Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዲ ዓሻ ክልተ ሳእ ይህረም፡ ከይኸውን እቲ ነገር

ወታሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከባቢ ፍርቂ መጋቢት፡ ናብ ዶብ ኤርትራ ብሙስላኽ፡ (ላእ ብምእታው ደኣ፡) መዓስከራትን መዐለሚታት፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝሕብሓቡ፡ ተቃወምቲ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣጥቂዕና ክብሉ ብወሃብ ቃሎም፡ ቃል~ዓዋዲ ደዊሎም፡ ንዓለም ስምዕልና ረኣይልና ኢሎማ። ዕውት ከኣ ነይሩ፡

ወታሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከባቢ ፍርቂ መጋቢት፡ ናብ ዶብ ኤርትራ ብሙስላኽ፡ (ላእ ብምእታው ደኣ፡) መዓስከራትን መዐለሚታት፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝሕብሓቡ፡ ተቃወምቲ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣጥቂዕና ክብሉ ብወሃብ ቃሎም፡ ቃል~ዓዋዲ ደዊሎም፡ ንዓለም ስምዕልና ረኣይልና ኢሎማ። ዕውት ከኣ ነይሩ፡ ወሲኾም። እቲ ጉዳይ፡ ምጥሓስ ሉኡላውነት ሓንቲ ሃገር ክንሱ፡ ዓለም  እንዳራኣየትን እንዳሰምዐትን፡ ቁንጣሮ ኣቃልቦ ደኣ ሂባቶ ሓለፈት። ‘ክዳሃይዎ ኣቤት ዘይበለሰ፡ ክድሀ መን ኣቤት ክብሎ፡’ እዩ’ትነገር ፤ ወዮ ደኣ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ሀሁ ዓለምለኻዊ ፖለቲክስ ኣይርድኦን’ዩ እምበር።  “ስርዓት ህግደፍ፡ ክሳብ 18 ኪ.ሜ. ዝኣክል ኣትዮም፡ ዘድልዮም ገይሮም ዝምለሱ፡ እንታይ የዋጢ ነይሩ? ደው ከብሎም ወይ’ውን፡ ናይ ምክልኻልን፡ ምጥቃእን ግብረ~መልሲ ክህብ ኣቅሚ”ለዎ ዶ?” ንዝብሉ ሕቶታት ምምላስ፡ ንኻልእ ግዜ ጎሲና፡ ብዛዕባ ሳዕቤን እቲ ኩናትን፡ ደገፍቲ ህግደፍን ክንዛረብ።

እዚ መጥቃዕቲ፡ ነዞም ህዝብና (ሃገርና) እንፈቱስ ኣሰንቢዱና’ሎ። ከብድና ሓቊፍና ድማ ቀኒና። እቲ ምኽንያታት ምግላጽ ኣየድልዮን። ኹናት፡ እዚ መልኣከ~ሞት፡ ዘስዕቦ ሞትን ዕንወትን፡ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ሙዃኑ ንዝፈልጥን፡ ቅድሚ ሕጂ ንዝረኣዮንስ ብሩህ ስለዝኾነ።

እዚ ናይ ትማል፡ ነንኣሽቱ መጥቃዕትታት’ዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጥቃዕታት ድማኒ ዝውልዕዎም፡ ዓበይቲ ኹናታት ክህሉው ከምዝኽእሉ፡ ኩላትና ብደንቢ ንግንዘብ ኢና። እቲ ምንታይሲ፡ እቲ ብሰበብ ባድማ ዝተወለዓ፡ ገና 15 ዓመታት ዘይመልኣ ዘሎ፡ መዳርግቲ ዘይተረኽቦ ኩናት እዘን ክልተ ሃገራት እዚኣን፡ ብኸመይ ከምዝተወልዐስ ካብ የእሙሮና ገና ኣይሃሰሰን። እዚ ምስ ዝድገም፡ ኣብ ክልቲኦም ህዝብታት፡ እቲ ዘስዕቦ ዕንወት፡ ክሳብ ክንደይ ከምዚኸውንን፡ እቲ ንሓዋሩ ዝገድፎ ዘይሃስስ በሰላ፡ ከመይ ከምዝኸውንን ንምግማቱ ኣይእግምን።

ሐሕማምካ ስለዘጥርጠካ፡ እስከ ብዛዕባ ሳዕቤን እዚ ኹናት ኣብ ኤርትራ’ውያን ጥራይ ክድብትር፡፡ ከም ወዮ ዝሓለፈ ናይ 1998~2000 ኩናት ዝመስከሮ፡ እቲ ዝሞተን ዝስንከለንሲ ወዲ ድኻን፡ ኣራፊዱ ክመውት ዘይኽእል፡ ሰብ ጽሩራ ኣዝማድ ዘይነበሮን ጥራይ’ዩ። ንዓና ንመንእሰያት፡ እዚ ናይ ዝሓለፈ ኹናት ዘግሃዶ ሓደ ሓቂ እንተድኣሎስ፡ መዝሓል ጥይት ዝኸውንስ ወዲ ገባራይ፡ ወዲ ድኻን፡ ኣያ ዘይብሉን ሙዃኑ’ዩ። ሳላ ገንዘቡስ፡ ጥር ትብል ኹናት’ውን ከይራኣየ ዝወጽኣ ወዲ ሃብታም መሊኡ’ዩ። ሓላፍን፡ ኣርኪ ሓላፊን ዘመድ ስለ ዘለዎ፡ ናብ ኣውደ ኹናት ገጽ’ውን ተኾነ ዘይሸነ ሽሾ’ዩ። ካልእ ብዙሕ ሽርሕታትን፡ ግዕዘይ ናይ ስልጣን ምብዕላግ ነገራት’ውን ፡ብምስምስ ኹናት፡ ኣብ ቅድሚ የዒንትና ተፈጺሙ። ኣይንርስዖን ድማኒ። ሓንሳብ እንተ የዐሸኻኒ፡ ሕማቅ ሰብ ኢኻ፡ ክልተ ሳዕ እንተ የዐሸኻኒ ግን ሕመቅሲ ናባይ ደኣ፡ ዝብል ናይ እንግሊዝ ምስላ’ሎ። ወዲ ዓሻስ ክልተ ሳዕ ይውቃዕ ድማ ብምስላ ኣቦታትና።

እዚ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ፡ ብርግጽ ምግሃስ ልኡላዊት ሓንቲ ሃገር’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ዝዓደሞ ዳንኼራን፡ ዝኣጎዶ ሓዊን፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ግርም መመኽንየታ ኮይንሉ’ሎ። ሰብን ሃገርን ደኣ ክልክም’ዩም እምበር፡ ንዑዑስ ‘ይለብልብ ኣብኣ ደኣ ግደፎ!’ ምስ በልናዮ። ሕጂ’ውን ስርዓት ህግደፍ፡ ኢዱን እግሩን ኣርኒቡ ከምዘይዓርፍ ክንስሕቶ የብልናን። ክምኽት ዝለዝኽእል ወይ ዓቅሚ ስለዘለዎ ግን ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ከምዝን ወዲ ከምዝን መመኽነያታት ብምምጻእ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላም ተዘይከሊኡዎስ፡ ነዊሕ ከምዘይሕክም ስለዝፈልጥ።

‘ብዘይ ሃገር ክብረት የለን፡’ ተባሂሉ ተነጊሩና፡ እቲ ቀደም፡ ያኢ ምስ ሃገር ሰላምን ክብረን ከምዝህበና እዚ ስርዓት። እቲ ሽዑ፡ ሃገር ማለት፡ መሬት ማለት’ዩ ተባሂሉና፡ ነዚ ሕሱር ፖርፓጋንዳ ድማኒ ኣሚንናዮ። ግዜን ዕድመን ግን መማዝንቲ ዘይብሎም መምህራን’ዮም። እቲ ኹሉ ብስም ሃገርን ሃገራውነትን ዝተጨደረ ጨለነትስ፡ ንረብሓ ውሑዳት ሙኻኑስ ድሒሩ ደኣ ከም ጸሓይ ንግሆ በርሃልና ንኹልን።

እቲ ናይ ብሓቂ ብሃገር ዝሓምም ሰብ፡ ሃገር ማለት ህዝቢ ማለት ሙኻኑ ሎም ብድነቢ ፈሊጡ’ዩ። ቅድሚ 58 ኣመት ኣቢሉ፡ ኣቦይ ወልድኣብ ወልደማርያም፡ ኣብ ሰሙናዊ ጋዜጣ ዘስፈርዎ፡ ኣብ ባይታ ዘይወድቅ፡ ጠላሕ ዝብል ሕጥበ ጽሑፍ፡ ከምዚ ዝብል ነበረ፤

ሃገር ማለት፡ እምባታት፡ ጎላጉላት፡ ወሓይዝ፡ ቀላያት፡ ኣዳራሻት፡ ሓወልትታት

                   ኣይኮነን፡፡ ሃገር ማለት ሰባት ኢዮም። እቶም ኣብታ መርየት ኣቦታትካን

መርየትካን ዝነብሩ፡ ሕብርኻ ዝሕብሮም፡ ልሳንካ ድማ ዝልሳኖም ሰባት፡

ንሳቶም እዮም ሃገርካ። ንኣታቶም ዘይተፍቅሮም እንተ ደኣ ዀንካ፡

ሃገርካ ዘይተፍቅር ሰብ ምዃንካ ኣጸቢቅካ ተረዳእ። እንተ ኣንደልሃቕካ፡

እንተ ፈከርካ፡ በጕማድ እንተ ተሰላላካ፡ ኣብ ህዝቢ ሽብን ጉብን እንተ ኣእቶኻስ፡ ፍቕሪ ሃገር ዝመስሎም ብዙሓት ኣብ ምልእቲ ዓለም ኣለው። እዚ ግና፡ ፋሺዝም ኢዩ’ምበር ፍቕሪ ሃገር ኣይኮነን።

ሕጂ’ውን ‘ሃገር ተወሪራ፤ ኩሉ ድሕሪ ሃገር!’ ዝብሉ መፈክራት ኣሰንዮም፡ ነቲ ዝኣረገ ፖለቲካ ኽሸጡልና ህርድግ ዝብሉ፡ ህግደፍ ዝለኣኾም ኳደረታት ገና ደኣ ኣይክሳኣኑን’ዮም። ምናልባት’ውን ገለ መሳኪን እዚ ዝበለየ ደርፊ ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ሓቂ ዝመስሎምስ ኣይሰኣኑን ይኮኑ። ኣቦና ኣቦይ ወልድኣብ ካብዚ ንላእሊ ሓቆም ክኾኑ ኣይክእሉን። ነዞም ብፍላጥን ብዘይፍላጥን፡ ደቂሶም ዘለዉ ኣዳኸርቲ ህግደፍ እምበኣር፡ ምኽሪ ኣቦይ ወልድኣብ ጥራይ ክንልግሰሎም። ሃገር ማለት ህዝቢ’ዩ፤ ህዝቢ ተዘየለ ሃገር የሎን።

እዞም፡ ወዮ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስውኣት ርሲዖም፡ ያኢ ነጻነት በይኑ ከምዘምጽኣ፡ “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ዝብሉ መዳኸርቲ፡ ወዮ ከምቲ ዘይወግሕ መሲሉዋስ…ዝብል ምስላ፡ እዚ ዘይመጽእ መሲልዎም፡ ክጭድሩን፡ ሓመር ዘራፍ ክብሉን ዝኸረምዎን ዝሓገይዎን፡ ሃየ ሕጂ ተበጀው! ሃየ ደኣ ተበገሱ፡  ኪዱ ሕለፉሉ ነዚ ስርዓት! ግዜ መጺእልኩም እነሀ ንብል። ንሱን ንስኹምን ሓደ ተድኣ ኮይንኩም፡ ኪዱ’ስከ በሉ መዳፈርቲ ኹንዎ። ሃገራውነት ብኣፍ ጥራይ ኣይኮነን።

“2% ክኸፍልየ! ህግደፍ ወይ ሞት! ምስ ወዲ ኣፎም ብሪ ንቅድሚት!” ዝገዓርኩም፡ ነቶም ጭቆናን ኣደራዕን ህግደፍ መሪሩና ብልብያን ሳሃራን፡ ዝመጻእና፡ “ሃደምቲ! ከዳኣት!” ዘጠመቁምን ዘባጨኹምን፡ እንሀ ሎሚ ስርኣት ኢሳያስ፡ ልእሊ ዝኾነ ግዜ ይደልየኩም ኣሎሞ፡ ሃየ ደኣ ክተትሉ። ንሕና ድማኒ ከምቲ ንዓመታት ዝገበርክምዎ፡ 2% ክንከፍል ኢና። ኣብ ዝተሓተትናሉ ድማ፡ ንምክልኻል ሃገር፡ ከነዋጽእ ኢና፤ ዋላ’ኳ ኣብ ለቆታ ሓጎስ ክሻ ከምዝኣቱ እናፈልጥና። ዋላ ሰልዲ ኣዋጺእናስ ናይ መንገዲ ቲኬትኩም’ውን ምስትወከፈናልኩም፡፡ ሃየ ደኣ ኺዱ፡ ሃገር ተኸላኸሉ። ሃየ ድኣ ሞያ ንለዋወጥ። ከምኒ ዶክቶር ጊደዎን፡ ኣደይ ሶፍያ ተስፋማርያምን፡ ኣባላት መህግደፍ (YPFDJ) ዝኾንኩም፡ ሃየ ድኣ ተበገሱ፡፡ ዋላ ንሓጻር እዋን ትኹንስ፡ ሃገራውነት ብዘረባ ዘይኮነስ፡ ብግብሪ ደኣ ጠዓምዋ፡ ክንርእየኩም። እቲ “ዒራ ዘይኢድካ፡ እንዳ ተመን ዕንቅርቢት ምለሶ፡” ዝብለ ኣካይዳኹምስ፡ ቅይር ኣብልዎ’ሞ ንሎሚ፡ የእዳውኩም እንዳ ዕንቅርቢት ተመን’ሞ የእትውዎ፡ ከይተነኸስኩም ተወጻእኩምሲ ንርእይ።

ኣብ መጨረሽታ ክብሎ ዝደልስ፡ እዚ ኹናት ብኹሉ እንትንኡ ከይልሕም፡ ካልእ እንተተረፈስ፡ እቶም ስጋና ወዲቁ ሓመድ ሒዙ ዝትንስእስ፡ ኩላትና በብዘለናዮ ጸሎትና ደኣ ነዕርግ፤ እዛ ሃገር ዑና ከይትኸውንን፡ ተገማሚዓ ከይትተርፍን ከም ሕምባሻ። ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና፡ እዚ ጉዳይ ሃገርናስ፡ ክንዲ ዝለምጽ መመሊሱ ይቁንድፍ’ዩ ዘሎ’ሞ፡ “ይሰውረነ ከማኣቱ፡” ምባልስ ኣይነውሕድ ደኣ። እንተኾነ ነዚ ስርዓት ንምእላይ፡ እንተሓመቀ ከኣ እዚ ኩናት ከይብእስ፡ ዘዝከኣለና ደኣ ንግበር። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብድሕሪኡ ሳዕሪ እውን እንተዘይቦቀለስ፡ ኣይግድሶን’ዩ፡ ኤርትራ ስለዘይትብጽሖ።

ካብ ዘይቀሰነ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • ShawleyMeley March 22, 2012

    zekesen hawna wey ayana!!!
    Thzto tshuka GRM GRM!!! Thank you for writing what is on my mind!!
    Adey Sofia- her right sided palsy has worsened and her lips are close to
    her left ear after she understood ABAT nefsa wedi Afom Bri has wet
    his pants, just after Ethio attacked!!
    Dr Ghdeon- he will need brain transplant or new Sim card like what wedi gebeya used to say
    ab may temenay gezawtna.

  • Fekrawi March 22, 2012

    lol yea true: ወዲ ዓሻ ክልተ ሳእ ይህረም

  • Yemane March 23, 2012

    ካብ ዘይቀሰነ

    እንታይ ጸገም ስለ ዘሎካ ኢካ ሽምካ ዘይትነግር። ካብ ብኮምፒተር ተሓቢእካ ትህውትት።

  • SINGAPO-ERITREAN March 23, 2012

    ሓው ዘይቀሰነ ፣
    እቲ ሽግር ኢሳያስ ኣይኮነ፣ ህግደፍ ኣይኮነ፣ እዞም ናይ 2% ኣመንዝራታት ኣይኮኑን። ዓሻ ክልተ ጊዜ ከም ዝህረም፣ ነዛ መሕወይት ነቲ ኩነታት ዝኾነት ርእይቶኻ ዝድግፋ የለን ማለት´ዩ። እዛ ጽሑፍካ ፣ ካብ አብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ 4 comments ክትረክብ ከላ ፣ read between the lines ፣ …..እቲ ዘጉህየና ዘሎ ወያነ መሬትና ሰጊሮም ሓሙሽተ ቁሸታት ስለ ዝሓዙ እዩ ። ኤርትራዊት ጓል ተዓሚጻ፣ ሰብኣይ ኣብ ድፋዕ ኣሪጉ ፣ ኣቦ ተጸፊዑ, ደም ነቢ ዑ ንኽብረትና ኣይትንክፎን እዩ። ምንም እኳ ወያነ ,ጽባሕ ንግሆ ገዲፍዎ ከምዝመጽእ እኳ እንተፈለጥና, 18 ኪ.ሜ ኣትዮም ማለት… cont

  • SINGAPO-ERITREAN March 23, 2012

    ,ከምቲ ጉራጌ ዝበሎ ,ሓደ ናይ ሕርካም ዝኾና ኩማደረ ሕጁ ክሰግር ከሎ ,ማኪና ንዕኡን ነተን ኮሚደረን ጭፍልቕ ምስ ኣበለተን, ሓደ ሸቐጥ ዝፈቱ ጉራጌ , ” ወይ እኔ ሰውስ ይጨፍረቅ,እንዴት የስሙኒ ቲማትም ይጨፈረቃር”ዝበለ, ንሕና´ውን..ወያነ ካብ መሬትና ከይወጹ,እና ዶብ ከይትሓንጸጸ , ኣዋልድ ተዓሚጸን ኣደ ደም ነቢዓ ኢልና, ..ክብ መምሪሒና ንዛናበለሉ ጉዳይ የለን . ቅድሚ ኩሉ መሬት ምዃኑ እባ ኣይንረስዕ !!!

    • Berhe shiketi March 25, 2012

      ኣየ በዓል ሲንጋፖ፡ መምርሒ ከምዘለኩም፡ ‘. . . ካብ መምርሒና ንዛናበለሉ የለን፡’ ዶ ኢልካና። ‘ንዓኽን ምስ ሓሸክን፡!’ ይባሃል ከምዚ ክርከብ ከሎ። ሕግደፍ መምርሒ’ብሉ፡ ሰማይ ዓንዲ ብሉ ዝሓወይ። ሕግደፍ ሓንቲ መምርሒት ጥራያ ዘላቶ፡ ከም ወያ ጸሓፋይ ዘቀመጠልካ፤ ክሳብ ብሂወት ዘለው፡ ስልጣኖም ምዕቃብ። ክንደይ መንእስይ ይሃልቅ፡ ኣይግድሶምን’ዩ፡፡ ክንደይ ህዝቢ’ዩ ክካላበት ኣይንታዮምን’ዩ። ንስኻን ወዲ ከማኻን እንከለኹም ተሓለቅቶም፡ ሃገር እንዳ በረሰትን ኣብ ሓደጋ እንዳኣተወን ሉዋ ሉዋ ትብሉዎም፤ መንእሰይ ኣቅሓ ኣካላቱ ተተመንዚዑ እንክሽየጥ፡ ዕዳጋ ክወርድን፡ ከምዘይራኣኹም ተስቅጡን፡ ‘ሕግደፍ መን ኪዱ ኢሎዎም!’ ኢሉ እንክሕጭጭ፡ ከተጣቅዕሉን ክትስሕቁን፡ እቲ ትብሎ ዘሎኻ መሬት ብመንዩ ክሕለው ክንርእይ ኢና። ወዩ ደኣ በሃማት ኮይንኩም ኢኹም እምበሪ፡ ሃገርሲ ብምናእሰይ’ዩ ዝሕለው። መንእሰይ እንተዘየሎ ድማ ሃገር መጻወቲ የእዱጉን ጋኖትን ይኸውን። እዚ ትማል ዝርኣናዮ መጥቃእቲ ድማ ነዚ’ዩ ዘቃልሕ። ንኣኻን ወዲ ከማኻን እዛ ናይ ሱሙኒ ትማቲም እያ ተገድሰኩም፡ እታ ናይ ሱሙኒ ትማቲምኩምሲ ዝበልዓን ዝገዝኣን እንተዘይረኸበት፡ ወይ መሽምሻ ክትድርበያ ወይ ጸሓይ ወቂዕዋ ማርሾ ኮይና ክትጉሓፍያ። ሕመረት ሃገርስ ህዝቢ ምኻኑስ ተገንዘቡ ደኣ። ከይተረዳኣካ ውን’ኮ ባዕልኻ መሊስካያ’ለኻ። ‘. . . ወያነ፡ ጽባሕ ንግሆ ገዲፍዎ ከምዚ’ወጽእ እኳ እንተፈለጥና፡’ ኢልካ። ሙላቅ ደኣ ከይትኸውን እምበር፡ እንተ ወያናይ እንተ ኣምሓራይሲ፡ መሬት እንዳማቱ ዘሚቱ ንኩሉሻዕ ኮፍ ኣይክብሎንዩ። ኣይክእልንካኣ። ስለዚ እቲ መሬት ናብ ዝኸዶ የብሉን ሲንጋፖ። ጨሪሙ ድዩ ሓፊሱ ክወስዶ ኣይክእልን። ህዝቢ እንተሃለቀን፡ መናእሰይ ብኣሻሓት ሃገሮም ገዲፎም እንተተስዱን ግን ባይታ ዘቢጥካ’ውን ኣይትመልሶምን። ወዮ ደኣ ሓለቃኻ ኣይርድኦን’ዩምበር፡ ህዝብን መንእሰይን ብስነስርዓትን ብኽብርን እንተዝሕዞምስ ንሱ ምስከበረ፡ ሃገር ከኣ ምስ ተሓፍረት። ኢትዮጵያ ከኣ መንእሰይ ከምዘየለ፡ ወይ ዝበዝሐ ዓዱ ገዲፉ ከምዝኸደ ፈሊጣ’ያ ከምዚ ገራ። ግን ንስኻን ሓለፍትኻን ኣበይ ኢልኩሞ። ውስኪ ክትሰትዩን ክትስዕስዑን ከመይ ክትፈልጥዎ። እዚ ጸሓፋይ ከኣ ህዝቢ’ዩ ንቅድም እንተበለስ ኣየኽፍኣሉን። ወዳሓንካ።

Post a Reply to SINGAPO-ERITREAN Cancel Reply