Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውሓዚ ደገፍ ንሓይልታት ምክልኻል ኣራሚ ምንቅስቃስ ኣብ ፎርቶ

ውሓዚ ደገፍ ንሓይልታት ምክልኻል ኣራሚ ምንቅስቃስ ኣብ ፎርቶ ስንክሳር እቲ ሚስጢር ያኢ ደበና ሰማየ ሰማይ ኮይኑ ኣብ ኮረሻ ተሰቂልካ ፟ከም ውሕልልቲ ኣላሚት ፟ተኣኒኖም ዝተወቀሉ᎓ዝተነድቁ ቃላት እናኣምጻኻ ሓሸውየ ተረኺቡስ ሸንኮለል ዕንክሊል እዩ ጸኒሑ እቲ ጸወታ᎓᎓ልጓሙ ከም ዝበተኸ

ውሓዚ ደገፍ ንሓይልታት ምክልኻል ኣራሚ ምንቅስቃስ ኣብ ፎርቶ

ስንክሳር እቲ ሚስጢር ያኢ ደበና ሰማየ ሰማይ ኮይኑ ኣብ ኮረሻ ተሰቂልካ ፟ከም ውሕልልቲ ኣላሚት ፟ተኣኒኖም ዝተወቀሉ᎓ዝተነድቁ ቃላት እናኣምጻኻ ሓሸውየ ተረኺቡስ ሸንኮለል ዕንክሊል እዩ ጸኒሑ እቲ ጸወታ᎓᎓ልጓሙ ከም ዝበተኸ ፈረስ የማነ ጸጋም ዘይብሉ ጉዕዞ ፟ምንባሕ ጽሉል ከልቢ ፟ውሕ ውሕ ነድሪ ዝተሓወሶ᎓ ግዜን ዓቅልን ግን ምስጢር ኩሉ እዩ᎓᎓ፎርቶ ኣብ ውሽጢ ጾግሪ ህግደፍ ተኣኪቡ ዝጸንሐ ፎረፎር ጋሊሃ ንኹሉ ኣውጺኣቶ᎓᎓ያኢ ደቂ ሒማ ደቂ መሬት᎓ ደቂ ባሕሪ ዘየለው ክመስሉ ልክዕ ከም ዘኽታም ህጻን ኣባዲ ዘይብሉ እናኣስቆርቆረ ጀለምታ ንብዓቱ ዘየቋርጽ ሕንቅንቅ እናበለ ንብዓቱ ዝውሕዝ ውሒዙ ንብዓትና ውሒዙ ደምና ውሒዙ ኲሊትና᎓᎓እዚ ኩሉ ፍጻመ ኣብ ልዕሊ ደቂ መሬት እናወረደ ከም ደም ስኒ ንውሽጢ እናማዓጉና መንፈስና ኣህዲእና ብዓቅሊ ብትዕግስቲ ንኹሉ ጸርና ነዊሕ ተጓዒዝና᎓᎓

ንለባም ኣምተሉ እዩ ነገሩ᎓᎓ ኣማቲና ትማሊ ንስለ ፍትሒ᎓ ደሞክራሲ᎓ መንካዕ የሚን ጉጅለ 15 ወዘተ ብዘይየቀሺ ስም ተጠሚቅና᎓᎓ ንለውጢ ብጎነጽ ዘይኮነ ብልዝብ ብልቦና ክንረኽቦ ሃቂንና᎓ እቲምንታይሲ እታ ትማሊ ዝሓለምናያ ኣብ ብራቅ ጸሓይ ዝሰኣልናያ ፟ኤርትራ ፟ከይትቁርመም ከይትሽርመም ደምና እናኸፈልና ፟ከም ቆልዓ መብጸዓ ፟ኡፍ ኡፍ እናበልና ክንሕብሕባ ጸኒሕና᎓᎓ በዚ ኣየብቀዐን ኣይደምደመን ስለዚ ስርሒት ፎርቶ ውን መቀጸልታ እቶም ትማሊ ዝተወልዱ ግን ዘይዓበዩ ዝተደጎሉ ግን ዘይቀሃሙ ቅያታት ትማሊ እዩ᎓᎓

ከም ዓሻ ጠንቋላይ መቁጸሪያ እናቆጸረ᎓ ከርበን ዕጣንን እናደከረ᎓ ኣብ ሕልሚ ተንሳፊፍካ ብዘይ መንገብገብ ክትበርር ኣህዛብ ከተብርር ነዊሕ ሃቂንካ ሕልምኻ ሕልሚ ዓያሹ ምዃኑ ስለ ስረ ሰብ ማዕታይ ሰብ ኪታብ ሰብ መሬት ደቂ መሬት ኣለና ኢሎም ፟ኣብ ፎርቶ ባንደራ ሓርነት ተሰቂላቶ ፟እናዘየሙ ዜማ ሓርነት ዜማ ፍትሒ ዲሞክራሲ ኣብታ ቃላትካ እትጭጭሕ መዝሙርካ እትዝምር መለዘይትካ TV መጺኦም ፟ኦ ህዝበይ ዘድመጹ ፟ብሽራቶም ዝለኣኹ᎓᎓

ናይ ደቂ ሒማ ቃና ዲሞክራሲ ክራማት ፍትሒ ነጎዳ ምስማዕና  ፟ብሽራትኩም ይጥዓም ቃልኩም ይንገስ ድላይኩም ድላይና ሓሳብኩም ሓሳብና ኢና ዘድመጽና ፟᎓᎓

ንሕና ምንቅስቃስ መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ትሮንድሃይምን ከባቢኣን ኢልና ትማሊ ፟ሰብ ኣለዋ እዛ ሃገር ፟ኣለዋ ጀጋኑ ኣለዋ ደቂ መሬት ሰብ ርስቲ ኣድሚጽና ደምዲምና᎓᎓ኣይጸናሕናን ድማ ብሽራትኩም ሰሚዕና ተሓቢንና ተሓጉስና ዕልልታ ካብ ማዕሙቅ ልብና ደርጉሕና᎓᎓

በሉ ኣብ ኣሰር ምንቅስቃስኩም ርዒምና᎓ ኣብ እትገብርዎ ትልሚ ምሳኹም ኣለና᎓ ኣብ ትወፍርዎ ወፍሪ ንሰላም ምሳኹም ክንወፍር ኢና᎓ ኣብ እትውዕልዎ ሽግ ሓርነት ምሳኹም ክንውልዕ ኢና᎓᎓ ኣብ ኩሉ ምንቅስቃስኩም ንሃገር እትኸፍልዎ መስዋእቲ ምሳኹም ክንስዋእ ኢና᎓᎓ ኣብ እተንጥብዎ ንጣብ ደም ደምና ክነንጥብ ኢና ኣብ እትበርርዎ ዑፍ ደሞክራሲ ክንፊ ዘርጊሕና ምሳኹም ክንበርር ኢና᎓᎓

፟፟ብኩሉ ወገን ንግፋዕ ግን ኣይንሰዓርን ኢና

እንገብሮ ይጠፍኣና ግን ተስፋ ኣይንቆርጽን ኢና

የስዱድና ግን ኣይንራሳሳዕን ኢና

ይወቅዑና ግን ኣይንመውትን ኢና ፟ሓዲሽ ኪዳን ቆረንጦስ 4

እዩ ዝብል ጽሑፍ ክገልጽ᎓᎓ ንሕና ውን ኣብ ኣሰር እዞም ቃላት ሪዒምና ብኹሉ ንእትገብርዎ ምንቅስቃስ ብመንፈስን ስጋን ምሳኹም ኣለና᎓ ክሳብ ሕልሚ ስውኣትና ዘይተገብረ ቃል ስንኩላትና ክሳብ ዘይተፈጸመ ራእይ እሱራትና ክሳብ ዘይተደምደመ መቀነት ኣዴታትና ክሳብ ዘይተፈትሐ ስደት ወረ ስደት ክሳብ ዘይኣብቀዐ ከም ዓይኒ ዓሳ ሰለም ኣቢልና ማለት ዘበት ክልተ ዝብልሑ ሰይፍ ኮይንና ንስኹም ንስኹም ብዓዲ ᎓ንሕና ብስግር ባሕሪ᎓ ሶቫያ ንለውጢ ᎓ሶቫያ ንደሞክራሲ ሻማ ንሰላም ሻማ᎓ ንሓርነት ክሳብ እትውላዕ ሽግ ሓርነት᎓᎓ሎሚ ኣብ ፎርቶ ጽባሕ ኮምሽታቶ !!!

ዓወት   ንህዝቢ   ኤርትራ

ዘልኣለማዊ   ዝኽሪ  ንስውኣትና!!!

ምንቅስቃስ   መንእሰያት  ንለውጢ   ኣብ   ትሮንድሃይምን   ከባቢኡን

ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT