Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወይለኹም

Fessahaye Mebrahtu   ወይለኹም ድኣምበር ንማዕዳ ትጸሙ ኪወግሕዩ ኪበርህ ከም ቀደሙ ኪግንጸልዩ መዝገብኩም ብቝሙ ኪዝርዘር’ዩ ተግባርኩም ብስሙ ወይለኹም ግን ተንኮል እትኣልሙ ሰላም ኢልኩም ንጥፍኣት ተዚሙ።   “ኣመልኩም ዘይትሓድጉ ደቂ ድሙ” ሃጠው ቀጠው ሓሶት እትለቕሙ ሓቂ ንምኽዋል ኃውኩም እትዓሙ ኃው ክተጥፍኡ ሓዊ ‘ትኸዝኑ ፈርሱ ትንጸፉ ትርኣስ ኣስካሬኑ የእዊሎ ይጠርዓልኩም ደሙ ባዕሉ

Fessahaye Mebrahtu

 

ወይለኹም ድኣምበር ንማዕዳ ትጸሙ

ኪወግሕዩ ኪበርህ ከም ቀደሙ

ኪግንጸልዩ መዝገብኩም ብቝሙ

ኪዝርዘር’ዩ ተግባርኩም ብስሙ

ወይለኹም ግን ተንኮል እትኣልሙ

ሰላም ኢልኩም ንጥፍኣት ተዚሙ።

 

“ኣመልኩም ዘይትሓድጉ ደቂ ድሙ”

ሃጠው ቀጠው ሓሶት እትለቕሙ

ሓቂ ንምኽዋል ኃውኩም እትዓሙ

ኃው ክተጥፍኡ ሓዊ ‘ትኸዝኑ

ፈርሱ ትንጸፉ ትርኣስ ኣስካሬኑ

የእዊሎ ይጠርዓልኩም ደሙ

ባዕሉ ኪረትዓኩም ዘይተቐብረ በድኑ

“ሓቂ ኣይስበርን ዓቢሩ ቀጢኑ።”

 

ስቓይ ሓላፊ’ዩ ኣእኪሉ እዋኑ

ፍትሒ ኪጥጥዕዩ በጺሑ ዘበኑ

ሰብ ምዉት ኅልና መሻኪን ተሕዝኑ

ሕዝቢ ኪቐስን ንስኹም ክትቀዝኑ

ርእሲ ግፉዕ ኪቐንዕ ንስኹም ክትደኑ።

 

ደም እትዓለሰ ማቕ ክትክደኑ

ብፍርዲ ኅሊና ኃጢኣትኩም ክትኣምኑ

እከይኩም ዘቃልዕ ካብ ብርሃን ክትሃድሙ

ኪወግሕዩ ኪጸብሕ ከም ቀደሙ

ወይለኹም ድኣምበር ተንኮል እትኣልሙ

ምስጢርኩም ኪግሃድ በጺሑ እዋኑ።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde December 8, 2018

    Sometimes things got to go their course like the cold virus,that includes giving immunity to the host,it is a matter of when for these cold blooded reptiles before they stand trial in front of the Eritrean people- the day of reckoning! “weilekum”! beautiful poem Fessahaye.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply