሪ -ጸጉሪመምዘኒኡ ብዘይፍለጥ ኣገባብ ብዓይኒ ሓደ መኮነን ተተጠሚትካ ሕለፍ ናብ ዝተበሃልካዮ ወገን ማለት ንየማን ወይ ንጸጋም ትሓልፍ። ካብኡ ብጾትካ ርኢኻ ድማ ሚዛንካ ትግምት። ከም ዕድልካ’ዩ! ምናልባት ምስ በራሓትን ሸያባትን እንተተሓዊስካ ናብ ደቅኻን ናብ ክብርቲ በዓልቲ ቤትካን ክትምለስ ተስፋ ግበር ዝብል ንፋስ’ዩ ኣብ’ቲ ኣደራሽ ዝሃምም ዝነበረ።  ብእንጻሩ ግን  ምስ ሰብ ጎተናን ሰብ ደርብ ዳንጋን እንተበጺሑካ  ጓንድየ ናብ’ዛ ዝባንካ ክትሕዘል ከላ’ያ ትረኣየካ። ….. ኣይሃበና!

ዝኮነ ኾይኑ ኣብ’ዚ መስርሕ ናይ ምጽሓፍ ካብ ዝተዓዘብኩወን ሜላታት፡ ዕድመኻ ወሲኽካ ምምዝጋብ’ሞ ታሴራኻ ሓቢእካ ታሴራይ ጠፊኡኒ ምባል፡ ከምኡ’ውን ቁጽሪ ናይ ደቅኻ ኣብዚሕካ ምንጋር፡ ዝዓይነቶም ሜላታት ናብ ገዛኻ ዘምልስ መደንገጺ እንተተረኽበ ሃሰስ ንምባል ዝዝውተሩ ፈተነታት’ዮም ኔሮም። ይኹንደኣ’ምበር እቲ ወረቓቕቲ ዓሰርተ ግዜ ስለዝቀያየር’ሲ  ትሕዝትኡ’ውን ምስኡ’ዩ ዝቀያየር።

መደብ ታዕሊም ዑቑር ሰራዊት እምበኣርከስ ብመግልጺ ናይ ኣቶ ዓብደላ ጃብር’ዩ ተጀሚሩ። እወ ሓደ ምሸት ንኹሉ’ቲ ብኣሽሓት ዝጽብጸብ ህዝቢ ኣብ ስታድዩም-መሰል ኣከቡና’ሞ ንፈለማ እዋን መግለጺ ክህቡና ሰብስልጣን ኣብ ቅድሜኦም ኮፍ ኣበሉና።

ቐንዲ ትሕዝቶ ናይ’ቲ መግልጺ ድማ ብዛዕባ ምጥራር ዶባት ወይ ድማ ጉዳይ ባድመ ኣይነበረን። ካብ እዝኒ ሰማዒ ዘይጠፍኣ ድሙቓት  ቃላት ናይ ኣቶ ዓብደላ፡. “እዚ ኣብ’ዚ ኣምጺእኩም ዘሎ ጉዳይ….. ኣብ ቅድሜኹም ዝርአ ዘሎ……

ናይ ኢትዮጵያ ዳይናሚዝም’ዩ……..ኣብ ትሕቲ መጥመሪ ዝተገብረ ጸብጸብ’ዩ ኔሩ። ናይ’ታ ምሸት’ቲኣ  ካልኣይቲ ምርጽቲ ቃል ድማ ነዞም ዓለምትኹም ኣይትዘንጥልዎም ብመዓርጎም ጸውዕዎም ትብል  ማዕዳ ኔራ።(ክቕጽል’ዩ።)

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Selamawi March 17, 2012

    Ato Daniel
    You are good story teller… Unfortunately ‘Badme’ seems to have returned to haunt us agian! God forbid!

    Thanks, and write more

POST A COMMENT