Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወጽዓ ደቂ-ኣንስትዮን ኣበጋግስኡን – ካልኣይ ክፋል

ስርዓት መስፍንነት ንጊላነት ስዒሩ፡ ጎይቶት ካብ ህዝቢ ዘሚቶም ዘኻዕበትዎ ሃብትን ንብረትን፡ ዝደለብዎ ሓይሊን ከምዘለዎ ተረስተዮ። ህዝቢ ብንብረቱ ከይሓትት ድማ ረቂቕ ሜላታት ብምህንዳስ ብምስሊ ቁዱስ ጉልባባት ዝተፈላለያ ናይ ዓመጽን ዓፈናን ትካላት ኣቖመ። ናብዚ ዝነጥፉ “መንቓቕሕቲ” መልሚሉ

ስርዓት መስፍንነት ንጊላነት ስዒሩ፡ ጎይቶት ካብ ህዝቢ ዘሚቶም ዘኻዕበትዎ ሃብትን ንብረትን፡ ዝደለብዎ ሓይሊን ከምዘለዎ ተረስተዮ። ህዝቢ ብንብረቱ ከይሓትት ድማ ረቂቕ ሜላታት ብምህንዳስ ብምስሊ ቁዱስ ጉልባባት ዝተፈላለያ ናይ ዓመጽን ዓፈናን ትካላት ኣቖመ። ናብዚ ዝነጥፉ “መንቓቕሕቲ” መልሚሉ ብምዝርጋሕ ድማ ህዝቢ ናብ ናይ ጨቛኒ መርህኡ ኣርዓሞ።

ነባሪ ህዝቢ ብሓፈሽኡ፡ ብስርዓተ ጊላነት ብሓይሊ ተዘሚቱ ከብቅዕ፡ ስርዓት መስፍንነት ድማ በቲ ምስ መንፈስን ካልእ እምነታትን ብምትሕሓዝ፡ እናተዘመትካ ከለኻ ከይትርኢ ዝጋርደካ ረቂቕ ናይ ዓፈና ግመ ከሊሉ ኣእምርኡ ዘሚቱ ክገዝኦ ዘኽእል ባይታ ፈጠረ። በዚ ኣቢሉ ክኣ እቲ ሃብታም ሃብታም ኮይኑ ክነብር “ፈጣሪኡ” ዝዓደሎ ጸጋ ኮይኑ፡ እቲ ድኻ ድማ ድኻ ኮይኑ ክነብር “ፈጣሪኡ” ዝበየነሉ ውሳነ ስለ ዝኾነ ክቕበሎ ኣለዎ ብዝብል ሰፊሕ ወፈራ ብምክያድ ኣምበርከኾ።

እተን ደቅ ኣንስትዮ ድማ፡ ከም ሓደ ደምቢኡ (መዕቆቢኡ) ዝተዓጽዎ እንስሳ ምሸት፡ ኣብ ምንም ዘይብላ ጸልማት ጎልጎል ሽልብ ግልብ ውሒጡውን ተረፋ። ዋና ዘይብሉ እንስሳ ኣብ ደምቤኻ ኣእቲኻ ትግልገለሉ ኮንዩ  ነገሩ ድማ፡ ወየ ምስአን ሓቢሩ ኩሉ መሰላቱ ተገፊፉ ዝነበረ ወዲ ተባዕታይ፡ መንበሪ ጤሳ፣ ናይ ሕርሻ ቦታ፣ ክውንን፡ ንብረት ክገብር፣ ጥሪት ከፍሪ፣ ምሉእ ምሰል ኣብ ርእሲ ምርካቡ፡ ጊላ ዝብል ስም’ውን ተሪፉስ ብተዋፋራይ ተጸወዐ። ቀንድን መሰረታውን ነገራት ኣብ ኢዱ ክጭብጥን ክውንን ምሉእ ዕድል ምስ ኣረጋገጸ፡ ነታ መናብርቱ ካብታ ኣብ ዘበነ ጊላነት ዝነበርታ ብዝባኣሰ ኣገባብ ክሕዛ ምሉእ ስልጣን ሓይልን ረኸበ። እተን ደቂ ኣንስትዮ ግን ከም ሰብ ዘይኮናስ፡ ከምቶም ንደቂ ሰባት ከገልግሉ ዝተፈጥሩ እንስሳ ተቖጽራ።

እቶም ደቂ ተባዕትዩ ብሓፈሻ፡ ብስርዓት ኣድልዎን ዓመጽን ከም ሰባት ስለ ዝተቖጽሩ፡ ኩሉ ንክነብሩ ዘድልዮም ነገራዊ ትሕዝቶ ምሰውሓሱ፤ ስጋዊ መንፈሶም ዘርውያሎም፤ ቆልዑ ዝፈርያሎም፤ ብዘይ ዋጋን፡ ለይትን መዓልትን ኣብ ደገን ገዛን ከም ጊሎት ዘገልግላን ከም ናይ ንእዲ-ንስቲ ዝጥቀሙለን ከጥሪዩ ጥጡሕ ባይታ ተሰናዳኣሎም።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ በቲ ኣረሜናዊ መስፍናዊ መርሆ ተመቒሐን፡ ብዘይካ ዝወረደን ሓጥያት ኣሜን ኢለን ርእሰን ደፊአን ምቕባልን ተመሳሲለን ክነብራን እንተዘይ ኮይኑ ካልእ ኣማራጭ መንገዲ ሰኣና። ብተወሳኺ በቲ ከድምዓሉ ዝሃንደሶ ጨካን ናይ ዓመጽ ባህልን ዘይቅኑዕ ኣተረጓ ጉማ ሃይማኖታትን፡ ባህልን ..ወዘተ ሰበይቲ ብሰብኣያ ክትግዛእን ንሱ ዝኣዘዛ ዘበለ ክትፍጽምን ፈጣሪኣ ዝገደዳ ጓል ሄዋንያ ብዝብል፡ በቶም “መንቓቕሕቲ” መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊአን ጽዑቕ ጎስጓስ ኣካየደ።

ኣብ ዘበነ መስፍንነት፡ ምስላ፡ እቶም መሳፍንቲ ከድምዕሉ ንዝደልዩ መደብ ብቲ ሕ/ሰብ እወንታ ንምርካብ ዝማሃዝዎ ተግባራዊ ሜላዩ። ስለ ዝኾነ፡ ገለ ኣብነት ካብቲ ንናይ ደቅ-ኣንስትዮ ክብርን እንታይነት ንምጥፋእ ዘዳለውዎ ምስላታት፡

  • ጓል ምውልድ ጉድ ምውላድ
  • ጓል ዝኣመነን ማይ ዝሓቖነን ሓደ
  • ሰበይቲ ቅርብቲ ማኣዲ’ያ
  • ሰበይቱ ትመልኮ ጀና ”ገነት” ትመልቆ
  • ሰበይቲ ዝኣሰርቶ ኣብ ምንገዲ ይፍታሕ
  • ሰበይቲ ንምስከር’ኳ ኣይትበቅዕን
  • ሰበይቲ ጡባ ጥልጥሎ ልባ ዝንብሎ
  • ልቢ ሰበይቲ ክንድ ዓይኒመርፍእ ንሳ’ኳ ገጽ’ተሂብካያስ ትጠፍእ

…ወዘተ

ዝብሉ ኣዕነውቲ ምህዞታት እናተጠቕምካ ንምርጋጽን ምጭፍላቕን ዝጽውዕዩ መልእኽት’ዩ።

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ፡ መስፍናዊ ስርዓት ንጓል ኣንስተይቲ ሓንቲ ካብተን ሰባት ንኽግልገሉለን ዘጥርዩወን እንስሳ ገይሩ ከምዝሓዛ ዘብርህ ሓደ ኣብነት፡ “ንብዕራይ ናብ መልሲ ንሰበይቲ ኣብ ሳልስቲ ወስ (ምህራም) ኣይትግደፍ” ዝብልዩ። እዚ ዝሕብሮ፡ እንስሳ ሓሲቡ ክሰርሕ ስለ ዘይክል ብበትሪ ኢኻ ተስርሖን ትኣልዮን። ሰበይቲ ድማ ወላ’ካ ናይ ሰብ ምስሊ እንተሃለዋ ሰብ ዝርደኦ ቋንቋ ተድምጽ እምበር፡ ካብተን እንስሳ ዝፍለያ ኣእምሮ ስለ ዘአይብላ ብበትሪ እናጨፍጨፍካን እናረገጽካን ንምግርዓ ዝእምት ጻውዒት’ዩ።

መግዛእቲ ጣልያን ናብ ሃገርና ድሕሪ ምእታዉ ርእሰ-ማላዊ ኣገባብ ምሕደራ ንስርዓት መስፍንነት ተፈራረቖ።

ጣልያን ንኤርትራ ምስሓዘ ኣብ ኣፍሪቃ ግዝኣቱ ከስፋሕፍ መደብ ሰለ ዝነበሮ ንኤርትራ ከም ቀንዲ መናሃርያ ክግልገለላ ወጠነ። ግዝኣቱ ናይ ምስፍሕፋ መደባት ንምዕዋት ድማ ምሳለጥያታት ማለት ትሕተ ቅርጻ ጽርግያታት፣ መንገዲ ባቡር፣ ማዓርፎ ነፈርቲ፣ ከምኡውን ናእሽቱ እንዳስትሪ፡ ህንጻታትን ክሰርሕ ነይርዎ። ትምህርት’ውን ክሳብ ራባዓይ ክፍሊ ከፈተ። በዚ ምኽንያት ኣብ ሃገርና ደርቢ ሰራሕተኛ ቦቖለ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓደ ወገን እቲ ክመሓደረሉ ዝጸንሐ መስፍናዊ ስርዓት መሊኡ ከየንቆልቆለ፡ እቲ ብሰሪ መግዛእቲ ዝተፈጥረ ርእሰማልነት ረጊጹ ዘይደልደለ፡ በዚ ክልተ ዝተፈላለይ ስርዓተ ምሕደራ ከምዝካየድ ኮነ። ብኽምዚ መስርሕ’ዚ ድማ ኤርትራ ካብ መስፍንነት ናብ መስፍነ ርኣሰማላዊ ስርዓት ተሰጋገረት።

ድሒሩ ሓይሊ ሰውራ ኤርትራ እና በረኽ ምስ መጸ፡ ዝሰፈሐ ክፋል ሃገርና  ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሰውራ ምስ ኣተወ፡ ጸረ መስፍናዊ ስርዓተ ምሕደራ ቃልሲ ከካይድ ጀመረ። ንኣብነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ወላኳ ብሰንኪቲ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንኸይትህሉ ካብ  ቀዳምነታት ቀዳምነት ዝሰርዐ ህ.ግ. መደባታ ኣብ ባይታ ክትቱርጉም ግዜ እንተሓጸራ ካብቲ ዘተግበርቶ ገለ ንምጥቃስ፡ መሬት ምዕዳልን ምድልዳልን ብዝብል ወፍሪ ኣብ ትሕቲ ውሱናትን መሳፍንትን ተገቢቱ ዝነበረ ሰፊሕን ልሙዕን ምሬት ናብ ህዝቢ ክምዝከፋፈል ገይራ። መስፍንነት ዝግልገለሉ ድሑር ጸረ ምዕባለን ኢሰብኣዊ ባህሊ’ውን፡ ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ገና ብህጻውንተን ከለዋ መርዓ፤ ምኽንሻብ፤ መርዓት ድንግል ኣይኮነትን ኢልካ ንግዝኣ ምምላስ…. ወዘተ ህዝቢ ብምዕጋብ ጠጠው ከምዝብል ገይራቶ ነይራ ያ።

ስርዓት መስፍንነት፡ ወላኳ ኣብቲ ባይታ ዘሎ መሰረታዊ ሞቖሚታቱ ምሉእ ብምሉእ እንተፍረስካዮ እቲ ነዊሕ ሰራውር ሰዲዱ ኣብ ርእሲ (ኣተሓሳስባ) ሰባት ዝዓረደ ድሑር መስፍናዊ ባህሪን ባህልን ከተልግሶ ግን ቀሊል ቃልሲ ዝሓትት ኣይኮነን።

እቲ ስርዓት ዝመርኮዘሉ ቀንዲ ምንጪ ቁጠባ ምስ መሬት ዝተታሓሓዘ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ልዒሉ ዝተገልጸ፡ መስፍን ዝኣኽሎ ልሙዕ መሬት ገቢቱ፡ ዝተረፈ ንተዋፋሮ ከከፋፍሎም ከሎ፡ ዝሃቦም ዓስቢ ንመሬቱ ኣልሚዕም ዘራእቱ ሓፊሶም ክእብሉ ጥራይ ውን ኣይነበረን። እንታይ ድኣ ንሓደ ክፋል ማለት ንደቂ ተባዕትዮ በዚ ሒዙ ንደቂ ኣንስትዮ ክቑሽምድ ዘኽእሎ ስልቲ ክሕዝ ስለ ዘለዎዩ። ደቂ-ተባዕትዮ ከም ሰባት ክነብሩን ነብሶም ክመርሑን ዘኽእሎም መሰላት ከበርክተለም ከሎ፡ ካልእ ዘይኮነስ፡ ኣፍ (ብጽሒት) ኣዴታቶም፣ ኣሓቶም፣ ደቆም፣ (ኣዋልዶም) ኣንስቶም፣  ገፊፉ’ዩ። “ስወአን ብጡጠን”‘ካ እንተኾነ፡ ምስዚ ግንዖዚ ኣተሓሒዙ ዘተሓላልፎ መምርሒ፡ ስርዓት መስፍንነት ፡ ናይ ደቅ-ኣንስትዮ ቁጦባዊ ብጽሒትን ምምሕዳራዊ ሓላፍነታትን ኮታ ኩሉ መሰላተን ቐንጢጡ ኣረኪቡክም ኣሎ። ንዝተዋህበኩም ሓለፋ  (ረብሓ) ከይጫረታኹም ክኣ፡ “እቲ በሪን ኣብ ኢድካ ‘ቲመንን ኣብ እግርኻ” እዩ እሞ ክሳብ ኣላሽ ዝብላ ጨፍሊቕኩምን ዓፊንኩምን ክትሕዝወን ዝዓግተኩም የለን ብዘረድእ ኣገባብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምድቋስ ሓቢሮም ዝወፈርሉ ዕማም ኮነ። እቲ ጉዳይ ብቐንዱ፡ ጉዳይ ሓለፋን ረብሓ ስለ ዝኾነ ኣብ እምሮ ተዋፋሮ (ሓረስቶት) ሰሪጹ ስለ ዝሓዘ ካብ ርእሲ ብዙሓት ክትኣልዮ ቀሊል ኣይኮነ።

ኣበጋግሳ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ምብቋል ስርዓተ-ጊላነት ጀምሩ፡ ብኣዝዩ ዝኽፈአን ዝዓሞቐን መልክዑ ኣብ ስርዓት መስፍንነት ተተግቢሩ ግና ዝቕጽል ዘሎ ጉዳዩ።   ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት  ናይዛ ዓለምና፡ ኣብ ናይ ዓመጽን ዓፈናን መርሆ ተጥለቕሊቐን ይርከብ። ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ከም ኣካል ናይዘን ኩለን ጭቁናት ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም መጠን፡ ሓቢረን ሰለባ ናይቲ ግፍዕን ዓፈናን ክኾና ባህርያዊ’ዩ።

ደቅ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ካብዚ ነዊሕን ዓሚቕ ሰራውር ዝሰደደ ኣረሜናዊ ግፍዕን ጭቆናን ንክላቐቓ፡ ኣብቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፈን፡ ብምሉእ ሕልነአን ሰውራ ንምዕዋት ተቓሊሰን። እዚ ብዘይ ቶግላባ ብልዑል ንያተን፤ ንዋተን፤ ሂወተን ከፊለን፡ ኩሉ ዓቕመን ጸንቂቐን ዘዐወተኦ ሰውራ፡ ብውየ ኣብ ዝባነን ሓንጊጠን ዓዲ ዘእተወኦ ጸረ ህዝብን ሰውርኡን ዝኾነ ጉጅለ ኢሳይያስ ተዘሚቱ። ንሳተን ድማ ኣብ ንኽትገልጾ ዘስካሕክሕ ናይ ነቲሕ ታኼላ ተሸሚመን ይርከባ። ስርዓት ህግደፍ በቲ ዘይትመን ዋጋ ከፊለን ዓስቢ ሂወተን ዝኾነ መሰረታዊ መሰለተን ክረጋገጸለን ይትረፍሲ፡ ነቲ ከምሰብ ዘይቖጽረን ግን ካኣ ንኸዕንወኦ ዝትቓለሳ ጨካን መስፍናዊ ኣረሜናዊ መርሆውን፡ ኣማዕድየን ከም ዝሪኦኦን ከምዝናፍቐኦ ገይሩወን ይርከብ ኣሎ።

ኣብ ዓለምና፡ ኩሎም ጸረ ፍትሕ ሰላምን ዝኾኑ ናይ ዓመጽ ሓይልታት፡ ብቐዳማይ ደርጃ ሰሪዕም ዝዋግእዎ ሸነኽ፡ ንረብሓን መሰልን ደቂ ኣንስትዮ’ዩ። ንቕሓት ዝዓጠቐ ቃልሲ ደቂ-ኣንስትዮ እንተተላዒሉ እቶም ኩሎም ጸረ ዓመጽን ምዝመዛን ዝኾኑ ሓይልታት ከይብገሱ ስለ ዝፈርሁ፡ ተቓውሞ ደቂ-ንስትዮ ውሽጣዊ ኢሕታ ኮይኑ ክተርፍ፡ ዎትሩ በቶም ዝቐረቡወን ብድሑር ባህሊን ጥቕማዊ ኣተረጓጉማ ሃይማኖታት ዝተገንዙ ስድራቤታተን ዓፊኖም ከቕህምዎ ይጽዕሩ። ኣብ ሓደ ሕ/ሰብ ሰላምን ርግኣትን ፍጡን ማሕበራዊ ዕብየት ዝረጋገጽ ጉዳይ ደቂ-ኣንስትዮ ግቡእ መዕለቢ ምስ ዝረክበ ጥራይ እዩ።

ስለ ዝኾነ እምብኣር እዘን ዝስዕባ ግድን ክማላኣ ኣለወን።

  • ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ሕቶ መሰረታዊ ፍትሓዊ ለውጢዩ፡ እዚ ክኣ ኣሻማዊ እዩ።
  • ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ንዐአን ፊት ዝገበረ ምዕሩይ ኢኮኖምያውን ፖሎትካዊ ምሕደራ ክውን ንምግባር’ዩ።
  • ሕቶ-ደቂ-ኣንስትዮ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ማእከል ዝገበረ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ንምርግጋጽ’ዩ።

ብጽሙቕ ዝበለ ገለጻ፡ ኣብዘን ዝስዕባ ክልተ ነጥብታት ይጠቓለላ

  1. ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ናይ ኢኮኖምያዊ ጽግዕተኚነት ነጻ ክኾና ኣለወን።
  2. ንነጻነተን ዝከላኸል ምሉእ መሰላተን ዘውሕስ ሕጊ ክቐውም ኣለዎ።

ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቁጣባዊ ጽግዕተኚነት ናጽነት ክረኽባ ኣለወን ክበሃል እንከሎ፡ ብትካቦ ዝምጽወተን ዘይኮነስ፡ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ትምህርትን ናይ ስራሕን ዕድልን መሰለን ተዋሂቡዋ፡ ወፊራ ናይ ስርሓ ዋጋ “ማዕረ ስራሕ ብማዓረ ክፍሊት” ብዝብል ዘየሻሙ ሕጊ ዝሰረቱ ተግባራዊ ኮይኑ፡ ዋጋ ጻማኣ ይኽፈላሞ፡ ቁጠባዊ  ጽገዕትኝነታ የብቕዕ። ኣብ እትምስርቶ ሓዳር ይኹን ስድራ፡ ፍቕርን ምትሕልላይን ሓባራዊ ሓላፍነትን መሰልን መሰረት ዝገበረ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማኒ ብናጻ ድልየታ ብዘይተጽዕኖ ስድራቤታን ከባቢኣን እትምስርቶ ሓዳር ካብ ቑጠባዊ ጽገዕተኛነት ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ምስዘብቕዕ ጥራይ’ዩ። እዚ ቁጠባዊ ሓርነት ድማ ንሕብረተ-ሰብኣዊ ምዕብልናን ምምሕያሽ ደረጃ መነባብሮ ዓቢን ወሳንን ግደ ከምዘውለዎ ክትኮረሉ ዝግበኦ ነጥቢ’ዩ።

ንጓል ኣንስተይቲ ዝከላኸል ሕጊ ወላ ብቐልም ወርቂ ይጸሓፍን ይቃላሕን፡ ብመሰረቱ ኣብ ተግባራዊ ቁጠባዊ ናጽነት ናይ ደቀ-ኣንስትዩ ዘይተሃንጸ እንተኾይኑ፡ ትርጉም ኣልቦ ሕጊ ምዃኑ  ብትሪ ክስመረሉ ዝግባእ ዛዕባን ክውንነትን እዩ።

እዚ ክማላእ ድማ፡ እቲ ንስለ ፍትሕን ዲሞክራሲን ዝቃለስ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ መሰረታውን ክሳዳዊ ጉዳይ ምኻኑ ኣሚኑ ብዕቱብነት ክሕዞን ንምዕዋቱ ክጽዕትን ይግባእ።

ኑራ ሑሴን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT