Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu)

 ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu) ንስድራ (ኣባላት) ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ንመላእ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም። ሰብ ሕጽረታት ከይተፈልዮ ካብዛ ዓለም ኣይፍለን እዩ። ውሑዳት እዮም ንሕጽረታቶም በዲሆም ልዕሊ እቶም ኩሉ ዝተዓደሉ ብጾቶም ጎሊሖም ዝረኣዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍትወትን ኣኽብሮትን

 ዉጩ፡ ብሰላም ኣዕርፍ (So long Wuchu)

ንስድራ (ኣባላት) ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ንመላእ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም።

ሰብ ሕጽረታት ከይተፈልዮ ካብዛ ዓለም ኣይፍለን እዩ። ውሑዳት እዮም ንሕጽረታቶም በዲሆም ልዕሊ እቶም ኩሉ ዝተዓደሉ ብጾቶም ጎሊሖም ዝረኣዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍትወትን ኣኽብሮትን ብጾቶም ዘጥረዩ ውሑዳት ዕድለኛታት ዝልለዩሉ ጠባይ እንተሎ ንሕጽረታቶምን ውሱንነት ዓቕሞምን ፈሊጦም ንመሳርሕቶም ብምስታፍ  ንድኹም ጎንታቶም መሊኦም ምሉኣትን ልዕሊ ምሉኣትን ክኸኑ ምኽኣሎም እዩ።  ተጋዳላይ ዉጩ ንሕጽረታቱ ስዒሩ ልዕሊ ምሉኣት ክኸውን በቒዑ። ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ምስሉን ምስሊ ከምኡ ዝኣመሰሉ ምቕሉላትን ደፋራትን ኣዘዝቲ ተሃኒጹ’ዩ ዘይድፈር ዝመስል ዝነበረ ዝደፈረ። የቐንየልና ስለ’ቲ ኣገልግሎትካ ብጻይ ዉጩ ። ብሰላም ኣዕርፍ።

ምስኡ ዝወዓሉ፡ ለዋህ፡ ተጫራቓይ፡ ክፉእ ዘይኣልም፡ ገርሂ፡ ዝረኣዮ ኣብ ገጽካ ዝብለካ፡ ንሰራዊቱ ዝሓሊ፡ ናይ ስራሕ ናጽነት ዝህብ፡ ተባዕ፡ በሊሕ…ኢሎም ገሊጾሞ።

ኣብ ስድራ ህዝባዊ ሰራዊት ንዝነበረ ሰብ ጽልዋ ዉጩ ካብ ርሑቕ እዩ ዘራኽበሉ ነይሩ። ምስኡ ሰሪሕና ዘይንፈልጥ ከይተረፍና ብሕክያታት ዉጩ ተዘናጊዕናን ተተባቢዕናን ሓዪልናን ኢና። ሓደ ካብቶም ዝና ህዝባዊ ሰራዊት ሰማይ ዝሰቀሉ ምቕሉላት ኣዘዝቲ ምንባሩ ዝካሓድ ኣይኮነን። ውሩይ ወተሃደራዊ መራሒ ጥራይ ዘይኮነ ዘይንጸል ያታን ኣፈታሪኽን ህዝባዊ ሰራዊት- ማለት ባህላዊ መለለዪ ወይ cultural icon እውን ነይሩ እዩ። ዋዛታት ዉጩ ንግርህና፡ ለውሃት፡ ቆራጽነትን ጽንዓትን ተጋዳላይ ኤርትራ ዝገልጹ ነይሮም። መልእኽቲ ናይተን ውሑዳት ጥረ ቃላቱ ነቲ ሸፊንወን ዝፍኖ ዝነበረ ገጠራዊ  ጠባያት ማለት ኣገላልጽኡን ኣካላዊ ገጸባህርያቱን ገሊህካ ኢኻ ትርድኦ። ዘይጸዓድ ጽንዓት ኤርትራዊ ተጋዳላይ ምስ ኣንጸባረቐ እዩ። እዚ መዳይ እዚ ንዕኡ ከም ሰብ ንምትሓቱን ምንኣሱን ዘይኮነስ ንምሕያሉን ምጉባዙን ተጠቒሙሉ። ንኩሎም እቶም ከም ምክትላቱ ኮይኖም ዝምህርዎን ዝተሓጋገዝዎን ዝነበሩ ብጾት ዕድል ስራሕ ይህብ ስለዝነበረ፡ ናቱ ጥረ(raw) ወተሃደራዊ ክእለት ምስ ናይ ሓንጎሎም ዓቕሚ ተወሃሂዱ እቲ ንፈልጦ ዉጩ ፈጢሩ። እዚ ከኣ እዩ ምስጢር ዓወት ናይ ዉጩ- ሕጽረታቱ ፈሊጡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ጸጋታት ሰብ ብግቡእ ምጥቃም። ዝምድና ወዲ ልብሱን ዉጩን ከምኡ እውን ዝምድና ካልኦት ምስ ዉጩ ዝሰርሑ ናይ ቀለም ዕድል ረኺቦም ዝተሰለፉ ብጾት ከም ወዲ ብላታ፡ ኣብረሃለይን ብጻይ ቢተወደድ ኣብራሃን ነዚ ይምስክር።

ገርህን ገጠራውን ጠባዩ ሓሓሊፉ ዘይድለ መልእኽትታት ዘመሓላልፍ ኣበሃህላታት ከም ዝስንዱ ገይሩዎ ይኸውን። እዚ ሓደ ካብ ሕጽረታቱ ክኸውን ይኽእል። “ እዚኣ እንተበልኩስ እንታይ ተሰምዕ ትኸውን” ዝብልን ዝራቀቕን ሰብ ኣይነበረን። እቲ ኣብ እዋን መዘናግዒታት ተባሂሉ ዝበሃል ዘረባታት ንዋዛታት ተጋዳላይ ዘይፈልጥ ሰብ ካልእ ትርጉም ከስምዕ ይኽእል። ሰብ እንድዩ፡ ሕጽረት ክነብሮ ግድን እዩ።  ሰብ ግን ብምሉእነቱ ምስ ዝረአ እዩ ፍትሓዊ ስእሊ ዝወሃብ። ብሂወቱ እንከሎ ኣስሚዕናዮ እንተንኸውን እውን ኣይመኽፈአን።

ኣብቲ ዓምዲ ርኢቶ ተለጢፉ ዘሎ ጸርፍታት ዘሕዝን እዩ። ክንድዚ ኣጸያፍን ከፋፋልን ዘለፋታት ኣይመድለየን። ብመሰረቱ እውን ቃል ደለይቲ ፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ ፍትሒ ፍትሒ እያ። ኣብ ዝደለኻያ ግዜ ተውጸኣን ኣብ ዘይደለኻያ ግዜ ትቐብራን ኣይኮነትን። ፍትሒ ንጸላኢኻ እውን ኣይትበቃን፡ ኣይኮነን ንስዉእ ዉጩ። ፍትሓውያን ምኻንና ብግብሪ ክነርኢ ኣለና። ፍትሒ ንርእስና ንጠልባ እንተኮይንና ንሬሳ ስዉእ ዉጩ ክንነፍጋ የብልናን። ብሰላም ክነፋንዎ ኣለና።

ዉጩ ወተሃደር እዩ ነይሩ። በታ ስራሕ’ቲኣ ከኣ ሂወቱ ብዘሕብን ዝኽርታት ዝመልአት እያ። ፖለቲካ ንፖለቲካኛታት እዩ። ንዉጩ በታ ስርሑ ደኣ ክንርእዮ ኣለና እምበር ሕጂ ምስ ዓረፈ ብረቂቕ ኣምራት ፖለቲካ ክንመዝኖ ፍትሒ ኣይኮነን። በቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝግበር ዝነበረ ግፋ እውን ታሪኹ ክንብልል የብልናን። ሰራዊት ንስራሕ ፖሊስ ኣይምልመልን እዩ። ሰራዊት ንውግእ እዩ ዝሰሓል። ሰራዊትና ስራሕ ፖሊስ ክሰርሕ ይእዘዝ ከምዝነበረን ኣብቲ መስርሕ ብዙሕ ጉድለታት ከምዝነበሮን ኣብኡ ዝነበሩ ይዝክርዎ። ብፍሉይነት ንዉጩ ዘንቅፍ እንተነይሩ ከኣ ብሂወቱ ከሎ እዩ ክኸውን ዝግበኦ ነይሩ።  ስለ’ዚ ኣሕዋት፡ መረረ ክህሉ ይኽእል ግን ብዝተኻእለ መጠን እዚ ሰብ’ዚ ብምሉእነቱ እንተራናዮን ብሰላምን ሓበንን እንተፋነናዮ ይሓይሽ። ውሱንነት ዓቕሙ ዘፍቀዶ ኩሉ ንሃገሩ ጌሩ እዩ። ንሓደ ኣውቶመካኒክ፡ ኣዕጽምቲ ሰብ ከገጣጥመልካ ኣይትጽበዮን። ዉጩ ነቲ ኣብ ወተሃደራዊ ሂወቱ የጓንፎ ዝነበረ ግድላት ብግቡእ ገጢሙ ዝሓለፈ ብጻይ ‘ዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንሰብ ሰብ ዘብል ጠባያት ዝተዓደለ ብጻይ ምንባሩ መጋድልቱ ይገልጽዎ ኣለዉ። ስለ’ዚ ብጻይ ዉጩ ግቡእካ ፈጺምካ ኢኻ ብሰላም ኣዕርፍ ምባሉ ግቡእ እዩ። So long wuchu, rest in peace.

ንእሽቶ ምኽሪ ነቶም ፖለቲካ እትጻወቱ ዘለኹም ኣሕዋት፡ ፈተውቱ ጥራይ ዘይኮኑስ ጸላእቱ እውን ናይ ኣኽብሮት ሱቕታ ወይ ዕርፍቲ ሂቦሞ ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቱ እውን ባህላውን ሞራላውን ክብርታት ህዝብና ንዝዓረፈ ሰብ ክንድዚ ጸርፍታትን ዘለፋን ክወርዶ ኣየፍቅድን። ንጽሕፎን ንብሎን ሓላፍነታዊ እንተኾነ ይሓይሽ። ወላ ብዓይኒ ስልቲ ክረአ ከሎ፡ ነዚ ድንገት እዚ ንፖለቲካዊ ዓላማ ምጥቃም ኣየረብሕን እዩ። ብቁጽሪ እውን ኣየዋጸኣኩምን’ዩ- ብፍላይ ኣብዚ እዋን ሓዘን፡ ፈተውቱን ኣኽበርቱን ካብ ጸላእቱን ንዓቕቱን ብዕጽፍታት ስለዝበዝሑ። ደሓር ከኣ ኣብ ዝዓረፈ ሰብ ከራሩኹም እንተዘየጕደምኩም ይሓይሽ።

ነባሪ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ማሕሙድ ሳልሕ

***መንቀሊ ናይዛ ንእሽቶ ርኢቶይ እቲ ብገለገለ ሰባት ክልጠፍ ዝጸንሐ ኣዝዩ ዘሕዝን ርኢቶታት እዩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
219 COMMENTS
  • SAVING YOUNG ERITREANS March 11, 2014

    “ንወያነ ንውረሮም ኢለ ክቱኽቱኸኩም ምስማዕ ዝኣበኹምኒ በሉ ርኣይዎ” !!!
    ኣነኳ ናብቲ ወራር ከይመርሓኩም ኣብ መበል ሓምሳን ሽዱሽተን ዓመተይ፣ሓዳሽ መርዓት ካብ ሱዳን ስለ ዘምጻእኩስ ገዲፈያ እንትኸድኩስ ግፍዒ ከይኮነኒ ኢለ እየ፣ዳሕራይ ዕድሚኣ ስለ ዝኾነ እሞ ድሕሪ ዓመት ክትከውን ስለ ዝኽዖነት ኣሪጋ ኢሉ ድዩ ገዲፉኒ ኢላ ከይተስተማስል ኢለ እየ፣ሓደራ ንስኻትኩም ንወያነ ውረርዎም ፣ኣነ ኣብ ሳልሰይቲ መኻልፍ ከርክበኩም እየ።፣ኣብ ሳልስቶም ኣስመራን ዓዲተከሌዛንን ሓሊፍኩም ንወያነ ክሳዕ ከሰላ ከም ተጓይይዎም ይኣምንየ ።እንታይ ተዋጊ ኦም ይኹእሉ።ክሳዕ ሽረ ኢዶም ዘይጸረየ፣ውግእ ዓድዋ ኣየሸነፉ ፣ን ኤውሮጳዊ ሓይሊ ዝይደፋእናዮምን ዶስዓሩ እንኮ ሓይሊ ዘይኮኑ ሰነፋትይ፣ኣብ ውግእ ዶብ ክሳዕ ማይ ድማን፣ዓዲ ቀይሕን ባረንቱን ተሰነይን ኣየጓየይናዮኣነኳ ናብቲ ወራር ከይመርሓኩም ኣብ መበል ሓምሳን ሽዱሽተን ዓመተይ፣ሓዳሽ መርዓት ካብ ሱዳን ስለ ዘምጻእኩስ ገዲፈያ እንትኸድኩስ ግፍዒ ከይኮነኒ ኢለ እየ፣ዳሕራይ ዕድሚኣ ስለ ዝኾነ እሞ ድሕሪ ዓመት ክትከውን ስለ ዝኽዖነት ኣሪጋ ኢሉ ድዩ ገዲፉኒ ኢላ ከይተስተማስል ኢለ እየ፣ሓደራ ንስኻትኩም ንወያነ ውረርዎም ፣ኣነ ኣብ ሳልሰይቲ መኻልፍ ከርክበኩም እየ።፣ኣብ ሳልስቶም ኣስመራን ዓዲተከሌዛንን ሓሊፍኩም ንወያነ ክሳዕ ከሰላ ከም ተጓይይዎም ይኣምንየ ።እንታይ ተዋጊ ኦም ይኹእሉ።ክሳዕ ሽረ ኢዶም ዘይጸረየ፣ውግእ ዓድዋ ኣየሸነፉ ፣ን ኤውሮጳዊ ሓይሊ ዝይደፋእናዮምን ዶስዓሩ እንኮ ሓይሊ ዘይኮኑ ሰነፋትይ፣ኣብ ውግእ ዶብ ክሳዕ ማይ ድማን፣ዓዲ ቀይሕን ባረንቱን ተሰነይን ኣየጓየይናዮምንዶ !!!!

    I partially QUOTE Mrs D.SOSNA…………
    “Ethiopia’s economic transformation: Persuasive in theory; Rewarding in practice”
    (Sosina Diriba 03/11/14)

    – The days when Ethiopia’s transformational economic growth was put in doubt are becoming a thing of the past. If one looks carefully, there are plenty signs here and there, now and then…
    – …..Similar progresses have been achieved in monetary and fiscal aspects. National saving has increased from 5.2 percent in 2010 to 17.7 per cent in 2013. That is beyond the GTP’s target boosting up national savings to 15 percent by 2015….
    – …The success stories of the GTP are very long and we don’t attempt to cover them all in this short piece. Among others, the road infrastructure increased from 48, 800 kilometres in 2010 to 58, 338 kilometres in 2013. The number of elementary schools (Grades 1-8) extended from 26, 951 in 2010 to 34, 495 in 2013; while the number of students boosted from 15.8 million in 2010 to 17.4 million in 2013. The number of secondary schools expanded from 1,335 in in 2010 to 1,912 in 2013. Also, the number of health centres increased from 2, 142 in 2010 to 3, 100 in 2013…..
    – …. . The construction of Grand Ethiopian Renaissance dam project has reached 32 per cent. While the Gibe III dam project, is 82 per cent complete and proceeding to launch first phase power generation of the Project within a year.END OF PARTIAL QUOTATION…

    ክቡራት ደቂ ሃገር
    እዞም ጸላእትና ዝኾኑ ወያነ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ጥራይ ዘይኮነስ ብተወሳኺ፣ነዛ ረድኤት እንተረኸበት መሊሳ ትጠሚ ዝነበረት ሃገር፣ወያነ ,ንዓና ንኤርትራውያን ብነጻነት ሰጕጎም ንህዝቢ ኢትዮጵያ፣ብሰደድ ናይ ቡን ንኮሉምብያ ካብ ሳልሰይቲ ተርታ ፎጋ ኣውጺኦም ካብ ዓለም ንባዕሎም ሳልሳይ ተርታ ምሓዞም፣ወያነ መሬት ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ተርታ ብልጫ እውን ከም ዝሰርቁ የመልክት፣ፈገረግር !!!
    —ብተወሳኺ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ዝነበራ ሃገር ናብ ሳላሳን ሰለስተን ልዕል ብምባል
    —ብሰደድ ስምስም ካብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ፣ካብ ዓለም ራብዓይ ብምዃን ፍርያቶም ብዘይጠገለ ብምውሳኽ
    —ካብ ኣፍሪቃ ኣኽር/መጨረሻ ዝነበረት ጨርቃም ሃገር፣ናብ ሻብዓይቲ ከም ዝሰቐልዋ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እውን ናብ ቀዳመይቲ ከም ትድይብ ኣየጣራጥርን ።ፈሸኵል ወያነ።
    —ዝዓበየ ጠረፍ ዘርኢ ሃብል ቴለስኮፕ ኣብ እንጦጦ ዘሎ ኣብ ላሊባላ እውን ብዝዓበየ ሰሪቶም ጠረፍ ከጽንዑ ምዃኖም ተገሊጹ፣ትምክሕተኛታት።
    — ንክልተ ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ልዑል ትምህርቲ ብምድጓን ኤርትራዊ ብዘይለመዶም፣ብኽብረትን ስነስርዓትን ምብስጫው
    —ካብ ኣሜሪካ ኢትዮጵያዊ ሳይንቲስት ብምውሳድ ብዙሕ ናይ ምስጢር ሶፊስቲኬትድ ኣጽዋራት ብምስጢር ብምምሃዝ____ወረ ናይዚኦም ነገር ኣይውዳእንዩ።!!!

