Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓንኬል ጭቆናን ሓርነትን (vicious circle)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ፍጻመታት ብሓሳባት እዩ ዚጅመር፡ መበገሲ ሓሳባት ድማ ወድሰብ እዩ። ሓሳባት ድማ ካብ ኣእምሮ ይፍልፍል። እቲ ኣእምሮ ግን ካብ ባዶ ተላዒሉ ኣይኮነን ሓሳባት ዘመንጩ፡ ገለ ነገራት ኪነኽኦ ኣለዎ። ብርቱዕ ምትንካፍ፡ ብርቱዕ ሓሳባት ይፈጥር። ኣእምሮ

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኩሉ ፍጻመታት ብሓሳባት እዩ ዚጅመር፡ መበገሲ ሓሳባት ድማ ወድሰብ እዩ። ሓሳባት ድማ ካብ ኣእምሮ ይፍልፍል። እቲ ኣእምሮ ግን ካብ ባዶ ተላዒሉ ኣይኮነን ሓሳባት ዘመንጩ፡ ገለ ነገራት ኪነኽኦ ኣለዎ። ብርቱዕ ምትንካፍ፡ ብርቱዕ ሓሳባት ይፈጥር።

ኣእምሮ ሰብ፡ ኣብ መንጎ ጻዕዳን ጸሊምን፡ ሙቐትን ዛሕልን፡ ሰላምን ህውከትን፡ ሓርነትን ጭቆናን፡ ክብረትን ውርደትን፡ ወዘተ. ዘሎ ፍልልያት ንምልላይ ተኽእሎ ኣለዎ። ንኹሉ ኣዛሚዱ ስለ ዚርእዮ፡ ኣየናይ የርብሖ ኣየናይ የኽስሮ ይፈልጥ እዩ። ሰብ ከም ሰብ ኮይኑ ኪነብር ስለ ዝደሊ፡ ነቲ ንሰብኣውነቱ ኣብ ሕቶ ዘእትወሉ ኩነታት ውዒሉ ሓዲሩ ይምክቶ እዩ።

ይኹንምበር፡ ኣብ ነገራትን ኣምራትን ኩነታትን ዘሎ ፍልልያት፡ ኣብ ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ግብረመልሲ ከኸትል ኣይክእልን።  ሓደ ምግቢ ንሓደ ሰብ መዓር ኪጥዕሞ ኸሎ፡ ንኻልእ ሰብ ዕረ ኪጥዕሞ ይኽእል እዩ። መግዛእቲ ንመብዛሕትኡ ሰብ ዕረ ኪጥዕሞ ኸሎ፡ ንገሊኡ ግን ግሩም ኣጋጣሚ እዩ። ተካል መርዓሎ፡ ርሑስ ቀብሪሎ ተባሂሉ እዩ።

ጭቆና ይልመድ እዩ። ኣብዚ ኩነትዚ፡ እቲ ተጻዩ ዝኾነ ሓርነት ከም ኣማራጺ መጠን፡ ትርጉም እናሰኣነ ይኸይድ። ከምዚ ምስ ዚኸውን ድማ እቲ ናይ ፈሊኻን ኣነጺርካን ምልላይን፡ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ክእለትን ይሃስስን ይደክምን፡ ወይውን ይቐንንን ይዘናበልን። ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ዝነበሩ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ባሮት፡ ድሕሪ ናይ ኣመሪካ ሓድሕዳዊ ኵናት ናጻ ምስ ተለቐቑ፡ ገሊኣቶም ናብቶም ጸዓዱ ጎይቶቶም ተመሊሶም ይብሃል። ምኽንያት መምለሲኦም ብዙሕ ኪኸውን ከሎ፡ ግን ናይ ገሊኦምስ ኣብ ጭቆና እተሰረተ ፍቕሪ ወይ ልግበት ከይከውን የጠራጥር። ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽስ፡ እትፈልጦ ሰይጣን እተባህለኮ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን።

ኣብ መዝገበ ቃላት እንግሊዝ፡ ንማሶኪዝም (masochism) ዚብል ቃል ኪገልጾ ኸሎ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፥ ካብቲ ገጢሙካ ዘሎ ስቓይን ወርደትን ሕሰምን ተበጊስካ፣  ናይ ሓጎስን ዕግበትን ስምዒት ከተመንጩ ከሎኻ።  ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሕማም ወድሰብ መወዳእታ የብሉን።

ኣብቲ እዋን ጭቆና ግን ሓሳባት ሓርነት ይለዓዓሉ እዮም። እዞም ሓሳባት እዚኣቶም ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ናይ ትንተና ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ብምእታው ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ የምጽኡ፡ ብድሕርዚ ድማ ሓድሽ ስነልቦናዊ ኩነት ይፈጥሩ።

ካብዞም ከምዚ ዚሓስቡ ውልቃውያን ድማ ሓደ ሰብ ንበይኑ ካብቲ ማሕበረሰብ ብኣረኣእያ ይፍለ። እዚ ሰብዚ ነቲ ኣብ መንጎ ጭቆናን ፍትሕን፡ ኣብ መንጎ ባርነትን ናጽነትን፡ ኣብ መንጎ ውርደትን ክብረትን ዘሎ ፍልልያት ኣነጺሩ ብምርኣይን ብምትንታንን፡ ምስቲ ናይቲ ህዝቢ ሕሉፍ ታሪኽን ኣቃውማን ብምዝማድን፡ ፍትሒ ንምንጋስ ብምትንሳእ፡ ኪመርሕን ከእምንን ይፍትን። ከምዚ ብምግባር፡ ነቲ ሓድሽ ሓሳባት ሓርነትን ፍትሕን ኣብቶም ናይ ቀረባ ብጾቱ ይዘርኦ።

ኪዘርእ ኸሎ ግን፥ ክርዳድ እውን ምስኡ ይዘርእ እዩ። ናይ ጭቆናን ኣምባገነነትን ዘርኢ። ኩሉ ሓሳባት ናቱ ተቓራኒ ሒዙ እዩ ዚልዓል። ግን እቲ ተጻራሪ ሓሳባት መብዛሕትኡ ግዜ ድጉል እዩ።

ዝኾነኾይኑ፡ እቲ ንኸምዚ ዝበለ ሓሳባት ዚዘርእ ሰብ፡ ሰዓብቲ ይረክብ። ካብ ኩሉ ወገናት መጺኦም ድማ ይተእኻኸቡ። ከም ሳዕቤን ድማ ብርቱዕ ፓለቲካውን ማሕበራውን ሓይሊ ወይ ጽዓት ይፍጠር። ግን ከምቲ ዘይተገርሐ ፈረስ ወይ ዘይተገርሐት በቕሊ ናብቲ ዚድለ ቦታ ዘየብጽሑኻ፡ ዘይተወደበ ፖለቲካዊ ወይ ብረታዊ ሓይሊ ድማ ናብ ህውከትን ዕግርግርን ስለ ዚልወጥ፡ እቲ ነቲ ሓሳባት ዘንቀለን ሰዓብቱን ንሓሳባቶምን፡ ንምንቅስቓሶምን ንራኢዮምን፡ ንዕላማኦምን ምውጋንን ምስራዕን ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ ኮይኑ ይረኽቡዎ።

ሓሳባትን ራእያትን ካብ ከበድቲ መሳርያታትን ተወንጨፍትን ስለ ዚሕይሉን፡ ነቲ ጽኑዕ ናይ ኣእምሮ መናድቕን ናይ መትከላትን ዶግማታትን ጽኑዕ እምባታትን ኪፍንቅሉዎ ድማ ስለ ዚኽእሉ፡ እዚ ተርእዮዚ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ከም ምንቅጥቃጥ መሬትን እሳተጎመራን እዩ።

ይኹንምበር፡ ኣብ መብዛሕትኡ ምንቅስቓሳት ሓርነት፡ ደሞክራሲ ድሕሪ ኹሉ እዩ ዚስራዕ። እቲ ዕላማ ነቲ ዘሎ ስርዓት ንምግልባጥ ክሳዕ ዝኾነ፡ አቲ ኣብ ምምራሕን ምዕዋትን ሰውራ ቅልጡፍ ውጽኢት ዘምጽእ፡ እቲ ግዜ ዚወስድን ጥውይዋይ ዝበዝሖን ናይ ምምኽኻርን ዘተን ኣሳታፍነትን መገዲ ዘይኮነስ፡ እቲ ኣቋራጭ ሜላ ዚጥቀም ናይ ኢደሞክራስያዊ ወይ እምባገነናዊ መገዲ እዩ።

ዝኾነኾይኑ፡ እቶም ሓርነታውያን ሓሳባትን ኣምራትን፡ እግሪ ይተኽሉ፡ ኣኽናፍ የውጽኡ፡ ሕንዚ ድማ የብቁሉ፡ ማለት ብምንቅስቓስን ብዚወናጨፍ ፖለቲካዊ ትምህርትን ዶግማን መትከላትን፡ ከምኡውን ካብተን ተመሳሳሊ መርገጺ ዘለወን ኣዕሩኽ ሃገራት ወይ ውድባት ብዚረኽቡዎን ካብ ጸላኢ ብዚማረኹዎን ኣጽዋር፡ እቶም ተቓለስቲ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣብ ከቢድ ወጥሪ ብምእታው ከም ዚፈረሻሸኽን ከም ዚዓኑን ይገብሩ።

ሓርነታውን ደሞክራስያውን ብሉጻት ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኡ ብምስፋር፡ ንህዝቢ ካብ ናይ ስጋውን መንፈሳውን ጭቆና ናጻ ከውጽእ ዚሕልን ሰብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፈላስፋ ኪኸውን ጥራይ እዩ ዚኽእል። ፈላስፋ እንተ ኾይኑ ድማ፡ ከም ሶክራተስ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ከስተምህር ወይ ድማ ከም ፕላቶ መጻሕፍቲ ጽሒፉ ኪሓልፍን ጥራይ እዩ ነይሩዎ። ከመይሲ ከምዚ ሓሳባትዚ ዚውንኑ ተቓለስቲ፡ ኣብቲ ደሞክራስያዊ ባህሊ ዘለዎ ሕብረተሰብ እንተ ዘይኮይኑ፡ ኣብ ፊውዳላውን ኣብቲ  ብመግዛእቲ ንዘመናት ዝላደየ ህዝብንሲ ነቲ ቄናን መገዶም ጥራይ ኪኽተሉ ከም ዚድረኹን፡ ነቲ መሰረታዊ ኣብ ደመነፍስ እተመስረተ ድሌታቶም ጥራይ ከርውዩ ከም ዚቃለሱን ኩሉ ዘስተውዕል ሰብ ዚፈልጦ ሓቂ እዩ።

እቲ ብግጉይ መንፈስ ተላዒሉ ነቶም ለወጥቲ ሓሳባት ከተግብር ዚፍትን ሰብ፡ ብዛዕባ ናይዞም ሓሳባት ኣብቲ ንሱ ዚነብረሉ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታትን ማሕበራዊ ድሕረባይታን ምስራሖምን ዘይምስራሖምን፡ ብዛዕባ ኣብቲ ህዝቢ ዚህልዉዎም ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ጽልዋታት ብኸመይ መገዲ ከም ዚገሃዱን ንኸረጋግጽ ከይደቀሰ ኣይሓድርን እዩ። ከም ኩሉ ሰብ፡ ናይ ልዕልናን ዕብለላን ደመነፍስ (instinct) ኣብ ውሽጡ ይርብጾን ይህውኾን አዩ። እቲ ዝሓየለ ይዕወት ዚብል ኢቮሉሽናዊ ድራኸ፡ ካብ ውሻጠ ወድሰብ ጀሚሩ ክሳዕ ኣብ ጉጅለን ውድብን ሃገርን ከምኡውን ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ቃልሲ ብድጉልን ብቐጻልን መገዲ ዚገሃድ ድራኸ ብምዃኑ፡ እዚ ሰብዚ ብምንም መገዲ ካብቲ መንፈሱን ጽልዋኡን ከምልጥ ኣይክእልን።

ንታሪኻዊ ጒዕዞ ወድሰብ ዚዓግቶ ነገር ስለ ዘየልቦ፡ እቲ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኣብ መደምደምታኡ ይበጽሕ።  ዓወት ይዕተር፡ ናጽነት ይእወጅ፡ መንግስቲ ይትከል። ኣብቲ ናይቲ ስርዓት ግራት ግን ክርዳድ ድማ በቝሉ ኣሎ። ብሓጺሩ፡ እቲ ስርዓት ነቲ ዘዕኑዎ መገዲ ሒዙ እዩ ዚጓዓዝ ዘሎ።  ኣሳታፍነትን ደሞክራስያዊ ባህልን ማሕበራዊ እምነትን ዘይብሉ መሰረት፡ ኣብ ልዕሊኡ ብወርቂ እተሰርሐ ኣደራሽ እንተ ሰራሕካሉውን፡ ጥዑይን ውሑስን ህንጻ ኪኸውን ኣይክእልን።

ከም ብሓድሽ ትሒምሒም ይጅምር። እቲ ፊልም፡ ወላኳ ብሓደስቲ ተዋሳእትን ብሓድሽ ዳይረክተርን ይሰራሕ አንተሎ፡ አቲ ናይ ቀደም ፊልም እዩ።

ትሒምሒም ናብ ተቓውሞ ይልወጥ፡ ናይ ሓርነት ሓሳባት ይለዓዓሉ። እዞም ሓሳባት እዚኣቶም ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ናይ ትንተና ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ብምእታው ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ የምጽኡ፡ ብድሕርዚ ድማ ሓድሽ ስነልቦናዊ ኩነት ይፈጥሩ።…………………………….ወዘተ.

ሕጂውን ተቓውሞ ናብ ናዕቢ ይልወጥ፡ እቲ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት መራሒ፡ ብወትሃደራቱን ብናይ ጭቆና ኣውታራቱን ገይሩ ነቶም ዚቃወሙዎ ከፈራርሆምን ኪሃድኖም ኪኣስሮምን ይጅምር። ንሱ፡ ነቲ ተምሃራይ ከሎሞ ኣንጻር እቲ ዝነበረ ስርዓት ብምቅዋም ብወትሃደራት ኪቕጥቀጥ ከሎ ዘሕለፎ ተመክሮ፡ ፈጺሙ ረሲዑዎ እዩ።

ከም ብሓድሽ፡ ካብቶም ተቓወምቲ ሓደ ሰብ ንበይኑ ካብቲ ማሕበረሰብ ብኣረኣእያ ኪፍለ ይጅምር። እዚ ሰብዚ ነቲ ኣብ መንጎ ጭቆናን ፍትሕን፡ ኣብ መንጎ ባርነትን ናጽነትን፡ ኣብ መንጎ ውርደትን ክብረትን ዘሎ ፍልልያት ኣነጺሩ ብምርኣይን ብምትንታንን፡ ምስቲ ናይቲ ህዝቢ ሕሉፍ ታሪኽን ኣቃውማን ብምዝማድን፡ ፍትሒ ንምንጋስ ብምትንሳእ ከም ብሓድሽ ኪመርሕን ከእምንን ይፍትን።

ሕጂውን ኪዘርእ ኸሎ፥ ምስኡ ክርዳድ ዘሪኡ እዩ። ናይ ጭቆናን ኣምባገነነትን ዘርኢ።

ሕጂውን ተቓውሞ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ይልወጥ። ህሉው ስርዓት ይፈርስ። ዓወት ይዕተር፡ ናጽነት ይእወጅ፡ መንግስቲ ይትከል። ኣብቲ ናይቲ ስርዓት ግራት ግን ክርዳድ ምስቲ ጽቡቕ አኽሊ በቝሉ ኣሎ።

ከምዚ ኢሉ ድማ፡ ብሰንኪ አተበከሉ መሰረታውያን ዕላማታትን፡ እተዘለሉ ወይ ቀዳምነት ዘይተዋህቦም ደሞክራስያውያን መትከላትን፡ እቲ ዘይስበር ዓንኬል ቀጻሊ ኪዘውር ይነብር።  እቲ ኣገባብ ንሱ እዩ፡ እቲ ጭቆና ንሱ እዩ፡ እቲ መኸተ ንሱ እዩ። ጭቆና-ተቓውሞ-መኸተ-ዓወት-ስርዓት-ጭቆና-ተቓውሞ……………………ወዘተ. ዘየቋርጽ ዓንኬላዊ ዙረት!

ኣብዚ ግን፡ ነዚ እኩይ ዓንኬልዚ (vicious circle) ንምስባር እንታይ ምግባር የድሊ ዚብል ሕቶ ኪልዓል ግድን እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ኣብተን ብጀዮግራፍን ብፖለቲካዊ ደምበን ብስነ-ልቦናን እተኸለላ ግን ዘይድልዱል ዶብ ዘለወን ዓለማት ኢና እንቕመጥ ዘሎና፥ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ዲያስፖራ፡ ኣብ ዕሱብነት፡ ኣብ ተቓውሞ፡ ኣብ ስግኣት፡ ኣብ ተስፋ። ኣብ ዘሎና ንሃሉ፡ ዝሃለወ ስነልቦናዊ ወይ ፖለቲካዊ ኩነታት ይዓብልለና፡ ኣብ ኩሉ ብሓሳብ ኮነ ብግብሪ እንፍጽሞን እነካይዶን ንጥፈታት፡ ናይ ደሞክራስን ኣሳታፍነትን መንፈስ ኪዓስለና ይግባእ።

ኣብ ውድባትና ኾነ ኣብ ማሕበራትና፡ ናይ ምስታፍን ደሞክራስን ባህሊ ከነተኣታቱ ይግባኣና። ኣብ ኣተሓሳስባና፡ ናይ ምጽውዋርን ምክእኣልን፡ ናይ ስምረትን ሓድነትን መንፈስ ኪሰፍነና የድሊ። ኣኼባታትና፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝሓለፉ ነገራት ዘተኩሩን ቁስልታት ኪነኻኽኡ ዚውዕሉን፡ ኣብ ምምስራት ሲቪካዊ ማሕበራትን ዲሞክራስያዊ ትካላትን ኣብ ምዝርጋሕ ደሞክራስያዊ ባህልን ከተኩሩ ይግባእ።

ከምዚ ምስ ዘይግበር፡ እቲ እኩይ ዓንኬል፡ ነቲ ፍረ-ኣልቦ ባህርያቱ ሒዙ ንሓዋሩ ኪዘውር ኪነብር እዩ። ኣብ መንጎኡ ድማ ህዝብና ኪጠፍእ፡ ባህልና ክርሳዕ፡ ሃገርና ድማ መውዓልን መዓንደርን ዘቤታውያንን ባዕዳውያንን ኣምባገነናት ኮይና ንኽትነብር ተኽእሎ ከም ዘሎ ክንርስዕ ኣይግባእን።

 

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • meretse December 26, 2017

    ሰናይ ቅነ ንኹሉ፡
    እዚ ሪእቶ እዚ ኣብታ ቀዳመይቲ ጽሑፍካ ከቐምጦ ሓሲበ ዝነበርኹ ኢዩ – ይቕረታ
    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዙሓት ተዛረብቲ ትግርኛ ኣብ ዝተረከብሉ ቦታ ተረኪበ ኔረ። ናይቲ ዕላል ባህሪ መቸስ ከምቐደሙ ኢዩ ኔሩ። ህንካን ሃባን ዝጎደሎ። ናተይ ሓዝ! ተቀበል! እንተዘይኾይኑ ንስካ ከ እንታይ ትብል ምባል ገና ኣይበጻሕናዮን ግዲ ይመስለኒ። ዝኾነኾይኑ ክሳብ ናይ ዕላል ባህርና ዝቕየር ንዕኡ ናትና ኢልና ሒዝናዮ ኣሎና። መቸስ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ዝኾነ ዕላል ዘርካ ፣ ዘርካ ፡ ናብ’ቲ ህሉው ኹነታት ምእታው”ዃ ከመይ ኢሉ ክተርፍ ግን ንኣፍታ ዕላል ተቀይሩ ኔሩ። ንሱ ከኣ ተክኖሎጂ ዘምጽኦን ጠቕሚን ዝስዓቦ ኣሉታዊ ጎድንታትን ነበረ። ከም ኣርእስቲ ከተዕልለሉ እትክእል ገዚፍ ኣርእስቲ ኢዩ ኔሩ ፤ ግን ካብ ሓደ ናብ ሓደ ከይተናጠርካ ምስ ዝኸውን ኢዩ። ኾይኑ ከኣ፡ ሓደ ካብቶም ናይቲ ዕላል ተሳተፍቲ ኣርእስቲ ክቕይር ዝደለየ ክመስል — ኣንታ! ሎሚስ ብሰንኪ’ዚ ዘመን ኣምጽኦ ምዕብልና (ቴክኖሎጂ) ደብዳቤ እዃ ከመይ ከምዝጽሓፍ ጠፊኡና? ይብል’ሞ — ዳርጋ ኩሉ ኣብኡ ዝነብረ እማንካ!!! እማንካ!!! ክብል መስከረ። ኣነ ግን ኣብኡ በጺሐ ዝን በልኹ። ሓሳቡ ከም ዘይተቀበልኽዎ ዘረጋገጸ ክመስል – ንስካ’ዃ ……. ኢሉ ዝተጠንጠል ሓሳብ ኣቕረበ። ንስካ”ኳ ማለትካ እኮ ኢለ ኣነ ክቕጽል ናብ ጌጋ ክመርሓኒ ስለዝኽእል ዝምታይ ቐጸልኹ። ዝምታይ ዝከበዶም ኣዕለልቲ ሪእቶኻ ኣንብር ። ኣብዚኣ በጺሓ ከመይላ መልሓስካ ሓጺራ ክብሉ ሓተቱ። ናይግድን ካብ በልኩም ኢለ ……..

  • meretse December 26, 2017

    ዘገርም ኢዩ! እለ ሓሳበይ ጀመርኹ ። ቕድሚ ገለ ደቓይቕ ኣብ ዝነበረ ዕላል ዝወርድ ዝነብረ ሪእቶ (ሓሳባት) ዓለም ንኢሻቶ ኔራ። ኣየናይ ኣካል ናይ ዓለም ዘይተተንከፈ። ምዕራብ፣ ምብራቕ ፣ ኮታ ኣሎ ዝብሃል መኣዝን ክሳብ ክኖው ኣድማስ ክዋናጨስ ዝጸንሐ መልሓስ ፣ ሕጂ ከመይ ኢሉ ኢዩ “ኣደዋየ ፡ ኣቦውየ” ጠፊእዎ ምስ በልኩ >> እቲ ገዛ ካልእ መልኽዕ ሓዘ። መዳራጉሕ ከም ዝሰምዓ ኣህባይ ሓፍ ኾፍ ክብሉ ረኣኹ። ዝኾነ ኾይኑ ድሕሪ ቑርብ ምስትንፋስ ንምንታይ ከም ዘይ ተዋሓጠትሎም ሓተትኹ። ዒሕ እናበሉ ዝሃቡኒ መልሲ ቑርጽራጽ ኔሩ። ኣብ’ዚ ዝተዓዘብኽዎ ነገር እንተሃልዩ ግን ፣ ብዛዕባ ሃገርና ከይፈለጥና ብዛዕባ ኹነታት ዓለም ለለ ክብላ ዝውዕላ መልሓሳት ምውናና ኢዩ። እስኪ ደሓን ስለ ዓለም ምፋልጥ እውን ነውሪ ኣይኮነን ንበል ፤ ግን ቅድሚ ኣፍልጦ ነብስካ ከመይ ጌሩ ዓለም ትስራዕ? ኣፍልጦካ ከተዕቢ እንተደሊካ እውን’ኾ ካብ ሓደ መልሓስ ናብ ሓደ መልሓስ እናተቐባበለ ዝመጸ ሓበሬታ ዘይኾነስ ኣብ ወረቀት ዝተጸሕፈ እንተ ዝኮውን ዶ ኣይመሓሸን። ስለ ሃገርካ ብዙሕ እንዳተጻሕፈን እንዳ ተተረከን ንስካ ግን ፣ በለ ተባህለ ክትብል ምውዓል ክሳብ ክንደይ ጎዳኢ ከምዝኾነ፣ ሩሑቕ ከይኸድና ኣመስኺሩ ኣሎ።
    ጉድለት ምንባብ ጉድለት ምጽሕፍ እውን ኢዩ ዘከትል። ነዚ ብሂል እዚ ቀዳማይ መርትዖ ከኣ ሩሑቕ ምኻድ እንታይ የድሊ ……“ኣቦዋየ ኣደዋየ”……….. ምጽሓፍ እንተ ስኢንካ?
    እምበኣርከስ ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ከልዕለኒ ዝኸኣለ ማለት ዘይ ተገንዘብኹምኒ — ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ ትምህርቲ ሓዘል ጽሑፍ፡ ኣሽንኻይዶ ብነጻስ ገንዘብ ከፊልካ እዃ ብሻማ -ሻማ ክውሰድ ምተገበኦ። ከምዚኦም ዓይነት ጽሑፋት ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ብኣሻሓት ተገዚኦም ኢዮም ንነበብቲ ዝዝርግሑ። ኹሉ ከኣ ንዝተተመነ ዋጋ ከፊሉ ይጥቀም። እዞም ዓይነት ጽሑፋት እዚኣቶም ዋግኦም ግደፍ ነጻስ ሕሱር እውን ኣይኮነን። ኣብ ሰሙን ኣብ ሓንቲ ገጽ ዝወጸት ጽሕፍቲ ከነንብብ ዓቅሚ ዝውሕደና እንተኾይኑስ ፤ እቲ ስለ መላእ ዓለም ከዛርበና ዝኽእል ሓበሬታ ደኣ ካበይን ብከመይን ተኣከበ? ካብ በለ/በለት/በሉ እንተኾይኑ ዘይበዅዔ ሓበሬታ ስለ ዝኸውን ከይዱ ከይዱ ካብ ቕርጸትን መንፋሕቲ ከብድን ንላዕሊ ዘትርፎ ተረፍ የብሉን እሞ ፡ እንተሓመቐ ናብ “ኣቦዋየ ኣደዋየ” ደብዳቤ ምጽሓፍ’ዃ ከይጠፍኣናስ ኣብ ትርፊ ግዜና ንባብ ነፍቕር። ሳል ሕማቕ ግዜ ነጻ ጽሑፍ ኣብ ኹሉ ኣሎ ።

    Dear Amanuel, you are the person who has been able to write what has become a life lesson for thousands of us, and I hope it will be for millions tomorrow. I personally do not know how to thank you enough. If you can please continue writing for you will be rewarded if not by this generation but for sure by the following. >>>
    ከምኡውን መርበብ ኣሰና

  • k.tewolde December 27, 2017

    ‘ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽስ፡ እትፈልጦ ሰይጣን እተባህለኮ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን።’ How many times did I hear that from close relatives,like Mr. Sahle put it ,people can get used to protracted oppression and accept it as a norm,the human mind is abstract,it can see things that are not there or deny thing that are there.Maestro,Meretse wrapped it up beautifully,I have nothing left to say.Keep teaching.

POST A COMMENT