Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓገብስ ንመስከረም ደኣ፡

ዓገብስ ንመስከረም ደኣ፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ነገራት ተሓቒኑ ዝጽዕየሉ፣ሕቡእ ታሪኽ ብኩሉ'ኳ እንተዘይኮነ ንቃልዕ ዝወጻሉ፣ስርዓት ህግደፍ ጉዱ ተቐሊዑ ብውሽጥን ግዳምን ዝተፈንፈነሉ መደርኽ ኢና በጺሕና። ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ህግደፍ የወጻጸኣኒ፥ተቃውሞ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከውዕሎ ይኽእል ብዝብ ል መምርሒ

ዓገብስ ንመስከረም ደኣ፡

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ነገራት ተሓቒኑ ዝጽዕየሉ፣ሕቡእ ታሪኽ ብኩሉኳ እንተዘይኮነ ንቃልዕ ዝወጻሉ፣ስርዓት ህግደፍ ጉዱ ተቐሊዑ ብውሽጥን ግዳምን ዝተፈንፈነሉ መደርኽ ኢና በጺሕና።

ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ህግደፍ የወጻጸኣኒ፥ተቃውሞ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከውዕሎ ይኽእል ብዝብ ል መምርሒ ዝተኸሎ ፖሊሲ እንተኾነ፤ ሳላ ገለ ግዱሳት ዜጋታት ብጻዕሮም ዘሳለጥዎ ምዕቡል ናይ ሳይበር ቴክኖሎጆ፡ሰባት ካብ ጻት ናብ ጻት ኣብ ሓንቲ ደ ቒቕ ተራኺቦም ሓበረታን፡ተመኩሮታት ክለዋወጡ፡ሃናጺ ጽሑፋት ከውጽኡን ክነቓቐፉን ክረዳድኡን ብምኽኣሎምዩ።እዚ ምዕቡል ኣገባብዚ ብቀሊሉ ክጥርነፉን ፍልጠት ሰኒቖም፡ተረዳዲኦም ምጥርጣር ኣርሒቖም ብነጻ ክዛረቡ ኣጀሚሩዎም።ተኣማሚኖም ክዛረቡ ስለዝጀመሩ ከኣ፡መን ከምዝኾነ ጸላኢኦም ኣዳዕዲዖም ፈሊጦም፡ናብዚ ሕጂ ዘሎናዮ መደረኽ ለውጢ ተሰጋጊሮም።

ኩሎም ናይ ቴክኖሎጂ ኣገባባት ማለት ራድዮ፡ዌብሳይት፡ፌስቡክን ካልእን ኣቀላጠፍቲ ለውጢ ጥራሕ ኣይኮኑ ን።ከምቲ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ከይፈልጥ ዓለም በጺሓቶ ዘላ ምዕባለ ከይራኸብን፡እቲ ቴክኖሎጂ ሳይበር ዝህቦ እወንታዊ ከይካፈል፡ከይሰምዕ፡ከይር ኢ፡ከይፈልጥ ሓበረታ ከይረክብ ልክት ዘበሎ ዘይኮነ ናቶም ሃሳይነት ኣለዎም።ኣዚ ሃሳይነትዚ ክእለን ክመሃደርን ዝኽእልዩ።ግን ገለ ዌብሳይት ኣይምስቲ ተቃውሞ ኣስሚዑ ናብ ለውጢ ዚቋመት ኣይምስቲ ዓማጺ ስርዓት ላንጋላንጋ ባህሪ ኣለወን።

ብዛዕባ ፖለቲካዊ መርገጽ ክዛረብ ኣይደለኹን።ብዛዕባ ዘመሓላልፈኦ መልእኽቲዩ።ዝኾነ ይኹን ኣብ መንጎ ህዝብታት ግጭት፡መሰል ሰባት ክሕልዋ፡ዝኾነ ይኹን ኣጸያፊ ተግባራትን ቃላትን ከይጥቀማ ብሕጊ ተቐይደንየን ዚሰርሓ፡ዝኾነ ይኹን ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ከኣ ናቱ ኣገባብን ሕግን ኣለዎ።ኣብ ዘይቶኽታኺ ነጻን ንጹር ዝኾነ ሓበረታ ከስንቓ ዝኽእላሉ ሓላፍነት ተቀቢለንየን ዝሰርሓ።

መስከረም ኔት ግን ዶብ ዝሓለፈ መሰል ሰባት ዝግህስ፡ዘይሓላፍነታዊ ጸለመታት ን ኣንበብቲ ተኣንግድ።ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብ ኣቶ ቀለታ፡ኪዳነ መስከረም ኔት፡ብዘይ ፖለቲካዊ ሻራ ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ብምባል ኣሞጊሱን ኣቀናጀው ጽሒፉ ኔሩ።ኣብቲ ዓምዲ መስከረም ኔት ግን፡ፍቓድ ዘይተወሀባ ስእሊ ለጢፋ ” ወልዱ ተኽለ መንዩ ” ዝብል፡ንብሕታዊ መሰል ዜጋ ( privacy ) ዝግህስ ኣቕሪባ።ምናልባት ንገለ ዘሀጉስ ይኸውን።ብዓይኒ ክብርን ምሕላው መሰል ግን መስከረም ኔት፡ዘይውሕሉል፡ዘይእዱብ፡ዘይሞራላዊ ስራሕዩ ሰሪሑ።ንሓደ ሰብ ወላ ተሪር ይኹን ምላሽ ምሃብን፡ካብ ዋን ኡ ፍቓድ ዘይተወሃበካ ስእሊ ምልጣፍ ዝተፈላለዩ፡በዚ ከኣ እቲ ክኽተሎ ዘለዎ መስመር ፕረስ ዝጠሃሰ መስከረም፡ንወልዱ ተኽለ ንሞት ፈሪዱዎ ወይ ንገለ ቀሊል ኣኣምሮ ዘለዎም ኣቃሊዑዎ ማለትዩ።

ከምቱ ተከታታሊ ዘንበብኩዎ ወልዱ ተኽለ መሰረታዊ ለውጢ ዝምነ ኤርትራዊ ወለዶዩ።ቃላቱ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕሉፍ ዘጋጠሞን ሕጂ ዘጋጥሞ ዘሎ ሕሰም ዘቃልሕዩ።ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝግበሮ ነቲ ሃቂ ኢሉ ዚኣመነሉ፡ሰባት ክብሉኒ ክክዕቡኒ ከይበለ ዘስፍር ነጻ ሰብዩ።እዚ ነጻነትዚ ውቅያኖስን ምደረበዳ ኣቋሪጹ ዝረኸቦ፡ኣብ ነጻ መሬትን ሃገርን ኮይኑ ዘድምጾ ዝኾነ ይኹን ክኽልክሎ ዘይክእልዩ።መስከረምን erigazzetta org ጽሑፍ ወልዱ ከይቅበላ ምእንጋድ ክ ኣብያ ይኽእላየን።ባሕርን ውቅያኖስ ምስ ምድረበዳ ሰጊሩ ዝረኸቦ ብነጻ ርእይቶኻ ናይ ምግላጽን ምስ ሰባት ናይምእካብ መሰሉ ክምንጥለኦ ኣይክእላን።

ስለዚ ናይዘን ዌብሳይት ኣብ ነጻ ሃገር ርእይቶካ ብነጻ ኣብተፍስሰሉ እናነበሩ፡ነቲ ርእይቶ ወልዱ ክቆጽዩ፡ከካፍ ኡ፡ካብ ሰባት ክንጽሉ ምግባሮም እቲ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ስራሕዮም ተጠቂሞም።ፖለቲካዊ ሳርነቶም ቁልጭ ኣቢሎም ይሕብሩ እንዳ መስከረም ነት።

ካብቲ ሓደ ከም ክሲ ኣቕሪቦምሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ካብትን ካብዝን ኣራርዮም ባውራጃነት ከሲሶም።ግን ወልዱ ክሳብ ክንደይ ፍሉጥን ውሩይን ናይ ፖለቲካ ሰብ ኮይኑዩ ክንድዚ ስግ ኣት ፈጢሩሎምስ ካብ ሎሚ ክርምስዎ ዝጽዕሩ።ንሱ ከም ሃገሩ ተጠርኒፉ ዝቃለሰሉ ባይታ ይህልዎ ይኸውን፡ግን ናየናይ ሰልፊ መራሒ ወይ ኣየናይ ስልጣን ተዋሂቡዎዩ ክንድዚ ጸርፊ።ኣየናይ ህዝባውን ማሕበራውን ሓላፍነት ተዋሂቡዎዩ ባውራጃነት ዝኽሰስ።ኣብዚ ዘሎናዮ መዋእል ቃልሲ ናይ ጀበርቲ ምንቅስቃስ፡ናይ ሳሆ ምንቅስቃስ፡ናይ ኩናማ፡ናይ ዓፋርን…….ካልእን ኣሎ።እዞም ምንቅስቃሳት ኣዚኦም ካብ ብቃላት ሃሊፎም ናብ ወተሃደራዊ ምንቅስቃስ ሰጊሮም።ንባዕሉ እቲ መስከረም ነት ድፋዕ ዝኾነሉ ፖለቲካ ህግደፍውን ወገናዊዩ፡ናቱ ኣራኣእያ ንዘለዎም ጥራሕዩ ዝሕብሕብ፡ናይ ካልእ ሰልፊ ይኹን ኣረኣእያ ኣይጸውርን እዚውን ካብቲ ሃደ ምውጋን)።ብዘይካ ኡ ኣብ ሰራዊት ህግ ዚነበረ ኣውራጃዊ ኣወዳድባ በቲ ውድብ ዝሓለፉ ዝጸሃፍዎ )ኣንቢብና።ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ክውቀሰን ክጽረፍን ዝግበኦ ጸላኢ ፍቕሪ፡ጸላኢ ዲሞክራሲ ጸላኢ ሰላም ህዝብታት ዝኾነ ህግደፍ ገዲፉ ምስ ወልዱ ምጥምጣማ መሪጾም እንዳ መስከረም።

ንምዃኑ ኣውራጃዊ ከመይ ኢዩ።ኣውራጃ ናይ ሃደ ከባቢ ንምምሕዳር ተባሂሉ ዝተሃንጸጸ ከባቢምበር ናይ ዓሌትን ደምን ኣይኮነን።ምናልባት ድሕሪ ግዜ እዚ ሃደ ምምሕዳር ናብ ፍሉይ ባህልን ናብ ጥሙር ዝኾነ ማሕበራዊ ኣሰርርሃ ይቕየርሞ ካብዚ ፍቕሪ ምትእስሳር ክመጽእ ይኽእል። ኣብዞም ዚሓለፉ ዓመታት ቃልሲ፡ብፍላይ ኣብ ውድብ ህግ ንወዲ ኣከለ ጉዛይ ጥራህያ ተዋሂባ ኣውራጃውነት።ገለ ሰባት ከም ኃጢኣት ፈሪሆማ፡ኣውራጃውያን ከይበሃሉ ዘይፈልጡዎ ቃልን ስራሕን፡ምስ መዳምዕቶም ምስ ፈለጦም ከየተረፈ ብማዕዶ ማዕዶ ምጥምማት መሪጾም።ብሓጺሩ ምስ ወዲ ኦኣድኻ ሳሂ ምስታይ፡ምስ ወዲ ከባቢ ምዝዋር፡ገዛካ ምእንጋድ ወይ ገዝ ኡ ምዃድ ኣውራጃነት፡ከምቲ ባህልና ዝጠልቦ ጓል ኦኣደይ መኦኣብይተይ ኢልካ ዝተመርዓካያ ከይተረፈ ኣውራጃዊ ይበሃል።እዚ ዝገበረ ወዲ ኣከለ ጉዛይ ጥራሕዩ ዝጽረፍ።ደቂ ካልእ ከባቢ ኣዚ ምስዝገብሩ ግን ዝወቕሶም የለን።ባህሊ ኮይኑ ዝቐጸለ፡መበገሲኡ እቲ ናቱ ኣረኣኣያ ዘለዎም ዝሕብሕብ ፈላላይ ኣሰራርሃ ዘለዎ መሪሕነት ኢሳያስዩ።ቀጺሉ ንዝተቃወምዎ ኩሎም ባውራጃነትዩ ኣጥፊኡ፡ሰማዒ ከኣ ረኺቡ።እታ ሃደ ግዜ ዘዐወተቶ ኣውራጃነት ግን ክትቅጽል ኣይከኣለትን።እቲ ሕማም ኣብ ዘይምሁርን ናይ ፖለቲካ ኣፍልጦ ዘይብሉ በጺሃ ስለዝነበረት ከኣ፡ኩሎም ተወዲቦም ዝሰርሒ ፈለማ ንወቐሳ ዝጥቀሙላ ኣውራጃዊ፡ሰባት ንምጉጅጃል ዚትቀሙላ ኣውራጃዊ፡ተቃውሞ ዘስምዑ ኣውራጃዊያ።ሃደ ሰብ ህዝባውን ማህበራውን ሃላፍነት ክሳብ ዘይተወሃቦ ድላዩ ዚመሰሎ ክስረሕ መሰሉዩ።ካብ ኣህዋቱ ንዝፈለዮ ይቕርብ ይጎንዕ።ስለዚ ንውልቀሰብ ባውራጃውነት ምክሳስ ካልእ መረዳድ ኢ ቃላት ዝተሳእነካ ምኳን ጣርሕዩ ዘብርህ።

ወልዱ ናይዚ ብዙሕ ሕንትርኽራኽ ተርእዮ ዝረኣየሉ ወለዶ ስለዝኾነ፡ንገሊኡ በቲ ናቱ መረዳእታ ወይ ብመረዳእታ ብዙሓት ጠሚቱ ርእይቶ ክህብ ይኽእል።እዚ ርእይቶዚ ንካልእ ዘይቅቡል ይከውን።ርግጽ ሃሳብን ሰባትን ክራከቡ ክጋጨውን ክረሃሃቁን ይኽእሉ ግን፡ንምርድዳእ ዝሕግዙ ብዙሕ መንገድታት ኣለው።እቲ ግጭት ናብ ህዝቢ ከይልሕም ፡ብህድ ኣት፡ብልዙብ ቃላት ቀስ ኣቢልካ ክመዓደሉ ዝኽእል ገዲፍካ መሸንጎጋ ምድርባይ፡ናበይ ዚወስድዩ።እንተደኣ ርእይቶኡ ንዝጸሓፈ እዚ መሸንጎጋ፡ክሳብ መፈራርሂ ቃላት ዝድርበዮ እንተኾይኑ ደኣ ናብ ዘበን ህግደፍን ናብ ኣሰራርሓኦም ንምለስ ኣሎናምበር ኣየናይ ናይ ነጻ ርእይቶኻ መሰል ዝኽበረሉ ስሮኣት ክንተክል።ለውጥን ምቅይያርን ዝመጽእኮ ብነጻ ርእይቶ ተለዋዊጥካ ንዘየሰማማኦኣካ ብንጹር ገሊጽካ ዘሎ ምጥርጣራት ፈቲሕካ እምነት ምስ ተረኽበዩ ዝመጽእ ለውጢ።መስከረም ግን ናዕቢያ ተኾልኪላ።

ወልዱ ነጻነቱ ተጠቂሙ ርእይቶ ይህብ ኣሎ።መስከርም ግን ከም መርበብ ጥራሕ ዘይኮነ ህዝቢ ዓዲሙ መጋጨዊ ፕሮፖጋንዳ ይሰርሕ ኣሎ።ከም ዒላማ፡ገለ ሰባት ኣውራጃዊ ምትእኽካብ ኣምጺኦምሞ ንዑ ንሳትኩም ከኣ ተኣካከቡ ወይ ተፈሃነኑ ዝብል እታ ናይ መወዳእታ ስልቲ ህግደፍ ይሰርሕ ኣሎ።እዚ ግን ክከውን ዘይነበሮዩ።

ኣብቲ ሎሚውን ዝስዕርር ዘሎ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ዓገብ ምባል …ዝብል ጽሑፍ ካብትን ካብዝን ዚተኣከቡ ዋጋ ዘይብሎምዮም እቶም ሰፊሮም ዘለው ክስታት።ርእሺ ኩሉ ተሓታትነት ዘይብሉዩ እቲ ጽሑፍ።ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ሽም ሰብ ዘይብሉ ጽሑፍ ክእንግድ ኣይግበእን።እዚ ካብቲ ቀዳማይ ግስርጥና መስከረምዩ።ቀጺሉ ከኣ እቲ ጽሑፍ መጋጨውን ቶኽታኽንዩ።ን ኣብነት፡“…… ትማሊ ኣብ ሩዋንዳን ብሩንድን ዝተፈጸመ ክንርስዖ ኣይንኽእልን፡”  ዝብል ኣብ ልዕሊ ኣሕዋት ኣውራጃታት ሓዊ ንኽኣጉድ ስርሔይ አሊ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ዓገብ ክበሃል ዝግባኦ ዜጋ እዩ 

ብሕጽር ዝበለ ዓገብ ክበሃል ዝግበኦ መስከረምዩ።

ወልዱ ኣብ ኤሜሪካ ዝነብር ከም ህዝቡ ሰሪሑ ዝነብርዩ።ኣብ ኤሜሪካ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ግጭት ክመልስ ዝኽእል እንታይ ዓይነት ዓቕምን መሳርሕ ኣለዎ ኮይኑዩ።

እቲ እኹል ዓቕምን መሳርሕን ዘልዎምበኣር መስከረምዩ።ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ከጋጥም ዘይግበኦ ህልቂት ቀዳሞት ተሃተቲ፡መራከቢ ብዙኃንየን።ካብ ኣን ሓንቲ ራድዮ ሩዋንዳ ኢያ።ራድዮ ሩዋንዳ ነቲ ግጭት ብሃደ ግዜ ናብ ካልእ ምእንቲ ክልሕም ኣቃሊሓ።ብሓደ ግዜ ነቲ ኩሉ ኣረሳሲኑ ከኣ ዘሰንብድ ህልቂት ኣስዒቡ።ስለዚ እታ ራድዮ ሩዋንዳ ተዓጺያ ኔራ እንተዝከውን እቲ ህልቂት ከምዚኢሉ ኣይምገዘፈን፡ሳዕቤን ዘለዎ ኣይምኾነን።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን ናይ ሃምሳ ኦኣመታት ተመኩሮኡ ንኹሉ ፈቲኑዎ ስለዝኾነ ንዝመጽእ ጸገማት ክፈትሃሉ ዝኽእል ኦኣቕሚ ኣለዎ በሃላይ ኢየ።ግን ስኽፍክፍ ዝብሎም እንተልዮም፡ቀዳመይቲ ከሉ ናይ ምግጫው መሳርሒ ክትከውን ትኽእል ኣደብን ኣገባብን ዘይብላ መስከረም ነት ስለዝኾነት ክትዕጾ ኣለዋ በሃላይየ።

ውጢ ናደለና ንውጢ ኣይዕንቕጽ፡

ተወልደመድህን

16/02/14

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • Blocked February 16, 2014

    ኣየ ተወልደመድህንየ
    እዚኣስ ናይ ወገን ኢኻ ጌርካያ። መስከረም ሰይጣንዩ ወልዱ ግን መልኣኽዩ ኮይኑ እቲ መልእኽትኻ። ካብ ወገን ዝረሓቐ ነጻ ኣተሓሳስባ እንተዝነብረካ ክልቲኦም ኤርትራውያን የሕዋትካ አዮም፣ እስኻ እዚኣ በዲልካ እስኻ ከኣ እቲኣ በዲልካ ኢልካ ፍልልይ ሓሳባት ኣብ ክንዲ ምግፋሕ ከተቀራርብ ምፈተንካ። እንተኾነ ግን ምስቲ ወልዱ ዝበሎ ኩሉ ት ሰማማዕ መስከረም ንዝገብሮ ኩሉ ድማ ትቃወም ኮንካ ኢኻ ቀሪብካ ዘለኻ። ካልእ ይትረፍ ወልዱ ንመስከረም ልሙስ ኣእምሮ አሉ ኪዘልፎ ከሎ ከመይ ገርካ ገጋ ሙኻኑ ዘይጠቐስካ፧ ስለትሰማማዓሉ ድዩ፧
    ዝኾነ ኮይኑ ነቲ ነገሩ ደኣ አየ አምበር ዝተራየካ ኪትጽሕፍ መሰልካን መሰል ኩልና ኤርትራውያንን አዩ። ወአደሓንካ።

  • berhane February 16, 2014

    ሕጅውን ኣቶ ተወልደመድህን ኣብ ሓቂ ዘይኮነ
    ናይ ርሑቕን ቀረባን ገርካዮ ይመስለኒ ኩሎም
    ደቂ ሓንቲ ሃገር እንተኾይኖም ከምቲ መስርሕ
    ወያነ ብዛዕባ ኣውራጃ ዘይኮነ ዘዛርብ ብዛዕባ
    ህላወ ሃገር ክኸውን ኣለዎ መስከረም ከኣ ካብዚ
    ተበጊሱ እዩ ጽሒፊ መልእኽቱ ከኣ ንጹር ን ሕቅን እዩ
    ስለዚ ኣብ ኣጠማምታኹም እዩ እቲ ፍልልይ

  • ተወልደመድህን February 16, 2014

    የቐንየለይ Blocked።……ክትርደኦ ዘሎካ ወልዱ እንታዋይ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ኣይረጋገጽኩን።ኣነ ዘስፈርኩዎ ጽሑፍ እዚ ኩሉ ምሽንጋግ ካበይ ከምዝተበገሰ ንምፍላጥ ካብ ዝገበርኩዎ ዳህሳስ’ዩ።1.ወልዱ መድረኽ ብምቅልቃሎም ከም ኩሎም ዜጋታት ርእይቶኡ ሂቡ።እቲ ዝፈልጦ ብግልጺ ኣስፊሩ።………..2, እዚ ርእይቶዚ ዘይተወሓጠሎም ናይ መስከረም ኣዳለውቲ ከኣ ” መንዩ ወልዱ ተኽለ ” ዝብል ኣብ መስከረም ዳት ለጢፎም።……..እዚ ኦኣይነት ኣጸሃሕፋ ኣብ ዜጋታት ዘሎካ ኣኽብሮት ዘጉድል’ዩ።ኣነ ንብውልቀሰብ ኣይኮንኩን ዝወቅስ ዘሎኹ።ሓደ መርበብ ኢንተር ነት ዘመሃድር ሰብ ወይ ሃላፍነት ዘለዎ ኣካል ክገብሮ ዘይብሉ’ዩ።ንሓደ ውልቀሰብ ኣይወቀስኩን።ውልቀሰብ ከም ወልዱ መጠን ዝጽሕፎን፡ከምዚ ናይ መስከረም ኣመሓደርቲ ዝጽሕፍዎን ዝተፈላለዩ። ድሒሩ ዝሰዓበ 3,ወልዱ ዝተናሸወ ኮይኑ ተሰሚዑዎ ምስቲ ዚዘንቦ ዚነበረ ኣውራጃውነት ኣርግፍ ኣርግፍ ኣቢሉሉ።( ኣብዚ ኣለም ነቲ መንዩ ወልዱ ተኽለ ) ዝብል ጽሑፍ ብከምዚ መጠን ክቅበሎን ከስፍሮን ኣይግበኦን።ግጉይ እንተኮይኑ ወልዱ ምስ ኦድመኡ ን ተመኩሮን ካልእ ናይ ምዕዶ ቃላት ክጥቀም ይኽእል ኣለም።4,ኣመሃዳሪ ወይ ወናኒ መስከረም ከኣ፡ጸሃፊኡ ዘይፍለጥ ተሃታትነት ዘይብሉ ቶኽታኺ ቃላት “ሎሚ’ውን ኣውራጃውን ፖለቲካውን ብምባል ” ቀጥዒ ዘይብሉ ጽሑፍ ኣስፊሩ።…….ናተይ ወቐሳ ኣለም ከም ኣመሃዳሪ ሃደ መርበብን ምስዕድመኡ ኣተኣሳሲረ ክጥቀመሉ ዝኽእል ኣገባብ ብዙሕ ኔሩዎ።ኣዚ ኣብ መወዳእታ ተሃታትነት ዘይብሉ ሰባት ዘለኦኣኦል ከኣ ካብ ከምዚ ዚኣመሰለ ሰብ ዘይትጽበዮ ኢዩ።………ስለዚ ኣቲ ፍልልይ ወልዱ ዝገበሮ ጌጋንን ናይ መርበብ መስከረም ኣመሃዳርን ዝበሎን ዘስፈሮ ጽሑፍን በበይኑ’ዩ።ሕራይ ወልዱ ተጋግዩ ንበሎ፡ሓደ መርበብ ነት ንወልዱ ክሳብ ከም ናይ ሩዋንዳ ህልቂት ከምጽእ ዝኽእል ገይሩ ምክሳሱ እንታይ የሳውር፡ኣንታይ ይሕብር ኣሎ።ህልቂት ሩዋንዳ ከኣ ቀንዲ ተሓተቲ መራከቢ ብዙሃን’የን።ስለዚ መንዩ ብቅልጡፍ ሃገራዊ ዕንወት ከኸስት ዝኽእል ወልዱ’ዶ መስከረም።2% ዝድግፍ መርበብ ፍሉጥ ናይ ኢሳያስ ተልእኮ ዘለዎ ምዃኑ’ዩ።እዚ ተልእኮዚ ዘለዎ ከኣ ነቲ ናይ ተቓውሞ ኣገባብ ንምድኻሙ፡ኤርትራውያን ውራይ ጉዳዮም ከይገብሩ ኮነ ኢሉ ዘሳውሮ ዘሎ’ዩ ኣለም….ስለዚ ኣነ ባውራጃውነት ኣይተለዓልኩን ክሳብ ህጂ ወልዱ መን ምዃኑ ኣይፈለጥኩዎን።ምስ ዕድመን ተመኩሮን ኣረኣኢኻ ወልዱ ዝፈጸሞ ጌጋ ይውሕድ ካብቲ ናይ ኣለም።……የቐንየለይ።

    • Com´on! February 16, 2014

      ” ….ስለዚ ኣነ ባውራጃውነት ኣይተለዓልኩን ክሳብ ህጂ ወልዱ መን ምዃኑ ኣይፈለጥኩዎን (? ? !!)።ምስ ዕድመን ተመኩሮን !! ኣረኣኢኻ ወልዱ ዝፈጸሞ ጌጋ ይውሕድ ካብቲ ናይ ኣለም።

      ዓጀው ጀው በዓል “ኣልም” ዘይዓጅቦ !!( ምናልባሽ ደኾን “ኣ ከ ለ ጕ ዘ ታ ይ ?”) ግራዝማሽ Com´on!

  • g.meskel February 16, 2014

    Tewelde Medhin,
    U r great. U spoke the whole truth. After all meskerem or MERGEM. NET is acting on behalf of HIGDEF. Meskerem simply spoils the names of the respected people of Akeleguzay and Seraye

    • Nahom February 16, 2014

      Meskerem is very fond on blaming people that they are instruments of weyane. For example, it accused Wedi Vacaro for taking side with Ethiopia without any evidence. Due to the articles Weldu meskerem is also accusing him with regionalism without giving and substantial reference and/or evidence. Meskerem has only one message i.e. to create chaos between opposition organizations and dissent individuals.

  • ኣግኣዚ ተወልደ February 16, 2014

    Meshrefet and it’s salvage politics.
    ንእሰያስ ዝነቅፍ ኣውራጃዊ’ዪ/ኣስላማዊ’ዩ / ካብዝብል ፍቱን ፖለቲካዊ ሽርሒተለቂሑ.!
    ንመድረኽ ዝነቅፍ ኣውራጃዊ’ዩ ይብል ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መሽረፈት ሸፈጥ።
    ከምኡውን ንመሽረፈት፣ ዝንዕቕ ኣውራጃዊ’ዩ ይብል ወዲ ጀንራል ጎይትኦም።
    ንመሽረፈት ብደሆ ዝብል ኣውራጃዊ’ዪ ይብል በዓል መሽረፈት!
    ንቦልኛ ዝነቅፍውን ኣውራጃዊ’ዩ ይብል ፕሩስማመንተ ክገብር ለቓሕ ሜላ..

    (1) ኣየ ኣለም ጎይትኦም..! ብላሽ ኣስተውዕልን’ዶ ከምሓቂ ግን ኢሰያስ፣ ቀይድን ሕግን በቲኹ ዝኸይድ፣ ኣብ’ቲ ገቢቱ ሒዝዎ ዘሎ ዓድን ስልጣንን ተወጢሑ ዘሎ፣ ተሓታታይን ተሞጓሳይን ናይዝኾነ ይኹን ኣብውሽትን ኣብደገን ኣብልዕሊ ኤርትራያን ዘንጸላሊ ፖለቲካዊን፣ ቁጠባውን ጸቕጥታት ባዕሉኢሰያስ ዶ ኣይኮነን? ። ኣብህዝባዊ ቤትጽሕፈት(Public official) ዶ ኣይኮነን ዘሎ። ተራ ዜጋ ድዩ ኢሰያስ? ከመይ ዳኣ ኢሰያስ ተነቒፉናልኩም፣ ብኽያት ኣውራጃነት ትበኽዪ? ብሓቂ ነብስኹም መርምሩ፣ ምናልባት፣ ነጽብራቕ ኣእምሮኹም፣ ትህውትቱ ከይትህልዉ? እዚ ዘይሓላፍነታዊ ክስታትኩም፣ ነቲ ኣብመንጎ’ዘን ሰልስተ ኣውራጃታት ዘሎ ህዝቢ ኣብጽልእን ቅርሕንትን ከእቱ ዝኽእል፣ ሃላይ ፖለቲካዊ ውጥንታትኩም፣ መድባትኩምን፣ እቲንሕና ዘይመረቕናዮ ኣይከውንን’ዩ ዝብል ናይ ጃህራን ኣንነትን ናይ በለጽ ባህርያትኩም፣ ደረት ክትገብርሉ፣ ይግባእ። ካብኡ ሓሊፉ ተረሪፉ፣ ላእ ኣይፋልን እንተበልኩም፣ እነሆ ሜዳ እነሆ ፈረስ፣ ከንቱ ክስታት መሽረፈትን ሰተታን ክዓግቶን፣ ዝኽእል ፍትሓዊ ቃልሲ ኣይኮነን ዝካየድ ዘሎ።
    (2) መድረኽ፣ ናይፖለቲካ ምንቅስቓስ ምዃኑ፣ ባዕላቶም መስረቱ፣ ኣብቅርዓት ወጽዮም፣ ዘቃልሕዎ ዜና’ዩ መስለኒ? ስለዝኾነ መድረኽን ኣጀንዳኡን፣ ፖለቲካዊ ፕሮግራሙን፣ ብህዝቢ ይኹን ብውልቀሰባት ክምርመርን፣ ክንቀፍን ቅቡልን ንቡርን’ዩ መስለኒ? መድረኽ ክብዳህን ክሕተትን የብሉን ዝብል ኣዋጅ ማኣስ ወጸ? መን’ዩ ኸ ንመሽረፈት ዳኛ ናይ መን’ዩ ክንቀፍ ዝግበኦን መን’ዩ’ከ ክንቀፍ ዘይግበኦን ጌሩ ሸይሙዋ? እህህህ በለ ጣፍ ዝሃንኮተ ይብሉ ኣቦታት። ንመርበብ ሓበሬታ መሽረፈት እህህ ዘብላ ዘሎ ውሽጣዊ ምስጢር ዳኣ እንታይ’ዩ? ከምዝፍለጥ መድረኽ፣ ብላዕለዎት ሰብጽፍሒ ህግደፍ ነበር ዝተሰረተ ፖለቲካዊ፣ ትካልዩ፣ ንነቐፈታን መጎስን ድማ ህዝባዊ መስል’ምበር ብመሽረፈት ዝምጸውት ልቸንሳ ኣየድልዮን’ዩ። እቲ ሓቂ’ምበኣር ኣብ እዞም መስረቲ መድረኽ፣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብኮረሻ ስልጣን ተወጢሖም ዝነበሩ ሰባት’ዮም..ስለዝኾነ ናይጽቡቕ ይኹን፣ ሕማቕ ምዝጉብ ሰንዳት ኣለዎም፣ ብፍላይ ኣቶ ዓንደብሃን ወልደጊርግሽ፣ ፕረዝደንት ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ኮይኑ ከምዘገልገለ፣ ኣብድፕሎማስያዊ መዳያት ከምዘገልገል፣ እኽባሪ ሕጊ ኮይኑ ከምዘገልገለ፣ ዝገልጽ ሰነዳት ኣሎ፣ ብገዛእ ኣፉ ዝተዛረቦ ቃላት፣ ዝጸሓፎ ስነሞገትተታን ኣሎ፣ ብፍላይ ብዛዕባ ጉጅለ 15 ዝተረኾን ዝሞጎቶን፣ ስኑድ ታሪኽ ኣሎ፣ እዚ ታሪኽ’ዚ ነቶም ምስጉጅለ 15 ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ፣ ጽልዋ ዘሎና ሰባት፣ ንዓንደብሃን፣ ተኸሳሳይ ኣብዘይብሉ፣ ዕጹው ምጋባእያ ብዝገበሮ፣ ወፍሪ ጸለመ፣ ብዘይ ንሕስያ ንነቕፎን ብደሆ ንብሎ ድማ። ወዩ ዳኣ ጥራጥ ዓቚሩ ዘሎ እግሪ ዝላ ኣይክእልን’ዩምበር ኣብቅርዓት ወጽ’ዩ ስለምንታይን ፣ከመይን ዝብሉ ሕቶታት ህዝቢ ክምልስ ይግባእ። ንህዝቢ ደሞክራሲ ከምጻኣሉ ሞንጎኛ ክኾነሉ፣ አሰጋገሪ ድልድል ክኸውን ይብል ኣሎ፣ ነዚ’ውን ኣብቅድሚ ህዝቢ ውጺኻ ሕቶታት ህዝቢ መልስ ኢሉ/ኢላ ዝማጎት ብደሆ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ ውገናዊ ኣውራጃዊ የብል ዶ? እሞ ብሓቂ ውገናዊ ከይብሃል ኢሉ ሰብ ክስከፍሞ፣ ንመሰሉ ምቅላስ ይግደፎ ዶ? ካን መሽረፈት ወገናዊ ዝብል ቃል የዘውትር ስለዘሎ፣ ካብዚ’ሕሱር ፖለቲካዊ ሜላ ይርባሕ ዶ? ወረ እንታይ’ዩ ጉዱ ህግደፍዊ ሜላ ንኽላመድ’ዩ እዚኹሉ ብኽያት? ህግደፍ እንተኾነ፣ መሐከሊን መቐንጸልን ነ40 ዓመት ዝተጠቕመሉ ቄናን ሽርሒ ኣላ’ንተኾይና እዛ ወገናዊ ኣስላማውን ትብል ሓረግ’ያ። ወረ ንምንታይ’ዩ መሽረፈት ብዛዕባ ዓንደብርሃን ዝሓምም? መሽረፈት ስለምንታይ ብጉዳይ ዓንደብሃን ዝነጽርጽር? ዓንደብሃን’ኮ ንኻልኦት ኣብምድጓን ተሓባቢሩ ብድዉ ነጻ ኮይኑ ዝነብር ዘሎ ሰብ’ዩ። ናይ መሽርፈት ጥብቅነት የድልዮ ዶ? ስለምንታይ በቶም ዓንደብሃን ዝዳጎኖም ዘይሓምም? ዝምድና ወይ ርክብ ኣለም ጎይትኦምን ዓንደብሃንን እንታይ’ዩ? ካብፖለቲካዊ ሽርክነት ዝሰግር ገለ ሕቡእ ኣብከርሲ ኣለም ጎይትኦም ኣሎ ዶ ይኸውን? ኣነ ዶ’ሞ ሕጂ ኣብደረጃኻ ክወርድ ኮይነ ኣለም ጎይትኦም፣ ኣውራጃዊ እኻ ክብለካ ? ኣይፋልን ብዓይኒ ብርዐይ ተበላጺ መድሓርሓሪ እኻ። ኣብመወዳኣታ’ዛ ጽሑፈይ ጸቒጠ ክገድፎ ዝደሊ ለበዋ ኣሎ’ንተኾይኑ፣ ናብኣቶኣለም ጎይትኦም፣ ሓሚምካ’ሎኻ፣ ሕማምካ ሕማም ምስሉይነትን በለጽን ሕማም ቅንእን ሽርሕን ሓሚምካ”ሎኻ ኣብሙዕቡል ዓለም ኣብሃገረ ኤመሪካ እኻ ትቕመጥሞ ፈውሲ’ ርኸበሉ፣(Rehabilitation ) የድለካ’ሎ።
    (3) ንቦለኛ ዝነቅፍ ወገናዊ’ዩ ። ኢልካ ዶ ? ስማዕን ዶ ኣለም ጎይትኦም፣ ካን ፎዄስካ ክንቲት ኮንካ። በሎኛ ናይመን’ዩ? ኣንታ ገለ ክዛርበዩ ሎም’ሲ፣ እሞ በል ሓፋሽ ዘይፈልጦ፣ ንስኻ ጥራይ ተፍልጦ ምስጢር ኣካፍለና ሕራይ። በሎኛ ናየናይ ኣውራጃ ስለዝኾነ’ዩ፣ ንፖለቲካዊ መዳያቱ ዝነቅፍ ወገናዊ ዝበሃል? ብደሆ ይብለካ ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መስረፈት@ሸፈጥ ሕጂ ቦሎኛ ንሓደ ኣውራጃ ከምዝውክል ዝመስል ጽሑፍካ መብርሂ ክትህበሉ ወይ ንመስረቲ ቦሎኛ ይቕረታ ክትሓትት ኣሎካ። ገመል ሰሪቕካ ጉንብሕ ጉንብሕ የሎን። ሕቶ ኣሎኒ..ንኣለም ጎይታኦም፣ ንዝሓለፈ 2 ዓመት መመላእታ ንስምረትን ኣባላታን፣ ኣስማቶምን ስእሎምን እንዳለጠፍካ፣ ክትከስስን፣ ሽምክትሰብርን ከተጸልምን፣ ትውዕልን ትሓድርን ኔርካ፣ ንምንታይ?? ዶ ኣብሙዕቡል ዓለም ተቐሚጥካ ብሕማም ጥልመትን፣ ጸቢብነትን ተደፊእካ እኻ ምበልኩኻ ? ገዲፈዮ’ለኹ ግን፣ እምበርከ ስምረት ይኹን ስመርር ናይ ፖለቲካ ማሕበር ስለዝኾነ፣ ብጸላእትን ፈተውትን ክንቀፍን ክምጎስን ቅቡል ፖለቲካዊ መስርሕ ዝለዝኾነ።
    ዎ ዳሓንካ…!
    ዓወት ንሓርነት
    ንምስሉያት ፍሽለት
    ኣግኣዚ ተወልደ

  • ኣግኣዚ ተወልደ February 16, 2014

    Blocked; Just as your name suggested, your mind is totally blocked, void of reality. what makes you think Teweldemedhin are woldu regionalist or are working and advocating for one province? or favouring one province over the other policy wise? promotion wise? etc.. are these people public office holders? have they promoted any one due to regional affiliation? Like the PFDJ clique always does? or have they advocated secession ? or have they try to defend anyone(former or current hgdefite office holder due to regional affiliation like the PFDJ supporters do and what Meshrefet seem to be engaged in? do you have the capacity to explain the outstanding, perhaps eye opening issues I raised? do you.?

  • ኣግኣዚ ተወልደ February 16, 2014

    Blocked; Just as your name suggested, your mind is totally blocked, void of reality. what makes you think Teweldemedhin or woldu are regionalist or are working and advocating for one province? or favouring one province over the other policy wise? promotion wise? etc.. are these people public office holders? have they promoted any one due to regional affiliation? Like the PFDJ clique always does? or have they advocated secession ? or have they try to defend anyone(former or current hgdefite office holder due to regional affiliation like the PFDJ supporters do and what Meshrefet seem to be engaged in? do you have the capacity to explain the outstanding, perhaps eye opening issues I raised? do you.?

  • tesfaldet February 16, 2014

    this idiot thinks MESKEREM to report false information like AWATE ASSENA ASMARINO because MESKEREM SAYS MESKEREM THE 1ST OPPOSITION WEBSITE .COM SO this idiot thinks whay meskerem dont report lie if it says it self THE 1ST OPPOSITION WEBSITE but this stupid prson forget MESKEREM is an indepednt website

    • ERITRAWIT February 16, 2014

      tesfaldet,
      Why are you in Assenna everyday if you think they give false information? HGDEF Asylum been granted by Meskerem=Metaqsite website as you know Dehay and others gone quiet.

      • SamiEritrean February 16, 2014

        Dehai is back. Because you didn’t know doesn’t mean it is still quiet.

  • theEritrea February 16, 2014

    Yes Meskerem is working tirelessly to promote Hgdef propaganda.. promoting strife and conflict among the opposition and the people of Eritrea. I cannot distinguish between Hgdef and Meskeren the only difference I can see is he put the old Eritrean flag on his website as if he stood with the opposition parties.

    Look and watch! ASSENNA is working hard, day and night to disclose all sort of crime committed by Isaias junta, appealing to Eritreans and world communities about the plight of the refugee in Israel, Sudan, Egypt etc..

    I have one simple question if someone somewhere can answer this question. I need to contact the owner of awdii.com site.
    any help would be appreciated.

  • Berhe Tseada February 16, 2014

    ኣየ ደቂ ዓድና። ካን ኣኺልኩም የዒንትኹም ብሻራነት ደልሚ ሒዝዎ። ብጸይቅን ብምንኻስንስ መስከረምን ወልዱን፡ እቲ ኣይሕሾ እቲ ኣይሓምቆ። ዘረባ ዓያሽኦም፡ ከም እንዳ ዉራይ ዉዒሉ ብስዋ ሃለዋቱ ዝጠፍኦ ዝሰኸረሞ፡ ኣብ መንገዲ እናደጉሐ ዝኸይድ፡ ኣብ ኢንተርነት ክተፍኡልና ሓግዮም’ዩ። ከምቲ ሓደ ሓዉ ዝበሎ፡ ናይ ለባማት ንኽልቲኦም ክትነቅፍ ነይሩካ። ምኽንያቱ እቲ ትካላኸለሉ ዘለኻ ወልዱ፡ ዝብሎ ዘይፈልጥ፡ ንሓደ ሰብ ክጸርፍ ንሙሉእ ኣዉራጃን ስድራን ዝልክም ስለ ዝኾነ። ናይ መስከረም ከኣ ዘረባ የብሉን። ምናልባት ግን ገለ ሓበሬታ እንተሃበካ፡ እቲ ዝጸሓፎ ተመሊስካ ርአዮ። ዋና መስከረም እንተጸረፎ፡ ንዑዑ ደኣ ክጸርፍ ነይርዎ እምበሪ ንወላዲኡን ንኣዉራጁኡን ዘጽርፍ የብሉን። ኣይናይወራዙትን። ለንቅነ ከኣ፡ ሓደ ጴጥሮስ ዝስሙ እንተጸሓፈ ብዛዕብኡ፡ ንዑዑ ክንዲ ምምላስ፡ ንሓዉ ዘሊፍዎ። ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ ወቅዒ ሎ፧ ንመድረኽ በልማማ ‘ተስቶት’ ኢሉ ከቆናጽብ እንታይ ኮንካ ዘየነቀፍካዮ ሽዑ ሓዉና ጸሓፊ፧ ዶስ እዚ’ዉን ናይ ምጽሓፍ መሰሉ’ዩ፧ ኣቦታት ክምስሉ፡ ‘ወላዲ ካልእ ዝጸርፍ፡ ንወላዲኡ ከጽርፍ’ ይበሉ። ብዓል ብርዒ ብዓል ኣፍ ንሱ ጥራይ መሲልዎ። ኣብቲ ንመስከረም ነት መሽረፈት ነት ኢሉ ጺሒፍዎ ዘሎ ኣርእስቲ ጥራይ፡ ብዝሒ ኣሉታዊ ነቀፌታ ተጻሒፍሉ ዘሎ እኹል ምልክት እዩ። እቲ ዝበዝሕ ድማ ኣዉራጃዊ ሙዃኑ ነቂፍዎ። እዚ ቅድሚ መሽረፈት ነት ምምላሳ እዩ። እዚ ትከላኸለሉ ዘለኻ ሰብ እኮ፡ ስዉኣት ዝፈላሊ ሰብ’ዩ። እቲ ምፍታዉ ንኣዉራጅኡ ክፈትዉን ምዉት ሕርድን ክብልን መሰሉ’ዩ። ነዚ ግን እቲ ሽግር ወልዱ፡ ብመንጽር ጽልኢ ደቂ ካልኦት ኣዉራጃ ብምርኣይን፡ ብምንያትን ይገብሮ ምህላዉ’ዩ እቲ ዕሽነቱ። ያኢ ስዉኣት ጀጋኑ፡ ደቂ ኣከለጉዛይ ጥራይ ከምዝኸፈለት ኤርትራስ፡ ንመን’ዩ ብከምኡ ክንየተሉ። እቲ ዕሽነቱ’ዩ እምብሪ፡ ነቶም ዝንየተሎም ዘሎ ጀጋኑ ኩልና፡ ነቲ ዝወደቅሉ ዕላማ ብምንቁሻሻ ንዐዖም’ዉን ኣንቋሽሽዎም። እቲ ምኽንያቱ’ስ ንሶም ክምቶም ኩሎም ብጾቶም ካብ ኩሉ ኩርናዕ ኤርትራ፡ ንኤርትራ እዮም ተበጅዮም። ንሓደ ኣዉራጃ ኣይኮኑን። ስለዚ’ስ ንዑዑ ድማ ምንቃፍ ነይሩካ። ምምካር ምተገብኣካ። የግዳስ ኩሎም ሓደ’ዮም። ከም መስከረምን ወልዱን ተዘይህልዉዋ እዛ ኤርትራና ክንደይ ምሓሻ።

    • ተወልደመድህን February 17, 2014

      ስማዕ በርሀ ጻዕዳ።ልብኻ ጻዕዳ ክከውን ይትስፎ።……ንሕና ኣብዚ መዋእል ቃልሲ ዞኣበና’ሞ እቲ ኩነታት ዝጸንሃና ናይ ውሽጥና ጓሂ ኣሎና።እቲ ጓሂ ከኣ ጓሂ ሕይወት ኢዩ።እዚ ንቲ ዕድመካ ሪኢኻ ምዘኖ ባዕልካ።ኣብ ህይወትና መጻወቲ እኩባት ሰባት ኮይና ጸኒሕና።ሃገር ነጻ ኮይኑ ተባሂላ ዝተከፍ መስዋእቲ ሪኢናዮ።ቆልዑ ዝገደፍናዮም ቆLኦኡ ወሊዶም ተሰዊኦም።ድሕሪኡ ሃገር ናብ ፋሕፋሕ ኣትያ።ስለዚ ኣዚ ጓህዚ፡ኣባይ፡ኣብ ወልዱን ካልኦትን ኣሎ።ገለ ኣኤውሮፓን ኤሜሪካን ኣትዮም በቲ ዘለዎም ኦኣቕሚ ተቃውሞ ኣየስምዑን።እቲ ተቃውሞ ዘስሞ ዘሎ ግን ስለዝሃርቕ፡ሃንሳእ በጨቕ ይብሎ፡ካብ ኡ ኣይሕለፍ ካብ ዝብል ከኣ ገለ ይድርቢ’ዩ።ኣብ ቅድሚ ሕሩቕ ኣይትጻናሕ።ስለዚ ካብቲ ወልዱ ዝበሎ ኣብ ገሊኡ ጽሑፍ ዘንበብኩ’የ።( ሃደ መብራህቱ ዝተባህለ ሰብ፡ግደፉወን እዘን ከብቲ ዝረገጸኦ ማይ ነቲሃት፡ነንሕድሕደን የተሃናኾታ …) ዝብል ኣብ መስከረም ዝሃቦ comment ኣንቢበ ( ኮፒይ ክገብሮ ኣናድየዮ ኣይረከብኩዎን።ተረዳእ ኣዚ ( መብራህቱ ተወልደ የትቦሪ ዝበህ ሰብ ኣብ መንጎ ወልዱን ሃደ ሰብ ዚነበረ ምትህልላኽ ስለዝፈለጠ’ዩ ) ስለዚ ሓደ ሕቶ ኣሎ።ሕጂ’ውን ንዓኻ ሕርቃን ምስደፍ ኣካ፡ኩሉ ሰብ ምንህምንህ ምሰበለካ እንታይ ትብል።ዝተጋደልካ ኣንተኾንካ፡ኣብ ቅድሚ ኣርባዓ ሃምሳ ሰብ ዝንጥል ዝንጥል ኣዋርድ ወገናዊ ኣውራጃዊ ድህልድህል ኣብዘብሉካ ግዜ መልኣኽቲ ገይርካ ዲካ ትርእዮም።ስለዚ ንሂሩ ምዝራቡ ናይዚ ናይ ወለዶና ጸገም ስለዘሎና ኢዩ።ኣለም ካብቶም ንህዝቢ ኣኤርትራ ርምስምስ ዘበሉ ናይ 60-70 ኦድመ ዘለዎ’ዩ።ንናህሪ ወልዱ፡ነቲ ወልዱ ዘፍስሶ ዘሎ ቃላት ካበይ ዝተበገሰ ምኳኑ ኣስተውዕሊ ልዙባት ቃላት ክጥቀም ኔሩዎ።ኣነ ብዙሕ ግዜ ርእይቶይ ይጽሕፍ’የ።ተመሊሰ ምስረኣኹዎ ጽሑፈይ ከእ ባዕለይ ተጋግየ ከምዚ ክብል ኔሩኒ ክብሎ ዝኽእል ንጣር ቃላት ይረክብ’የ።ስለዚ ኣብዚ ናይ 40 ኦኣመታት ኩነታት ኤርትራ ዞኣበየ ወልዱ ዝገበሮ ጌጋ ናይቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ስቃይን ጓሂ ክሳብ ደቂ 50 ዞድመኦም ጓሂ ዝደፍ ኦ ጌጋ ኢዩ።ነዚ ንምዕጋሱ ከምቲ እንዳ ኢሳያስን ህግደፍን ንዝተቃወመ ወያነ ኣከለጉዛይ ኣውራጃዊ መንካዕ ….ካልእ ዝብሉዎ ዘይኮነ ናቱ ቃላትን ኣገባብን ኣለዎ።ኣዚ ግን ወልዱ ሃሪቑ ንሂሩ ዝበሎ፡ንዑ ንሳትኩም ወገናዊ ኣውራጃዊ በሉዎ ኢልካ ምዕዳም ካብቲ ናይ ብሱል ሰብ ስራሕ ኣይኮነ።ኣብ ምስላ ኣቦታትና፡ ባእሲ ከመይ ይመጽእ ቶካቲኻ ብከመይ ከ ይድቅስ ሸለል ኢልካ ኢሎም።ኣብዚ ወልዱ ተጋግዩ፡ላምባ ነሲኒሱ ኣንትየበልናስ ኣለም ክርቢት ኣምጺኡ እንድሕሪ ሸርጢጡሉ እንታይ ኢዩ ዝውለድ።መን’ዩ ከ ተሃታቲ።እወ ኣብዚ ኣዋንዚ ናይ ምፍራድ ኦኣቕምና ባውራጃ ብረብሃን ካልእን ስለዝተቋሰለ ወልዱ’ዩ ጌጋና ንብል።ግን ወልዱ ብምፍላጥ ይኹን ብኽፍ ኣት ላምባ ኣፊሱሱሉ፡ ላምባ ፈሲሱዎ ምህላው እናፈለጠ ክርቢት ዝሸርጠጠ ዝያዳ’ቲ ላምባ ዘፍሰሰ ተሃታቲ በሃላይ ኢየ።ኣብ መወዳእታ፡እቲ ከም ወልዱ ዚኣመሰሉ ሰባት ዘውድቕዎ ቃላት ዘሎ፡ኣብ ገለ ሰባት ዘጋጥም’ዩ።ነዚ ግን ባዕልካ መመሊስካ ነገራት እናሳወርካ ህልቂት ሩዋናዳ ከም ኣብነት ምምጻእ ኣይግድን።ጠንቂ ህልቂት ሩዋንዳ ዝኾና መራከቢ ብዙሃን’የን።ስለዚ ኣለም ምስቲ ሃላፍነቱን ኦድመኡን ዝሰማማዕ ተግባር ኣይገበረን።

1 2 3

POST A COMMENT