Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ 18 መስከረም፡ ‘መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ`

Eritrean Movement for Democracy and Human Rights http://www.emdhr.net/ Registration number 034-999 NPO 85 Jeppe Street, Room 302B, Pretoria, Sunnyside, Republic of South Africa. P.O. Box 30583, Sunnyside 0132 Email: info@emdhr.net   ጋዜጣዊ መግለጺ 18 መስከረም፡ ‘መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ` ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ

Eritrean Movement for Democracy and Human Rights

http://www.emdhr.net/

Registration number 034-999 NPO

85 Jeppe Street, Room 302B, Pretoria, Sunnyside, Republic of South Africa. P.O. Box 30583, Sunnyside 0132

Email: info@emdhr.net

 

ጋዜጣዊ መግለጺ

18 መስከረም፡ ‘መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ`

ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ከም ሃገርን ህዝብን ንኸረጋግጽ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ’ዩ። ብመስዋእቱ መሬታዊ ልዕላውነት ክረጋግጽ እኳ እንተኻኣለ፡ ሰብኣዊ መሰሉን፡ ህዝብዊ ሓርነቱን ከረጋግጽ ግን ገና ኣብ ትጽቢቱ ዘይነበረ ከቢድ መስዋእቲ ዳግማይ እንዳኽፈለ ይርክብ። ነዚ ሰብኣውነቱን ብቐንዱ`ውን ከም ህዝብን ከም ሃገርን ህላውነቱ ዝፈታትን ኩነታት ብሓድነት መኪቱ፡  መሰላቱን ሰብኣዊ ኽብሩን ከምዘረጋግጾ ፍጹም ዘየማትእ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናይ ሓጺር ግዜ ሕቶ ምዃኑ እምነትን መረዳእታን ክህልወና ይግባእ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታትን፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባትን  ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክወርድ ዝጸነሐን ዝቕጽል ዘሎን ግህሰት ሰብኣዊ መስላትን ክብርታትን ተገሊጾምን ተሰኒዶምን እዮም። መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ግህስት ሜላውን ብፍላጥን ከምዝኾነን፡ መጠኑ ከኣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ኢሉ ገምጊምዎ እዩ። ነዚ መጠነ ዓለም-ለኻዊ ኩነነ፡ ስርዓት ህግደፍ ብወግዓዊ ኣገባብ መግለጺ ብዙሕ ዋጋ ኣይህቦን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ህግደፍ ዝብከል ጽቡቕ ሽም ስለዘይብሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ብዕቱብ መገዲ ምእራም ዝፍትን፡ ከም ባህርያቱ ልዕላውነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታውን፡ ሕሱር ፖለቲካዊ ሽቐጥ ብዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ምስ ዘራይ ዝኾነኦ ሃገራት ብምክያድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝዘነበ ክሲ ንግዜኡ ከዝሕሎ ይሰርሕ  ኣሎ።

እዚ ካብ ቀንዲ ጉዳይ ምህዳም ዝገርም ጉዳይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ቀንዲ መርእያ ባህሪ ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾነ። ነዚ ንምብራህ ቁሩብ ምልስ ኢልና ሰነዳት ክንርኢ ሓጋዚ ይኸውን።

ብቕዳምነት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ መሰል ርእሰ-ውሳኒኡ ንልዕሊ ኣርባዓ ዓምታት ብፖልቲካውን ጎነጻውን መንገዲ ዘካየዶ ፍትሓዊ ቃልሲ ጨውይዎን ገቢትዎን`ዩ። እዚ ኻኣ፡ ብዓይኒ ሞራልን ሕልናን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብዓይኒ እቲ ህግደፍ ንነብሶም ከም መቐጸልትኡን ወራሲ ታርኹን ጌሩ ዝርእዮ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ/ግ) እውን እንትኾነ፡ ዓቢ ክሕደትን ጥልመትን ከምዘተፈጸመ እዩ ክገምገም ዝካኣል። ህ/ግ ኣብ 1987 ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ፕርግራሞ፡ ንህዝባዊ ደምክራስያዊ መንግስቲ ምትካል ዝምልከት ከምዚ ክብል ንህዝቢ ኤርትራ መብጽዓ  ኣትዩ ኔሩ፥ “ብደሞክራስያዊ መንገዲ ካብ ዚተመርሐ ናጻ ናይ ህዝቢ ወኪላት ምርጫ ህዝባዊ ባይቶ ምቛም፡ እዚ ህዝባዊ ባይቶ`ዚ ቅዋም ይሕንጽጽ፡ ሕጊታት ይሕግግ፡ ኣብ እትፈላለየ ሜዳታት ሜላታት ይሕንጽጽ፡ ሓድሽ ውዕላት የጽድቕን፡ ህዝባዊ ፈጻሚን ፍርዳዊን ኣካልት ይመርጽን”። ቀጺሉ ንመሰል ምዝራብን ምጽሓፍን ዝምልከት’ውን ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጽዎ፡”ናይ ርእይቶ፡ ናይ ጋዜጣን ጽሑፍን፡ ናይ ኣኼባ፡ ናይ እምነትን ናይ ሰላማዊ ሰልፍን ድሞክራስያዊ መሰላትን ምሕላው፡ ሃገራዊን ናይ ፖለቲካ ስልፍታትን ሃገራዊያን ናይ ሽቃሎን ሓረስቶትን ደቀኣንስትዮን ተማሃሮን መንእስያትን ናይ ሞያን ማሕበራትን መስላት ምሕላው።”[1]ነዚ መብጽዓ`ውን ኣብ ሳልሳይ ሃገራዊ ጉባኤ ህ/ግ ናብ ህግደፍ ኣብ ዝተቐየረሉ ብኸምዚ ክብል ደጊምዎ`ዩ፥

“ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ሕግን ስርዓትን ዘሕብር፡ ሓድነትን ሰላምን ዝሕሉ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ፍርሕን ጭቆናን ሓር ኮይኑ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ትሓልይሉ፡ ህይወቱ ብቕሳነትን ሓጎስን ንምቕጻልን ንምምሕያሽን ዝኽእል ርጉእ ፖለቲካዊ ስርዓት ክህነጽ መሰረታዊ ድልየትና እዩ። እዚ ዕላማታት`ዚ ከኣ፡ እንትርፎ ንዕኡ ብዘገልግል ሕግታትን ብሕጊ ዝቆመ ትካላትን ብካልእ ክረጋገጽ ስለዝይክእል፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ክንምስርት ኣሎና።”[2]

እዚ ህግደፍ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብመብጽዕዑ ዝኣትዎ ማሕበራዊ ውዕል (social contract) ከምዝጣሓሶን ከምዝኻሓዶን ህልው ኩነታትና ባዕሉ መስካሪዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ብመስረት እቲ ውዕል ክትግበር ዝነበሮ ብ1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ስለዘየትግበሮ፡ እንተዋሓደ ነዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት ህግደፍ ገቢትዎ ዘሎ ስልጣነ መንግስቲ ንቡር ዕላውነትን ሕጋውነትን ከምዘይብሉ እዩ ክፍለጥ ዝካኣል።

ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ብገዚፍ መስዋእቲ ናጽነቱ ዘረጋገጸ ህዝቢ ነቲ መስረታዊ መሰልን ልኡላውነትን ዲማክራስያዊ መሰላት ነፊግካ፡ ብፍላይ ከኣ ብደሞክራስያዊ ምርጫ ዘይተቐበልካዮ በትረ-ስልጣን ምጥቃም፡ ዕልዋ ኣብ ልዕሊ ልዕላውነት ህዝቢ`ዩ። ስለ’ዚ ከኣ ስርዓት ህግድፍ ዘይሕጋውን፡ ዘይዕላውን፡ ዓማጽን ስርዓት ምኻኑ እዩ ዘረጋግጸልና።

ከምዚ ዓይነት መንግስቲ፡ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣጸቢቑ ሰለዝርዳእ፡ ዕድሚኡ ኣብ ስልጣን ንምንዋሕ ኩለእንትናዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ፍርሕን ራዕድን ከም ቀንዲ መሳርሒ እዩ ዝጥቀመሉ። ኸም`ዚ ዝኣመስለ ዘይሕጋዊን ህዝቢ ቆጽሊ ዘየውደቕሉ በትረ-ስልጣን ዝሓዘ መንግስቲ፡ ነብሰ-ተኣማንነት ስለዘይብሉ፡ ኩሉ ዓቕምታቱ ኣብ ስለያን ጎነጽን እዩ ዘውዕሎ። ከም ባህርያቱ ከኣ፡ ዝኾነ ንዕኡን ንተግባራቱን ኣብ ሕቶ ዘእቱን፡ ምሉእ ተማእዛዝንት የብሉን ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ዜጋ፡ ክእስርን ክቕጥቀጥን ከሳቐን ክሽረብን ንቡር ጌሩ እዩ ዝወስዶ። ብዕለት 18 መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓልፍቲ ግንባርን መንገስትን፡ ከምኡ`ውን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ኣሻሓት ዜጋታት ዝወረደ ከምዃኑ መጠን፡ ግሁድ መርኣያ ስርዓት ህግደፍ`ዩ።

ኣብ ከምዚ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ፡ ቀዳመይቲ ግዳይ ትኸውን ግዝኣተ-ሕጊ እያ። ምኽንያቱ፡ ንኣታሓሳስባን ተግባራትን ዕላውነት ዘይብሉ ስልጣን ዝገበተ ህግደፍ፡ መወክሲኡ ሕጊ፡ ህዝባዊ ክብርታት ዝሓዘ ባህሊ፡ ስነ-ምግባር ወይ ብሓፈሻ ስብኣውነት ኣይንታዩን`ዩ። እቲ ብመርማሪት ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ መርትዖታት እውን ነዚ እዩ ዘንጸባርቕ። እቲ ቐንዲ መወከሲኡ፡ ዘይረዊ ሸውሃት ስልጣን ዓመጽን ምስኡ ዝኸይድ ትሑት ነብሰ-ተኣማንነት ዘምጽኦ ፍርሕን`ዩ። ልዕላውነት ሃገር ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ምእታውን፡ ብስቓይ ህልቂትን መንእሰያት ኤትራውያን ስደታኛታት ምብጫው፡ ቀንዲ “ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ” ዘስምዕ ባህሪ ህግደፍ`ዩ።

ስለዚ ነዚ መፍትሒኡ  እንታይ`ዩ፡ ተባሂሉ ክሕተት ባህርያዊ እዩ። ሽሕ እኳ እቲ ክኸይድ ዝጽንሐን ዘሎን ምቅላዕ ኩነታት ስብኣዊ መስላት ኣብ ኤርትራ ኣገዳሲ ውጽኢት እንተኣምጸአ፡ ነቶም ዓሰርተታት ኣሻሓት ግዳያት ናይ`ዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ዝኾኑ ዜጋታትን፡ ንምንቁልቋል ክብርን ህላውነትን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ምግታእ ግን ውጺኢቱ ውሱንዩ። እዚ ዝገብሮ ቀንዲ ምኽንያት ከም ህዝቢ ብዝሓየለ ደረጃ ኣገባብ ቃልስና ወዲብና ክንገትኦ ስልዘይበቓዕና እዩ። ማሕበረሰብ ዓለም ሓጋዚ ተራ የብሉን’ኳ እንተዘይተባህለ፡ እቲ ዓብላሊ ሓቂ ኣብ ክንዲ ብመትከልን ብኽብርታትን፡ ብጥቕሚ ስለዝግዛእ ንጉዳይና ኣብክንዳና ክኸውን ዝኽእል መተካእታ ሓይሊ የልቦን። ኩልና ከም ንግንዘቦ ግዳያት ግህሰት ስብኣዊ መሰላት፡ ግዳያት ዝኾኑሉ ቀንዲ ምኽንያት መሰል ሰለዘይብሎም ኣይኮነን፥ ንመሰሎም ከውሕሱ ዘኽእሎም ሓይሊ (power) ስለዘይበሎም ጥራሕ`ዩ። ንሕና ኤርትራውያን’ውን ክንስማዕ፡ ኣውንታዊ ሓይሊ ክህልወና ኣለዎ። እዚ ሓይሊ ምንጩ ከኣ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ወይ ፈሉያት ሃገራት፡ ወይ ምዕራባውያን ዘይመንገስታውያን ማሕበራት ኣይኮናን። ምንጪ ሓይልና ኣብውሽጥና ኣብ ሓያል ውዳበ ህዝብና እዩ ዘሎ። ብውዳበ ህዝብና ብንቕሓትን ኣስተምህሮን ዝተሰነየ፡ መሰልን ሓላፍነትን ብማዕረ ዝሰርዐ ክኸውን ኣለዎ። በዚ ዝፍጠር ዓርሞሸሻዊ ሓይሊ ልዕላወነት ህዝቢ ክነግስን፡ ንዝተጠልመ መብጻዓ ክመልስ፡ መሰልን ክብርን ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ከውሕስ ዝካኣል።

ነዚ ሓያል ህዝባዊ ውዳበ መሰረት፡ ኣብ ክብርታትን ህዝቢ ዝርዓመ ስጡም ሃገርዊ ራኢይ ምህልው እዩ። ስጡም ሃገራዊ ራኢይ ንኽፍጠር፡ ደለይቲ ፍትሒ ዘለዎም ዘይቃዶ ኣተሓሳስባ ገዲፎም፡ ልቦና ብዝመልኦ ሓቛፊን ኣሳታፍን መስርሕ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ሕብረተሰብና ብዘተፈላላየ መንገድታት ከሰላስሉ ኣገዳሲ እዩ። ኸምዚ ዓይነት ኣብ ህዝብና ዘድሃበ ናይ ዘተ መስርሕ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ኣስካፊ ኩነታት በጺሑ ዘሎ ካብ ተስፋ ምቑራጽ ዝተበገሰ፡ ምቑንጸብ ክብርን ታሪኽን ህዝቢ፡ ኣዕናዊ ምምቕቓልን ወገንነትን፡ ክግታእን፡ ህዝብና ኣብ ሕበረት ዘሎ ሓይሊ ዳግማይ ከገናዝብ የኽእል።

እዚ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ጎረቤት ሃገር ወይ ኣዕሩኽ በርገሳውያን ማሕበራት ክገብራልና ዘይክእላ፡ ናህና ናይ ሃገራውያን  ዕማምን ሓላፍነትን ጥራሕ እዩ። ኣብዚ መስርሕ እምባኣር፡ ንጡፋት ሃገራውያን ልቢ-ንልቢ ተራኺብና፡ እንኮ መንገድና ብሓባር ምስራሕ፡ እንኮ ተልእኾና ኣ ምሕያል ህዝብና፡ እንኮ ዕላማና ኣ ምውሓስ ክብርን መሰልን ህዝብና ክሞዃኑ ንእመን። ኣብዚ ናይ ሓባር ዕማም፡ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምድስመ) ዘለዎ ሓይሉን ዓቕሙን ከይቆጠበ ከወፊ በዚ ኣጋጣሚ ዳግማይ የረጋግጽ።

18 መስከረም 2017

ፈጻሚ ኣካል: ኤምድስመ

ፕሪቶርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ

 

[1] ህዝባዊ ግንባር ሓርንት ኤርትራ፣ ሰነዳት ጉባኤ፡ ኣብ ካላኣይ ሓድነታዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤትራራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን – ማእካላይ መሪሕነት ካብ 12-19.03.1987 ዝጸደቐ። ገጽ 110.

[2] ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ፡ ምእምቲ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ራህዋን ዝሰፈኖ ምጻኢ፡ ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝጸድቐ፡ ናቕፋ 10-16 ልካቲት 1994.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Nahon September 18, 2017

    “ንሕና ኤርትራውያን’ውን ክንስማዕ፡ ኣውንታዊ ሓይሊ ክህልወና ኣለዎ። እዚ ሓይሊ ምንጩ ከኣ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ወይ ፈሉያት ሃገራት፡ ወይ ምዕራባውያን ዘይመንገስታውያን ማሕበራት ኣይኮናን። ምንጪ ሓይልና ኣብውሽጥና ኣብ ሓያል ውዳበ ህዝብና እዩ ዘሎ።”

    – What does ኣውንታዊ ሓይሊ mean here ?, it is something related to “ሓያል ውዳበ ህዝብና” ?
    Would you please elaborate more on this ?

    Regarding “organizing people” , it used to be useful in pre-independence Eritrea, but not now,. Because organizing masses is usually needed when you want wage a war of resistance. But I don’t think that is needed now in Eritrea. What Eritreans need to remove the brutal dictatorship from power is changing their attitudes against each other and creating consensus on major national issues. Let’s us stop living in ‘sewra/sahel’ mode and embrace the new reality of post independence Eritrea. No more ‘wudibey’ and ‘wahio’ but ordinary citizens who share common destiny. Eritreans from all walks of life who want see their country free from dictatorship and ready to move on the road of economic development. A country where every citizen’s need and aspirations are accommodated.
    .

    • k.tewolde September 18, 2017

      Yes indeed Nahon,it is the eve of 2018,the era of AI,VR,genetic engineering,robotics and the IPhone X is about to be introduced and we are talking here about basic human rights in our birthplace with rationed internet connection and mindset that is frozen and mummified in time somewhere in the ravines of Sahel.It is time to shake the cobweb and break free and throw the shida and give the young blood a chance to put on the Nike and run the show.It smells dingy in here,it must be HGDEF’s pad.

  • Nahon September 18, 2017

    Brothet Dr. K. Tewelde

    Please continue your educational comments on Assenna.com forums.
    Don’t be discouraged by Higdef agents’ insults.

    • k.tewolde September 19, 2017

      It was just the inconvenience of hurricane Irma,regardless of the hgdefite chatter,I will continue to enjoy a good company like yours in this medium and convey only the truth.Blessings Nahon.

  • Tesfu Tewelde September 18, 2017

    This is my OPINION.
    Our Backwardness is an ENEMY stronger than the President of Eritrea.
    I would like to regard a HUMAN BODY as an example.
    Here in Europe, when somebody is sick, he sees his ” House DR ” .
    Depending on the organ at stake or any part of the body,
    this Dr sends him to a special Dr.
    You guess how many Drs specialize to treat the HUMAN BODY.
    Drs, Professors or Specialists treat a SOCIETY as well. RIGHT ?
    What I am aware of : Psychologists , Organizing Specialists, Conflict Resolution Professors, Professors for Politics, Sociology, Law, Communicaton, Education, etc. I don’t know. In fact, I have a Bachelor in Science. No more no less.
    The question now is : For the comments in the above report, which professors took part ? Or is it done by a member assigned for that purpose as a simple report ( which we usually do – being Mindless ).
    But as I said, it is an opinion. Not supervised ( as we usually do )
    But don’t underestimate it. It took me a while to become a ”professional” – To differentiate between an OPINION and a qualified KNOWLEDGE

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply