Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓብን ድሙቕን ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ስቱትጋርት/ጀርመን

ነቲ  ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም.ፈ  ኣብ ከተማ ኣሥመራ  ብሰንኪ ሥርዓት ህግደፍ/መንደፍ  ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን  ኣሓትናን ኣሕዋትናን  ኤርትራውያን ተሳተፍቲ  ሰለማዊ ሰልፊ  ብወተሃደራዊ  ሓይሉ ተጠቒሙ  ዓይኒ የብለይ እዝኒ የብለይ ኢሉ ብኣባትርን ብጥይትን  ዝተኸሓሶም፡ ንሕብረተ ሰብ ዓለም

ነቲ  ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም.ፈ  ኣብ ከተማ ኣሥመራ  ብሰንኪ ሥርዓት ህግደፍ/መንደፍ  ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን  ኣሓትናን ኣሕዋትናን  ኤርትራውያን ተሳተፍቲ  ሰለማዊ ሰልፊ  ብወተሃደራዊ  ሓይሉ ተጠቒሙ  ዓይኒ የብለይ እዝኒ የብለይ ኢሉ ብኣባትርን ብጥይትን  ዝተኸሓሶም፡ ንሕብረተ ሰብ ዓለም ከነፍልጥን ኣንደበት ሕዝብና ኮይንና ድምጾም ከነቃልሕን ብዕለት 04.11.2017 ኣብ ከተማ ስቱትጋርት/ጀርመን  ካብ ሰዓት 14፡00  ጀሚሩ ክሳዕ ሰዓት 16፡30 ድ.ቀ  ዝጨረሰ ብዙሓት ኤርትራውያን  ክርስትያንን ኣስላምን፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ደቂ ኣንስትዮን ተባዕትዮን፡ ሽማግለታትን መንእሰያትን ህጻናት`ውን ከይተረፉ ኣብ ዝተሳተፉሉ ዓብን ድሙቕን ሰለማዊ ሰልፊ  ብዓወት ተኻይዱ። ንብዙሓት ጀርመናውያንን ካልኦት ዜጋታት ነበርቲ ስቱትጋርትን ከባቢኣን ከኣ  ነቲ ግፍዕን ዓመጽን ህግደፍ/መንደፍ  ዘጋልጽ ብቛንቋ ጀርመን ብጽሑፍን ብቓልን  ተዋሂቡዎም። ወ/ሮ ኣልጋነሽ ኣብ ዘቕረብኦ መደረ “ ኣብ ዓድና  ከለኹ ምስ ኣስላም ኣሕዋትና ነንሕድሕድና እንዳተሓጋገዝና ብፍቕርን ስኒትን ብዘይ ገለ ጸገም ኢየ ኣሕሊፈዮ፡ ናብ ስደት ከምርሕ ከለኹ ከኣ  ከም ሓብቶም ጌሮም ዝሓብሓቡንን ዝሓገዙንን ኣስላም ኣሕዋተይ  ኢዮም ስለዚ ከኣ ነዞም ፍንጫሕ መሰንገለይ ክረድእን ክሕግዝን ናይ ግድን ኢዩ ሎሚ ክፈላልየና ዝደሊ እንተሎ ወይልኡ “ ክብላ ንሰማዒ ዝምስጥ ቃላት ኣንቢረናሉ ኢየን። ከምኡ`ውን ሓደ መንእሰይ ዘቕረቦ ነዊሕ ግጥሚ ብጣዕሚ ዘስደምም ንኤርትራዊ መንነት ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ኮይኑ ካልኦት ሽማግለታ በብወገኖም ዘቕረቡዎ መደረ ዘተባብዕን ክተት ዘብልን ነበረ። ሰለማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምዝዛሙ ተሳተፍቲ ብመላኦም ናብቲ ንዕለት 11.11.2017 ኣብ መናሃርያ ከተማ ፍራንክፈርት  ብደለይቲ ፍትሒ ተወዲቡ ዝግበር ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ ንኽሳተፉ ምዃኖም ተሰማሚዖም  ብዝኽሪ ስውኣት ደምደምዎ።

ኣሰናዳኢ ፡-

ኣንገሦም ገ/ዮውሓንስ

ስቱትጋርት

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Ruta November 6, 2017

    Ezi ab mulue alem zkayed zelo nay degef selamawi selfie azyu znead ekua entekone, abti chrhotat reyto aleni, Abona hagi Musa n n Patriarchn kab tom golihom zreayu esurat ekua entekonu kndey ashmatom zeytkes mesakin christiann aslamn were gelioms n lieli 20 ametat zteasru alewuna emo eti chrotat bztekaele meten nkulom zshfn ykun. Kalie down down tray zeykone hadesti chrhotat b Tigrignan Arebn nwesik. Wesana bzuh eyu bgubu ngleso b natna kunka.

    Yekenyeley, Awet n hzbi Eritrea

POST A COMMENT