Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዎ…………… ዉጩ፡ 07-03-14፡

ዎ…………… ዉጩ፡                                  07-03-14፡ ክቡራት ተኸታተልቲ፡ አዛ ጽሕፍቲ ኣብ ግዜኣ ዘይምውጻኣ ይቕሬታ። ኣየ ዓለም ጣልማይ!! ኣየ ንእስነት ኣየ መልክዕ ኣየ ቆራጽነት ተጋዳላይ ሜ/ር ጀነራል ገብረእግዚኣቢሄር ዓንደማርያም(ዉጩ)። ሓቂ ንምዝራብ ኣብቲ ዝሓለፍናዮ ንቡር ዝተሓረሞ ጸሊም ናይ ቃልሲ ዘመን፡ ብመስዋእቲ ንዝተፈለዩና ብጾት

ዎ…………… ዉጩ፡                                  07-03-14፡

ክቡራት ተኸታተልቲ፡ አዛ ጽሕፍቲ ኣብ ግዜኣ ዘይምውጻኣ ይቕሬታ።

ኣየ ዓለም ጣልማይ!! ኣየ ንእስነት ኣየ መልክዕ ኣየ ቆራጽነት ተጋዳላይ ሜ/ር ጀነራል ገብረእግዚኣቢሄር ዓንደማርያም(ዉጩ)።

ሓቂ ንምዝራብ ኣብቲ ዝሓለፍናዮ ንቡር ዝተሓረሞ ጸሊም ናይ ቃልሲ ዘመን፡ ብመስዋእቲ ንዝተፈለዩና ብጾት እንትርፎ እታ መግነዚት ሜትሮ ዓለባን ከምኡ ድማ ክንዲ ቀብሪ፡ ተዝካርን ካልእ ንቡርን እንቆጽራ ዝነበርና ናይ ድሕሪ ሓመድ ድበ ናይ ደቓይቕ ናይ ሰማእታት ናይ ሕልና ጸሎትን፡ ዕጫኻ’ውን ከምኡ’ምበር ምንም ካልእ ባህጊ ከምዘይነበረካስ ይዝከረካዶ? እሞ ነዛ ናይ ሎሚ ምውቕትን ስልምትን ሳንዱቕካ ከመኡ’ውን ወዛሕዛሕ ቀበርትኻን ኣገባባቱን መለሳ ሕሉፍ እምነትካ እንታይ ፍሉይነት ከምዝረኺብካሉ’ዶ ኣምተለይ ?

ካልእሲ ይጽናሕ፡ ይዝከረካዶ ንእዝግዮ ሸኣሎ በላዕተኛ ሰብ ኲናት ከምዋዛ እናቆጸርካ ተውጽኦ ዝነበርካ ናይ ጽንዓት ቃላት? ይዝክረካ ዶ ኣብ ካናለታት ጨው ዕዳጋ ምስብጾትካ ኣብባሩድ ተጠቢስካን ተሸኺልካን ክንስኻ ንእሽቶ መዋጽኦ ንክትረክብ ንኣባላት ከቢድ ብረት ዝሃብካዮ ናይ “ኣሕቢርካ ዝበጠና፡ ኣሕቢርካ በለና” ጻውዒት? ሽዑ መዓስ ዓቕልኻ ጸቢብካ ኮይኑ ንዝዓበየ መስተርሆት ገለ ክትከፍል ንርእስኻ’ውን ክትውፈ ቅሩብነትካ ክትገልጽ ስለዝነበረካ’ምበር!!

ይዝከረካዶ እታ ድሕሪ ወላዲኻ ምእንታኻ ንቡር ዝመነነት ወላዲትካ ገለ ሓድጊ እንተገደፍካላ ከተምስለካ ክትከራኸር’ሞ ንስኻ ድማ ብጾትካ ኣብረመጽ ኲናት ባጽዕ ገዲፍካና ምኻድ ኣነዊርካ ዕጭ ክትነቁት? ንወላዲትካኸ ኣብቲ ዝቐጸለ መዋእልካ ከምትምኒታ ሸሞንተ ውሉዳት ከምዝገደፍካስ ኣበሲርካያዶኾ ንትኸውን?

ይዝከረካዶ ሰራዊትካ ኣኪብካ በቲ ናይ ጓሳ መሰል ኣቀራርባኻ ንተበግሶ መጥቃዕቲ ናደው ብ”ሓመድ ድበ” ክትገልጾ? ሽዑ መታን ናይሓ ዋሩ ሓራን ብልጽግትን ሃገርካ ክትርኢ’ምበር ኣብቲ መጥቃዕቲ ክንደይ ዝኣክል ሰብካ ከተጥፍእ ምዃንካ መዓስ ጠፊእካ?

ይዝከረካዶ ኣብቲ መራሒና ዝኣጎዶ ዘይኣድላይ ኲናት ንስኻ ብገርህኻ ብስም ‘ተወሪርና’ ብናይ ብድዐ ዝመስል “ወያነድኣ ክንጥርፋ ዘይ ጸገመናስ ክንፍንጣሓ እንታይ ክጽግመና” ኢልካ ኣብ መቐለ ዝነበረት ራዴዮ ክትነቕላ ክትብገስ?

ይዝከረካዶ ሽዑ ፋጺ ኣብ ዝተቖጻጸርካሉ ካብኣ ተንከስ ከይትብል ትእዛዝ ምስተዋህበካ ነገሩ’ዃ ጋን እንተኾነካ “ኣይ፡ ኣያ ኣይጠዓሞን” ኢልካ ከተማሳምስ ጸድፍን ገደልን ኮይኑ ክስማዓካ? ብኡ ኣቢላ ድማ ‘ኣያ’ ትብል ቃል መለለይትካ ክትከውን?

ይዝከረካዶ ንምንታይ ‘ኣያ’ ኣብዝገሸሉ እዋን ዘካየድካዮ ስርሒት ሕንቅልሕንቅሊተያት ንኣብነት ብጉልባብ “ኣስመራ መሕብኢት ጫካ ሃደምቲ መንእሰያት ኮይና” ተባሂሉ ዝተገብረ ግፋን ሳዕቤናት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶን ?

ይዝከረካዶ ብምኽንያት ኣብሞንጎኻን መቐናቕንትኻ ተባሂሉ ዝውረየሉ መዘናኻን ተወሊዑ ብትራጀዲ ስቢል ጀነራል ዝተደምደመ ኲና ት መን ከምዝስከሞ ከምተሸገርካን ከምዘይፈታሕካዮን?

ይዝከረካዶ መስዋእቲ ናይ ንርእሱ ግዳይ ሞት ዝኾነ ተጋ/ይ ተኽላይ ኪዳነ  (ኣቦ መንበር ማሕበር ስንኩላን ኲናት ተጋደልቲ ኤርትራ) ስለዘይተዋሕጠልካ ‘ኢልካዮ’  ዝተባህለ ዘረባን ጌርካዮ ዝተባህለ ኣስተዋጽኦን?

ይዝከረካዶ እታ ንጽህቲ ሕልናኻ ንተንኮልን ማሕለኻን ኣያኻ ክትፍንጥስ ተሳኢንዋ ብምሽካላ ብኩሉ ነገሩ ጋን ምስተሰራሕካ ትኾኖ ሓርቢትካ ናብ ፈናጅለ- ጠራሙስ ከምዝነጠብካ? ሰሚዕካዮዶ ክሳብ ድማ ግበሮ ኣይትግበሮ ዝኾነ ሰብ ቀኒዑ ክጥምተካ ዘይተፍቅድ መላኺ ከም ዝተቐየርካን ኪኖ ንኸርስኻ፡ ኣእጋርካ’ውን ብኩቡር ዊስኪ ከምትልቕልቖ ከምዝተወርየልካ? ጌርካዮ እንተኾንካስ ብወገነይ ምንም ኣይሕዘልካን። ናይ ኣበተኹ ክንሱ ናይ ጽጋብ ከምዘይመስል ድማ ምንም ኣይትጠራጠር!!!!!!!!!!!

ሰሚዕካዮዶ መምህርካ ነበር ውጻእ መዓት ተጋ/ይ ተስፋይ ተምነዎ ብዛዕባ ‘ግርህናኻ’ ዝተዛረቦ ንስኻ’ውን ዘይትስሕቶ ዛንታኻ? ኣነ’ውን ብድሕሬኻ ኣያኻ ከምታ ኣመሉ ከምቲ ናይእኒ ወዲ-ዓሊ ኮነ ሽዑ ዝቐፈዶም እሙናቱ ብዛዕባኻ ዝገበሮ ድራማ ክገልጸልካ ጽን ኢልካ ስምዓኒ።

መቸም ኣብዚ ሃገርና ንቡር ሞት ደሪቕዋ ዘሎ እዋን መስዋእትኻ ንዓይን ከማይን ብዙሕ ዝዓይነቱ’ዃ እንተመሰለና መዓስን ብምንታይን ከምዝሓለፍካ ንስኻን ፈለጥቱን ጥራይ ኢኹም ትፈልጥዎ። ኮነ ካብተባህለ ድማ ክሳብ ተራና ዝበጽሕ ንኩነታት ኣካውናኡ ምውጋዕና ምንም ስለዘይእብስ እንሆ ከነውግዖምን ከነውጋዓካን ጽን በለኒ።

ብቐዳምነት ኣያ ብሂወትካ’ዃ እንተዘይገበሮ ‘ብድሕሬኻ’ ዝለዓለ ሓለቓ ሰራዊት ገይሩ ከምዝሸመካ ክገልጸልካ እንከለኹ ካብቲ ዝሰማዕ ናዮ ራዲዮ ኣስመራ ዝበለቶ ኢዩ። ኣበሃህላይ ኮነ ብቐንዱ’ቲ ስራሕ ትርጉሙ ጠላሕ ዘይብለካ እንተኾይኑ ተወሳኺ ዝመስለኒ ከብራሃል ካ። ከምኡ ምግባሩ ዉሉፍ ናይቲ ንዕዑ ጥራይ ዘሐጉሶን ዝርድኦን ድራማታት ብምዃኑ፡ ብናይ መወዳእታ ሚዛኑ ነቶም ህሉዋት መቐና ቕንትኻ ገይሩ ዝኾስኮሶም ባህ ከይብሎም ምስቲ ናይ ብሂወት እንተትነብር’ውን ዘይትሰርሓሉን ዘየብለጭልጭን ናይ ንማለቱ እምባ ከዋ ኽብቲ ንስኻ ከምትሓልፎም ገይሩ ከሻቕሎም ብምሕላኑ ኢዩ። ስራኪን ኣይግዳዱ ቀልቢ ኤርትራዊ ‘ስለዝፈለጦ’ ኣይዓጦን እንድዩ፡ ንዐኦ ም ከዐሽዎም ድማ ዒራ ሜትካ እንዲኻ ባህ ክብለካን ክብሎምን ከምኡ ከምዝገበረ ኣምሲሉ ኢዩ ሕሹኽ ዝብሎም።

ከምቲ ዕለተ-ትውልድኻ መዓስ ተሰዊእካ’ውን ትፈልጥ ኢኻ። ብወገነይ ዘይፈለጥካዮ ክሕብረካ ቀዳም ሸሞንተ መጋቢት፡ 2014፡ ልክዕ ኣብ ዕለተ-ዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ክትቅበር ድማ ተወሲኑ ኣሎ። ሰዓቱ ሰዓት 10.00 ቅድሚ ቀትሪ። ስለምንታይ ከምኡ ተመሪጹን ሓቀኛ ትርጉሙን ዘዘንትዉልካ ከኣ ኣይክትስእንን ኢኻ። እቲ ጭቡጥ ግዳ ደቂ-ኣንስትዮ ናብ ውራየን ዘይኮነስ ከምደርሆ ሆላ ንዳ ተተተቲዐን ናብ መቓብር ሓርበኛ ከምራሓ ኢየን።

ኣነ’ሞ ኣብታ ናይ መወዳእታ ዝገደፍካኒ ማለት እታ ንስኻ ከምዛዋዛ ብናይ ዑስማን ዓብደርሒም ደርፊ “ኣደየ ወላዲተየ” እናበልካ፡ኮሙ ሽነርካን መምህርካን፡ ንዓይ’ውን ወዲጋንታይ ነበር ተጋ/ይ ተኽለ ልብሱ ድማ “ካብ መዓኮር  ………. ክንደይ ቸንቲሜትሪ…… እናበለ ዘስ ሓቐና መዓልቲ ኣብኣ ኣለኹ። መቸም ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞና ከምተፈላለና ትርድኦ ኢኻ። ብወገነይ ከየድሃኻኒ ዎሆይ ክብለካ ኣይመረጽኩ ን። ንስኻ ድማ ሃንሳብ ጠንጢንካኒ ስለ ዝኸድካ ተመሊስካ’ውን ከተናድኒ ኣይከኣልካን። እሞበል ኣብቀብርኻ ክውዕል ይግባኣኒ’ዃ እን ተነበረ ብዘይምውዓለይ ቀንዲ ተሓታቲ ንስኻ ባዕልኻ ከምዝነበርካ መጠን ኣብቲ ዘይተርፍ ንኸዶ ጉዕዘና ህግደፋውያን ዋርድያ ደገ-ሰላ ም ኮይኖም ክጸንሑና እንተኾይኑ’ቲ ሕልሞም ከምኡ ዝኣመሰለ ጥልመት ከይስበለካን ብዓቢኡ ድማ ነቲ ኣብኡ ዝጽበየካ እምባ ወቐሳ ስዉኣት ክትምእዘዝ ካብሕጁ ብናይ መርገጺ ቃላት ስዉኣትና እናተላበኹ ዝሰናበተካ ዘለኹ ሓውኻን ብጻይካን ኢየ።

ኣምላኽ ይቕረ ኢሉ ዘልኣለማዊ ቅሳነት ይፍጠረልካ!                                                                                   ንዝፈጠርካዮም ዜጋታትና ደቅኻን ሙሉኣት ቤተ-ሰብካን ጽንዓት ይሃቦም።

ጎደፋ፡

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • halengi March 15, 2014

    godefa goduf ika gegenenet nkulu zewehab aikonen kem bagela hasas

  • Semhar March 15, 2014

    ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) will be remembered
    –for his weak leadership,
    –his betrayal to his people,
    — infidelity,
    — unfaithfulness,
    –and ignorance.

    –He was a hand and glove of the dictator.
    –He was Isaya’s kedami.

    –was illiterate.
    ኣንቢቡ ጵሂፉ ዘይክል ምሃይም ኢዩ ኔሩ።
    –ሸያጥርሙዝ፥
    –ጛሳ፥ ኢዩ ኔሩ።
    –ጀነራል ምዓርግ ዲያብሎስ ኢሳያስ ኢዩ ሂቡዎ።
    –ምኢዙዝ ናይ ዲያብሎስ ኢሳያስ ኢዩ ነሩ።
    –ንዲያብሎስ ኢሳያስ ከም ፈጣሪኡ ጌሩ ኢዩ ዝኣመን ነሩ።
    –ቅተል እንተበሎ ይቐትል፦ ሕረድ እንተበሎ ዪሓርድ፥ ተምበርከኽ እንተበሎ ዪንብርከኽ ኔሩ።

    *******He was the one who started the war and gave weyane an excuse to declare war against Eritrea.
    *******We lost the war and we suffered heavy casualty because of his recklessness, and ignorance, lack of knowledge.

  • Hidat March 16, 2014

    GIEGENA BFETEWETUN XELETUN BMAERE EYU ZIZEKERER ETIMENTAYSIE NETEOM YEHEBENOM NETEOM DEMA YEREDOM(YEBAHREROM) SILE ZEKONE.

POST A COMMENT