Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዙር ፈንቅል! ኣብርሃዮ’ቲ ቀንዴል!

ዙር ፈንቅል! ኣብርሃዮ'ቲ ቀንዴል ስበሮ ነቲ ንሳዋ ዘውርድ ሰንሰለት! ንህዝብኻ ኣርእዮ መገዲ ድሕነት!   ይኣክል! ንሳዋ ኣይንውርድን!' ዝብል መትከልካ ኣጽኒዕካ ሓዝ። ነቦኻ ምሰል! ቀጽሎ ጉዕዞኻ። ኣብርሃዮ ነቲ መገዲ ድሕነት ዘርኢ ቀንዴል! ንቐሎ ነዚ ንህዝብና ዘጥፍእ ዘሎ ኣረመኔ ‘ተምበናይ ኢሳያስ

ዙር ፈንቅል! ኣብርሃዮ’ቲ ቀንዴል

ስበሮ ነቲ ንሳዋ ዘውርድ ሰንሰለት!

ንህዝብኻ ኣርእዮ መገዲ ድሕነት!

 

ይኣክል! ንሳዋ ኣይንውርድን!‘ ዝብል መትከልካ ኣጽኒዕካ ሓዝ። ነቦኻ ምሰል! ቀጽሎ ጉዕዞኻ። ኣብርሃዮ ነቲ መገዲ ድሕነት ዘርኢ ቀንዴል! ንቐሎ ነዚ ንህዝብና ዘጥፍእ ዘሎ ኣረመኔ ‘ተምበናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ! ዋና ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ!’ ምዃኑ ንህዝብኻ ንገር! ዝደቀሰ ከይተረፈ ክበራበር። ኣሰምዓሉ ነቲ፣ ሓቂ ምስማዕ ዝተሓሰመ ጸማም! ንዘየስተውዕል ሃማም! ዓይኒ ከለዎ ዝዓዉር! እእምሮ ከለዎ ልቡ ዝስወር! ኢሳያስ፡ ን32 ዙር  ዕድመ መንእሰያት ዝበልዐ መዓስከር ሳዋ ዝመስረተሉ፡ መበል 25 ዓመት ኢዮበልዩ ብዓል ንምኽባር ዝሰባሸብ ዘሎ ዝምቡል! ጽሓፍ ለጥፍ መግለጺታት ኣብ መናድቕ ኣስመራ! ‘ኢሳያስ ኢዩ! ቅዋም ከይትግበር ኣንጻር ወያኔ ኩናት ዝውልዐ! ኣሽሓት መንእሰያት ዝቐዘፈ! ገበኑ ከይቅላዕ ቀዲሙ፣ ንጉጅለ 15 ከዳዓት! ዝበለ። ንጅግና ወዲ ዓሊን ብጾቱን ዘጸልመ! ን91 ዓመት ዘለዎም ንናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ክቡር ኣቦና ኣንጦንዮስ  ን13 ዓመታት ዝሓየረ! ን93 ዕድመ ዘለዎም ክቡር ኣቦና ሓጂ ሙሳ ኣብ ቤት ማሕቡስ ሓይሩ ከም ዝመቱ ዝገበረ! ኣብ ቀብሮም ዝወዓለ ቆልዓ ሰበይቲ ከይተረፈ ዝሓየረ። ን200 ሺሕ ዝኸውን ህዝቢ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ብካቶሊክ ቤተክርስትያን ዝእለያ ዝነበራ 24 ዝኾና ሆስፒታላትን ናይ ጥዕና ማእከላትን ዝዓጸወ። ንሓራሳት ከይተረፋ ሰጒጉ ስኣን ሕክምና ክመታ ዝፈረደ!ኢሳያስ’ዩ፡ ንህዝብና ብኢድ ደቀይ ዝብሎምን መጋበሪ ክኾኑ ዝኸተቦምን ዘጥፍእ ዘሎ። ንኣኹም ንዙር ፈንቅል፡ ከምቶም ዝቐደሙ ጊላዋ ኮንካ ከይትተርፍ፡ ኣብቲ፣ ‘ንሳዋ ኣይንውርድን!’ ዝብል መትከልካ ጽናዕ።  እንተወሪድካ ግን፡ ተደፊረ! ብማለት፡ ሕርቃን ወሲኹ፡ ቂም ሒዙ፡ ካብ ዝቐደሙ ብዝኸፍአ ክመዓተካ ምዃኑ ፈሊጥካ፡ ግዜ ከለካ፡ ንህዝብኻ ሒዝካ ዝግበር ግበር። ነዚ ኣረመኔ ስርዓት ንሓንሳብ ንሓዋሩን ንምጉሓፍ ተልዓል። ተቐባሊ ሕድሪ ጅግና ህዝብናኻ ምዃንካ ብተግባር ኣመስክር። ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ህዝብኻ ተመሃር፡ ንካልኦ’ውን ምሃር፡ ድሕሪ ሕጂ ከይርከብ ዝደናገር። ንገር ንህዝብኻ ኢሳያስ ምዃኑ፡ “ሓሳዊ ኣዳራሽ ገዛ መዕነዊ…!”

ከምቲ፣ ኣብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝውሱኹኻ፡ ዝብሃል፡ ንመዘኻኸሪ ዝኣክል ቁሩብ ክውስኽ። ዕላማን ተልእኾን ኢሳያስ ክፈልጡን ከብድሁዎን ዝተላዕሉን ብዙሓት ኣርካናት’ኳ እንተነበሩ፡ ኽፍኣት ብምምሃዝ ዝቕድሞ ስለ ዘይብሉ፡ ቀዲሙ ኣዳህሊሉ ከም ዘጥፍኦም ዘርከብካሉ ናይ ጥፍኣት ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ስለ ዝተወልደን ብሕጊ’ውን ኤርትራዊ ስለ ዝኾነ’ዩ ኣብ ገድሊ ክጽምበርን ተቐባልነት ክረክብን ዝኸአለ። ውሑዳት ንኤርትራውነት ከም መመክሕን መሕብእን ከም ዝጥቀሙሉ ዝፍለጥ ኢዩ። ናይዚ ጎሊሑ ዝርአ ኣብነት ከኣ ናይ ኢሳያስ ክፉእ ተግባራት ኢዩ። ከምቲ፣ ኣብ ከብዲ ዘሎ ወዲ ጓል ንበሎ! ዝብሃል ከኣ፡ ኢሳያስ ዝኣምነሉን ሓቢኡዎ ንዓመታት ዝጉዓዝ ዝነበረን መንነት፡ ህዝብና ክፈልጥ ስለ ዘይከኣለ፣ ‘ውላድና፡ ኤርትራዊ ከማና!’ እናበለ ከም ዝሓብሓቦን ዝተቐበሎን መስካሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ኢሳያስ፡ ከምቲ፣ ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ፡ ዝብሃል፡ ክሳብ ዝደልዎን፡ ዕላምኡን፡ ተልእኹኡን ሓቢኡ፡ ካብ ኤርትራዊ ንላዕሊ ኤርትራዊ ዘምስሎ ትያትር እናሰርሐ ንህዝብና የጥፍእ ኣሎ። ኣብ ቀረባ ከኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘዳኸሞን ክዓግቶ ዘይክእል መሲሉ ስለ ዝተራእዮ፡ ንኢትዮጵያ ከይዱ፡ ብታሕጓስ ተሳዒሩ፡ ብክልተ ኢዱ ኣፍልቡ እናሃረመ፡ ኢትዮጵያዊ ምዃኑ ገሊጹ። ንኢትዮጵያ ክስውኣላ ድሉው ምዃኑ ብተለቪዥንን ራድዮን ደርጒሑዎ። ሓቢኡዎ ዝነበረ ናይ ኤርትራዊነት መጋረጃ ቀዲዱ፡ ኢትዮጵያዊ ምዃኑ ምስ ገለጸ ከኣ፡ ህዝብና፣ምስ መን ዲና ዘለና?! ከማና ኤርትራዊ ስለ ዘይኮነ እምብኣር ዘጥፍኣና  ዘሎ! ነዚ ብዋጋ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰማእታትን ብህይወት ዘለዉን ጀጋኑናን ዝጨበጥናያ ናጽነት፡ ናብ ባርነትለወጠ! ክሳብ ሎሚ ክነስተማቕራ ዘይከኣልና!’ እናበለ ብጓሂ ይጥበስ’ዩ ዘሎ። ‘ባዕለ ተዘንጊዐየ! ባዕለ ተዘንጊዐየ! እናበለ ብዘይወጽእ ጣዕሳ ዝብላዕ ዘሎ። ብጭንቀት ተዋሒጡ ዘሎ። ኣይከሰርናን! ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢዩ! ክልተ ህዝቢ ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ!” (ንዶ/ር ዓቢይ)ስልጣን ሂበካ ኣለኹ! ንስኻ ኢኻ ትመርሓና!!” ምስ በለ ከኣ፡ ብዘይካ’ቶም ኣእምርኦም ዝተሓጽበን ዝተሃመሉን፡ ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ክም ዝቐበጾ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እምበርዶ ብጥዕንኡ እዚ ስብኣይ! ዝብለ’ውን ውሑድ ኣይኮነን። ንወደብ ዓሰብ ንኢሚረት፡ ምክራዩ፡ ናይ ኢትዮጵያ ባሕሪ ሓይሊ ኣብ ወደብ ባጽዕ ክድኮን ምስምምዑ! ኣብ ቀረባ ግዜ ከኣ፡ ስም መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ናብ ዮውሃንስ ኣራተኛ! ከም ዝለወጦ ዝሰምዐ ህዝብና፡ ዝስዕብ ጉድን ግፍዕንከ እንታይ ኮን ይኸውን?! እናበለ ክሻቐል ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ። እንታይ ንግብር? እናተበሃሃለ ክዛተን ክትሓታተትን ተገዲዱ ዘሎ። ሃገርና፣ ኣብ ዓለም ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ህዝብና ኣማዕድዩ ዝርእያ፡ ሬስኡ’ኳ ኣብ ዓዱ ከይቅበር ዝተኸልከለላ፡ ሃገር’ያ ኮይና ዘላ። ስለዚ ሎሚ ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ህዝቡን ሃገሩን ንምድሓን ዝኽእሎ ክገብር ዝጓየየሉ እዋን ኢዩ። ብሓባር ተላዒሉ፣ ይኣክል! ይኣክል! እናጠፋእና ሱቕ ይቐትለና ኣሎ! እንታይ ክሳብ ንኸውን ኢና ንጽበ ዘለና!’ ኢሉ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ዝሓቁፍ ሓባራዊ መሪሕነት መስሪቱ፡ ብነድሪ ተላዒሉ፡ ነዚ ኣረመኔ ስርዓት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጉሓፍ ዝዕጠቐሉ ግዜ ኢዩ። ዓወት ህዝብና ንምቅልጣፍን ዝንቀሳቐሰሉ፡ ነቲ ግንባር ቀደም ተሰሊፉ ዝቃለስ ዘሎ ዙር ፈንቅል ኣጆኻ! ምስኻ ኣለና! ዝብለሉ፡ ዘድሊ ሓገዝ ንምውፋይ ድሉው ዝኾነሉ ግዜ ኢዩ። ዙር ፈንቅል! ኣካል ናይዚ ህዝባዊ ማእበል ኮንካ፡ ኣብ ቀዳማይ ግንባር ተሰሊፍካ ከም ዘለኻ ዝፈልጥ ህዝብኻ ምስኻ’ዩ ዘሎ። ምሳኻ ዘራኽብ ድልድል ንምልቃብ’ዩ ዝጽዕር ዘሎ። ዘራጊቶ ከይብትነካ፡ ዘግድዑኻ ከይርከቡ ግን ተጠንቀቕ።

ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ክሕዞን ከምበርክኾን ከም ዘይክእል ስለ ዝፈልጥ፡ ንግርህነት ህዝቢ ኤርትራ ብምምዝማዝን’ዩ፡ ዕላምኡን ተልእኽኡን ብሚስጢር ክትግብር ዝተላዕለ። ብቀዳምነት ከኣ፡ ነቒሖም ክብድሁዎን ክመርሑ ዝኽእሉን ተጋደልቲ ብምጽላም፡ ብምንጻልን ብምቕንጻልን’ዩ ናብ ስልጣን ዝደየበ። ህዝቢ ኤርትራ ገርህን፡ ንሰብ ዝኣምን ስለ ዝኾነን፡ ከምቲ ብኣምሓርኛ፣ ያልጠረጠረ ተመነጠረ ዝብሃልን፡ ህዝብና ኢሳያስ ዝጠልሞ ከይመሰሎ ግዳይ ኮይኑ። ውላደይ! እናበለ ሓብሒቡ ዘዕበዮ ዝጠልሞ ስለ ዘይመሰሎ፡ ንህዝብና ዝሓሊ መሲሉ ጠሊሙዎ። ክሕዱዎ። ተመን ከም ዝሓቖፈን ምስ ገበለ ከም ዘጥፍኦን ክፈልጥን ክምክትን ኣይከኣለን። ኢሳያስ፣ ተቐዳዲሙ፡ ንሰራዊትን ናይ ጸጥታ መሓውራትን ክቆጻጸር ስለ ዝኸኣለ፡ ንህዝብን ተጋደልትን ብስለያ ቆላሊፉ፡ ብፍርሕን ራዕድን ሒዙ የጥፋኦ ኣሎ።  ከም ሲቪል ወይ በርገስ ናይ ምንባር መሰሉ ቀንጢጡ፡ ኣብ ጥሕቲ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ስርዓት ሸኺሉ የከላብቶ ኣሎ። ንደቁ ካብ ሕቑፉኡ መንጢሉ፡ ኣብቲ ኣእምርኦም ክበስል፡ ዝግብኦ ግዜን ዕድመን፣ ኣብ ሳዋ ዳጉኑ ዕድምኦም ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት የብልዮ ኣሎ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ 32 ዙር ዝነበሩ መንእሰያት በሊዑ። ናብራ ሳዋ መሪሩዎም ዝተሰዱ፡ ኣብ በረኻታት ሰሃራን ሲናይን፡ ኣብ ሊብያን፡ ይጠፍኡንን ኣብ ባሕሪ ይጥሕሉን ኣለዉ። ካብ ሞት ንስክላ ተሪፎም ዓዲ ሕጊ ዝበጽሑ’ውን ህግደፍ እግሪ እግሮም ስዒቡ፡ የሳድዶም ከም ዘሎ ካብ ዙር ፈንቅል ዝተሰወረ ኣይኮነን። ብፍላይ ጥቓ ዓዲ ጥልያን ምስ በጽሑ፡ ኣብ ላምፓዱዛ ዝጠሓሉን፡ ኢሳያስ፣ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ብማለት ክኽሕዶም ዝፈተነ 360 ዝኾኑ ኤርትራውያን ህልቂት፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ከይተረፈ ዘሰምበደን ዘጉሃየን፡ ካብ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ልቢ ክጠፍእ ዘይክእል መርድእ ኮይኑ ከም ዘሎ ዝስሓት ኣይኮነን። ነዚ ጠንቂ ስደትን ህልቂትን ዝኾነ መዓስከር ሳዋ መበል 25 ዓመት ምስ ኢሳያስ ምብዓል ከኣ ንህዝብና ናይ ምጥፋእ ክቕጽሎ ምድጋፍን ተሓባበሪ ምዃንን’ዩ ዝኸውን። ከም ነብስ ቅትለት ምፍጻም’ዩ ከኣ ክቑጸር ዝክኣል። ኢሳያስ፣ ንኣተሓሳስባ ህዝብና ብምጥምዛዝን መኣዝኑ ከም ዝስሕት ንምግባርን ከይደቀሰ ከም ዝሓድር’ዩ ተግባሩ ዘረጋግጽ። ሕጂ ከኣ ናባኻ ናብ ዙር ፈንቅል’ዩ መጻወዲያ ዝዝርግሕ ዘሎ። ከም ቀዳሞት ኣብ ሳዋ ዳጒኑ ክበልዓካ ኣፉ ከፊቱ’ዩ ዝጽበየካ ዘሎ። ከምኦም፡ ኣደንቁሩ፡ ናይ 21 ክፍለ ዘበን ምእዙዛት ኣገልገልቲ ሰብ ስልጣን ኮንካ ክትነብር’ዩ ፈሪዱካ ዘሎ። ስለዚ ከምቲ፣ ጭራ ነብሪ ኣይትሓዝ፡ እንተሒዝካ ኣይትስደድ! ዝብሃል፡ ሎሚ ኢድካ ሂብካ ንሳዋ እንተወሪድካ፡ ካብ ቀዳሞት ብዝገደደ ክመዓተካ ምዃኑ ከትስሕቶ የብልካን። ንወለዲ ከይተረፈ 50 ሺሕ ናቕፋ ከቐጽዕ ከም ዝኣወጀ ይስማዕ’ኳ እንተሎ፡ ውለዲ ግን፡ ብዛዕባ ክንዲ ሰብ ዝኾኑ ደቅና ኣይንሕተትን! ብማለት ይቃወሙ ከም ዘለዉ’ዩ ዝስማዕ ዘሎ። ኣብ ወጻኢ ዝነብር ደላይ ፍትሒ ከኣ፡ ካብ ሕጂ ንድሓር መንእሰያትና ኣብ ሓደጋ ከይወድቁን፡ ተቐባሊ ሕድሪ ኮይኖም ክህነጹን፡ ዝኽእሎ ክገብር ይጽዕር’ዩ ዘሎ። ኢሳያስ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ካብ ህዝብና ተኸዊሉ፡ ነዛ ብሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ደቃ ናጻን ልኡላዊትን ዝኾነት ሃገርና ኣዕንዩ፡ ንህዝባ ኣጽኒቱ፡ ንኢትዮጵያ ከረክባ ይጓየ ከም ዘሎ ይግሃድ’ዩ ዘሎ። ምስ ናይ ኢትዮጵያ ጠ/ሚ ዶ/ር ዓቢይ ንህላዌ ሃገርና ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ሚስጢራዊ ውዑላት ይፍርም ኣሎ። እዚ ንብዙሓት ዓይኖም ዓሚቶም ክድግፉዎ ዝጸንሑ ከይተረፈ ስለ ዘሰምበዶም፡ ናብ ልቦም ተመሊሶም፡ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ተጸምቢሮም፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ክቃለሱ ምጅማሮም ተስፋ ህዝብና ዘለምልም ኢዩ። ሎሚ ነዚ ሓቂ’ዚ ዝኽሕድን ንኢሳያስ ዝድግፍን ዘይቀበጾን፡ ብደዉ ዝመተን ዝቕብሮ ዝጽበን ጥራይ ኢዩ።

ስለዚ ምንቅስቓስ ዙር ፈንቅል፡ ይኣክል! ንሳዋ ኣይንውርድን! ምባልካ ውላድ ጀጋኑ ምዃንካን ታሪኽ ክትሰርሕ ከም ዝነቐልካ ዘበስር ኢዩ። ካብኡ ሕሊፉ’ውን፡ ንህዝብና ዘሐብንን ንመሰሉ ክቃለስ ዘለዓዕልን፡ ዘተባብዕን ኢዩ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ኤርትራዊ ከኣ፡ ምንቅስቃስካ ንምዕዋት ኣብ ጎንኻ’ዩ ክሰልፍ ዝጽዕር ዘሎ። በየናይ ዕድልና ክንረኽቦ ዝብሉን፡ ምሳኻ ኣብ ቀዳማይ ግምባር ክስለፉ ዝህንጠዩን ዝፍትኑን ብዙሓት ኢዮም። ይኣክል ደኒንካ ምብካይ ጥራይ! ይኣክል ንምልኪ! ይኣክል ስቕታ! ስቕታ’ዩ ንህዝብና ዝቐትሎ ዘሎ! ኢሉ፡ ህዝብና በብዘለዎ ተላዒሉ፡ ህዝባዊ ማእበል ፈጢሩ፡ ነዚ ኣረመኔ ስርዓት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምእላይ ነቒሉ’ዩ ዘሎ። ይኣክል ጓንጓ ሃገራዊነት! ይኣክል ንሓደጋ ተጋሊጺካ ምንባር! ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ! ዝብል ህጹጽ መጸዋዕታ የመሓላልፍን ይቀባበልን’ዩ ዘሎ። ከምተን፣ ‘ኣይንኽእሎን ዶ ኢልክናና! ነቲ ውራይና!’ ተባሂሉ ዝተደርፈለንን፡ ናይ ሕመቕ መመሰሊ ኮይነን ዝተረፋን ካብ ምዃን የድሕነና።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 3 ነሓሰ 2019

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Halafi August 8, 2019

    እንታይ ማለትካ እዩ? “ተምበናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ!”
    ነዚ ከዳሚ ናይ ዓረብ ኢማራት ስዑድያን ግብጽንሲ ደኣ ገመይ ጌሩ እዩ “ተምቤናይ”?
    ኣብዚ ዞባና “ዓረብ ኢና” ዝብልን። ቋንቋታቱ ከም ትግርኛ
    ዝጸልእ ተምቤናይ ኣይረኣኹን።
    ስለዚ ብዛዕባ እቶም ክሩዓት ደቂ ተምቤን ገዲፍካ ፡
    ኣጆኻ ኣይትፍራህ! ብዛዕባ እቶም ከምዚ ከምኡ ብዓረብኛ እንተዘዩኽደድና ዝብሉ
    ነቲ ናይ ለቓሕ መንነቱ ናድዮ።

    • Tsehaye August 8, 2019

      Halafi, very well said brother and I couldn’t agree more, please keep it up.

  • Degol Sahle August 8, 2019

    What?

  • Zeregabir Teaghes August 8, 2019

    Nskin kitbla Chaluk-Maluk-Faluk ganta Tele Bezi-a muluk.

    Nuguse Gala-Hadish Adi

POST A COMMENT