Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ናብ አኼባ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ኣብ ከተማ ሎንዶን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 07 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሰዓት 1:30 ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።   ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ  ህልው ኩንተታት ሕዝብናን ሃገናን ክንዝቲ ኢና። ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ እዚ ዘለናዮ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 07 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሰዓት 1:30 ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

 

ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ  ህልው ኩንተታት ሕዝብናን ሃገናን ክንዝቲ ኢና። ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ እዚ ዘለናዮ እዋን ተሃዋሲ ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ሓደጋ ዝመጣጠን ምላሽ ክንህብ እንግደደሉ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለና። “ድሕሪ ኣቦኻ፡ ሞት ጊደኻ!“

 

እቲ ሃገራዊ ተመሲሉ ከጽንተና ዝጸንሔ ኣካል፡ ሎሚ ሕቡእ ዕላማኡ ኣግሂዱልና ኣሎ። ስለዚ ኩላትና ኤርትራውያን ብሓበራ፡ ከይተቐደምና እንከለና፡ ብህጹጽ ነዚ ክቐብረና ዝዳሎ ዘሎ መንግስቲ፡ ክንቅይሮ ኣለና። እዚ ድማ ኩላትና ኤርትራውያን ሓቢርና፡ ብሓደ እንተ መረሽና ኢዩ ዝብጻሕ።

 

ኩልኻትኩም ኣሓትናን ኣሕዋትናን፡ ንእትፈልጡዎም ሰባት ክትዕድሙን፡ ክትሳተፉን፡ እጃምኩም ክተበርክቱን፥ ብኽብሪ ንዕድም።

 

ሕጊ ይግዝኣና፡ ለባም የመሓድረና፡ ምሁር ይምሃረና።

 

ኣሕዋትኩም

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

 

 

ኣኼባ ዝካየደሉ ኣዳራሽ፥

Surma community centre

1 Robert Street

Kings Cross

London NW1 3JU

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • merhawi March 27, 2019

    Hi Eritrean Londoners,

    It is time to say Enough is Enough together with unity. Good job haddnet, the name is good and the action is good lets join hands to make it a success.

Post a Reply to merhawi Cancel Reply