Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ናብ አኼባ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ኣብ ከተማ ሎንዶን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 24 የካቲት 2019 ዓ.ም.ፈ. ሰዓት 2 ድ.ቀ. ዝጅምር ኣብ ግዝያዊ ኩነታት ሃገርና ኣመልኪትና ክንዛተ፡ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ እንዝትየሎም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 24 የካቲት 2019 ዓ.ም.ፈ. ሰዓት 2 ድ.ቀ. ዝጅምር ኣብ ግዝያዊ ኩነታት ሃገርና ኣመልኪትና ክንዛተ፡ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ እንዝትየሎም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፥

  1. ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኣዊጁ ዘሎ ሰላምን፥ ንሕዝቢ ኤርትራ ዜሻቕሎ ምኽንያታት፣

 

  1. ኣካዪዳ መንግሥቲ ኤርትራ ገምጊምና፥ ንሕና ኤርትራውያን ኣብዚ እዋን እዚ እንታይ ክንገብር

ከምዝግብኣና፣

 

  1. ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራዉያን ዘካይድዎ ዘለዉ ምትእኽኻብን ምልዕዓልን፣ ኮሚቴ

ሓድነትከ ኣብዚ ምዕባሌታት`ዚ እንታይ እጃም ተበርክት ኣላ፣ ካብ ሕዝቢ ኤርትራኸ እንታይ

ትጽቢት ኣለና . . .

 

ኩልኻትኩም ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኣብዚ ኣኼባዚ ክትሳተፉ፣ ንእትፈልጡዎምን፡ መቅርብኩምን ድማ ክትዕድሙ፡ እጃምኩም ክተበርክቱ፥ ንኹሉ ኤርትራዊ ብኽብሪ ንዕድም።

 

ዝግበረሉ ቦታ፥
1 Robert Street,
Kings Cross,
London NW1 3JU

ዝቐረበ ምዕራፍ ባቡር፥ Warren Street, Euston. Euston Square, Mornington Crescent.

 

ብደሓን ምጽኡ

ኣሕዋትኩም ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT