Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይተዓጽወ ፋይል

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይተዓጽወ ፋይል ናይ ልዕሊ ክልተ ዓመት ደማዊ ኩናትን ናይ 18 ዓመታት ኣይሰላም ኣይኩናት ምፍጣጥን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምሕኳር፡ ኣብ ሓምለ 2018 ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ተመሊሱ

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይተዓጽወ ፋይል

ናይ ልዕሊ ክልተ ዓመት ደማዊ ኩናትን ናይ 18 ዓመታት ኣይሰላም ኣይኩናት ምፍጣጥን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምሕኳር፡ ኣብ ሓምለ 2018 ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ተመሊሱ ተባሂሉ፡ ብውሽጥን ብደገን ብዙሕ ኣቃልቦን ተስፋን ረኺቡ። ከምዝፍለጥ ናይቲ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቀዘፈ፡ ብብልዮናት ዶላር ቁጠባዊ ዕንወት ዘስዓበ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰለማውያን ዘመዛበለ ጠንቁ ናይ ዶብ ጉዳይ ኢዩ ነይሩ ተባሂሉ። ናይ ባድመን ካልእ ከባቢታትን ናይ ይግባኣኒ ክርክር፡ ኣብ ክንዲ ብዘተን ሰላማዊ ኣገባብን ምፍታሕ ስለምንታይ ናብ ኩናትን ምውጥዋጥ በትርን ዓሪጉ ሕቡእ ኣጀንዳን ውዕላትን ብዓቢኡ ድማ ውድድር ስልጣንን መለስ ዜናውን ኢሳያስ ኣፈወርቅን እምበር ጸገም ዶብን ሓልዮት ሃገርን ኣይነበረን ዝብሉ ወገናት ብዙሓት ኢዮም። እቲ ኣብ መንጎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ዶክተር ዓቢ ኣሕመድን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኸተመ ዘይንጹርን ካብ ህዝቢ ዝተሓብአን ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝተባህለ ጉዳይ ዶብ ዕሽሽ ብምባል፡ “ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣይኮነን” ብዝብል ዘይሓላፍነታዊ ኣሰራርሓ፡ ብዘይ ጽፉፍ መጽናዕቲ ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ። ሓድሽ ፍቅሪ መወድኢ እኽሊ ከምዝብሃል፡ ዕብዳን ኢሳያስ ንህዝቢ ትግራይ ኣግሊልካን ከም ጸላኢ ቆጺርካን ምስ ክልላት ኣምሓራን ኣሮሞን ሕግብግብ ብምባል፡ ዶክቶር ዓቢ ኣሕመድ ወኪል ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝኾነ ስልጣን ብምሃብ፡ “ሓደ ህዝቢ ኢና ንደመር፡ ኣይከሰርናን” ዝብሉ ዘይውርዙያትን ናይ ጥልመትን መግለጺታት ተዋሂቦም።

ሕቶ መሬትን ዶብን፡ ኣሽምባይዶ ብደረጃ ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ጎዶቦ ዓድታትን ጎረባብቲ ስድራቤትን ብደጎል፡ ብሓጹር፡ ብግራት፡ ብሳዕሪ ብላዕ፡ ብደረት፡ ብመጋሃጫን ካልእ ጠንቅታትን፡ ውርዙይ ኣፈታትሓ እንተዘይተገይሩሉ ናብ ዘይተደልየ ደም ምፍሳስ፡ ዕንወት ንብረትን ጽልእን ዘብጽሕ ተኣፋፊ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብሰሪ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ድሌቶም ንምርዋይ ዝፈጸምዎ ምሕንጻጽ ዶባት፡ ክሳብ ሎሚ ሕማም ድሓር ኮይኑ ካብ ዘሳቂ ዘሎ ጸገማት’ዩ። ብውልቀ መላኺ ኢሳያስን ናይ ምሽሓርን መደረን ክእለት ዘለዎ ዶክቶር  ዓቢዪ ኣሕመድን፡ እቲ ዘከራኽርን ደም ዘፋሰሰን ዶብ ከይተሓንጸጸ፡ “ህዝቢ ምስ ህዝቢ ይራኸብ፡ ጓይላ ይገበር፡ ይሰዓዓም፡ ናፍቆቱ የውጽእ፡ ዶብ ንረስዓዮ” ኢሎም ዘይንቡርን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግማይ ኣብ ኩናትን ምስሕሓብን ዘእቱ ዘይትዓጽወ ምዕራፍ ከፊቶም። እቲ ሓቂ ግን ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ሎሚ ኣብ ስልጣን ኣለዉ ንዘልኣለም ግን ነበርቲ ኣይኮኑን። መሬትን ህዝብን ክልቲኡ ሃገራት ድማ ምስኦም ሒዞሞ ኣይከዱን ኢዮም። ነቲ ምስ ስርዓታት ዘይቀያየር ሕቶ ዶብ ድማ መዕለቢ ክትገብረሉ ምርጫ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ።

ወዮ ድኣ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ናይ ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉምባሕስ’ያ ዛግራ ትብላ ሽጣር ይኽተል ስለዘሎ እምበር፡ ኣብ መንጎ ክልልላት ትግራይን ኣምሓራን ኦሮሞን ሶማልያን ብቀጻሊ ሓድሕድ ዘፋልስ፡ ኣሽሓት ሰላማውያን ዘመዛብልን ንብረት ዘባኽንን ዘሎ ጉዳይ መንነት፡ ዶብን መሬትን’ዶ ኣይኮነን? ስለዚ እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ሕቶ ዶብ ብሕጋዊ ኣገባብ ከይተፈትሐ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕል ሰላም ከቲመን፡ ዝተፈላለየ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ከካይዳ ተሰማሚዐን ኢልካ ንህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ምትላልን ኣቃልቦ ማሕብረ ሰብ ዓለም ንምስሓብ ዝግበር ዘመተን፡ ትርጉም ዘይብሉን መዓልቱ ሓልዩ ዝረክስ ቁስልን’ዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥዕና ዘለዎ ነባሪ ዝምድናን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ክምዕብል እንተኾይኑ፡ ፈለማ ገግራትናን ጠጥሻናን ክንፈልጥ ኣለና። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ብድኽነትን ድሕረትን እናነበሩ እንከለዉ፡ ኩሉ ነገር ናይ ሓባር’ዩ፡ ዝባእስ የብልናን፡ ሰብ ኣብ ዝደለዮ ክሰርሕን ክሓድርን ናጻ ኢዩ ተባሂሉ፡ ናይ ፍልመ- ዴስነት ፍልስፍና ከተተኣታቱ ዝከኣል ኣይኮነን። ይትረፍ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብተን ብቁጠባ፡ ስነኪነትን ምዕቡል ኣተሓሳስባን ተወንጪፈን ዘለዋ ሃገራት ምዕራብ’ውን ብጽኑዕ ዶብ ኢየን ዝመሓደራ። ኣተሓሳስባ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ግን “ዋሕለልናያ ክብላስ ጻሕሊ ይዓጥና” ኮይኑ፡ ንጸለውቲ ሃገራትን ሰብ ዋኒንን፡ ንምሕጓስን ዝና ንምርካብን እምበር፡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ጸገማቶምን ሓልዮት ህዝብታትቶም ቅንጣብ ፋዕራ የብሎምን። ሕቶ ዶብ፡ መንነት፡ መሰልን መባእታዊ ጠለባት ሰባትን ተነጻጺሎም ዝነብሩ ኣይኮኑን። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዓል ሕደር ዘየድልዮን ንህዝቢ ክልቲኡ ህዝብታት ሩፍታ ዝፈጥር ጉዳይ ስለዝኾነን፡ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ፍረ ክህብ፡ ብዓወት ክዛዘምን ነባሪ ክኽውንን ዶብ ክልቲኡ ህዝብታት ክሕንጸጽን ነንብረትና ክንፈልጥ ይግባእ። ሕቶ ዶብ መዕለቢ እንተዘይተገይሩሉ ግን ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጂ’ውን ዘይተዓጽወ ፋይልን ጽባሕ ሕቶ ዘልዕልን ኢዩ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 8 መጋቢት 2019 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Negassi March 8, 2019

    Wisdom is about staying focused on today – even now!
    Yesterday is gone, tomorrow isn’t ours yet. Let us be honest,
    what have we learned from the liberation struggle despite so many writings
    and talk these days, that is pushing our campaigns today?
    If anything, the political opposition and cyber debates remain utterly distracted dwelling in the past.
    Let us be honest to learn from today’s failures, where did we go wrong? Failure isn’t about making mistakes,
    it is about learning from them (mistakes) and not sweeping them (mistakes) under the carpet out of fear.

  • ስለ ፍትሒ March 8, 2019

    ዝኸበርካ/ኪ ጽላል፡
    ሉኡላውነት ናይ ሓንቲ ሃገር ዝግለጽ ብንጹር ዶባት እዩ። እዚ ዝጠፍኦ ኣካል ክህሉ ኣይክእልን። ይትረፍዶ ሃገራት፡ ምምሕዳራት/ክልላት ናይ ሓንቲ ሃገር’ውን እንተኾነ ካበይ ናበይ ከምዝውክላ ርእሱ ዝኸኣለ ካርታ ኣለወን። ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓደ ፈጻሚኡ ዘይተፈልጠ ገበን(ከም ቅትለት) ምስዘጋጥም፡ እቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ትውንን ዓዲ ሓላፍነት ትወስድ። ምስቲ ዋንነት፡ዝመጽእ ተሓታትነት’ውን ኣሎ።

    እዚ ብቋንቋ ትግርኛ “ሽሓጢ” ክበሃል ዝኽእል ዶ/ር ኣቢይ ከኣ ብተገላባጢ ቃላቱ ብምድንጋር ንኤርትራውያን ከታልል ያኢ ተሓሲቡለይ እምበር፡ እዚ መሰረታዊ ዝኾነ ነገር ስለዝስሕቶ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ጽሑፍካ ዝገለጽካዮ፡ ኢትዮጵያውያን ሓንቲ ሃገር ኣላትና በሃልቲ ክነሶም ብሰንኪ ዶብ ክጨፋጨፉን፡ ሰብ እናረኣየን እናሰምዐን ክሳብ ቁልቁል ሰቒሎም እናሓረዱ ንዓና ዶብ ትርጉም የብሉን ዝብል ጽውጽዋይ ከስምዑና ኣሽካዕላል እዩ።
    ሽሕኳ ሰላም ንብህግ ህዝቢ ንኹንምበር፡ ከምቲ “ሕቖ ሰበይተይ ሒዙ ዝዋዘየለይ ኣይፈቱን!” ዝበሃል፡ ኢትዮጵያ ብሓይሊ መሬትና ጎቢጣ ክሳብ ዝሓዘት፡ ክሳብዛ ሰዓት’ዚአ በዓልቲ ድሓንና ከምዘይኮነት ኢና ንፈልጥ።
    እዞም ጉዳይ ናይ ዶብ ጠልጠል ኢሉ እንተተረፈ ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ዝረጋገጽ ኣካላት ከኣ፡ እንተኾይኑሎም ደም ምፍሳስ ዝጅመረሉ ሰዓት ሃንቀው ይብሉ ከምዘለው ፍሉጥ እዩ። ከምኡ ስለዝኾኑ እዮም ከኣ ኣብ ዘይምልከቶም ጉዳይ ኣትዮም ምስ ትግራይ ከናኽሱና ህርድግ ዝብሉ ዘለው።
    እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብሓሳብ ተፈላልዩ ዝጸንሐ ህዝብና ከኣ ጽቡቕ ጌሩ ስለዝፈለጦም ኣብ ሓደ ክጥርነፍ ዝበቕዐ ይመስል።፡

    ተጋሩ ኣሕዋትና ከኣ ጉዳይ ዶብ ብሕጊ ዝተወድአ ምዃኑ ኣሚኖም፡ (እንትርፎ ብናይ ክልቲኡ ሃገራት ድልየት ተረዳዲእካ ዝዕረ እንተሎ ኣብ ተግባር ምስመጻኻ ዝርአ ድኣምበር)፡ ብመሰረት ብይን ቤት ፍርዲ ዶባትና ክሕንጸጽ ቅሩባት ምዃኖም ደጊሞም ከረጋግጹ ይግባእ። እዚ ምስዝኸውን ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ንጥፍኣቶም ዘንቅድ ዘሎ ሓይሊ ከምነውግዞን ከምንቃወሞን ክፈልጡ ኣለዎም። ዶብና ተሓንጺጹ፡ ንጹር ዝኾነ ናይ ንግድን ካልእ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘድሊ ኩሉ፡ ንጹር ዝኾነ ውዕላት ምስተኸተመ ከኣ፡ ይትረፍዶ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ምስ ኩሎም ህዝብታት ዓለም፡ ንባዕልና ክሕሸና ክንብል ክንተሓጋገዝ ምርጫ ዘይኮነ ግድን’ውን እዩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ቀዳሞት ዝስርዑ ከአ (ከም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝዳወበና ሃገራት ዘለው ህዝብታት፡ ከም ዞባ ከሰላ ሱዳን) ሓንቲ ክልል ትግራይ እያ። ነዚ ሓቂ’ዚ ብግልጽን ብተደጋጋሚን ክነቃልሖ ዝግበኣና ይመስለኒ።

    ጽላል፡ ንስለ ብሱል መግለጺኻ ከም ወትሩ ምስጋና ይብጻሕካ።

  • SenAfe March 8, 2019

    Eritrea has no future with the past old people, it needs fresh blood, ideas and plans of the young for the future.

    • k.tewolde March 9, 2019

      Fresh blood comes from the old blood,the young is the offspring of the old,you are the product of your parents,there wouldn’t be today without yesterday…..since you were cut off from this inherent law that governs nature,you neither can see the future nor build it.That is why the perpetrators snatched you away from the bosom of your parents and molded you to serve them indefinitely and continue to do so.

      • k.tewolde March 9, 2019

        Tsilal,impeccable as usual,(MEDEMER) is basically a fortress where the criminals,opportunists,murderers,predators,invaders…are dug in.the only way to get rid of them,it is crystal clear to everyone by now.

  • Sol March 9, 2019

    Negassu. Nationalist, Senafe, Kokhob ንሽሕ ዓመት ኣብ ሂወት እንተትነብር ን K. Towelde ጫምኡ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ።

  • Woldegabriel March 9, 2019

    Sol, I agree with you 100%

    • SenAfe March 10, 2019

      Woldewanker, where and why do you agree with that lunatic 100%, can you be more specific?

    • k.tewolde March 10, 2019

      I am so flattered by your praise haw Sol and Wodegabriel,good words come out from good and sound souls like you,if we had respect and words of praise to our brothers and sisters all along,out nation wouldn’t have been overrun by these swarm of termites today.I humbly reciprocate the compliment.

  • Woldegabriel March 9, 2019

    My brother kokhob, it is not your mouth but your mind that is filthy. When is it ELF, Muslim, Arab,etc are crimes?

  • Woldegabriel March 9, 2019

    No my friend. I never use any pen names. I am proud of my name.

POST A COMMENT