Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ዝሰበበ ሓንጎል”

ዝሰበበ እንጀራ ተነጊፉ - - ተቖርሚሙ ይብላዕ ዝሰበበ ሕንባሻ ከይተተንከፈ - - ይፍርከሽ ይስላዕ ዝሰበበ ሓንጎል ጥልመት - - ተሰኪሙ ይጥላዕ ዝሰበበ ሕልና ብውሽጡ - - ይነቅዝ ይነዝዕ ዝተዋርደ ህዝቢ ተሓቢኡ - - ተሳቒዩ ይነብዕ ሞራሉ ዝተሰብረ መንእሰይ - - ይድሰቕ ብስላዕ ሕሊና ዝሞቶ ኤርትራዊ - - ሃገሩ እዳጠፍእት ይስስዕ ንህርፋን ተገዚኡ ንጭቆና - - እንዳበሎ

ዝሰበበ እንጀራ ተነጊፉ –
– ተቖርሚሙ ይብላዕ
ዝሰበበ ሕንባሻ ከይተተንከፈ –
– ይፍርከሽ ይስላዕ
ዝሰበበ ሓንጎል ጥልመት –
– ተሰኪሙ ይጥላዕ
ዝሰበበ ሕልና ብውሽጡ –
– ይነቅዝ ይነዝዕ
ዝተዋርደ ህዝቢ ተሓቢኡ –
– ተሳቒዩ ይነብዕ
ሞራሉ ዝተሰብረ መንእሰይ –
– ይድሰቕ ብስላዕ
ሕሊና ዝሞቶ ኤርትራዊ –
– ሃገሩ እዳጠፍእት ይስስዕ
ንህርፋን ተገዚኡ ንጭቆና –
– እንዳበሎ ፍጊዕ
ዓደብኡ እንዳተዘምተ –
– ብሓሶት የጣቅዕ።

ኣደኻ ተዋሪዳ – ሓፍትኻ ኣይደሓነት
ኣቦኽ ተሸቑሪሩ – ስድራኻ ኣይቀሰነት
ሓውኻ ተገፊፉ – ንቁሉዕ ባርነት
ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ – ሃገር እንዳዓነወት
እስኪ ንገሩኒ – ትርጉም ናይ ነፃነት
ኪነው ዶብ ትሐስብ – ፈላስፋ ናይ ጥልመት
ህዝብኻ እንዳሽእጥካ – ንስልጣን ንሹመት
ኤርትራዊ ትብል ረሳሕ – ናይ ጥፍኣት ገልሃሞት።

ኣታ እዛ ኤርትራና –
– እንታይ ወሪድዋ
ኣናህብ ጠፊኦም –
– ሃመማታት ዝዓስልዋ
ዝሰበበ ሓንጎል –
ካብ ኩሎም ዘሚትዋ
ኣብ ጎዱፍ ዝውዕል –
– ብጾት ንዓል ቃርማ
ደም ህዝቢ ዝመጽይ –
– ስሱዕ ከም ሓሳማ።

ብድሕነት ሃገር ዝዝምሩ –
– ናይ ሓሶት ዋዜማ
ንህዝቢ ከፋፋሊ ዝፈጥሩ-
– ንተንኮል ቁዘማ
ኣለዉ መንድዓት ህዝቢ –
– ዘድልዮም ማሕጎማ
ኤርትራና ክትፍወስ ክሓልፈላ –
– ብደቃ ተሓኪማ
የብቅዕ ይኣክል ምፍልላይ –
– ብቀደም ሕማማ።

ኣከለ ሰራየ ሰምሃር –
– ደቂ ሰንሒት ሓማ
ኣሕዋት ብሌን –
– ንዓል ባርያ ኩናማ
ሃይማኖት ኣውራጃ ገዲፍኩም –
– ክትሓፍሱ ናትኩም ጻማ
ንፍቕሪ ሓድነት በልዎ –
– ብሰላም መርሓባ።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል
“ ሕልና – 04/2012 “

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT