Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕርቂ ምስ ሕልናና

ብልምዲ᎓ ሰባት ዓቢ በደል ምስ ዝፍጽሙ “ሕልና የብሎምን” ብምባል ኢና እንገልጾም። ይኹን እምበር᎓  ሰብ ኮይኑ ሕልና ዘይብሉ ፍጡር የለን። እንተስ ብኣብ ውሽጥና ዘቃልሕ ናይ ፈጣሪና ድምጺ᎓ ካብ ግዜ ንእስነትና ኣትሒዝና ዘማዕበልናዮም መረዳእታታት᎓ ወይ እውን ብሰንኪ

ብልምዲ᎓ ሰባት ዓቢ በደል ምስ ዝፍጽሙ “ሕልና የብሎምን” ብምባል ኢና እንገልጾም። ይኹን እምበር᎓  ሰብ ኮይኑ ሕልና ዘይብሉ ፍጡር የለን። እንተስ ብኣብ ውሽጥና ዘቃልሕ ናይ ፈጣሪና ድምጺ᎓ ካብ ግዜ ንእስነትና ኣትሒዝና ዘማዕበልናዮም መረዳእታታት᎓ ወይ እውን ብሰንኪ ናይ ኣከባቢና ጽልዋታት᎓ ነፍሲ ወከፍና ወነንቲ ሕልና ኢና። እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ᎓ ሓሳብና ወይ ግብርና ክሳብ ክንደይ ኢዩ ምስ ሕልናና ተመዓራርዩ ነጸብራቕ ናይ’ቲ ባህርያውን ቅቡልን ጠባይ ናይ ሕብረተሰብና ኮይኑ ዘሎ ኢልካ ምምርማር ኣዚዩ ኣገዳሲ ይኸውን።

ንምዃኑ ሕልና ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧ ሕልና ትብል ቃል ዝተፈላልዩ ኣምራት ዝሓዘለትን ብዙሓት መግለጺታት ዘለዋን እኳ እንተኾነት᎓ ብሓፈሽኡ ሕልና ማለት ንጽቡቕን ቅኑዕን ካብ ሕማቕን ግጉይን ክውንነታት ፈሊና ነቶም ጽቡቓትን ቁንዓትን ክውንነታት ክንስዕቦምን ከነተግብሮምን ነቶም ሕማቓትን ግጉያትን ክውንነታት ድማ ክንነጽጎምን ክንብድሆምን ዝደፋፍኣና ካብ ውሽጢ ነብስና ዝምንጩ ሓይሊ ኢዩ። በዚ ናይ ውሽጥና ሓይሊ ምስ እንምራሕ ኢና እምበኣር ዕግበትን ርግኣትን ረኺብና ምሉእነት ክስመዓና ዝኽእል። ብሕልናና ክንምራሕ እንድሕሪ ደኣ ኮይና በዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ናይ ሕልና ትእዛታት ክንቅየድ ግዴታ ይኸውን። ቀዳማይ᎓ ፍርሓተ ፈጣሪ ምህላው ጥራይ ዘይኮነ ንትእዛዛት ፈጣሪ ምትግባር ኢዩ። ካልኣይ᎓ ንሓቅን ሓሶትን ክትፈሊ ምኽኣል ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጎድኒ ሓቂ ደው ኢልካ ምሙጋት ኢዩ። ሳልሳይ᎓ ክትመርሕን ክትኣልን ዓቕሚ ምድላብ ጥራይ ዘይኮነ በቲ ቅኑዕ ኣጋባብ ክትምራሕን ክትእለን ከለኻ ኢዩ። ራብዓይ᎓ ብሕሰም ካልኦት ሰባት ምድንጋጽ ጥራይ ዘይኮነ ለጋስ ምዃን ኢዩ። ሓሙሻይ᎓ ብስምዒት ጥራይ ዘይኮነ ብብቑዕ ምኽንያት ዝተሰነየ ውሳነ ከተተግብር ከለኻ ኢዩ። ሻዱሻይ᎓ ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት ጽቡቕ ግብሪ ምሙርካስ ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት ሰባት እውን ኣባኻ ክሙርኰሱ ፍቓደኛ ምዃን ኢዩ። ሻብዓይ᎓ ብዝሰራሕካዮ ነገር ምሕባን ጥራይ ዘይኮነ ውጽኢት ሰራሕካ ንውሽጥኻ ብፍናንን ፍስሃን ክመልኦ ከሎ ኢዩ። ሻምናይ᎓ ንዘድልየካ ነገር ክትረክብ ምሕታት ጥራይ ዘይኮነ ንኹሎም ዝተገበሩልካ ነገራት ብልቢ ምምስጋን ኢዩ። ታሽዓይ᎓ ንነገራት ብዕምቆት ምምርማር ጥራይ ዘይኮነ ካብ ርሑቕን ቀረባን ከምኡ እውን ብኹሎም ሸነኻት ርኢኻ ንነገራት ብሰፊሑ ምግንዛቦም ኢዩ። ዓስራይ᎓ ናይ ባዕልኻ ፍትሕን ሓርነትን ማዕርነትን ክኽበር ምጽዓር ጥራይ ዘይኮነ ናይ ካልኦት ሰባት ፍትሕን ሓርነትን ማዕርነትን ምኽባርን ብካልኦት ሰባት ንኸይገሃስ ምቅላስን ኢዩ። ብኣንጻር ናይ’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ቀንዲ ትእዛታት ሕልና እንኸዶ ጉዕዞ ግን ብድርኺት ፍርሕን ቅንእን ጽልእን በለጽን ንዕቀትን ኣብ ዓንኬላዊ መንገዲ ግጭት ሸንኮለል ምባል ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መወዳእትኡ ካብ’ዚ ኣካይዳ’ዚ ዝረብሕ ሰብ ብፍጹም ክህሉ ኣይክእልን። እቶም ካብ’ዚ ናይ ዕግርግር ሃዋሁ ኣምሊጦም ናብ ህድኣትን ዕግበትን ዝሰፈኖ ናይ ሓንጎል ቅሳነት ዘምርሑን ኣብ ሕብረተሰብቦም ኣዎንታዊ ጽልዋ ዝፈጥሩን እምበኣር እቶም ንሕልናኦም ዝፍትሹ ሰባት ጥራይ ኢዮም።

ካብ ኩሎም እቶም ምእንቲ ሰባት ክርእዩልና᎓ ገንዘብ ክንከስብ᎓ ደራጃና ከነልዕል᎓ ሸውሃትና ከነዕግብ ኢልና ብምሕላን ብዙሕ ግዜናን ገንዘብናን እነጥፍኣሎም ጉዳያት᎓ ነቶም ምስ ሕልናና ዝቃደዉ ንኣሽቱ ስርሓት ምስራሕ ዝያዳ ዕግበትን ውጽኢትን ንረኽበሎም። እንተኾነ ግን᎓ ምስ ትእዛዛት ሕልናና ዝሰማምዑ ንኣሽቱ ስርሓት ሰሪሕና ዓበይቲ ዓወታት ከነመዝግብ ክንዲ ንፍትን᎓ ብዙሕ ግዜ ንሰባት ኣዐሺናን ዓሚጽናን መመኽነይታታት ፈጢርናን ንኣሽቱ ዓወታት ከነመዝግብ ዝያዳ ንሃልኽ። እዚ ተርእዮ እዚ ግኑን ክኸውን ዝኸኣለ ንሕልናና ጎሲና እንጎናጸፎ ዓወት ብቐንዱ ውድቀት ናይ ገዛእ ነብስና ምዃኑ ካብ ዘይምርዳእ ዝነቐለ ኢዩ። ንኣብነት ሓደ ፍትሒ ዝተነፈጎ ሰብ ንወጽዓታቱ መመኽነይታታት እንዳ ፈጠረ ንዓበይቲ በደላት ምስ ዘነኣእስ᎓ ንሱ ባዕሉ ኢዩ እቲ ቀዳማይ ናይ ገዛእ ነብሱ በዳሊ። እዚ ሰብ እዚ ናይ ካልኦት ሰባት መሰል ዝረግጽ ዘሎ እንዳ መሰሎ ንባዕሉ ክርገጽ የፍቅድ ኣሎ ማለት ኢዩ። እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ግን እዚ ሰብ እዚ ተበዳልን ናይ ገዛእ ርእሱ በዳልን ምዃኑ ክርድኦ ብዘይምኽኣሉ ኢዩ። ምስ ሕልናኡ ንዝመክር ሰብ ግን ከምዚ ዓይነት ተግባር ምስ ጽላለ ከነጻጽሮ ናይ ግድን ኢዩ። ምስ ሕልናና ክሳብ ዝመኸርና እምበኣር ይትረፍ ናይ ባዕልና መሰል ብናይ ገዛእ ባዕልና ፍቓድ ክርገጽ ናይ ካልኦት ሰባት መሰል ክርገጽ እውን ከነፍቅድ ኣይንኽእልን።

ካብ’ዚ ብምብጋስ᎓ ከም ኤርትራውያን ብዛዕባ ህዝብናን ሃገርናን ክንሓስብ ከለና ንሕልናና ሸለል ከይበልና ምስ ነብስና ክንመክር ኢዩ ዝግብኣና። ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ᎓ ንቅኑዕ ቅኑዕ ንጌጋ ድማ ጌጋ ምባል ኣብ ቦትኡ ኮይኑ ብመሰረት ሕልናዊ ሓላፍነትና ግን ነቲ ቅኑዕ ክንድግፎን ብግብሪ ክንስዕቦን ነቲ ጌጋ ድማ ክንነጽጎን ብግብሪ ክንብድሆን ኢዩ ዘለና። ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ዓቢ በደል ክፍጸም እንዳ ረኣዩ ከም ዘይረኣዩ ገጾም ከዊሎም ዝኸዱ ኤርትራውያን ብዙሓት ኢዮም። ነዚ በደል እንዳ ረኣዩን ናብ ገደል ዝመርሕ መንገዲ ሒዞም እንዳ ተጓዓዙን “ጽቡቕ ኣለና᎓ ንኺድ ጥራይ” ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን። ዝበዝሐ ክፋል ናይ’ቲ ንህሉው ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብንጹር ተረዲኡ ኣንጻር ዓመጽ ዝሙግት ደላይ ፍትሒ እውን እንተ ኾነ ካብ ደሌት ሓሊፉ ብግብሪ ውጺኢታዊ ስራሕ ከይሰርሕ ብሕማም ዕጥይጥይን ምዝሕታልን ኢዩ ዝሳቐ ዘሎ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኩነታት᎓ እንተስ ብሸለልትነት᎓ እንተስ ኮነ ኢልካ᎓ እንተስ ብምዝሕታል᎓ ሕልናና ኢያ እታ ቀንዲ ግዳይ ስእነተ ፍትሒ ኮይና ዘላ። ምስ ሕልናና እንድሕሪ ደኣ ተዓሪቕና ጥራይ ኢና እምበኣር ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሕብረተሰብናን ዕርቂ ፈጢርና ፍትሕን ማዕርነትን ሓርነትን ኣብ ሃገርና ከነስፍን እንኽእል።

ዶር ቶማስ ሰለሙን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT