Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሊድስን ከባቢኣን ንእትነብሩ ኤርትራውያን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ሊድስን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣብ ከተማ ሊድስ ንዕለት 18 ሰነ 2016 ካብ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 7:00 ድ.ቀ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ሊድስን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣብ ከተማ ሊድስ ንዕለት 18 ሰነ 2016 ካብ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 7:00 ድ.ቀ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ክንዝቲን፥ ጸገማትና ክንፈትሓሉ ዘኽእል እማመ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ክንማኻኸረሉን ኢና። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኬድና ሕዝባዊ ኣኼባታት ከምዘካየድና ዝዝከር`ዩ። እዚ ናይ ሓድነት ኣኼባዚ ኣገዳስነቱ መዚንኩም ዕዙዝ ኣቓልቦ ሂብኩም ኣብቲ ኣኼባ ክትጽንበሩና ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ንኹላቶም ኤርትራውያን ክእክብ እምበር፡ ንኻልኦት ምንቅስቓሳት ክትእክእ ኣይኮነን። ግሉጽ ኣሠራርሓን፡ ሕዝባዊ ተሓታትነትን፡ ሕጋዊ ኣገባባትን ተኸቲልካ ናብ ድሕነት ሕዝቢ ውፈር ዝብል ኣተሓሳስባ ግን ኣጸቢቕና እነስምረሉ እዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ንኹላቶም እትፈልጡዎም ኤርትራውያን፥ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክሳትፉ ተገዲስኩም ክትዕድሙልና፥ ብትሕትና ሓላፍነት ነሰክመኩም።

ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ፦

Leeds Refugee Forum, One community Centre, Cromwell Street, LS9 1SG

ካብ ሰዓት 3:00 . ክሳብ  ሰዓት 7:00 ኣጋምሸት

 

ብደሓን ምጽኡ!

አሕዋትኩም፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT