Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ከተማ ሎንዶን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን፥ ንዕለት 3 ታሕሳስ 2017 ኣብ ከተማ ሎንዶን ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካይድ ስለዝኾንና፡ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። እዚ ኣኼባ`ዚ ናይቲ ዝሓለፈ ኣኼባታት መቐጸልታ ወይ`ውን ሥሩዕ ኣኼባ ኾይኑ፥ ህልው ኩነታት ሕዝቢ ኤርትራን ዝጽበዩና ዘለዉ ብድሆታትን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን፥ ንዕለት 3 ታሕሳስ 2017 ኣብ ከተማ ሎንዶን ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካይድ ስለዝኾንና፡ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

እዚ ኣኼባ`ዚ ናይቲ ዝሓለፈ ኣኼባታት መቐጸልታ ወይ`ውን ሥሩዕ ኣኼባ ኾይኑ፥ ህልው ኩነታት ሕዝቢ ኤርትራን ዝጽበዩና ዘለዉ ብድሆታትን ኣልዒሉ ክዝቲ ኢዩ። እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተራእየ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተበቲኑ ዘሎን ሕዝብና ብሓደ መንፈስ ተላዒሉ፡ ሃረርታ ልቡን ተስፋኡን፡ ብሓንሳብ ይገልጸሉ ኣብዘሎ እዋን፥ ከመይ ጌርና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከም እነሳግሮን፡ ናብ ጥቕሚ ሕዝብና ከም እነውዕሎን ክንማኸር ኢና። ኩሉሳዕ፡ ብሕግን ብፍትሕን ብማዕርነትን ተመሪሕና፥ ሕዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዘለዎ ስቓይን ብርሰትን መታን ክድሕን፡ ንሓዋሩ ድማ ከቢሩን ተኸባቢሩን ብናጽነት ኣስተርሕዩ ምእንቲ ክነብር፡ ንሕዝብና ዝሓይሽ ኣየናይ መገዲ ከምዝኾነ ክንዝትየሉ ኢና። ከመይ ጌርና ብሓደ ተጠሪፍና ከም እንሠርሕ ብዕምቀት ተዛሪብና፡ ንሕዝብና ዝጠቅም ቁምነገር ሒዝና ክንወጽእ ድማ ተስፋ ንገብር።

ኣብ ልዕሊ`ቲ እነካይዶ ኣኼባታት፡ ምሁራትን ምኩራንን ሰባት ዓዲምና ሥነ-ፍልጠታዊ ኣስተምህሮታት ክንሕውስ መደብ ኣለና። በዚ መሠረት፥ ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ ዶ/ር ሙሴ ወልደሥላሴን ኣቶ ተስፋይ ገብረሚካኤልን ሥነ-ፍልጠታዊ ዛዕባታት ብምቕራብ ነዚ ኣኼባዚ ኬሃብትምዎ ኢዮም። ኣብ ዝስዕብ ኣኼባና ድማ ኣቶ ዮሱፍ መሓምድ ብርሃንን ኣቶ ነቢልን ተመሳሳሊ ኣሰተምህሮታት ኬቕርቡልና ቃል ኣትዮምልና ኣለዉ። እቲ ዜቕርቡዎ ኣስተምህሮ ኩሉ ምስ ዕላማታት ኮሚቴ ሓድነት ዝሰማማዕን ንሕዝብና ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ዝጠቅሞን ክኸውንን ኢዩ። ነዞም ለጋሳት ኣሕዋትና ነመስግኖም፣ ካልኦት ሓዋትናን ኣሓትናን ከኣ ተማሳሳሊ ተሰፋይነት ኬርእዩን እጃሞም ኬበርክቱን ብሃንቀውታ ንጽበ። ፕሌቶ/ፕሉቶ ዝተባህለ ውሩይ ግሪኻዊ ፍላስፋ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ክም ዝበሎ፥ “The price good men pay for indifference to public affairs is to be ruled by evil men.”  እዚ ማለት፥ ኣብ ምምሕዳር ሕዝቢ ኢዶም ዘይሕውሱ ለባማት ሰባት ዝኸፍሉዎ ዕዳ እንተ`ሎ፥ ብእኩያት ሰባት እዮም ዝግዝኡ` ይብል። እዚ ዘበለና ምኽንያት፥ ብዙሓት ለባማት ኤርትራውያን እንተ ዘይተሓዊሶምዎ፥ ሕጂውን ጉዳይ ሕዝብና፡ ንምምሕዳር ኣብዘይበቕዑ ሰባት ክወድቕ ከምዝኽእል ክንጠቅስ ስለዝደለና ኢና።

ኮሚቴ ሓድነት ብሕዝቢ ተመሪጻ ዝተመዘዘት ከም ምዃና መጠን፥ ንሓድነት ሕዝቢ ኤርትራ ክትሠርሕ ከም ዝጸንሔት ዝፍለጥ ኢዩ። ኣብዚ ግዜ`ዚ ከኣ፡ ዝዓዘዘ ተሳታፍነትን ደገፍን ካብ ሕዝቢ ከምዘድልያ ፈሊጥና፡ ኩላትና ኤእጃምና ክንገብር ይግባእ። ከም እትፈልጡዎ፥ ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኩላትና ኤርትራውያን ብዘይኣፈላላይ፣ ሓቢርና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብሰላም ክንነብረላ እንኽእል ሃገር ምእንቲ ክንሃንጽ፡  ነቶም በበይኖም ኮይኖም ዝጽዕሩ ዘሎዉ ኣካላት፡ ብሓደ ኮይኖም ንረብሓ ናይ መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ክሠርሑ፣ ነቶም ኣማዕድዮም ዜቋምቱ ዘለዉ ዜጋታትና እውን ኣብ ጉዳዮም ተዓዘብቲ ክኾኑ ከምዘይግባእ ተረዲኣ፥ ዝከኣል ጎስጓስ ጌራ ክተተሓባብርን ክተበራብርን ዝብል ኢዩ። ኩላትና ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ኣብ ሃገር ብሪጣንያ ኴንና ክንገብሮ እንኽእል ተሓባቢርና ክንገብሮ፡ ነቲ ሕዝቢ ዜሰከማ ሓላፍነት ክትጽም ብምሉእ ዓቕማ ትሠርሕ ኣላ። ኮሚቴ ሓድነት፥ ናይ ሕዝቢ ከም ምዃና መጠን፥ ንረብሓ ሕዝቢ እያ እትሠርሕ ዘላ እምበር ናይ ውልቃ መደብ የብላን። ኣባላታ ድማ በብእዋኑ ብምርጫ ሕዝቢ መዝነት ዝወሃቡብ ዝወርዱን ደኣምብር ነበርቲ ኣይኮኑን።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርንን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴና በቲ ሓንጺጻቶ ዘላ መደብ መሠረት፥ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ብቐጻሊ ተመሳሳሊ ኣሓዝባዊ ኣኼባታት ክተካዪድ መደብ ዕዮ ኣውጺኣ ኣላ። ዕዙዝ ተሳትፎ ሕዝቢ ድማ ትጽበ። ነቲ ክንዓሞ ዝመዘዝኩምና ሕዝባዊ ዕዮ፡ ብዘይ ተሳትፎኹም ኣብ ሸቶኡ ክነብጽሖ ስለይከኣል፡ ተሳፍነት ነፍዚ ወከፍ ሰብ ወሳኒ እጃም ስለዘበርክት፡ ደጊምና ክትሳተፉ ንምሕጸነኩም።

ኣኼባ ዝካየደሉ ኣዳራሽ፥

Hargrave Hall Community Centre፣ Hargrave Hall, Hargrave Rd, London, N19 5SP

 

ዘለና ውሱን ጊዜ ምእንቲ ክንትቀምውሉ እኼባና ልክዕ ስዓት 14:00 ክንጅምሮ ኢና። ኣብ ስዓትኩም ክትርከቡ ንምሕጸነኩም።

 

ብደሓን ምጽኡ!

መኽበርትኹም፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT