Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወይልኹም! ቋሕ እንተዘይልኩም፣ ኳሕ መን ከሊኡኩም – ኣሰና

ፖለቲካዊ ቁማር ኢሳይያስ ብካርታታት ‘መንግስትን ግንባርን’ ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ኤርትራ ሰሙኑ ምስ ኣሕለፈ፣ ሓዱሽ ዓመት ግእዝ ሰሙን ምስ ተረፎ፣ ውልቀምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ 6 ግንቦት 2013 ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ናይቲ ስርዓት

ፖለቲካዊ ቁማር ኢሳይያስ ብካርታታት ‘መንግስትን ግንባርን’

ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ኤርትራ ሰሙኑ ምስ ኣሕለፈ፣ ሓዱሽ ዓመት ግእዝ ሰሙን ምስ ተረፎ፣ ውልቀምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ 6 ግንቦት 2013 ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ናይቲ ስርዓት ቀሪቡ ሰፊሕ ቃለመጥየቕ ክገብር ምድላዩ፣ ኣንደበቱ እንታይ ምንባሩ ነቲ ብማዕዶ ዝሰምዕ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ክሓቱዎ ዕዮ ዝተዋህቦም ጋዜጠኛታት ‘ውን ግር ከምዝበሎም ኣብ መእተዊ ቃላቶም ይልለ ነይሩ። ንሳቶም “ብኣቋጻጽራ ፈረንጂ ‘ኳ እንተዘይኮነ፣ ብኣቋጻጽራ ግእዝ ቅነ ምስግጋር ወቕቲ ክራማት ናብ ቀውዒ ስለዝኾነ…” ክብሉ ንኣጀማርራ ዕላሎም ከተዓራርዩ ክጋደሉ ተሰሚዖም።

ሓቀኛ ሃቐነ ናይቲ ቃለመጥየቕ ግን ድሕሪ ክልተ ሰሙን፣ ብ17 መስከረም፣ ኢሳይያስ ኣብ እምባትካላ፣ ብስም “ ዳግመ-ውደባን ምደባን…ግንባርን መንግስትን” ኣብ ዝኸፈቶ ኣኼባ ሓለፍቲ ምምሕዳርን ህግደፍን ተጋሂዱ።

እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽምብል ናጽነት፣ “ተጸመም ጥራይ፣ ንዓመታ ሽግርካ ክፍታሕ እዩ” እናበለ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣጉል  መብጽዓታት እናለቓቐበ ን22 ዓመታት ዘጻንሖ ኢሳይያስ፣ ኣብዚ ናይ ትማል ቃለመጠየቑ፣ መደባቱ ብድምር ከምዝፈሸለ ተኣሚኑ። እንተኾነ ከም ኣመሉ፣ ከም ብዓል “ጽቡቕ ድሌት” ነብሱ ኣውጺኡ፣ ውልቃዊ ፍሽለቱ ብምኽሓድ፣ ንኻልኦት ተሰከምቲ ሓላፍነት ናይቲ ውድቀት ካብ ምግባር ኣይተቖጠበን።

ድሕሪ’ዚ ኹሉ ዝባኸነ እዋን፣ “ ነቶም ዝሓለፉ ፕሮግራማት ግቡእ ነቐፌታ ተገይሩሎም ካብ ተመክሮ ተማሂርና ካብ ሕጂ ከም ብሓዱሽ ንጅምር ኣለና።” ብምባል ከኣ፣ ንህዝቢ ኤርትራ፣ ኣነስ ተመንየልካ፣ ሰሪሐልካ ነይረ፣ ካልኦት ግን ኣይሓገዙንን ክብሎ ኣይሓፈረን።

ንዕላል ኢሳይያስ ህዝቢ ክሰምዖ ‘ኳ እንተተፈቕደሉ፣ መልእኽቲ ኢሳይያስ ብቐንዱ ናብ ሓለፍትን ካድረታትን ናይቲ ስርዓት ዝቐንዐ እዩ። ኣብዚ መልእኽቲ’ዚ ተጸጊዑ ከኣ’ዩ ነቲ ናይ እምባትካላ ኣኼባ ኣመሓደርትን ሓለፍቲ ህግደፍን ኣካይዱዎ።

እዚ “ዳግመ-ወደባን ምደባን” ተባሂሉ ተኸሲቱ ዘሎ ተርእዮ፣ ነቲ ኢሳይያስ ቅድሚ 20 ዓመታት፣ ብ1993፣ ኣብ ባሊኔኪ ንሓለፍትን ካድራትን ህዝባዊ ግንባር ኣኪቡ፣ “ ህዝባዊ ግንባር መሽሚሹ እዩ፣ ውዑይ ደም የድልዮ ‘ሎ” ብምባል፣ መሳርሒ ይኾኑኒ ዝበሎም ሰባት መሪጹ፣ ዘየድልይዎ ባእታታት ንምግላል ዝወሰዶ ስጉምቲ ዘዘኻኽር እዩ።

ኢሳይያስ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ እንተዝነብሮ፣ ቅድሚ ኹሉ ንርእሱ ክእለ ነይሩዎ። ሓደ ኣካል ጥራይ ዘይኮነ ብቐንዱ መራሒ ህዝባዊ ግንባር ስለዝነበረ፣ ካብቲ ውድብ ንላዕሊ ዝመሽሞሸ ንሱ እዩ ነይሩ። ኢሳይያስ ግን ናይ በይኑ ዓለም እዩ ዘለዎ። ኣብ ዓመቱ፣ ኣብ ናቕፋ ጉባኤ ብምክያድ ንህዝባዊ ግንባር፣ ከምቲ ዝበሎ ሓድሽ ቀለምን ሓዱሽ ደምን ከምዝወሰኸሉ ብወግዒ ኣዊጁ። ሓዱሽ ደም ኢሳይያስ ከኣ ከምዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝረኣዮ ሕሙም ደም ኮይኑ ተሪፉ።

ኢሳይያስ ንህዝባዊ ግንባር ወትሩ ቀጻልነት ስልጣኑ ንምሕላው ብዝጥዕሞ ቅርጽን ኣወዳድባን ዝሰርዖ ‘ኳ እንተኾነ፣ ኣባላቱ በንጻሩ ዝተጋደሉሉ ሃገራዊ ሓላፍነት በለጭ ኢሉዎም ኪኖ ውጥኑ ካብ ምኻድ ከምዘይቁጠቡ ስለዝጠራጠራጥሩዎ ወትሩ ቅሳነት የብሉን። ዘይእሙን ሓለዋ ኣዋፊሩ፣ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሓለዋ እዩ ዝነበር። በዚ ምኽንያት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ናጽነት ቀንዲ ስግኣት ኢሳይያስ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር እዮም ኮይኖም ጸኒሖም።

ነዞም ክልተ ዝጠቐስናዮም ተመሳሰልቲ ተርእዮታት እምባትካላን ባሊኔኪን ዝወለዱ ተመሳሰልቲ ኩነታት ነዚ ሓቂ እዚ እዮም ዘረጋግጹ።

እቲ ንህዝባዊ ግንባር ናብ ህግደፍ ንምቕያር መእተዊ ዝነበረ ኣኼባ ባሊኔኪ ድሕሪ ‘ቲ ብ1993 ዝተገብረ ኣድማ ተጋደልቲ ዝመጸ ክኸውን ከሎ፣ እዚ ብ17 መስከረም 2013 ኣብ እምባትካላ ዝተኻየደ ኣኼባ ኸኣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኣስመራ (ፎርቶ) ብጥሪ 21 2013 ዘጋጠመ ምንቅስቓስ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝሰዓበ እዩ። እቲ ፍልልይ፣ ሽዑ ብስም ውዑይ ደም መጋበርያታት ሓዊስካ ንህዝባዊ ግንባር ንምቅላሉ ተዓሊሙ፣ ሕጂ ኸኣ፣ ንህዝባዊ ግንባር ስሙ ኣትሪፍካ፣ ንግስነት ኢሳይያስ ጥራይ ብዝፈልጡ ከም ግደዎንን ሶፍያን ብዝኣመሰሉ ክሕስዉ ዘይሓፍሩ ንኢሳይያስን ጉጅሊኡን ቁሊሕ ኢሎም ክጥምቱዎም ዘይደፍሩ፣ ሓደስቲ ሰለይትን ሃሱሳትን ቀጢንካ፣ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንህዝባዊ ግንባር ንምድምሳሱ ዝተኣልመ ናይ መወዳእታ ውጥን እዩ።

ኢሳይያስ ነቲ ቅሳነት ስልጣኑ ንምውሓስ ካብ 1993 ኣትሒዙ ከሰላስሎ ዝጸንሐ መደብ ምድኻም ህዝባዊ ግንባር፣ ብፍላይ ኣብ 2001 ነቶም ብኹሉ ክምክቱዎ ዝኽእሉን ዝግብኦምን ዝነበሩ፣ ከም ብዓል ጴጥሮስ ሰለሙን፣ ሃይለ ወልደንስኤ (ድሩዕ)፣ ማሕሙድ ሸሪፎ፣ ብርሃነ ገረዝጊሄር፣ ዑቕበ ኣብርሃ፣ በራኺ ገብረስላሰ ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝርከቡዎም ኣርካናት ብማእሰርቲ ድሕሪ ምቁጽጻሩ ግዝያዊ ትንፋስ ረኺቡ እዩ። ብተዛማዲ ዛጊት ኣጸቢቑ ከየድምዓሎም ጸኒሖም ዘለዉ ኣዘዝቲ ሰራዊት እዮም። ነቲ ንምልዛቦም ከሰላስሎ ዝጸንሐ መደብ ከኣ ሕጂ ክዛዝሞ ተበጊሱ ‘ሎ።

እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ኣኼባ ከካይደሎም ደጋጊሞም ‘ኳ እንተጽውዑዎ ኢሳይያስ የሐሊሉዎም እዩ። በዚ ኸኣ ሕጉሳት ኣይኮኑን። እቲ ብ21 ጥሪ ኣብ ኣስመራ (ፎርቶ) ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ብፍጡን ስጉምቲ ከይተወዓውዐ ብቕልጡፍ ዘይምድቃሱ፣ እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ክንዲ ቀለስቲ፣ ተጸበይቲ ኩነታት ምንባሮም ኣብ ትዕዝብቲ ኢሳይያስ ኣእቲዩዎም እዩ። በቲ ፍጻሜ’ቲ ክሳብ ክንደይ ቆንቍኑ ከምዘሎ ስለዝተቓልዐ ሕርቃኑን ጭንቀቱን ወሰን የብሉን። ስለዚ፣ ከምቶም ብቐጥታ ኢድ ነይሩዎም ኢሉ ሽዑ ንሽዑ ስጉምቲ ዝወሰደሎም ክተሓሓዞም ምኽንያት ኳ እንተዘይነበሮ፣ ዋጋ ልኡምነቶም ዕዳ ይጽበዮም ከምዘሎ ክፈልጡ ይግባእ።

ምስዚ ጉዳይ’ዚ ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት፣ ኢሳይያስ ንሜጀር ጀነራል ዑመር ጠዊል ናይ ገዛ ሕዩር ገይሩዎ ‘ሎ። እቲ ስጉምቲ ግን፣ ኣብኡ ዝውዳእ ኣይኮነን። ግዳያት ውጥን ኢሳይያስ ክኾኑ ዝተዳለዉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝርከቡዎም ገንሸላት ተዋዲዶም ኣለዉ።

ሚኒስተራት ነበር፣ እሱር ሓጅ ዓሊ፣ ዝዓረፈ ወለንኪኤል ገብረማርያም፣ ኣብ ወጻኢ ዝተዓቝበ ዓሊ ዓብዱ፣ ብኻብኦም ዘይሕሹ ተተኪኦም እቲ ድሕሪ ማእሰርቲ ጉጅለ 15 ዝያዳ ዝለመሰ ካቢነ ሚኒስተራት ከኣ መሊሱ ክምሽምሽ እዩ።

ሃማመተኤ ‘ውን ድሮ ተበቲኑ ‘ሎ። ብዓይኒ ኢሳይያስ ቀንዲ ጸገም ናይቲ ማሕበር፣ ከምቲ ዝድለ ኣብቲ ኣብ ኮለጃት ዝርከብ መንእሰይ ሰሊኹ ስለያዊ ስርሓቱ ዘይምስልሳሉ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብቲ ናይ ጥሪ 21 ምንቅስቓስ ገለ ካብ ኣባላቱ ተጠርጠርቲ ብምዃኖም እዩ። በቶም ድሮ ንኢሳይያስ ራሕሪሖሞ ዘለዉ ሙሕየዲን ሸንገብን ዓሊ ዓብዱን ዝተሰርዐን ዝተመርሐን ምዃኑ ‘ውን ወሰኽ ኣለዎ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ኢሳይያስ ነዚ ዝሓለፈ ዓመታት ንህዝባዊ ግንባር ይኹን ከም ሃማመተኤን ይኹን ሃማደኤን ዝኣመሰሉ ሳተላይት ማሕበራቱ ስለዝተጠቕመሎም ክድርብዮም ኣለዎ። እቶም ምግልጋሉ ተመንዩዎም ላሕሊሖም ዘለዉ ውዳበታት፣ ምንቅስቓሳት ክጫጭሑን ኣብ ወጻኢ ምስ ዝርከቡ ምንቅስቓሳትን ክተኣሳሰሩን ስለዝኽእሉ ምዝራጎም ኣድላዪ ኮይኑ ረኺቡዎ ‘ሎ።

ብኻልእ ወገን ሓደ ካብቲ ምስ ኩነታት ሰራዊት ተኣሳሲሩ ንህዝቢ ግር ኣቢሉዎ ዝርከብ ኩነታት፣ እቲ ኢሳይያስ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ከካይዶ ዝጸንሐ ኣልማማ ምዕጣቕ ምልሻ ኣብ ከተማን ገጠርን እዩ። እንተኾነ፣ ነዚኣቶም ክከላኸሉሉ ኢሉ ኣይኮነን ወዲቡዎም ዘሎ።

እቶም ንዝበዝሐ ክፋል ዓመት ብትምህርቲ ተታሒዞም ዝሓግዩ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ተማሃሮ ዕረፍቶም ምስ ኣኸለ ንክረምታዊ ማእቶት ተባሂሎም ስለዝወፍሩ፣ ኣብ ግዜ ትምህርቲ ይኹን ክረምታዊ ዕረፍቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ራዳር ኢሳይያስ እዮም። ተመሃሮ 11 ክፍሊ ‘ውን እሱራት ናይ ሳዋ። እቲ ካብ 18 ንላዕሊ ማለት ኣብ ወተሃደራዊ ዕድመ ዘሎ ድማ፣ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ተጸምደ እዩ። ስለዚ ከም መቐጸለታ ናይቲ ንመላእ ህዝቢ ኣብ ወተሃደራዊ መስርዕ ኣእትዩ፣ “ትሕሉ ኣለኻ” እናበለ ንምሕላዉ ሒዙዎ ዝጸንሐ ስልቲ፣ ነቶም ካብዚ ኩሉ መጻወድያታቱ እንተስ ልዕሊ ዕድመ ኮይኖም ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዘይምልከቶም፣ እንተስ ተጋደልቲ ዝነበሩ ‘ሞ ኣብ ሰራዊት ዘይተመልሱ፣ ዝደስከሉ ወይ ከኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሚሐ ኢሳይያስ ሞሊቖም ኣብ ከተማን ገጠርን ፖለቲካዊ ዕላላት ዘንቀሳቕሱ ዜጋታት ብታዕሊምን መሳርዕን ንምቍጽጻሮም ዝመሃዞ ብልሓት እዩ።

ንነገሩ ንምንጻር ዝኣክል በቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ቋንቋ ክንዛረብ ስለዘለና እንተዘይኮይኑ፣ “መንግስትን ግንባርን” ንኢሳይያስ ፍልልይ ይብሎምን። ባህ ክብሎ ኸሎ ከም ሓደ፣ ባህ እንተዘይልዎ ኸኣ ፈላልዩ ዝጥቀመሎም ፖለቲካዊ መቋመሪ እዮም። ንሚኒስተራት ከጥቅዕ እንተደልዩ፣ ንሓለፍቲ ህግደፍ ክረሩ፣ ንኣመሓደርቲ ዞባታት ክገንሕ ክደሊ ኸሎ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ መንኮቦም ከጸግዓሎም፣ ጸኒሑ ነቲ ካርታታት ክገላብጦ ተራእዩ እዩ።

ህዝባዊ ግንባር ናጽነት ኤርትራ ምስ ኣረጋገጸ፣ ዋሕስ ዲሞክራስያዊ ህንጸት ሃገር ክኸውን ካብ ዘይከኣለ፣ ኣብ ጽባሕ ናጽነት እንተዘብቅዕ ካብ ዕዳ ምደሓነ ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎቱ ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን ክሓቅቕ ባህርያዊ ግድነት እዩ። ትካላት ወይ ውድባት ምእንቲ ሃገር ይህነጹን ይፈርሱን ይትክኡን፣ እምበር፣ ሃገር ምእንቲ ትካላት ኣይትዓኑን እያ። ኢሳይያስ ግን ንኤርትራ ምእንቲ ውድብ ‘ውን ዘይኮነ ምእንቲ ወልቀ ነብሱ ሃደሽደሽ ኣቢሉዋ ‘ሎ። ኣብዚ 22 ዓመት ዘበነ ግዝኣት ኢሳይያስ ካብ ዝተፈጸመ ዕንወት እቲ ዝኸፍአ፣ ሃገርና ኤርትራ ነገራዊ ምዕባለ ዘይምጕንጻፋ ወይ ድማ ካብኡ ዝገደደ ዝነበራ ምጥፍኣ ኣይኮነን። ንዓሰርተታት ዓመታት ዘዋህለለቶ ሰብኣዊ ጸጋን ክብርታትን ባኺኑ ናይ ወለዶ ጋግ ተፈጢሩ ምህላዉ እዩ እቲ ዝዓበየ ዕዳ።

በዚ ኮነ በቲ ክትኮረሉ ዘለዎ ‘ምብኣር፣ ኢሳይያስ ንህዝባዊ ግንባር ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ መጀመርያ ከዳኽሞ ሕጂ ከኣ ከሕቅቖ ዝደለየሉ ምኽንያት፣ ምስዚ ዝተጠቕሰ ሃገራዊ መዓላ ብዝተኣሳሰረ ጉዳይ ዘይኮነ፣ ሓደጋ ብሕትውና ስልጣኑ ምዃን ስለዘየቋረጸ እዩ። ብቐደሙ ድሕሪ ናጽነት ከቐጽሎ ዝደለየ ‘ውን ኣማራጺ ፖለቲካዊ ሓይሊ ስለዘይነበሮ ተገዲዱ ደኣምበር ፈትዩ ኣይኮነን። ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ‘ምብኣር፣ ምህላውን ዘይምህላውን ህዝባዊ ግንባር ንኤርትራ መለሳ የብሉን። መንድዓት ኤርትራ ብቐንዱ ኢሳይያስ እዩ። ንኤርትራ ኣፋ ዝዓብሱ፣ ኢዳ ዝሕዙ፣ እግራ ዝጸቕጡ እናዓሰበ፣ ክጸቕጣ ክፍትን እዩ።

ማዕረማዕሪኡ ኢሳይያስ ክግንዘቦ ዝግባእ ጉዳይ ከኣ፣ ምህላውን ዘይምህላውን ህዝባዊ ግንባር ኣብ ድሕነት ስልጣኑ ዓቢ ፍልልይ ከምዘይገብር እዩ። ድሮ ነቲ ብምትላል ኣዋህሊሉዎ ዝነበረ ፖለቲካዊ ርእሰማል ሓሺሹዎ ስለዝኾነ፣  ብዝኾነ ይኹን ሜላን ውዲትን ካብ ውድቀት ከምልጥ ከቶ ኣይክእልን እዩ። ኣብቂዑ እዩ።

ብዓቢኡ እዚ መልእኽቲ’ዚ ክስቆሮም ዘለዎ ግን፣ እቶም ቅድሚኦም ብዙሓት ግዳያት ርእዮም ክንሶም ሕጂ ንርእሶም ገንሸል ኢሳይያስ ክኾኑ ተቐሪቦም ዘለዉ እዮም። ቋሕ እንተዘይልኩም ኳሕ መን ከሊኡኩም ከኣ ንብሎም። ለብሙ ኣይትቀደሙ።

ኣሰና

21 መስከረም 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • PRECIOUS BLOOD IN VAIN September 21, 2013

    Brother Suleiman Salim,

    Although you find PFDJ & President ISAIAS agreable ,I find them repulsive…but the truth should not be a casuality ,ie You were right about 4 pilots & Instructors defecting to Eritrea to joined Ginbot 7,
    I thought you were kidding, & I was being sarcastic in saying ” It was possible” the pilot that joined gunbot 7 in eritrea..their names are as follows

    1)Shaleqa Aklilu Mezene,
    2)Shaleqa Tilahun Tuffa
    3)Shambel binyam Gizaw
    4)Shambel Getu Worqu.

    I maybe Woyane´s underwear (your expression)..however the truth is the truth.

    thank you

    • Suleiman Salim September 21, 2013

      P.B.I.V,

      ” underwear ” is the favourite word of brother NO HOPE. I know that you know him very well.

  • MightyEmbasoyra September 21, 2013

    Those idiot ministers and generals will not act until it is too late. They never learn from isaya’s (Kurdid wahid”) previous evil act, at all.

  • kilite mot September 21, 2013

    Amanuel clear forecasting article as ussual.These officials who are thinking by thier bellies pls start using your brains.Iseyas can make you count the millions but he will never let u enjoy it.At least save yourself and learn from the grieving families of your comrades who are languishing in prison for decades.ezni zelewo yisima nebsu yedhin!

    • Suleiman Salim September 21, 2013

      Kilite,

      ኩሉ ሰብ ከማኻ በከብዱ ዝግዛእ መሲሉካ ብዛዕባ ከብዲ ትዛረብ ኣሎኻ።
      እቶም ጀጋኑ መራሕትና ንሃገሮም ኣሕሊፎም ከም ዘይህቡ ከዛኻኽረካ ይፈቱ። ናብ ሃዋሳ ክትከይድ እንኮለኻ ከብድኻ ስጋዕ ትዝቕብብ ክትፎ ( ካብ ሓው በላይ ነጋ ዝወሰድክዋ ቃል ) ክትበልዕ ከይትርስዕ ሓደራኻ። ክትፎ ኩሉ ጊዜ ተረካባይ ኣይኮነን፡ ብፍላይ እኳ ናይ ብጥርሑ ምስ ዝኸውን።

      • MightyEmbasoyra September 22, 2013

        Salim,
        I can slightly understand those idiot women who like the Kurdid Nic, but what I can’t imagine to see any decent men who like him.
        By any chance, do you live in San Francisco?
        Just saying.

  • oromay September 21, 2013

    You must be a naive person who cannot read the realities as they are. Do you think 4 defected pilots would shake up the Ethiopian Government?. To tell you the truth, Ginbot 7 and its leader are the most hated group decaying overs years without slightest success. They are simply getting handouts like forgotten refugees in Eritrea.

    • Suleiman Salim September 21, 2013

      ” without slightest success. ”

      Oromay,

      Patience, patience!!

  • Kombishtato September 22, 2013

    assena.
    This is well said. As you alluded in your well written essay, Issias will purge the entire Hgdef in the name of “fresh blood”. The old guard of Hgdef and the former EPLF will be discarded because they know too many secrets. He needs more Sophias and Gideons.

    Assena said: “ኢሳይያስ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ እንተዝነብሮ፣ ቅድሚ ኹሉ ንርእሱ ክእለ ነይሩዎ። ሓደ ኣካል ጥራይ ዘይኮነ ብቐንዱ መራሒ ህዝባዊ ግንባር ስለዝነበረ፣ ካብቲ ውድብ ንላዕሊ ዝመሽሞሸ ንሱ እዩ ነይሩ። ኢሳይያስ ግን ናይ በይኑ ዓለም እዩ ዘለዎ።”

    • Suleiman Salim September 22, 2013

      Kombi,

      በቲ ሓደ ሸነኽ ለውጢ ደልየ ትብል በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ለውጢ ክገብሩ እዮም ኢልካ ትሹቕረር። መርገጽካ ኣነጽር።

      ሓድሽ ደም ክነተኣታቱ ኢሎም ነቶም ናይ ቀደም ክጻጽይዎም እዮም ኢልካ ኡይ ምባል ነውሩ እዩ። ነቶም ናይ ቀደም ክትጸልእ ጸኒሕካ ሕጂ ከም ሓላዩ መሲልካ ክትቀርብ መልክዕ የብሉን። ነቶም ክሰርሑ ዝደልዩ ግደፎም በቲ ዝፈልጥዎ ይስርሑ።

  • Semhar September 22, 2013

    – The Eritrean people are beginning to realize that there is no point in waiting for the regime to reform itself — that it needs to be overthrow.
    This is the moment we must come together to save our land and our people.

    Let freedom ring in Akeleguzay!
    Let freedom ring in Barka!
    Let freedom ring in Denkel!
    Let freedom ring in Hamasien!
    Let freedom ring in Sahil!
    Let freedom ring in Semhar!
    Let freedom ring in Senhit!
    Let freedom ring in Seraye!

    Let freedom ring in ERITREA!

    Let freedom ring allover Eritrea!
    Let’s LIVE FREE OR DIE with dignity.
    Our martyrs did not die to crown the tyrant.
    We must reclaim our flag, our constitution, Highi Indaba, our land (our original provinces), our people,

    • ቐኒናስ ዘይንሰምዖ የሎን September 23, 2013

      “ብዘመነ-ውቤ ዝጸመመስ፣ `ዝባን-ውቤ´ ክብል ይነብር” በሉ´ኸ ቀዳሞት!

  • Hagerawi September 22, 2013

    Bravo Assenna, very precise and upto date analysis… Keep it up brother, dont forget that ”the brave persons are always very few” in every society..

  • Beyane wedi mendefra September 22, 2013

    ዕለት 18.09.2001 አብ ኤርትራ እታ ረዛን መዓልቲ ኢያ። እዛ ዕለት ፍትሒ ዝተዓመጸጸላ ምልኪ ዝነገሰላ ዕለት ኢያ። ትማሊ 18.09.13 አብ መላእ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ካብ አስመራ ብመሰረት’ቲ ሓበሬታታት፣ መጠን ናይቲ ምንቅጥቃጥ መሬት 5.0 ሬክተር ክኸውን ከሎ ስሜናዊ ምብራቕ ካብ ኣስመራ 70 ኪሎሜተር ካብ ባጽዕ ከኣ 18 ኪሎሜተር ርሒቐ እዩ ኣጋጢሙ። እዚ ኩነታት ዘጋጥም ዘሎ ድማ እቶም ምእንቲ ሃገሮም ንእስነቶም ዘብለዩ ጀጋኑ ኤርትራውያን አብ ትሕቲ መሓዩር ዝተአሰሩላ መዓልቲ ንመበል 13 ዓመት ንዝክረሉ ዘለና እዋን ብምኻኑ ኢዩ። አብዚ መዓልቲ እዚ ናይ መሬት ምንቅጥቃጥ ምፍጣሩ መለኾታዊ ሓይሊ ካብ ከርሲ መሬት ኤርትራ አብዛ መዓልቲ ምስምዑ ተኣምራት ኢዩ።፤ ብኻልእ መንገዲ ድማ እዚ መሬት ምንቅጥቃጥ አጋጢሙ ዝብሃለሉ ዘሎ ቦታ ድማ ካብቲ እቶም ጀጋኑ ዝተሓየሩሉ ቦታ ዒራዒሮ ዘይርሕቕ ምኻኑ ኢዩ። ትማሊ አብ መላእ ኤርትራ ከም ዓብይ መለኾታዊ መልእኽቲ እዚ ምልክት ምንቅጥቃጥ መሬት ህዝቢ ይዛረበሉ አሎ። እቲ መለኾታዊ መልእኽቲ ነብስና ንኽንሓትት ዘዘኻኽር ኮይኑ፤ ብዓብዩ ነገር ድማ አብ ህዝብና ኣብ ርእሲ እቲ ህግደፍ ዘብጽሓሉ ዘሎ ጉድኣት ተወሳኪ ጉድኣት ደይምስዓቡውን ፈጣሪና ምሳና ከምዘሎ ዘረጋገጽናሉ ኢዩ።

    ትማሊ ነዚ ፍጻመ እዚ ቴቪ ኤረ ከምዘይርኣየቶ ክትሓልፍ ዘይክኣል ስለዝነበረ ድማ ምስ ክኢላ ስነ-መሬት ዶ/ር ገብረብርሃን ዑቑባዝጊ ቃለ ምልልስ ክትገብር ተገዲዳ። እንተኸነ ግን ነቲ ሓቂ ክትምጥዝዝ ኢላ አብቲ ሕቶ ቃለ መሕትት አብ ብዙሕ ሃገራት ብሓንሳበ አጋጢሙ ከምይ ኢዩ ኢላ ምስ ሓተቶ ዶ/ር ገብረብርሃን ዑቑባዝጊ ድማ እዚ ዘጋጠመ አብ ኤርትራ ጥራሕ ሙኻኑ አብ ካልእ አካባቢ አጋጢሙ ትብልዊ ዘለኹም ንዓይ አይተረድአንን ኢሉ መለሰሎም። ዶ/ር ገብረብርሃን ዑቑባዝጊ እቲ ሕቶ ንምንታይ ከምዝተሓተተ ዘተረድኦ አይመሰለንን። እቲ ሕቶ እኮ ነቲ ኩነታት ምስ መዓልቲ ምእሳር ጉጅለ ጅ15 ህዝቢ ከይተኣሳስሮ ነቲ ነገር አብ ኩሉ ዘጋጠመ ንምንሳል ንምጥመዛዝ ምንባሩ ስለ ዘይስተውዓለሉ ወይውን ምሁራዊ ሓላፍነቱ ንኽፍጽም ነቲ ሓሶት ነጺግዎ ክኸውን ይኽል ኢዩ። እዚ መሬት ምንቅጥቃጥ ነቶም አብ ዒራዕሮ ብዘይ ፍትሒ ን13 ዓመት ተአሲሮም ዘለው ጀጋኑ ናቱ መልእኽቲ አማሕላሊፉሎም ክኸውን ተስፋ ይገብር።

    ብኻልእ ሸነኽ ድማ ለንቅነ አብ እምባትካላ ካብ 16-19 መስከረም ውልቀመላኺ ኢሳያስ አፍወርቅን ሓጎስ ክሻን ንሓለፍቲ ቤት ጽሕፈታትን አመሓደርቲ ዞባታትን ን/ዞባታትነ ናይ ተሰፋ ምቑራጽ ናይ መወዳእታ ‘ዳግመ ወደባ አብ ኩለን ቤት ጽሕፈታ መንግስትን ማሕበራትን’ ክገብር ምኻኑ ሰፊሕ ሰሚናር የካይድ ስለ ዘሎ እቲ ናይ መሬት ምንቅጥቃጥ ብርቱዕ መጠንቀቕታን ስንባደን ፈጢሩሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝብል አመለኻኽታ አሎ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ህዝቢ ሎሚ ዶ ጽባሕ ይጠፍኣልና ኢሉ፤ ብዘይምስልካይ አብ ጸሎት እንከሎ ንሱ፤ ሓድሽ አወዳድባ ብምግባር ገና ንኤርትራ ናይ መጨርሽታ ዕንወት ከብጽሓላ ይሰርሕ አሎ። ሎሚ እቶም አብ ዝልዓለ ናይ ስልጣን ጽፍሒ ዘለው አባላት ህግደፍ እቲ ዝንኣሰ ወዲ 68 ዓመት ኢዩ። ናይ ምትኽኻእ መስርሕ ዘየለወሉ ብወልቀ ሰብ ትውነን ሃገር ሓንጊጥና አለና። ብሓቂ ድማ በብቑሩብ ሰብ ውሓደ ከምዝብሃል ፈጣሪ ባዕሉ ይአልዮም አሎ። ኢሳያስ ግን ሺሕ ዓመት ዝነብር ይመስል ሃገርን ህዝብን አብ ምፍንጣሕን ምብራስን ስጋብ ናይ መወዳእታ ትንፋሱ ይሰርሕ አሎ። ኮረኔል መንግስቱ ሃ/ማርያም ልክዕ ከምዚ ሕጅ ኢሳያስ ዝገብሮ ዘሎ አብ መወዳእታ ናይ ውደቀት ግዜኡ ዳግመ ውደባ ብዝብል ንኸም ፍስሃ ደስታ፡ ፍቅረስላሴ ወግደረስ፡ ደበላ ዲንሳ ዝኣመሰሉ አዝዮም ላዕለዎት ሰበስልጣን ብስም ጡሮታ ብምፍናው ናይ ቁጠባ ለውጢ ክገብር ምኻኑ እናግዓረ ህዝቢ ድማ ሎሚ ዶ ጽባሕ ይኸደልና ኢሉ ጸሎት ዘገብረሉ ግዜ ኒሩ። ከምቲ ጸሎት ህዝቢ ድማ አብ ውሽጢ እቲ ክልተ ዓመት ተቦንቂሩ ከይዱ። እዚ ናህና ናይ ንጽሃት ደም ደይጸገብ ድማ አብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ሓደሽቲ ሚኒስተራት አዘዝትን ከርኢና ኢዩ። አብ ኤርትራ ብጀክኡ ኩሉ ክትካእ ከምዝኽእል ንልዕሊ 40 ዓመት ካብ ሜዳ ጀሚሩ ከርእየና ኢዩ ጸኒሑ። እቶም ሕጅ ክድርብዮም ዘዳለዎም ዘሎ ከይቀደሞም ከሎ አብ ጎኒ ህዝቦም ኮይኖም ክቕድምዎ ድማ ግዜ ከይሓለፎም ከሎ ክበራበሩ ይግባእ።

    ጽንዓት ነቶም አብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ዝርከቡ ጀጋኑ ኤርትራ አብ ጎንኹም ጠጠው ክንብል ኢና። ብዝተኻአለ መጠን ርክብኩም አብቲ መ ዓስከራት ብዝሓሸን ዝተወደበን ግበርዎ። ካብ ደገ ንሕና ንድግፈኩም ናይ ፋይናንስ ይኸውን። ሓይሉኹም ግን አብ መ ዓስከር ዘሎ ህዝቢ ልዕሊ 80፣000 አብኡ ንኸስ

    ኩል ግዜ ንዛረቦ ነገር ምስቲ ሒዝባዮ ዘለና ጉዳይ ድዛምድ ክኸውን ይግባእ

    ስመር ሩም ሓይል ሩም ኢዩ። ንበዓል መስከረም ሃተፍ ተፍ የብሎም አሎ። አምቼ ምሳኻ አለና ጀግና ወዲ ጀግና

    ኣምቸ፡ ብኸመይ ክንረኽቦምን ንኽእል ንኽንሕግዞም ፤ ክንሕግዞም ንኽእለሉ መንገዲ ክፍጠር ይግባእ

    እዞም የሕዋትና ድጋፍና ኩሉ ገንዘብ ጥራሕ አይኮነን ዝኸውን። ሞራል። ስልጠና። ጎስጓስ ምሕጋዝ እቲ ዝዓበየ ነገር ኢዩ። አብ ቅደሚና ዘሎ ጸላኢና ህግደፍ ነቶም ዓያሹ ክልብሙ ተሰፋ ዘይብሎም አከቢቡ አብ ሓደ መርከብ ሰለዘሎ። እታ መርከብ ስጋብ ትጥሕል ብሓንሳብ ክንሰርሕ አለና።

    • Suleiman Salim September 22, 2013

      ኣንታ ሓውና ነዚ ናይ ተፈጥሮኣዊ ተርእዩ ዝኾነ ምንቅጥቃጥ መርየት ስለምንታይ ዘይትርጉሙ ክትህቦ ትፍትን?

      ብዙሕ ከኣ ነዲርካ ኣይትዛረብ ኣብ ዘይጸገምካ ከይትኣቱ።

      ጉዳይ ሃገር ንከም በዓል ንስኻ ዝኣመሰሉ ጎዶሎ ልብን ጎዶሎ ንቕሓትን ዝኾኑ ፍጥረታት ዝምልከት ከም ዘይኮነ ክትፈልጥ ኣሎካ።

      ሰባት ኣብ ነንሕድሕዶም ናይ ክእለት ፍልልይ ከም ዘለዎም ኣስተብሂልካ ዓቕምኻ ፍለጥ።

  • modoshto September 22, 2013

    ስለሰይጣን (ስሌማን) ነብሲ ፥ ክኢላ ምሕጻብ ካልሲ፥
    መጀምርያ ኣብ ጫፍ ደረት ንቕሓትካ በጺሕካሉ ኣብ ዘለኻ ዕድመ ኣብ ክንዲ ሓሳባት ምጽሓፍ ትፋእ ምትፋእ ኣቃሪጾ ክብለካ እደሊ። ልክዕ’ዩ ግዳይ ሃጸይ ዮሃንስ ብምኻንካ ኣብ ውሽጢ ቆር ልብኻ ምስ ደለይቲ ለውጢ ዘይኮነስ ምስ መስቀልን ዘመድ መስቀልን ዩ ጽልእኻ። ማይ ድጋም ተሓጸብ ናይ ስዑዲ ዓረብ ጋኒን ኣትዮካ ስለ ዘሎ። ንብዙሓት ከም’ዚ ናትካ ዩ ዝገብሮም። ትማሊ ትማሊ ምምጻእ ሳሞራ ዮኑስ ኣብ ስልጣን ኣብ ኢትዮጵያ መወዳእታ ተኣምር ከርእየና ዩ ክትብል ጸኒሕካ፡ መቐጻልታ መሓመድ ግራኝ ክትብል ጸኒሕካስ ኮር ተገልበጥ ጌርካዮ። ኣነ ግን ዚገርመኒ እቶም ከይፈለጡ ዝምልሱልካ ኤርትራውያን ዮም። ንስኻ በዓል ዕላማኻ ኢኻ። ህግደፍ ነጽዩ ዝገደፋ ኤርትራ ክትጋሃድ ሞ ዳሕራይ ኣብ ክንዲ ዑቑብ ወደ-ባት ክትከውን። እታ ሕልሚ በዓል ሙስጠፋ ሒዞማ ከይዶም። በቃ! በጃኻ ግደፈና ፡ ጉዳይና ንኤርትራውያን ዩ ዝምልከት። ንመንግስቲ ኤርትራ ትሕግዞ ዘለኻ እመስለካ እከውን፡ ግን ማዕረ ሕስረትካ ሕስረት ኢኻ ትውስኸሉ ዘለኻ። ማዕረ ድንቁርናኻ ዝምዘን ሓመድ ድንቁሩና ኢኻ ትድብድቦ ዘለኻ። ኣብዛ ህሞት’ዚኣ ከምዚ ናትካ ዓይነት ሰባት ኣየድልዩዎን ዩ ንዓምና። ኣይፈለጥካያን ኣለኻ እታ ትድለ ዘላ ርእሲ። ምነገርናካ ግን እታ ክንዲ ዑንቂ ትኸውን ፍርቃ ድማ ጨው ዝተዘርአት ሓንጎልካ ነቲ ሓበሬታ ኣይትስከሞን ያ።

    ኩሉ ሰብ ኣብዚ መርበብ ክሳተፍ ከሎ ንመትከላት ህዝባዊ ግንባር ዝጻባእ ጥራይ ከይመስለካ። ኣብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረዳእታ ንምብጻሕ ኢሉ ዝሳተፍ ውን ኣሎ። ምኽንያቱ ንዝኾነ ናይ ብሓቂ ሃገራዊ ኤርትራዊ (ብደምን ብኣበርክቶን) ማለተይ የ። ገሊልካ ዝኸውን ለውጢ የለን። ዶብና ክሕንጸጽ፡ ስደት መንእሰያትና ደው ክብል፡ ሃብቲ ባሕርና ክንምዝምዝ፡ ጥሜትን ድንቁርናን ክነጥፍእ፡ ሕግን ስርዓትን ፍትሕን ዘረጋግጹ ትካላት ክንዘርእ ግዜን መድረኽን ኣቃልቦን ናይ ኩሎም ኤርትራውያን አድልየና ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ስደት። ካብዞም ዝጠቐስክዎም ዕድላትን ብድሆታትን ካኣ መን ቅድሚ መን ክመጽእ ኣለዎ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ዩ። ኣነን ንስኻን ንምልሶ ጥራይ ካኣ ኣይኮነን። ዛዕባን ሓላፍነትን መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ዩ። ንስኻ ኤርትራዊ አንተዳኮይንካ ብሓቂ፥ ብንጹህ ልቢ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ንዝድለ መድረኽ ኣበርክቶ ግበር። እምበር ንስኻስ መን ኮይንካ ኢኻ ሞ ንበይና ኣንጻር ዛ ኩላ ሓሳብንሓስብን እናተለዋወጠት ኣብዚ መድረኽ’ዚ ትዝቲ አርትራዊ ደው ክትብል። ዘላፊ ኣይትኹን፥ ኣነኣኣሲ ኣይትኹን፡ ኣብ ክንዲ ንስርዓት ካኣ ንሃገርን ህዝብን ኣቐድም።
    እንተደሊኻ ኣብ ጉዳይ ዶብን ኣፈጻጽምኡም ሓኒቕካ ሓዘኒ፡ ክብርታት ገድሊ ሓበንና ስለ ዝኾነ ንኸይብለል ጸቒጥካ ኣረድኣኒ። ንውልቀ-ሰባትን ንዝመረጽዎ ስልትን ቅድን ኣመራርሓ ግን ብፍረኡ ዳኣ ኪዶ’ምበር ሓወቦኻ ኣብ ስልጣን ስለ ዘሎ ወይ ምስ ጎረቤትካ ባእሲ ስለ ዝኾንኩም እሞ ኣንጻሩ መርገጺ ክሕዝ ኢልካ ኣይትዛረብ።

    እታ ቀንዲ ትገርመኒ ካኣ ንሳሞራ ዮንስ ከም ናቱ ሰብ ጌሩ ዝርኢ ዝነበረስ ሕጂ ተሓላቂ ህግደፍ ክኸውን ምፍታኑ ዩ።

    ምናልባት ኤርትራዊ እንተዳኣኮይንካ ወይ ድማ ጽቡቕ ኣበርክቶ ብምግባር ካብ ኤትዮጵያዊ ናብ ኤርትራዊ ክትቅየር ትሓስብ እንተዳኣ ሃሊኻ ግን እታ ኣገባብ ተጋጊኻ ኣለኻ። ብዙሓት ኣለዉ ኣብ ዝላዓለ ስልጣን ዝበጽሑ ነኣካይድኦም ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። ንጉዳይ ኤርትራ ግን ኩሉ ኤርትራዊ ምስ መስዋእቲ አሕዋቱን ስድርኡን፥ ምስ ታሪኽ መኸተ ኣቦሓጎታቱ፥ ምስ ርስቱን ክብረቱን ኣተኣሳሲሩ ከም ዝርእዮ ፍለጥ። ከምዚ ናትካ ኣይኮነን። ጫፈጫፍ ብዘለፋ ምጭፍጫፍ። እስከ ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ ፡ ሓቂ ተዛረብ፡ ምስ ውሽጥኻ ተዛረብ፡ ክንደይ ካብ ቤተሰብካ ምእንቲ ዛ ናጽነት ወዲቖም (ኤርትራዊ እንተዳኮይንካ ማለተይ የ) ። ክንደይ ኣለዉ ዝዘኽተሙ ቆልዑ ካብ ስድራኻ? ሕጅስ እቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝዛረብሲ ፍሉጥ ዩ። እቲ ብልቡ ዝዛረብ። ተዋሳኣይ ኣይትኹን ሓቢቢ። ኩሉ ኤርትራዊ ብህዝባዊ ግንባር ከም ዝሕበን፡ ሕዝባዊ ግንባር ንባህሊ መኸተ ሓፋሽ ህዝቢ ዓጢቑ ዝተዓወተ ውድብ ምኻኑ ተረዳእ። ገዛእ ርእሱን ታሪኹን ከናሹ ዝደሊ ህዝቢ ከም ዘየለ ተረዳእ። ኣይተቕጸልጽል። ብዙሕ ሰብ ኣብዚ ግዜ’ዚ ብሰንኪ ዋሕዲ ሓበሬታን ዋሕዲ ግሉጽነት ኣብ ኣካይዳን ንመርሒነት ህዝባዊ ግንባር ይጥርጥሮ ኣሎ። በብናቱ መንገዲ ይከታተልን የጽንዕን ኣሎ። ክቡር ህዝባዊ ግንባር ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ክህሉ ኢና ንደሊ። ስለዚ ኣይተቕጸልጽል።

    • ቐኒናስ ዘይንሰምዖ የሎን September 23, 2013

      modoshto፡
      “ኩሉ ኤርትራዊ ብህዝባዊ ግንባር ከም ዝሕበን፡ ሕዝባዊ ግንባር ንባህሊ መኸተ ሓፋሽ ህዝቢ ዓጢቑ ዝተዓወተ ውድብ ምኻኑ ተረዳእ። ”

      ወርጃ ዘረባ !