Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝተፈላላዩ መልእኽታት ሓዘን ብመስዋእቲ ሃገራዊ መራሒ ተጋደላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር

መስዋእቲ ሃገራዊ መራሒ ተጋደላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር   ሃገራዊ መራሒ ተጋደላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ብዕለት 26 መጋቢት 2014 ኣብ ሃገረ ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ካብዛ ዓለም ብሞት ብምፍላዩ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።   ስዉእ ተጋደላይ ኣሕመድ መሓመድ

መስዋእቲ ሃገራዊ መራሒ ተጋደላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር

 

ሃገራዊ መራሒ ተጋደላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ብዕለት 26 መጋቢት 2014 ኣብ ሃገረ ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ካብዛ ዓለም ብሞት ብምፍላዩ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።

 

ስዉእ ተጋደላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣብ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ተራ ዝነበሮን ሓደ ካብቶም ልሉያት ጀጋኑ ገዳይም ተጋደልቲ መራሕቲ  ሰውራ ኤርትራ እዩ ነይሩ። ብድሕሪ ምርግጋጽ ነጽነት ኤርትራ’ውን እንተኾነ ምእንቲ ፍትሓዊ ቃልሲ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍታሕ፡ ዕድሚኡን ፍልጠቱን ተሞኩሮኡን ሂወቱን ከይበቐቐን ከይተሓለለን ብጽንዓትን ተወፋይነትን ክሳብ መዓልቲ መስዋእቱ ክቃለስ ዝጸንሐ ሓርበኛ ተጋዳላይ’ዩ።

 

በዚ ምኽንያት ነቲ ስውእ ሓርበኛ መራሒ ተጋ. ኣሕመድ መሐመድ ናስር ዝተሰዋኣሉ ቅዱስ ዕላማታትን ባህግታትን ህዝቢ ኤርትራ ንዝኾኑ ሕቶ ሰላምን ዲሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ክውን ንምግባርን ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮታቶም ሃናጺ ትምህርቲ ብምውሳድን ፍልልያቶም ብምጽባብን ሓድነቶም ብምድልዳልን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኣወንታዊ ተራኦም ከዕዝዙን ኣበርቲዖም ክቃለሱን ኤ.ዲ.ኪ ናይ ቃልሲ መጸዋዕታኡ የቕርብ።

 

ኣብ መወዳእታ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብፍላይ ንስድራቤት ስዉእን ኣዕርኹን ፈተውቱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ከምኡ’ውን ንመሪሕነትን መሰረታትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓት ይሃብኩም እናበለ፡ ንጅግና ስውእ ተጋደላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ከኣ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ንብል።

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

26 መጋቢት 2014  

                                                 ናይ ሓዘን መግለጺ

እወ ጅግና አይነብርን እዩ ታርክ ጅግና ግና ንዘላአለም እንዳ ተዘከረ ዝነብር ስለ ዝኾነ መስዋእቲ ሓርበኛ አሕመድ መሓመድ ናስር ዕድሚኡ ምሉእ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ንምድሓን እንዳ ተቃለሰ እንከሎ ብሃንደበት ካብዛ ዓለም ብምፍላዩ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዓቡይ ክሳራ እዩ ከም’ዉን ንመላእ ደንበ ታቃዉሞ ከምቶም ቀዳሞት ጀጋኑና ሕድሪ ሓዲጎምልና ዝሓለፉ ሕጂዉን ብጻይና አሕመድ ናስር እቲ ብሓባር ንምድሓን ህዝብና ብቃልሲ እንዳ ተዛተናሉ ዝመጻና ጽሮቱ ሓዲጉልና ብሙካዱ ከቢድ ሓዘን እሰማዓና። በቲ ዘዉረስና ዓቅልን ተስፋን ጽንዓትን ናይ ነዊሕ ራኢን ድማ ሕድሩ ንምትግባር  ሰራዊትና አብ ሓደ እዚ ጠርኒፍና ተበጊስና እኖና ቕሰን ሓርበኛ አሕመድ ዝተለምካዮ ዕላማ ክሳብ እንዕወት ክንቃለስሉ ሙኻና ከነራጋግጽ ንፈቱ።

ንሙሉአት ስድራቤት ሓርበኛ አሕመድ መሓመድ ናስር ናይ ሓዘንኩም ተካፈልቲ ምኻና እንዳ ገለጽና ንሓርበኛ አሕመድ መሓመድ ናስር ረቢ አብ ሕቁፉኡ ይቀበሎ ንሙሉአት ስድራቤት ድማ ምስ ኩሎም ፈተዉቱን ብጾቱን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

 

ደሞክራስይዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

ናይ ወጻእ ጉዳያት ቤ/ጽ

 

 

 

 

መግለጺ ሓዘን

 

ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ብስም መላእ መሪሕነቱን መሰረታቱን ብ26 መጋቢት 2014 ብዝጋጠመ ሃንደበታዊ መስዋእቲ ተጋ/ኣሕመድ መሓመድ ናስር ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን የገልጽ።

 

ስውእ ተጋ/ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ምእንቲ ነጻነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ተሓኤ ተሰሊፉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኮይኑ ዝተጋደለ፡ ዘጋደለን ዝመርሐን ልሉይ ሃገራዊ ባእታ’ዩ ነይሩ። ብድሕሪ ነጻነት’ውን እንተኾነ ህግደፍ ንኩሉ’ቲ ዕላማታት ሰውራ ጨውዩ ገባትን ዲክታቶያውን ስርዓት ምስ ሃነጸ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘብጽሕ ዘሎ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣደራዕ፡ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት፡ ግህሰታት፡ ነጺጉ ደኺመ ከይበለ ውሕስነት መሰልን ማዕርነትን ኩሎም  ዜጋታት ተረጋግጽ ደሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብዘይዝኾነ ተጉላባነት እናተቃለሰ’ዩ ካብዚ ዓለም ብሃንደበታዊ መስዋእቲ ተፈልዩ ዘሎ። መስዋእቲ ተጋ/ ኣሕመድ መሓመድ ናስር፡ ንቤተ-ሰቡን ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዓቢ ክሳራ’ዩ።

 

ስውእ ተጋ/ ኣሕመድ መሓመድ ናስር፡ ምሉእ ዕድሚኡን ንእስነቱን ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተቓሊሱ ከብቕዕ፡ ብስንኪ’ቲ ኣግላሊ ዝኾነ ፖሊስታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሓንቲ መዓልቲ ኣየር ዓዱ ከየስተንፈሰ ካብዚ ዓለም ብመስዋእቲ ምፍላዩ፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ ገዛእ ሃገሩ፡ ብኩሎም ቤተ ሰቡ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ብክብሪ ተሰንዩ ንቡር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ብምስኣኑ፡ ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ደጊሙ ዝስምዖ መሪር ጓሂ ይገልጽ።

 

ተጋ/ኣሕመድ መሓመድ ናስር መንግስተ ሰማይ ክወርስ፡ ኩሎም ቤተ-ሰቡ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ድማ ጽንዓት ክረኽቡ ድማ ይምነ።

 

ፈጻሚ ኣካል

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

27 መጋቢት 2014

                      መግለጺ ሓዘን

ንሃንደበታዊ ሞት ኣሕመድ መሓመድ ናስር

ማሕበር ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንድሕነት ሃገር  ጨንፈር ስቶክሆልም ከባቢኡን፣ ኣቦና ገዲም ተቓላስይ ኣሕመድ መሓመድ  ናስር ብሃንደበታዊ  ሕማም ንዘጋጠሞ ሞት  መሪር ሓዘን ከምዝተሰምዓና ክንገልጽ ንፈቱ።

ኣቦና ኣሕመድ መሓመድ ናስር ሓደ ካብ ቐዳሞት ተቓለስትን መራሕትን ሰውራ ኤርትራ ምንባሩ ኩላትና ንፈልጦ’ዩ።  ገዲም ተቓላሳይ ኣቦና ኣሕመድ መሓመድ ናስር ዕድመ ንእስነቱ ኣብ ቓልሲ ኣሕሊፉ፣ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ከይተሓለለ ተቓሊሱ ዘቓለሰ ሓርበኛ ኣቦ እዩ።

ማሕበር ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ጨንፈር ስቶክሆልምን ከባቢኡን፣

ብስም ማሕበር፣ ብሃንደበታዊ ሞት ሓርበኛ ኣቦና ኣሕመድ መሓመድ ናስር መሪር ሓዘና እናገልጽና፣ ንኣሕመድ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ ንሙሉኣት ስድራ- ቤትን ፈተውቱን ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

ማሕበር ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንድሕነት ሃገር  ጨንፈር ስቶኮልም ከባቢኣን።

ሽወደን

ዕለት 28/ መጋቢት/ 2014

ኣላህ የርሕመክ መንግስተ ሰማይ ንዓኻ

                                  ክቡር ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር

ብመስዋእቲ  ተጋዳላይ ሓው ኣሕመድ ናስር ኣብ ስራሕ ደዊሉ ሓደ ብጻይ  ነጊሩኒ ዝተሰምዓኒ ስምባደን ሕዘንን ሃንደብት ብምንባሩ ብጣዕሚ ሰንቢደ ናብ ታሪኽ ክቡር ተጋዳላይ ሓው ኣሕመድ ናስር እዚ ኹሉ ጻዊዒት ንሓድነት ዝጽውዖ ዝነበረ ሓድነት ከይ ራኣየ  ካብዛ ዓለም ብምፍላዩ መሪር ሓዘን ኢዩ። ብመስዋቲ  ጅግና ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር  ንስድርኡን ንመላእ ስድራ ቤቱን      ከምእውን ንመላእ ተቓውሞ ደንበን ጽንዓት ይሃብኩም  ጽንዓት ይሃበና ።

መጸዋዕታ ሓድነት ታጋዳላይ ኣሕምድ ናስር ክውን ክኸውን ክላትና ኤርትራውያን ንሓድነትና ንስራሕ፤ መቓብር ኣሕመድ ናስር ቅድሚኡ ዝሓለፉን  ከነቕስን  ነቲ ዝቃለሰሉ ዝነበሩ ኩውን ክንገብሮ ኣበርቲዕና ከምቲ ናታቶም  ጸኒዕና ንቃለስ።

ካብ ገብሪሂወት (ኣቡዓሸራ)

 

 

  • መሪር ናይ ሓዘን መግለጺ፡

ገዲም ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ

ክሳብ ግዜ መስዋእቱ፡ ብመሪሕነት ደረጃ ንሃገሩ ዝተጋደለ ጅግና እዩ።

መሰዋእቲ ኣሕመድ ናስር ብሃንደበት ምስ ሰማዕኩ ዝተሰማዓኒ ሓዘን ወሰን

የብሉን። እቲ ቀንዲ ዘሕዝን ግን ሃገርና ኤርትራ ሰብኣዊ መሰልን ሕግን

ፍትሕን ዝነገሰላ ሃገር ንኽትከውን ዕድሚኡ ሙሉእ ተጋዲሉ ከይርኣያ

ብመስዋእቲ ክፍለየና ክልተ ሞት እዩ።

ሞት ንሓደ ዝወሃብ ንሓደ ዝኽላእ ዘይኮነስ በብተራ ንኹልና ዝበጽሓና እዩ፡

ንስኻ ሓሊፍካ ዝተለምካዮ ሓርነታዊ ቃልሲ ተቐበልቲ ሕድሪ መንእሰያት

ክውን ክገብርዎ ኢዮም ቅሰን እንዳበልኩ ቃል ሓዘነይ ይገልጽ።

ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ

ኣብ ዉሽጥን ወጻእን ዘለኹም ስድራ ቤት ጽንዓት ይሃብኩም፡

ናይ ሓዘንኩም ተኻፋላይ

ብርሃነ መንገሻ

ኣባል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ጀርመን)

26.03.2014

 

 

    

    

           

          

 

           

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Tesfazghi Yitbarek March 28, 2014

    May GOD The Allmighty bless him for his struggle for Freedom and Liberation of Eritrea.Rest in peace Ahmed Nasser

  • Haben March 28, 2014

    Wat a man!

    “I wanted to pass the “RELAY” to the young generation”

    Please watch: http://www.youtube.com/watch?v=wbvvuivsKb0

  • Gezae March 29, 2014

    With all his weakness, Ahmed Nasir was a very courageous leader who led ELF against the Ethiopian colonization and PFDJ/PIA leadership for democratization.
    Unfortunately, I never met him. But any day I could not forget his courageous political contribution done for Eritrean movement.
    I did not know he was in a critical health situation, but it was very sad to recognize that our principled comrade was no more. I know that we will be feeling shock and grief.
    Very sad, incidentally, it is during the same period of the three great generals and a long time fighter death. Thus, I understand people could not hold back their tears when heard about their beloved comrades death.
    Ahmed Nasir will be remembered both with what he did during the war with Ethiopian colonization and after the war. Coming generations will never forget his principled fight.
    May his Soul/s rest in peace

  • Ahmed March 29, 2014

    Ahmed Nasser , R.I.P but will be remembered for what he has done in ELF . Everybody knows what he has done so I don’t need to write it out and history does not change because he is dead now. If he didn’t do what he had done back then I think ELF would have been the winner and the situation in back home would have been different but mr. Ahmed Nasser took the wrong way and we are here today

  • Denden March 30, 2014

    This year is going to be God’ judgement on those criminals. Ahmed Nasir was one of the biggest criminal. Why do not bring all the crimes he was involved from start of revolution to the time of his death. His ELF organisation tried to wipe out Christians from Barka and waged war against our Christian women by abducting habesha girls and made them sex slaves of the muslims. His ELF orgainisation never forced muslim girls to carry weapons and to join ELF but forced ,abducted, raped our habesha girls who live in Metahit and habesha girls who live in kebesa. Those Christians who attended his funerals tried to speak with broken Arabic just to claim that they are arabs. You are funny it looks that you were ordered at gun point to speak Arabic , very foolish. Please do not make fun of yourself again. There is no Eritrean who do not understand Tigrinya just because they hate Tigrigna and habesha they appear not to listen and ignore us. It is not because they like Arabic but it is because they hate habesha and Tigrigna and they pretend they do not understand. Ahmed Nassir was the chairman of his ELF more than Iseyas as EPLF/HEGDEF leader. Those people of bla bla bla….. Democracy and Delaty Fithi and Eritrean Human rights groups do not have a credibility to speak about HEGDEF and DIA atrocity. Time has come to YETENTEN YETENATEN.

POST A COMMENT