Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘይወግዓዊ ሚኒስተር ህግደፍ!

ዘይወግዓዊ ሚኒስተር ህግደፍ!   "ንሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዓቢ ብድሆ ኮይኑወን ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝግታኣሉ መገዲ ኣመልኪቱ ዚዝቲ፡ ሚኒስተራት ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝሳተፉዎ ዋዕላ፡ ካብ ትማሊ 28 ሕዳር ኣብ ርእሰ ከተማ ኢጣልያ ሮማ ኪካየድ ጀሚሩ ኣሎ!

ዘይወግዓዊ ሚኒስተር ህግደፍ!
 
“ንሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዓቢ ብድሆ ኮይኑወን ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝግታኣሉ መገዲ ኣመልኪቱ ዚዝቲ፡ ሚኒስተራት ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝሳተፉዎ ዋዕላ፡ ካብ ትማሊ 28 ሕዳር ኣብ ርእሰ ከተማ ኢጣልያ ሮማ ኪካየድ ጀሚሩ ኣሎ! ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ ዘውርዶ ዘሎ ኣደራዕ ብቐሊል ዚግመት ኣይኮነን! ብገለ ሃገራትን ተሓባበርቲ ትካላትን ዚፍጸም…!” ይብል ጋዜጠኛ ምልኪ ኣስመላሽ ኣብርሃ መንኩቡ እናኣንቀሳቐሰ።
 
እዋእ! ኣንቱም ሰባት! እዚ ልኡኽ ውልቀ መላኺ እንታይ እዩ ዝብለና ዘሎ!? ንዜጋታት ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን እንታይ ኣጋጢሙዎም’ዩ ዝብል ዘሎ? ኤርትራውያንከ ምስ’ዞም ኣፍሪቃውያን ኣለውድዮም? ወይስ ብዛዕባ’ቶም ዓሚ ጥቅምቲ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ‘369 ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን’ዩ’ ዝዛረብ ዘሎ? ስም ኤርትራውያን ከልዕል ኣይደፈረን ኣስመላሽ! ንምዃኑ ኣብዛ ካብ ገበላ ናብ ቅርዓት ንኽትንቀሳቐስ’ኳ ዘይተፍቅድ ብሕማቕ ጓሳ ኢሳያስ እትሕሎ ደምበ ህግደፍሲ፡ ብኸመይ መገዲ’ዮም ደኣ ሕጂ ዘይሕጋውያን ነጋዶ፡ ብዘይፍቓድ ህግደፍ ካብታ ዕጽውቲ ደምበ ሰባት ሰሪቖም ክነግዱሎም ክኢሎም!?
 
ዝኣረገ ወጮ ሓጺብካ ኪትልግብ
ነቲ ሓደ ሰፊኻ ነቲ ሓደ ክትስሕብ
ሙዃን ምስ ኣበየ ንመርፍእ ተሳብብ
ሓሶት ብዓል ማንኪ ወትሩ ከተንብብ
ይገርመኒ ኣነስ ወረ ዘይትርብርብ!
 
ቁጽሪ ኣፍሪቃውያን ደማሚርካ
ብቐርኒ ኣፍሪቃ ኣራቢሕካ
ኤርትራ ከይትብል ኣመና ፈሪህካ
ናብ ጎረባብቲ ኣእዳውካ *ቀሲርካ      *ኣመልኪትካ
ኣብ መድያ ቀሪብካ ሓሶት ተነገርካ
ኣሽመላሽ ኣብርሃ መን’ዩ ክኣምነካ?
 
ኣንታ ወዲ ሰብዶ ክንድዚ ይሓስር
ምሉእ መዋእሉ ክሕሱ ክነብር
ከመይድዩ ቆርበቱ ክንድዚ ዝተርር
ንጸሊም ጻዕዳ ኪብል ፍጹም ዘይሓፍር!
 
ግዝያዊ ሚኒስተር ወራስ ዓሊ ዓብዱ
ህዝቡ እናሃለቐ ፍጹም ዘይግዳዱ
ኣስመላሽ ኣብርሃ ሓሶት ዝልማዱ
ክሳዕ መወዳእታ ብጥፍኣት ተኸይዱ
ጽባሕ ክረኽባ’ዩ ደሓን’ታ ናይ ኢዱ!
 
ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ሓሳረ መከራ
መላኺዶ ኣይኮነን መንድዓት ኤርትራ
ኣብቲ ቤትካ ከሎ እቲ ገስረጥ ምሕደራ
ህዝቢ ዝበታትን ከምዘን ደቂ ዛግራ
ናበይ እየን ኣእዳውካ ናብ ካልእ ዝቕስራ?
በል ደሓን ኣስመላሽ ናትካስ ይጽናሓልና
ናብቲ ገበል ሳሕል ጎይታኻ ኣሕልፈና?
 
ኣንታ ሰታይ ደም ህዝብና ዘጥፋእካ
ኣብ በዓቲ ፎርቶ መደበር ከፊትካ
ሕልና ዘይብሎም ሕሱራት ዓሲብካ   
ካብ ተሓታትነት ክትሃድም ሓሲብካ
ህዝቢ ካብ ሃገሩ እናበታተንካ
‘ከም ጲላጦስ ሕጹብ’የ’ እንተ በልካ
ደጊም የዋህ የለን ዝኣምን ሓሶትካ!
 
ብስም እቲ ውጹዕ ስዱድ ኤርትራዊ
ሓገዝ ክልምኑ ብዓል *ኣባጃዊ፡                              *ተባዕታይ ደርሆ
ናብ ሮማ ልኢኽካዮም ነዞም ኣጎድቲ ሓዊ
ገንዝብ ሃይማኖቶም መንፈሶም ዘይረዊ!
 
‘ሓደ ክልተ ሚልዮን እንተ ሂብኩሙና
ወሰናስን ዶባት ብፈንጂ ሓጺርና
ኣእጋር ኤርትራውያን ክንቅርስመን ኢና
ስኽፍ ኣይበልኩም ተመኩሮ ኣሎና!
 
በሉዎምዶ ኢልካዮም *ሓራድል ናይ ናቕፋ    *ዝብኢ
ሃገርና ኣጸልሚትካ ብራዕዲ ብግፋ
መንእሰይ ኣጥፊእካ እናኣቚረጽካ ተስፋ
ጸጋይት መሬትና ጥራያ ተሪፋ
ኣቚጽልታ ቆምሲሉ ብሕሰም ረጊፋ!
 
በል ደሓን፥
ኣንታ ኣብ ግዜ ሓዘን ዚብርሆ ጓይላ
ከምቶም ናይ ትማሊ ሸሸ ዝበሉላ
ንስኻውን ክትሓልፍ ሰዓትካ ኣኺላ
እዛ ሃገር ሰማእታት ሕሰም ክቕንጠጠላ
ብሰላም ክትነብር ዜጋታታ ኣጽሊላ
ብርሃን ናይ ወጋሕታ ጩራ ተማዕዱ ኣላ!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 01/12/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Kiflom November 30, 2014

    Amazing well done bro.

  • wedi fre November 30, 2014

    Great poem as always!!
    Hiter, Sewid, IMBAH BEL, MELAKI KIKIBLEL!!
    Nibretu Kitiqlel
    Shighirna Kikalel
    Bihagos Kiilel!!!!

    Bravo Mesinas!!

  • Awate November 30, 2014

    well done. issais is busy with his alcohol. he will die soon.

  • nexere December 1, 2014

    ሓዉ መሲናስ እንታይ ዋጋ ኣለዎ መድፍዕ
    ብርዕኻ ከሎ ንህግደፍ ዘንቐጥቅጥ ዘርዕድ
    እንታይ ዋጋ ኣለዎ ሙሁር’የ ምባለ
    ከምዚ ናትካ ኣብ ተግባር ተዘይዋዓለ
    ፍጥረትካ ገሪሙኒ ፍጹም ዘይትሕለል ዘይትደክም
    ኣጆኻ ቀሪባ’ያ ዕምሪ መላኺ ከተኽትም።

  • wedi Forto December 1, 2014

    Great and timely poem Messinas.
    Keep it up!

  • baduri himedin December 1, 2014

    ewe gena “horn of Africa ” kiblu kinebru yom shabiya, mot abyatom, mot titsewiayom
    great job,
    thanks bro.
    baduri himedin

  • Ghebre December 1, 2014

    ኣንታ ሓወይ ናተይ መሲናስ ዝብሉኻ ሓቅስ ነገርጋዮም ሓንቲ ከይጉደልካ ግመት የብለይን ኣእዛኖም ክቡኻ ሕልናኦም ጥፍኣት ሓሳቦም በረኻ ብሕይወት የለዉን ባዕለይ ክነግረካ ምስ ሬሳ ‘ይትሞጉት ጊዜ ከይከደካ ንዓይ ዝመስለኒስ ኢደይ ኢድካ ኢልካ እግሮም ምኽርታም ‘ዩ በበትርኻ ኣልዒልካ!

  • goitom December 1, 2014

    abeleki zeybeliwas abzi aleku belet eyu natatkin neger nsikin dea teref meref weyane hases bela ember wegawun zeywegawun kitbla men mesel hibkin bandatat kedemti

  • oromay December 1, 2014

    መንከ ወግዓዊ ሚንስተር ኣሎ? ኣስመላሽ ጥራይ ካብ ዜና ህግደፍ ሓሊፉ ናይ ዓሊ ቦታ ሒዙ ከይሰምዕ ብሰሓቕ ከይመውት!

  • awet nihafash December 3, 2014

    ANBESA TIRAY EYE ZIBLEKA… ANBESA!!!!!

POST A COMMENT