Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝሓለፈ ሰሙን ዝዓረፋ ኣዴና ጽገረዳ ብላታ ሃይሉ፣ ወላዲቱ ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘይፍርዲ ምስ ተኣስረ ዛጊት ሃለዋቱ ዘይፍለጥ ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ኣብ ከተማ ለንደን ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩለን።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ኣብ መበል 94 ዓመተን ዝዓረፋ፣ ኣዴና ጽገረዳ ብላታ ሃይሉ፣ ወላዲቱ ነቲ ብ 2001 ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘይፍርዲ ምስ ተኣስረ ዛጊት ሃለዋቱ ዘይፍለጥ ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ሎሚ ሰንበት 22 ለካቲት ኣብ

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ኣብ መበል 94 ዓመተን ዝዓረፋ፣ ኣዴና ጽገረዳ ብላታ ሃይሉ፣ ወላዲቱ ነቲ ብ 2001 ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘይፍርዲ ምስ ተኣስረ ዛጊት ሃለዋቱ ዘይፍለጥ ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ሎሚ ሰንበት 22 ለካቲት ኣብ ከተማ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩለን።

ኣብቲ ጸሎተ ፍትሓትን ደበስን ሓያለ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጽኡ በጻሕቲ ተረኺቦም፣ ንሓዘንተኛታት ኣጸናኒዖም።

እተን ነቲ ዝፈትዋኦ ውላደን ናብ ገድሊ ንናጽነት መሪቐን ዘፋነዋ፣ ኣዴና ጽገረዳ ብላታ ሃይሉ፣ ንሓያለ ዓመታት ሃንቀው ናይ ዝበላኦ ወደን ናፍቖት ከየውጽኣ በቲ ጨካን ውልቀመላኺ ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ስለዝተኣስረ ሃለዋቱ ከይረኸባ ካብ’ዛ ምዕራፈን ነቶም ሓዘንተኛታትን በጻሕትን ዝተሓሳሰበ ተረኽቦ እዩ። ነተን ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ ካብ ዝተኣሰረሉ ዕለት ንደሓር፣ ካብታ ጅግና ወደን ብዘይሕጊ ዝተኣሰረላ ኤርትራ ከይወጻ ንዝኣተዋኦ መብጽዓ ኣኽቢረን ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልያ ጽንዕቲ ኣደ ኸኣ ሓዘንተኛታትን ደለይቲ ጽቡቐንን ብኽብሪ ኣፋንዮመን።

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድማ፣ ንደቀንን ቤተሰበንን ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ምስጢራዊ ማሕዩር ውልቀምልኪ ሃለዋቱ ጠፊኡ ዘሎ ጅግና ተጋዳላይ ሃይለ ወልደትንሳኤ ጽንዓት ይሃብኩም እናበለት፣ ንኣዴና ጽገረዳ ብላታ ሃይሉ መንግስተ ሰማያት ይቀበልክን ትብል።

ጸሎተ ፍትሓት ኣዴና ጽገረዳ ብላታ ሃይሉ ምስ ተፈጽመ ብቤተሰብ ዝተመሓላለፈ ምስጋና ንምንባብ ቀጽሉ።

imageedit_5_2958165433

imageedit_6_2574848767

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Abraham tesfay February 27, 2015

    Ade jigna ade kulom wtsuat eyen. Mengstesemayat yewarselna amein

POST A COMMENT