Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ርክብ ዝገበረሉ መዓልቲ ካብ ዝኾነ ኣብ ህይወቱ ዝረኣዮ ፍጻሜታት እንተላይ ካብ ውድቀት ደርግ ወይ ናጽነት ኤርትራ ዝበለጸ ምዃኑ ብዓጽመስጋኡ እናመሓለ ከም እተዛረበ ኣዲስ ዝተባህለ ናይ ኢትዮጵያ ቻነል ሓቢሩ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ርክብ ዝገበረሉ መዓልቲ ካብ ዝኾነ ኣብ ህይወቱ ዝረኣዮ ፍጻሜታት እንተላይ ካብ ውድቀት ደርግ ወይ ናጽነት ኤርትራ ዝበለጸ ምዃኑ ብዓጽመስጋኡ እናመሓለ ከም እተዛረበ፡ `ምእንቲ ድሕነት ኢትዮጵያ፡ ብውልቀይ ህይወተይ ንምሃብ `ውን

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ርክብ ዝገበረሉ መዓልቲ ካብ ዝኾነ ኣብ ህይወቱ ዝረኣዮ ፍጻሜታት እንተላይ ካብ ውድቀት ደርግ ወይ ናጽነት ኤርትራ ዝበለጸ ምዃኑ ብዓጽመስጋኡ እናመሓለ ከም እተዛረበ፡ `ምእንቲ ድሕነት ኢትዮጵያ፡ ብውልቀይ ህይወተይ ንምሃብ `ውን ቅሩብ እየ` ከምዝበለ` ኣዲስ ዝተባህለ ናይ ኢትዮጵያ ቻነል ሓቢሩ።

እዚ ዘረባ`ዚ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ጎንደር ከይዱ ኣምሓራ `ኢሱ ኢሱ` ኢሱ ናትና እዩ እናበሉ ብልዑል ዓጀባ ምስ ተቐበሉዎ፡ ነቲ ኣብ ጎንደር ዝርከብ መቓብር ኣብሓጎኡ ምስ በጽሐ ዝተዛረቦ ከም ማኒፈስቶ ኢሳይያስ ክውሰድ ዝከኣል ዘረባ እዩ።

ትርጉም ናይቲ ካብቲ ናይ ኣምሓርኛ መርበብ ዝረኸብናዮ መግለጺ ኢሳይያስ ቃል ንቓሉ ከምዚ ይብል፡

`ኣብ ህይወትካ ዘሐጉሰካ መዓልቲ እንታይ`ዩ እንዲኻ ኢልካኒ፡ ከም መራሒ ዘይኮነ ከም ውልቀሰብ ብዙሕ ነገር ክብሃል ይከኣል `ዩ። ዩኒቨርሲቲ ዝኣተኻሉ፡ ሓዳር ዝወጻእካሉ፡ ቆልዓ ዝወለድካሉ፡ ደርግ ዝወደቐሉ ወዘተ። ብዓጽመይን ብደመይን ዝዛረቦ ኢለ ዝዛረቦ ግን፡ ሕጂ ምስ ኣሕዋትና ኢትዮጵያውያን ካብ ዝተሰማማዕናሉ ዝዓቢ መዓልቲ የብለይን።  በዚ ምኽንያት ድማ ንኣቢይ ከመስግኖ ይደሊ። ኣነ ኣሪገ እየ፡ ብዙሕ ግዜ ኣይተረፈንን። ብመሪሕነት ኣቢይ ግን መጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ኣየተሓሳስበንን እዩ። ወያነ ዋላ `ኳ ብዙሕ እንተተዛረበ ንሕና ንናጽነት ኢትዮጵያ እምበር ንኽሳራ ኢትዮጵያ ሓሲብና ኣይንፈልጥን ኢና። እመነኒ፡ ኣነ ንይምሰል ኣይዛረብን እየ፡ ኣይሰርቕን እየ። 27 ዓመት ብዛዕባ ኣምሓራ ክፉእ ተዛሪብና። ምስዚ ዝኩሉ ኣምሓራ ብፍቕሪ ክቕበሉኒ ክርኢ ከለኹ ግን ክሳደይ ኣድኒነ። ኢትዮጵያውያን ንዓና ዘለዎም ንጹህ ፍቕሪ ብህይወት ከለኹ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዘሐጉስ ነገር `ሞ እንታይ ኣሎ። ክይኑ ግን፡ ብወገን ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ኣብዝን ኣብትን ሞት ኣሎ። እዚ እናረኣና ኸኣ ንሕና ብሰላም ኣይንድቅስን ኢና። ዝተማልአ ሕብረት ክህልወና ኣይክእልን እዩ። እዚ ናይ ዝኸሰሩ ውዲት ከኣ፡ ዋላ ኳ ግዜ እንተበለዐ ክንስዕሮም ኢና። ንሕና ኤርትራውያን ንናይ ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን ሰላምን ጸጥታን ኲናት፡ ግዜ ጉልበት ጥራይ ዘይኮነ ብውልቀይ ህይወተይ ንምሃብ `ውን ቅሩብ እየ። እዚ እዩ እምነተይ። እዚ `ዩ እቲ ብነብሰይ ዝብሎ ሓቂ።`

እቲ ኣብ ሻዱሻይ ወራር ተጋዳላይ ብቐመማዊ ጋዝ መንግስቱ ሃይለማርያም ክልሓስ `ዩ ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን፡ ጅግና ኤርትራዊ ተጋዳላይ ፈሓም ደቚሱ ብዝሰርሖ ማስኬራ ኣፉን ኣፍንጭኡን ተዓቢሱ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣኽራናት ሳሕል ምስ ጦርሰራዊት እናተጠማጠመ ኸሎ፡ ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር መኸተ ተጋዳላይ ንምድጋፍ ዘወፈዩዎ 30 ሽሕ ዶላር ሒዙ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤሽያ ብምኻድ ምስ ፍሊፒኖ ኣመንዝራታት ይዕንደር ከምዝነበረ ኣብ መጻሕፍቲ ተነጊሩሉ ዘሎ፡ ምእንቲ ኤርትራ ክስዋእ ቅሩብነት ዘይነበሮ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሕጂ ምእንቲ ኢትዮጵያ ህይወተይ ንምሃብ ቅሩብ እየ ኢሉ ምፍካሩ፡ ነቲ ኢሳይያስ መዋእሉ ስለ እትዮጵያ እምበር ንናጽነት ኤርትራ ይሰርሕ ከምዘይነበረ ዝገልጽ ጭብጥታት መሊሱ ዘረጋግጽ እዩ።

እዚ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ዳግም ዝተራኸበሉ መዓልቲ ካብ ውድቀት ደርግ (ናጽነት ኤርትራ) ንላዕሊ ከምዘሐጉሶ ብዓጽመ ስጋኡ ምሒሉ ጥሒሉ ምግላጹ `ውን ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዘጉልሕ።

እቲ ጠላም ኢሳይያስ፡ `ኣነ ኣሪገ እየ መጻኢ ኤርትራ ኣብ ኢድ ኣቢይ ግን ኣየተሓሳስበንን የተኣማምነኒ እዩ ኢሉ፡ ነቲ ፈለማ ስልጣን ሂበካ ኣለኩ፡ ወኪልና ንስኻ ኢኻ ክብል ዝተዛረቦ ዝደግም ኣበሃህላ `ውን፡ እቲ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝስውኡ ዓሰርተታት ኣሽሓ ጀጋኑ ዝወለደ ማህጸን ህዝቢ ኤርትራ መራሕቲ ክፈጥር ከምዘይክእል ምቊንጻቡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት መሊሱ ዘነጸር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣምሓራ ኣንበርኪኹ ባርያ ገይሩዎ ክነበር ዘለዎ ሕልሚ ዘንጸባርቕ እዩ።

እቲ ዝገርም፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ`ቲ ዝበደሎ ዘይብሉ፡ ኣመና ዝተጻወሩን ሕድገት ዝገበረሉን ለዋህ ህዝቢ ኤርትራ ሕስድና ዝመልኦ ገበንን ጥልመትን ዝፍጽም ዘሎ ከዳዕ ኢሳይያስ፡ ናይ ኢትዮጵያ እምበር ናይ ኤርትራውያን ተገዳስነት ከምዘይብሉ  ባዕሉ ብዓውታ እናነገሮም፡ ከም መራሒኦም ዝርእዩዎ ጥራይ ዘይኮነ ዝከላኸሉሉ ኤርትራውያን ክሳብ ሕጂ ምህላዎም እዩ። ብሕልፊ እቶም፡ ካብ ፈለማ ኣትሒዞም ኣተሓሳስባኡን ኣካይዳኡን ዝተዓዘቡ ላዕለዎት ሰበስልጣንንን ኣዘዝትን፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእቱ ናብ ኢትዮጵያ ክኸይድን ክምለስን ከሎ ጎሰስ እናበሉ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ከፋኑዉዎን ክቕበሉዎን ከለዉ ዘስደምም ተረእዮ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • keshi mars November 18, 2018

    Hello Assenna,

    Wake up please! This is not about Isaias being an Ethiopian. It’s much much bigger than that. He and the junior politician Dr. Abiy have sold the horn to UAE in the name of bringing foreign capital (FDI). And look what is going on across the sea in Yemen, UAE and its allies are bombarding the country to almost a genocide. God forbid.

POST A COMMENT