Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕለተ ናጽነት፡ ዕለተ ሓበንን ተስፋን ተሓድሶን ኤርትራውያን እያ

ለንደን፡ 21 ግንቦት 2013 (13 ግንቦት 2005 ዓ/ም/ግ) ዕለተ ናጽነት፡ ዕለተ ሓበንን ተስፋን ተሓድሶን ኤርትራውያን እያ  ክቡር ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብመጀመርያ እንቛዕ ናብዛ ክብርቲ ዕለተ ናጽነትና ኣብጽሓና። ሎሚ’ውን ነዛ ክብርቲ ዕለት’ዚኣ፡ ሕዝብና ንለውጢ ጽሚእሉ ኣብዘሎን፣ ዜጋታት ብብዝሒ ንስደትን

ለንደን፡ 21 ግንቦት 2013 (13 ግንቦት 2005 ዓ/ም/ግ)

ዕለተ ናጽነት፡ ዕለተ ሓበንን ተስፋን ተሓድሶን ኤርትራውያን እያ

 ክቡር ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብመጀመርያ እንቛዕ ናብዛ ክብርቲ ዕለተ ናጽነትና ኣብጽሓና። ሎሚ’ውን ነዛ ክብርቲ ዕለት’ዚኣ፡ ሕዝብና ንለውጢ ጽሚእሉ ኣብዘሎን፣ ዜጋታት ብብዝሒ ንስደትን ኣብ መዓስከር ስደተኛታትን፡ ኣብ በደዊን ሲናን ወዲቖም ኣብዘለውሉን፤ ከምኡ እቲ ሕዝብን ሃገርን ንምድሓን ብዝያዳ ክዘልልን ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ክፈጥርን ዝነብሮ መሪሕነት ደምበ ዲሞክራስያውያን ተቓውሞ፡ ንዕርዲ ምጥምማት ክፍርስ ኣብዘይከኣለሉን፣ ምንቅስቓስ መንእሰይ ንለውጢ ብናህሪ ኣብዝተላዕለሉን፡ ህግደፍ ድማ ኣብ ዝተሓተ ዓቅሙ ኣብ ዝተረመሰሉን፡ ፍሉይ እዋን ኮይና ነኽብራ ከምዘሎና፡ ነቲ ክም መንም ሰብን ዜጋን ዝሓስብ ኤርትራዊ፡ ዝኽወሎ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ንዕለት ዝኽረ-ናጽነትና፡ ከም ዕለት ሓበን ጥራሕ ዘኮነስ፡ ከም ዕለት ተስፋን ዳግመ-ተሓድሶን ከነኽብራን ክንራኸባን ናይግድን እመስለኒ። ክብሪ ንስውዓትና፡ ዮሃና ንኩልና።

1)     ዕለተ ናጽነት፡ ዕለተ ሓበንን ተስፋናን እያ

ዕለት ናጽነትና፡ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ናይ ሓበን ታሪኻዊት ዕለት ጥራሓ ኣይኮነትን፡ ናይ ተስፋ ዕለት እውን እያ። ከመይ እዛ ብዙሕ ቅያታት ጀጋኑ ተተርኢሳ ዘላ ዕለት’ዚኣ፡ ንዓና ህልውቲ ኣይነበረትን። ሕጂ’ውን ኣብዚ ጥልመትን ክሕደትን ኣጋጢሙና ዘሎ እዋን፡ መልእኽቲ ዕለተ ናጽነትና፡ ናይ ርሑቕን ቀረባን፡ ጽኑዕን “ተስፋ” እዩ። ሕዝቢ ዓሚጽካ ኣይንበርን፤ ሽግር መወዳእታን ፍታሕን ኣለዎ፤ ንመንግስቱ፡ ንቐዛፊ፡ ንሳዳም ምዝካር ይኣክል። ሕዝቢ ኤርትራ’ውን፡ ካብዚ ናይውርደት ዘመነ ህድፍ ዘመነ-ረሲዓን፡ ብርግጽ ክናገፍ እዩ። ንሕዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ብረሲዓን ህግደፍ ዝተሰርቀ ባህጉ ዝምለሰላ፣ እሱራት ዝፍትሑላ፣ ህግደፍ ኣብ መጋባእያ ሕዝቢ ዝምብርከኸላ፣ ዜጋታት መዓስከራት ስደት ዑሙር ጓይላ ዝተኽሉላ፡ ቅጽበታዊ ልኡኽ ኤርትራ ንሲና ዝውንጨፈላ፣ ውሉድን ወላድን ዝራኸበላ፡ ዳግማዊት ግንቦት 91 እትጋሃደላንን፡ ናይ ሓርነትን ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ዕለትን ዘመንን፡ ርሕቕ ኣይኮነን፤ ምእንቲዚ ዝቃለሱ’ውን ውሑዳት ከምዘይኮኑ ኣይዝንጋዕን።

ንታሪኽ መኻይዱ ስለዝኾነ፡ ከምቲ ካብ ኣእላፋት መላእኽቲ ዲይብሎስ፤ ካብ ዘራእቲ ፍረታት እኽሊ፡ ሓርኢ-እኽልን ክርዳድን ዘጋጠሙ፡ ካብ ሕዝብን፡ ኣብ ሞንጎ’ቶም ሃገራውያን ጀጋኑ ደቁን ኣብ መሬት “ስርዓት ቆጽሊ” ዓደቦን ድማ፡ ቑንጣሮ ራኺበ-ረሲዓን ህግደፍ ኣጋጢሞምና። እዚ ቦታን ታሪኽን ፋሺሽታውያን ገዛእትን አጋንትን ክርዳድን ዝሓዘ፡ ጉጅለ ረሲዓን፡ ብዛዕባ ሕዝብን ሃገርን፡ ስለዘይዓጦ፡ ምእንቲ ሰላምን ምዕባለን ሠናይ ምሕደራን ኤርትራ ክሰርሕ ኣይከልን፣ ተልእኮኡን ዕላማኡን’ውን ኣይኮነን። ሕጂ’ውን ንትርጉምን ዕላማን ናጽነትና ጠንጢኑ፡ ጌና በቲ ፍረ ጀጋኑ በዓለ-ናጽነትና ንኽነግድን ዕለታቱ ከናውሕን፡ ንሕዝቢ፡ ብሕሩር ልቡ ናብ ጓይላን ዳንከራን፡ በስገዳድ ንቕርዓት የውጽኦ’ሎ፤ ግን ጉጅለ ረሲዓን ህግደፍን ከንቱነቱን ስለዝተቓልዐ፡ ዝሰምዖ ኣካል የለን። ኩሉ’ቲ ሰብኣዊ ጥዑይ ኣተሓሳስባ ዝወነነ ሰብን ሕዝብን፡ ተፈጥሮ’ውን ከይተረፈ፡ ብስቕታን ብዓውታን ይዋግኦ’ሎ፤ ኦሮማይ! ኢልዎ’ዩ። ስለዘይንሳሕ ድማ፡ ንምሸቱ፡ ክጉሓፍ እዩ። ሕዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ናጽነቱ ስለዘይተኸልከለ፡ ሕጂ’ውን ንስላምን ዲሞክራስን ዝኸልኦ ኣካል የለን።

ወዲ-ሰብ ኣብ ናጽነትን ሓርነትን እቲ ልክዕ ባህሩ ይግለጽ። ናጻን ሓራን ምዃን ማለት ክኣ፡ ኣብ ትሕቲ ልዕልና ሕጊ ምንባር ማለት እዩ። በዚ ድማ፡ ሰብኣውን ፖሊቲካውን መሰላት ዜጋታት ይውሕስን ይድረትን፤ ብሓደ ሓቢሩን ከተበዳደለን ንኽነብር የኽእሎ። ሕጊ እንተ ዘየልዩ፡ ሓርነት/ናጽነት ክህሉ ኣይክእልን (where there is no law, there can be no freedom – “Locke”)። እዚ ሕጊ’ዚ፡ ካብ ዘመናዊ “ቅዋም” ክሳብ ባህላውን ሃይማኖታውን ሕግታትን ስርዓትን የጠቓልል። ሕዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግዝኣተ-ሕግን ዲሞክራስን (ምሕደራ ሽም-ኃውን ምምቕራሕን ፍትሕን) ዝነበሮ ሃብታም ጥንታዊ ታሪኽ፡ ንሃንደስትን ጸሓፍትን ዘደነቐ እዩ። ከም ሕዝቢ ንናጽነቱ ኃያል ቃልሲ ክኸፍል ዝበቕዐ ድማ፡ ሰረቱ እዚ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪ ናጽነት’ውን፡ ብዝያዳ ዝተወቕረ ዲሞክራስያዊ ቁዋማዊ ስርዓት ተኺሉ ክመሓደር፡ መሰሉን ብቕዓቱን ነበረ። ራኺበ-ረሲዓን ህግደፍ ግን፡ ዓዘንጊዑ፡ ነታ ናጽነቱ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዘይኮነስ፡ ባርነት (ግዝኣተ ዓዋሉ) ኣውጁላ። ኤርትራ እታ መሰረታዊ ሕጊ ዘይብላ፤ ብሕገ-ዱር (ዊንታ ዕዋላ ውልቀሰብ) እትመሓደር ሃገር ኮይና። እቶም ካብ እንቛቕሖ ህግደፍ ወጺኦም ኪሓስቡን ክርእዩን ዘይቦቕዑ፡ ብ “ሀ-ሁ” ህግደፍ ዝተደናገሩ ዜጋታት፡ “ እሞ… ዶብን ልዑላዊ መሬትን፡ … እሞ ሲ.ኣይ.ኤን ወያኔን ….!” ክብሉን፡ ደጊሞም’ውን፡ “… ንሕና ንሰማዕታትና ሽምዓ ወሊዕናን፡ ባንዴራና ኣምበልቢልናን፡ ዓመት-ዓመት ነኽብሮም ኣሎና፡ ..” ዝብል ክደግሙ ምስትሰምዕ፡ ብጓሂ፡ “ናይ ብሓቂ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ክምዚ እንተዘይትኾኑስ፡ ናይ ህግደፍ ክትኮኑ ኣይምበቓዕኩምን” ኢልካዮም ትሓልፍ። “ምኽባር መሰልን ግዝኣተ-ሕግን ዜጋታት፡ ኣብ ዶብ’ዩ ዘሎ፣ ኣመሪካ/ወያኔ ከልኪሎምና” እዮም ዝብሉ ዘለው።

እቲ ብዙሓት ተብዓት ብውልቕን ብእኩብን ከም ጀጋኑ ጉ-15 (G-15) ዝወልዕዎ ቃልሲ ሓርነት፡ ተባሪዑ’ዩ፤ ህግደፍ ድማ ኣብ ዝተሓተ ናይ ትልኽ ደረጃኡ ወዲቁ። ቃልሲ ሓርነትን ዲሞክራስን፡ ብኽሉ ገጹ ዝባራዕ ቃልሲ እዩ። ነዚ መትከልን ኃይልን’ዚ ክኣስር ዝኽእል የለን። ብርግጽ፡ ኢሳያስን እቶም ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ዝነብሩ ዓቀይትታቱን፡ ንጀጋኑ ጉ-15ን ብዙሓት ካልኦትን፡ ኣብ ልዕልና ሕግን ሓርነትን፡ ንመትከሎም ስለዘይዓጸፉ፡ ንማእሰሪቲ’ውን እንተኾነ ጠጠው ስለዝበሉ፡ ኣብ ዒራዒሮን ካርቸሊን ካልኦት ቤትማእሰርትን: ክእሰሩ ክኢሎም። ንሶም፡ ንምኽሓድን ባርነትን ኣንጻር ሓርነቶምን ሰብኣውን ሃገራውን መትከሎን ምኻድ ድኣ’ምበር፡ ንማእሰርትስ ኣይፈርሕዋን። ስለዚ፡ ወላ ኣብ ጎዳጉዲ ይሃልዉ፡ ኣእጋሮም’ውን ብሰንሰለት ይተኣሰር፡ መንፈሶምን መትከሎምን ጌና ሓራ እዩ። ተዘክሮ እቲ “ዓወት ንሓፋሽ!!!” ዝብል ድምጺ ናይ ዝሓለፉ ሰማዕታት ብጸቶም ድማ፡ እቲ ዝጠዓመ ወኖም ዘለዓዕል ሃገራዊ ሙዚቆኦም እዩ። ብኣንጻሩ፡ ኢሳያስን ዓቀይቱን፡ ወላዃ ዝንቀሳቐሱ ሰባት እንተኾኑ፡ እቶም ናይብሓቂ እሱረትን መንፈስ ሓርነትን ናጽነትን ዝሓረሞምንስ፡ እዚኦም እዮም። ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዝሓድረሉ ገዛን ዝጓዓዘላ መኪናን እናቐያየር ይነብር ኣሎ፡ ኣይነበር። ኣንጻር ሰብኣውን ባህርያውን ሃገራውን መትከል ዝኸዱ፣ ጎደና ሰብ ገዲፎም ጎደና እንስሳ ንምኻድ ዝመረጹ፣ ንሕገ-ምሕሳብን ሓቅን ንገዛ ርእሶምን ዝዓፈኑን ዝኸሓዱን (betraying the mind, the truth that determine oneself)፣ ሓራን ናጻን ኪኾኑ ኣይክእሉን። ሓውሲ ዕጸ-ፋርሳት ሚዒጎምን፡ ካልእ እንስሳዊ ተግባራት ወሳሲኾምን፡ ንርእሶም እንተ ዘይኣደዓዒሶም፡ እቲ “ዓወት ንሓፋሽ!!!” ዝብል ድምጺ ሰማዕታት፡ እቲ ወትሩ ዘሳ ቕዮምን ዘባህርሮም ድምጺ እዩ። ብርግጽ ብሚዛን እንስሳዊ ባህሪ፡ ኢሳያስን ህግደፋውያንን ስለዝኣሰሩ ዕዉታትን ናጽን ክበሃሉ ይኽእሉ፤ ሰብ ግን እንስሳ ኣይኮነን፤ ፍልስፍናዊ መትከል ዓቲሩ፡ ንሳሕል ዝወረደ እንስሳ’ውን ኣይረኣናን። ልዕል ኢለ ክምዝጠቐስክዎ፡ ወዲ-ሰብ ኣብ ናጽነትን ሓርነትን እቲ ልክዕ ባህሩ ይግለጽ። ስለዚ እቶም ዕዉታትን ኣብ ሓርነት ዝነብሩን እቶም ጀጋኑ ናይ ፖሊቲካ እሱራትና እዮም።

2)    መዓልቲ ናጽነትና፡ ናይ ሓበናን ተሓድሶናን ዕለት እውን እያ፡

ሃገር ማለት ሕዝቢ እዩ፤ ሕዝቢ ድማ፡ ኣብ መሬቱ፡ ብሕጉን ወከልቱን ይመሓደር። ብፖሊቲካዊ  ኣገላልጻ፡ ንናጽነትና ብሃገራዊ ናጽነት ኣጠቓሊልና ንሰምዮ፤ ከመይ፡ ኣብ ሃገር ተጠሪፍና ስለንነብርን፤ ሃገር ድማ እታ ንናጽነትናን ሓርነትናን እተውሕስን እትገትእን ቀዳመይቲ ኣካል (the principal agent) ስለ ዝኾነት። እዚ ኣብተን ብልዕልና ሕግን ዲሞክራስን ዝመሓደራ ሃገራት ብቐሊሉ እንዕዘቦ ሓቂ እዩ። መሰረት ሃገራውን ማሕበራውን ናጽነት ድማ፡ ሰብኣዊ ናጽነት/ሓርነትን ንቕሓትን እዩ፤ ከመይ ውልቀ ዜጋ ሓርነት ናጽነትን ከይለበሰ፡ ሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን አይረጋገጽን። ፖሊቲካ’ውን፡ ብባሪኡ ሕዝባዊ ስለዝኾነ፡ ካብ ሕዝቢ ተነጺሉ ዝህሉ/ዝኸይድ ፓሊቲካዊ ውድብ፡ ሕዝባዊ ተልእኮኡ ኣብ ሕቶ ይኣቱ። ዲሞክራስን ቅዋማዊ ትካልን ኣብ ምርግጋጻ እነካርዶ ቃልሲ፡ ከም ሓደ ግንባር ጥራሕ ገርና ክንመዝኖ ኣይግባእን፤ ማዕረ-ማዕረ እቲ ዝተቓልዐ ዲክታቶራዊ ህግደፍ፡ ሓድነታዊ ባህሪ ውልቀምኪ ዘለዎም፡ በባቑላኦምን ባህሮምን ኢዲሞክራስያውያንን ዝኾኑ ኣብ ደምበ ተቓውሞን ሕዝብን ምህላዎምን ዘይምህላዎን፡ መድረኽ ፈጢርና፡ ብኣጋኡ ክነረጋግጾ ዘሎና ጉዳይ እዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ውን፡ ኣብዚ ክበጽሕ ዝኸኣለ፡ “ብስም ናጽነትን ዲሞክራስን መሰልን” እናደናገረን፡ ዘገልግልዎ ሰባት ድሩታት ዓቕሚ እናዋህለልን፡  ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግባእን።

ሰላም ኣብ ውሽጥና ሰላም ምስ ጎረባብትና፡ ብጽኑዕ ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ጽቡቕ ምሕደራን ክረጋገጽ ይኽእል። ነዚ ዘውሕሱ ድማ ዜጋታት ስለዝኾኑ፡ ዜጋታት ክንሃንጽን፡ ፖሊቲካውን ሞራላውን ንቕሓት ዜጋታት ከነዕብን ኣገዳሲ ይኸውን። ከም ኣተሓሳስባ ኢሳያስ፡ ውሕስነት ኣገር፡ ኣጽዋርን ቁጽሪ ወተሃደርን እዩ፤ ዕንወቱ ድማ ንዕዘቦ’ሎና። ሽግር ናይ ሃገር፡ ካብ ሓደ፡ ንገዛእ ዝርሱን፡ ኣፍልጦ መሰላቱን ግቡኣቱን ግብረ-ገብነትን ዘይውንን፡ ንቅሓቱን ተርድኦኡን ድሩት ካብዝኾነን ዜጋ ይበቁል። ከምኡ፡ ብስም ሕዝቢ ምስራሕን ንሕዝባዊ ባህሪ ፖሊቲካን መዝነትን (public office, politics) ሚዛኑ ምፍላጥ የድሊ። ንኣብነት፡ ሓደ ዜጋ፡ ብገዛእ ፍቓዱ ብህግደፍ ኮነ ብውልቀ መራሒ ውድብ፡ ከም እንስሳ ተኾኪቡ ዝኸይድን፡ ግዲ ስርዓትን ሕግን ዘይዓጦን ምስዝኸውን፡ እዚ ዜጋ’ዚ፡ ናጻ/ሓራ ኣይኮነንን፡ ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ካልኦት ክቃለስ’ውን ኣይኽእልን። እዃድኣ፡ ናይ ብልሽውና ቀንዲ ኣሳለጢ ይኸውን። ውልቐመለኽቲ እምበኣር፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ መድረኽ እዮም ዝዓኹን ዝስውዱን። ፍላስፋታት፡ “ሓደ ሰብ ንሓደ ነገር ተዓሚቱ ዝቕበል እንድሕሪ ኮይኑ፡ ዓሻ ጥራሕ ኣይኮነን፤ እንታይ ድኣ፡ ነቲ ብናጻ ናይ ምሕሳብ፡ ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ዕድሉ’ውን ይኽሕድን ይነጽግን” ይብሉ። ከመይ፡ ሓቒ (ናጻ ኣተሓሳስባ)፡ ናጻ እያ፣ ንባዕላ ጥራሕ ትምእዘዝ።ብናጻ ክንሓስብ ዘድልየና፡ ብናጻ ንስለምሕሳብ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣድላይ ስለዝኾነን፡ በዚ መሰረት’ዚ ነተሓሳስባና ክንትግብር ኣገዳሲ ስለዝኾነን እዩ። ስለዚ እዮም እምበኣር ውልቀ-መለኽቲ (tyrants) ኣብ ልዕሊ ናጻ ኣተሓሳስባን ሓቅን፡ ዓብይ ጽልእን ፍርሕን ዘለዎም፤ ናጻ ኣተሓሳስባን ብቅዓትን ንዝውንኑ፡ ብዓይኒ ሓበራዊ ረብሓ ንምጥማት ዘይክእሉ። ብምፍራ ስሓባራዊ ረብሓ ድማ፡ ፖሊቲካ (solidarity, accepting to be selfish together) ይፈርስ።

ኣብ ሃገር ተጠሪፍና ምንባርን ዘይቕየር ፖሊቲካዊ ባህርና ክሳብ ዝኾነ፡ ቃልስና ድማ ቀጻሊ ኪኸውን እዩ፤ ቃልሲ ኣንጻር ህልዋን ውልቀ-መለኽትን መጻእቲ ውልቀመለኽትን፤ ቃልሲ ንምውናን ግዝተ-ሕግን ሰላምን፤ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነትን ድንቁርናን ሞራላዊ ንድየትን ብልሽውናን፤ ቃልሲ ንህንጸት ዜጋታት። ስለዚ፡ ብድዐን ትዕቢቲን ተበላጽነትን ንረሲዓን ህግደፍ ገዲፍና፡ ንታሪኽን ሕድርን ጀጋኑ ኣያታትናን ኣቦታትናን (ክልቲኡ ጾታ) ንምትጋባር፡ ሓላፍነትና እዩ። ጉዕዞ መምህር እዩ፤ ኣብ ከይዲ ዘይመሃር ድማ ኪህሉ ኣይግባእን፤ ግን ግዜ ይቕድመና ስለዘሎ፡ ዳግማይ ከይንጉዳእ፡ ክንስከፍን ርእስና ክንምርምርን የልየና። ናጽነትና፡ ሃገራዊት ክብረ-በዓልና ጥራሕ ዘኮነትስ፡ ሕጂ’ውን ተስፋናን መድረኽ ተሓድሶናን እያ።

ዶ/ር ክብር-ኣብ ይሥሓቕ (ለንደን)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • ahmed saleh May 23, 2013

    Recently , many good Eritreans who possess compassion for their people started to speak-up , I think
    it the time before too late . They have begun laying out ideas and their first hand witness to raise
    awareness of the dangers our country facing . Regardless the blinded puppets who deny that alternative
    visions still exist among us , make sure with confidence that we believe in possibility that Eritreans
    inside the country could be better on other hands than the thugs they have .
    WE CAN AFFORD TO BETRAY OUR MARTYRED BROTHERS AND SISTER AND WE VOW FOR THEIR PROMISE .

  • Ghenet May 23, 2013

    Dr Kebreab,
    Well said. Now more than ever we need to look at ourselves and find it in us to focus on our common goals instead of on our differences. We have to priortize our goals and understand that our common main focus is to save our people and our country. We eritreans deserve better and we have to unite to get back our identity- identity of proud and peace loving people.
    However, we have to act now before it is too late. The rate of deterioration of the lives of our people is increasing by the minute.
    Thank you Dr.

  • Tes May 23, 2013

    Well said Dr. Great and timely article keep up the good work.

  • Daniel Teclegiorgis May 23, 2013

    ክቡር ዶር ክብረኣብ ናይ መዓልቲ ናጽነት ጽሑፍካ “ራኺበ-ረሲዓን ህግደፍ ግን፡ ዓዘንጊዑ፡ ነታ ናጽነቱ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዘይኮነስ፡ ባርነት (ግዝኣተ ዓዋሉ) ኣውጁላ። ኤርትራ እታ መሰረታዊ ሕጊ ዘይብላ፤ ብሕገ-ዱር (ዊንታ ዕዋላ ውልቀሰብ) እትመሓደር ሃገር ኮይና።” ኣብ ዝብል መልእኽቱ ምስ ትንታነ መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድን፡ ናይ ተስፋይ ተምነዎ ጸብጻብን፡ እንተተነጻጺሩ እዚ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ፡ ንጣዕመ ልሳን -ህግደፍ- ንበሎ፡ ድሕሪ ናጽነት ከም’ቲ ዝበልካዩ “ዓዘንጊዑ” “ባርነት (ግዝኣተ ዓዋሉ)” ዝኣወጀ ይመስል ድዩ? ጌጋ’ኽለኣለይ’ምበር ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ነዊሕ ሱር ዘለዎ’ዩ ዝመስል። ኣይመስለካንዶ? ከምኡ’ውን ንጽባሕ ብተስፋ ንምጥማት ድማ፡ ነቲ “ሕቶ ወዲ ዓሊ ሕቶና’ዩ” ዝበሃለሉ ዘሎ ናይ ጽባሕ ኣጠማምታ፡ ምስ’ቲ ዘሎ ኣገዛዝኣ ብኸመይ ተዛምዶ? ሕቶ ወዲ ዓሊ’ሲ መን ክምልሶ ትጽቢት ምስ ተገብረሉ’ዩ ሕቶና’ዩ ዝበሃል ዘሎ? እዚ ግዝኣተ ዓዋሉ ዝበልካዮዶ ወይስ ካልእ መላሲ’ሎ?

    • K. I. Welde May 23, 2013

      ሰላም ዳንኤል ወ/ጊኦርጊስ፡ ንሃናጺ ርኢቶኻ ኣበስግን። ከምዝተገንዘብካዮ፡ 1) ሓቕኻ ህግደፍ ስሙ ጥራሕ እዩ ሓዲሽ፡ እምበር ናይ ቀደም እዩ። 2) እቲ ሕቶ ወዲ ዓሊ፡ ብመሰረቱ ሕቶ ሕዝቢ ኮይኑ ስለ ዝርደኣኒ፡ ሕቶና’ዩ፤ እቲ ነዚ ዝምልስ ሕዝቢ’ምበር እቲ ዘሎን ጠንቂ ኹሉን ዝኾነ ህግደፍ ኪምልሶ ኣይክ እሎን እዩ። ተስፋ እገብር እቲ ሓሳበይን ኣጠማምታይን ገሊጸላክ ኪኸውን።

      • Daniel Teclegiorgis May 24, 2013

        ክቡር ወልደ ሓሳብ ምልውዋጥ ምእንቲ ክንጽረልና ስመይ ኣስተባህለላ ኢኻ! ዝኾነ ኾይኑ “እቲ ሕቶ ወዲ ዓሊ፡ ብመሰረቱ ሕቶ ሕዝቢ ኮይኑ ስለ ዝርደኣኒ፡ ሕቶና’ዩ፤” ዝበልካዮ፡ ምናልባት ምህልላና’ዩ እንተዝበሃል መልእኽቱ ምነጸረ’መስለኒ። ወተሃደር ዝመርሓ ምህልላ ድማ ወለ’ዝጊ’ኳ ነይቅበላ። ሕቶና’ዩ ክበሃል እንተተደልዩ ግን፡ እቲ ሕቶ ናብ ህዝቢ ዘይኮነ’ስ ናብ መንግስቲ’ዩ ቀሪቡ ምባል ጌጋ ኣይመስለንን። ንመንግስቲ ኣይቀረበን ሕቶ ወዲ ዓሊ ክበሃል እንተተደልዩ ድማ መን’ዩ ንመን ክሓትት ዝደሊ ዘሎ? ድላይናኸ እንታይ ይብላ’ሎ? ዝኾነ ኾይኑ ሕቶ ወዲ ዓሊ እንታይ ይብል ኔሩ ንኣኻ ገዲፈ፡ ከም ርኢቶይ ክሳብ ዓሰርተ ዝቑጸራ ታንክታት ኣምሪሑ፡ ክሳብ 100 ዝፍቀዱ ዕጡቓት ኣሰሊፉ ናብ ፎርቶን ኣርያፖርቶ-ሰምበልን በጺሑ **ሕቶታ…*** ሓቲቱ ተመሊሱ ዝብል ጸብጻብ፡ “ክበልዕዎ ንዝደለዩ ኣባ ጉምባሕ’ሲ ዛግራ’ብልዎ” ዝብል ምስላ የዘኻኽረኒ። እቲ ብስም መሪሕነት ወዲ ዓሊ ተፈጺሙ’ዩ ዝበሃል ፈተነ “ኣራሚ-ምንቅስቓስ” ድማ ነቲ ምስ ደርግን ወያነን ዝገጠመ ጅግና’ሲ ኣብ ሎሚ ተበጺሑ “ልኡኽ ሓሊቦ (ምስላ)” ዝመስል ዕዮ ገዛ ከተሰክሞ ምፍታን ናይ ጥዕና ኣይመስለንን ንኣይ። ተጋግየ’ውን ክኸውን’ኽእል። ብዘይ ቃል ዓለም ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ገመድ ክንጥልጠል ዝፍትን ናይ ደለይቲ ለውጢ ኣተሓሳስባ ግን ይገርመኒ’ሎ ክብል’የ ዝፈተንኩ ወልደ ሓወይ። ቡሩኽ መዓልቲ ይግበሮ!

    • belay nega May 25, 2013

      Daniel Teclegiorgis

      “መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድን፡ ናይ ተስፋይ ተምነዎ ጸብጻብን፡ እንተተነጻጺሩ”
      As anyone who is converted ,these two guys are very fanatic.
      They can say anything, to prove their loyalty to the so called oppositions.
      They are like any [WATA] who first studies the psychological makeup of his audience,and keep on coming up with funny funny staffs.
      I myself do not expect much from guys, who give the B word to their mam to make happy the neighbors.

  • Daniel Teclegiorgis May 23, 2013

    ክቡር ዶር. ክብረኣብ፡ ሓደ መዓልት’ሲ ኣብ (ጥቓ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ዝርከብ) ቤት ትምህርቲ ፍረ ሰላም ምስ ዝምህሩ መምህር ኣብ መንገዲ ተራኽብና። ሰላም መምህር እንታይ ደኣ ሓሳብ ዘብዛሕኩም ትመስሉ፡ ተመሃሮ ምጽናዕዶ ይኣብ’ዩ’ለዉ’ዮም? ዝብል ዘረባ ናይ ሃውሪ ኣቐደምኩ። መምህር ድማ እንታይ ክዓብሰሎም ከጽንዑ፡ ኣነ’ሲ፡ ቀደም ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳን ጆርጆ’የ ተማሂረ፡ ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን እንተረቢሽና ንእሰር’ሞ፡ ኣብ’ቲ ቤት ማሕቡስ ናይ ስታላ (ከብቲ)ዒባ ንጸርግ፡ ጀራዲን ንኹስኩስ፡ ሽዑ ጸባ ንሰቲ፡ ኣሕምልቲ ድማ ንበልዕ ኔርና። እዞም ኣነ ዝምህሮም ዘለኹ ቆልዑ ግን ከም’ቲ ቀደም ኣነ ዝእሰረሉ ዝነበርኩ ዕድል’ኳ ኣብ ቅድሚኦም ዘይረኣዮም’ሲ እንታይ ክዓብሰሎም ከጽንዑ። ዝበሉኒ ዘረባ ከም’ዛ ሕጂ ዝሰምዓ ዘለኹ ኮይና ትስምዓኒ። ስለ’ዚ መዓልቲ ናጽነት ናይ ኤርትራ ናይ ተስፋ መዓልቲ ከም ዝኾነ ምስ ጽሑፍካ እሰማማዕ’የ። እንተ ብዛዕባ “ሓበን” ዝብል ቃል ግን ክሳብ ሕጂ ዘሐብን ኣይረአኹን ኣነ። አረ ገለ ገለ ዜጋታት’ሲ፡ 20ዓመት ንዓያሹ ሓበን ንለባማት ሓዘን’ውን ክሳብ ምባል በጺሖም’ዮም? እዚ’ውን ይሓልፍ ዝብል መልእኽቲ መንእሰያት ኣብ ጉዕዞ ሲናይ’ውን ዘይሰማዕካዮ ኣይመስለንን። ዝኾነ ኾይኑ ንተበግሶኻ ምስጋናይ እገልጸልካ። ቁሩብ ግን ንእዋናውነት ዘንጸባርቕ ምሩጽ ቃላት ካባኻ ስለዝተጸበኹ’ዩ እዚ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ዝደገምኩልካ። ልዕሊ ኹሉ ድማ መስዋዕቲ ዝበዝሕ መልክዕ ናጽነት ከድምቕ ዘይኮነ ሕመቕ መሪሕነት ከንጸባርቕ ከምዝኾነ ካባይ መዘኻኸሪ ትደልየሉ ሓዲሽ ዛዕባ ከምዘይኮነ ኣይጠራጠርን። ስለ’ዚ ደም-ስዉኣትን ሕድሪ-ስዉኣትን ዝብላ ቓላት ኣወዓዕለአን ውዑይ ደም ንኸይፈስስ ምስ እዋን ዝበላሓት ሓዲሽ ሓሳባት’የን ዝደልያ። ምስ ሰላምታ!

    • K. I. Welde May 23, 2013

      Many thanks,bro.

    • Kabbire May 23, 2013

      ዝኸበርካ ዳኒኤል
      ምስትውዓልካን ልቦናኻን ይሃበና ። ካብ ስምዒታዊ ሰልሚ ይሰውረና። ብልዙብ ቃላት ከም ዝበልካዮ ” ምስ እዋን ዝበላሓት ሓዲሽ ሓሳባት’የን ዝደልያ። “

  • Slehizbi Eritrea May 23, 2013

    Well articulated,emotional and acadamical article. Thank you Dr Kibreab Esak.

    • Salim May 23, 2013

      In what way ‘ emotional ‘ ?

      • Salim May 23, 2013

        Hangol zeyblu zereba maletka dyu? kbur Dr nguday dob aqalilu kem zr’y astebhilnalu alona:: ab tushtush Woyane atyu bzaEba demokrasi ysebK kem zelo ‘wn r’inayo alona:: ‘mo barya de’a nnebsu Hara zeyewSe’e kemey gieru ‘yu nhzbi Eritrea neSa kewS’aka ‘ye zbl?? Kbre-ab kadre Woyane ‘yu zTEm, do ‘mber Ertrawi ‘yu ke ?

        HawKum Salim

        • Salim May 23, 2013

          “ሰላም ኣብ ውሽጥና ሰላም ምስ ጎረባብትና፡”

          dotere abzi ashkaElal tgebr aloKa:: kkkkkkkkkkkkkkk!!! wedi akele SaEda Sela’i ab l’Ulawi meriet Eritrea kof ilu ‘nkelos bzaEba ” selam ms gorebabtna ” ktmdrs aytHafrn diKa???

          kkkkkkk!! You are funny.

  • Hazhaz May 23, 2013

    Daniel T,
    I liked your short but intelligent comment. Thank you also for your recent writing in asmarino: ሸዋ ዘ’ልዋ ትብል ጽዋ ክሳብ መኣስ’ያ ተስክር ብዘይ ስዋ?

    http://tig.asmarino.com/tig/articles/1612-2013-05-18-22-16-02

    I wish Assenna had posted it here.

  • Kabbire May 23, 2013

    መጻኢ ኤርትራ writes on May 23, 2013

    NEW HOPE ERITREA,

    ” … ብናትካ ጽሑፍ ግን ክስሕቕን ከስተንትንን ጀሚረ ወዮ ምንባብ ክገድፎ ዝሓሰብኩስ ኣባራቢርካኒ። እቲ ርእይቶኻ ርእይቶ ብዙሓትዩ
    እቲ ጸገም ሰብና ዝባንካ ሰብ ኣይራዮ ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ ብካልእ ኣዘራርባ (ጽንዓት)እዩ። ኣጉል ጽንዓት
    ጽሑፍካን ግጥምኻን ውሃ ዘብል እዩሞ ኣይተቑዋርጽ። “

    • Salim May 23, 2013

      KABBIRE=NEW HOPE=MERZAM TIGRAWAY,

      mestyat Hizka ms nebsKa aytzareb, keytSlel — dro teSelilka aloKa ‘nte zeykonka!!!

  • Salim May 23, 2013

    Dear Dr Kbre-ab,

    “ኣብ ከይዲ ዘይመሃር ድማ ኪህሉ ኣይግባእን፤ ግን ግዜ ይቕድመና ስለዘሎ:: ” — ዶ/ር ክብር-ኣብ

    1) In stead of ” keydi” ( Agamegna) you should have used ” mesrH” (Tigrigna).

    2) The correct spelling of your name is KBRE-AB , not Kbr-ab.

    Hawka Salim

  • Salim May 23, 2013

    Dear Dr Kbre-ab,

    “ኣብ ከይዲ ዘይመሃር ድማ ኪህሉ ኣይግባእን፤ ግን ግዜ ይቕድመና ስለዘሎ:: ” — ዶ/ር ክብር-ኣብ

    1) In stead of ” keydi” ( Agamegna) you should have used ” mesrH” (Tigrigna).

    2) The correct spelling of your name is KBRE-AB , not Kbr-ab.

    Hawka Salim

POST A COMMENT