Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን – ከተማ ለስተርን ከባቢኣን

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣብ ከተማ ለስተር ንዕለት 14 ግንበት 2016 ካብ ሰዓት 2:00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድ.ቀ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብዚ

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን እትነብሩ ኤርትራውያን ደቂ ሃገርና፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣብ ከተማ ለስተር ንዕለት 14 ግንበት 2016 ካብ ሰዓት 2:00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድ.ቀ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ክንዝቲን፥ ጸገማትና ክንፈትሓሉ ዘኽእል እማመ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ክንማኻኸረሉን ኢና። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማት ኬድና ሕዝባዊ ኣኼባታት ከምዘካየድና ዝዝከር`ዩ። እዚ ናይ ሓድነት ኣኼባዚ ኣገዳስነቱ መዚንኩም ዕዙዝ ኣቓልቦ ሂብኩም ኣብቲ ኣኼባ ክትጽንበሩና ብኽብሪ ንጽውዕ።

ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ንኹላቶም ኤርትራውያን ክእክብ እምበር፡ ንኻልኦት ምንቅስቓሳት ክትእክእ ኣይኮነን። ግሉጽ ኣሠራርሓን፡ ሕዝባዊ ተሓታትነትን፡ ሕጋዊ ኣገባባትን ተኸቲልካ ናብ ድሕነት ሕዝቢ ውፈር ዝብል ኣተሓሳስባ ግን ኣጸቢቕና እነስምረሉ እዩ። ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ክትፈልጡ እንተደሊኹም ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓጺር ጽሑፍ ተመልከቱ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ንኹላቶም እትፈልጡዎም ኤርትራውያን፥ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክሳትፉ ተገዲስኩም ክትዕድሙልና፥ ብትሕትና ሓላፍነት ነሰክመኩም።

ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ፦

 

89 – 91 Crafton Street East, Leicester, LE12 DG

ካብ ሰዓት 2:00 . ክሳብ  ሰዓት 5:00 ኣጋምሸት

 

ብደሓን ምጽኡ!

አሕዋትኩም፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • merhawi May 9, 2016

    Great Job Haddnet, Wedi Vaccaro dream still alive. I read your mission in Assenna, it is a blessed mission, I hope all Eritreans where ever you go listens to your unit message, the method you are trying to introduce for a clear transparent democratic way for people to get involved in our country affairs. I hope you are getting all he support and encouragement from all Eritreans live locally. This is what every Country where Eritreans live should do, then a global body which really represents all Eritreans can form. I am humbled and encouraged by your determination, I am also hopeful the global task force will engage with you and others like you to bring about a real change to the struggle for justice and democracy. Lets say enough is enough and get together to bring about a real change collectively.

  • haddnet May 9, 2016

    Thanks Merhawi,
    As you say our collective effort will make a difference. Fraternity and unity will overcome disintegration and division. Common sense will prevail in the end. It is imperative, however, that every Eritrean nationalist work towards unity: Unity, Transparency, Rule of Law, and respect for diversity must guide our endeavors to save our people.

    Best wishes to all of us

  • haddnet May 15, 2016

    ዝኽብርኩም ሰብ ለስተርን ከባቢኣን!
    ሰላምን ፍቕሪ ሓድሕድን ጥጡሕ ናብራን እናተመነናልኩም፥ ዕድመና ኣኽቢርኩም፡ ኣብቲ ዝተመደበ ቦታን ሰዓትን ተርኺብኩም፡ ኣብ ኣኼባ ከተማ ለስተር ምስታፍኩም ንኩልኻትኩም ነመስግነኩም። ነቶም ኣደራሽን ካልእ ዘድልየና ነገራትን ብናጻ ዝቐረብኩምልና እውን ነመስግን። ኣብ መወዳእታ ነቶም ምርጫ ተሳተፍቲ ተቐቢሎም፥ ኣባላት ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኮይኖም ዝተመዘዙ፡ ሕራይ ኢሎም ክንዲ ዝተቐበሉ፡ ልዑል ምስጋና ነቕርበሎም።
    ከም እትፈልጡዎ፡ ዘለናዮ እዋን ዘመን ኣፈርክቡ እዩ። ፋሕፋሕ ኢልካ ሃገር ስለይትሕነጽ እምበኣር፡ ኩላትና ኤርትራውያን ምእንቲ ሓድነት ሕዝብና ክንሠርሕን፥ ሕዝብና ክነድሕንን ይግብኣና። ድሕነት ሕዝብና ብሓድነትና ኢዩ ዝርከብ።

    ደጊምና ነመስግነኩም
    ኣሕዋትኩም ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ሎንዶን

Post a Reply to merhawi Cancel Reply