Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዑደት ጋዜጠኛታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ኤርትራ፡ ብህግደፍ ዝተወደበ ድራማ

ስርዓት ህግደፍ፡ ብናጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እቶት ካብ ሃገርና ዝጉሕጓሕ ዘሎ ማዕድናት፡ ልኡላዊ መሬትናን ማያትናን ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንወተሃደራዊ መዓላ ክግልገላሉ ብምፍቃዱ ዝተተኹበሉ ሚልዮናት ዶላራትን ካብ ህዝብና ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝመንዝዖ ሃብትን ተጠቂሙ፡ ንምልካዊ ምምሕዳሩ

ስርዓት ህግደፍ፡ ብናጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እቶት ካብ ሃገርና ዝጉሕጓሕ ዘሎ ማዕድናት፡ ልኡላዊ መሬትናን ማያትናን ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንወተሃደራዊ መዓላ ክግልገላሉ ብምፍቃዱ ዝተተኹበሉ ሚልዮናት ዶላራትን ካብ ህዝብና ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝመንዝዖ ሃብትን ተጠቂሙ፡ ንምልካዊ ምምሕዳሩ ዘመላኽዑን ንኣበራቱ ሓቢኦም ጸጽብቁ ጥራይ ዝገልጹን፡ ሰበስልጣናት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍቲ ክገዝእን ክምውልን ጸገም የብሉን። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ከም መቀጸልታ ናይቲ ካብ ነዊሕ እዋን ናይ ወጻኢ መራኸቢ ብዙሓን ብገንዘብ ብምግዛእ ሓቂ ንምዝንባዕ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ሜላ፡ ካብ ኣገልግሎት ተለቭዥን ክልል ኣምሓራ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ብምዕዳም፡ ንሓደ ሰሙን ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዑደት ከምዝፍጽሙን ዝተዓዘብዎ ጸብጻብ ከምዘቅርቡን ዕዮ ገዛ ተዋሂብዎም። እቲ ናይ ብሓቂ ናጻን ሓቀኛን ጋዜጠኛ ዝብሃል፡ ነቲ በዓል ስልጣን ወይ መንግስቲ ዝሃቦ ሓበሬታ ብጥሪኡ ጎሲሙ ምቅላሕ ዘይኮነ፡ ኪኖ መንግስቲ ዝህቦ መግለጺታትን ወይ ብቤላበለዉ ዝስማዕን ጉዳያት፡ ምስጢር ፍሒሩ ንሓቀኛ ሞያ ጋዜጠኛ ዝውክል እሙንን ነቲ ኣብ መሬት ዘሎ ክውንነት ዘንጸባርቅን ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ንምዝርጋሕ ምጽዓር’ዩ። እዞም ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ኣስመራ ዝተላእኩ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ድማ፡ መቀጸልታ፡ ናይቶም ድሕሪ ስማዊ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኤርትራ ብምምጻእ፡ ድራማታት ስርዓት ህግደፍ ዝተዓዘቡ ሰበስልጣንን ፖለቲከኛታትን’ዮም፡፡

እቶም ኣብ መደብ፡ “የጋዜጠኞች ዕይታ” ንሓደ ሰዓት ብሕቶን መልስን ናይ ኤርትራ ትዕዝብቶም ንምግላጽ ህርድግ ዝበሉ ጋዜጠኛታት፡ ብዘይካ’ቲ ምቅሉልነትን ልግስን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ሰላም ከምዝናፍቅ፡ ኣብ ጎደና ሓርነትን ሰማእታትን፡ ርስሓት፡ ዝተሰብረ ትቦታት ማይ፡ ጫት ዝጎስም ሰብን ብረት ዝተሓንገጠ ወተሃደርን ዘይምርኣዮም ናብ ሓቂ ዝቀረባ ነጥብታት ምጥቃሶም፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት መልስታቶም፡ እንተ ብቀጥታ እንተ ብተዘዋዋሪ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝነበሮን ንመደረታት ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ዘርጉድ’ዩ ነይሩ። መረዳእታን መልስታትን ናይቶም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ክልል ኣምሓራ፡ ብዙሕ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ  ንኣእምሮኦም ኣጸልሚቱ ሓቂ ንኸየመዛዝኑ ዝደረኾም ኩነትን ንስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ዘመራስሕን ነጥብታት ከተኩር። ጋዜጠኛታት ክልል ኣምሓራ ብቃላቶም ከምዝገለጽዎ፡ መራሒ ማኪናን ቦታታት ዘርእን ዝትርጉምን (Tour Guide and translater) ሰብ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስርዓት ህግደፍ ዝተመደቡ ስለዝኾኑ፡ ናብ ዝተመርጹ ቦታታትን ዑደት ከምዝፍጽሙን ምስ ብፖለቲካ ህግደፍ ዝዓወሩ ዝተሓርዩን ሰባት ርክባት ከምዝገብሩ ንምግማቱ ኣየጸግምን’ዩ። እቲ ሓቂ እዚ ስለዝኾነ፡ ካብቲ ስርዓት ህግደፍ ዘዳለዎ ድራማ፡ ሓሶትን ምስሉይነትን እምበር፡ ንክውንነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቅ ቁምነገር ኣይርከብን’ዩ።

እቶም ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ጎደናታት ሓርነትን ሰማእታትን ተዛዊርም፡ ብጽሬት ኣስመራ ከምዝተመሰጡን ዝተኣከበ ጉሓፍን ዝተሰብረ መመሓላለፊ ረሳሕ ማይ ከምዘይትዓዘቡን ገሊጾም። ከተማ ኣስመራ እቲ ዝውሓደን ዝሓሸን እቶት ህዝቢ ዝነብሮ ጎደና ሓርነትን ሰማእታትን ወይ ውን ብስርዓት ህግደፍ ተኸፊልሎም ዝተቀመጥዎ ሆቴል ጥራይ እንተትኸውን ነይራ፡ ትዕዝብቲ ጋዜጠኛታት ክልል ኣምሓራ፡ ዝወጾ የብሉን ወዳጀ ምተባህለ ነይሩ። ንኣብነት ኣብቲ ዝበዝሐን ዝደኸየን ነባሪ ዘለዎ፡ ብርስሓት፡ ሕጽረት ማይ፡ ጽበት መንበሪ ኣባይቲ፡ ዝተፈሓሓረን መብራህቲ ዘይብሉን ጎደናታት ዘለዎን ከባቢታት ዕዳጋ ዓርቢ፡ ገዛ ብርሃኑ፡ ኣባሻውል፡ ገጀረት ዓቢ፡ ሓዝሓዝ፡ ምህራም ጭራ፡ ውጉኣት ኩናት ዝቅመጥሉ መዓስከራት ክበጽሑ እንተዝፍቀደሎም ነይሩ፡ ስነምግባር ጋዜጠኝነት ክሕልዉ ሓቂ ምተዛረቡን ከም ሳዕቤኑ ድማ ብስርዓት ህግደፍ ንእለት ምተሰጉን ነይሮም፡፡ እቶም ጋዜጠኛታት ክልል ኣምሓራ፡ ንውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ደስ ዘብል፡ ንክውንነት ከተማ ኣስመራ ዘይገልጽ ጸብጻብ ስለዘቅረቡ ግን፡ ካልእ ሓሶታት ክውስኹ ተተባቢዖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ብምዕዳም፡ ምስታ ኣብ ኢዳ ዘይትቶኽበላ ትመስል ጨርቃም ክዳን ተኸዲና ተቀባሊትን ኣሳሳይትን ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ሳባን ደቁን ኣብ ምፍላሕ ቡን ዝተሓጋገዘት እምንቲ ኢሳያስን መቃልስታ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እናበለዩ ስቅታ ዝመረጸት ሚኒስተር ቱሪዝም ኣስካሉ መንቀርዮስን ምስተዓዘበ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ከም ተራ ሰብን ኣብ ማእከል ህዝብን ከምዝነብር፡ ኩለንተናዊ መነባብሮ ኢሳያስ ኣብ መራሕቲ ኣፍሪቃ ልሙድ ከምዘይኮነን ካብ ኢሳያስ ብዙሕ ከምዝተማህረን ገሊጹልና ነይሩ። ኤርትራውያን፡ እቲ ን27 ዓመታት ዝረግጸና ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ፉንፉን ምዃኑ ኣጸቢቅና ንፈልጦ ኢና። እንተኾነ ኢሳያስ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ፍቱዉ ምዃኑን ናይ ተራ ሰብ ናብራ ከምዘለዎን ካብ ጽባሕ ናጽነት፡ ደሞዝን መጋየጺ ማኪናን ዘይብሉ፡ ብዘይ ሓለዋ ኣብ ጎደናታት ዝዛወር፡ ደቁ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘሳትፍ፡ ሕቡእ ገንዘብን ወርቅን ዘይብሉ እናተባህለ ብዙሕ ተዘሪብሉ’ዩ። እዞም ናይ ክልል ኣምሓራ ሰለስተ ጋዜጠኛታት’ውን፡ ነዚ ዝኣረገ ኣርእስቲ’ዩም ብዝምስጥ ኣቀራርባ ደጊሞም። ወዮ ድኣ፡ ነቶም ጋዜጠኛታት፡ “ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ፍቱውን ብዛዕባ ኤርትራ ሓልዮት እንተዝህልዎን፡ ስለምንታይ ነቶም ብሕጊ ተማእዘዝ፡ መሰል ህዝቢ ኣኽብር፡ ግሉጽነት ይሃልኻ” ኢሎም ርእይቶ ዝሃቦ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ኣሲርዎም ኣሎ” ኢሉ ዝሓትት ሰብ ኣይተረኽበን እምበር፡ ህዝብና ክስደድ ዘገደደ፡ ደም ሰብ እናሰተየን ብስቃይ ህዝብና እናሰወደን ብስልጣን ዝዓወረ ኢሳያስ ወረጃን ብጹእን ክበሃል ሓጥያት’ዩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ እቶም ጋዜጠኛታት ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብምንጽጻር፡ ሚኒስተራትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝነብሩሉ ቦታታት ሓለዋ ከምዘይግበረሉ፡ ኣብ መንጎ ዜጋታት ናይ ደሞዝ ጋግ ከምዘየለን፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ናይ መንግስቲ መካይን ክጥቀመሉ ከምዘይፍቀደሎም ብምጥቃስ፡ ኣብታ ንሳቶም ተሳፊሮሙላ ዝነበሩ ታክሲ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ወይዘሮ ፎዝያ ሃሽም ምስቃላ ንምእማኑ ከምዘጸገሞም ሓቢሮም። “ንለባም ኣምተሉ ክንደይ ከይስሕቶ ንዓሻን ደርጉሓሉ ክንደይ ከይፈልጦ” ከምዝብሃል፡ ንእንታይነት ስርዓት ህግደፍ ዘይፈልጥ ገርሂ ሰብ፡ ነታ ብፍላጥን ብምቅንባርን ህግደፍ ምስ ጋዜጠኛታት ክልል ኣምሓራ ታክሲ ከምትስቀል ዝተገብረትን መራሒ ታክሲ ንመንነት ሚኒስተር ፎዝያ ነቶም ጋዜጠኛታት ከምዝገልጸሎም ዝተኻየደን ድራማ ምንባሩ ዘገርም ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ብስርዓት ህግደፍ ዝተሓርዩ መራሒ ማኪናን ቦታታት ዘርእን፡ ኣብ ናይ ብሕቶም ስድራቤት ወሲዶም ምቁር መግቢ ስለዝጋበዝዎም፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቀባሊጋሻን ለጋስን ምዃኑ ኣድናቆቶም ገሊጾም። ኣብዛ ነጥቢ’ዚኣ፡ ጋዜጠኛታት ክልል ኣምሓራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይቅረ በሃሊ፡ ጽልኢ ዘይፈቱ ሃያብ ምዃኑ ምስትውዓሎም፡ የቀንየልና የድልዮም። ህዝቢ ኤርትራ ኣሽምባይ ንፈታዊኡን ንብዓል ድሓንን፡ ነቶም ዝሓርድዎ፡ ዘጋፍዕዎምን ንብረቶም ዝዘምትዎን ወተሃደራት ደርግ’ውን፡ “ዓድኹም ጥራይ ኪዱልና” ኢሉ’ዩ ዝብላዕን ዝስተን ኣስኒቁ’ዩ ኣፋንይዎም። እንተኾነ፡ “ንኣፈን ዘይረኽባ ዝቁርጠምስ’ያ ንርእሰን ሻሽ መጠምጠም” ከምዝብሃል፡ እቶም ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ዝነብሩ ሰነይቲ ጋዜጠኛታት ክልል ኣምሓራ፡ ምዕንጋሎም እምበር፡ ብዛዕባ ስርዓት ህግደፍ ጸጽብቁ ጥራይ ክዛረቡን ክጽሕፉን ጉንዖ ከምዝተዋህቡ፡ ዝበጽሕዎ ቦታን ዘዛርብዎ ሰብን፡ ብቃሕታ ህግደፍ እምበር ንሶም ዝመርጽዎ ከምዘይኮነ ዝጠፍኦም ኣይመስለንን።

ጋዜጠኛታት ክልል ኣምሓራ ዝደርጉሕዎ ሓቂ፡ ግን ከኣ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝነበሮ ጉዳይ፡ ክብሪ ሃለኽቲ፡ ኣብ ባጽዕ ምንቅስቃስ በጻሕቲ ብዙሕ ከምዘይተዓዘቡ፡ ኤነትረ ዝዓይነተን ግዜአን ዝሓለፈ መካይን ኣብ ስራሕ ከምዘለዋን ኣብ ወደብ ባጽዕ ንግዳዊ መራኽብ ምንቅስቃስ ከምዘይርኣዩን ገሊጾም። እቶም ጋዜጠኛታት፡ ነዚ ኣብ ምጽዋዕ ዘሎ ቁጠባዊ  ዝሕታለ፡ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ክፈትሖ ከምዝኽእል ሓቢሮም። ይኹን እምበር፡ ቀንዲ ማሕንቆን ቁጠባዊ ቅልውላውን ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ እቲ ገባቲ ሜላታት ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ከይተፈትሐ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣወጊኑ ዝካየድ ዘሎ ዘይንጹር መስርሕ ሰላም፡ ድኽነት ክውገድን ማሕበራዊ ፍትሒ ክነግስን ኣይክእልን’ዩ። ብኣገማግማ’ቶም ጋዜጠኛታት ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ዝደለይዎ ቦታ፡ ለይትን መዓልትን መኒኻ ዝብሎም ዘይብሎም ብዘይ ወረቀትን ስግኣትን ክንቀሳቀሱ ምኽኣሎም፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዝፈጸመ፡ ብንቅሓት ጸጥታ ሃገሩ ክውሕስን ሞያዊ ክእለት ከጥርን ከምዝኽኣለ፡ ስድራቤቶም ድማ ውጽኢትን ኣገዳስነትን ሃገራዊ ኣገልግሎት ተረዲኦም፡ ከም ናብ ዩንቨርስቲ ዝኸዱ ተማሃሮ ኣስኒቆምን መሪቆምን ብታሕጓስ ከምዘፋንዉዎም ገሊጾም። ኣብ ኤርትራ፡ መደብ ሃገራዊ ኣገልግልት ብሓይሊ ይትግበር ካብ ዘሎ ዝተጸልአ፡ ስሩዕን መጻኢ ዕድላትን መንእሰያት ዝዘረገ፡ ናብ ስደት ዘባረረን ስድራቤታት ዝበታተነን ክንሱ፡ ካብቲ ስርዓት ህግደፍ ብማዕከናት ዜናታቱ ዝገልጾ ንላዕሊ፡ ዝተጋነነን ገነትን ጌርካ ምቅራብ ግን፡ ንሞያ ጋዜጠኝነት ዘራኽስ’ዩ።

ንምጥቅላል፡ ኤርትራውያን ካብ ከባቢና ተነጺልና ምንባር ሕልምናን ድሌትናን’ኳ እንተዘይኮነ፡ ፈታሕቲ ጉዳይና ግን ንሕና ጥራሕ እና። “ዓርኪ ሰባር ነቃዕ” ከምዝብሃል፡ ንነብስኻ ሰብኣዊ ክብሪ ይሕሉን ተሓላቂ ካልኦትን እናበልካ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ምልካውን ብሕጊ ዘይምእዘዝን ስርዓት፡ ምንኣድ፡ ምሕዝነትን ምትእስሳርን ምፍጣር ማለት፡ ነቲ ትምክሓሉ ኣዎንታዊ ክብርታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንገዛእ ርእስኻ’ውን ህግደፍ ኢኻ። ጋዜጠኛታት ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ካልኣይ እግርኹም ናትኩም ኣጀንዳ ሒዝኩም ክትመጹን፡ ስርዓት ህግደፍ ድማ ብሕጊ ዘይግዛእ፡ ግሉጽነት ዘይብሉ ሰባት ንዓምታት ብዘይፍርዲ ዝኣስር፡ ህግደፍ ብዘይ ምርጫን ንብሕቱን ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ከምዘሎ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስለምንታይ ሃገሮም ገዲፎም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ኣለው ክትሓትዎም፡ ካብ ጎደናታት ሓርነትን ሰማእታን  ወጺኹም ኣብቲ ድኻታት ተጸፋጺፎም ዝቅመጥሉ ዘለዉ ስፍራታትን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዓመታት ዝሳቀዩ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ሓቂ ንምፍላጥ ዘወር ክትብሉ፡ መኽሰብን ክሳራን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትፈልጡ ክትጽዕሩ፡ መታን ብዛዕባ ኤርትራ ቅኑዕ ሓበሬታ ክትረኽቡ፡ እሙናት ሚኒስተራት ህግደፍ ምሳኹም ታክሲ ከይካረዩን ሻሂ ወይ ምሳሕ ከይጋብዝኹምን ክትጥንቀቁን፡ ኣፈኛታት ስርዓት ህግደፍ ከይትኾኑን ንሱ ኣብ ዘዳለዎ ተዋስኦ ከይትሳተፉን እላበወኩም።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 4 መከረም 2018

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde September 5, 2018

    There is things money can’t buy,truth and life,the Hersheys, the Kennedys, the Vanderbilts could have bought themselves eternity>>>>>HGDEF is just putting on a suit while wearing underneath a dirty underwear with a hole.Thanks Tsilal.

  • Hara September 6, 2018

    ዝወጾ ዘይብሉ ጽሑፍ ነዚ ጽሕፍቲ ብኣማርኛ ተርጉምካ ምስዳድ መድለየ ነይሩ፡መዲያ ኣማራ ዘኮናስ መድያ ህግድፍ ኢና ባኣማርኛ ሰሚዕናዮ
    የቀንየልና ጽላል።

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply