Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕጥቂ ስነ-ጥበበኛታት

ዕጥቂ ስነ-ጥበበኛታት፡  16.11.16፡ “ድምጻዊ መንእሰይ ሮቤል ሚካኤል፡ ንስኻስ ቆንጆኻ ከተናዲ ጥራይ ብኣምሓርኛን ትግርኛን ብምድራፍካ ክንድኡ ካብተባህለ፡ ብዛዕባ ነቶም ዘይእንታይና ኣምሓሩ ሓቚፉ ዘሎ መራሒና ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከድኣ እንታይኮን ክበሃል ምተኻእለ?” ኣቐዲመ ከምኣቦን ዜጋን መጠን ልዕሊ’ቲ ንህዝብኻን መሳቱኻን ዝሃብካና

ዕጥቂ ስነ-ጥበበኛታት፡  16.11.16፡

“ድምጻዊ መንእሰይ ሮቤል ሚካኤል፡ ንስኻስ ቆንጆኻ ከተናዲ ጥራይ ብኣምሓርኛን ትግርኛን ብምድራፍካ ክንድኡ ካብተባህለ፡ ብዛዕባ ነቶም ዘይእንታይና ኣምሓሩ ሓቚፉ ዘሎ መራሒና ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከድኣ እንታይኮን ክበሃል ምተኻእለ?”

ኣቐዲመ ከምኣቦን ዜጋን መጠን ልዕሊ’ቲ ንህዝብኻን መሳቱኻን ዝሃብካና ልዑል ሰላምታ፡ ናተይ ደሪዐ ከምቖካ እፈቱ። ኣስዒበ ንብ ዛዕባ ኣብ ሞንጎ ንኡሳትና ሃጓፍ ከምተፈጥረ ብዝመስል ንዝተናፈሰ ዋዕ-ዋዕታ ዝሰበቡ ጎርጺ እንተበሉኻን እንተመለስካሎምን ክልቴ ኹም ከምዘይተጋገኹም ከውስእ እፈቱ። ብቀንዱ እቲ ክመስል ተሓሊኑ ዝተወጠነን ን ስኻ’ውን ብገርህኻ ዝፈነኻዮ ዜማን ዝሰዓበ ምስሕሓብን፡ ኣድብዮም ዝዕዘቡ ስዉራን ዋናታት ከም ዘለዉዎ ከብርሕ እደሊ። እዚ ህሉዊ ኩነታትና ዝፈጠሮ እዋናዊ ዛዕባ ብ ምዃኑ ድማ ኪኖ ማዕዳን ምብህሃልን ዝሓልፍ ወጥሪ ክፈጥር ስለዘይግብኦ ብወገነይ ይግባእ ንዝበልኩዎ ዳግማይ ንትገብሮ ዘለኻ ጌጋኻ ወዝቢ ስለዘይኮነን ስለዘይመስልን ኣዝዩ ሓጺር ሓሳብ ተቐበለኒ።

እስከ በታ ዘቕረብካያ ናይ ድምጻዊ ፍረሰላም ርኢቶ ክጅምር

 

freselamኣብ social media ዝጻረፍ ኣብኡ ኢዩ ዝተርፍ ሰናይ ተበግሶ ወሲድካ ኣለኻ ሞ ኣይትዳሃል ሮቢ ቀጽሎ ዳሓር ከኣ ልሳናት ድኹማት ኣብ ኣስማት ዕዉታት ጸቒጠን ኢየን ሌፍ ዝብላ ኣብ ዝኣመንካሉ ንበር ምኽንያቱ ንደራሲ ምበር ንሃያሲ ዝተሰርሐ ሓወልቲ የለን ስነ ጥ በበኛ ከኣ ቅድሚ ከባቢኡን ሕብረተሰቡን ውሽጡ ኢዩ ከንብብ ዘለዎ ንዕኦም ከተእምን ኣንጻር ሕልናኻ ክትጓዓዝ ክኸውን ይኽእል’ዩ ሓሳቦም ንዓኻ ከሐጉሱ ኣንጻር ውሽጦም ክሳብ ዘይተዛረቡ ጉዕዞ ካብዚኣ ኢያ ትጅመር ፈራሕ ጥራይ’ዩ ጉዕዞ ከይጀመረ ደኺሙ ዝተርፍ ኣጆኻ bro!!!!!!!!!!!!!!

ፍረሰላም ንደራሲምበር ንሃያሲ ዝተሰርሐ ሓወልቲ የለን” ኢሉ እንተ ኣተባብዓካ ሓቁ እንድዩ። ግናስ “ሃያሲ” ማለት ምናልባሽ ካብ ታ “ሂስ” ትብል ቃል ኣምሓርኛ ዝተወስደት እንተኾይና ብትግርኛ “ወቓሳ ወይ ነቐፋ” ማለት ኮይና ስለዝተሰማዓትኒ’የ ገለ ክብል።

ከምርኢቶይ ዝኾነ ድርሰት ምስኩሉ ተዓባቱ ክድገፍ’ኳ እንተለዎ፡ ግናስ ኩሉ ድርሰት ቅቡል ማለት ኣይኮነን’ሞ ወቐሳ ንርእሱ ከቢ ድ ድርሰት ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። ንበል ድምጻዊ ነታ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝደረሳ ምስሊ ሃገርና ተቓዊሙ ምስሃደመ፡ ክሳብ ክንዲ ዝካኣሎ ኩሉ እከያት ድርሰት መራሒና ክቐልዕ ክጋደል እንከሎ ካብቲ ስግርድማ ናብኡ ብዙሕ ወቐሳ ውሒዝዎ ነይሩ። ግና ንመኖ ም’ዩ እቲ ክሕዘኖን ሓወልቲ ክስራሓሉን ዘለዎ? ንደራሲ’ዛ ዜጋታታ ተንፍጽ ዘላ ሃገር ክውንቲ ዝገበረ ፕ/ኢሳይያስን ሰዓብቱን ወይ ስ ነቲ መሬቱ ኣረኪቡ ዝሃደመን ዝስዕቡ ዘለዉ ፍረሰላማትን ካልኦት መንእሰይ ብጾቶምን? ነተን ምስ ዝሓቖፍኦምን ኣብ ባሕሪ ዝ ሓረሰኦምን ደቀን ኣብኡ ዝሰጠማ ኣሕዋት ፍረሰላምዶ ወይስ ነተን “ንሕና ንሱ” ዝብላ ወቐስትና? ብተወሳኺ ንርእሱ ድምጻዊ ባን ዴራ ምንዳዳ ተሰሚዕዎ ከሕነቕንቕ እንከሎ መኖም’ዩ ደራሲ መኖምከ ወቓሲ ዝበሃል? ኣየናዮም’ዩከ ቅቡል ነይሩ?

ብሓጺሩ ድርሰትን ወቐሳን ኣይነጻጸሉን’ዮም። ከምኡ’ውን ደራስን ወቓስን ዝኸብሩ ነብሶም ምስዝመስሉ’ምበር ኣብ እንዳማቶም ተ ተጸጊዖም ክንድኡ ውርጽጽናስ ኣይመድለየን። ምኽንያቱ ስደተኛ ነቲ ዘለዎ ክመስልን ክርዕምን ስለዝግደድ መንነቱ ክዕቅብ ኣብ ገድ ልን ጠመተን ምጽማዱ ግድን ስለዝኾነ። ንኣብነት ድምጻዊ ፍረሰላም ምስሃደመ ነታ እንዳማቱስ ከም ሓደ ቀሊል ነገረ ናብታ ካልኣ ይቲ ዓዱ ደበኽ ከምዝበለ ገይሩ ምግላጹ ብቋንቋኦም ‘ሃሳስነት’ ኢዩ። ምኽንያቱ ነቲ ብመዓር ዝተላሕሰ ዕረ ስለዘየስተብሃለሉ። ማ ንም ስደተኛ ከምዝብሎ ከምቲ በምሓርኛ “ካብ ሃገሩ ዝተሰደ ሃገሩ ክሳብ ዝምለስ እንተጸዓንዎ ኣድጊ እንተለጎሙዎ ፈረስ” ዝበሃል ዕረ እናጠዓሞ ክቕበሎን ክመስሎን ግድን’ዩ። ምምሳል ድማ ከምዛዋዛ ኢያ ትስበለካ ውይ ኣብ ፈተና ትጸምደካ። ካብ ልጋብያ ባህ ልን ቋንቋን ዝኸፍእ ፖለቲካ የለን ኮይኑ’ውን ንምምሳል እንተዘይመሲልካያ ቅጽበት’ያ ትስልበጠካ። ድሮ ከምንሰምዖ ሕማም ጎረቤ ት ታላጋቢ ግዲ ኮይነ “እና፣ ኣንሕና፣ ሰላምዲዩ” ወዘተ ዝዓይነቱ ስራቕ ጸያቒ ቃል ትግርኛ ክመልቆም ንዕዘብ። ዘይቅኑዓት ፊደላት’ ውን ኣብ ዘይምልከቶም ቦታ ተሰዂዖም ንርኢ። ብሓጺሩስ ከምእኒ ፎኣድ (ክፍሎም) ከምእኒ ኪሮስ፣ ከምእኒ መሲናስን ሚኪኤል እምባየን ዝኣመሰሉ ደቂ ሃገርና፡ ንትግርኛ ከም ዓጻቕን ፍቕሪ ዝሕርሙን ተመሲሉ ዝትረኽ ክእርሙን ንተጋሩ ኣዝማድና ቋንቋ ዓደ ቦኦም ክፈትዉን ከዘውትሩን ከስተምህሩ ንጽበዮም ሰባት ተዋሒጦም’ኳ እንተዘይተረፉ ቃልሶም ፍረ ከይስእን ንስከፈሉ ኣለና።

ካብ ዝሓለፈ ጭቡጥ ኣብነታት ስነ-ጥበበኛታት ትግርኛ ቁንጣሮ ንምቕራብ እንተተደልዩ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም ሽገይ ሃቡንን ‘ቲ ገዛና ዓቢ ህድሞን ምስተቓልሐ ብዝሰዓብ ተጻብኦ ግዳይነት ኣቦና ነብሲ-ሄር ድምጻዊ ኣተወ-ብርሃን ኣዒንቱ ከምተነሸረ ንዝክር። ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ’ውን ግዳይነት ናይ’ኒ ምስ ሮሃ ባንድ ኮይኑ ዝዓብለለ ድምጻዊ ተኽለ ተስፋዝጊ ከምዝሰዓበ ኣይርሳዕን። ከምኡ ድማ ኣብ ሕምብርቶም ክንሱ ብዘረባኦም ከይነሳነስ ዝመከተ ብድሆ በረኸት መንግስተኣብ ክዝከር፡ እዞም ሰብና በቲ ዝሕ በንሉ ቋንቋ ትግርኛ ዝተኸልዎ ሰራውር መንነት ተነቃሊ ከምዘይነበረ ክሳብ ሎሚ ህያው ምስክር ኢዩ። እሞ እዝን ካልእ ብዙሕ ከምኡ ዝኣመሰለ ታሪኽ ቀዳሞትና ምዝካር ዝመስል ዝሑል መኣዲ የለን’ሞ ምስትውዓል ኣይፈለዮ ንፍረሰላም መታን እቲ ምኡዝን በሊሕ ዝመልእኽቱን ስራሓቱ ከይብረዝ።

ናባኻ ክምለስ ኣቐዲመ ከኣ ኣብ ትርጉም ከድህብ።

ብዛዕባ ሞያኻን ውዕሎ ቀዳሞትን ክንዲ ዝርዳኣካ ሓያለይ ጽሒፍካን ኣንቢበዮን። ሓደ ዘይተረዳኣካ ግና ስነ-ጥበብ ዕጥቂ ሕ/ሰብ ምዃኑ’ዩ። ብባህላውን ዜማውን መለክዒ ልክዕ ከምቲ መበቆል ምስ ካልኦት ከምዝራኸብን ከምዝወራረስን ፍሉጥ ኮይኑ፡ ብፖለ ቲካዊ መዳዩን ኣውራ ኣብ ጎንጺ እዋንን ግና ብልዙብ መልክዕ ልዕሊ ሚሳይል ጸላኢኻ ከምትድዕምኾሉ ዘይምዝንጋዕ። ንኣብነት ኣብ ሰውራ እንከለና ናይ ጎረባብትና ባህሊ ነዘውትር ነበርና። ሽዑ ልክዕ ከምቲ ናይ ሱዳን፡ ናይ ኣምሓራ ሙዚቃ’ውን ምስምዑ ባ ህታ ይህበና ነበረ። ስለኡ ድሕሪ ናጻነት ዶብና ብመንደቕ ከምንልኩቶ እናወሳእና፡ እንተኾነ እቲ መንደቕ ካሴት መእተዊ ነዃል ከም ንገድፈሉ ንዋዘ ምንባርና ይዝከረኒ። ኣምሓሩ ብባህሎምን ሙዚቃኦምን “የፍይል ወጠጤ” ብዝብል ዜማ ከናሽዉና ምስንሰምዕ ከኣ እቲ ወዮ ሙዚቓኦምሲ ልዕሊኦም ነበረ ዝያዳ ግንና ኣለዓዒሉ ዘሐርነና ዝነበረ። እቲ ንመንነት ዘውሕስ ስነ-ጥበባዊ ዕጥቅና’ውን ቀን ዲ ምስጢር ዓወትና ምንባሩ ንኩልና ርዱእ ነበረ። ማለተይ ኣጠቓቕማ ናይ ልቓሕ ባህሊ ኣብ ንቡርን ዘይንቡርን እዋን ከምዝፈላለ ክብል ኢለ ኢየ። ኣብ ዝተፈብረኸ መንነት ስለዘይንበር’ውን ኣብ እዋን መግዛእቲ ኣብ ትሕቲ ‘ሳንሱር’ ጸላኢ ዝነበሩ ስነ-ጥበበኛታት ና ንማእሰርትን ሞትን በዲሆም ብሞያኦም ንሃገሮም ገሊጾማን “ክንቅልቀልደሞ ነኽርያ” ክብሉ ድማ ኣናድዮማን ኣማስያኦም’ውን ጨቢጦማን። ከንቱነት ስርዓት ህግደፍ ምስተረድኡ ከኣ “ሃገር ጥራይ ትሃሉ” ኢሎም ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ “ንኩሉ እንኳዕ ኣርከ ብኩሉ” ክብሉ ስምዒቶም ደርጒሖሞ። ሰብና ካብዞም ኣብዚ ዘለናዮ እዋንን ኣብ ወጻእን ዘለኹም ስነ-ጥበበኛታትከ እንታይ ይጽበ?

ለባም ጸላኢ ኣቐዲሙ “ባህላዊ ወራር” ዝባሃል ኲናት ኢዩ ዝፍኑ። ንኣብነት ገዛእትና በቲ ጸያፍ መልሓሶም “ጓል ኣስመራይ መዓረይ ሽንኮሪናይ” ክዝይሙ እንከለዉ ከም ሙዚቃ ጥራይ እናመሰላ ምስኦም ዝጸደፈት ሄዋነይትና ኣይወሓደትን። እቲ ምቁር መሰል ዜማ ብውሽጡ መርዚ ምዃኑ ንዘፍለጡናን ዝመከቱን ቀዳሞትና ክብርን መጎስን ይብጻሓዮም! እንተ ጎረቤትና ካብዛ ርእስና ምውራድ ተ ሳኢንዎም እንሆ ፍቕሪ ‘ጓል ኣስመራ’ ክደጋግሶም ንዕዘብ። ቴዲ-ኣፍሮ፡ ጃኪ ገለመለ ኮታ ኩሉ ይዝይመላ ኣሎ ንጓል ኣስመራ ተተሓ ንጊጡ።

ኣብዛ ዘለናያ እዋን’ውን ብዝተርጎምካ ተርጉማ መንእሰይ ሮቤል ክንዲ ከምቲ ቃል-ቃል ኢሉ ዘሎ ብ”ፍቅር ያሸንፋል” ዝተመሮጐ ስ ነ-ጥበባዊ ኲናት ተቐኒትካ ከይትጋገ ከዘኻኽሩ ክብሉ እንተወቐሱኻ ካብ ሓልዮት ዝተበገሰ’ምበር ከምቲ “ንፖለቲካዊ ህልኪ” ዝበል ካዮ ምጽባእ ዘስምዕ ኣይኮነን። ከምኡ እንተኾይኑን ብመንጽር’ቲ ዝበልካዮ ድማ እንተድኣ ምጽውዋር ኣድላይ ኮይኑን’ውን ክትጻወ ር ዘለካ ንስኻ ናይ ማዕዶ ውልቃዊ ዘብረቕርቕ ነሓሲ ከተናዲ ናይ ኢድካ ወርቂ ትዝረፍ ዘለኻ’ምበር ወቐስትኻ ኣይኮኑን። ክትዓቢ ትደሊ ክትመስል ከምቲ ክበልዕ ደለ ገደል ዝኣፉ ንስኻ’ውን ብዝኣተኻዮ መስገደል ነታ “ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት” ትብል መንነታዊት ጥቕስና ከምዝከዳዕካያ ኣይትረስዕ። ብኣውራኡ ቋንቋ መግለጺ መንነት፡ ባህለ፡ ክብርን ወዘተን ኣብ ዝብል ሰፋሕቲ ዓን ኬላት ክትንተን ከምዝኽእል እንተተረዲእካ ተግባርካ ብመንጽር መንነት እንታይ ከምዝመስል ክትገልጽ ዘይምድፋርካን ዝገደደ ክት መስል ክትብል ሓናፊጽካ ምድራፍካን ነቲ ዓሚቑ ትርጉሙ ባህሊ ከምዝበረዝካዮ ብርግጽ ስለዝተሰወጠካ ኢዩ።

በካልእ መዳዩ’ውን ከምቲ ዝሓለምካዮ መንነት ብምምሳል ኣይጸንዕን ኢዩ። ንስኻ ግን ንዘይራኸብ መንነት ከተፋቕር ፍቕሪ ከምዘሸ ንፍ ጨሪሕካ። ንሳቶም ድማ ሰብ ዓላማ ስለዝኾኑ ሳዕሲዖሙልካ። ‘ታይ ኮይኖም ድኣ’ቶም በትግርኛ ዘድሃኻዮም ኣሕዋትካ ምሳኻ ዘይዘለሉ? ክንደይከ ይረጉድ’ቲ ቆርበትካ በይንኻ ክትዝልሓብ እንከለኻ? ብዝኾነ ንናይ ኣምሓራ ፍቕሪ ክትመስሎ ክትብል ከምትፈ ርስ ክትርዳእ እንተደሊኻ ማእለያ ዘይብሉ ተመኩሮ ኣለና። ሓደ-ክልተ ንምጥቃስ ጥፍኣት ናይእኒ ኪሮስ ኣለማየሁ ዘክር። “ፍሬው ሃይሉ” ዝባሃል ትግራዋይ ከም ዝነበረ’ውን እሰምዕ። ንሱ “ኣስመራ ዓደይ” ክብል ጸኒሑ “መቐለ ዓደይ” ድማ ወሰኸ። ኣማስያኡ ግና ከምዛ ናትካን ከምታ ኣመል ተጋሩን ናብታ ናይ እንዳማቱ ቋንቋን ምስልን ከመስል ምስጀመረ፡ “ኣስመሳይ” (መምሰሊ) ተባሂሉ እና ተናዕቀ ሞያኡ ብኣምሓርኛ ከምዝወድኣ ይውረ። ከምንወዲ ትግርኛ ግና ዜማን ዋጣን ነብሲ-ሄር ገብረጻድቕ’ያ መንፈሱ ተሓድሰሉ።

ከምቲ ዝበልካዮ ከም በዓል ሞያ መጠን ንክትዓቢ ሓርኮትኮት ምባል ኣይምሓመቐን። ንበል ሱዳናውያን ትግርኛን ኣምሓርኛን ክደ ርፉ ወይ ኢቲዮጲያውያን ብሱዳንን ካልእን ክደርፉ ምርኣይ ንቡር’ዩ። ኣባና’ውን ኣብርእሲ’ቲ ዝበልክዎ ባህሊ መስትያት መንነትት ስለዝኾነ፡ ክንዓብርን ክንሃጥርን፣ ክንስውድን ክንሰንፍን እንከለና ብነጸብራቑ ክገልጸና ጥራይ ዘይኮነስ ብቀንዱ ጸገምና ኣብ እንታ ይና ምዃኑ ከነለልን ክንኣልን ከምኡ ድማ ክንዓብን ክንስውድን ዝድርኸና ውሽጣዊ ሓይሊ ብምዃኑ፡ ትማሊ ኣብ ቃልሲ ሳላ ስነ-ጥበበኛታትና ንሱ ቅልጽምና ንሱ ጽንዓትና፣ ንሱ ኮበርታናን ቅጫናን፣ ንሱ ሓሞትናን ዓወትና ከምዝነበረ ማንም ዘይኽሕዶ ሓቂ ኢ ዩ። ካብዚ ሓጺር መግለጺ ሙሉእ ትርጉም መንነት ተገሊጹ ክንሱ ንስኻ ግና ብትርጉሙ ዘይተረዳኣካዮ ጥቕሲ “ፍቅር ያሸንፋል” እ ሞድማ ሓናፊጽካ ጎበጨረ ብምድራፍካ ዝኸፍአ ምብራዝ መንነት ክንሱ ጎሪሕካ ወይ ፈሊጥካ ከተምስል ብዝመረጽካዮ ጥበብ ኣድ ቂቕካ ስለዘይሓሰብካሉን ዘይመተርካዮን እቲ ክሓምቕ እቲ ክሓንቕ ግድን ኮይኑ ኣዛሪቡና እንሆ።

በል’ስከ፡ ቅድም-ቀዳድም ብስራሕካ ኣዒንቱ ደም ዝሰረቦ ከምዘየለ ምእማን ንመንነትካ ወሳኒ ስለዝኾነ ተቐበሎ። ከምቲ ዝውሕጣ ኩላሶ’ምበር ትወድቆ በትሪ ዘይርኢ ከልቢ፡ ንስኻ’ውን ባህሊ ዓውደ-ውግእ መንነት ምዃኑ እንተዘይተረዲእካ፡ ኣማስያኡ እንታይ ከምትመስል ካብታ ከተማዕርገካ ዝሓሰብካያ ግናስ ዝጸየረትካ መሳዕስዕትኻ ሄዋነይቲ’ኳ ክትርድኦ ምኸኣልካ። እንተድኣ ክትበልዕ ክትብል ኣፍካ ገደል ኮይኑ ግና ከምቶም ኩሎም ቀዳሞት ዝጸደፉ ከምትንወርን ከምትስወርን ዘክር!!!!

ቀንዲ ባሌህታይ ግዳ ንዓኻ ንፈላጥ-መሰል መንእሰይና ኣይኮነን። ንስኻድኣ ‘ታይ ጌርካ! ትገብር ዘላ እታ ትልእኽ ዘላ በጋሚዶ ዝመ ርሓ መንግስቲ ደቂ ሕድርትና፡ እታ ድማ ነቶም ገዛእትና ዝሓቖፈት ዕስብቲ መንግስቲ ኣስመራ’ምበር! ስለምንታይ ኢዮም ደቂ ስዉ ኣት፡ ደቂ-ስንኩላትን ደቂ ሰበ-ስልጣናት ነበር ግዳያት ህግደፍን ዝያዳ መሳርሒ ህግደፍ ክኾኑ ተመሪጹ? ክንደይ ዝኣክል ግንዖ ዋሕ ዚ መጋበርያነትከ ውሒዝዎም ይኸውን?” ኢልና ምስእንሓስብ መልሱ ቀሊል ኢዩ። ንኺድ ጥራይ!!!

ጎደፋ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • Teclay November 18, 2016

    ብራቮ ሮቤል !
    ቀጽ ሎ ፣ኣምሓርኛ ግእዝ እዩ፣ቓንቛኻ እዩ፣ኢትዯጵያ እውን ዓድኻ እዩ- ኣትሪርካ ርገጾ መርየትካ እዩ።ንሓንቲ ደቒቕ እውን ቒር ከይብለካ ። ብዓረበኛ እንተትፍትን ግን ዓሽ -ዓሽ ምበሉኻ ድንቑርና እዩ -ኣይትገደሰሉ።እቲ ቀንዲ ክመኽርካ ዘደሊ ግን ፡፡፡እዞም ካብ ወጻኢ -ማለት ካብ ኣሜርካ ፣ስዊድን፣ጀርመን ገለ ዝኹኑኑኻ ፣እቶም ኣብቲ ኣስመራ ትርእዮም ዝነበርካ ስቡሓት እዮም ።ኣብ ደገ ኣብ ምዕቡል ዓለም ስለ ዘለዉ ዝፈልጡ -ለባማት ከይመስለካ፣ እንታይ ድኣ ናይተን ዘነብርወን ዓድታት ቋንቋ እውን ዘይዛረቡ ፣ፓስታን ፋርማጆን በሊዖም -በሊዖም፣ሓንጎሎም ብስብሒ ተሸፊኑ እዩ ።ብዛዕባ እዚ ንዓይ ግደፎ።
    ብዝኾነ ኣብ ዝኾነ ዓለም ዘርካ ከም ኣዲስ ኣይትረክብን ኢኻ እሞ ,ዝለል ተሓጎስ።ደርፍኻ ድማ ቐጽሎ ።ወድሓንካ።

    • AHMED SALEH !!! November 18, 2016

      Well , Teclay the known TIGRIGNA speakers advocate expressed his double standard to
      defend Amharic entity . According his stupid arguments If Amharic is his language and Ethiopia is his country , in this case it also should apply to all Eritreans held at refugee camps .
      Lies after lies forced you to believe the unknown GHOST .

    • Haile November 18, 2016

      Teclay
      Bravo brother Teclay yourself and please keep it up.
      All beautifully and correctly stated by the undisputed honest champion of the people.
      As usual you are voicing for the voiceless silent shy majority Eritreans all over.
      Our young and highly talented artists like Robel Micheal, Robel Haile, Eden Kesete and Danait/Semhar Yohannes have all the potential to bring peace and love to our Habesha people. Music has the most powerful means to influence positive changes in our unfortunate region.

  • Selam November 18, 2016

    In the crazy and desperate Eritrean politics or more like animal farm politics
    lets hope that the desperate and crazy so-called politicians of the animal farm
    don’t label the beautiful girl with Robel Micheal as an Ethiopian, Woyane or PFDJ girl.
    When weak people are that desperate, low, confused and unstable in their pathetic lives
    they usually resort to desperate, childish and illogical conclusions, measures and gimmicks.
    What is sure is when emotions are uncontrolled such behavior becomes dominant in our discourse.
    In the real world we don’t belittle others at will simply because we can put words on the scree.
    Apparently where shame is dead I believe self-restraint is also dead.
    I am of course referring to that Muslim sick old man who always interferes into none of his businesses,

    • Selam November 18, 2016

      Please read : In the real world we don’t belittle others at will simply because we can put words on the “screen”. Thanks.

      • AHMED SALEH !!! November 19, 2016

        You think it is the first time to degrade our brother GODEFA article in this
        forum and you want me watch silently while you guys do your dirty job .
        I will defend Eritrean interest by any means necessary plus I know my limit
        not to offend Ethiopians with your kinds language .
        Habesha , muslim , Christian had been the tool of criminality to do the killings
        in your history . Are you fond of that past ? Wake up before it is late my friend ,
        time is ticking while asleep .

  • AHMED SALEH !!! November 19, 2016

    AGAIN MY RETARDED FRIEND NEFAHITTO
    Answer my question ; If Ethiopia is his country , why other ERITREANS have been held in refugee camps across
    the border ? It is not about Robel’s video but the attempts to exploit for your political purposes must not be tolerated . Specially when the cockroaches appeared from nowhere .
    Do not worry I am not amazed to hear words of dishonest people because they live in different world of lies
    and deceit . Just give simple answer as a mature person than keep hiding behind insults and cheap talks .
    Incase of Eritrean Tigrigna language history and culture issues the writer of this article explained in detail about obligation to preserve and to defend from outsiders influence . If one singer used my ethnic language to attract
    young generation , of course the entire society might feel violated ,
    Their angry disputes tried to tell us a self-delusions of the defeated faulty memory is a kind of prison to our minds.
    ‘ who is Ethiopian or who is not ‘ . let our cadres figure out how they can fool themselves .

    • AHMED SALEH !!! November 19, 2016

      Let me clarify myself when I mentioned a singer used my ethnic language I mean for foreign
      culture influences . It may sound backward mentality but what it matters nowadays is to keep
      vigilant from internal and external enemies of Eritrea that kept ruining our proud heritage .
      HGDF also played a big role on declaring war against Eritreans rich culture .

  • Hadas November 19, 2016

    ኣገናዕ ሮበል፥
    ቦለቲካ ኤርትራ መቸም ዘገርም እዩ። ብባህሊ ልምዲ ስርዓት ኪነጥበብ ያሬዳውነት ታሪኽ ስነልሳን ስነቋንቋ ኣርክዮሎጂ ኣብ ቋንቋታት ግእዝ፣ ማለት ትግረ ትግርኛ ኣምሓርኛ ኮይኑ ውን ቋንቋ ብሌን፣ ዘሎ ዝምድናን ምትሕንፋጽን ብዙሕ ስለዘተባህለ ምድጋሙ ኣየድልን።
    ኮይኑ ግና፣ ኣብዛ “ሓራ ወጺኣ” ትበሃል ኤርትራ፣ ቋንቋ ናይ ባዕሎም፤ ናይ ኣዲኦም ፈንፊኖምን ንዕቕ ኣቢሎምን፤ ንመጽሓፍቲ ትግረ ብሓዊ ዘቃጸሉ በሃማት ወይ ተበለጽቲ ደናቑር መራሕቲ ኣብ ዘለዉዋ ኤርትራ፣ ኣብዛ ንመዓልቲ ክልተ ግዜ ብራድዮ ካብ ናይ ህግደፍ ካብ ከተማ ኣስመራ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ ኦሮሞ ደርፍታት ኢትዮጵያ ዝፈንወላ ሃገር፤ ኣብዛ ሓሰውቲ ምስሉያት ንቋንቋ ትግረ ትግርኛ ፈንፊኖም “ንሕጋውነትን ወድዓውነትን” ባዕዳዊ ቋንቋ ዓረብ ዝውድኽደኸላ ኤርትራ፣ ከምዚ ዓይነት ጎባጥን ገስረጥን ርኢቶ፣ ካብ ኤርትርውያን ክት ሰምዕ ብዙሕ ዘገረም ኣይኮነን።
    ስነጥበበኛ ገጣምን መንእሰይ ሮቤል: ንቋንቋ ኤርትራ ብሓዊ ኣየቃጸለን ኣይንዓቐን ኣየቆናጸብን፣ እኳ ደኣ ንምዕባሌኡን ትንሳኤኡን ዘበርከተ፤ ብመንነቱ ባህሉን ልምዱን ዝኮርዕ ሰብ እዩ።
    ቁምነገር ተረኺብለይ፤ ራድዮ ናይ ተቓወምትን መንግስትን ተቝዋመርትን ኩሎም ብናይ እንዳመቶም ቋንቋታት ማለት ዓረብ፣ ኣምሓርኛ፣ ኦሮሞ ለይትን ቀትርን እንዳገዓሩስ፣ ኣምሓርኛን ትግርኛን ሓዊስካ ደሪፍካ ተባሂሉ ክንድዚ ወጥጥ?! ካብ በዓል ከንተ መንቱ፣ ካብዚ ንላዕሊ ንጽበዮ ኣስተምህሮ የሎን።
    መንእሰይ ሮበል፣ ይትረፍ ብኣምሓርኛ፣ ብ ኣገው ይኹን ብሽወደን፣ ብ ዙሉ ይኹን ብጃባንኛ ክደርፍ መሰሉ እዩ።

  • Hadas November 19, 2016

    Here is a news of Eritrean women who escaped from the slavery of the Jehadist Islamic State in Libya:

    Yudit Tasfadit, an Eritrean woman who was captured by ISIS in Libya
    after fleeing Eritrea, recounted that she had converted to Islam out
    of fear that otherwise, she would be slaughtered, and was used, along
    with other women, as sex slaves. “They want us to bear children so
    their numbers grow,” she said in a TV interview that aired on Alaan TV
    on November 2. “ISIS are bad people. They slaughter, and they chop off
    hands.”
    https://www.youtube.com/watch?v=DBwD00ARHvY

  • Teclay November 20, 2016

    Robel’s mature interview
    I have just heard ,the interview.He said that “the love and respect that i received from the Ethiopians is beyond my expectation “. ..What did Robel expect ?? to answer this questions,Look his background …well, his father and mother were so called freedom fighters and unfortunately both of them became hand-caps ,in search for freedom…Compare,Robel,the son of Ghedli generation’s testimony is completely different than his parents claim about the Ethiopians …The questions;
    -His parents went to Sahil to look for freedom,,,Which freedom ???What did the get in Sahil during their search for freedom ??Where they free themselves in Sahil and more importantly did they bring freedom ???? ክዱን ብ ኣፈ ስላሴ ድዮም ዝብልዎ ካህናት።
    ካብ መሰረቱ ዘይጎደለካን ዘይጠፍ ኣካን እንድሕሪ ክትደሊ ወፊርካ ዝነበረካ ኣጥፍኢካ ኢኻ እትምለስ።እንሀልኩም ድማ ሰብን እዝግን ይምስክር።
    እንተ እቶም ኣምሓሩ ግን እንታይ ዝበለ ልቦና እዩ ሂብዎም???ኣእዱግ እናበልካዮምስ ኩሉ ግዜ ሓወይ ይብሉኻ። ወንድማሞች ነን ካብ ልሳኖም ከይተፈልየት ንመዋ እ ል። ዎ ኣምላኽ ካብዛ ናይ ኣሕዋትና ኣእምሮ ንእሽቶ ሃበና።

  • hidat November 20, 2016

    Eritra akal Ethiopia aytikewinin eya ankuay bzereba bihailey win zebet..netom nebsom zixeluu wilkesebat gin ab Ethiopia yikun ab Eritra bota yeblomin .beal hadige medig ab zeblwo zitefom silezikonu .sorry to say that…LIBI enteebeyom gin natatom mirch eyu nay zideleywo ZEGINET kihizu.

  • Grar November 20, 2016

    ከም ናይ ተኽላይ ልቦና ይሃበና። እዞም “ዓረብ ኢና።” ኢሎም፤ ቋንቋታት ትግርኛ ብሓዊ ዝሕርሩ ዘለዉ፤ ጽንሕ ኢሎም ከምዞም ኣይሰስ ጂሃዳውያን ዳዕሽ፣ ደርፍን ጓይላን ብኣዋጅ ከይክልኩሉና ዘፍርህ እዩ።
    ተኽላይ ከምዝበሎ፥ “ካብ መሰረቱ ዘይጎደለካን ዘይጠፍ ኣካን እንድሕሪ ክትደሊ ወፊርካ ዝነበረካ ኣጥፍኢካ ኢኻ እትምለስ።እንሀልኩም ድማ ሰብን እዝግን ይምስክር።
    እንተ እቶም ኣምሓሩ ግን እንታይ ዝበለ ልቦና እዩ ሂብዎም???ኣእዱግ እናበልካዮምስ ኩሉ ግዜ ሓወይ ይብሉኻ። ወንድማሞች ነን ካብ ልሳኖም ከይተፈልየት ንመዋ እ ል። ዎ ኣምላኽ ካብዛ ናይ ኣሕዋትና ኣእምሮ ንእሽቶ ሃበና።”

  • ስለፍትሒ November 22, 2016

    ኣቶ ጎደፋ!
    ንሓደ ቋንቋ በቲ ዝቐለለ ቃላትን ምሉእ ሓሳባትን ምስ እተቕርቦ ንጹር ዝኾነ መልእኽቲ ስለዘመሓላልፍ ተመራጺ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ብከበድቲ ቃላትን ዝተመሳቐለ ናይ ፓለቲካ ሕጡበጽሑፍን ሸንኮለል ምባል ከም ምዕቡልን ረቒቕን ሓሳብ ኣምሲልካ ንምእማን ዝፍተን ግጉይ ኣገባብ ኢዩ። እዚ ኣርእስቲ’ዚ ከኣ ብንጹር ክተረድእን ክትእርምን ዝድርኽ ድኣምበር ከም መንግስታዊ ሓተታ ዝተወጃበረ ትንተና ኣይመድለዮን።
    ናይ ፍቕሪ ቋንቋ ወይ መዝሙር ኣብ እዋን ሽግር’ዩ ዝያዳ ዘድሊ። ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጉዳይ ብ1993 ዝተወደኣ ኢዩ። ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ኢና። ኣባኢሱና ዘሎ ነገር ናይ ዶብ ሕቶ ኢዩ። ንሱ እንተኾነ ብቤት ፍርዲ ተወዲኡ ኢዩ። ፈቲና ጸሊእና ይንዋሕ ይሕጸር ግዜ ኣብ ተግባር ክውዕል ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ክልተ መንግስታት ስለዝተሃላለኹ ብኸምዚ ዘለዎ ንዘልኣለም ኣይነብርን ኢዩ።
    ናይ ፍቕሪ መዝሙር ብኣምሓርኛ ምዝማር ማለት ፈቲናኩም ስለዘለናስ መሬትና ውሰድዎ ወይ ምሳኹም ክንጽንበር ንደሊ ኢና ማለት ኣይኮነን። ፍቕሪ ኢዩ ዝሓይሽ፡ ነንብረትና መመሬትና ሒዝና ብሰላማዊ ጉርብትና ብፍቕሪ ብምትሕግጋዝ ንንበር ዝብል መልእኽቲ ክህልዎ ኣይክእልን ዲዩ? ስለምንታይ ኢና ነቲ ብደምን ብድምጽን ዝረጋገገጽናዮ ነጻነትና ከም ዘይተወድአ ጉዳይ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክነእትዎ ንደሊ። ስለምንታይ ኢና ባዕልና ነቓዕ ክንፈጥር ንፍትን። ነዚ ነጻነት ክውን ንምግባር 30 ዓመታት፡ ብቢልዮናት ዝግመት ናይ ንብረት፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ናይ ህይወት ክሳራ ተኸፊሉዎ ዶ’ይኮነን መጺኡ። ስርሕ ፍንጥሕ መኣስ ኮይኑ።
    ድልየታት ናይ ኣህዛብ እንተሰሚሩ ሕብረት እውን ዝጽላእ ኣይምኮነን፡ ቅድሚ ሕብረት ግን ብዙሕ ጻዕሪ፡ ዓቕሊ፡ ምትእምማን፡ ወዘተ ኢዩ ዝሓትት። ዝተበዳደልካዮ ምስተኸሓሓስካ፡ ዝወሰድካዮ ምስተማላለስካ፡ ናይ ኩናት በሰላኻ ምስኣሕወኻ፡ ብሰላማዊ ጉርብትና ንነዊሕ ተጓዒዝካ ምትእምምናን ተጠርዩ ዝጸንሓካ ቂምን ቅርሕንትን ምስሃሰሰ፡ ቑጠባዊ ደረጃኻ ምስተመጣጠነ፡ ወዘተ ጥራይ ኢዩ። እዚ ከኣ ዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ባእሲ ብሰላማዊ ጉርብትና ተጓዒዝካ ደረጃ ብደረጃ እናተራእየ ኣብ መወዳእታ ዝብጻሕ ኢዩ’ምበር ብሓዊ እናተሸናጎግካ፡ ዶባትካ ብሓዊ ተሓጺሩ እንከሎ፡ ብኸመይ ክሕሰብ ይከኣል። ምስ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ካልኦት ጎረባብትና’ውን ይኹን።
    ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጉዳይ ግን ጋና ርሑቕ፡ ንዮው ኢዩ ዘሎ። “ክንብርኩት ከይንብርኩት ቅድም ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ!” ከምዝበሃል ጉዳይና ካልእ እናሃለወ፡ ናይ ሕጂ ነገርና ብሰላም ነዕርፎ ፍቕሪ’ዩ ዝሓይሽ፡ ፍቕሪ’ዩ ዘሰንፍ ኢሉ ክልቲኡ ህዝብታት መይ መንግስታት ንኽሰምዑዎ ብኽልቲኡ ቋንቋ ሓዊሱ ምድራፊ ኣበይ ኢዩ እቲ ሽግር። ሮቤል ብትግርኛን ኣምሓርኛን ሓዊሱ ናይ ፍቕሪ ደርፊ ስለዝደረፈ ግን ብርእይቶይ ክነኣድ እምበር ክኹነን ኣይግባእን በሃላይ ኢየ።
    ሓው ጎደፋ ከኣ ናይ ሎሚ ርእቶኻስ ኣይግድን።

  • Habtu November 22, 2016

    Robel, you are an artist and you should create and discover art wherever it is. Amharic is language just like Arabic, Somali, Urdu, Swahili etc. I wish to hear you sing in the other languages as well. Continue and create art as artists do!

POST A COMMENT