Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝተፈላለየ ናይ ሓዘን መግለጺታት

ብምኽንያት ናይ ሓዘን ማዓልቲ ሓውናን ብጻይናን ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣብ ከተማ ኮለን (Köln) ክቡር ሓውናን ናይ ቃልሲ ብጻይናን፡ ኣሕመድ መሓመድ ናስር፡ ምሉእ ህይወቱ፡ ኣብ ኤርትራ  ፍትሕን ደሞክራስን ክረጋገጽ፡ ከይተሓለለን ከየዕረፈን፡ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሃንደበት ብናይ ልቢ

ብምኽንያት ናይ ሓዘን ማዓልቲ ሓውናን ብጻይናን

ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣብ ከተማ ኮለን (Köln)

ክቡር ሓውናን ናይ ቃልሲ ብጻይናን፡ ኣሕመድ መሓመድ ናስር፡ ምሉእ ህይወቱ፡ ኣብ ኤርትራ  ፍትሕን ደሞክራስን ክረጋገጽ፡ ከይተሓለለን ከየዕረፈን፡ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሃንደበት ብናይ ልቢ ሕማም ምኽንያት፡ ብዕለት 26. 03. 2014 ኣብ ሃገር ሽወደን ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩ። ነዚ ኣጋጣሚ ብምግባር፡ ንሕና ኤርትራውያን መቃልስቱ፡ ንዕለት 30. 03. 2014 ናይ ሓዘን ማዓልቲ ኣዳሊና ስለዘሎና፡ ኩሉ ወዲ ሃገር፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ደሞክራስን ክረጋገጽ ኣብ ቃልሲ ዝርከብ፡ ተኻፋሊ ናይዚ ዝኽሪ‘ዚ ክኸውን/ክትከውን ብኽብሪ ንዕድም።

► ናይ ሓዘን ማዓልቲ፡ ሰንበት ዕለት 30. 03. 2014ዓ.ም.ፈ.

► ዝጅመረ ግዜ፡ ሳዓት 15፡00 ድሕሪ ቀትሪ

►ቦታ፡ Huhnsgasse 45 – 51

►50676 Köln (Barbarrossa-platz)

 

ናይ ሓዘን መግለጺ

ደሞክራስያዊ  ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/ ሃንደበታዊ መስዋእቲ ብጻይና ሓርበኛን ገዲም መራሕን ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣብ እስቶክሆልም ሽወደን ከም ዘጋጠመ ምስ ሰማዕና መሪር ሓዘን ተሰሚዑና።

 

ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ምሉእ ዕድሚኡ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተበጀወ ተቓላሳይ ወዲ ህዝቢ’ዩ ነይሩ።

 

ኣሕመድ ናስር ካብ ዕድመ ንእስነቱ ተማሃራይ እንከሎ ኣትሒዙ ቀጺሉ’ውን ትምህርቱ ክቕጽል ናብ ወጻኢ ሃገር ምስ ከደ ብዝሓደሮ ሃገራዊ ፍቕሪ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት ሃገርና ካብቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ መንእሰያት ሓደ’ዩ ዝነበረ።

 

ኣብቲ ጸረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ተሰለፈ’ውን ኣብ ዒራቕ ልዑል ናይ ወታሃደራዊ ስልጠና ትምህርቲ ቀሲሙ ኣብ ሜዳ ሃገራዊ ግዲኡ እናወፈየ ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣቦ-መንበር ፈጻሚት ሽማግለን ሰውራዊ ባይቶን ኮይኑ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝተመርጸ ሓርበኛ መራሒ እዩ ዝነበረ።

 

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተደፊኣ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ወጸት ኣትሒዙ ክሳብ ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት’ውን ኣብቲ ምእንቲ ሰላምን ደሞክራስን ንምርግጋጽ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ተጋድሎ ህዝብና ዝበዝሐ ግዚኡ ክሳብ እዛ መጨረሻ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኣቦ-መንበርነት ዝመርሓሉ ግዜ እዩ ዝነበረ።ኣሕመድ ናስር ከም ሰብ ብጣዕሚ ሩሕሩሕን ምቕሉልን ተቓላሳይ እዩ ዝነበረ።

 

ብሰንኪ ጸረ ህዝቢ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ኣሕመድ ናስር ዝኣመሰሉ ሓርበኛታት መራሕቲ ምሉእ ዕድሚኦም ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተበጀዉ ከእ’ውን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብከቢድ ሓዘን እንዝክሮ መስዋእቲ ብጻይና ገብረመድህን መሓሪ ..ወ.ዘ.ተ. ዝኣመሰሉ ገዳይም ተቓለስቲ ኣብታ ዝፈትውዋን ዝተቓለሱላን ሃገሮም ስርዓተ-ቀብሪ ከይረኸቡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክቕበሩ ዘገድድ ጸሊም ናይ ሕሰመ-መከራ ታሪኽ መዳርግቲ ዘይርከቦ ኣረሜናዊ ስራሕ ህግደፍ እዩ።

 

ፈጻሚ-ኣካል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ብመስዋኣቲ ብጻይና ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ዓሚቚሓዘን እናተሰመዖ ንመላእ ስድራቤቱን ኣዕርኽቱን መላእ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩምን ይሃበናን እናበልና ንዝወደቐሉ ናይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዕላማታት ኣብ ፍጻመ ከም እነብጸሖም ቃል እንኣትወሉ ህሞት’ዩ።

 

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዋኣትና!!

 

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

ፈጻሚ-ኣካል

28 መጋቢት 2014

 

ኣሕመድ ክቡር ወዲ ክቡራት፤ ረቢ አብ ናይ ክብሪ ዝፋኑ ይቀበልካ!

ጽቡቕ ዝገበረ ጽቡቕ እንተዝፍደ፣ „ብዕራይ ድቋ ሰትዩ ብጫማ ምኸደ“ ይብል ምስላ ኣበው። ሓቂን ፍትሕን እንተዝህሉ ከአ ሓው ኣሕመድ መ.ናስር አብታ ንፍርቂ ዘመን ዝተጋደለላ ኤርትራን አብ ጎኒ ናይ ባዕሉ ሓወልትን ሎሚ ሓመድ-ኣዳም ምለበሰ ነይሩ። ኵውንነትና ግና ብኣንጻሩ ብምዃኑ ሎሚ ሬሳ ሓው ኣሕመድ‘ውን ኵኔው 5 ሽሕ ኪ.ሜ ካብ ዓደቦኡ ርሒቑ አብ ሃገር ሽወደን ተቐቢሩ።

 

ንተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር ብቐረባ ካብ ዝፈልጥዎ ብጾት ተቓለስቲ፣ ብሰንኩ ዝማረሩ ሰባት ተራእዮም አይፈልጡን።  ምናልባት ዝያዳ ትጽቢት ጌርና ቀጠነኒ ዝበልና ግና አይንሳአንን። ገፈልን ደሮናን ጋሊህካ ክርአ ከሎ ግና ኣሕመድ ከም ሰብ ርህሩህን ሓላይ ብጾትን ከም ዝነበረ ክልተ ሰባት‘ውን ዘይፋላለይሉ ሓቂ‘ዩ። ንኣይ አብዚ ዘዛርበኒ ዘሎ ከአ ኣሕመድ ከም ሰብ መዳርግቲ ዘይነበሮ ቅኑዕን መትከላውን ምንባሩ‘ዩ። እንተ‘ቲ ካልእ ትጽቢታትን ዓወታትን ንኵላትና ከም ተጋደልቲ ዝዕደላና ብምዃኑ ቀደም ይኹን ሎሚ ወይ ብድሕሪ ሎሚ ስኒትና/ዘይስኒትና ዝጸልዎ ውጽኢት‘ዩ።

ሎምን አብዝን ግና ንኵልኻትኩም ከቢድ ሓዘን ዝተሰከምኩም ቤተ-ሰብ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ከምኡ‘ውን ናይ ቃልሲ ብጾት ኣምላኽ ኣኽእሎን ጽንዓትን ይሃብኩም እብል!

ተክለሰንበት ተኽላይ

Bonn/Germany, 29 March 2014

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • tesfu April 1, 2014

    you can not find man of a wisdom either from ELF or EPLF. I guess no one knows the definition of man of wisdom. If there was a leader who has talent to be said a man of wisdom. A man of wisdom saves a life of next generation …. like other revolution in other corners of the world. Please give us relief and don’t make our bored by your emotional ideas because you have some relation to that individual, you put on the top, on the contrary if you have no relation with that person, he/she will be trush and you send his/her name on spam. My people learn and educate your self, not by talking or reading, but analyse and take time to think before you make your mouth wider……. As I said …you can not find man of a wisdom either from ELF or EPLF for the fact that our generation is devastating all over the world. Unlike eritrean youth, their ancestors was well orginized to over come the world and to show their kids ….. hence no no no one is a man of wisdom from both loser groups of EPLF and ELF.

POST A COMMENT