Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዲ ዓሻ ስ ክልተ ግዜ’ይውቃዕ

ነሓሰ 19/2018 ወዲ ዓሻ ስ ክልተ ግዜ’ይውቃዕ ቅድሚ 20 ዓመት ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጻሓይ ዓሪባ ማለት’ዩ” ክብል እንከሎ፡ ዘይሰምበደ ኤርትራዊ ኣይነበረን። ምሒር ደንጽዩዎም ኣራእሶም ንየማን ንጸጋም ዝነቕነቑ ብዙሓት ኢዮም። ዘየደንጹ ስ መዓስ ነይሩ?! ኣቦታት “ዘይስንኻ ሑጻ

ነሓሰ 19/2018

ወዲ ዓሻ ስ ክልተ ግዜ’ይውቃዕ

ቅድሚ 20 ዓመት ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጻሓይ ዓሪባ ማለት’ዩ” ክብል እንከሎ፡ ዘይሰምበደ ኤርትራዊ ኣይነበረን። ምሒር ደንጽዩዎም ኣራእሶም ንየማን ንጸጋም ዝነቕነቑ ብዙሓት ኢዮም።

ዘየደንጹ ስ መዓስ ነይሩ?!

ኣቦታት “ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ” ዝበሉ፡ ዘይከምዚ ምስ ረኸቡ ኢዮም ዝኾኑ! ኢሰያስ ኣብ ዝጻሕተሮ ኲናት ዝኣቱ ወዲ ኢሰያስ መዓስ ኮይኑ! ዘይወድን ጓልን’ቲ ሓላል ህዝቢ ኢዩ!

እቲ ዓንዳሪ ኢሰያስ በቲ ሽዑ ግዜ ኣፍ ልቡ ነፊሑ፡ ባዕሉ ሰራዊት መሪሑ ናብ ኲናት ከም ዝኣቱ ጅግና እንክፍክር፡ ኣዴታት ኤርትራ ገና ኣይተደበሳን ዝነበራ። እቲ ፈኸራ ኣብ ሕልሚ ዝሰምዖኦ ሃተፍተፍ ክኾነለን’ሞ፡ እታ ለይቲ ምስ ወግሐት ኩሉ ናብ ንቡር ክምለስ’ውን ተመንየን። ግን ኣይኮነለንን።

ኮይኑ ድማ ናይ ነገር ኣደ ከብደን ሓቚፈን ተቐሚጠናሉ ካብ ዝነበራ ተንሲአን፡ ናይ ነገር ኣንስቲ ርስተን ንምክልኻል ድግዲግተን ዓጢቐን ንደቀን ከዕጥቓ ተላዒለን።

እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ ግን ካልእ ብዙሕ’ዩ ተሰኒዱ ዝርከብ። ስለዝኾነ ከኣ’ዩ፡ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ 20 ሰነ ናይ 2018ን ይኹን ብድሕሪኡ፡ ዶብ ኣገዳሲ ዘይምዃኑ፡ ንዕኡ ቀዳምነት ዝዓጦ ምርግጋእ ኢትዮጵያ’ምበር፡ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘይምዃኑ ምስ ነገረና፡ እቲ ቅድሚ 20 ዓመት “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዓሪባ ማለት’ዩ” ዝበሎ ክንዝክሮ ዝተገደድና።

ኣብ ምስክርነትና ተመርኲስና ድማ፡ ሓንቲ መልሓስ ኣብ ሓደ ህይወት ከመይ ኢላ ክሳብ ክንድዚ ዝጋጮ መርገጺ ከተቃልሕ ክኢላ? ብምባል ምስ ገዛእ ርእስና ኣብ ምጉት ኣቲና።

እታ ህይወት፡ እታ ትማሊ ዝነበረት ኢያ። ሎሚ ሓዳስ መዓልቲ ትኹን’ምበር፡ እታ ህይወት ግን ትቕጽል ኢያ ዘላ። ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ማለት ሎሚ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ግዜ ንቑስልና ኣየሕወዮን። ቁስሊ ልብና ከኣ ናይ ምሕዋይ ምልክት ኣብ ክንዲ ዘርኢ፡ መሊሱ ኢዩ ረኺሱ።

ዝሃረመ እንተረሰዐ ዝተሃርመ ከምዘይርስዕ፡ ዘቑሰለ እንተረሰዐ፡ ዝቖሰለ መዓስ ይርስዕ?

ሎሚ ዝተቐየረ ሓደ ነገር እንተሃልዩ’ምብኣር፡ ጸላኢና እቲ ብረት ዓጢቑ ዶብ ሰጊሩ ዝመጸና ጓና ጥራሕ ዘይምንባሩ ግርም ገይሩ ክበርሃልና ምኽኣሉ’ዩ፡፡ ደጊም ንኤርትራውያን፡ እቲ መራሒና ኢልና ዝኣመንናዮ፡ ኣብ መንጎና ዝነብር ዝነበረ ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ ዛጊት እቲ ካብ ኩሎም ዝገጠሙና ገዛእትን ዓመጽትን ዝጨከነን ዝኸፍአን ምዃኑ ተጋሂዱ ኣሎ።

ካብ ካልኦት ዝባኣሰ ዝገብሮ፡ እቲ ውልቀ-መላኺ ንሕና ከም ህዝቢ፡ ሃገርና ከም ሃገር  ክንህሉ ፈጺሙ ዘይደሊ እናኾነ፡ ባህጊ ናጽነትና መዝሚዙ፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣብ ኣንጉዕ ቃልስና ብምስፋር ደምና እናመጸየ ስለዝዓንተረ ኢዩ።

ህላወኻ ደሙ ካብ ዘፍልሓሉ ጸላኢ ዝኸፍእ ጸላኢ የለን። በዚ መንጽር፡ ንዓና ንኤርትራውያን እቲ ከምዚ ዝበለ ጸላኢ፡ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ምዃኑ ተግባራቱ ህያው ምስክር ኢዩ።

ሽዑ እቲ ቅድሚ 20 ዓመት፡ እቶም ህይወቶም ከወፍዩ ብግብሪ በጃ ህዝብን ሃገርን ክኾኑ ኣብ ኲናት ዝወዓሉ መናእሰይ ኤርትራ ብናይ ጽዕነት ማካይን እናሓለፉ፡ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ቅድሚ’ቲ መዓልቲ ናጽነት ከብዕል ሆጭ ኢሉ ዝነበረ ህዝቢ መጺኦም ደው ምስ በሉ፡

“ኣብዛ ንሕና በዓል ናጽነት እነብዕለላ ህሞት፡ ደቅና ኣብ ዶባትና ዓሪዶም ካብ ኣባይ ይከላኸሉልና ኣለዉ” ብምባል ዘየስቆርቆረ ኣይነበረን።

እታ ገላጺት ፍጻመ ከኣ፡ ናጽነት በቶም ብሉጻትን መተካእታ ዘይርከቦምን ምሩጻትና መጺኣ ባኣታቶም ትወሓሰሉ ምኽንያት፡ ክብርትን መተካእታ ዘይብላን ስለዝኾነት’ያ ዝብል መዘኻኸሪ ከይሰነደት ኣይሓለፈትን።

ኣብዚ ክስመረሉ ዘድሊ ሓቂ ኣሎ። ትማልን ሎምን ታሪኽና ከም ህዝቢ፡ ታሪኽ ጽንዓትን ታሪኽ ጅግንነትን ኢዩ። ኣብ ታሪኽና ጸሊም ነጥቢ ይኹን ፈጣሪ-ጸሊም-ነጥቢ፡ እቲ ዕሉል ኢሰያስ ኣፍወርቅን ዉሱናት ዕሱባቱን ኢዮም።

እዚ እናኾነ፡ ኤርትራውያን ኣብ ሃገርና ስልጣን ገቢቱ፡ ግዳይ ኲናትን ኩሉ መዳያዊ ብርሰትን ዝገብረና ዘሎ ዓንዳሪ ስርዓት ካብ ሱሩ በርቊቕና፡ እታ ንደልያ ኤርትራ ካብ ምህናጽ ዝዓግተና ዘሎ እንታይ ኢዩ?

ከም ኣረኣእያይ፡ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ዝልዓሉ ነጥብታት፡ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነት ብምዝማድ እንክርኣዩ’ዩ ትርጉም ዝህሉዎም። በዚ ኮይኑ በቲ ተራኦም ንምግንዛብ፡  ብዉሑዱ ገሊኦም ብምልዓል  ክዝተየሎም ሓጋዚ ከይኮነ ኣይተርፍን።

ኣብዚ ብመጀመርያ ደረጃ ዝልዓል፡ ኣባታዊ ባህሪ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኢዩ። ካብ መታሕት ናብ ከበሳ፡ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ብሄር ከምኡ’ውን በየከባቢኡ ብዝፈላለየ መጠን፡ ኣቦ ከም ርእሲ ስድራቤት፡ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዝለዓለ ክብርን ተሰማዕነትን ኣለዎ። ኣቦ ዝበላ እዝጊ ከምዝበላ ኢያ ትውሰድ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ብኡ መንጽር፡ ዝኾነ ስልጣን ዝሓዘ ኣካል ልዑል ክብርን ተሰማዕነትን ኢዩ ዝውሃቦ።

እቲ በትሪ ስልጣን ዝሓዘ ኣካል ክብርን ተሰማዕነትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ውጹእ ምእዙዝነት ዝጠልብ ምስ ዝኸውን ከ?

ኣብዚ በቲ ንዓወት ህዝቢ ኤርትራን ደቁን፡ ከም ብሕታዊ ዓወቱ ገቢቱ ዝሰኸረ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ከይተዛረብካ ክሕለፍ ኣይክኣልን። እዚ ብሓይሊ ብረት ዝኣምን ውልቀ-ሰብ’ዚ፡ ኣብ ርእሲ ስልጣኑ፡ ብሓገዝ ዉሱናት መሻርኽቱ ደርማስ ናይ ስለያን ጸጥታን መሓወራት ኣደልዲሉ’ዩ ካብ በረኻ ዝኣተወ፡፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ካብ ሰማእቲ ናጽነት፡ ካብ ህዝብን ሃገርን ዝገዘፈ ግኑን ምስሊ ስለዝሓዘ ከኣ፡ ክብርን ተሰማዕነትን ክኣኽሎ ዝክኣል ኣይነበረን።

ገባቲ ባህርያቱ ፍጹም ምእዙዝነት ከስገድድ ኢዩ ዝእዝዞ።

ነዚ ክዉን ንምግባር ዝተፈላለየ ሜላታት ኣብ ግብሪ ከውዕል ናይ ግድን ነይሩ። ከከም ኣድላይነቱ፡ ሓንሳብ ውልቃዊ ዝናኡ፡ ዝና ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ሰማእታት ኤርትራን፡ ሽፋን ውድባዊ ኣሰራርሓ፡ ናይ ስለያን ጸጥታን መሓውራቱ፡ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይኹን ሓይሊ ብረት እናተጠቕመ፡  ህዝቢ ንምብርካኽ ብመደብ ሰሪሑ።

ከም ሳዕቤኑ፡ እቲ ብልምዲ ንሰበ-ስልጣስን ፍሉይ ክብርን ተሰማዕነትን ምሃብ ከም ንቡር  ዝወስዶ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ብዉሑዱ፡ በቲ ዘይንቡር ኣካይዳ ኢሰያስ ክስምብድ ትጽበዮ ነገር ኢዩ።

ብቐደሙ ነቦ ይኹን ንበዓል ስልጣን ዘኽብርን ዝሰምዕን፡ ግቡኦም ክፈልጡ ስለዝጽበዮም ድኣ’ምበር፡ ምቕሉልነቱ ከም ዕሽነት ወሲዶም ንረብሓኦም ከውዕሉዎ ኢሉ መዓስ ኮይኑ?

ህዝቢ ነገር ወዮ ደራፋይ ከምዝበሎ፡ ‘ፋይዳ ‘ይብሉን ጨካን ዝጠበረ’ ምስ ኮነ’ውን፡ ሻዓ ኣይቀበጸን። ነዊሕ ተዓጊሱ። ብሰንኩ ከኣ ክተርፍ ዝኽእል ዝነበረ መወዳድርቲ ዘይርከቦ መስዋእቲ ክኸፍል ተገዲዱ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ዕንደራን ጸፋር ኣተሓሕዛ ኢሰያስን ውልቀ-ምልኩን፡ ልቡ ሰይሩዎ፡፡ ነዚ’ዩ ብዘይልቡ ሃገሩ ራሕሪሑ እግሩ ናብ ዝመርሖ፡ ናብ ሞት’ውን ከይተረፈ ሃጽ ዝበለ።

ብዘይካ’ዚ ክቱር ባህጊ ናጽነትን ሃገርን ዘመንጨዎ ስግኣት፡ ህዝቢ ነቲ ዓንዳሪ ስርዓት ካብ ሱሩ ምሕዩ ከይጉሕፎ ካብ ዝሓንኮሉዎ ረቛሕቲ ሓደ ኢዩ። ሃገር ተበታቲና፡ ንናጽነት ዝተኸፍለ ኩሉ ዓይነት መዘና ኣልቦ መስዋእቲ ከንቱ ከይከውን ዝነበረ ስግኣት ዓቢ ነይሩ።

ኣብዚ ግን ሓደ ዝተዘንገዐ ኣድማሳዊ ሓቂ ኣሎ። እታ ናጽነትን እታ ሃገርን፡ ህዝቢ መሰሉ ተኸቢሩ ክነብር ምእንቲ ኢየን ኣድለይቲ ዝኾና። ናይ ትምህርትን ናይ ስርሕን ዕድላት ንዕኡ ኣኺሉ ተሪፍዎ ንኻልኦት ከማቕል፡ ብኤርትራውነቱ ኮሪዑ፡ ብዝኸፈሎ መስዋእቲ እናስቆርቆረ ዘይኮነ እናተሓበነ ክነብር ምእንቲ እምበር፡ ንስለምህላው ኣድላይቲ ዘይምንባረን’ውን ከምኡ።

ሃገርን ናጽነትን፡ ኣብ ከብሒ ዝስቀላ ዋናጩ ኣይኮናን። ከምኡ እንተዝነብራ፡ ክሳብ 100 ሽሕ ዝኣክል ህይወት ምሩጻትና ኣምበይምኸፈልናለንን።

እቲ ስግኣት’ምብኣር፡ ቦኽሩን ሕሳስ ልደኡን ናይ ዝተበጀዉሉ፡ መግዛእቲ ናይ ዝድሃኾ ህዝቢ ስግኣት ኢዩ። ካብ ጭኮና ባዕዳዊ መግዛእቲ ወጺኡ፡ ኣብ ጥርዚ ናጽነት ደው ክብል ዝበቕዐ ህዝቢ ብምዃኑ፡ ተመሊሱ ናብ ደልሃመት ጸላም ከይምለስ እንተሰግአ ዝገርም ኣይምኾነን።

እቲ ጸገም፡ ስግኣቱ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ዘይምንባሩ ጥራሕ ኢዩ።

ህላወን ዉሑስ ቀጻልነት ሃገሩን ዝረጋገጽ፡ መሰሉ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ስለዘእተወ ኣይኮነን። ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝሕላገቱ፡ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝኣምን ቅዋማዊ ስርዓት ስለዝተሃንጸ’ምበር።

ብኣንጻሩ ቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ዘይተሃንጸሉ ሃገር፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ ዝበለ ሓዳግ፡ መሰሉ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእቱ ድሉው ዝኾነ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ኻልእ ህዝቢ’ውን ግዳይ ናይ ምዃን ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ።

መዓስ እዚ ጥራሕ፡ ‘እታ ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ’ እናበለ፡ ልቢ ኣዕብዩ ዝሓለዋ ዝመሰሎ ናጽነቱ’ውን እንተኾነት፡ ኣብ ሓደጋ ምውዳቓ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ’ዩ ነይሩ።

ምኽንያቱ ብዘይኣዕኑድ ተተኺላ ክትቀውም ትኽእል ህድሞ የላን።

ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ግቡእን መሰልን ዘለና ኣረዳድኣ ዝምቡዕ  ምዃኑ ካልእ ተወሳኺ ጸገምና ኢዩ፡፡ ግቡእና ኣብ ምፍጻም ድሕር ንብል ህዝቢ ኣይኮናን። መሬትና እንክውረር፡ ካብ ሕሉብናን ንጹፍናን፡ ክሳብ ህይወት ደቅና ንምኽፋል ኣብ ቅድሚት ንስለፍ ህዝቢ ኢና።

እዚ እናኾነ ግን፡ መሰልና እንክውረር፡ ከም ወራር ኣይንወስዶን። ንመሰልና ከም መሰል ዘይኮነ፡ ከም ሓለፋ ክንወስዶ ስለዝጸናሕና ድማ ብተደጋጋሚ ንግዳይነት ተቓሊዕና። ንመሰልና ደው ምባል ግን መሰልና ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓላፍነትና’ውን ኢዩ።

ንሃገርና ክንወድቀላ ግቡእና ከምዝኾነ፡ መንግስትና ንብሎ መንግስቲ ብሰፊሕ ተሳትፎና ቕዋማዊ ስርዓት ክተክልን፡ ብኡ ተኸቲሉ ክመርሓናን ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ማለት ንሕና ብቕዋማዊ ስርዓት ክንመሓደር መሰል ኣለና ማለት’ዩ። ሓደ መንግስቲ ዝህሉ፡ ንዓና ንህዝቢ ብግቡእ ከማሓድረና’ምበር ካልእ ኣይኮነን። ምትግባር መሰልና  ከኣ ናቱ ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ኢዩ።

መሰልና ኣብ ሕልና ይኹን ሰናይ ድሌት መንግስቲ ዝምርኮስ ክኸውን ከቶ ኣይግባእን።

ሓደ ኻልእ ንኤርትራውያን ሻቡ ኣንጻር ምልኪ ከይንልዓል ዝዓንቀጸና ረቛሒ፡ ምድኻም ሃገራዊ መንነትና  ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት  ንዓና ኩሉ ኢያ፡፡ መንነትና  ኢያ። ኤርትራውነት ግን ሃገርና’ውን ኢያ። ናጽነትን ሃገርን ኣብ ዘይነበረና ግዜ’ውን፡ እንኮ ዝነበረትና ኤርትራውነትናን ሳላኣ ዝነበረና ኩርዓትንን ሓበንን’ዩ።

ኤርትራዊ ብሓቦን ኒሕን ኣንጻር ሓያላት ገጢሙ ክዕወት ዘኽኣሎ፡ ሃገራዊ መንነት ምንባሩ ዘይፈልጥ የልቦን። ሰማእታትና ዝተመነይዋ ነጻን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ክትህነጽ ትኽእል፡ ብተሳታፍነት ብመንነቶም ዝኾርዑ ሃገራውያን ምዃና’ውን መን ይጠፍኦ?

ኢሰያስ’ውን’ኮ ነዚ’ዩ፡ ንኤርትራውያንን ንኤርትራን ኣብ ናይ ምጥፋእን ምዕናውን ዘመተኡ፡ እቶም ብመንነቶም ዝኾርዑ ኤርትራውያን ክምክቱዎ ምዃኖም ግርም ገይሩ ስለዝተረድአ፡ ነቶም ጎባልል ዝበሎም ኣብ ትሕቲ መሬት ብምስፋር ስርሑ ጀሚሩ። ብድሕሪኡ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምድኻም ተታሓሒዙዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብ ወጻኢ ኣንጻሩ ንዝቐንዐ ቁጠዐ ኤርትራውያን መንእሰያት ንምቕልባስ ተጓዪዩ፡፡ ንሻሕካር ህይወት ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን መዝሚዙ ከኣ ኣብ ረብሓኡ ከውዕሎ ድሕር ኣይበለን፡፡ ኣብ መንጎኦም ብገንዘብ ዝተላእኩ ዕሱባት እናስሎኸ፡ ታሪኽ ገድሊ ዘቋሽሹ፡ ሰማእትና ዘቋናጽቡ፡ መንእሰይ ምስ ታሪኽ ገድሊ ተባኢሱ፡ መንነቱ ፈንፊኑ፡  መኣዝኑ ስሒቱ ኣብ ድንግርግር ክነብር ምእንቲ ብዙሕ ጽዒሩ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ድማ ኣብ ኲናት ተሳዒርና፡ ኩርዓትናን ሓበናን መታን ክስበር፡ ኲናት ድሕሪ ኲናት እናሃንደሰ፡ ህዝቢ ኣብ ሓለዋ-ቐጽል ክነብር ፈሪድዎ። ኣብ ኲናት ስዓሪ ኣይሃሉ’ምበር፡ ብጉሁያትና’ውን ኩርዓትናን ሓበንናን ክሰብሮ ኣይክኣለን። 

ብዘይካ’ዚ ኣብ ነጻ ኤርትራ ሓረስታይ ክሓርስ፡ ጻዕራም ክሰርሕ፡ ተማሃራይ ክምሃር፡ ዝወፈረ ብሰላም ናብ ቤቱ ክምለስ ምኽኣል ከምዝስእን ዝተገብረ፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምድኻም’ዩ። ብቕልጽምን ብደምን ዝተረኽበት ሃገር እቲ ሕቡን ህዝቢ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ምስ ኮነት፡ ህዝቢ ‘ኤርትራዊ ምዃን ማለት እንታይ ማለትዩ’ ብምባል፡ ኣብ መንጎ ፍቕሪ ሃገርን ምረት መግዛእትን ተቐርቂሩ፡ ኣብ ቅልውላው ብምንባር ሞራሉ ከምዝስበር ኮይኑ።

 ዝብሃግናያ ናጽነት ክትፍንፈን ምእንቲ፡ ህዝቢ ኣብ ሲኦል ክነብር ተፈሪዱ።

‘እዚ ኹሉ መስዋእትን ስቓይን ነዚ ድዩ ነይሩ? መግዛእቲ እንታይ መለሳ ኣለዎ! መግዛእቲ ባዕዳዊ ይኹን መግዛእቲ ወዲ-ሃገር ኩሉ መሪር’ዩ’ ብምባል፡ ኣብ’ቶም ‘ናጽነት ዘምጽኡ ደቁን’ ኣብ ነጻ ሃገሩን ዝነበሮ ተስፋን እምነት ከጥፍእ ምእንቲ ዘይተፈንቀለ እምኒ ኣይነበረን።

እንታይ ገደሰኒ ከኣ ሽዑ’ያ ሱር ክትሰድድ ጀሚራ።

ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ ንስለ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ደው ዝበሉ ሃገራውያን፡ ብተምበርካኽነትን ትሕተ-ሃገራውነትን እናኸሰሰ፡ ከሳስን ፈራድን ስለዝኾነ ጥራሕ ካብቲ ብዕሊ ዝወዓሎ ገበን ነጻ ምዃኑ ህዝቢ ከእምን ጽዒሩ። ህዝቢ ግን ብኣፉ ዋላ እንተተሕዘ፡ ልቡ ነቲ ሓቂ ኣጸቢቑ’ዩ ዝፈልጦ። ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዘምልጥ ስለዘየለ።

ውዒሉ ሓዲሩ፡ ሕልና ህዝቢ ምስ ዓንዳርን ምስ ብድዑን ዘይኮነ፡ ምስ’ቲ ስለኡ ደው ዝበለ ጅግና ከም ትቐውም ዝተፈልጠ ኢዩ።

ኢሰያስ ኣብቲ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈቶ ኲናት፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ቀንዲ መሳርሒኡ ገይሩ’ዩ ተጠቒሙሉ። “ተኣስረ፡ ተቐትለ፡ ተጨውየ፡ ተረሸነ፡ ተመቚሐ፡ ደስከለ፡ ጸደፈ፡ ከፈለ፡ ተሰደ፡ ሓመመ፡ ተሰመመ፡ ሃደመ፡ ሓሰወ፡ ወንጀለ፡ ተወንጀለ ወዘተ” እናተባህለ፡ ህዝቢ ኣብ ራዕድን ሽበራን ክነብር ቀሲቡዎ።  ዓዲ ብሰለይትን ሓሰውትን መሕለፊ ተሳኢኑዋ፡ ሰብ ንነብሱ ከይተረፈ ምእማን ክሳብ ዝስእን ኮይኑ።

“ዘይወግሕ መሲሉዋ ኣብ ቦኽራ ትሓርእ” ከምዝብሃል፡ ኢሰያስን ጭፍራኡን እንክወድቁ  ለኪሞም ከምዝኸዱ ዝዘንግዑ፡ ህዝቢ ንግዝያዊ ረብሓን ንኸብዶምን ብዝተዓስቡ ውልቀ-ሰባት ህይወቱ ከምዝጸልእ ተገይሩ።

እዚ ነውራም ኣሰራርሓ’ዚ፡ ህዝቢ ንምቁጽጻር ጥራሕ ዝተማህዘ ኣይነብረን። እንታይ ድኣ፡ ኤርትራዊ ህይወቱ ጸሊኡ ሃገራውነቱ ክምንን ስለዝተደልየ’ምበር!

ባህላዊ ወራር’ውን ካልእ መሳርሒ ኢሰያስ’ዩ ነይሩ።

እቲ ስርዓት፡ ሓበሬታኡ ኣብ ክንዲ በቲ ዝገበቶ መራኸቢ-ብዙሓን ብ03 እናጋውሐ፡ ነታ ዝርካባ መደበር ቴለቪዥን መውዓል ድኑሳት ኢዩ ገይሩዋ። ናይ ቱርኪ ተኻታታሊ ፊልምታት መርኣዪት ኮይና፡ ጽፉፍ ባህልና ክብረዝ፡ ህዝብና መንነቱ ዘንጊዑ ዘይፈልጦ መንነት ክንናፍቕ ተደሪኹ።

ብኣንጻሩ

ከም ኣካል ናይቲ ባህላዊ ወራር፡ ህዝቢ ሙዚቃ ቋንቋ ኣምሓርኛ ከይሰምዕ ዝተኸልከለሉ ኣጋጣሚ ነይሩ። ብሓፈሻ ኣህዛብ ብፍላይ መናእሰይ፡ ብስዉር ኣንጻር ዝኾነ ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ከምዘለዎ ዝኣምኑሉ ሓይሊ ናይ ምእዳም ዝምባለ ከምዘለዎም ዝተፈልጠ ኢዩ። ኢሰያስን ዕሱባቱን ከኣ ነዚ’ዮም ክምዝምዙዎ ሃቂኖም። ኤርትራውያን ብስቱር ደርፊ ኣምሓርኛ ናይ ምስማዕ ልምዲ ኣማዕቢሎም፡ ኣብ መንነቶምን ባህሎምን ዝነበሮም ተገዳስነት ክጎድል’ዩ ተደልዩ።

ህይወቶም ሲኦል ስለዝኾነት፡ ብመንገዲ ሙዚቃ ኣምሓርኛ ህይወት ኢትዮጵያውያን ክምነዩ፡ ባኣታቶም ክቐንኡ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ሃነይ-መነይ ክብሉ ኢዩ ትጽቢት ኢሰያስ ነይሩ።

እቲ ክዕምብባ ጀሚረን ዝነበራ ብሕታውያን ጋዜጣታት ዓሺጉ፡ ጋዜጠኛታት ሓይሩ ንህዝቢ ሚዛናዊ ሓበሬታ ካብ ምርካብ ዝሓረሞ ስርዓት፡ ንስነ-ጥበብ ኤርትራ’ውን በቲ ዝመረጾ መንገዲ ጥራሕ ኢዩ ክምዕብል ፈቒዱሉ። ስነ-ጥበብ ናጽነት ኣብ ዘይብሉ ኩነታት  ብዝተወሰነ መልክዑ ስለዝዕምብብን መሳርሒ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ስለዝኸውንን ፡ ኤርትራውያን ናይ ሃገሮም ስነ-ጥበባዊ ፍርያት መለሳ ስኢኖምሉ፡ ኣህለኽቲ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ክኾኑ ተደሪኾም። እዚ’ውን ኣካል ናይቲ ባህላዊ ወራር ኢዩ። ኤርትራዊ መንነት ኣብ ምድኻም ከኣ ዘይንዓቕ ተራ ኢዩ ተጻዊቱ።

ኢሰያስ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምድኻም ብንጥፈት ይስራሕ’ምበር፡ ክዕወት ግን ኣይክኣለን። ብጥልመቱ ዝሰምበረ ህዝቢ ካብ ሃገሩ ርሒቑ ተሰዲዱ ማለት፡ ኤርትራውነቱ መኒኑ ማለት ኣይኮነን። ኤርትራውነት ሓድግን ሕድርን ኢዩ።

ኣብ ልቢ ይፍጠር፡ ኣብ ልቢ’ውን ይነብር።

እቲ ዓንዳሪ ውልቀ-መላኺ ብሰላም ኣማሳሚሱ ሃገር ኣሕሊፉ ክህብ ምስ ተራእየ “ይኣክል!” ብምባል ነዲሩ ዝተላዕለ፡ ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ግዳም ዝነብር ኤርትራዊ ድማ ናይዚ መርኣያ ኢዩ።

ካልእ ኢሰያስ ኣፍወርቅን ጭፍራኡን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንህዝብናን ሃገርናን ክሕምሱዎ ዕድል ዝሃቦም ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝተፈጥረ ዘይምትእምማን ኢዩ።

እዚ ንሓድነት ኤርትራውያን ዝፈታትን ተርእዮ’ዚ፡ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝገነነ ይመስል። ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ሃንዳሲ ናይቲ ዘይምትእምማን እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ።

ሓድነት ዕምሪ ጸላኢ ዘሕጽር ፍቱን መሳርሒ ስለዝኾነ፡ ጸላኢኻ ዕድሚኡ ከናውሕ ምእንቲ ክበታትነካ ክጽዕር ናይ ግድን ኢዩ። ብኣንጻሩ ንስኻ ሓድነትካ ንምድልዳል ኩሉ ዝክኣለካ ንምግባር ድኣ ድሉው ክትከውን ይህልወካ እምበር፡ “ከውድቐኒ ኢሉ ኮ ጉድጓድ ፍሒሩለይ ኣሎ” እናበልካ፡ ናብቲ ጉድጓድ ምእታው፡ ተሓባባሪ ጸላኢኻ’ዩ ዝገብረካ።

ወረ ካብኡ ይገድድ!  ንጸላኢኻ መሕረዲኻ ካራ ስሒልካ ምሃብ ስለዝኾነ፡ ካብ ነብሰ-ቕትለት ዝፈሊ የብሉን።

ብሕጽር ዝበለ፡ ዜጋታት ናይ ሓንቲ ሃገር፡ ህዝቦም ዓመጽን ጭኮናን ከፊኡዎ እናሃለወ፡ ለውጢ ንምምጻእ ምስ ኣብ ቤተ ክርስትያኖም ወይ መስጊዶም ዘምልኹ ጥራሕ ሓቢሮም ክንቀሳቐሱ ፍቓደኛታት እንተኾይኖም፡ ነቶም ካብ ጉጅለኦም ወጻኢ ዝኾኑ ዜጋታት ብዓይኒ ጥርጣረ ክርእዩዎም ኢዮም ዝደፋፍኡ። ንዓድን ዓውድን ብዝምልከት’ውን ከምኡ።

እቲ ዕላማ ሃይማኖትካ ወይ ኣውራጃኻ ነጻ ንምውጻእ እንተኾይኑ፡ እዚ ሜላ ዘይሰርሓሉ ምኽንያት የለን። ዓዲ፡ ኣውራጃ፡ ሃይማኖት፡ ብሄር ዘይብሉ ሰብ የለን።

ሕመረት ጥርናፈ ሓደ ጉጅለ እምነት ወይ ኣውራጃ እንተኾይኑ፡ ንዕኡ ዝጻረር ሓደ ካልእ ጉጅለ ክፍጠር ናይ ግድን ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጥረ ጥርናፈ ከም ሓሙሻይ መስርዐኛታት ዘዋሰኖም ዜጋታት፡ ክሕቆፉሉ ዝኽእሉ ጉጅለ ክምስርቱ ስለዝድረኹ።

ኣግኣዝያን ወይ ትግራይ ትግርኚ ዝብሃል ናይ ተኸተልቲ ሃይማኖት ክርስትና ጉጅለ እንተሃልዩ፡ ተኸተልቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝሓቁፍ ጉጅለ ኣሎ ማለት ኢዩ። እዞም ክልተ ጥርናፈታት  ክሳብ ክንደይ ንኣሽቱ’ዮም ብዘየገድስ፡ ካብ ዝፈላልዮም ዘራኽቦም ረቛሕቲ ይበዝሕ።

ብመጀመርያ ደረጃ፡ መበገሲኦም ስግኣት ኢዩ። በዚ መሰረት፡ ሕመረት መልእኽቶም ነቲ ስግኣት ግብረ-መልሲ ኣብ ምሃብን ነቲ ንኣምነሉ ዝብሉዎ ጉዳያት ኣብ ምውዕዋዕን ይነጥፉ። እቲ ሃይማኖታት ዝተፈላለየ ይኹን’ምበር፡ ዝጥቀሙሉ ኣገባብን ቃናን ሓደ ኢዩ። ‘ህዝበ ክርስትያን ተዘመትካ! ህዝበ ኣስላም ተዘመትካ’ ዝሕመረቱ መልእኽትታቶም፡ ተሳንዩ፡ ተፋቒሩ፡ ተኸባቢሩ፡ ተሓላልዩ ንዘመናት ዝነበረ ህዝቢ ብምንዕዓብ ኣብ ዉጹእ ጽልኢ ሸሚሞም ከናቑቱዎ ዝሓለኑ ኢዮም።

ብዘይካ’ዚ ግን ኣጀንዳኦም ንባዕሉ፡ ባዕላቶም ዘመንጨዉዎ’ውን ኣይኮነን። መሳርሒ ተጻያት ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝኾኑ ባእታታት ኢዮም። ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ ድማ መሻርኽቲ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ምዃኖም ኣይተረፎምን። እቲ ምንታይ ንሱ ጥራሕ’ዩ ቀንዲ ጸላኢ ኤርትራውነት።

ኤርትራውነት ግን ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ቅድሚ ኩሉ ምዃኑ ዝኣምን ኣተሓሳስባ ኢዩ። ብዓድን ዓውድን ይኹን ብብሄር ወይ ብሃይማኖት ተጠርኒፍካ ምንቅስቓስ ንሃገራዊ ዕላማ ዋላ እንተተበገሰ፡ ተመኩሮ ቃልሲ ኤርትራውያን ከምዘረጋግጾ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ንሱ’ውን ኣብ መወዳእትኡ ናብ ካብኡ ዝነኣሰ ንኡስ-ጉጅለታት ተኸፋፊሉ ክበታተን ጥራሕ ኢዩ ዝኽእል።

ኣብ ፍሉይነት ዘተኮረ ጥርናፈ፡ ናብ ውልቀ-ሰብ ደረጃ ክሳብ ዝወርድ ፍሉይነት ሃሰው ምባሉ ኣይተርፍን። ካብ ኣውራጃ፡ ናብ ዓዲ፡ ናብ ቀቢላ፡ ናብ ስድራ-ቤት ከምኡ እናበለ ክሳብ ክልተ ኣሕዋት ከይተረፈ ኣብ ሓደ መኣዲ ክቐርቡ ዘይዕድም ኩነታት ኢዩ ዝፈጥር።

ብኣንጻሩ ኣብ ሓድነት ዝኣምን ኣተሓሳስባ፡ ፍልልያትን ተመሳሳልነትን ክመላላእ ዕድል እናሃበ ንኹሉ ብማዕረ ሓቚፉ ዘሳትፍ፡ ተራ ዜጋታት ኣብ ገዛእ ዳሶም ሓሙሻይ መስርዐኛታት ካብ ምዃን ዘድሕን፡ እንኮን ኣድማዕን ኣረኣእያ ኢዩ።

ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እንተርኣና፡ ብዘይካ’ቲ ክልተ ‘ተቓዋማይን ደጋፋይን’ እናበልካ ዝተኸፍለ ደምበታት፡ ኣብቲ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ደምበ ንባዕሉ ክፍጠራን ክጠፍኣን ግዜ ዘይወስደለን ውድባት ዝርከበአን ብዙሓት ጥርናፈታት ኣለዋ።

ተመኩሮ ሻዕብያ ይኹን ጀብሃ ዘረጋግጾ ሓደ ነገር እንተሃልዩ፡ ውድበይ ውድብካ ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ጎዳኢ ምንባሩ ኢዩ። ኲናት ሓድ-ሕድ ከም ሓደ ኣብነት ክጥቀስ ይኽእል። ብውድባዊ ኣገባብ ተጠርኒፍካ ምቅላስ ኣብ ሓደ ግዜ ጠቓሚ ኣይነበረን ኣይንብልን። ሃገርን ናጽነትን ክንረክብ ስለዘኽኣለና ከም ኣወንታዊ ተመኩሮ ከነልዕሎ ንኽእል።

ይኹን’ምበር፡ እዚ ሓበሬታን ትእዛዝን ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝመሓላለፈሉ፡ ካብ ተራ ኣባላት ትግባረ ጥራሕ ዝጠልብ ኣሰራርሓ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝጎደሎ ምስጢራዊ ኣካይዳ ይኽተል ስለዝነበረ፡ ሓደ ካብ’ቶም ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ግዳይ ዝገበሩዎ ባህርያቱ ኢዩ።

እዚ እናኾነ፡ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ንዓሰርተታት ዓመታት ክስዕቡዎ ምጽንሖም ይፍለጥ። ብዘይካ ኣኼባታት ምክያድ፡ ውድብ ድሕሪ ውድብ ምጭጫሕን፡ ምስ ካልእ ጥርናፈታት ኣብ ቁርቁስ ምእታውን ግን ካልእ ፋይዳ ኣይተረኽበሉን።

ብሓጺሩ ብረት ዓጢቖም ኣብ በረኻ ስለዘይተሰለፉ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ኲናት ሓድ-ሕድ ፈሊኻ ንምርኣዩ ዘጸግም ኩነታት ዝኽሰተሉ ኣጋጣሚታት መሊኡ’ዩ።

ውድባዊ ጥርናፈ፡ ካልእ ኣብ ደምበ ደለይቲ-ፍትሒ ብውልቀ-ሰብ ደረጀ ዝንቀሳቐሱ ደለይቲ-ፍትሒ፡ ሓሙሻይ መስርዐኛታት ኮይኖም ክዋሰኑ ዕድል ዝኸፍት ኣካይዳ’ዩ። ‘ወይ ምሳና ኩን ወይ ጸላኢና ኹን’ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ኣባላትን መሪሕነትን ውድባት፡ ኣድማዒ ተራ ተጻዊቱ እንተኾይኑ፡ ንህዝቢ ኣብ ምዕሳልን ነቲ ሃገራዊ ዕላማ ንቕድሚት ኣብ ምድፋእን ዘይኮነ፡ ዜጋታት ተስፋ ቖሪጾም ክበታተኑ ኣብ ምግባር ኢዩ።

ካብኡ ናብኡ ኣብ ስደት ዝሓሸ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝርኣዩ ጥርኑፋት ኤርትራውያን፡ እቶም ውድብ፡ ማሕበርን ውልቀ-ሰብን ከይበሉ፡ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ደው ዝበሉ ጥራሕ ኢዮም። ምኽንያቱ ፍልልያቶም ጸይሮምን ተኸባቢሮምን ኣብ ዝፈጠሩዎ ህዝባዊ መድረኽ፡ ኣባል ውድብ ወይ ማሕበር ንዘይኮነ ደላይ-ፍትሒ ከም ሓሙሻይ መስርዐኛ ዘይኮነ፡ ከም ዜጋ ክጽምበሮም ምቹእ ባይታ ፈጢሮሙሉ ኣለዉ። እዚ’ዩ ድማ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሑ ዘኽእሎም።

ንርዱእ ምኽንያታት፡ ሓድነት ልክዕ ከም ሰላም ኣድላዪት ኢያ። ይኹን’ምበር ብደርፍን ብመደረን ዘይኮነ፡ ብተግባር፡ ኣብ ባይታ ጥራሕ ክምስከራ ከምዝግባእ ምዝካር የድሊ።

ካልእ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ህዝብና እናጽነተ፡ ሃገርና እናዕነወ ጸሪግና ከይንጉሕፎ ዝዓንቀጸና፡ ነዚ ኹሉ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ ነጥብታት ዝሓቁፍ ነጥቢ፡ ትሑት ደረጃ ንቕሓትና ኢዩ።

እዚ ምናልባት ብሲቪካዊ ትምህርቲ ክህነጽን ክምዕብልን ነይሩዎ። ይኹን’ምበር  ኣብ ውሽጢ ዓዲ ነዚ ክዉን ዝገብር ባይታ ኣይተፈጥረን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መራኸቢ -ብዙሓን ደለይቲ-ፍትሒ ይኹኑ ውልቀ-ሰባት ምስ ኩሉ ሕጽረታቶም፡ ደረጃ ንቕሓት ሃገራውያን ክብ ኣብ ምባል ልዑል ተራ ከምዝተጻወቱ ኣይክሓድን። ምስዚ ተታሓሒዙ፡ ህዝቢ ብዛዕባ ዓዱ ሓቀኛ ሓበሬታ ክረክብ፡ ኤርትራውያን ንህዝቦምን ሃገሮምን ኣብ ዝምልከቱ ወሰንቲ ጉዳያት ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ክበጽሑ ቀሊል ኣበርክቶ ኣይነበሮምን። ኣብዚ እዋን፡ ብዛዕባ ንጹርነት ቀዳምነታትና ብዙሕ ዘሰሓሕብ ነገር የለን።

ኢሰያስ፡ ዕንደራኡ፡ ስርዓት-ኣልቦነት ስርዓቱ ይኹን ዉጹእ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ተግባሩን ክሕደቱን፡ ኤርትራዊ ‘ተቓዋማይ ደጋፋይ’ ዝተጻሕፎ ታቤላታቱ ኣብ ጓሓፍ ኣእትዩ፡ “ኣለና ንህዝብን ሃገርን! ወይልኹም ሸየጥቲ ሃገር!” ክብል ስለዝደረኽዎ፡ ናይ ‘ስትቕሓር’ውን እንተኾነ፡ ምስጋና ይኹኖም።

ወራር መሬትን ወራር መሰልን ሓደ ምዃኖም ብግቡእ ክንግንዘብ ስለዘኽኣሉና’ውን ከምኡ፡፡ ፍቕሪ ብ’ተቓዋማይን ደጋፋይን’ ተራሓሒቖም ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን’ኳ ናብ ንቡር ተመሊሱ! ኣብ ሓደ መኣዲ ቐሪቦም፡ “ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽንት ውልቀ-ሰብ፡ ንሃገረ ኤርትራ ክከላኸለላ ዘይኮነ፡ ኣብሪሱ  ክሸጣ ጥራሕ ኢዩ ዝኽእል!” ብምባል “ፎእ!” ኢሎሞ።

ኣብ ጀነቫ ድማ ሓቢሮም ድምጾም ከስምዑ ኢዮም። ውህደት፡ ሓድነት፡ ፍቕሪ ክንደይ ይጥዕም! ብዓቕምኻ ብኹሉ ትኽእሎ፡ ንዓማጺ “ዓገብ! ኣበደን! ኣይንምብርከኽን!” ምባል፡ መድረኽ ኣብ ዝተኸፍተሉ ናይ ህይወት መስዋእቲ ንምኽፋል’ውን ድሕር ከምዘይትብል ኢዩ ዘርኢ። ድምጹ ንዝተዓብሰ ወገንካ ድምጺ ምዃን፡ ኣቑሲሎሞ ከይኣኽሎም፡ ድምጺ ቃንዛኻ ከይተስምዕ ኢሎም ኣፉ ንዝዓበሱዎ ሓላል ህዝቢ ኣፉ ኮይንካ፡ ኣብ ክንድኡ ከተእዊ ጎሮሮኻ ምልሕታት ሓላል ኢዩ ኣሕዋት።

