Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ – ጋዜጣዊ መግለጺ

ዓለምለኻዊ ተበግሶ  ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ርሑስ ዒድ ኣልፈጠር ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንኹሉም ኣመንቲ ምስልምና ብሓፈሻ፣ ንኤርትራውያን ኣስላም ድማ ብፍላይ፣ እንኳዕ ናብ ርሑስ ዒድ ኣልፈጠር ኣብጻሓኩም እናበለ፣ ርሑስ ዒድ ኣልፈጠር፣ ሰላምን ሓርነትን፣ ስኒትን ሓድነትን ከውርደልና ንምነ።   ዶብ ኤርትራን

ዓለምለኻዊ ተበግሶ  ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

ርሑስ ዒድ ኣልፈጠር

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንኹሉም ኣመንቲ ምስልምና ብሓፈሻ፣ ንኤርትራውያን ኣስላም ድማ ብፍላይ፣ እንኳዕ ናብ ርሑስ ዒድ ኣልፈጠር ኣብጻሓኩም እናበለ፣ ርሑስ ዒድ ኣልፈጠር፣ ሰላምን ሓርነትን፣ ስኒትን ሓድነትን ከውርደልና ንምነ።

 

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ባይታ ይተሓንጸጽ

ድሕሪ እቲ ብዙሕ መስዋእቲ ህይወትን ከቢድ ዕንወትን ዘኸተለ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓ.ም. ዝተኻየድ ደማዊ ናይ ዶብ ውግእ ፣  ኤርትራን ኢትዮጲያን ብመንጎኛነትን ውሕስነትን ሕብረተሰብ ዓለም ማለት ሕቡራት ሃገራትን፣ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን፣ ካልኦትን፣ መጀመሪያ ናይ ተጻብኦታት ምቁራጽ፣ ስዒቡ ብስም ኣልጀርስ ዝጽዋዕ – ኣጠቓላሊ ናይ ሰላም ውዑል  ከቲመን።

ብመሰረት  ውዑል ኣልጀርስን፣ ብስምምዕ  ኤርትራን ኢትዮጲያን፣ ውሕስነት ማሕበረሰብ ዓለምን ከኣ ናይ ኤርትራን ኢትዮጲያን ናይ ዶብ ኮሚሺን ቆይሙ።    እቲ ኮሚሺን፣ ደቂቕ መጽናዕቲ ብምክያድን፣ ናይ ክልቲአን ሃገራት ናይ ይግባኣኒ መርትዖታት ኣኪቡ፣ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕግን፣   ሕጋውያን ውዑላትን  – ቀያድን ናይ መወዳእታን  – ውሳኔ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ክብይን ስልጣን ተዋሂቡዎ።    ድሕሪ እኹል መጽናዕትን፣ ናይ ክልቲኦም  ሃገራት ናይ ይግባኣኒ መርትዖታት ምእካብን ምስማዕን – ብ ሚያዝያ 2002 ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ክልቲአን ሃገራት ንውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ብኡ ንብኡ እኳ እንተተቐበለኦ፣ መንግስቲ ኢትዮጲያ ግን  ብመትከል ይቕበሎ፣ ግን መጀመርያ ዘተ ክካየድ ኣለዎ ብምባል ፣  ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ናይ ዘተ እማመ ከም ቅድመ ኩነት ምትግባር ውሳኔ ዶብ ኣቕረበት።

ብምኽንያት እቲ ዝተፈጥረ  ናይ ኢትዮጲያ ቅድመ ኩነት፣ ኮሚሺን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳኔ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ባይታ ክሕንጽጾ ኣይከኣለን። ድሕሪ ነዊሕ ምጽባይ፣ እቲ ብኢትዮጲያ ዝቐረበ ቅድመ ኩነት ስለ ዘየልገሰ፣   እቲ ናይ መወዳእታ ኣብ መሬት ክሕንጸጽ ዝነበሮ፣ ኣብ ካርታ ቪርችዋል ዲማርከሽን/ምሕንጻጽ ብምክያድ፣ ናብ ክልቲአን  ሃገራትን፣ ናብ ሕቡራት ሃገራትን፣ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን፣ ካልኦት ውሕስነት ዝሃባ ሃገራትን ኣረኪቡ ፣ ስርሑ ዛዘመ።

ብመሰረት ውዑል ኣልጀርስ ፣ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝተወሰንን ፣ ኣብ ካርታ ቪርችዋል ዝተሓንጸጸን፣ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን፣ ውዱእ ክነሱ፣  ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ – ኣይሰላም ኣይውግእ – ወጥሪ ንዝሓለፈ 16 ዓመታት ተጸሚደን ኣብ ዘለዋሉ እዋን፣  ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጲያ ኢህወደግን፣  ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ዶር ኣብይ ኣሕመድን  ንውዑል ኣልጀርስን፣ ንውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን፣ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቐበልዎን፣ ብምልኣት ክትግብርዎ ቅሩባት ከምዘለዉን ኣዊጆም ኣለው።

እዚ ኣዋጅ እዚ፣ ክልቲኡ ሃገራትን ህዝብታትን ብሃንቀውታ ክጽበይዎ ዝጸንሑ፣  ነቲ ንክልትኡ ህዝብታትን ሃገራትን ሓኒቑ  ኣብ – ኣይሰላም ኣይውግእ – ዝስሙ ውግእን ወጥሪን ጸሚድዎም ዘሎ ጉዳይ ንምፍታሕ  ዓቢ ስጉምቲ እዩ።  ኩሎም ደለይቲ ሰላምን ርግኣትን ምሉእ ብምሉእ ክድግፍዎን ከተባብዕዎን ድማ ይግባእ።

እቲ ብመሰረት ውዑል ሰላም ኣልጀርስን ፣ ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ  ካርታ/ቪርችዋል ድሮ ተሓንጺጹ ዘሎ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን፣ ብዝቐልጠፈ – ኣብ መሬት ንምሕንጻጹ፣ ክልቲአን ሃገራትን፣ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ህጹጽ ስጉምታት ክወስዳ  ነማሕጽን።

ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኣብ ባይታ ናይ ምሕንጻጽ ስራሕ ቅድመ ምድላዋት ክገብራን፣ ካብቲ ብውሳኔ ኮምሽን ዶብ ዝተነጸረ ከባቢታት ድማ ሰራዊተን ክስሕባን፣  ንምሕንጻጽ ዝዕንቅፉ ነገራት ካብ ከባቢ ዶብ ከርሕቓን ይግባእ።   ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ፣ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን  ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል ብምጥቃም ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ዕቱብ ስራሕ ምሕንጻጽ ዶብ ንኽኣትዋ ተግባራዊ ስጉምታት ክወስዳን፣  ናይ ሕቡራት ሃገራት ካርቶግራፊክ ኣካል ብህጹጽ ስርሑ ክጅምርን ንጽውዕ።

ኦ ህዝቢ ኤርትራ!  ኣብ  ውግእን ምድላዋት ውግእን ኣብ  ወተሃደራዊ ተጠንቀቕን ክትነብር ዝፈረደካ ስርዓት ህግደፍ፣ ሕጅ’ውን  ንዝፍጠር   ናይ ሰላም ዕድላት ንከይሕሰሞ ፣ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ክትከታተሎ ይግባእ። ጉዳይ ሰላምን ፍትሕን ኣብ ኤርትራ፣ ጉዳይ ብቑዕ ባዕልኻ ቆጽሊ ዘውደቕካሉ – እሙን ኣገልጋሊ መሪሕነት – እዩ።   ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ሓርነትን፣ ስኒትን ሓድነትን ንምርግጋጽ ኩሎም ዜጋታት ኤርትራን ኤርትራዊ  ውድባትን  ማሕበራትን ፣ ኣብ ምድልዳል ህዝባዊ ትካላትን ምዕዋት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ክሰምሩ ንጽውዕ።  ብተወስኺ፡  ሞይኦምን ትምህርቶምን ምስ እዚ ጉዳይ ዝተሓሓዝን ብቐረባ ክከታተሉዎ ዝጸንሑን ኣካላትን ውልቀሰባትን ኤትርራውያን፡ ንህዝቢ ኣስተምህሮ ክህቡ ብኣኽብሮት ኣጥቢቕና ንሓትት።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ብቕልጡፍ ኣብ ባይታ ይተሓንጸጽ          

ሕውነታዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጲያን መላእ ዞናናን ናብ ንቡር ይመለስ

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን

15 ሰነ 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Danilo June 17, 2018

    እዚ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዚ ምስቲ ናይ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝመሳሰል እዩ።ነዚ መግለጺ ዚኣንግድ ዘሎ ትካል ረዲዮ ኣሰናን ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑናን ከሞግስ ግድን እዩ።ግን፡ፍልልያት ብዘየገድስ ንሕና ኤርትራውያን ንኽብሪ ህዝብን ሃገርን ከም ንግደስ ምስክርነታዊ ፌርማ ነቀምጥ ዘለና ኮይኑ ይስምዓኒ’ውን።እወ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ብሓይልና ዘረጋገጽናዮ ናጽነት መሬት ሃገርና ሕጊ ከነልብሶ ምምራጽና ሕጊ ከይረኸብና ኣኽበርቲ ሕጊ ሙኹዋና ነረጋግጽ ኣለና ማለት ኢዩ ብዘይ ጥርጥር።በዚ ናይ ኮሚሽን ዶብ ከሲርና እምበር ዝኸሰብናዮ መሬት ትግራይ ወይ ኢትዮጲያ ፍጹም የለን እንዳበልኩ ምእንቲ ሰላም ኣቶም ኣውሓስቲ ሰላም፡ፈራዶ ዶብ፡እቶም ኣብ ዘይ መሬቶም ተኾዲጮም ዘለዉ ሰላም እንተዓጢትጢዎም ብቅጽበት ዶብ መታን ክሕንጸጽ ጻዊዒት እምበር ሕልኽላኽ ንኣተሓሕዛ ቕንፍዝ ብገጻ ሙኹዋኑ ምፍላጥ ግድን ኢዩ።

POST A COMMENT