Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘሻቕል ኩነታት መምሃራንን ትምህርትን አብ ኤርትራ

ስርዓት ህግደፍ አብ ኤርትራ ንዝርከቡ መምህራን አብ ዝኸፍኣ ናይ ድኽነት መነባብሮ ሸሚምዎም ይርከብ። እቲ ስርዓት አብ መላእ ኤርትራ ናይ ጥፍኣት ተልእኾ የካይድ ኣሎ፤ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ኮን ተባሂሉ ህይወት ሃገርን ህዝብን ከማሕይሽ ብዘይክእል መንገዲ ተዋቒሩ

ስርዓት ህግደፍ አብ ኤርትራ ንዝርከቡ መምህራን አብ ዝኸፍኣ ናይ ድኽነት መነባብሮ ሸሚምዎም ይርከብ። እቲ ስርዓት አብ መላእ ኤርትራ ናይ ጥፍኣት ተልእኾ የካይድ ኣሎ፤ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ኮን ተባሂሉ ህይወት ሃገርን ህዝብን ከማሕይሽ ብዘይክእል መንገዲ ተዋቒሩ ይስርሓሉ አሎ። እዚ ድማ ፖለቲካዊ ረብሓታት ምልካዊ ስርዓት ንኸቐጽል ብዝኽእል አገባብ ዝተሃነደሰ ኢዩ።

አብ 1996 ብዝተገብረ ናይ ዶሞዝ ምምዕርራይ አብ ኩለን ሚኒስትሪታት፤ እቶም አብ መባእታ (ቀዳማይ ደረጃ) ቤት ትምህርቲ ዝተመደቡ መምሃራን 800 ናቕፋ ንወርሒ ከምዝኽፈሉ ተጊሩ፡ እቶም ናይ ነዊሕ ዓመታት ዝመሃሩ መምሃራን ድማ 1100 ናቕፋ ንወርሒ ይኽፈሉ። ብግብሪ እቶም ዝበዝሑ መምሃራን 800 ናቕፋ ኢዩ ደሞዞም። አብ ዝሓለፉ 17 ዓመት ዝኸነ ናይ ዶሞዝ ወሰኽ አብ ኤርትራ ተጊሩ ስለዘይፈልጥ፤ ናይ ሓደ መምህር ዶሞዝን ናይ ርብዒ ኩንታል መሸላ ዋጋን ማዕረ አሎ። ሓደ ሓደ ግዜውን ዋጋ መሸላ ዝኸብረሉ ግዜ አሎ።

እዚ ስለዝኸነ ድማ ስርዓተ ትምህርቲ ባይታ ዘቢጡ፤ ብዙሓት መምሃራን ነቲ ስራሕ ገዲፎሞ ገለ አብ ሚነዋለን አብያተ ሻሂን ተቖጺሮም ምስራሕ ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ኮይኑ፤ ብዙሓትውን ናብ ስደት አምሪሖም ካብ ሃገር ተመሪቂፉም ኢዮም። እቲ ስርዓት ድማ ካብ ሰራዊት ሓያሉ አባላት ሃገራዊ አገልግሎት ዳርጋ ምጽሓፍን ምንባብን ዝኽእሉ እናመረጸ መምህራን ከምዝኾኑን ጊሩ። እዞም አባላት ሃገራዊ አገልግሎት ዝኸነ ናይ መምህርና ስልጠና ዘይወሰዱን፤ ብዘይ ዶሞዝ ድሰርሑ ብምኻኖም፤ ነቲ ድሮ ሞይቱ ዝነበረ ናይ ትምህርቲ አገልግሎት ትምህርቲ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክቐብሮ ክኢሉ አሎ። ናይ ብሓቂ ትምህርቲ አብ ኤርትራ ነበረያ ነበረ ካብ ዝኸውን ዳርጋ 20 ዓመት ኣቑጺሩ አሎ።

ስርዓተ ትምህርቲ ናይ ሓንቲ ሃገር፤ መጻኢ ዕድል ናይታ ሃገር ዝእንፍትን ንቕድሚት ንኽትስጉም ዓብይ ተራ ድጻወት ምኽኑ ፍሉጥ ኢዩ። መጻኢ ዕድል ናይ ተምሃሮ ዝውስኖ ድማ ዓይነት ስርዓተ ትምህርቲ (ካሪክሎም)፤ ዓይነት መምሃራን፤ ተራ ወለድን ኢዩ። እዚኦም ነንሕድሕድ ተኣሳሲሮም ዝኸዱ ነገራት ኢዮም። ስርዓት ህግደፍ አብ 2001 አብ ዘካይዶ ዝነበረ ጎስጓስ፤ እቲ ስጋብ ሕጅ ንምህረሉ ድጸናሕና ካሪክሎም ፍሹል ኢዩ ኢሉ ሓዲሽ ካሪክለም አምጺኣ ኢሉ። እቲ ዘምጽኦ ዝኸፍኣ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ብቐንዱ ነቲ ዘምጽኦ ካሪክሎም ብወፍሪ ባርነት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብሃገራዊ አገልግሎት ብዘይ ዶሞዝ ከምዝካየድ ብምግባሩ ኢዩ። መምህርና አብ ኤርትራ ክብሪ ዘየብሉ ሞያ ካብ ዝኸውን ዓመታት አቑጺሩ። መምህርውን ከም ክሉ ክፋል ሕብረተሰብ ገንዘብ ንመግቢ፤ ገዛ ክራይ፤ ኤለትሪክ፤ መጉዓዝያን ካልእ ዘድልዩ ፍጡር ምኻኑ ዝተርሰ ዓሉ ሃገር ኮይና ኤርትራ!! አብ ኤርትራ አብ ገጠራት ዝምህሩ መምሃራን ህዝቢ ብመለሊኽ እኽሊ፤ ዕንጸይቲ እናዋጽኣ ሓገዝ ይገብረሎም ካብ ዝጅምር ዓመታት ኮይኑ፤ አብ ገለ ከባቢታት ድማ አመሓደርቲ ንህዝቢ እናገደዱ ገንዘብ ከምዘዋጽእ እናገበሩ የካይድዎም፤ እዚ ህዝብና ብዘለዎ ሓልዮት እምበር ንነብሱ አብ ሕሱም መነባብሮ ተሸኺሉ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ።

ብተመሳሳሊ ድማ እቶም ተምሃሮ ካብ አዝዩ ሕሰም ዝመልኦ መነባብሮ ዝመጽ ብምኻኖም፤ እቲ አብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሕሰም ብቐጥታ ድጸልዎም ኢዮም። ከብዱ ዘይመልኣ ቆልዓ ብግቡእ ይመሃር አሎ ኢልካ ምሕሳብ ነብስኻ ምትላል ኢዩ። መብዛሕቶም ተምሃሮ አቦታቶም አብ ሃገራዊ አገልግሎት ልዕሊ 17 ዓመት ዝገበሩ፤ ዓበይቲ የሕዋቶም አብ አገልግሎት ዘለው፤ አባሓጎታቶም ብስም ሚሊሻ ዝተዓጢቑም፤ አዲታቶም ብሕጽረት መግብን ናይ መነባብሮ ጸገምን ዝተጸቕጡ ስድራ ቤታት ዝመጽ ስለዝኾኑ፤ አብ ከባቢኦም አብነት ክኾኖም ዝኽእል ወይውን ብትምህርቲ ሕይወቱ ዝተቐየረ ሰብ ክሪኡ ዕድል ዘይረኸቡ ተመምሀሮ ኢዮም። እቲ ዝፈልጥዎ ምስ ጎበዝካ ንሳዋ ተገፊፍካ ከምትኸየድ፡ ብዓመጽ አብ ሃገራዊ አገልግሎት ጠኒሰን ዝመጻ የሕዋቶም ወይ ጎረባብቶም ኢዩ። መጻኢ ዕድሎም ደሻቕሎም ተምሃሮ ዝለዝኸኑ ድማ ብኸመይ ናብ ስግረ ዶብ ከምድሰግሩ ዝሓስቡ ቆልዖ ኢዮም አብ ኤርትራ ዝርከቡ ተምሃሮ። ናይ’ዚ ጭቡጥ አብነት ድማ አብ ኢትዮጵያ አብ ዓዲ ጉና ዝብሃል ብፍሉይ ንትሕቲ ዕድመ ዝቐመ ምዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኢዩ። አብ’ዚ መዓስከር ካብ ደቂ 7ዓመት ስጋብ ደቂ 16 ዓመት አስታት 5000 ይርከቡ። ብዘይ ናባይ ብዘይስድራ ዕድል እዚኦም ቆልዖ አብ መጻኢ እንታይ ኢዩ ዝኸውን ዝፍለጥ ነገር የለን። በቲ አብ ቀረባ ግዜ ደሰማዕክዎ ብናፍቖት ስድራ ዝተበልዑ ቆልዑ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ናብ ስድርኦም ብኣዛብእ ዝብልዖ ብዙሓት ምኽኖም ኢዩ። እዚ ሰፊሕ ጉዳይ ስለዝኸነ ካልእ ግዜ ክንምለሶ። ካልእ አብነት እዞም ብሳህራን ማእከላይ ባሕርን ዝመጽ ዘለው ኣዝዮም ንኣሽቱ ምኻኖም ካልእ ጭብጢ ኢዩ።

አብዚ እዋን ጉዳይ መነባብሮ መምሃራን አብ ኤርትራ አታሕሳሳቢ ስለዝኸነ፤ ህግደፍ ንህዝቢ ገንዘብ ንኸዋጽእ ብዝተፈላለየ የገድድ አሎ። ደቅኹም ቀዳም ንኽምሃሩ ተወሳኺ ክፈሉ፤ ንጉዳይ መምሃራን ወዘተ ብዝብል ብኣማኢት ክኸፍሉ የገድድ አሎ። እዚ ገንዘብውን ከምልሙድ ናብቶም መምሀራን ይበጽሕ የለን። ገንዘበይ አበይ በጺሑ ኢልካ ምሕታትውን ደእስር ስለዝኸነ ሓታቲ የለን። ከምቲ አብ ወጻኢ ሃገር ብስም ስንኩላንን ስውኣትን ዝእከብ ገንዘብ ማለት ኢዩ።

ናይ መምሃሪ ናውቲ ብመንግስቲ ኢዩ ድሽየጥ ዘሎ፤ ንሓንቲ ስድራ ቤት 12 ጥራዝ ብ150 ናቕፋ ሕሳብ ብመቑነን ይወሃብ አሎ። አብ ዝሓለፈ ዓመት አብ ከባቢ ሙሉቂ፡ ዓረዛ ካልኦት ክፋላት ኤርትራ ብሰንኪ ጥራውዝትን መጽሓፍትን መንግስቲ ከቕርብ አይክኣለን ተባሂሉ ብሰንፈላል ዓመት ወዲኦም። አብዚ ዓመትውን ብተመሳሳሊ አብ ብዙሕ ከባቢታት ኤርትራ ሕጽረት ናውቲ ትምህርቲ አብ ዝኸፍኣ ኩነታት ይርከብ። ስድራ ቤታትውን ነቲ ብኮንትሮባንድ ድሽየጥ ጥራውዝቲ ንኽገዝኣ ዓቕሚ የብለንን።

እቲ ስርዓት ምስሉ ንኸጸብቕ አብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ብሰርትፊኪት፤ ብዲፕሎማ፤ ብዲግሪ አመሪቐ እና በለ ብዘይ ኣፈላላይ ብናይ መመረቒ ክዳን (ጋውን) እናኸደነ፤ ነቲ ዘይተምሀረ ብፍላይ ድማ አብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ መድንጋር ይርከብ። እዞም ብስም ኮሌጃት ዝተኸፍቱ ብጽኑዕ ወተሃደራዊ ዲስፕሊን ዘለዎም መዓስከራት ዓላምኣን ምንቅስቓስ መንእሰያት ምቁጽጻር ኢዩ። ከምቲ አፓርታይድ አብ ደቡብ አፍሪቃ ናይ ጸለምቲ ዩኒቪርስታትን ኮሌጃትን ካብ ከተማታት አርሒቑ፤ ዝኸነ ብተምሃሮ ዝግበር ምንቅስቓሳት ካብ ዓይኒ ዓለም አርሒቑ ዝቖጽዮ ዝነበረ፤ ስርዓት ህግደፍውን ነታ እንኮ ዝነበረት ዩኒቨርስቲ አስመራ ዓጽዩ ካብ ሕንብርቲ ከተማ አርሒቑ ኮሌጃት ምኽፋቱ ንምቁጽጻር ተምሃሮ ዝምሃዞ ኢዩ። ኩሎም እዞም ተምሃሮ ብወተሃደራዊ መንቀሳቐሲ ዝንቀሳቐሱ ኢዮም። ትምህርቲ ወዲኡም ድማ አብ ዝመረጽዎ ዘይኮነስ አብ ህግደፍ ዝመደቦም፤ ብደሞዝ ዘይኮነስ ብነጻ ብባርነት ንዘይፍሉጥ ግዜ ይሰርሑ አለው። እዚእን ኮሌጃት ኢሎም ዝኸፈትወን ትካላት አብ ዝኸነ ዓለም ተፈላጥነት ዘየብለን ኮሌጃት ኢየን። አስመራ ዩኒቨርስቲ ምስ ሙሉእ ሕይወታ ከላ፤ አብ አስመራ ዩኒቨርስቲ ብዲግሪ ዝተመረቐ ንአብነት አብ ዓዲ እንግለዝ ማዕረ ዲፕሎማ ናይ እንግሊዝ ይቑጸር። በዚ መንጸር እዚ እዘን ሓደሽቲ ህግደፍ ድጫጭሓን ካብ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሃልኪ ድዘላ አይኮናን። እቲ ዘሕዝን ብዙሓት መንእንሰያት ብትምህርቲ ክውንጨፉ ዝግብኦም ዝነበሩ ዕድሎም ይሰብር ምህላው ኢዩ። ብኡ መጠንውን መጻኢ ዕድል ሃገርውን ይጽምት ምህላው ኢዩ።

እቲ ካልእ ዘሕዝን ዘታሕሳስብን እቶም አብ ኤርትራ ዝርከቡ ኢስያውያን መምሃራን መብዛሕትኦም ህንዳውያን መምህራን ካብ 600 ስጋብ 1200 ዶላር ንወርሒ እናተኸፍሉ ካብ መባእታ ስጋብ ኮሌጃት ይምህሩ ምህላዎም፤ እቲ ብተመሳሳሊ ደረጃ ዝምህር ኤርትራዊ አብ ገዛእ ሃገሩ ካብ 145 – 1450 ናቕፋ ይምህር ምህላው ኢዩ። እዚ ኢሳያስ ሞራል ኤርትራውያን ንኽሰብርን ሃፈጽ ኢሎም ሃገር ገዲፎም ንክኸዱ ዝመሃዞ ፖሊሲ ኢዩ። አብዚ ዘሕዝን ደቀባት ኤርትራውያን ሃገሮም እና ፈረሰ ከሎ አማዕዲዮም ኢዶም አጣሚሮም ይርእዩ ምህላው ኢዩ። እዚ ጉዳይ ግን ሳዕቤኑ አብ ዝተናውሐ ግዜ ዝመጽእ ስለዝኸነ፤ መጻኢ ወለዶ ዋጋ ክኽፈለሉ ኢዩ። ምህንቲ ሃገሩ ዝሓሰብ ኩሉ ምእንቲ ሓቂ ደው ክብል፤ ይኣክል ክብል አለዎ። ብፍላይ እቶም ምሁራን ዜጋታት አብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓዋርያ ክኾኑን ክብገሱን ይግባእ። ትምህርቲ አብ ኤርትራ ከይድህስስ ድማ ብዝተረኽበ አጋጣሚ ነቲ አብ ውሽጢ ዘሎ ይኹን ነቲ አብ ደገ ወጽዩ ዘሎ መንእሰይ ንኽመሃር ምብርትታዕን ምሕጋዝን አገዳሲ ስለዝኸነ ጻዕሪ ክንገብረሉ ይግባእ። ንስርዓት ኢሳያስ ንምክቶ ብፖለቲካ ጥራሕ ዘይኮነ፤ ህዝቢ ንኽፈልጥን ንኽመሃርንውን ብምግባር ክኽውን ይግባእ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Almaz Gual Asmera May 5, 2015

    ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ ዘሎ፡ እዩ ነገሩ። ነዚ ብኣሃዝ ዝተሰነየ ሓበሬታ ዘበርከትካ ሓው/ሓፍቲውን ምስጋና ይግብኣካ። ሃገር ኣብ ሞንጎ ሞትን ህይወትን ትስሓግ፡ ሕዝብና ብሕልና፡ ብመንፈስ/ሃይማኖት/፡ ብኣካልን ናብ መልመስቲ ይቓረብ ኣሎ። እቲ ዝገርምሲ…እቲ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቓ መራሒ ኪኸውን ዝሓለመን…ሕልሙ ሕልሚ ደርሆ ኮይኑ ዝተረፈን…ዘይቕርዑን ኣእምሮ…መራሒ/መላኺ…እንታይ እዩ ድልየቱ? ሓንሳብ ሕልምኻ ምስተበረዘካ…ብጽልእን …ቅርሕትንትን ኣእምሮኻ ምስተገዝኣ…ካብ እንስሳ ከምዘይትሓይሽ…ህያው ኣብነት እዚ ዕቡድ ሰብ እዚ እዩ። እቶም ነቲ እኩይ መደቡ መሳርሕቱ ኮይኖም ዘሎዉ’ውን ካብኡ ዝሕሹ ኣይኮኑን። ጎረባብትና ብዛዕባ 30-40 ዪኒቨርሲታት …ብዛዕባ ንሃገርን ጎረባብትን ዝጠቕም ህይድሮፖወር ይዛረቡ…ንሕና ኸኣ ከምዚ ኮይና ተሪፍና። መርገም ሕዝብና ኣይተወድአን…ንማህለል ናብ ፈጣሪ፡ ቅንዕናን ሓቅን ንፍቶ፡ ንተኣከብ…ንላዘብ…እምነትና ኣብ ፈጣርን ኣብ ሕዝብን ንግበር…ንውልቀሳብትን ሕቡእ ዕላምኦምን…ንሓቅን ሓሶትን ዝፈሊ ተመራማሪ ኣእምሮ ነጥሪ…ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ ኪመጽእ ንጽበ ኣሎና። እታ ፍታሕ እቲ በብኸትምኡን፡ በብዓዱን (ኣብ ስደት) ተጀሚሩ ዘሎ…ንፍትሕን ሕግን ዝቃለስ ሕዝባዊ ሓይሊ…ነጎሃህሮ…ንሓልዎ ዕላምኡ ከይስሕት…ነቶም ኣብ ዓዲ ዘሎዉ ሕዝብና ድማ ተስፋ ንኹኖም።

    • Sol May 6, 2015

      እቲ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቓ መራሒ ኪኸውን ዝሓለመን…ሕልሙ ሕልሚ ደርሆ ኮይኑ ዝተረፈን…ዘይቕርዑን ኣእምሮ…መራሒ/መላኺ…እንታይ እዩ ድልየቱ?

      the ego and arrogance of the socially sick dictator is the mother of all our problems.

  • brhane May 5, 2015

    That is our expectation from this agile and aggressive dictator in eritrea.
    He want to change the whole society of Eritrea ignorante like donkeys they didn’t do nothing in front of their owners.
    Ignorance is equale to blandness and defines in this modern world.
    Education is a culture in this modern world. The world is now changing with in ours not in years.
    He wants to make us backwarded poeple in order to establish his dream of feudalism system with out law.
    He is accomplished destroying all the small industries in asmara.he closed the only internationally accepted university, then what’s remains,
    May his calculations are. ..creating poor society and ignorante without deeply educated could be easily controllable.always politics of Issaias and higdef are foolish politics. No Issaias nay animals hasabn hilmin gdefo.
    In order Issaias and higdef to continue in power devastating the educational background of Eritrea and economy. Because of that higdef want to our people changing poorest and ignorante people in the world in this time of globalization.
    Ignorant & poor people means easily colonised and easily administrated without any compliance for their entire life.no asking their rights.

    Oh my god kabzi hasad seb ezi keltifka Adhinena.

  • Yodit Russom May 6, 2015

    Eritrea’s liberation history has taught us that the role of the youth in the national struggle
    to bring about change is crucial as the dynamism that is required to drive the process of change belongs
    rightfully to the young generation. This remains true now also as the ongoing plight of the nation is mostly
    directed on the youth. The primary challenge that is faced by the Eritrean people is how to bring about
    the required regime change. And the most important ingredient for change is the UNITY of the opposition
    forces be it inside or outside the country.

  • BEILUL BERHE May 6, 2015

    it is true

  • abni May 6, 2015

    the result of this failed police of the ruling party for instance in this academy year 2015 more than 105 teachers left the nation and about 15 of them captured…out of not more than 250 teachers worked there in warsay yeakealo sec school not included hamamos..

  • ertra n ertrawyan May 6, 2015

    Author, Ya you are right. all you have said is right. The university of Asmara is closed not as hgdef said it is closed to enlarge and increase the capacity but is is politically twisted. It is closed to block the oposition of the university students. They have located them in forests this is deliberately made to eliminate the oposition of students of the colleges in bare lands before they reach the city.

  • redae May 6, 2015

    Issayas was working for the project which he gets order from his boss and still is working and he will continue until the eritrean people wake-up from their slavery Service to him.

  • yonas May 6, 2015

    ስርዓት ኢሰያስ ዝተማህረ ሕብረተሰብ ተሰኪምዎ ክነብር ከምዘይክእል ጽቡቅ ጌሩ እዩ ዝፈልጥ ስለዚ እዩ ኸአ ብድንቁርናን ጥሜትን ዝተሳቀየ ህዝቢ ኪሰርሕ ስለ ዘለዎ እቲ አብ ምህናጽ ሕብረተሰብ 1ይ ተራ ዝጻወት መምህርን ስርዓተ ትምህርትን አብ ክትዛረበሉ ዘሰክፍ ኩነታት አውዲቅዎ ዝርከብ
    ከም ሳዕቤኑ ኸአ አብ ታሪኽ ገዛእቲ ዘይተራእየ ማህሰይቲ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ዘሕፍር ስነምግባር መማህራንን ተማሃሮን አብ ገበናዊ ስራሕ ክዋፈሩ ምርአይ ልሙድ ኮይኑ እንሆ፣፣፣

  • hager Bahri May 6, 2015

    ኣንቱም ኣሕዋት ጸላኢና ምፍላጥ ኣይኮነን ጠፊእና ዘሎ። እንታይ ደኣ መፋተዊን ብሓባር ዘስርሕ ባይታን ምፍጣር ዩ በዱህና ዘውሎ። ዛዕባና እንታይ ንግበር ምበር ጸላእትናይ እንታይ በሉን ገበሩን ይኣክል። ግዜ ይከደና ሎ።

  • Mama Eritrea May 6, 2015

    In order to get a healthy nation and society you have to look after your old and especially the young who would be the next force to take over the nation to next level of the competitive world. So lets all do our best for our youth of today and tomorrow as they are the ones who would be looking after us in the near future. Kulu dima kiHalif’yu ab zikerebe ghizeye.

POST A COMMENT