ተታሒዙ ዘሎ ጭኩን ህዝብና፡ ኤርትራውነት ዘስተንፍስ፡ ብውህደት ድምጺ ሃገራዊ ሕልና ዘጋውሕ፡ ግሉጽነት፡ ተሓታትነት ዝሕላገቱ፡ ፍትሒ ዝኣርማኡ ንዕኡ ዝመስል ወካሊ ናይ ምምራጽ ዕማም’ውን ኣማራጺ ዘለዎ ኣይኮነን። ከምኡ ምስ ዝኸውን መን ይውክለካ ስለትፈልጥ፡ ንመን ከምትሓትት ንጹር ይኸውን። ጉዳይና ከይጭወ መቆጻጸሪ ሜላታት ኣብ ባይታ ምንባር ጥራሕ ኢዩ ዘድልየና። ንኢሰያስን ስርዓቱን ብሕጊ ኣልቦነቱ’ምበር፡ ወዲ ተምቤን ብምዃኑ ኣይኮናን ንነጽጎ ዘለና።

ተጋሩ ትማሊ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ካብ መግዛእቲ ስርዓት ደርጊ ሓራ ክንገብራ ኣብ ጎድንና ተሰሊፎም ዝነበሩ ህዝቢ ኢዮም። ክፉእ ህዝቢ የለን። ልክዕ ከም ብምዕራባዊ ሸነኽና ምስ  ህዝቢ ሱዳን፡ ምስኣቶም’ውን ተዋሊድና ኢና። ክንውግዝ እንተኾይና፡ ንህውሓት በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ዝወሰዶ ናይ ምብትታን ሜላ ንዕኡ ንውግዝ። ግን ንሱ’ውን ሃገራዊ ረብሓኡ ከቐድም ስለዝግብኦ፡ ኤርትራውያን ብድኽመትና ተኣሚና፡ ካልኣይ ግዜ ከይድገም ክንምሃረሉ ኢዩ ዝህልወና።

ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ፡ ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተሓረሞም መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተኸቢሩ ክነብር ዕድል ኣለዎ። እቲ ዝረኽቦ መሰላት ግን፡ ዜጋታት’ተን ዝነብረለን ሃገራት ብዝኸፈሉዎ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ከስተውዕል ይግብኦ። ህዝቡ ከም’ቲ ናቱ ዕድል እንክንፈጎ ድማ ዓገብ ክብል ግዴታ ኣለዎ።

ኣብ ክንድኡ ብዕሱብ ተዓሲቡ፡ ከዳኽር እንተመሪጹ ግን፡ ካብ ሸያጢ ሃገር ዝፈሊ የብሉን። ደቁን ደቂ-ደቁን ጽባሕ፡ “ሃገርና ኤርትራ እንታይ’ዩ ዛንታኣ?” ኢሎም ምስ ዝሓቱዎ ብዛዕባ ዝህቦም መልሲ፡ ብዝግባእ ክሓስበሉ የድልዮ።

ብሕድሪ ዝተዋህበትካ ገነት፡ ብሰንኪ ሓደ ከም ኢሰያስ ዝበለ ዕሱብ ክትጠፍእ ኢድካ ኣጣሚርካ እናርኣኻ፡ ደቅኻ ኣብ ስቱር ጊላነት ክነብሩ ምፍራድ ገበን ኢዩ።

ወዲ ዓሻ ጥራሕ ኢዩ ክልተ ግዜ ዝውቃዕ። ሓንሳብ ብመባእስቱ ካልኣይ ድማ ብኣባላት ስድራ-ቤቱ። ንሕና ንናጽነትናን ንሃገርናን ልዕሊ ግቡእና ዝኸፈልና ህዝቢ ኢና። ካልኣይ ግዜ ከይንውቃዕ፡ “ይኣክል!” ብምባል፡ ልክዕ ከም ንስርዓት ደርግ፡ ሕጂ ድማ ሓቢርና ስርዓት-ኣልቦነት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ቦርቊቕና፡ ቅዋማዊ ስርዓት ተኺልና ንህዝብና ራህዋ ከነምጽኣሉ ንበገስ።

ሓቢርና ንመርሽ!

ዓወት ንውዕሎ ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ!

ኤደን ኢያሱ

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • Tsehaye August 21, 2018

    Mr Assenna moderator,
    Why do you bloody keep deleting my fair sexy organic comments????? I thought you were supposedly fighting for freedom of speech and the rest of craps you supposedly fighting for, I also believe for poor sick Eritrea!!!! I hope and pray that you don’t come to hold any power in the coming new and democratic Eritrea in a million years!!!! Indeed, i find this Sudanese camel looking ugly woman’s article so fake and so one-sided story, more like just an ELF garbage propaganda.

  • meretse August 21, 2018

    Here you go! The sick puppies are loose again. Are u expecting her to tell u “please don’t hate me because I’m beautiful.” She is smart. busy and have a big mission. No matter how much u howl don’t expect her to say a word to u. The only reason why I am telling u tthis is- because I am your vet. I take care of u not because ur life is worth saving but, again, not contaminate others. Consider it just part of environmental control.

    • Tsehaye August 21, 2018

      W/ro Meretset/fesewet baAlti ugly wuQato {aregit diKala goHaf criminal ELF fadayin beast},
      Please enlighten us with your tremendous barbaric evil Islamic ELF mendef shit Fedayin’s top secret information on what exactly of this “smart, busy and beautiful” woman “a big mission” would possibly be, would it possibly be to resurrect your filthy savage evil Islamic and deKalu’s ELF mendef shit????? Next time, anta bojbaj HADAMI TSAHITSAHI ab serie/jelebiyie, coward hypocrite asshole, address your garbage post to me properly so that you’d get a more proper sexy/spicy response.

  • Simon G. August 21, 2018

    ነዞም ሰብ ዘይጥርኑፍ መልሓስ “ተፈጥሮ ዝሃሰየኩም” ክብሎም ምደለኹ ኔረ የግዳስ ብስክፍታ ገዲፈዮ።
    ነዞም ዘይውርዝያት: ብጽያፍ ዝተላዕጠጠት መልሓስ ዝውንኑ “ሕሱራት ፍጥረት” ክብሎም ይደሊ’ሞ ግን ኣብ ደረጃ ኦም ከይወረድ ሰጊአ ይገድፎ።
    ነዞም ኤርትራውያን ክመስሉ የግዳስ ቅንጣብ ሓልዮት ናይ ኤርትራ ዘይብሎም: “ኣቱም ኣኬሳት” ክብሎም ይደሊ ግን ለቢመ ይገድፎ

    ነዞም ኣትማን ከም በዓል ኢሳያስን ሰዓብቱን: ኣቱም “መጥፋእቲ ሃገር” ክብሎም ይደሊ’ሞ ግን ልበይ ተጠውያ ከይትተርፍ ፈሪሐ ይገድፎ

    ነዞም ክብረቶም ዝሸጡ: “ዲዲት ጌረ ለምጾም” ይመጸኒ’ሞ ግን ንኽብረት ኣሰናውያን ከይጉድል ኢለ ይገድፎ
    ———-

    ዝኹሉ ክገብር ዝሓገዘኒ ግን ኣብ ውሽጢ ክብርቲ ስድራ ስለዝዓበኹ ዩ። ንሱ’ዩ ድማ ክብረት ኤርትራውያን ኣነ ዝፈልጦ።
    ————
    ስለዚ ወይ ባህሊ ኤርትራውያን ተቐይሩ’ዩ በሉኒ: ወይ ድማ ኤርትራውያን ኣይኮኑን’ዮም ክብሎም ይደፍር።
    ———
    ኢሂ! ከምኡ ዶይኮነን?

    • Tsehaye August 22, 2018

      Very impressive and classy (truly a top quality), what shall we call it a poem or a uni type lecture?
      I never ever expected from a stinky HatellaGuzay poisonous snake shit so sophisticated poem!!
      Wedi Gereaneniya fandiya Hatella, you must have gone to one of our top deki Hama chided exclusive schools to come up with that good classy {I admired so much your sense of humor which is unheard of snaky poisonous HatellaGuzayat}!!!
      Now, Wedi Leteaneniya TSAHITSAHI LEKHIBAT TEGOMBAHI, just come up with another of your lousy HatellaGuzay garbage poems in memory of your Arab condoms shefatu/bandits criminal murdered/used up/messed up siblings in an Arab/Egyptian evil adventure.

    • meretse August 22, 2018

      ዝክበርካ ሓው ሳይሞን፡
      እቲ ቃልሲ ክሳብ ምሕላው መሰል ናይ ከምዚኦም ኢዩ ኔሩ። ሎሚ ኮነ ሓምለ ኮነ እምበር ኣብ ዓድና ከኣ ጽሩይ ፈውሲ ኔሩን ግና’ውን ኣሎን። ኣብ ዓድና ንከምዚኦም ዝመሰሉ፡ ሚጥሚጣ ኢካ ትዓጥኖም። እቲ ዕጥና መሪር በርበረ ወይ ተር ኣቢሉ የሕውዮም፡ ወይ ፍር ኣቢሉ ናብ ዓዲ ኩላትና ይወስዶም። ኣፋውስ ናይ ምዕራብ ንከም’ዚ ዝኣመሰለ ሕማም ኣየሕውን ኢዩ። ብዝኮነ ከም’ቲ ዝበልካዮ ኢዩ። ሕማቅ ናትካ ንመን ትህቦ?
      BTW good to hear from you. For the last couple weeks, I guess many commentators are on a summer vacation. I hope they are having fun. Sometimes it is good to stay away for some days from Tsehaye and alikes.

    • Genet-Original August 24, 2018

      Well done S,G!
      I have a different take on those people now. They are Eritreans-Ethiopian origins who never accepted the Eritreanism, the land or people. They are the new generation of Alula. Some people think they are DIA’s foot soldiers or cyber mercenaries. It is possible, they could be. However, they are the new generation of Alula the terrorist. Anti Eritrean, not only the name ERITREA, the land, the red sea, the people and culture. They are the people who are not comfortable in their own skin as Eritreans. They are the Self-claimed propagators of the so called agazian. I called them DEAD ON ARRIVAL
      They are not from Tigray Ethiopia, rather from within Eritrea. The Tigray people in Ethiopia are proud people and proud to be Ethiopians. The agazians are not comfortable with Eritrea or Ethiopia, therefore, they have to create a new land for them by denouncing Eritrea. The worst part is they know us well they grow up among us Eritreans. They know what make us happy or sad. they are part of our society. They are worst than DIA to the Eritrean people.

      TO all the Assenna participants, I apologize for my response to the many fake names with duplicated posts attacking us. From now on, their cyber attacks it will be treated as a small dust on my shoulder that I flick it off.
      Let us be more active on Assenna. let us discuss the most important issues of our people and our land Eritrea.
      Thank you My brothers and sisters.
      GOD bless our people and our Country Eritrea!
      Genet-O

  • meretse August 22, 2018

    ጸሃየ
    ንኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኣክፍሎም። እንድሕሪ ውሒዱ ክንምልእ ኢና። ንግዜኡ ግን ክንዲ ብዙሕ ረኣይዎ
    ኣብ መልሓስኩም – ዝበቆለ ጽኪ
    ብዘይ ሓዊ – ወዲኡና ትኪ
    ዓዲ ውዕል – ዕጹፋት ብርኪ
    ግናያት ፍጥረት – ትርከ ምርኪ
    ንስኹም ትስሕቑ – ስድራኩም ትበኪ
    ሰኣን ብዓንቶብኡ – ምስታር ብመሕረስቲ
    ወይ በዓቲ ወሲድካ – ምምጽዋት ንዛርቲ
    ጸልማት እተፍቅሩ – ካብ ድሙቕ መብራህቲ
    ንዓኩም ዘዕበየት ዓዲ – ስሕታን መዓልቲ

    • Simon G. August 22, 2018

      Brother Meretse,
      A poem with many layers. Excellent as ever!!!
      Let me add (but a 2nd rate poem) a litlle…
      ————–
      ደያፐር ዝለበሰ ብዕራይ
      ሓደ ደርፉ ክረምቲ ምስ ሓጋይ
      ተዓጣቒ ብዘይ ውራይ
      ኣብ ደም ተሰጽዮም ፍረ-ስቓይ
      ———–
      ደቂ ጸሎት እንካ በሉ
      “ድቂ” ኣብ ተምቤን ኣትሒዝካስ
      ማርሻ ናብ ኣስመራ ተመሲልካ ሓንካስ
      ጽንሕ ኢሎም ንሕና በሉ
      ምስ ገበሉ
      ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ክመስሉ
      ሃገራውያን ሃገራውያን ክብሉ ጨደሩ
      ኣየነይቲ ሃገር ምዃና ከይሓበሩ
      እንሃልካ ሕጂ ይብሉና ኣለዉ ተደመሩ
      ንጹሃት ክመስሉ
      ሰብ ከደናግሩ
      ዕላም ኦም ግን ብዛዕባ ኤርትራ ድዩ ኔሩ
      —————-
      ላእ! ኣበደን!
      ሓልዮት ናይ ኤርትራ ኣይነበረን
      ባሕርናዩ ኔሩ ትምስጢሩ

  • meretse August 22, 2018

    I know some folks are going have a heartburn for saying a beautiful poem. That said, let them get sick.

  • Dawit August 22, 2018

    I wonder if this article writer woman is the sister (lost sister) of Amanuel Eyassu??? They both look from stinky Sahel bushes! I also wonder if she also has a funny monkey voice like her bush Amanuel brother!!! I also wonder if they have any poor ugly children then do their poor ugly children also look and sound like monkey bushes?????
    What ever happened to that garbage ELF/Jebha Kiki Monki woman who got the paralyzed ELF foot soldiers excited?

    • Sol August 22, 2018

      Tekhlay, you are a cyber virus of the mafia regime assigned by your operators of PFDJ dark rooms to promote the divide and rule policy of IA but he is exposed to the core that he is enemy of Eritrean people and the people of Tigray.

  • Genet-Original August 24, 2018

    Well done sister!! Let us expose all the crimes committed on our people and our country ERITREA to the rest of the world.
    Proud of you.!!

Post a Reply to Sol Cancel Reply