    *መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ስርሒት ፈንቅል ክድገም ጠለብ የቕርብ ኣሎ።እዚ ናይ ሎሚ ስርሒት ፈንቅል ግን ኤርትራ ንምግንጻል ዘይኮነ ተዋጊእካ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ እዩ።እዘን ዓጋመ ድኣ ንበይነን ክምዕብላ ??? ቀደሙ እውን ጥላም ስለ ዝገብራን ስፓጌቲ ስለ ዘይበልዓን እዩ እምበር።

    ..ብቓልስና ንወያነ ወቒዕና ክንምለስ ኢና።ኢትዮጵያ ከም SEVEN -ELEVEN (7-11)ከም ድላይና ንወጸላን ንኣትወላን ክንገብራ ኢና !!!

    • Zufana March 11, 2014

      Uncle SYE,

      I admire your talent. However, what is your contribution by way of advises and guidance to saving young Eritreans? The nation’s future strictly depends on the young generation. We should have a deep (committed) belief that the peace and development of a neighboring country has a positive impact on our own country and vice-versa. Today’s world demands flexibility to keep up with the constantly changing events and realities.

  • SAVING YOUNG ERITREANS March 11, 2014

    correction by addition
    …please read ..ዳሕራይ ዕድሚኣ 26 ስለ ዝኾነ እሞ ድሕሪ 4 ዓመት 30 ክትከውን ስለ ዝኽነ”!

    thank you

  • ahmed saleh March 11, 2014

    S.V.E.
    Do you remember after independence
    the international economics experts
    predicted that Eritrean future will grow into prosperous financial development in Africa within few years . But for some reason which still
    I couldn’t understand they brought the
    war of destruction instead to the benefit of Weyane long term project free from competitors . Now we fools
    left behind to square one with nothing
    on hand . It is not a lie to say that
    Weyane outsmarted HGDF big time .
    But the sad part the country of Eritrea
    end up victim to their game of politics.

    • SAVING YOUNG ERITREANS March 12, 2014

      Respected Ahmed,

      I like tour commenting using the word ¨WE¨putting the responsibility on us all. Brother We Eritreans have a problem of principle / comfused objective mif not we are resourveful & until we adjust our attitude we shall not cpme to a lasting solution.

      my respect

  • Semhar March 12, 2014

    ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ ኢዩ’ሞ: ኣጆኹም ደቀይን ደቂ-ደቀይን ጀጋኑ መንእሰያትና።
ኩላትና ብሓበራ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ነዚ መንነትና ዘዋረደን ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎን ኣረሜን፣ ናብቲ ቀዳሞት ኣያታቱ በዓል ሳዳምን ቃዛፊን ዝኣተዉዋ ናይ ዘለኣለም መዓልብኡ ጋህሲ ንደርብዮ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ ብዘይካ ብክፉእ ብጽቡቕ ኣማውታ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኣይተራእዩን። ሞት ገበነኛ ኢሰያስ እውን ከም ኣማውታ ኣያታቱ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኮነን። እዚ ዓመት’ዚ ጸላኢና ዓንዩ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ዓመት ከም ዝኸውን ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።
    ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
    ዕድመን ጥዕናን ንደቂ ኤርትራ
    ዓወትንህዝቢኤርትራ።

  • ANTUM SEBAT March 12, 2014

    ኣንታ እንታይ ኢኹም ከተስምዑና ደሊኹም ካንዶ ክንማጻደቅ ዲና ከነሕልፎ።
    ዉጩስ ፍትሓውን ጀግናን ኔሩ ኢልካ ክዝረብሲ እንበርዶ ደለይቲ ፍትሒ ኢና ዘብል ሕቶ ኢዩ ዝመጻካ፣ ንዝካየድ ቃልሲ
    ክሳብ ክንደይ ጎታቲ ከምኻኑ ምርሳዕ ይመስለኒ።
    –ዉጩ ነቶም ምእንቲ ፍትሒ ዝተላዕሉ ሰበስልጣን “መን ኢዩ ነያይ ዝትንክፍ” ብምባል ዝደበለ ንጥፍኣት ዲሞክራሲያውያን
    ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ሰብ።
    __ ነቶም ሓንቲ ዘይፈልጡ ዕሸላት ቆልዑ ኣብ ፈቀዶ ጎዳጉድን ኮነተነራትን ዳጒንካ ኮብሊሉ ረሽኖ ከምዘይበለ ሎሚ ጀግና ኔሩ
    ምባልሲ ደሓንዶ!!!
    __ሓደ ድሑርን ክሑንን ብኣውራጃውነት ዝተበከለ ” ኣከለጉዛይ ኣጥፊኣናየን ሰራየ ሰምሃር ወዘተ ተሪፈናና ኣለዋ”ኣንዳበለ ኣብ ፈቀዶ ባራትን መርዓን ሓዘንን ዓው ኢሉዝዛረብ ዝነበረ ሰብ ሎሚ ተባዕ!!!!!
    __እቲ መጀመሪያ ሕቶኡ ኣበይ ኢዩ ዓድኻ ኢሉ ዝሓትትን ዘይ ወዲ ዓዱ እንተኮንካ ዝሓምም ሰብ ዲዩ ለዋህ ተባሂሉ።

  • ANTUM SEBAT March 12, 2014

    ኣንታ ኣይተዛርቡና በጃኹም
    ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ናይ ኣሰና ምድንጋጽን ናይ ሓዘን ጽሑፍን ምግባርካ ኣስደሚሙኒ ፣ ሞት ናይዚ ቀታሊ ሰብ ናይ ክንደይ
    መናእሰይ ሂወት ዝጠፍእ ዝነበረ ደው ይብል ከምዘሎ ዘይምርዳእ ደኣ ከይከውን??????
    ውጩ ካብቶም ዝሓለፉ ጀጋኑ በሊጹ ዲዩ ኮኾብ ኮይኑ ወጺኡ ኣይፋል እቲ ሓቂ ደኣ ይውጻእ።
    ኣብ መጨረሻ እዚ ረሳሕ ሰብ ምስ ሞተ ጽንዓት ይሃብኩም ጅግና ኢዩ ኔሩ ኢልኩም ከም ናይ ዉጩ ከይንኾሓሕሎ ይፈርህ ብጣዕሚ ይፈርህ ይፈርህ!!!!!
    ካብ ደላይ ፍትሒ!!!!!

  • Mahmud Saleh March 12, 2014

    Mighty,
    mighty wrote earlier,”I have no issue with having dialogue with you or any other intelligent person. I just wanted to point out that Sister Genet and Ato Ahmed’s (among other articulate commentators ) last comments have put it beautifully and I hope you have learned something from that. BTW, you can’t use the “I don’t know” excuse because it will not work for you, may be for Wuchu and alike 🙂
    Anyways, I can see that you are fluent with at least 3 languages (suspecting few mores as well) and you are brainiac. Just use simple logic and you will see the reason why the majority of this forum’s comments about your article differ from yours.”
    Mighty, I am glad you f/u with my last reply;I take note of your point; by now, I am familiar with your moderation skills, by the way I thought I took note of comments made by Genet, Ahmed Saleh, Ahmed Omer, Teweldemedhn, Zufan and many others, it may not change my stand regarding that short,and what I think is balanced article. Remember, I’m not a politician, if so I would not jump in to hot water, I would say what I thought my intended target liked; but I am not.To be honest that was what I felt. I called for moderation in the remarks commentators made, and urged for appropriate language. I was not there to absolve anybody. I don’t like foul language and that’s why I avoid those who push buttons. The reason why I engage with people like you is that at the end I know I will gain something, or at least will disengage respectfully. I remember the last time I had a drawn out dialogue with selamawit2. I expected her to bail me out this time, but still i appreciate her input. Where is my friend Teweldemedhn, any way? I hope to see your closing remarks.

  • MightyEmbasoyra March 12, 2014

    Ato Mahmud,
    Likewise. I agree that when we present our cases politely, we most probably reach in to an agreement or at least settle it in a civilized way. Actually, I was waiting to see Ato Belay bailing you out here but he is no where to find. Possibly visiting back home?
    Let’s hope your next article is more to the opposition side (I am sure it will create a lot of discussion).

    • Mahmud Saleh March 12, 2014

      Mighty: I have not seen Belay for some time.

  • Mahmud Saleh March 12, 2014

    Adab commented:(ከይቅበር’የ ኣብዚ ስሒበዮ)፡- Mahmud saleh
    Deleyti fthi fthawyan kkonu alewom malet si nzeyfthawyan kksu yeblomn tblena aleka.
    Deleyti fthi ykalesu kemzelewu tfelt eka. Tekalasay tselaeieu alelyu entezeytekalisu entay trgum alewo. Nay kedem tarik nana zegeds aykonen. Naka zmlkat entekoynu nab sebatat temeliska enjoy ktgebro mtemenekulka. Zmote ayksesn zbl mezmur tselaetna enda zemerka kttntn mftanka ygerm. Zbelka entebelka hade neger ktfelto zgbaka alo.ezi kea naka tray zeykone nkulu seb.
    Ezi nskan kemzi kemakan awedadka kalat keilna endabelkum nay kedem tarik enda tekeskum kttntnu tftnu nana nmeneseyat ksmeana yjmr kem zelo ab gmt ketetwu ygbae. Nhna meneseyat nay kedem tarik kem tarik knreyo ndeli. Nay hayleslase , derghi, hzbawi gmbar ykun jebha, aynfelton ena. Nhna kab nwled zgezana kendi tselaeina hgdefn gujleeun wchu kea abi actor eyu. Bnhna zeynfelto tarik kab gebenegna mkuan kdhn aykeln eyu.
    Nebskum htetu. Entay ttshfu kemzelekum tfeltu ekum. Hzbi eritrea tselaeieu nkeyeleli bflat dyu bzeyflat twaseu keythlwu tegbaratku fetshu.”ርኢቶይ ንኣዳብ፡- እታ ጽሕፍቲ’ኳ ብዛዕባ ታሪኽ ኣይኮነትን ነይራ። ደጊምካ ክተንብባ እምሕጸነካ ኣዳብ። ወላ ንድሕሪት ተመሊሰ እጠቓቅስ እንተለኹ እቲ ታሪኽ ናይ ኩላትና እዩ። ታሪኽ ኣቦታትካ እዩ። ታሪኽ ዘይብሉ ሰብ ድማ ከም ሱር ዘይብሉ ገረብ እዩ። ኣጆኻ፡ ቅድም ቀዳድም ምስ ታሪኽካ ሰላም ምፍጣር ነቲ ዝድለ ለውጢ ወሳኒ እዩ። ከም ድሌተይ እንተዝኸውን፡ ንስኻን መሳቱኻን ሎሚ ተማሂርክም ሃገር ክትርከቡ ክርኢ ምደለኹ ነይረ። ዘሎ ኩነታት ግን ትፈልጦ ኢኻ። ስለ’ዚ ኣቦታትኩም ዝሰርሕዎ ቅያ (ሓደ ካብኦም ስዉእ ዉጩ)ክትሕበኑሉ ኣብቲ ዝፈሸልዎ ከኣ እጅጎኹም ሰብሲብኩም ብምክብባርን ብሓድነትን ክትሰርሑ እላቦ። ገለ ገለ ኣቀራርባይ ደስ ዘየብል እንተነይሩ ከም ናተይ ድኽመት ቁጸሮ፡ ግን ተስፋ ኣይትቁረጽ። ኣያኻ/ኣቦኻ ማሕሙድ.

  • Semhar March 13, 2014

    ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) will be remembered for his weak leadership, his betrayal to his people, infidelity, unfaithfulness, and ignorance.
    He was a hand and glove of the dictator. He was Isaya’s kedami.
    ዋርድያ ኣያኡ ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) was illiterate.
    He was the one who started the war and gave weyane an excuse to declare war against Eritrea. We lost the war and we suffered heavy casualty because of his recklessness, and ignorance, lack of knowledge.

POST A COMMENT