Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕዉት ዑደት ዶክ ተወልደ ተስፋማርያም ወዲ ቫካሮ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም

ዝሓለፈት 14 ጥቅምቲ 2013 ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ን ኣስታት 450 ሰብ ዝኾኑ ወዲ ቫካሮ ዕዉት ናይ ሓድነት ሰሚናር ኣካይዱ። እዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ዘካየዶ ሰሚናር ዝሕሰብ

ዝሓለፈት 14 ጥቅምቲ 2013 ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ን ኣስታት 450 ሰብ ዝኾኑ ወዲ ቫካሮ ዕዉት ናይ ሓድነት ሰሚናር ኣካይዱ።

እዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ዘካየዶ ሰሚናር ዝሕሰብ ኣኼባ ደለይቲ ለውጢ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም፡ ህዝቢ ንድሕነቱን ድሕነት ሃገሩን ክብል ዘለዎ ጸበብቲ ናይ ውድባውን ፖለቲካውን ፍልልያት ኣወጊዱ ብሓደ ሰሚሩ ንስርዓት ህግደፍ ብምእላይ ቅዋማዊ መንግስቲ ክተክል ጸዊዑ። ዓበይቲ ንመንእሰያት ጽላል ክኾንዎምን መንእሰያት ድማ ልክዕ ከምቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ መዘናታቶም ኣብ ማእከሎም ዘሎ ዘይጠቅም ፍልልያት ኣወጊዶም መሪሕ ተራ ንለውጢ ክጻወቱን ብሓቂ ክውፈዩን ኣዘኻኺሩ። ከተማ ስቶክሆልም ሓንቲ ካብተን ስርዓት ህግደፍ ከም ናይ ኤውሮጳ ደጀን ክጥቀመላ ዝጸንሐ ከተማ ምንባራ ዘይርሳዕ ኮይኑ ደለይቲ ለውጢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝሖም  ብቅልጡፍ ናህሪ አንዳ ሰጎመን እንዳ ሰሰነን ይኸይድ ምስ ምህላው ደገፍቲ ህግደፍ ከምቲ ዝድለ ዝለመድዎ ናይ ፈንጠዝያን ጓይላን መድረኾም ክፈሽል ጀሚሩ ኣሎ። ሓደ ናይዚ ኣብነት ድማ ነቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብታ ከተማ ብሚስጢር  ንደግፍቲ ህግደፍ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ኣደራሽ ድንገት ብምኻድ እቲ ሚስጢራዊ ኣኼባ  ከም ዝፈሽል ምግባሮምን ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ኣብቲ ሰሚናር ዝተረኽቡ ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ኤርትራውያን ካብ ርሑቕ ከተማታት ናይ ኣስታት ሰለስተ ሰዓትዝኸውን መንገዲ ተጓዒዞም ከም ዝተረኽቡን ኣብዚ ሓጺር እዋን ድማ ወዲ ቫካሮ ዳግማይ ናብታ ከተማ ተመሊሱ ሰፊሕ ሰሚናር ከም ዘካይድን  ነዚ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ ዲሞክራሲያዊ ለውጥን ምትሕብባር ኤርትራውያንን ክቕጽል ምእንቲ ምስ ዝተፈላለዩ ጸለዉቲ ኣካላት ና ሃገር ሽወደን ክራኸብ ውጥን ከምዘለዎ ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓቢሩ። መርኣያ ናቱ ድማ ሎሚ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ምስ ባይቶ ሽወደን ርክብ ኣካይዱ።

Vacaro_Stockholm_6

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት

ዝኽረን ክብርን ንሰማእታትና

ዓወት ን ውጹዕ ህዝቢ

ኣዳላዊት ሽማግለ ቫካሮ ኮንፈረንስ ስቶክሆሎም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
33 COMMENTS
  • solomon December 17, 2013

    You are doing good
    Wedi Vacaro keep it up

    Solomonï

  • tesfay December 17, 2013

    bihaki tsbuk srah seb ni tarik eyu znebr ember ente znebrelen ente bezeha 100 eyen

  • Awet Nihafash December 17, 2013

    everyone is behind you wedi vacaro,,,please don`t stop until the dictator is gone from OUR ERITREA… VIVA WEDI VACARO

  • Mesinas December 17, 2013

    ኣውሊዕ ተናዲ ኣላ!

    ተስፋ ኣሎና ኣባኻ ኣንታ መድሕን ህዝቢ
    ኪትቕንጥጦ ኢኻ ናይ ጥፍኣትና ሰርቢ
    ፍትሕን ደሞክራስን ተሓንጊጣ ርግቢ
    ኣውሊዕ ተናዲ ኣላ ዝኾና መዕለቢ!

    ገዛኢ ድያብሎስ ኣመና ጨኪኑ
    ንህዝብን ሃገርን ከዐኑ ሓሊኑ
    እናተጓዓዘ ብመደብ ወጢኑ
    ኣብ ሃገር ሰማእታት ዓዲ ናይ ጀጋኑ
    መዕለብ ርግቢድዩ ኣታ ገረብ ተሳኢኑ!?

    መዓስ ተተኺሉ’ሞ መዓስ ዝጸደቐ
    እዚ ዕቡይ መላኺ ህዝቡ ዚናዓቐ
    ኣይኮነን ንገረብ ሰብ እናጨፍለቐ
    ተባዕ ተሳኢኑ *በለው ዚዓጠቐ *ስረ
    ብርሃንና ጸልሚቱ ብስውእ ዝበረቐ!

    ኣብ ቅርዓት ወጺእኪ ዙርያ ተኸዲንኪ
    ሓቂ መሲሉዎ ዕልል እንተ በልኪ
    ከየመዛዘነ ውሽጣዊ ሽግርኪ
    ተገሪሁ ኔሩ ወድኺ ኣግዲዑኪ
    ሰብ ኪኸውን’ዩ ኢሉ ኣገልጊሉ ምልኪ!

    ሕጂ ግን እኖሆ ግዜኡ ኣኺሉ
    ወድኺ ሓሪኑ ንግጥም ነቒሉ
    ናይ ሓድነት ኣጽዋር ከማሂ ዘይብሉ
    ናብ ግንባር መላኺ ብድሎ ኣቕኒዑሉ
    መግዛእቲ ድያብሎስ ፈጽሚ ክንግበረሉ
    ሃየ ደቂ ዓደይ *ዙይን ኣቐብሉ! *ናይ ሬሳ ዓራት

    እወ ተዓጢቑ ዓደይ ምእንታኺ
    ብሓጐስ *ኪሽናህ ቀሲኑ ልብኺ *ኪፍሳህ
    *ጽግድም ኣጥፊኡ መንጣሊ ደቅኺ *ጨቓውት ዚምጥል ሽላ
    ከቕስነኪ’ዩ ኣደይ ኣይትንብዒ ኣጆኺ
    ዓልልሉ ጥራይ ንዓወት ወድኺ!

    ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 17/12/2013

  • ERITRAWIT December 17, 2013

    Welcome back to Europe Abona Wedi Vacaro I have a feeling Awet is just around the corner!!!!!!!!

  • tz December 17, 2013

    You doing excellent job !!!!…..Smerrr ….!!!….ONE ERITREA….!!!!!

    When are you coming to London? ????

    I ♡♥♡ ERITREA

  • Kereny December 17, 2013

    Brilliant Dr Tewolde, you are doing great for my poor country

  • Hewan December 17, 2013

    It is pathetic wedi Vacaro is an impostor, those who bilieve on him will be disppointed very soon. I’m certain most of the audience don’t know him.

  • saron Bereket December 17, 2013

    Gegna Dr Tewolde keep it up, you are our hope for our poor Eritren
    Smerr……

  • kiflemariam December 17, 2013

    Abona Wedi Vacaro when are you coming to London we expecting with great Enthusiastic, alewuna & Alewana, TaAwet Abona Wedi Vacaro

1 2 3

POST A COMMENT