Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወጽዓህዝብናማናተበለጽቲክኸውንኣይነፍቅድን።

ብኢሳያስ ኣስፍሃ። ኣቱም! ሰባት ዝገርም እኮ ኢዩ። እዝከረኒ እዋኑ ኣብቲ እስትንፋስ ዘይህብ ቀጻሊ ናይ ምክልኻ ኲናት ተጸሚድናሉ ዝነበርና ምዝዛም ዓመተ 1978 ኣሃዱና ብርጌድ 31 ድሕሪ መሪር ናይ ምክልኻል ኲናት፣ ካብ ኣፍ ደገ ባረንቱ ኣዝሊቕና ኣብ መስመር

ብኢሳያስ ኣስፍሃ።

ኣቱም! ሰባት ዝገርም እኮ ኢዩ። እዝከረኒ እዋኑ ኣብቲ እስትንፋስ ዘይህብ ቀጻሊ ናይ ምክልኻ ኲናት ተጸሚድናሉ ዝነበርና ምዝዛም ዓመተ 1978 ኣሃዱና ብርጌድ 31 ድሕሪ መሪር ናይ ምክልኻል ኲናት፣ ካብ ኣፍ ደገ ባረንቱ ኣዝሊቕና ኣብ መስመር ኣቑርደት ከረን ጋርሳይ እንገርነ (ቀርዑበል) ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዓሪዳ ነቲ ብግብረ ሃይል ዝብል ውዳበ ብሓገዝ ሶብየት ሕብረት ክሳብ ኮራርምቱ ዝዓጠቐ ሰራዊት መግዛእቲ ንከተማና ከረን ከይኣቱ ንምምካትን ነቲ ብመዘና ኣልቦ መስዋእቲ ጀጋኑና ተኸፊልዎ ሓራ ዝወጸ ከተማታትና ንምክልኻልን ኣብ ሓያል ጥምጥም ዝነበርናሉ ወቕቲ ኢዩ ዝነበረ።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ ጊዜን ቦታን ኣብ ከባቢና ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ወይ ብእንዳ ሳበ ወይ’ውን ብሳልሳይ ሓይሊ ዝፍለጡ ተጋደልቲ ምምባሮም እዝክር። ኣብቲ ጊዜ’ቲ ብዕድመ ንኡስ በተሓሳስባ’ውን ብሱል እኳ እንተዘይነበርኩ ግን ክኣ ከም ኩሎም ፊተውራሪ ውዑይን ክፈልጥን ክምሃርን ከይደቀስኩ ዝሓድርን ኢየ ዝነበርኩ። ከምኡ ስለ ዝኾንኩ ድማ ንኣካያይዳ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ኮነ ህ.ሓ (እንዳ ሳበ) ሓቲተ ዝሕበረኒ ዝነበረ ንምጽላሞም ምዃኑ ዳሕራይ ዝተሰወጠኒ፣ ብፍላይ ተጋደልቲ ሳልሳይ ሓይሊ እንዳ ሳበ ደሞዝ ተኸፊልዎም ዝጋደሉ ተጋደልቲ ምምባሮም ኢዩ። በታ ውስንቲ ዓቕመይ ክኣ ንሃገርካ ምግዳልሲ ብደሞዝ ኢለ እጽየፎም ነይረ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ መድረኽ እቲ ኩነታት ተቐይሩ ብተ.ሓ.ኤ ተሃሪሞም ካብ ሜዳ ኤርትራ ድማ ከም ዝወጹ ተነጊሩና። ሽዑ ይዝከረኒ ብዓንተብኡ ብደሞዝ ተቖጺሩ ዝጋደል ድኣ ኣበይ ከየትክል ንብል ኔርና፣ ዘይምፍላጥ ሕሱም ድኣ ኮይኑ’ምበር ከምኡ ዘበለና ምኽኒያትስ ኣብ መንጎ ደሞዝተኛን ብዓል ዕላማን ዘሎ ፍልልይ ንጹር ስለ ዝኾነ ኢዩ።

ሎሚ ድኣ ድሕሪ 36 ዓመት እንታይ ኣምጽኦ ክብሃል ይክኣል ይኸውን እወ! ዘምጽኦ ኣምጺእዎ’ሎ። ንሱ ክኣ ዘለናዮ መድረኽ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛን ተሃዋስን ቀራና መንገዲ በጺሑ ዘለወሉን፣ ከም ሃገር ንሃሉ ዶ ኣይንሃሉ ኣብ ዘሰክፍ ኩነት ወዲቕና ዘለናሉ ህሞት ምዃኑ ሕልና ንዘለዎ ብሩህ እመስለኒ። ብመንጽሩ ክኣ ብጉልባብ “ምድሓን ሃገር” ዝቀላቐሉ “ኳሓሎ ዝመስሉ ኣንቛሮ” ይርኣዩ ምህላዎም ኢዩ። እዞም ዝጠቐስናዮም ሸነኻት ኩሎም ኣብቲ ብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተኻየደ ቃልሲ ንሃገራዊ ናጽነት መስረትን ሓብሓብትን ሓለፍትን ናይታ ብጸላም እንዳተኣከበት ንኽንደይ ንጹሃን ሙሁራን ሃገራውያን ተጋደልቲ ሂወት ብቃጻ ዝበልዐት ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበሩ ኢዮም። ካብኦም ክኣ ብዘይካ ሓደ ክልተ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ኢዶም ኣጣሚሮም ጥራይ ዘይኮነ አረ ገሊኦምስ ወረ ኣንጻር እዚ ፍትሓዊ ቃልስና ዝነበሩ ኢዮም። ሕጂ ግን ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ብሳላ ቃልሲ ሓፋሽ ብኹሉ መለኪዒታቱ እናተረመሰ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ኣብ ሓደ ረፍዲ ያእዪ ናብ ናፈቕትን ደለይቲን ፍትሒ ተቐይሮም ንብዓት ሓርገጽ እንተነብዑ መን እሞ’ዩ ክዝንግዓሎም? ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ሓደ ከብርሆ ዝደልዮ ንገር እንተሎ ድማ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ካብ ክቱር ምረትን ግፍዕን ስርዓት ኢሳያስ ዝተበገሰ “ ተጋዲልኩም እንታይ ኣምጺእኩም? ዘይ ነዚ ጨካን ኢሳያስ ሓንጊርኩም ዝኣተኹም” ዝብል ኣዘራርባ ይስማዕ’ዩ። ኣብዚ ኣበሃህላ እዚ ሓደ ዘይስገር ሓቂ ኣሎ። ንሱ ኽኣ እቲ ኹሉ ንጹህ ተጋዳላይ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ክቃለስን ክስዋእን ከሎ እዞም ትርእይዎም እምበኣር ኢዮም ነዚ ኣረሜን ስርዓት ኣብ ምህናጽን ምሕንጋርን ተዋፊሮም ኣብዚ ደረጃ ዘብጽሕዎ። ኣብ መወዳእታ “ለያቡ ኣብ ምምቕቓል ይብኣሱ” ኮይኑ ነገሩ’ምበር ካብ ኢሳያስ ዝፍለዩ ኣይኮኑን። ሕጂ ኽኣ “ ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ እሙ” ከም ዝብሃል ወዮም ብስም “ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ዝብል መጸውዒ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ደቂ ዕቁብ እቲ ነጻልን ኣግላልን ኣመስራርትኦም ከይኣክል እቲ ቅድሚ 36 ዓመት ብደሞዝ ምግዳል ንኽንጽየፎ ዝመሃሩና ረሲዖም ሕጂ ባዕላቶም ሃየ! “ካብ ውሽጢ ህጹጽ ናይ ለውጢ ጠለብ ይድለ ስለዘሎን ንዕኡ ዘተግብሩ ሰባት’ውን ስለ ዘለዉናን ከምኡ’ውን ገንዘብ ካብ ፈተውቲ ረኺብና ስለዘለና” እናበሉ ንግሩሃት እናተሃራረፉን ልዕሊ ኹሉ ክኣ ጸላም ከደኖ ኣኼባታት እናኣካየዱን ኣብ ፈቐድኡ ሰብ ክኸትቡ ይፍትኑ’ለዉ፣ ናይዚ ኣብነት ኣብ ዕለት 19 ጥሪ 2014 ዓ.ም ብኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣባል እታ ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበረን ሕጂ ክኣ መስራትን መራሕን “ትንሳኤ ሕብእቲ ሰልፊ” ዶ ክንብላ “መድረኽ” ኣብ ሰሜን ሎንዶን ብሕቡእ ጸላም ከደኖ ኣኼባ ከምዝገበረ ይፍለጥ። ኣንቱም ሰባት ዝገርም እኮ’ዩ! እዚ ሰብ እዚ’ኮ ትማሊ ትማሊ ንህግደፍ ወኪሉ ኣብ በልጅዩም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣንጻር ጉጀለ 15 ከድዓትን ተንበርከኽትን እንዳበለ ሰሚናራት የካይድ ከም ዘይነበረ ንዕኡ ይቕሬታ ከይሓተተ ሕብሩ ቀይሩ መጺኡ ሕጂ ተደናጋጺ ሃገርን ደሞክራሲ ክመስል እንተፈተነ “ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ” ኢዩ ነገሩ።

ኣነ ኣብቲ ሃገራዊ ናጽነት ንምድላይ ን15 ዓመት ኣብ ዉዑይን ዝሑልን መድረኻት ክዋሳእ ከለኹ “ግቡእካ ጥራይ ግበር ድሓር ትሓትት” እናተባሃልኩ ንኽፉን ጽቡቕን ከምዘይረኣኹ ዝሓለፍኩ ሰብ ኢየ። እቲ ምንታይ ከም ኩሎም ስዉኣትን ህልዋትን ተጋደልቲ ድሓን ናጽነት ጥራይ ትምጻእ ካብ ዝብል ንጹህ ሃገራዊ ሕልና ተበጊሰ፣ ይኹን እምበር እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣውዲቑና ክኣ ንርእዮ ዘለና ኢዩ። ሕጂ ክኣ ዝሓለፈ ከይኣክል ኣብ ጉንዲ እዝነይ ብስም’ታ ንእስነተይ ዘብለኹላ ሃገረይ ናይ ጸላም ኣኼባታት እናተኻየደ ከምቲ ን15 ዓመትት ዝተጓነኽዎ ዳግማይ ክጓነ እሞ ሞይትካ ኢኻ ድኣ ዘይብሉኒ? እወ! ኣብዚ ኣበሃህላ’ዚ ካብ ውልቃዊ ስሚዒትን ኣተሓሳሳባን ካብ ብውልቂ ዘይምዕዳመይን ተበጊሰ ዝቃወሞም ዘለኹ ዝመስሎም ሸነኻት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። እንተኾነ ብሓጺሩ መልሰይ፣- መሰል ሓደ ከይተኸብረ መሰል ብዙሓት ክኽበር ኣይክእልን ኢዩ። ኢለ ጥራሕ ክሓልፎ እመርጽ።

ክቃለስ ኢየ ዝበለ ብኸምዚ ዝገብርዎ ዘለው ጸላም ከደኖ ነጻልን ኣግላልን ዘይኮነ ብእዉጅን ግሉጽን ኣገባብ ብዝመስሎም ክውደቡ መሰሎም እኳ እንተኾነ ግን ክኣ ብኣንጻሩ ኣቶም ሰብ ሓለፋን የማናይ ኢድ እቲ ስርዓት ዝነበሩን መስረትን መራሕትን እታ ጸሊም ታሪኽ ዘለዋ ሕብእቲ ሰልፊ ታሪኽ ንምድጋም ሕጂ’ውን ኣለና ዝብሉኒ እንተኾይኖም ዋእ! ደጊሞም እሞ ሞይትካ ኢኻ ድኣ ዘይብሉኒ? እምበር ክልተ ሳብ ክጽፋዕ ስለ ዘይኮንኩ ማዕረ እቲ ብቐዳማይ ደረጃ ዝቃለሶ ዘለኹ ስርዓት ህግደፍ ክዋግኦም ምዃነይ በዚ ኣጋጣሚ ከፍልጦም እደሊ እቲ ምንታይ ንግርህነተይን ግርህና ብጾተይን ተበሊጾም ንእስነትና ኣብሊዮም ከይኣኽሎም ሕጂ ክኣ ብሂወተይ ከለኹ ዕድመ ንኡሳን ኣሕዋተይ ክበልዑን ብስም ህዝበይን ሃገረይን ለሚኖም ዲዩ ወይስ ብምትላል መብጽዓ ኣትዮም ብዝረኸብዎ ገንዘብ ሰባት ክሓብሉ ሱቕ ኢለ ክርኢ ዕደ ነስኡ! ብድሆ! ክኣ እብሎም። ካብ ዘመነ ገድልን ድሕሪ ናጽነትን ኣትሒዞም ብስም ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊሽ (ወዲብዓታይ) ብስም መጽናዕትን ምርምርን ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ካብ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ዝተፈላለያ ናይ U.N ጨናፍርን ሓገዝ ናይ ምሕታት ተመክሮ ዘጥረዩ፣ ሕጂ ድማ ንህልው ጸገም ህዝብና ከም ማና ተጠቒሞም ከም ቀደሞም ሃብቲ ንኸኻዕብቱ ዝገብርዎ ዘለዉ ሃነፍነፍ ኩሉ ክነቕሓሉን ከለልዮምን በዚ ኣጋጣሚ የገንዝብ። እቲ ብስም ስድራ ቤት ኣቶ ዓንደብርሃን ኣብ ቤልጂዩም ተጠሪዩ ዘሎ ገዛ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ዝረጋገጸሉ ወቕቲ’ውን ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢዩ። ንኣቶ ጳውሎስ ወዲ ብዓታይ ወጽዓ ህዝብና ህጡር ቀውዖም ኮይኑ ካብን ናብን ብ first class ticket ሽነን ዝብልሉን ኣብ ብዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴል ዘራጥጠሉ ጸጋ ኮይኑ ክቕጽል’ውን ብፍጹም ኣይንቕበሎን።

ሃረርታናን ባህግናን ንካልኣይ ጊዜ ክጭወ ኣይንፈቅድን።

ክንዕወት ኢና!

ኢሳያስ ኣስፍሃ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
105 COMMENTS
  • daniel2 January 26, 2014

    do you want democracy and rule of law or revenge?

  • keren January 26, 2014

    izi mo klte mot iyu.

    haw isayas yekenyelna.

    habereta sinki iyu.

  • Daniel January 26, 2014

    Esseyas, What you have said makes sense. However, your article will serve more to the PFDJ gangs than the masses. Our number one enemy is PFDJ gangs, especially the self appointed president. At this time, what we need is unity regardless of who these people were during the armed struggle. Accusations will not resolve our issues. Once, we get rid of the PFDJ gangs, the next struggle will be forgiving and forgiving will include you too, because you left your people with half freedom. Wow, isn’t it very easy to blame each other?

  • Essayas January 26, 2014

    I remember a meeting in Hollannd, Amsterdam with Abrhaley Kifle, when the ethic eritrea war started you were furious to ask a question about the shambles in handling the war or the peace process by the government in Eritrea, and I think you were quick to see through the deceitful intention of the regime. At least, you are clear in your conscience it is the best choice to abominate the victimizer than betray your own morality.

  • KEBREAB January 26, 2014

    Thank you Isseyas Asfeha, Again now to be organized by the name of EPLF? After they failed and betrayed the people of Eritrea to the level of darkness and agony! We do not need to see or hear any old slogan of ELF or EPLF, no more devision by the name of “Jobha or Shaabia” we need to be united all our two religions & nine national/ethnics for the common cause. It is enough and enough to be divided for the same goal of peace, justice, rights & democratic governance.

  • ambabi January 26, 2014

    We all know you were participated in think and thin revolutionary movement, and we need you to join wedivacar and continue struggle. Blaming others will not get us anywhere but what we need now is to get united and exert pressure on the dictator. We will have plenty of time for accusation then (KINBURKUT ZEYKNBURKUT AB RUBBA KIDM NBTAH). It has been said that, after either forcing the dictator to leave our nation or to change his mind and implement the constitution then we will have a solid ground to bring our evidence and bring the mentioned individuals to justice. However, at the moment to try to fight or solve tiny problems leaving big troubles behind is just wasting time.

  • rezene kidane January 27, 2014

    No one of these MEDREK people has trhe moral authority to lead or organize the Eritrean people. All have been notories servers of the Dictator and were having a luxurious life while the people suffered. Now that the dictator is in his last hours of survival they are are running here and there to cheat the masses as ususal. Andebrhan, Mesfun Hagos, Paulos Tesfagherghs (wedi beatay), Abdella Adem, Haile Menqoeious, Tewelde Andu, Dr. Assefaw etc. all are trash and must be thrown into the dust bin of history. They tried to recruit the tegadelti of Adi Engliz but failed utterly. They will fail for sure!!

  • mesel January 27, 2014

    ኢሳያስ

    ”ንበዓል ዓንደብርሃን ኣይትስምዕዎም” እያ እታ መልእኽቲ። ካልእይ ድማ ገድሊ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ምውድኡ ከም ዝበጽሐ ኢኻ ትገልጽ ዘለኻ። ኣብ ክልቲኡ ነጥቢታት መረዳእታታት ውሒዱ ኣሎ። በዓል ዓንደብርሃን ንህዝቦም ዘይሓስቡ ምኻኖም ጭብጥን ሰነዳትን ኣሰኒኻ ጸረ ሃገርን ህዝብን ምኻኖም ኣረዳኣና። ንሳቶም ዘይተሓወሱዎ በዓል ንስኻ ስምኩም ከማን ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሰባት ንህዝቢ ኤርትራ ፍታሕ ከተምጽእሉ ገዛእ ርእሰይ ምእማን ኣብዩኒ። ኣብ ገድሊ ስም ምጥራይ ቀሊል ኣይኮነን። ስም ዘለዎም ሰባት ስለ ዝኾኑ ፥ ገበኖም ክሳብ ዘይተረጋገጸ ኣብ ቃልሲ ንካሳተፉ ኣይትፍንፍኖም። ንስኻን ንሳቶምን ኣብ ሕጊ ዝቐርብሉ ኩነታታት ኣብ ኣስመራ ንምግሃድ ግን ንስኻ ስራሕ ንሳቶም ንክሰርሑ ካኣ ናጽነት ሃብ። ንነብሲ ወከፍ ሰብን ምንቅስቓስን ስም እንዳ ሃብካ ምድኻም ግን ወይ ተንኮለኛ ኢኻ ወይ ድማ ዝሓለፈ ግርህነት ኣለካ ኢሱ ሓውና።

    • MightyEmbasoyra January 27, 2014

      Ato Mesel,
      I think you have misinterpreted his message. Would you accept if Monkey now comes out of nowhere and acts as opposition leader? I wouldn’t.

    • Mahta January 27, 2014

      Mesel, you get the point there! who gives the license anyway? why they try to blackmail people, why don`t they give the choice to the people, if they are fighting for the people…crazy indeed!!

      • MightyEmbasoyra January 27, 2014

        You can’t replace one killer by another killer, Mahta. You should advocate people like Tesfay T. not to Andebrahans and alikes. We can’t afford to make another devastating mistake.

  • jemal Abdu January 27, 2014

    Dear Brothers and Sisters!!!!!!!!
    Please Please let us accept all the Eritreans who want to fight Esayas, let us not spend our time against each other.

    For me this gays are trying to came in to the Picture, because the end of the Dictator will be in this year . So let us allow them. We need every help. I know you as well as the other group. I agree with you in some point.
    It was shameful that they was hiding themselves till know!!! They could do a lot a long time ago.
    The way they are working is not correct. Why they need their own group.Why they don’t Join one of the existing Group?
    Why they don’t go open to all the Eritreans and to Express who they are and what their aim is???
    Sorry Eritrea is not only for the intellectual.
    If you are honest be transparent, to your lovely Brother and Sister.
    Dear all every second counts, let us get read off this Bastard first.
    And you old members of Essu please tell us open like wedi wacaro, that you was part of it and know you regret and want to save Eritrea and Eritreans. Is that so Difficult or still you are proud not to accept the reality. Please do it because you all was in Gedly and fought for independent. We know all, that the Bastard Killer machine Essayas have misused you to achieve his plan to kill all Eritreans.
    You are the lake-one and you are alive!!!!! Most your friends who served him like you are no more alive. So please join the majority and open all the doors for your brothers and sisters ( Jung Generation) Please Please Please the Eritrean need your help!!!know more than any time.

    You 4 the leaders of this new group have a Gold key to open a lot of International doors, so please use them!!!!!!! you need the mass so Join Honestly. Make a history for your kid’s.Make them proud of their Dad’s.

    NB: why you don’t tray to help the 35000 Eritreans in Israel. If you want you can bring it to the topic in the UN. Some of you are big boss’s there. Help your Brother and Sister. But please don’t divided us.

    I love all Eritrean fighting against the Killer Machine Essayas and his Demhit..

  • Abraham Haile January 27, 2014

    The best way to solve such problem is to confront and challenge the people you are accusing for behind the closed doors. What if you are wrong, where the possibility is not remote? Who will benefit the out come of these mess? I am not suggesting you wrong but not sure you following the right channel. Going back to confrontation and challenge and work as a bridge to the process of unifying the struggle, all can benefit to counter act the evil act. These type of work bench or method of work could give head ache to the enemy and give us less antagonism within ourselves and can enhance the process of our struggle to freedom. We need to watch ourselves very carefully and avoid any thread that affects our unity. Eritrean people, knows who is who and definitely will chose leaders if you provide them with the right tools for information. All will be clear enough to see through the glass indue time if we are patient enough. Thanks to the history tellers on the websites, like wedi Temnewo, Alena and others which helped us to know the untold events.

1 2 3 5

POST A COMMENT