Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘይድበስ ሓዘን

ኩሉ ንምድንጋር ተባሂሉ ዝግበር ወኻዕታ ዘፍ ምስ በለ እንደገና ናብ ቃንዛና ኢና እንምለስ ዘለና። ምኽንያቱ ሕመረትና ኣይተደበሰን። ግንከ በዚ ዘለናዮ መድረኽን ኣተሓሕዛኡን፡ ኣውራ’ውን ህግደፍ ክሳብ ዘሎን ክንድበስ ንኽእል ዲና? ንሱ’ኮኢዩ እቲ ቀንዲ ደመኛና። ካብ ጸላኢኻ

ኩሉ ንምድንጋር ተባሂሉ ዝግበር ወኻዕታ ዘፍ ምስ በለ እንደገና ናብ ቃንዛና ኢና እንምለስ ዘለና። ምኽንያቱ ሕመረትና ኣይተደበሰን። ግንከ በዚ ዘለናዮ መድረኽን ኣተሓሕዛኡን፡ ኣውራ’ውን ህግደፍ ክሳብ ዘሎን ክንድበስ ንኽእል ዲና? ንሱ’ኮኢዩ እቲ ቀንዲ ደመኛና። ካብ ጸላኢኻ እትጽበዮ ጽቡቕ ስለዘየለ ጽንዓት ትፈጥር ኢኻ።“ሓወይ“ እናበለ ካብ ዘድምየካ ግን ስለ’ቲ ነውርነቱ ጸገምካ መግለጺ ትስእነሉ !! እቲ ተሰካሚ እምባጋር ንሱ’ቲ እኩይ ክፋል ኣካልካ ብምዃኑ ጓሂኻ መመሊሱ ይድራዕ። ከመይሲ እምኒ እንተወደቕካያ ትሰብረካ፡ እንተወደቐትካ ትሰብረካ ስለዝኾ ነት። ኣብ ዘመነህግደፍ እምበኣር ዝሓዊ ቑስሊ የለን። ደምና ደመከልቢ ኮይኑ፡ ንሱ ከኣ ጽምኢ ደም ስለዘለዎን

እናሓደረ’ውን ጋርጋር ስለዝብሎን ብዝሰተዮ ኣይረውን ኣይዕገስን። ስለዚ ተጣዒሱ ክምለስ ካብ ዝሓስብ ኩሉ ከ ም ኣካል ንቡር ህይወት ምውሳዱ ቀሊልዎ ኣሎ። ኩሉ ጉልሒንጣዊ ስራሓት ከምጅግንነት ኣብዝተቖጽረሉ መድረኽ ንናይ ህይወት ኣድሕን ኣውያት ዝሰምዓ ኣእዛን ከኣ ተደፊነን ኣቱም ሰባት ካብኡ የድሕነና ንርእሱ ዘድእኖ ተስፋ ዝህብ ስኢኑ ኣዒንቱ ፈረረር ክብላ ጠራይ ይረኣያ ኣለዋ።ሎሚ ምስሓሙሽተህዋሳቱ ዝዓንዓነ ህግደፍ ካላእትምበሮ!! ብዓንተቦኡ’ውን ሓደ ሽሕ ምስቀተለ ተኣልዩ እንተዝነብር ክልተ ሽሕ ኣይምበጽሐን። ኣብ ክልተ እንተዝቑጸ’ውን ኣ ርባዕተ ሽሕ ኣይምበጽሐን። እሞ ክሳብ መያስ ድኣ ንጽበዮ ኣለና? “ ሰብ ስኢኑ’ምበር ሰብኣይ ድኣ ብሓቂ’ኮ ይሰርሕኢዩ ዘሎ። ወርቅናን ስሚንቶናን ብናይ ዓለም ደረጃ ተመርሚሩ መወዳድርቲ ተሳኢንዎ። እዚ ከኣ መርኣያ ቅኑዕ ምህደራ ኢዩ. . .“ ዝብሉ ካድረታቱ መልሓሶም እናሓየኹ’ውን ከምዘይሕይኹ ከውግዑኹም ኢዮም። መቸም ንተመን ርግቢት ክትገብሮ ኣይከኣልን። ገባር እኪትድማ፡ ወዲ እከለ፡ ካብ ሃገረእከለ፡ ኣይበሃልን ኢዩ። ፍጥረተክፉእ ኣብ ደምበ ክፉኣት ጥራይ ኢዩ ዝነብር። እዚ ስርዓት’ዚ ከኣ ወዲ ሃገርና ምዃኑ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ብታሪኽ እን ሰምዖ ብኢሰብኣውነቱ ዝተነወረ ሕሉፍ ስርዓታት ካብ ምኻን ብምንታዩ ይፍለ? ኣብ ጥራይ ጎልጎል ብሃገራውነቱን ሰባውነቱን ዝጭድር ጥርሑ ገረወይና ብምኻኑ’ኮ ኢዩ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ሕጹብ ክመስል ምሒር ዝምድርን ዝመሳሰልን። ከምቲ ዝብኢ ቁስሉ ዝግህጽ፡ ከምቲ ሰውራ ደቃ ኢያ ትበልዕ እናተባህለ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ተደጊ ሙን ተደጋጊሙ እንሆ። ደምና ከኣ ሓደስቲ ሃብታማት ከስብሕ ዘዕለቕለቐ ’ደመከልቢ’ ኮይኑ። ብናይ ሩዋንዳ ኮ ንጎ ህልቂት ምውርዛይ ቀሊል ይኸውን፡ ብናይ ሶማል ምብትታን ንብዓት ሓርገጽ ክንባዕ ይከኣል ይኸውን፡፡ ብናይ ሂትለር ፎርኖታት ደቂሰባት ጡሩምባ ክንፋሕ ተኻኢሉ ኢዩ። ግዝኣታት ቱርኪ፡ ጥልያነእንግሊዝን ኢትዮጵያን ኩ ሎም ተኻዒቦም። ኣብዚ ዘመን’ዝን ኣብዛ ዓለም’ዚኣን ከም ምሻጥ ደቂሰባትን ኣካላቶምን፡ እሞ ከኣ ገዛእ ዜጋታትካ ዝኣመሰልዎ ዘስካሕክሕ ብኣረሜንነቱ ክብረወሰን ዝጨበጠ ግና ኣይተራእየን። “መንግስቲ’ሞ እንታይ ገይሩ? ምጽላም እንተዘይኮይኑ እንታይ ጭብጢ ኣልዩ“ ክበሃል ኢዩ። ግናሞ ህግደፍ ቅንጣብ ሃገራውነትን ሰባዊ ሕልናን ከምዘይብሉን ኣዒንቱ ብምፍቃድ ገንዘብ ዝዓወረ፡ ብስልጣን ከኣ ዝዓበደ ውዱብ ሽፍታ ምኻኑ እንዶሞ ንፈልጦ ዀንና። ኩሉ’ቲ ሰነዳት መግለጺ ሃገራዊ ክብርታት ከም ታሴራ፡ ፓስፖርት፡ ዜግነት ዝኣመሰለ ንገንዘብ ሽይጥዎ ኢዩ’ሞ ብ ዙሓት ሃገር ዘይብሎም ደፍጫጨኩርፊትን ጸዓዱን ዜጋታት ከኣ ርስቲ ክሓቱና ኢዮም። ዳሕራዩ’ሞ ናብ ምሻጥ ሰ ብ ከኣ ተበጺሑ ተባሂሉ። “ጠሪጣስ እንተትሓንከለይከ“ ከምዝበሃል ድማ ገለ ከምዘይተገብረ ንክመስል ገና ብዛዕባ ሃገርን ክብርታታን ይምደር ኣሎ። “መን ምዃንካ ክነግረካ ምስመን ከምእትኸይድ ንገረኒ“ እዩ ነገራቱ። ንሱ ግን እ ቶም ዘዋፈሮም ሸየጥቲ ሰብ ፍቐዶኡ ተማሪኾምን ክማረኹን ከናስሑን ምዃኖም እናፈለጠ፡ ኪኖ ደረቐኛ ኣሉታ ቅ ንጣብ መከላኸሊ ከምዘይብሉ ድሮ ተጋሂዱ እንሆ። ንከምስል ድማ ኣብ ሞንጎ’ቶም ናይ ጽባሕ ግዳያቱ ኣትዩ፡ ብዛ ዕባ ዓወታቶምን ዕብየቶምን ከዛረብ እንከሎ ንዘስተብሃለ፡ እቲ ብደም ዝጠቀረ ወጅሃቱን ዝቖርቆረ ኣዒንቱን ብርግ ጽ መርኣያ ጽምኢ ደምን ተንኮላቱን ኮለል ኢሉ ተጋለጸ። በቲ ሕቡእን ዘይውቃዕን ጥሙሓቱ ተወጢሩ ዝዛረቦን ዝ ገብሮን ዘይዋሰብ ጣልማይ ሰብ፡ ዋጋ ባኒ ወሲኹ ተባሂሉ ካብስልጣን ኣብዝውረደሉ መድረኽ እንከለና፡ ንሱግን ብዘይኮንትራት ብዝሓዞ ስልጣን ገይሩ እዛ መሬት ብድሕሪኡ ሳዕሪ ከምዘይተቡቅል ከባድማ ኢዩ ሕልናኡስ። “ጽንዓ ት ይሃበን ስድራታትና፡ ጽንዓት ከኣ ይሃባ ሃገርና“። ኢልና ከይንዓርፍ ሃገርና ሓዊ ወሊዳ፡ ስድራታትና ከኣ ካብቲ ዳሕረዎት እናሰዓቡ ዝተኻኻእ ዘይድበስ ሓዘን ዳሳትና ኣይክላቐቑን፡ ዳሳት’ውን ኣይክፈርሱን ኢዮም። ድሮ’ውንድሕሪ እዚ ንኩሉ ዓለም ዘናወጸ ጽንተት ዜጋታትና ምቅላዑ፡ ካብ ከተማ ኣስመራ ክሳብ ምኢትን ዕስራን ህጻናት ከምአተጨወዩ ይውረ ኣሎ። “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ“ ከምዝበሃል ንሓርነት ኢልና ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ውጽኢ ቱባርነት ካብኮነ፡ ከይመትና ጥዕናና እነረጋግጸሉ እዋን ሎሚ ኢዩ። ዕድመ፡ ጥዕናን ምሕረትን ካብ ወዲሰብ ብፍ ላይ’ዃ ካብ’ዚ እኩይ ስርዓት’እዚ ምጽባይ ማለት ንነብስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ ምዃኑ ልዕሊ ኩሉ ግዜ ሎሚ ተነጺሩ ኣሎ። ንሱ እዚ በላዕ ሰብ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ለፍሊፉ ዘፍ ክብለሉ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ። መንእሰያትከ ኣብዚብጓልን ጋርን ዘይድበስ ጉዳይኩም ለፍሊፍኩም ዘፍ ክትብሉ ዲኹም?

ጎደፋ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • truly, Truly i say to you November 23, 2011

    In deed Godfa all what you said is all truth. This serious problem needs serious solution. So the real solution is we victimized all together we have to stand to fight for our rights,to do Arab nation like revolution against Tyranny Isayas´s regime . Then only will be got our compensation and forgot our grief.

POST A COMMENT