Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወገናዊ ፖለቲካ የዋጽእ ዶ? (ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓወምቲ) – 2ይ ክፋል

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓወምቲ - 2ይ ክፋል  ወገናዊ ፖለቲካ የዋጽእ ዶ? እቲ ኣብ መንጎ ተጋዳላይን ዘይተጋዳላይን (ተጋዳላይ - ገባር፣ ዋርሳይ - ይከኣሎ) ዝተመርኮሰ ፍልልይ፣ ዝፈጥሮ ዘይምትእምማን ብእዋኑ ለውጢ ካብ ምምጻእ ዘዐንቅፍ ተርእዮ ‘ኳ እንተኾነ

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓወምቲ – 2ይ ክፋል 

ወገናዊ ፖለቲካ የዋጽእ ዶ?

እቲ ኣብ መንጎ ተጋዳላይን ዘይተጋዳላይን (ተጋዳላይ – ገባር፣ ዋርሳይ – ይከኣሎ) ዝተመርኮሰ ፍልልይ፣ ዝፈጥሮ ዘይምትእምማን ብእዋኑ ለውጢ ካብ ምምጻእ ዘዐንቅፍ ተርእዮ ‘ኳ እንተኾነ ካብ ሓደ ወለዶ ዝሓልፍ ዕድመ ስለዘይብሉ ኣመና ዘሻቕል ኣይኮነን። ምስ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ኣውራጃ ወይ ከባቢ ተኣሳሲሩ ዝካየድ ወገናዊ  ፖለቲካ ግን፣ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ ብዙሓዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብ ዘለዎ ሃገር፣ ምስናይ’ቲ ናብ ግጭት ክበጽሕ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ብቐሊሉ ዘይሓዊ እዩ።

ቅድሚ ምቕጻልና ወገናዊ ፖለቲካ (Secterian Politics) ዝልለየሎም ቀንዲ ጠባያት እንታይ ምዃኖም ምድህሳስ ጽቡቕ እዩ።

ሃይማኖታዊ፣ ብሄራዊ፣ ኣውራጃዊ ወይ ኣከባብያዊ ኣወዳድባ ሒዙ ወገናዊ ፖለቲካ ዘካይድ ውድብ ይኹን ማሕበር ጉጅለኣዊ ረብሓ (Group Interest) እዩ ዘቐድም። ጸቢብ ኣተሓሳስባኡ ሃገራዊ ራእይ ካብ ምምዕባል ይቕይዶ፣ ንኻልኦት ጉጅለታት ብዓይኒ ጽልኢ ይርኢ፣ ፍሉይነት ኣተሓሳስባ ናይ ካልኦት ኣየኽብርን ጥራይ ዘይኮነ፣ እንተላይ ኣብ ውሽጢ ጉጅሊኡ ናይ ዝርከቡ ባእታታት ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ኣይጻወርን። ምስ ካልኦት ካብ ኣብ ዘራኽቡዎ ኣብ ዝፈልዩዎ ጉዳያት ኣተኵሩ ይከራኸር። ካብ ምስ ዝዓበየ ጸላኢኡ ምስ መሳትኡ ዝኾኑ ጉጅለታት ምቅንቓን ይመርጽ። ተነጽሎ የዘውትር። ዋንነት ሓቂ ምስኡ ጥራይ ዘሎ ኮይኑ ይስምዖ፣ በንጻሩ ንኻልኦት ይዝልፍን የካፍእን። ደረቕ መርገጺታት ይሕዝ፣ ኣብ ልዝብን ዘተን ውን ኣይኣምንን። ጸቕጢ ምስ ዝበዝሖ ናብ ጎነጽን ግጭትን የምርሕ።

ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ መንጎ ሃገራውያንን (Nationalists) ሕብረታውያንን (Unnionists) ንዘበናት ዝቐጸለ ብጎንጺ ዝልለ ፖለቲካዊ ፍልልይ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጎ ሺዓን ሱኒን እስላም ዝርአ ዘሎ ረጽሚታት ከኣ ናይዚ እንዛረበሉ ዘለና ወገናዊ ፖለቲካ ኣብነታት እዮም።

ደምበ ተቓውሞ ሃገርና ንመብዛሕትኡ ጠባያት ናይዚ ወገናዊ ፖለቲካ ዘማልእ እዩ። ብእዉጅ ኣብ ሃይማኖት፣ ብሄር ዝተመስረተ ኣወዳድባ ዘለዎም ሓያለ ውድባት ኣለው። በስማቶም ይኹን ብወሪኦም ሃገራዊ ውድባት ክመስሉ ዝመጣጠሩ ውሑዳት ‘ኳ እንተለዉ፣ ወገናውነቶም ‘ዩ ጎሊሑ ዝርአ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዛጊት ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣይማዕበለን። እቲ ብመንገዲ ኪዳን ክዕወት ዘይከኣለ ስምረት ብመንገዲ “ሃገራዊ  ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ‘ውን ኣይተረኽበን። ዋላ ኣብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ፣ ብኪዳን፣ ብምሕዝነት ይኹን ባይቶ ሃገራዊ መቃለሲ ባይታ ከዋድዱ ትጽቢት ዝተበብረሎም ኣጋጣሚታት፣ ጉጅለኣዊ ረብሓታት (Group Interest) ካብ ሃገራዊ ረብሓታት ብቐዳምነት ክስርዑ እዮም ተራእዮም። ንውድባት ይኹን ማሕበራት ከም ትካላት ወይ መሳርሒ ናይቲ ምእንቲ ሃገራዊ ረብሓ ክውቃዕ ዝድለ ዕላማታት ኣብ ክንዲ ምርኣይ፣ ካብ ሃገር ንላዕሊ ናይ ምርኣየን ዝምባለ ኣሎ። ሕመረት ናይዚ ሽግር ከኣ ኣብቶም ፖለቲካውያን መራሕቲ ዘሎ ውድድር ስልጣንን ናይ ምትዕብላልን ባህግን እዩ። ወትሩ፣ ለውጢ ከመይ ኢሉ ከምዝመጽእ ዘይኮነስ ድሕሪ ለውጢ መን ዓብላሊ ቦታ ከምዝህልዎ፣ መን ስልጣን ከምዝሕዝ እዩ ክርክሮም።

ከም ንቡር ዓወደ መጽናዕቲ፣ ዋዕላ፣ ጉባኤ ተቓወሞ፣ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት እትብድሃሉ ስትራተጅን ስልትን እትቕይሰሉ፣ ሓይልታት እተስምረሉ መኣድታት ዘተ እዩ ክኸውን ዝግብኦ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ግን እቲ መድረኻት ዓወዲ ውግእ ሕድሕድ ኮይኑ፣ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከም ጫለዳ እዩ ዝዝከር። እቲ ንዋዕላ ወይ ጉባኤ ዝመስል ውራይ መዓልታት ወይ ኣዋርሕ ክተርፎ ኸሎ፣ ኣቐዲሙ ‘ዩ ናይ ፍልልይ ነታጕ ዝትከል። ከምቲ ኣብ 2011 ጉባኤ ‘ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክግበር ከሎ መስጎግቲ ሓደ ኣባል ኮምሽን ኮይኑ ጠንቂ ዘዋጠጠ፣ ኣብ ካልኣይ ኣኼባ ‘ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ’ ርእይቶ መራሕቲ ውድብ ምንቅስቓስ ኩናማ ቀንዲ መፈላለዪ ዛዕባ ኮይኑ ኣኼበኛታት ዝፈላለየ፣ ሕጂ ‘ውን ጉባኤ ኣዋርሕ ተሪፉሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ምእላይ ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ሽማግለ ድሮ ተጻዊዱ ‘ሎ። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ምኽንያታት ከኣ ‘የን፣ ሓንቲ ክኾና ብቖጸራ ዝራኸባ ክልተ ሰለስተ ወድባት ኮነ ማሕበራት ኤርትራ፣ ኣርባዕተ ወይ ሽዱሽተ ኮይነን ተራቢሐን ዝምለሳ።

 

መበገሲኡ ግን እንታይ እዩ?  

ህዝቢ ኤርትራ ብዙሓዊ ሕብረተሰብ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ኣብ ሃይማኖታዊ እምነትን ቋንቋን ልምድን ዝተመስረተ ከም ባህርያዊ ክግለጽ ዝከኣል ፍልልያት ‘ኳ እንተለዎ፣ ብሕድሕድ ስኒትን ምክብባርን፣ ተኸኣኢልካ ምንባርን ደኣ’ዩ ዝልለ ‘ምበር፣ ብሰበብ ‘ዞም ፍልልያት እዚኣቶም ናይ ምትፍናንን ግጭትን ታሪኽ የብሉን። ሃይማኖቱ፣ ቋንቍኡ ባህሉን ልምዱን ይፈቱ፣ ካብ ናቱ ንዝተፈልየ ሃይማኖት ቋንቋን ልምድን ድማ ኣይጸልእን። ጎዛዚኻ ምግዝኡ ክጥዕሞም ብውዲት ፍልልያቱ ከጋፍሑ ዝፈተኑ ባዕዳውያን ከይተረፈ ምድፍፋኦም ኣይተዓወተን። ማእከላይ ምብራቕን ምድሪ ሓበሻን ኣብ ዝዳረቱሉ ጆግራፍያዊ ከባቢ ዝርከብ ‘ኳ እንተኾነ፣ ብኽልቲኡ ጽልዋታት ናብቲ ወይ ናብቲ ከይተመንዐ፣ ኣብ ክሊ ሓንቲ ካርታ ሓቢርካ ምንባር ዝመረጸ ህዝቢ እዩ። በንጻሩ ኣብቲ መንግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምምካት ዝተኻየደ ናይ 30 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ እዚ ባህሊ’ዚ ኣውንታዊ ድርኺት ረኺቡ። ኤርትራውያን ንሕድሕድ ምክብባሮም ናብ ምትእምማን ኣማዕቢሎም ኣብ ሓደ መስርዕ ተሰሊፎም ተቓሊሶም፣ በጃ እናተሓላለፉ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ብሓባር ተሰዊኦም እዮም።

እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ካብ ዝቐደሙ ነዚ ሰናይ ልምዲ’ዚ ዝወረሰ፣ ከምኡ ‘ውን ብተሳታፍነትን መስዋእትን ኩሉ ወገናት ኤርትራ ዝተመዝገበ ዓወት ብዓይኑ ዝረኣየ  ህዝቢ፣ ነዚ ያታ’ዚ ምቕጻል ከምዘጽብቕን ከምዘዋጽእን ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ ካብኡ ሸተት ክብል ኣይደልን እዩ። ናይ ምፍልልያቱ ሃቐነታት እምብኣር ብቐንዱ፣ ኣብ ግዳም ይኹን ኣብ ውሽጢ፣ ብናይ ፖለቲካ ካድረታቱ (political elites) እዩ ዝብገስ። ንሳቶም ብመላእ ህዝቢ ዝስማዕ ፖለቲካዊ መትከላት ስኢኖም ክጥፍሹ ከለዉ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዙሓት ካርታታት ንምስኣል ግዜ ኣይወስደሎምን።

ድሕሪ ናጽነት፣ ነቲ ዝጠቐስናዮ ሕብረተሰባዊ ያታን ኣብ ገድሊ ዝተደረዐ መኽሰብን ከም ጸጋ ቆጺሩ፣ ትካላዊ መልክዕ ኣትሒዙ መሊሱ ዘደልድሎ ኣካል ኣይረኸበን። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት፣ ብጸላም ነቲ ቀደም ገዛእቲ ዝጠዋውቑዎ መላጉም ተናኺፉዎ እዩ። ንገለ ክፋላት ፍጮ ሕብረተሰብ ኣምሲሉ ብምንጻል፣ ክፍጽሞ ንዝለሞ መጥቃዕቲ ምኽኑይ ንምግባር፣ ጅሆቫ፣ ጀሃድ፣ ተጋደልቲ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ጴንጠ፣ እናበለ ጉጅለኣዊ ተጻብኦታት የዝውትር። ካብኡ ሓሊፉ ደገፉን ተቓውሞኡን ጆግራፍያዊ መልክዕ ዘለዎ ንምምሳል፣ ስምዒታት ዘላዓዕሉ ከፋፈልቲ ወስታታት ምግባር ኣየቋረጸን እኳ ደኣ ድኻሙ ርኡይ እናኾነ ክመጽእ ከሎ ዓውታ ይውስኸሉ ‘ሎ።

ብ21 ጥሪ ኣብ ፎርቶ ብሓይልታት ምክልኻል ንዝተለዓዓለ ምንቅስቓስ ሃይማኖታዊ መልክዕ ኣትሒዙ ነቲ ገጢሙዎ ዘሎ ክቱር ህዝባዊ ጽልኢ ናብ ካልእ ስግኣት ኣዝቢሉ ከፋዅሶ ፈቲኑ ኣይተዓወተን። ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት 24 ኣብ ቅነ ናጽነት ኤርትራ 2013 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣስታት 2 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዶም ኣብ ኣብራኽ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ንዝረኣዮ ራዕራዕታ ንምጽንናዕ  ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ጎኒ የማነ ገብረኣብ ኮይኑ፣ “እቶም ኣብ ሰላምዊ ሰልፊ ዝወዓሉ ኢትዮጵያውያን እዮም” ኢሉ ብሓሶት ክምድር ከሎ፣ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ደገፍቱ ብጣቕዒት ዝመለሱሉ ምኽንያት ‘ውን ሓቅነቱ ምስ ልቦም ስለዝተራኸበ ዘይኮነስ፣ ብመሰረት’ቲ ስርዓት ኣብ ኣእምሮኦም ዝፈጠሮ ቕርጺ መንነት ሰዝተረዳድኡ እዩ። ስርዓት ህግደፍን መጋበርያታቱን ፍሽለቶም ኣብ ክንዲ ምቕባል፣ ንደገፎምን ተቓወሞኦምን ብዞባታት ክውዝዑዎ ምፍታኖም ከኣ፣ ነቲ ንቡር ፖለቲካዊ ፍልልይ ተወሳኺ መኣዝን ዘትሕዝ መርዛም ፖለቲካ እዩ።

እቲ ዘሕዝን፣ ድያስፖራ ኤርትራ ብሕልፊ ድማ ደምበ ተቓውሞ ነቲ መርዚ በሪዙ ሞራላዊ ልዕልና ክጭብጥ ኣብ ክንዲ ዝመጣጠር፣ ኣብቲ ጸቢብ ወገናዊ ፖለቲካ ኩርንዑ ክሕዝ ይከራኸር ምህላዉ እዩ። እቲ ወገናዊ ሕማም፣ ብፍላይ ኣብቲ ንግሎባዊ ባህርያት ዓለም ብቐረባ ክዕዘብን ክዋስኣሉን ዕድል ዝረኸበ ዲያስፖራ ዝገነነ ምዃኑ የገርም። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዓዲ ይኹን ብግዳም ሓጋዚ ኣይረኸበን።

ቀደም ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ጸላእቱ ጽቡቕ ይጽበ ስለዝነበረ ክፋኦም ብቐሊሉ ክርድኦ ይኽእል ነይሩ። ሎሚ ግን እቲ ኩነታት ዝያዳ ዝተሓላለኸ ኮይኑዎ ሎ። ነቶም ‘ኣነ መንግስትኻ ‘የ’፣ ‘ኣነ ‘ባ ተቓዋሚ መንግትኻ’ እናበሉ ብማይክሮፎን ሓድነት፣ ብሕሹኽታ ፍልልይ ዘውርዩሉ ክልተ ድኹማት ወገናቱ ክልብመሎም ዝያዳ ንቕሓት የድልዮ። ፖለትካዊ ርእሰማል ዘለዎ መንግስቲ ይኹን ተቓዋሚ መንግስቲ ከምዘይብሉ ፈሊጡ፣ ነቲ ካብ ኣብሓጎታቱ ዝወረሶ ልቦና ወይ ከኣ common sense ሸለል ከይብሎ ክጥንቀቕ ይግባእ።

ናይ ምፍልላይ ዝንባለታት ክረኣዩ ከለዉ ንብዙሕ ወረጃ ኤርትራዊ ዘማትኦ ነገር ብጋህዲ ምዝራብ ነቲ ነገር መሊሱ ዘሳውር ደኾን ይኸውን ዝብል ዝክፍታ እዩ። እንተኾነ ስቕታ ‘ውን ካብኡ ዘይንእስ ጸገም ከይህልዎ ምስትውዓል የድሊ። ኣብዚ ከንስተብህለሉ ዘለና፣ ብ ጉዳይ ወገን ዝለዓል ክትዕ፣ ካብ ርትዒ ሸተት ኢሉ ብቐሊሉ ናብ ስምዒታዊ ምትህልላኽ ዘምርሕ ምዃኑ እዩ። “ኣነ ተበዲለ” እምበር “በዲለ” ወይ “እቲኣቶም ይብደሉ ኣለዉ” ዝብል ሳሕቲ እዩ ዝርከብ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታዊ ጣሻ ፣ ግዳይነት እምበር በደል ዋና የብላን። ስለዚ፣ ካብ ጸቢብ ኣጠማምታ ዝረሓቐ ልዙብነትን ሚዛናዊ ኣተሓሕዛን ጥራይ እዩ፣ ንኹሉ ወገናት ዘርብሕ፣ ሓባራዊ ህላወ (Coexistence) ዘረጋግጽ ቅሱን ሃዋህው ክፈጥር ዝኽእል።

ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ሃይማኖት ዝተመርኮሰ ነናቶም ዓንኬላት (spheres) ከሊሎም ካብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኩነታት ብዝገነነ ምልክዑ በጨቕታታት ፍልልይ ከርእዩ ከለዉ፣ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ምዕራባዊ ዓለምን ዓረባዊ ዓለምን ዘሎ ሃይማኖታዊ ቃውቃውታ ዘለዎ ምትፍናን ዝገብረሎም ቀጻሊ ጽልዋ ከም ሓደ ደራኺ ረቛሒ ክውሰድ ይኽእል እዩ። እንተኾነ፣ ኤርትራውያን ኣስላምና ክርስትያና፣ ነዚ ምትሕውዋስ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዝሓላለኾ ዓለማውን ዞባውን ጽልዋታት ካብቲ ምጽውዋርን ምክብባርን ዝሕመረቱ ዘቤታዊ ያታና ክንጋርዶ (insulate ክንገብሮ) ክንጽዕር ይግባእ። እዚ ግን ብዘረባን ጽቡቕ ድሌትን ዘይኮነ፣ ማዕርነትን ሕድሕድ ምክብባርን ዘንጸባርቑ ግብራዊ ስጉምታት ብምውሳድ እዩ ክሰምር ዝኽእል። ሃይማኖቱን ወገኑን ብዘየገድስ፣ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ዜጋ ዝወርድ በደልን ጥፍኣትን ከም ናትና ከሕምመና፣ ብዛዕባ መጻኢ ሕብረተሰብና ዘለና ራእይ ‘ውን ነዚ ፍትሓዊ መረዳእታ’ዚ ዘካተተ ክኸውን ኣለዎ። ኪንኡ ዝያዳ ምትእምማን ክንፈጥር እንተዄንና፣ እንተኽኢልናዮ፣ ካብ ብዛዕባ ወጽዓናን ግዳይነትናን ብዛዕባ ግዳይነትን ወጽዓን ናይቶም ካልኦት ወገናትና ትዅረት ክንገብር ይግባእ። ንሰናይ ግብሪ ዘየለሊ፣ ሞሳ ዘይመልስ ሰብ ከኣ የለን።

ካብዚ ደኾን ኢልና ዝሓለፍናዮ ፍልልይ ንላዕሊ ጽውጽዋይ ዝኾነካ ግን እቲ ንፖለቲካ ብኣውራጃውን ከባብያውን ካርታ ንምርኣዩ ብሕልፊ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝነበር ኤርትራዊ ዘሎ ምድንዳን እዩ።

ኣብዘን ብ40 ሊትሮ ነዳዲ ኣብ ክልተ ሰዓታት ዝብጽሓ ሰለስተ ኣውራጃታት ንኣብነት፣ ብኹሉ መኣዝን ገላቢጥካ፣ ቀሪብካ ብማይክሮስኮፕ፣ ርሒቕካ ብሚንኮለ ርእይ ውዒልካ እንተሓደርካ፣ እንታይ ዝዓይነቱ ናብ ፖለቲካዊ ፍልልይ ዘምርሕ ነጸብራቕ ምርካብ ይከኣል? ኣየናይ ከባቢ ካብቲ ካልእ ከባቢ ዝያዳ ሓምላይ ኮይኑ? ኣየናይ ወገን ዝያዳ ብርሻውንቲ በሪኹ? ኣየናይ ከተማ እዩ ዝያዳ ብማዕተብ መብራህቲ ኣብለጭሊጩ? ኤርትራ፣ ብኹላ ዶ ኣይኮነትን ሓሚዳ፣ ምድረበዳ ኮይና፣ ጭልምልም ትብል ዘላ? መን ከ ’ዩ ካብ ማእሰርቲ ተናሒፉ? ቤትማሰርቲ ኣብ ኩሉ፣ እሱር ካብ ኩሉ ‘ሎ። ግዳይ ጭውያ ኮይኑ ኣብ ሲናይ ዘየእወየ፣ ኣካላቱ ዘይተጎዘየ ወገን ከ ኣሎ ዶ? ነቲ ግዳይነት ኮነ ነቲ በደል ፍልልይ ክትረኽበሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ሻምላ ኢሳይያስ፣ መበቆሉን ወገኑን ብዘየገድስ፣ ወንበር ኢሳይያስ ንዝደገፋ ጠብጣቢቱ፣ ንዝትንከፋ ኸኣ ጎማዲቱ እያ። “እምቢ ኣይንፈላለን” ኢልና ብሓባር ኢድና እንተልዒልና ጥራይ ከኣ ‘ያ ንርእሳ ትስበር።

 

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰንደልደል ዝበዝሖ ሃዋህው ደምበ ተቓውሞ፣ ምስ ብዝሒ ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት፣ እቲ ሓዱሽ ወለዶ ሓዱሽ መድረኽ ክኸፍት ‘ውን ተስፋ ተነቢሩሉ። ካብ ጽልዋ ናይተን ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ዓብላልነት ዝነበረን ተጋድሎ ሓርነትን ህዝባዊ ግንባርን ብተዛማዲ ነጻ ምዃኑ፣ ዓመጽ ስርዓት ህግደፍ ብቐጥታ ዝወረዶ ከም ምዃኑ መጠን ድምጺ ናይቶም ካብ መግዛእቲ ምልካዊ ስርዓት ዘይተናገፉ መዛኑኡ ከስምዕ ሽውሃት ኣለዎ ዝብል ትጽቢት፣ ብስቅያት ናይቶም ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝዋረዱ ዘለዉ መንእሰያት ክሓድሮ ዝኽእል ምድንጋጽ፣ ብዓቢኡ ከም ኣድማሳዊ ጠባይ መንእሰይ ንፍልልያት ዕድል ዘይህብ ገስጋሲ ኣተሓሳስባ ክህልዎ ስለዝኽእል፣ ንደምበ ተቓወሞ ካብ ታኼላ ኣውጺኡ ከበራብሮ፣ ናይ ስምረት ሓይሊ ኮይኑ ክዋሳእ፣ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ሕብረተሰብ መራኸቢ ድልድል ክኸውን ዝነበረ ትጽቢት ግን ዛጊት ኣይሰመረን። እቲ ዝርካቡ ዝተንቀሳቐሰ ንኻልኦት ካብ ታኼላ ከገላግል ትጽቢት ዝተገብረሉ መንእሰይ ንርእሱ ኣብ ታኼላ ፍልልይ ሰጢሙ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ይርከብ ኣሎ።

እቲ ንተቓወምቲ ብወገናዊ ፖለቲካ ነቒፉ ሓዱሽ ማዕበል ተቓውሞ ክኸውን ዝተወጣወጠ መንእሰይ ነቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝጸንሖ ኣውራጃዊ ዝንባለታት ዘለዎ ኣጉል ኣበሃህላ ብብስለት ከይመመየ፣ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሓታት ከረጋግጻ ይኽእላ ‘የን ናብ ዝበለን ውድባት ክጽጋዕ ወይ ከኣ ሓቛፊ (Inclusive) ጠባያት ዘይብሎም ማሕበራት መንእሰያት ኣብ ምጥያስ ይርከብ። ነቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝጸንሐ ሃይማኖትን ብሄርን ዝመሰረቱ ፍልልያት ደምበ ተቓውሞ ኣውራጃዊ በጨቕታታት ወሲኹ ኣጋፊሑዎ ማለት’ዩ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደት ሓያለ ማሕበራት መንእሰያት ተመስሪተን ኳ እንተነበራ፣ መብዛሕትአን ምስተን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ሓደ ሃገር እናሃለዋ ነንሕድሕድን ብሓደ ካብ ምስራሕ ዝሓንገዳ ተኸራኸርቲ ማሕበራት ማለት ኣብ ምብራቓዊ ወገን ኣመሪካ ዝተመስረተ ግሎባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት (EYGM) ዝብሃል ማሕበር ከምኡ ውን ኣብ ምዕራባዊ ኣመሪካ ዝተመስረተ ብ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYC) ዝፍለጥ ማሕበር እየን ተጸንቢረን። ኣብዚ እዋን’ዚ EYGM ኣብቲ ኣብ ደብረዘይት ዝተኻየደ መኣዲ ዘተ መንእሰያት ሕመረት ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር (EYSNS) ክኸውን ከሎ EYC ኸኣ ምስ ሓደ ካልእ EYSC ዝብሃል ማሕበር ተወሃሂዱ። እቲ ብኽልቲኦም ምንቅስቓሳት መንእሰያት ዝተፈጸመ ኣፈናዊ ስምረት ጽቡቕ መጀመርታ እዩ ነይሩ። እንተኾነ፣ ስለምንታይ ንኽልቲኦም ደምበታት ናብ ስምረት ዘየምረሖም፣ በንጻሩ ዝያዳ ፈናቲቱዎም (Polarise) ከምዝኾኑ ገይሩዎም?

እቶም ኣብ ያታዊ ተቓወምቲ ‘ውን ዝቀላቐሉ ናብ ኢትዮጵያ ምኻድን ዘይምኻድን፣ ለውጢ ብሰላም ዶ ብጎነጽ ይምጻእ ዝብሉ ዝርከቡዎም ጉዳያት ከም መፈላለዪ ኣብ ኣኼባታትን ጭርሖታትን ዝጥቀሱ ‘ኳ እንተኾኑ፣ እቲ ቀንዲ ጸገም ኣብ ባይታ ዘፍርዩሉ ዘይኮነስ ኣብ መድረኽ ዝረኣዩሉ ኣኼባታት እናዓደሙ፣ እቲ ሓደ ናብ ኤርትራ ተለፎን ምድዋል ምሳይል ከም ምትኳስ ኣመሳሲሉ ብምግናን፣ እቲ ሓደ ኸኣ ቁጽሪ ማሕበራት መንእሰያት ጠፋጢፉ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ማሕበራት ከምዝጠርነፈ እንኮ ወኪል ብምጅሃር፣ ብቕድድም ጋዜጣዊ መግለጺ ሕድሕድ ኣብ ምውድዳር ተጸሚዶም ምህላዎም እዩ።

ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝተኻየደ ብተዛማዲ ንኹሉ ወገናት ተቓውሞ ዘሳተፈ ዕዉትን ኣብነታውን ጉዳይ ከም መበገሲ ስምረት ክንዲ ምውሳዱ፣ እቲ ሓደ ብዛዕባ ምክያድ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ እናተዛረበ እቲ ኻልእ ኣብ ቦለኛ ካልእ ኮንፈረስ ዝውድበሉ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ? እቲ ብዘይ ወግዓዊ ጉባኤ፣ ብዘይ ወከልቲ ኣብ ደብረዘይት ብሃታሃታ ዝቖመ ማሕበር ከ ስለምንታይ ነቲ ሓቛፊ ዘይነበረ ኣጋጣሚ ምስረታኡ ንኹሎም መንእሰያት ኤርትራ ዝጠምር ጉባኤ ብምክያድ ኣብ ክንዲ ዝእርሞ ናይቲ ማሕበር’ቲ ጉባኤ ክገብሮ ዝደናደን ዘሎ? በቶም ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮም ምኽንያታት፣ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሓደ መኣዲ ቃልሲ ተጠርኒፎም፣ ንውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ቀዳምነት ብምስራዕ ካብ ምንጣፍ ዝዓግት ምኽንያት ኣይምሃለዎምን። እንተኾነ ካብ ናይቶም ቅድሚኦም ዝጸንሑ ተቓወምቲ ውድባት ብዘይሰንፍ መጠን፣ ሃገራዊ ረብሓ ካብ ምጥማት ጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሓታት ኣብ ምቍማት ኣብ ዘድሃበ ውድድር ተጸሚዶም ምህላዎም ‘ዩ ሓሊኹዎም ዘሎ። በዚ ድማ፣ እዞም ክልተ ማሕበራት መንእሰያት ኣሽንባይ ዶ ካልኦት መንእሰያት ከስምሩ፣ ንርእሶም ‘ውን ካብቲ ናይ ምምቕቓል ሓደጋታት ኣይደሓኑን።

ህዝባዊ ግንባር ወገናዊ ውድብ ምንባሩ፣ ንገለ ክፋላት ሕብረተሰብና ዒላማ ይገብር ከምዝነበረ ንዝጸንሖም ጽንጽንታን ወረን ዘዳምቕ ዛንታታት ምስምዖም ‘ውን መሊሱ ኣደናጊሩዎም እዩ። እቲ ስርዓት ህግደፍ ብኣካል ዘብጽሓሎም ምዝመዛን ዓመጽን ስቅያትን ከም ኤርትራውያን መንእሰያት ብሓድነት ክምክቱዎ ክዕድሞም ዝግባእ እኹል ምኽንያት ቀሪቡሎም ክንሱ፣ ብዛንታ ዝሰምዑዎ ናይ 30-40 ዓመታት ፍጻሜታት ናይ ወገናዊ ፖለቲካ ሽውሃት ክኸፍተሎም ምርኣይ የተሓሳስብ።

ንእግረመንገድና ክንጠቕሶ፣ ኢሳይያስ ስልጣን ንምብሓት ድኻማት ውልቀሰባት ይኹን ጉጅለታት እናመዝመዘ ውልቃዊ መጻብቦታቱ ንምስጋር ይጥቀመሉ ነይሩ ክኸውን ይኽእል፣ እንተኾነ ምፍልላይ ብሃይማኖት ይኹን ብኣውራጃ ከም ባህሊ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኣይነበረን፣ በንጻሩ ብሃይማኖት ኮነ ብኣውራጃ ዓው ኢልካ ምዝራብ ነውሪ እዩ ዝነበረ። ብኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ክዛረብ ዝስማዕ ሰብ፣ ብፍላይ ዘረብኡ ኣብ ኣኼባ እንተበጺሑ ከኣ ከም ነውራም ወገናዊ ፈላላዪ ይንቀፍ፣ ንተነጽሎ ‘ውን ይቃላዕ። ግደ ሓቂ፣ ምስቲ ህዝብና ኣብ ሰፊሕ ስድራቤታዊ ዝምድናታት extended family relationship ዝተመስረተ ያታዊ ሕብረተሰብ ምዃኑ እቲ ኣብ ሰውራ ዝተፈጥረ ባህልዊ ቀይዲ ጥሩፍ ጠባይ ነይሩዎ። ህዝባዊ ግንባር ዝሕመ እንተኾይኑ ብፈላላዪ ባህርያቱ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ያታዊ ዝምድናታት ሕብረተሰብና ዝገብሮ ዝነበረ ሕሉፍ ጸቕጢ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ምኽንያቱ፣ ብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዓዲ፣ ከባቢ፣ ኣውራጃ ሃይማኖት ክሓትት ከሎ ባህላዊ እንተዘይኮኑ ፖለቲካዊ ትርጉም ኣይህቦን እዩ ነይሩ። ይኹንምበር፣ እቲ ኣብ 60ታት ሰውራ ኤርትራ ዝፈተኖ ብዘበነ ክፍልታት ዝፍለጥ ወገናዊ ኣወዳድባን ሽዑ ግኑን ዝነበረ ናይ ሃይማኖትን ወገንን ኣሉታዊ ፍልልያት ዝፈጠሮ ባህራር፣ ከምኡ ‘ውን ከም መብዛሕትኦም ናይቲ መዋእል ‘ቲ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት እቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ማርክሰ-ለኒናዊ ስነሓሳብ ዝገደፈሉ ጽልዋ ‘ውን፣ ነቲ ጥሩፍ ቀይዲ ኣብ ምምዕባል እጃም ነይሩዎ ክኸውን ይኽእል።

ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ ፖለቲካዊ ባህሉ ናብ ዝቕጽል ወለዶ ናይ ምስግጋር ጻዕሩ ከካይድ ባህርያዊ እዩ። ጠባዩ ብቐሊሉ ንምልላይ ምስ ዝድለ ኸኣ መጻኢ ወለዶ ወይ ቆልዑ ኣብ ዝኹስኵሰሉ ዕጹዋት ቤትምህርታት ፍልስፍናዊ ምልክታቱ ሃሰስ ምባል ንመረዳእታ ይሕግዝ። ኣብቲ ብቤትምህርቲ ሰውራ ዝፍለጥ ህዝባዊ ግንባር መንእሰያትን ቆልዑን ዝዅስኩሰሉ ዝነበረ ቦታ እንተተምልከትና ንኣብነት፣ ኣብ ሃይማኖታዊ፣ ብሄራዊ፣ ኣውራጃዊ ፍልልያት ዝነበረ ዑረት ካብ ናይቲ ውድብ ዝገነነ ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ። እቶም ናይ ሕብረተሰብና ያታዊ ፍልልያት ከይሰረጾም ናብቲ ውድብ ዝተጸንበሩ መንእሰያት በቲ ናብ ሓድነት ዘተኮረ ፖለቲካዊ ባህሊ ዝያዳ ከምዝተጸልዉ ርኡይ ኣሰር ነይሩ። ትውልዲ ዓዶም፣ ሃይማኖቶም ብሄሮም ኣውራጃኦም ብዘየገድስ ከም ኤርትራውያን እዮም ዝፋለጡ ነይሮም።

እዚ ማለት ኢሳይያስ ይኹን ካልኦት ኣብ ጽፍሕታት ሓላፍነት ዝነበሩ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ንያታዊ ፍልልያት ኤርትራ ንፖለቲካዊ ርብሓታት ፈጺሞም ኣይጥቀሙሉን ነይሮም ኢልካ ዘምሕል ኣይኮነን። እቲ ትውልዲ ዓዲ፣ ሃይማኖት፣ ብሄር ዝትሕዝቶኡ  ኦርኒክ ወይ መዝገብ ተጋዳላይ ኣብ ኢዶም እዩ ነይሩ። ሽዑ ልሙድ ከምዝነበረ፣ ብስም ቀዳማይ ጸላኢ ንምዕማት ተመኽንዩለን ምስጢራውነትን ዘይግሉጽነትን ዝውቱራት መሳርሒ ስለዝነበራ፣ ንመዝገብ ተጋዳላይ ረብሓ ናይቲ ቃልሲ ብዘረጋግጽ ሓላፍነታዊ መንገዲ ዲዮም ዝጥቀሙሉ ነይሮም ወይስ ስልጣኖም ንምውሓስ ይምምዙዎ ነይሮም ካብ ኢሳይያስን መሳርሕቱን ትእዛዛት ዝቕበሉን ዝፍጽሙን ዝነበሩ እዮም ክምስክሩ ዝኽእሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልያት ግን ባህሊ ተጋዳላይ ኣይነበረን። ዓድን ኣውራጃን ተረሲዑ፣ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ከይተረፈ ጥሒስካ ኣብ ምጽማድን ምምርዓውን ተበጺሑ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣውራጃ ኣብ ክራይተርያ መውስቦ ‘ውን ክትጽብጸብ ጀሚራ ከም ዘላ ንሰምዕ ኣለና። ስለዚ ነዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝኸፍአ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ ፍልልይ ዘካፍል መማቕልቲ ዕዳ ኣለና ኢልና ናብ ታሪኽ ቁሊሕ ብምባል ነብስና ከይነደዓዓስ። ነኽፍእ ከምዘለና ኣስተብሂልና ነብስና ካብ ምግናሕ ኣይንቆጠብ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝጥቀስ ሓደ ካልእ ርኡይ ጸገም ደምበ ተቓውሞ ልክዕ ከምቲ ህግደፍን ደገፍቱን ምንጪ ኩሉ ጸገማቶም ወያነን ኣመሪካን ምዃኖም ዝገልጹ፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ፍልልያት ህግደፍ ዝፈጠሮን ዘካወሶን ምዃኑ ዝደጋግሙዎ መመኽኔታ እዩ። ኣብ ክንዲ ህግደፍ ክኾኑዎ ዝደለዮም ዝኾኑ ግን ስለምንታይ ንሶም ዝደለዩዎ ዘይኮኑ? ህግደፍ ፈላልዩ ከዳኽሞም ምድላዩ ባህርያዊ እዩ፣ ስለምንታይ ሓደ ኮይኖም ንውዲቱ ዘየፍሽሉዎ? ብፍልልያቶም ክረብሕ ክፍትን ከሎ ብስምረት ዘየጥቅዑዎ?  እቲ ቀንዲ ጠንቂ ፍልልዮም፣ ብመንገዲ ስልጣን ጸቢብ ረብሓ ንምርካብ ዝገብሩዎ ሕድሕዳዊ ውድድር እዩ። ህግደፍ ከኣ በቲ ነቓዕ’ቲ እዩ ዝኣትዎም።

ወገናዊ ፖለቲካ ክጽየነሉ ዝግባእ ምኽንያት እምብኣር፣ ከምቲ ኣብ መእተዊ ናይዚ ንኡስ ኣርእስቲ ኣስፍሕ ኣቢልና ዝገለጽናዮ፣ ኣብ ፍልልያት ዘድህብ፣ ምጽውዋር ዘይብሉ፣ ንኻልኦት ዘቆናጽብ፣ ዕብለላ ዘተባብዕ፣ ጸቢብ ረብሓታት ዘቐድም፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ናብ ግጭት ዘምርሕ ምዃኑ እዩ። ሰብ ብዓዲ፣ ከባቢ፣ ኣውራጃ ተኣኻኺቡ ዕቁብ፣ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ እንተገበረ፣ ኣብ ቤተክርስትያን ጸልዩ ኣብ መስጊድ ሳላት ገይሩ እምነቱ እንተብጽሐ ናቱ ጉዳይ እዩ። ንሃገር ኣብ ዝምልከት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፣ ሰልፊ ይኹን ውድብ ግን ሰባት ኣብ ግዝኣተ ሕጊ፣ ፍትሒ፣ ማዕርነት፣ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሰብኣዊ ሓርነት ዝኣመሰሉ ዲሞክራስያዊ መትከላት ብዘለዎም መርገጽን ራእይን እዮም ከራኽቡን ክፈላልዩዎን ዘለዎም። ብሃይማኖት፣ ብብሄር፣ ብኣውራጃ ተወዲቡ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘናዲ ጉጅለ፣ ሃገራዊ ራእይ ክህልዎ ኣይክእልን ‘ዩ። ነቲ ዝተመስረተሉ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ኣውራጃ እምበር ሃገር-ለኸ ኣገልግሎት ክህብ ኣይደልን፣ ኣይክእልን ‘ውን። ስለዝኾነ ኣብቲ ካልእ ወገን ናይ ስግኣት መንፈስ ፈጢሩ፣ ምትፍናን ከስዕብ፣ ኣብ መወዳእታ ሕድሕዳዊ ግጭት ከምጽእ ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግብጺ ተኸሲቱ ዘሎ ምትፍናንን፣ ወገናዊ ፖለቲካ ዘኸተሎ ሳዕቤን እዩ። ኣብታ 90 ሚእታዊት እስላማዊ እምነት ዘለዋ ግብጺ፣ 80 ዓመት ዝዕድሚኡ እስላማዊ ውድብ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣጋጢሙዎ ኣብ ዓመቱ ካብ ስልጣን ምእላዩ ኸኣ፣ ነቶም ኣብታ ዝሰፍሐ ብዙሕነት ዘለዋ ኤርትራ ብኹሉ መልክዓቱ ወገናዊ ፖለቲካ ከሰላስሉ ዝህቅኑ ባእታታት፣ ኣብ ቅድሚኦም ፍሽለት ጥራይ ከምዝጸንሖም ብኣግኡ ኣስተምህሮ ክረኽቡሉ ይግባእ።

ግብጻውያን ግን ወገናዊ ፖለቲካ ኣብዚ መዋእል’ዚ ከምዘይሰርሕ ጥራይ ኣይኮኑን ዘስተምህሩና። ንሳቶም ኣብ ክልተ ዓመት ክልተ ሰውራታት ከካይዱ ኸለዉ፣ ንኤርትራውያን ሓደ ሰውራ ዝጨነቐልና ምኽንያት፣ ጸላኢና ሓደ ኢሳይያስን ምልካዊ ስርዓቱን ክንሱ ሓድነት ኣረጋጊጽና ኣብ ክንዲ ንምክቶ፣ ክንዲ መቓልስቲ መጻብእቲ ኴንና ኣብ ሕድሕድ ምትፍናንን ቍርቁስን ምጽማድና እዩ። ነቲ ኢሳይያስ ከም ናይ መወዳእታ ድፍዑ ዝሓረዮ ፍልልይና ቀዳማይ ድፋዕና ጌርና፣ ክንዲ መድሕን ህዝብን ሃገርን፣ ምርኩስ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኴንና ምህላውና ዓቢ ክሳራ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ጥርዚ ውልቀመላኽነት ተሰቒሉ ዓማጺ ባህርያቱ ብርሑቕን ቀረባን ብቕሉዕ ተራእዩ እዩ። መሰል ግሂሱ፣ ሰብ ኣሳዲዱ፣ ሕጊ ጥሒሱ፣ ስልጣን ብሒቱ፣ ኣሲሩ፣ ቀቲሉ…ከምቲ ስጋ ካብ ዓጽሚ፣ ሰባ ካብ መሬት ፈላልዩ ንኤርትራ ሃገርና ኣማሲኑዋ እዩ። ንኹሉ’ቲ ውልቀመለኽቲ ዝገበሩዎ ፈጺሙዎ፣ እቲ ንኹሎም ውልቀመለኽቲ ዝበጽሖም ውድቀት ጥራይ እዩ ተሪፉዎ ዘሎ። ነዛ ዕጫ’ዚኣ ንምሽካዕ ከኣ፣ ነታ ባዕሉ ዝተኸላ ላይትሃውስ ዲታተርነት ብክሻ ሸፊኑ፣ መኣዝን ዝቐየረ መሲሉ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምድንጋር ክጣበብ ይርአ። ኣብ ውልቀምልካዊ ትልሙ ኣትኪሉ ክንሱ፣ መልሓሱ ክቕይር ይስማዕ ኣሎ።

ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ፣ ትግባረ ቅዋም ንዝሓተቱ ኣብ ትሕቲ መሬት ሓይሩ፣ ነቲ ሰነድ ንገዛእ ርእሱ ማዕረማዕሪኦም ኣብ ከብሒ ዓጽዩ ብዛዕባ ቅዋም ምዝራብ ኣነዊሩዎ ጸኒሑ ክንሱ፣ “ክልተ ኣፍ ‘ኮ ተተግቢሩ እዩ፣ ምርጫ ጥራይ እዩ ተሪፉና” ይብል ኣሎ። ን 5 ዓመታት መመላእታ ንዛንታ ስቅያት ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ሓንሳብ ከም ጽውጽዋይ ክኽሕዶ ሓንሳብ ከኣ ንስደትን ፓሳጆን ኣመሳሲሉ ከባጭወሉ ከምዘይጸንሐ፣ እቲ መዓት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት በሊዑ ተሃኑ ምስ ወድአ፣ “ምርመራ ኪካየደሉ ኣለዎ” ኢሉ ክማጻደቕ ይስማዕ። ንሶማል መተሃላለኺት ኢትዮጵያን ኣመሪካን ብምግባር፣ ንተቓወምቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል በጽዋርን ሚድያን እንደገፈ ክጻባእ ጸኒሑ፣ ብስንኩ ኣህጉራዊ እገዳ ኣብ ዝባኑ ተጻዒኑ ኸሎ፣ ገና ውን  ክስታቱ ከይተዛዘመ ፣“ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ‘ኮ ብወግዒ ፈሊጥናዮ ኢና” እናበለ ክዋራዘ ይርከብ። ብታሕቲ ታሕቲ ‘ውን ምስ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ክተዓረቕ ምስ ሸምገልቲ ሕሹኽሹኽ ይብል ከምዘሎ ዝደጋገም ጽንጽንታ ‘ውን ‘ሎ።

ተቓወምቲ ሓይልታት፣ ደለይቲ ለውጢ ብሓፈሻ ግን ነታ ክትኮሶ ቀሪባ ዘላ ፓለንቺና በብቕሩብ እናንፈሰ ንምጽናሕ ኢሳይያስ ዝኽተሎ ዘሎ መታለሊ ሜላ ፈቲጎም ንምብዳሁ ዘኽእሎም ዝረቐቐ ስትራተጂ ብምቕያስ ዳግመ ምውዳብ ጌሮም ኣብ ክንዲ ዝምክቱዎ፣ ኣብ ፈላላዪ ፖለቲካ ተጸሚዶም ኢንፉዩዥን ይኾኑዎ ‘ለዉ። ኣብ ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ፣ድኽመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣብ እዋኑ ናብ ሓይሉ ክቕይሮ ዘይክእል ተቓወሞን ህዝብን፣ በንጻሩ ድኻማት ተቕወምቱን ህዝቡን ናይ ምምዝማዝ ክእለት ዘለዎ ስርዓት ዝጋጠሙሉ ሃገር፣ ፍትሒ ብኣግኡ ክትርከብ ኣይትኽእልን። እቲ ሕብረተሰብ ‘ውን ውጽዓኡ ብቐሊሉ ኣይበልን’ዩ። እዚ ዝፈጥሮ ሃዋህው ተስፋ ምቝራጽን ምስልቻውን ከኣ ዕድመ ምልካዊ ስርዓት ከንውሕ ይኽእል።

ሓደ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ድኻም ተቓወምቱን ሕብረተሰቡን ብጥበብ ዝተዓወተሉ ናይ ቀረባ ኣብነት ሮበርት ሙጋበ እዩ። ንድኻማት ናይቲ ከንጽሎ ዘይከኣለ ተቓዋሚኡ ሞርገን ሻንገራይ መዝሚዙ፣ ንግዚኡ መግደፍ ስልጣን ብምጭናው ካብቲ ተቐርቂሩሉ ዝንበረ ኩርናዕ ብምጽላቝ፣ ነቲ ከምልጦ ቐሪቡ ዝነበረ ክሳብ ዕድመ ልክዕ ዝብሃጎ ስለጣን ኣስሙሩዎ ‘ሎ።

ኣብ ኤርትራ ‘ውን እዚ ብዓል የማነ ማንኪ ፈቐዶ ኣኼባታት እናዘሩ ዘንብቡዎ ዘለዉ ሰዓታት ዝወስድ ናይ ቅዋም ሓተታታት ጣቋ ዘይብሉ ሸንኮለል፣ ነቲ ናይ ኢሳይያስ ጥሙሕ ዘጠዓዕም መዳህለሊ ጥበብ እምበር፣ ንባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ዘርብሕ ኣይኮነን። ናይ ኢሳይያስ ቅዋም ሓንቲ መስመር እያ – “ ብዘይ ስልጣን ህይወት ኣይረኣየንን እዩ፣ ኩንትራት ዘፈረመኒ የለን፣ ኣብ ኤርትራ ን30-40 ዓመታት ምርጫ ኣይካየድን እዩ” እትብል መስመር። ብዓይኒ ኢሳይያስ ናይ ኤርትራ ሓቂ፣ ንሱ ነባሪ ስልጣን ዝውንነሉ ፖለቲካዊ ክዉንነት ምዕቃብ እዩ። ወገናዊ ፖለቲካ ከምዘየዋጽእ ገምጊምና፣ ህዝቢ ናተይ ዝብሎ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ዘጓሃህር ስትራተጂ ብምሕንጻጽ፣ ብስሙር ህዝባዊ ተቓውሞ ፊት ንፊት ክሳብ ዘይገጠምናዮ ኸኣ፣ ነዛ ናይ ኢሳይያስ መስመር ሴርና ነታ ንህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኣቶ ዘላ ሓቂ ከነውጽኣ ከጸግመና እዩ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

2 ነሓሰ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • shetet aynibeb August 9, 2013

    Dear my brothers and sisters
    We all are far from God’s love . No wonder we disagree.
    Let’s pls love each other sothat God willlll give us his mercy

Post a Reply to shetet aynibeb Cancel Reply