Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ብመንገዲ ኢትዮጵያ ፖሊሲ’ዶ ብልሽውና; ወይስ ልሙድ ኤርትራዊ ባህርይ

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ብመንገዲ ኢትዮጵያ ፖሊሲ’ዶ ብልሽውና  ወይስ ልሙድ ኤርትራዊ ባህርይ ታደሰ ኪዳነ    በርሚንግሃም    02/09/2014   ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ገዛና ዝበቖለ እሾኽ መርገም፣ በብቑሩብ እናኣስፋሕፍሐ ምድሪቤትና ካብ ዝወርሶ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ገዛእ ውሻጠናን ምድሪ-ቤትናን፣ ማሚቑና ክንድቅስስ ይትረፍ፣ ድርኲኺት

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ብመንገዲ ኢትዮጵያ

ፖሊሲ’ዶ ብልሽውና

 ወይስ ልሙድ ኤርትራዊ ባህርይ

ታደሰ ኪዳነ    በርሚንግሃም    02/09/2014

 

ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ገዛና ዝበቖለ እሾኽ መርገም፣ በብቑሩብ እናኣስፋሕፍሐ ምድሪቤትና ካብ ዝወርሶ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ገዛእ ውሻጠናን ምድሪ-ቤትናን፣ ማሚቑና ክንድቅስስ ይትረፍ፣ ድርኲኺት ሰገርና ንብረትናን መረበትናን ክንርኢ’ውን ዝፍቀድ ኣይኮነን። ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ናብ ስደት ግዒዙ። ዘዝጎበዘ ድማ ተር ከም ዓተር ኮይኑ የርክብ ኣሎ። ልሙዕ መሬትና ቃዲሩ፣ ዝዓበናሉ ገዛውቲ ዓንዩ፣ ወራሲ ስኢኑ። ዘዕበዩና ወለዲ ኣሪግም፣ ቀባሪ ስኢኖም። ኣዋልድና ዝምርዓወን ስኢነን፣ ብዙሓት ተሰዲደን፣ ዝተረፋ ድማ ናብ ደምሒት ከቋምታ ጀሚረን። ንሱ ጥራይ ከይኣክል፣ ኣብ ዘዝኣተናዮ ዓዲ ኣደዳ ጭውያን፣ ግዳያት ነጋዶ ደቂ-ሰብን ኮይንና።

 

ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ድማ፣ እቲ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ውልቃዊ ናይ ስልጣን ጥሙሕ ዘገድሶ፣ ሰባት እናበልዐ ዝኣተወ ጉጅለ ኢዩ። ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቱ ስለ ዝመጸ፣ ናይ ሰላም ኣየር ከነስተንፍስ ኣይፈቐደልናን። እቲ ንውግእ ከም መህድኢ ውሽጣዊ ቅልውላውን ፖለቲካዊ ጥፍሽንኡን እናተጠቕመ ዝመጸ በታኒ ጉጅለ፣ ኣብ ነንበይኑ እዋናት ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኲናት እናወልዐ ሰላም ነፊጉና። ንዝኾነ ኣማራጺ ሓሳብ ዘቕርበ ይኹን፣ ኣከያይዳና ነጸብቕ ዝበለ ብዘይ-ንሕስያ ጨፍሊቑዎ። ከምኡ ኢሉ ካብ ገበን ናብ ገበን እናተሸመመ፣ ምስ ገዛእ ህዝቡ ኣብ ዘይዕረቐሉ ደረጃ በጺሑ። በቲ ሕሉፍ ገበናቱ ስለ ዝሰግአ ድማ፣ ነቲ ‘ክገብር ይኽእል’ዩ’ ዝበሎ ክሳብ 50 ዓመት ዝበጽሕ ኤርትራዊ ወለዶ፣ ምንባር ስኢኑ ሃጽ ኢሉ ከም ዝጠፍእ ገይሩዎ።

 

ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራ ቅጥዒ ምስ ሰኣነ ድማ፣ ምስቶም ካብን ናብን ኤርትራ ብኮንትሮባንዶ ሰባት ዘመላልሱ ዝነበሩ ሸፋቱ ረሻይዳ ሽርካ ብምዃን፣ ተረባሒ ንግዲ ዜጋታቱ ኮይኑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ መሸጣ ኣካላቶም’ውን ኢድ ነይሩዎ ኢዩ። እቲ ጽዩፍ ተግባር ኣብ ዓለም መዛረቢ ምስኮነን፣ ብዙሓት ሓይሊ ዘለዎም ናይ ግዳም ሓይልታት ኣእዳዎም ከወጣውጥሉ ምስ ጀመሩን ግን፣ ክመጻደቕን ናይ ጸይቂ መሓውራቱ ክእክብን ተራእዩ። እዚ ኩሉ እናተገብረ ከሎ፣ ነቲ ብጎሮሮና ዓትዒቱ ሒዙና ዘሎ ስርዓት፣ ፈርገጥገጥ ኢልና ክንረግሖስ ይትረፍ፣ ድምጽና ኣሕቢርና ዓገብ ክንብል’ውን ኣይከኣልናን።

 

ንኽንስደድ ድማ ንመውትን ንኸፍልን ኣሎና

ብርግጽ ጠንቂ ስደትን ጸገምን ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ደቁ ኢዮም። ካብ ኣብራኹ ወጺኦም፣ ኣጽፋሮም ኣብ ጎሮርኡ ሸኺሎሞ ኣለዉ። ክቱር እምነት ኣሕዲሩ ስለዝጸንሐ ድማ ኣጽፋሮም ቆሪጹ ብምድርባይ ካብ ስቓይ ክድሕን ገና ዓቕሚ ኣይወነነን። እቲ ካብ ምጉዕዓዝ ደቁ ዝእከብ ገንዘብ ግን ገና ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ ድማ፣ ብዛዕባ’ቲ ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ተበጊሱ፣ ክሳብ ባሕሪ መዲተራንያን ዝበጽሕ፣ ብዘይ ምቁራጽ ክካየድ ዝጸንሐ፣ ጉዕዞ (ቃፍላይ) ኤርትራውያን ኢየ ክዛረብ።

 

ካብ ናይ ገዛእ-ርእሰይ ተመኩሮ ሓንቲ ኣብነት ከቕርብ። ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር፣ ሓደ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰብ ስልኪ ደዊሉ፣ ብሰላም ኢትዮጵያ ምእታዉ፣ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣትዩ ክሰርሕ ከምዘይፍቀዶ፣ ናብ ካርቱም (ሱዳን) ክኸይድ ከም ዝደልን ሓቢሩኒ። ኣብ ከተማታት ሱዳን; ኤርትራውያን ብተዛማዲ ደሓን ናይ ስራሕ ናጽነት ስለ ዘለዎም እመስለኒ። ካርቱም መብጽሒ ዝጠለቦ ገንዘብ ድማ ክልተ ሽሕ (2000) ብር ኢትዮጵያ ጥራይ ነይሩ። በተን ክልተ ሽሕ ብር ሰለስተ ግዜ ፈቲኑ ኣይሰለጦን። ብናይ ኢትዮጵያ ሓለዋ ዶብ ተተታሒዙ ይምለስ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን ብናቱ ጥበብ፣ ብውሑድ ገንዘብ ካብ ሓለዋ ዶብ ኢትዮጵያ ኣምሊጡ ካርቱም ክኣቱ ክኢሉ። ኣብቲ እዋን’ቲ ትካላት ጸጥታን ናይቲ ከባቢ ሰበ-ስልጣንን ኢትዮጵያ፣ ካብ ምጉዕዓዝ ደቂ-ሰባት ገንዘብ ምእካብ ኣይጀመሩን ነይሮም ክኾኑ ኣለዎም።

 

ምስ ፍጻሜ ህልቂት ላምፐዱዛ ተተሓሒዙ፣ ካብ መዓስከራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝሰማዕናዮ ኣውያትን፣ ብመኮነናት ኢትዮጵያ ዝተዋህቦ ግብረ-መልስን ምስ ሰማዕና ግን፣ ንብዙሓት ካብ ድቃስና ከም ንበራበር ገይሩና ኢዩ። (ነዚ ብዝምልከት “ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ” ዝብል ኣርእስቲ ሂበ፣ ኣብ እዋኑ ብዝርዝር ጽሒፈ ነይረ ኢየ።) እቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት፣ በብውልቂ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝግበር ዝነበረ ዋሕዚ፣ ሎሚ ብኣዝዩ ዝተወደበን ረቂቕ ብዝኾነ መንገድን ክካየድ ንርእዮ ኣለና። ነዚ ብዝምልከት፣ ገለ ካብቶም ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም ኤውሮጳ ዝኣተዉ ብዙሓት መንእሰያት ዝብልዎ ነዚ ይመስል።

 

“ኣብ ውሽጢ’ቲ መዓስከራት፣ በቶም ነጋዶ ደቂ-ሰብ ወይ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ከባቢ ዝተላእኩ፣ ሰባት ዘዳልዉ ኤርትራውያን ደለልቲ ኣለዉ። ብመንገዶም ኢኻ ትእከብን ትወዓዓልን። ዝኣኽሎም ሰባት ምስ ቀረቡ የበግሱኻ። ብለይቲ ንገለ ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ብእግሪ ትጎዓዝ’ሞ፣ ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ኮፍ ኢልካ ትጽበ። ካብኡ ሽፉናት መካይን መጺአን፣ መተንፈሲ ክሳብ ትስእን ኣብ ውሽጠን ትስጎድ። ሓንሳብ ኣብተን መካይን ምስ ኣተኻ፣ ከተዕርፍ ይኹን ድምጺ ክትገብር ፍጹም ዝፍቀድ ኣይኮነን። እተን መካይን ቢራ ወይ ልስሉስ መስተ ዝጸዓና ኢየን ዝመስላ። በቲ ኬላታት (መፈተሺ ንቑጣ) ክሓልፋ ከለዋ፣ መራሕተን ጉቦ ዝህቡ ወይ ኣቐዲሞም ዝተረዳድኡ ኢዮም ዝመስሉ። ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ድማ ብዘይ ጸገም ኢየን ዝሓልፋ። እዚኣተን ክሳብ መሬት ሱዳን የብጽሓኻ። ካብኡ ድማ ናይ ሱዳን መካይን ይቕበላኻ‘ሞ ካርቱም የእትዋኻ። ገንዘብ ክሳብ ዝሕወለልካ ድማ ኣብ መጽንሒ ቦታ ሕዩር ኮንካ ትጽበ።”

 

እዞም ካብቲ መዓስከራት ፍርቂ ሰዓት ተጓዒዞም ብመካይን ዝጓረቱ ሰባት፣ ባዕሎም ዝኸፍልዎ ገንዘብ የብሎምን። እቶም ብመካይኖም ዝጓርቱ’ውን ብዘይካ ዝመለስዋ ክዳን፣ ሳንቲም ምስ ዘይሓዙ ሰባት ኢዮም ዝወዓዓሉ። እቲ ውዱብን ዝተወሃሃደ ረቂቕ መስርሕን እምበኣር፣ ካብዚ ኢዩ ዝጅምር። እቶም ካርቱም ኣትዮም ኣብ መጽንሒ ቦታታት ዝእከቡ ሰባት፣ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣሕዋቶም ወይ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰቦም ገንዘብ ክሕውሉሎም ይሓቱ። ብናይ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ዕዳጋ መሰረት፣ እቲ ንሓደ ሰብ ክሕወለሉ ዝሕተት ገንዘብ $1400 (ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዶላር ኣመሪካ) ኢዩ። እቲ ገንዘብ ድማ ብብር፣ ብናቕፋ ወይ ብጅንየ ሱዳን ዘይኮነስ፣ ብዶላር ኣመሪካ ኢዩ ክኽፈል ዘለዎ። እቲ ካብ ኣመሪካ፣ ኤውሮጳ ወይ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ንሱዳን ዝሕወል ገንዘብ፣ ኣብ ጎደናታት ካርቱም ኣብ ጸሊም ዕዳጋ፣ ዶላር ኣመሪካ ተገዚኡ ንኣሰጋገርቲ ሰባት ይኽፈል። ምንጪ ናይዚ ገንዘብ’ዚ ድማ ዘይሩ ዘይሩ ኣብቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኢዩ ዝጸዓን።

እቲ ዝለኣኽ (ዝሕወል) ገንዘብ፣ ኣብ ኢድ’ቶም ኣጓዓዓዝቲ (ነጋዶ ደቂ-ሰብ) ክሳብ ዝበጽሕ ዝሓልፎ መስርሕ ኣለዎ። ንኣብነት ካብ ኤውሮጳ ዝለኣኽ  ገንዘብ፣ ኣብቲ ቀዳማይ እግሪ ጥራይ፣ መጀመርያ ናብ ዶላር መቐየሪኡ፣ እንደገና ናብ ሱዳን መልኣኺኡ፣ ክልተ ግዜ ይኽፈለሉ። ኣብ ሱዳን ብወግዒ ኣብ ዕዳጋታት ዝሽየጥ ዶላር ስለ ዘየለ ድማ፣ ተቐባሊ፣ ብጅንየ ተቐቢሉ እንደገና ካብ ጸሊም ዕዳጋ ዶላር ይገዝእ። ዶላር ኣብ ጎደናታት ሱዳን ክትገዝኦ ክቡር ስለ ዝኾነ ድማ፣ እንደገና ሳልሳይ ግዜ ንመግዝኢኡ ዝያዳ ገንዘብ ይሕተት። እቲ ገንዘብ ብቐጥታ ናብቶም ደላሎ (ነጋዶ ደቂ-ሰብ) ዝለኣኽ እንተኾይኑ’ውን ነዚ (ንመቐየሪኡ) ኣብ ግምት ኣትዩ ኢዩ ዝሕተት። ስለዚ እቲ ኣብ ሱዳን ዝኽፈል $1400 (ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዶላር)፣ ካብ ኣመሪካ ወይ ኤውሮጳ ክለኣኽ ከሎ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ኢድ እቶም ተቐበልቲ ክሳብ ዝበጽሕ፣ ንመንቀሳቐሲኡ ጥራይ፣ ብላዕሊ ከባቢ $300 (ሰለስተ ሚእቲ ዶላር) ኣቢሉ ይኽፈሎ።

በዚ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ዕዳጋ፣ ሓደ ሰብ ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ተበጊሱ፣ ኤውሮጳ ንኽኣቱ፣ ብደላሎ (ነጋዶ ደቂ-ሰብ) ዝሕተት ጽሩይ ገንዘብ፣ ነዚ ዝስዕብ ይመስል። ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሱዳን $1400 (ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዶላር)፣ ካብ ሱዳን ክሳብ ሊብያ $1600 (ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ዶላር)፣ ካብ ሊብያ ክሳብ ዓዲ ጥልያን $1800 (ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን ዶላር)፣ ካብ ዓዲ-ጥልያን ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ድማ፣ ካብ ሰብ ናብ ሰብን ምስ ቅርበት ናይተን ሃገራትን ዝፈላለ ኮይኑ ብገምጋም ከባቢ €1000 (ሓደ ሽሕ ዩሮ) ኣቢሉ ኢዩ። ኩሉ’ዚ ግን፣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፣ ንመልኣኺኡን፣ እቲ ሰብ ንሕማቕ እዋን ተባሂሉ ኣብ ጅቡኡ ዝሕዞ ገንዘብን ኣብ ግምት ከይኣተወ ኢዩ።

ብዙሓት ካብቶም ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም ኤውሮጳ ዝኣተዉ ኤርትራውያን፣ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን መስገሪ ዝኽፈል ገንዘብ፣ ምስቲ ምድረ-በዳ ንምስንጣቕ ይኹን ባሕሪ ንምስጋር ዝወጽእ ገንዘብ ኣወዳዲሮም፣ ፍጹም ምኽኑይ ከም ዘይኮነ ኢዮም ዝገልጹ። ኣብ ንቡር እዋን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ብቐሊሉ፣ ብእግሪ ወይ ብኣውቶቡስ ክስገር ስለዝከኣል።

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ትሰግረሉ፣ ሕጋዊ ዝመስል ካልኣይ መንገዲ’ውን ኣሎ። ኣብተን መዓስከራት ዘለዉ መኮነናት ኢትዮጵያ፣ ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ “ሱዳን ክትከዱ እንተ ደሊኹም ተመዝገቡ’ሞ ባዕልና ከነብጽሓኩም” ይብሉዎም ኢዮም። ነቶም ብወለንታኦም ዝምዝገቡ ድማ፣ ኩሉ ናይ ስደተኛ መሰሎም ተሓኺኹ፣ ገለ ቁሩብ ገንዘብ ተዋሂቦም፣ ኣብ ኣውቶቡሳት ተጻዒኖም፣ ኣብቲ ተዛማዲ ሰላም ዘለዎ ዶባት በገምድር (ምዕራብ ኢትዮጵያ) ዘይኮነስ፣ ኣብ ከባቢ ሑመራን ሓምዳይትን ዝርከብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ይፍንዉዎም። እዚ ከባቢ’ዚ ዳርጋ ናብ ሕጊ ኣልቦ ዝተቐየረ ቦታ ብምዃኑ ድማ፣ እቶም ሰባት ሰለስተ ዕድል ኣለዎም።

  1. ብመንገዲ ደምሒት (ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ጉጅለ) ወይ ብስለያዊ መሓዉራት ህግደፍ ተታሒዞም ናብ ኤርትራ ክምለሱ
  2. ብረሻይዳ ተታሒዞም፣ ንመልቀቒኦም ዝኸውን ገንዘብ ክለኣኸሎም ከእውዩ
  3. ብፖሊስ ሱዳን ተታሒዞም፣ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ይለኣኹ

 

ስለዚ እቲ ብመንገዲ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝግበር ሕጋዊ ዝመስል ምፍናው፣ ዘይውሑስ ስለ ዝኾነ፣ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ነቲ ብዝተወደበ መንገዲ፣ ብስዉር ዝግበር ምጉዕዓዝ፣ ዋላ ክቡር ይኹን፣ ንዕኡ ኢዮም ዝመርጹ። እዚ ምጉዕዓዝ’ዚ ድማ “ካብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጸጥታ ትካላት ዝተኸወለ ኢዩ’ ወይ ድማ ‘ላዕለዎት ሓለፍትን መኮነናትን ክሊ ትግራይ፣ ኢድ የብሎምን” ኢልካ ምዝራብ የዋህነት ኢዩ። ብፍላይ ድማ ምስ ባህሪ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ፣ ኣብቲ ከም ሰረት ናይ ስልጣኑ ዝሓስቦ ክሊ ትግራይ፣ ዋላ ዑፍ ሕብራ እንተቐየረት’ውን ብደቂቕ ዝቆጻጸር ናይ ኢህወደግ ስርዓት። እቲ ዘይውሑስን ሓደገኛን፣ ግን ከኣ ሕጋዊ መስመር ሑመራን ሓምዳይት እምበኣር፣ ምስቲ ብዝተወደበ መንገዲ፣ ብስዉር ብመካይን ዝግበር ናይ ሰባት ንግዲ፣ ምትእስሳር የብሉን ኢልካ ምዝራብ ዝከኣል ኣይኮነን።

 

ስለያዊ ትካላት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ምእኩልን ቅልጡፍን ጥራይ ዘይኮነ፣ እቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓለፍትን መኮነናትን፣ ምስቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ነቲ ማእከላይ መንግስቲ ዝቆጻጸሩ ሰበ-ስልጣን ናይ ቀረባ ርክብ ስለ ዘለዎም ድማ፣ ኩሉ’ቲ ዝግበር ምስግጋር ደቂ-ሰባት፣ ‘ካብ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸወለ ኢዩ’ ኢልካ ምሕሳብ ዘይክዉንነት ኢዩ። ስለዚ ዘይሩ ዘይሩ፣ ገለ ካብቶም ኣብ ከባቢ ትግራይ ዘለዉ ሓለፍቲ ዝዝውርዎ፣ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፣ እንተስ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት ኤርትራ ስለ ዝበዝሖ ከም መፋኾሲ መታን ክኾኖ ወይ ንኻልእ ስውር ምኽንያታት፣ ርእዩ ከም ዘይረኣየ፣ ነቲ ስራሕ ስቕ ኢሉ ክቕጽል ዝገደፎ ኢዩ ዝመስል።

ኣብዚ እዋን’ዚ “መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራውያን ሓንሳብ ካብ ሃገሮም ምስ ወጹ ኣርሒቖም ንኽጠፍኡ ዘካይዶ ዘሎ ስውር ፖሊሲ ኢዩ” ኢልካ ንምዝራብ ዘኽእል ጭብጢ የለን። ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ቊጽሪ ኤርትራውያን ዝለዓለ ምዃኑ ግን ክዝንጋዕ የብሉን።ዳርጋ ኩሎም ድማ ብመንገዲ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝሓለፉ ኢዮም።

 

እቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት፣ ካብ ዶባት ኤርትራን መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብን ዝብገስ፣ ምድረ-በዳታት ምብራቅ ሱዳንን ሲናይን ሰንጢቑ፣ ክሳብ ዶብ እስራኤል ዝዝርጋሕ፣ ናይ ኤርትራውያን ንግዲ ደቂ-ሰብ፣ ኢድ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ስለያዊ መሓዉራትን ህግደፍን ነይሩዎ ኢዩ። እዚ ናይ ሎሚ፣ ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ተበጊሱ፣ ንሱዳንን ምድረ-በዳ ሰሃራን ሰንጢቑ፣ ገማግም ባሕሪ መዲተራንያን ዝበጽሕ፣ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝንገድሉ መስመር ድማ፣ ‘ኢድ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ስለያዊ መሓውራቶምን የብሉን’ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት ኢዩ።

እቲ ናይ ቅድም ብመንገዲ ናይ ረሻይዳ ሸፋቱ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሲናይ መስመር ይኹን፣ እዚ ሕጂ ብመንገዲ ኤርትራውያን ደለልትን ካልኦትን ዝካየድ ዘሎ ዝተወሃሃደን ዝተራቐቀን መስመር ኢትዮጵያ → ሱዳን → ሊብያን ባሕሪ መዲተራንያንን፣ ንባዕሎም ውሑስ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ብዘይብሎም ተራ ሸፋቱ ጥራይ ኢዩ ዝካየድ ኢልካ ምሕሳብ፣ ኣብ ዓለም ከም ዘይምህላውካ ኢዩ ዘቑጽረካ። ትማሊ፣ ነቶም ካብ ንግዲ ገዛእ ዜጋታቶም ገንዘብ ዝግሕጡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ህግደፍ ‘ፎእ’ እንተኢልናዮም፣ ሎሚ ድማ ነቶም ‘ተረኽበ’ ኢሎም፣ ነቲ ናይ ኤርትራውያን ንግዲ ተተሓሒዞሞ ዘለዉ ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ዓገብ’ ክንብሎም ብቕዓት ኣለና። ዓገብ ካብ ምባል ዝሓልፍ ዓቕሚ ስለ ዘይብልና ግን፣ ኩሉ ሰብ ከስተውዕለሉን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣቓልቦ ክገብረሉን ንላቦ።

 

ብርግጽ ጠንቂ ስደትናን መከራናን መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይ ጓኖት ኣይኮኑን። እቶም ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወልዱ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኢዮም። ንሳቶም ንገዛእ ህዝቦም ብጎሮሮኡ ዓትዒቶም ስለ ዝሐነቑዎ፣ ዓይኑ ኣፍጢጡ ነቲ ድራማ ክዕዘብ እንተ ዘይኮይኑ፣ ኣፍ ኣውጺኡ ክዛረብ ከም ዘይክእል ገይሮሞ ኣለዉ። ጎሮባብቲ ሃገራት ብፍላይ ኢትይጵያ ድማ ነቲ ዋሕዚ ኣብ ምቁጽጻር ተርኦም ክጻወቱ ዝግባእ እመስለኒ።ካብ ሱዳን ንላዕሊ ዝሓሸ ናይ ምቁጽጻርን ናይ ምግባርን ዓቕሚ ስለዘለዎም።

 

ገለ “ ስለምንታይ ኢኹም ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ሽግርና ዝኾነ ህግደፍ ገዲፍኩም፣ ነቲ ንኣሽሓት ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሃበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትነቅፉ?” ዝብሉ ሰባት ኣይሰኣኑን ኢዮም። ነዚኣቶም’ውን እዚ ዝስዕብ ክብሎም እደሊ። ንስርዓት ህግደፍ ካብ ምቅዋም ዓዲ ኣይወዓልናን። ዓቕሚ ድኣ ስኢንና’ምበር፣ ልዕሊ ምቅዋሙ፣ በርቊቕካ ምድርባዩ’ውን ኣይምጸላእናን። ነዚ ስለ ዘይከኣልና ግን፣ ብኻልኦት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትናን ኣሕዋትናን ዝወርድ ጸገም ክንዛረበሉ የብልናን ማለት ኣይኮነን። ብርግጽ ሎሚ፣ ብህግደፍ ብፖለቲካ ዝድለዩ ሰባት፣ ልቦም ኣውዲቖም ዝዕቆቡላ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ጥራይ ኢያ። ናይ ህግደፍ ናይ ስለያ መሓውራት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክነጥፍ ስለ ዘይክእል። ኣብዚ መዳይ’ዚ ኢትዮጵያውያን ምስጋና ዘይግቦኦም ኣይኮነን። እንተ’ቲ ብዙሓት ስደተኛታት ምቕባሎም ግን፣ (ዋላ’ኳ ዘገድዶም እንተዘይሃለወ) ጉርብትናና ዝፈጠሮ፣ ልክዕ ከምታ ካብ 1960ታት ኣትሒዛ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታትና ዘዕቆበት ሱዳን፣ ሃገራውን ኣህጉራውን ግቡእ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

 

ታደሰ ኪዳነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
54 COMMENTS
  • PIA September 4, 2014

    There is no a true eritrean who flee our land. all of these flee are these who have blood relationship with ethiopia or sudan.
    Eritrea is marching in economic, social, educational, poetical, democractical development. only enemies of eritrea cannot see how we are going forward in all sectors in speedy way. Long live PIA

    • Genet-orginal September 4, 2014

      PIA?
      You call yourself PIA, how can anyone take you seriously? Just refer to the PIA’s recent interviews. Your PIA said nothing is working. Now you are saying everything is up to speed. That is your problme. You are trying to be holier than thou.

  • jemal September 4, 2014

    lomis werege b air u koinu delo kab addis nab kartum kilu da tebtibo arkey….

  • SAVING YOUNG ERITREANS September 4, 2014

    Fellow Commentators ,

    ASSENNA HAS BEEN KIND ENOUGH TO GIVE ME VARIOUS CHANCES TO POST MY EMOTIONALY CHARGED OPINIONS ,NOW ;I AM ALLOWED TO USE MY FAVORITE CYBER NAME UNCLE SYE ,AND I WILL BE MILDER WITHOUT LOSING MY PRINCIPLES.

    MY HEART FELT GRATITUDE TO AMANUEL IYASU
    UNCLE SYE aka COW FACE aka THE NOBLE TEACHER /UNCLE TNT

  • MightyEmbasoyra September 4, 2014

    My question will be, where are these opposition leaders (who resides in Ethiopia), while this human trafficking is widespread in the refugee camps? Or, they are part of it?

    • harestay September 4, 2014

      they are part of the problem. If we have strong opposition this wouldn’t happen

    • worried east african September 5, 2014

      i heard the ethiopian government recently closed the offices of the eritrean opposition parties.

  • worried east african September 5, 2014

    i heard the offices of eritrean opposition parties got closed by the governement in ethiopia.

    🙂 assenna this is important news but i can’t say it using my real name as the ones who told me could get problems. anyway great job.

  • mehoy September 5, 2014

    u r true……beu eya mexea kedimi…….gele awarixi…..kabetom….kabe ethiopia zetebegesu memaxeatey zesemakiwo miszi zebelkayo hade zeykehad haki eyu nay lebamat zereba ,beselet zelewo amlak edmeka yibarik

  • matusala September 5, 2014

    ya there is great problem with the security personals of ethiopia but they are not ours let us expose and fight the tyrant found in our country.our country is the gift of our martyrs not hgdef

  • SAVING YOUNG ERITREANS September 5, 2014

    “SOME PEOPLE MIGHT SAY PEOPLE LIKE TADESSE KIDANE & STEFANOS TEMELSO SOLD 5.000.000 ERITREAN PEOPLE,AS OPPOSED TO SOME ETHIOPIAN ROUGUE AUTHORITIES.”

    ሓደ ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ኤርትራውያን ሰባት_______”ከመይ ጌሮም እዮም እዞም ተጋደልቲ ነበር…ተጋደልቲ ከለዉ ፣ኣብ ቅድሚኦም ,ሓደ ኣውራጃ ቀታልን ኣሳርን ሓደ ተቐታልን ተኣሳርን፣ሓደ ሃይማኖት ናይ ሓረድትን ከተርትን ፣ሓደ ሃይማኖት ድማ ናይ ጭቁናት እናተገልጸ___ብሕልና ክትቅበሎ ዘይትኽእል ጭካነን ብዕልግናን እናተገብረ፣
    ንገባር__ውላድካ ንጸላኢ ኢዱ ሂቡ እዩ ኢሎም ከብቱን ጤለ በጊዑን ተዘሪፉ ክብላዕ ከሎ ብሳላሳን ክልተን ኮራርምቶም ዝሓየኹ፣ንገባር ውላዱን ምግቡን እናዘረፉ ክጨውይዎን ክሓርድዎን ከለዉ ገበርቱን ተዓዘብቱን ዝነበሩ_፡
    ሕጂ ነዚ ብዓቢኡ፣ ካብ እኒ ግብጺ ናብ ኤርትራ ዲፖርት ኮይኑ ክርሸን ዝግብኦ ኤርትራዊ ናትና እዩ ኢሎም ዝቕበሉ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ኣቦታትናን ኣሕዋትናን___ብሓደ ሓደ ገንዘብ ክገብሩ ዝደለዩ ስሱዓት ንኸሶም ???
    ብሓቂ እኮ ክርሽኑና እውን ኣይመኽፍኣሎምን፣ወጋእቶም ዝነበሩ ዋርሳይ እዮም ዘዕቁቡ ዘለዉ።ብጌጋ ከይትርድኡኒ፣ኣነ እውን ጉሁይ እየ በቲ ንኤርትራዊ ዝበጽሖ ዘሎ ፣ግን ንካንሰርካ ዘድሓነ ዶክተር ሰዓል ኣትሒዝካኒ ኢልካ ክትውንጅሎ ክንሓንኸና ይግባእ።ግን ምሕናኽ ድማ ካብ ተጋደልቲ ኣይንጽበዮን።
    ብዙሕ ህዝቢ “ወዮ ጻሕልናስ ነታ በራድና ኣቲ ጸላም ኢላታ”…..ተጋደልቲ ነበር ንህዝቢ ኤርትራ በቲ ዘብጽሑሉ ግፍዒ፣ከም ቡዳ መጥሓን ተሰኪሞም ይቕረ ክሓትዎ ኣለዎም ዝብሉ ኣይስኣኑን።
    ኣነ ግን ኣብቲ ጉዳይ ምንም ርእይቶ የብለይን ፣ናይ ህዝቢ ሰንቲሜንት እየ ዘማሓላልፍ ዘለኹ።

    THE LOVING UNCLE SYE

    ሓወቦኹም ስየ።

  • The Turth September 5, 2014

    ERITREANS HAVE NO PATIENCE TO STAY IN POOR ETHIOPIA AND MOST DREAM TO GO TO EUROPE IN SEARCH OF BETTER LIFE. IN SUCH A SITUATION, NO ONE CAN STOP THE INFLUX OF REFUGEES TO SUDAN. WHETHER THE CORRUPTION IS AT DRIVERS AND BORDER SOLDIERS LEVEL OR HIGHER OFFICIALS LEVEL IS SECONDARY. ALSO GOOD NOT TO FORGET THAT MOST OF THE HUMAN TRAFFICKERS ARE ERITREANS WHO ALREADY HAVE LOCALIZED THEMSELVES.

  • The Turth September 5, 2014

    SIYE – “ተጋደልቲ ነበር ንህዝቢ ኤርትራ በቲ ዘብጽሑሉ ግፍዒ፣ከም ቡዳ መጥሓን ተሰኪሞም ይቕረ ክሓትዎ ኣለዎም ዝብሉ ኣይስኣኑን” PERFECT MESSAGE FOR TADESSE KIDANE AND HIS LIKES !!!

POST A COMMENT