Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ

ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ Coordinamento Eritrea Democratica   ዕለት 08/06/16 ኣገዳሲ መግለጺ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ዝኸፍአ ይኸይድ ኣሎ። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ከኣ ብሓደ ሰብ ዝቖመ ስርዓት ዝወለዶ ኢዩ። እዚ ስርዓት’ዚ ዘገድሶ ነታ ሒዝዋ ዘሎ

ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ

Coordinamento Eritrea Democratica

 

ዕለት 08/06/16

ኣገዳሲ መግለጺ

ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ዝኸፍአ ይኸይድ ኣሎ። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ከኣ ብሓደ ሰብ ዝቖመ ስርዓት ዝወለዶ ኢዩ። እዚ ስርዓት’ዚ ዘገድሶ ነታ ሒዝዋ ዘሎ ስልጣን ካብ ኢዱ ከይትሞሉቕ እንተዘይኮይኑ ቅንጣብ ሓልዮት ህዝቢ የብሉን። ህዝቢ ኣብ ማሕበራዊ ሂወቱ ዓቢ ሽግር ካብ ዝረክብ መዋእል ኮይኑዎ ኣሎ። ደቁ ኣደዳ ስደትን ኣብ ሳህራን ማእከላይ ባሕርን ብጃምላ ምህላቕ ልሙድ ኮይኑ። ናይ ወጻኢ ምስለነታቱ  ዝተዋህቦም ዕማም 2% ምእካብን ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ኣብ ህዝቢ ምዝርጋሕን እንተዘይኮይኑ ካብዛ ዶብ’ዚኣ ክሰግሩ ሓላፍነት የብሎምን። በዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ኣሰቃቒ ህልቀት ወዲ ሰብ ዓለም ብምልኡ እናእወየ፡ እንኳን ዜጋታትካ ንዝኾነ ፍጡር ኣሰቃቒ ሓደጋ ከጋጥም ሕልንኡ ዘይትንከፍ ሰብ የሎን። ኢምባሲታት ህግደፍ ግን  ሓዓይኖምን እዝኖምን ደፊኖም ኣብ ኤርትራዊ ዜጋ ወላ ሓደ ከም ዘየጋጠመ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ትኣምር ቁጠባዊ ዝላ ይስራሕ ከምዘሎ፡ ሰረት ምዕሩይ ማሕበራውን ቁጠባውን ዝርጋሐ  ይንጸፍ ከምዘሎ ክመጻደቑ ክትዕዘብ ዘስደምም ኢዩ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ኢሳያስን ናይ ቀረባ ኣማኸርቱን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጽምዎ ዘሎው ሰብኣዊ ግህሰት ብዓለም ደረጃ ኣዛራቢ ኮይኑ ስለዘሎን፡ ብፍላይ ከኣ ትካል ሰብኣዊ መሰል ሕብራት መንግስታት ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግህሰታት ዘኣከበቶ መርትዖታታ እውጅ ክትገር ኣብ ዝተቃረበሉ እዋን ምስ 8 ሃገራት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ሸርም-ሸኽ ኣኼባ ኣካይዶም። ዕላማ መራሕቲ ኤርትራ ሓድሽ ተበግሶ ንወስድ ኣሎና ኢልካ ንዓለም ምድንጋርን ካብ ገበናዊ ተሓታትነት ንምህዳምን ተባሂሉ ዝተሰርሐ ድራማ ኢዩ። ኮር ደገምጠል ኢዩ ነገሩ። ጠንቂ ዘይሕጋዊ ስደት እኮ ንሰባት ብዘይ ፍትሒ ንዓመታት ኣብ ክንተይነርን ጎዳጉድን ክበልዩ፡ ቤተ ሰቦም ኮነ ሕጋዊ ጠበቃ ክርእዮም ዘየፍቅድ፡ መንእሰያት ኣይትምህርቲ ኣይሓዳር ንባርነት ፈሪድካስ ሕጂ ጻድቕን ሓላይን ክትመሰል በየናይ መለክዒ። ኢሳያስን ላዕለዎት ሚኒስተራቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ገበን ከም ዝፈጸሙ ኢንኳየሪ ኮሚሽን ፍርዱ ሂቡ ኣሎ። የማነ ማንኪ ጀነቭ እንተመጸ ነቲ ኩነታት ዝቕይሮ ኣይኮነን።

ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃገራት (UNHCR) ከም ዝሕብሮ ካብ 25/5/16 ክሳብ 29/5/16 ዘሎ 4 መዓልታት ካብ 880 ክሳብ 1000 ዝኸውን ሂወት ሰብ ኣብ መዲተራንያ ጥሒሉ። ብፍላይ ኣብ 26/05/16 ዘጋጠመ ህልቀት ጋዘጠኛ SKYTG24 ብሂወት ዝደሓኑ 2 ሰብ ሓቲቱ ብትግሪኛ ዝዛረብዎ ዝነበሩ ኣብታ ጃልባ ኤርትራውያ፡ ሶማላውያን ናጀራውያንን ከም ዝነበሩን ዝበዝሑ ከም ዝጠሓሉን ሓቢሮም። ሕጻውንቲ ካብ 2 ዓመት ክሳብ 10 ዓመት ዝዕድሜኦም ክሳብ 36 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብኣ ከም ዝነበሩን ኩሉም ድማ ከም ዝጠሓሉን ወሲኾም ተዛሪቦም። ብ2/6/16 ከኣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊብያ (ዙዋራ) ባሕሪ ገፊዑ ዘምጽኦም ቅድም 117 ሬሳታት ጸኒሖም ከኣ 150 ሬሳታት ተረኺቦም። በቲ ዕለት’ቲ ከኣ ኣብ ደሴት ክረታ (ግሪኽ) ካብ 700 ሰብ ክሳብ 250-340 ሰባት ጥራይ ከድሕኑ እንከሎው ብዘይካ 4 ሬሳ ዝተረፉ ካልኦት ኩሎም ጥሒሎም።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ናይዚ ኩሉ ዕንወት ቀንዲ ተሓታቲ ስርዓ ት ህግደፍ እኳ ይኹን እምበር ነዚ ኩነታት ተጠቒሞም ብዘይሕጋዊ ሰባት ዘሰጋግሩ እውን ካብቲ ስርዓት ተፈልዮም ዝርኣዩ ኣይኮኑን። ኤርትራዊ ንኤርትራዊ ብናይ ገንዘብ ስስዐ ዝድልልን ዝሸይጥን ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሖም ምህላዎም ኢዩ። ዝገርም ድማ ንሓደ ሓድሽ ሓበረታ ወይ መገዲ ዝሓትት እሞ ናይ 5 ደቂቕ ብእግሪ ዝወስድ 50€ ክትበልዖ፡ ካብ በተሰቡ ዝልኣኸሉ ገንዘብ ኣውጽእካ ክትህቦ 20% ምሕታት።  ሕልና ዘይብሉ ተግባራት ብጣዕሚ ዘስደምም።

ህሉው ዝርጋሐ ደላሎ እንታይ ይመስል፡-

ብመሰረቱ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ኢዩ ዝጅምር። ቀጺሉ ዝዓበየ መዋፈሪ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኢዩ። ካብ ቻድ ንሊብያ ዝሸጡን ዘመላልሱን ኣሎው። ብካልእ ከኣ ብስናይ ንግብጽን ኢስራኤልን ዘሳግሩ። ዝዓበዩ ጎብለላት (BOSS) ኣብ ሊብያ ትረክብ። ኣብ ኣቡዳቢ እውን ምስቲ ናይ ሊብያ ዝተኣሳሰር ካልእ ሰኪዐት ኣሎ። ድሕሪ ክንደይ መከራ ሊብያ ዝበጽሐት ትንፋስ ከኣ ኩሉ ግፍዕታት ተጻዊራ ናይ መጨረሻ ዕድላ ኣብ ባሕሪ ቀለብ ዓሳ ትኸውን ወይ ድማ ብድሓን ኤውሮጳ ትሰግር። ነቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕ ሰባት ዘመላልሱን ዝሸጡን ይተሓዙን ክትትል ይግበረሎም ስለዘሎ ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ክተሓጋገዝ ምዃኑ የፍልጥ። ብዕለት 07/06/16 ዜና ናይ ጥልያን ከምዝሓበሮ ኣብ ከምዚ ዝነጥፍ ሓደ ኤርትራዊ ካብ ሱዳን ሒዞም ንሮማ ከም ዘምጽእዎ ይሕብሩ።

እቲ መርበብ ከምዚ ኮይኑ ነዚኦም ዝምግቡ ኣብ ምዕቡል ሃገራት ዘሎው ረቀቕቲ ተቀበልትን መሳገርቲ ገንዘብን ግን ብዙሓት ኢዮም። እሞ’ዚኣቶም ግዝያዊ ጥቕሞም ጥራይ ሰለ ዘገድሶም ዘይሕጋዊ ስራሕ እናካየዱ ሰብ ኣብ ባሕሪ እናሃለቀ ሱቕ ኢልካ ክርአ ይከኣል’ዶ? ብሞራላዊ ሕልና ቅቡል ኣይኮነን።

ካብ ሕጂ ንድሓር ይኣክል!! ኩሉ ንፍትሒን ንለውጥን ዝቃለስ ክገብሮ ዘለዎ ኣብ ከከባቢኡ ዝርከቡ፡-

  1. ንናይ ደለልትን ዘይሕጋዊ ኣሳገርትን ወኪላት ኮይኖም ዘይሕጋዊ ምቅባልን ምትሕልላፍን ገንዘብ ዘካይዱ ብሕጋዊ መገዲ ናብ ቀይዲ ምእታው
  2. ደለልቲ ሰባት ምግላጽን ናብ ሕጊ ምቅራብን
  3. ኣብ ናይ ስደተኛታት ተርጎምቲ ዘሎው ንሓደስቲ ኣብ ናይ ተቓወምቲ ከይከዱን ናይ ጣዕሳ ወረቀት መሊኦም ምስ መንግስቶምን ሃገረምን ክጽግዑ ከም ዘለዎም ዝሰብኩ ካብቶም ካልኦት ፈሊኻ ስለ ዘይራኣዩ ምግላጾም

በዚ መሰረት ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ንኹሉ ተቓላሳይ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ደላሎ  ብሕጊ ክተሓሓዞም  ጸዋዒታ ተቕርብ።

ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለዋ ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ምስ ካድረታቶም ተመሻጢሮም  ካብ ኤርትራ ሰባት ዘሳግሩ ስለዘሎው ነዚ ደው ከብልዎን፡ ነቶም ደላሎ ድማ ኣብ ቀይዲ ክእትውዎም ነማሕጽን።

ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ህዝብና ብተደጋጋሚ ኣብ ሳህራን ባሕርን ክሃልቕ ሱቕ ኢሉ ክርኢ ስለ ዘይክእል ደጊም ይኣክል!! ኢሉ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ 3 ነጥብታት ምስ ዝምልከቶም ናይ ጸጥታን ሕግን ትካላት ብምትሕብባር ብዕቱብ ክሰርሓሉ ምዃኑ ንህዝብና ነፍልጥ።  ምስ ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳ’ውን ክንተሓጋገዝ ቁሩባት ኢና።

ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • TYG June 10, 2016

    እዞም መሰጋገርትን + ናይ ይህግደፍ ተሓልቕትን ብረመጽ ጓህሪ ህዝቢ ኤርተራ ዝነድሉ እዋን ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ ። ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ጸዋዒትኩም ኣብ ናይ ቡዙሓት ኣእዛን ናይ ጸዋዒት ደወል ኮይኑ ከምዘቃልሔ ዘጠራጥር ኣይኮነን እሞ ኣጆኹም!! እቲ ኩሉ ዘይስኣኖ ግን ኩሉ ዝኽኣሎ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ወፍርታትኩም ጥዕናን ሓይልን ሂቡ ኣብ ምቕላዕ ናይዞም ካብ ናይ ህግደፍ ዘይንእስ ኣብ ሊዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበን ዝፍጽሙ ዘለዉ ገብንተኛታት መጎሱ የብዝሓልኩም። ግዜ ኣርኪቡዎም ኣዩሞ ዝሕብኡሉ ጎቦ ወይ ዘምልጥሉ ስንጭሮ የብሎምን። ድምጽኹም ይዓንብብ ወፍርታትኩም ጠጥዕን ለምዕን ይኹን ኣሜን

POST A COMMENT