Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘይሕጋዊ ወሃቢ እንተዘይህሉ፡ ከይርሃጸ ዝህብትም ሌባ ኣይምሰሰነን

ኣብ ሕብረተሰብና፡ ብልምዲ ደላላይ ክብሃል እንከሉ፡ ንብረት ንምሻጥ፡ ንምግዛእን ንምክራይን ዝነጥፍን፡ ዕዳጋ ዝዋቅዕን ኣብ መንጎ ክልተ ሰብ ጉዳይ ምቅርራብ ዝገብር ውልቀሰብ ወይ ትካል’ዩ። ኣብ መዋእል ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ግን ሞያ ደላላይ መልክዑ ቀይሩን ካብቲ ንቡር

ኣብ ሕብረተሰብና፡ ብልምዲ ደላላይ ክብሃል እንከሉ፡ ንብረት ንምሻጥ፡ ንምግዛእን ንምክራይን ዝነጥፍን፡ ዕዳጋ ዝዋቅዕን ኣብ መንጎ ክልተ ሰብ ጉዳይ ምቅርራብ ዝገብር ውልቀሰብ ወይ ትካል’ዩ። ኣብ መዋእል ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ግን ሞያ ደላላይ መልክዑ ቀይሩን ካብቲ ንቡር ርሒቁን። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኩልና ንፈልጦ ደላላይ፡ ሰርሳሪ ዝብል ተወሳኺ ስም ሒዙ፡ ሰባት ደቂ ኣዳምን ደቂ ሂዋንን ኣሽሓት ዶላራት ብሓዋላን ኣብ ኢዱን ተኸፊሉ፡ ናብ ውሕስነት ዘይብሉ ቦታን ሃልሃልታ ሓውን ብመሬትን ብባሕርን ሰባት ይሸይጥን ይልውጥን። ተጻብኦ እንተኣጋጢምዎ፡ ቃሕ እንተዘይበሎን ካልእ ውራይ እንተረኺቡን ድማ ኣብ ማእከል ባሕሪ፡ ኣብ ትጥሕል ጃልባ ወይ ሳምቡቅ፡ ኣብ ኣጻምእን ሰፈር ኣራዊትን ይድርብየካ፡ እንተደለየ’ውን ከም ጤለበጊዕ ናብ ከምኡ ነጋዳይ ሰብ ብኽባር ይሸጠካ። ብሰሪ’ቲ ዘመናዊ ንግዲ ሰባት፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ደቆምን ስድራቤቶምን፡ ካብቲ ስርዓት ህግደፍ ዘውርዶ ዘሎ ሕስምን ኣደራዕን ንምድሓን፡ ህይወት ኤርትራ ተስፋ ስለዝሰኣንሉን፡ ኣብ ጉዕዞኦም ዘጋጥሞም ማእሰርትን ሞትን ንምንጋፍ ናይ ኢዶምን ናይ እግሮምን ንብረቶም ሸይጦም ወይ’ውን ይዕደዩ። ደቂ ተካሊት፡ ቀባሪ ዝስእኑ፡ ኣሰሮም ዘይርከብ፡ ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉ፡ ብሕማምን ማህረምትን ሃለዋቶም ዘጥፍኡ፡ ቀለብ ኣራዊተ-ገዳይ ዝኾኑ፡ ውሽጣዊ ኣካላቶም ዝሽየጥ፡ ዝዕመጻ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሕሱም ስቃይን ኣእምሮኦም ዝስሕቱ ማእለያ የብሎምን። ብዙሓት ስድራቤታት ደቆም ብህይወቶም ይሃልዉ ወይ ይሙቱ ስለዘይፈልጡ፡ ሬሳ ውሉዶም ክቅበሉ ወይ ኣለኹ ክብሎም ወትሩ ተስፋን ሓዘንን ተፈራሪቅዎም ይነብሩ ኣለዉ።

ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ቤተሰቦምን ሕቆኦም ሂቦም ሓደገኛን ዕድሚኦም ዘሕጽርን ጉዕዞ ስደት ክመርጹ እንከለዉ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ መነባብሮ፡ ምምሕዳር፡ ክብሪሰብን ህይወትን ክብሪ ስለዝሰኣኑሉ’ዮም። ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ “ዝኸፈልኩ ከፊለ፡ ብህይወት ይድሓን ወይ ይሙት” ኢሉ ካብ ኤርትራ ክወጽእ እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ሰሪሑን ተማሂሩን ክሓልፈሉ፡ ክወልድን ክዝምድን ንቡር ህይወት ከስተማቅርን ብዛዕባ መጻኢ ክሓስብን ተስፋ የብሉን። ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ሕልና ምዕራብን ዓቅሊ ጽበትን እንተሳዕሪሩ፡ ህላወን መጻእን’ታ ሃገር ኣዝዩ ሓደገኛን ናይ ጽልግልግ እዋንን’ዩ። ብዕድመ ዝኣኸሉን ብኣእምሮ ጥዑያትን ዝኾኑ ሰባት ኩሉ ዝወስድዎ ስጉምትን ውጽኢቱን ተሓተትቲ ንሶም፡ እቶም ፈጸምቲ’ኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ኤርትራ ጠንቂ ስደት፡ ማኣሰርትን ሞትን ኤርትራውያን ቀዳማይ ተሓታቲ ግን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ’ዩ። “እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ከምዝብሃል፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ብገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዓሰርትታት ኣሽሓት መንእሰያት ንነዊሕ ዓመታት ብዘይጠቅም ክፍሊት እንተዘይጽመዱ፡ ሰብኣዊ ክብሮም እንተዘይርገጽ፡ ብዓቅሞም ህይወቶም ክመርሑ፡ ክመሃሩ፡ ኣብ ዓዶም ኮፍ ክብሉ፡ ክወልዱን ክዝምዱን፡ ስድራቤቶምን ደቆምንን ክጥውሩ ምኸኣሉ ነይሮም። ኣብ ኤርትራ፡ ብሕጊ ዝምእዘዝን ህዝቢ ዝወከሎን ስርዓት ብዘይምህላዉ፡ ሰባት ብዘይ ክሲ ንዓመታት ክእሰሩ፡ ክቅተሉ፡ ንብረቶም ክዝመት፡ ኣብያተ-ሸቀጦም ክዕሸግ፡ ክጭወዩን ሃለዋቶም ክጠፋእን፡ ኣዝዩ ቀሊልን ዕለታዊ ተርእዮን’ዩ።

ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዋእሉ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ፋሕ ጭንግራሕ ስድራቤታት፡ ህልቂትን ሃኪክ ህይወትን፡ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን ተሓታቲ። ምኽንያቱ ዘይሕጋዊ ወሃቢ እንተዘይህሉ፡ ተቀባሊ ከይርሃጸ ዝህብትም ሌባ ኣይምሰሰነን ነይሩ። ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ ኣልቦን ብልሽውናን ስርዓተ ምምሕዳርን ተበሊጾም፡ ሕልና ዘይብሎምን ብገዘብ ዝዓወሩን በርጌስን ላዕለዎት ኣባላት ሰራዊትን ጸጥታን ኤርትራውያን፡ ኣብዚ ዘይሓላፍነታውን ዘይሞራላውን ንጥፈታት ንግዲ ሰባት ኣእዳዎም ብደም ጨቅዩ ከምዘሎ ካብ ህዝብና ዝተኸወለ ኣይኮነን። እቶም ጥሪቶምን ወርቆምን ሸይጦም ክሓልፈሎምን ካብ ገሃነብ እሳት ህግደፍ ንምድሓን፡ ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብነጋዶ ሰብ ክልተ ዓይነት ቤላበሎው ሓበሬታ ሰኒቆም ‘ዮም ዝብገሱ። ገለ ኣብ ጉዕዞኦም ስቃይን ሞትን ከምዘሎ እናፈለጡ፡ “ዝረኸበ ይርከበና ዕድልና ንርኢ ካብ ኤርትራ ዝኸፍእ ህይወት የለን” ኢሎም ዝመነኑ ክኾኑ እንከለው፡ ካልኦት ድማ፡ ብዘይ ዕንቅፋትን ሰተት ኢሎም ኣብ ዝደለይዎ ቦታ ብሰላም ከምዝበጽሑ ብመታለልቲ ደላሎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝወሃቡን’ዮም።

ንሞትን ስቃይን ኤርትራውያን ከም ህጡር ዕዳጋን መኻዕበቲ እቶትን ዝጥቀምሉ ብዘይካ ንሶም ካልእ ፍጡር ዘይመስሎም ውልቀሰባት ብቀጥታን ብሽርጓናን፡ ምስ ወጻእተኛታት ብምሽራኽን ንጽጉማት ብምትላል፡ መጠኑ ዝሓለፈ ዘይሕጋዊ ገንዘብ የኽፍሉ። ዋላ’ኳ ኣድራሻን ኣስማትን ብምቅይያር ንግዚኡ መንነቶም እንተተደበቀን ካብ ሕጊ ተሰዊሮምን ይሃልዉ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ዝጠፍአ ህይወት፡ ዝፈሰሰ ደምን ንብዓትን፡ ዝተሰርቀ ገንዘብን ኮቶ ኣይምሕሮምን’ዩ። ነዞም ኣብ ውሽጥን ወጻእን  ዘለዉ ስሱዓት ነጋዶ ሰብ ኣብ ፍርዲ ምቅራብን ምቅላዕን ድማ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ምትሕብባር ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ;; ምኽንያቱ መብዛሕትና  እቶም ካብ ጸበባን መንፈንጠራ ስርዓት ህግደፍን ኣምሊጥና ኣብ ስደት እንርከብ ኤርትራውያን፡ መንነት ናይዞም ህይወት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘጥፍኡ፡ ጭቆቅ ኢልና ዘጥረናዮ ገንዘብ ዝመጽዩና ዘለዉ ኣሰጋገርትን ደላሎን ንፈልጦም ኢና። ዋላ ንህይወትና እንተፈራሕናን ኣብ ስድራቤት ደም ከይንተክል ኢልና እንተሰጋእናን፡ ስምናን መንነትናን ብምዕቃብ ንዝምልከቶም ኣካላት ንፈልጦ ሓበሬታ ክንልግስ ሞራላዊ ሓላፍነት ኣሎና ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ረዳኢ ስኢኖም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ምድረበዳ፡ ሊብያ፡ ሱዳንን ካልእ ተኣፋፊ ቦታታትን ብዘይ ሰዳዲ ወረ ዝጠፍኡን ዘእዉዩን ዘለዉ ኤርትራውያን፡ “ካባኹም ፍትሕን ማእገርን ንደሊ ኣሎና ኣእዳውኩም ዘርግሑልና ልሳንኩም ክፈቱልና’ዮም ዝብሉና ዘለው። ገባሪ ክፉእ ክቃላዕ ብዝውዓሉ ብልቢ ክናሳሕ ግቡእ ፍርዲ ክረክብ ንስድራቤት ግዳያት ይቅሬታ ክሓትት ይግባእ። “እንታይ ገደሰኒ ኣብ ዝደለኽዎ ቦታ በጺሐ” ዝብል ስምዒት ክሓድረና የብሉን። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንዓመታት፡ ብህይወት ይሃልዉ ይሙቱ ኣብ ዝኣተውዎ ዘይፍለጥ፡ ብቤላበለውን ኣጉል ተስፋን ዝሳቀዩ ብዙሓት ዜጋታት ስለዘለዉ፡ ወለድን  ስድራቤትን ናይዞም ግዳያት ናይ ሞትን ሕየትን ቅባጸት ክሳብ ዝረኽቡ፡ ወትሩ ኣብ ስቃይ ይነብሩ ከምዘለዉ ክንዝንግዕ የብልናን። እተን ብኩሊት ዝፍለጣ መካይን፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ፡ ታርጋ ኣልቦ መካይን ድማ ኣብ መታሕት ኤርትራ ዶብ ክሰግሩ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ዝተሓወለ ገንዘብ ዝእከባን እቶት ዘይብሎም ሰባት ብኣቛራጭ ሃብቲሞም ዋጋ ኣማኢት ኣሽሓት መንበሪ ገዛ ዝገዝኡ፡ ንግዳዊ ትካላት ክኸፍቱን ዓለም ኣይትጽርኒ ክብሉ ምዕዛብን ምስጢር ኣይኮነን። ሕቶ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባትን ሰርሰርትን ክልዓል እንከሎ፡ ስርዓት ህግደፍ’ውን ዋና ተሻራዃይ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ብመዓር ዝጥዕም ቃላት ኣንጻር ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ከምዝሰርሕ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይወስልት እምበር፡ ኣብተን ብብልሽውና ዝተቆማጥዓን ግሉጽነት ዘይብለንን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ኣስማት ብስም ኤርትራውያን ነጋዶ ዝዋፈር ሚልዮናት ዶላርን ዝኽፈት ንግዳዊ ትካላትን ወነንቱ፡ እቶም ቀንዲ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ዘለዉ ኢሳያስን ቀንዲ ተሓባበርቱን’ዩም። በዚ ገንዘብ’ዚ ድማ ስርዓት ህግደፍ፡ በቲ ንሱ ዝቆጻጸሮን ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንዓለምን ንየዋሃትን ንምድንጋር፡ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንምጭዋይ፡ ሓድነቶም ንምምቅቃል፡ ሰለይቲ ንምቁጻር፡ ኣብ ስደት ኤርትርውያን ሓተቲ ዑቁባ ዕንቅፋት ከምዘጋጥሞ ንመዕንደርን ይጥቀመሉ። ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ይኹን ብህዝቢ ዝግደስ ስርዓት ስልዘየለ፡ ዕድለኛ እንተኾይንካ፡ ተሓሪጥካን ተዓዲኻን ጥራሕ ኢኻ ጉዳይካ ተሳልጥ። ጉቦ ክህብ፡ ፈላጢ ዘይብሉን ንሰበስልጣን ህግደፍ ክሓባብል ዓቅሚ ዘይብሉ ጥዉይ ጨርቂ ኤርትራዊ ድማ፡ ምስ ዕድሉ ይራገምን ካብ ፈጣሪ ምሕረት ክወርዶ ይልምን። ይኹን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ዝባኑ ዘሎ ከቢድ ሕሰምን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንኽናገፍን ወናኒ ዕድሉን ህይወቱን ንኽኸወን፡ ነቲ ጠንቂ ስቃይ፡ ስደትን ጓዕጻጺ ፍትሕን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ሰራውሩ ምምሓው’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 3 ሰነ 2018

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • amanuel June 4, 2018

    Bemutu zidigifn bemutu zikawemin entezehilu hgdf aymixenhen.

  • k.tewolde June 4, 2018

    It is a nation crafted by a sick man who infected it with his chronic ailment and paradoxically became its antidote,standing like a scarecrow in the middle of decaying corn field.There is nothing to uproot here Tsilal but to bulldoze,sorry I am just being honest.

POST A COMMENT