Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወያ ቡርኩታስ ግድን እምኒ ኣላታ!

ወያ ቡርኩታስ ግድን እምኒ ኣላታ!  20.04.17፡ ብዕለት 16 ናይ’ዚ ወርሒ’ዚ’ዩ ነይሩ ብድምጺ ኣሰና መስዋእቲ ናይ’ዛ ብዕለት 13.04.17 ዝዓረፈት ሓርበኛ ተጋዳሊት ም ሕረት ኢዮብ ተኹሉ ዘሕዝን ዜና ዝሰማዕናዮ። ምኽንያት መስዋእታ ድማ ብዝነበራ ሕዱር ሕማም ምዃኑ ክግለጽ ቀንዩ

ወያ ቡርኩታስ ግድን እምኒ ኣላታ!  20.04.17፡

ብዕለት 16 ናይ’ዚ ወርሒ’ዚ’ዩ ነይሩ ብድምጺ ኣሰና መስዋእቲ ናይ’ዛ ብዕለት 13.04.17 ዝዓረፈት ሓርበኛ ተጋዳሊት ም ሕረት ኢዮብ ተኹሉ ዘሕዝን ዜና ዝሰማዕናዮ። ምኽንያት መስዋእታ ድማ ብዝነበራ ሕዱር ሕማም ምዃኑ ክግለጽ ቀንዩ ። እንተኾነስ ሕጂ’ውን ብድምጺ ራዲዮ መድረኽ ዝተፈነወ ዜና ከምዝሕብሮ ሓርበኛ ምሕረት ካብቲ ትሰርሓሉ ዝነበረ ት ህንጻ ናብ መሬት ብምዝላል ርእሰ-መስዋእቲ ከምዝ ፈጸመት ድሕሪ ምግላጽ ከምዚ ዝስዕብ’ውን ወሲኻ፦

“ . . . . ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ናብ መንበሪ ገዛ ሓርበ ኛ ምሕረት ብምምጻእ ንኩሎም ኣባላት ስድራ-ቤት ም ሕረት ምኽ ንያት ሞት ተጋዳሊት ምሕረት ኣብ ዝሕተ ቱሉ እዋን ብሕማም ምኽንያት ምዃኑ ክገልጹ መምር ሒ ሂቦሞም። ሻቡ ድማ መንበሪ ቤት ተጋዳሊት ምሕ ረት ማእለያ ብዘይብሎም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ሓ ለፍቲ መንግስትን ግንባርን ከምዝመል አት ተሓቢሩ። መርድእ ዜና ተጋዳሊት ምሕረት ‘ብድንገታዊ ምኽንያ’  ዝብል ተዳልዩ’ኳ እንተነበረ ብትእዛዝ ቤት ጽሕፈት ፕ ረሲደንት ማዕከናት ዜና ኤርትራ “ተጋዳሊት ምሕረት ብ’ዝሓደራ ሕማም” ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክትሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 65 ዕድመኣ ተሰዊኣ” ዝብ ል ኮይኑ ክቐርብ መምርሒ ተዋሂቡ።

ሓርበኛ ተጋዳሊት ምሕረት ብሰንኪ ኣሳቕዩ ዝቐተላ መንግስቲ ኤርትራ ደጊሙ ብማዕከናት ዜናኡ ገይሩ ‘ብምኽንያት ሕ ማም ተሰዊኣ’ ምባሉ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ተጋዳሊት ምሕረት ዝፈረዶ ካልኣይ ሞት ምዃኑ መጋድልታ ገሊጾም።” . . . . . . . ክትብል ፈነወቶ።

መቸም ዝኾነ ዜና ንኣፍልጦ ኢዩ ዝፍኖ። እንተ ዓይነቱ ግን ገሊኡ መግለጺ ሓቀኛ ፍጻመ ክኸውን እንከሎ ገለ’ሞ ኮነ ኢ ልካ ከዛርብን ክዉን ፍጻመ ክጥምዝዝን ከሀውትትን ምእንቲ በቲ ሓቀኛ ፍጻመ ተኸዊሉ ከምዝስራሕ ጭቡጥ’ዩ። ስለኡ እዚ ናይ ሎሚ ዜና’ውን ንዝሓለፈ ኣዘኻኺሩ ንዝመጽእ ስለዘጠንቅቕ እስከ ገለ ካብ ተሞኩሮታትና ድማ ክንቖናጥሮ።

ዕረፍቲ ሓርበኛ ብጸይትና ምሕረት እንታይ’ዩ’ቲ ጠንቁ? ሓንሳብ ብሕማም ምኽንያት፣ ደጊሙ ብድንገታዊ ምኽንያት፣ ሰ ሊሱ ብዝሓደራ ሕማም፣ ረቢዑ፡ ብርእሰ መስዋእቲ፣ ከምዝሓለፈት ካብ ተፈነወ ኣየናይ’ዩ’ቲ ቁኑዕ ዜና? ምሕረት’ኮ ሓን ሳብን ንሓዋሩን’ያ ተፋንያ። ንሕና ደቂ “ምዉት ኣይክሰስን”ከ ፈነወኣ ብከመይ’ዩ ክጸባበቕ ወይ ክመራሳሕ ኣድልይዎ? ንነ  ገሩ ካልእ ምኽንያትን ኩነተ-ፍጻመን መስዋእቲ ብጸይቲ ምሕረት ከምዝህሉኸ ትግምቱዶ?

ክውስኸሉ፡- ብቀዳምነት ምሕረት ምስ ስድራኣ ብዛዕባ’ቲ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ በዓል-ቤታን ካልኦት ግዳያትን ከተዕልል  ከምዝሓደረት ብከመይ ተፈሊጡ? ብተወሳኺ ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸመት ርጉጽ እንተኾይኑ፡ ጠንቂ ሕልፈታ ብዛዕባ’ቲ ዝተጠቕሰ ስድራ-ቤታዊ ግዳይነትን ብሓፈሻኡ በቲ ወሪድና ዘሎ ሃለዋትን ምዕላላ ክኸውን ይኽእልዶ? ከምዝኾነ እንተተ ገሚቱ’ሞ ሕዱር መግዛእቲ ህግደፍ ሓንሳብ ስለዝተጻወረቶ መዓልታዊ ቁዛመኣ’ምበር ምስ ደቃን ወላዲታን ኮይና ክትደ ጋግሞ ምሕዳራስ ከመይቢሉ ኣብ ሽዑ በጺሑ ሓዲሹዋን መንፈስ ሞት ኣስሪጹ ናብ ጸድፊ ክትነፍጽ ቀሲቡዋን? . . . . .

ዶስ እቲ ዕላል ደረቱ ስለዝሓለፈ ከምቲ ግዜ ዝወለዶ ውልቃውነትን ጥልመትን፡ ብገዛእ ቤታ፣ ደቃን ወላዲታን ተኻዒባ ዝተዛረበቶ ከየብጽሑላ ሰጊኣ? ወይ’ውን ካድረታት ህግደፍ ድማ ዘይጣበብዎ ስለዘይብሎም፡ ይኹን ኣይኹን ብቅንያቱ ሓድሽ ዜና መስዋእቲ በዓል-ቤታ መም/ር በራኺ ገብረስላሰ ሓሽሊኾሙላ እንተኾይኖም፡ ገዝኣ ዓጽያ ምስ ደቃ ክትነብዕ ስለዝሓደረት ንጽባሒቱ ምጻሩ ስኢና? ምናልባሽ’ውን ሕልፈታ ግድን ከምቲ ዝሰማዕናዮ እንተኾይኑኸ ኣማውታ ክንመር ጸላ’ኳ እንተዘይመዓረ ግና ብጸድፍስ ኣይእወን። እታ ሚ/ሪ ዜና ነቲ ፍጻመ ብዘለዎ ክንዲ ምቕራቡ ብ”ድንገት” ኢላ ምግ ላጻኸ ግጉይ ዲዩ?” ዶስ ብጉልባብ “ሕዱር ሕማም” ዝተገብረ ውዲት ኣልዩ?” ኢልካ’ውን ክሕሰብ ይከኣል።

ዝኾነ ኮይኑ እቲ ክተሓላለኽ ዝተደለየ ዜና ከምቲ ዝተደለየ ኣይተሓላለኸን። ከምቀደሙ’ውን “ሃንደበታዊ ሞት” ኣይተጠ መቐን። ወይድማ ብከምታ ደጋጊምና ዝሰማዕናያ ”ስትሮክ” ትብል ቃል ኣይተሰንዐትን። እንተኾነስ ሕጂ’ውን ገና ሕቶ ኣ ሎ። መስዋእቲ ሓርበኛ ምሕረት ካብ ፓላሶ ጸዲፋ ርእሰ-ቅትለት ከምዝፈጸመት ዘርድእ ዜና ካብ ሰማዕናስ ንምንታይኮን  ይኸውን ግዜያዊ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ”ብዝሓደራ ሕማም” ተባሂሉ ክቐርብ ኣዚዙ?” ዝብል ሕቶ።

መስዋእቲ ምሕረት ብኩሉ መንጽሩ ክጥመት ኪኖ’ቲ ብጾታ ዝበሉዎ ብርግጽ ድርብ መስዋእቲ’ኳ ክውሕዳ! በቲ ሓደ ብ ጉዳይ ነብሳን መጻኢ ዕድል ደቃን፡ በቲ ካልእ በቲ ግዜ ዝወለዶ ስዉር ረኽቢ ተነውኒዋ ንሕዩር በዓል ቤታ ከይትጠልም ብዘርኣየቶ ጽንዓት፡ በቲ ሳልሳዪ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝወረደ ጥልመትን መቕዘፍትን፡ ኮታ ኩሉ መከራታት’ኳ እን ተትዘራረየላ ጸገማ ከየቃልሐቶ ኣብ ሞንጎ ጸድፍን ሕማምን ቀርቂሩ ንዝቐተላ እኪት ባዕሉ ፈጣሪ ሕነኣ ይፍደየላ!

እቶም ኣብ እዋን መስዋእታ ኣሻቦም ቤታ ወሪሮም ዝፈተሹ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ዝኣከቡዎ ሰበባት ከምዝህሉ ምንም ኣየጠራጥርን። ድሮ ድማ ስልኪ ምሕረት ኣብ ትሕቲ ጠለፋኦም ከምዝነበረትን ይከታተሉዋ ከምዝነበሩን ካብተወረየ፡ በ ቲ ሓደ ግዳይነታ ቅቡል ክኸውን ከምተጠበበ ክእንፍት እንከሎ በቲ ካልእ ድማ ገና “ምስ እከለታት ዝተደዋወለቶ” እና ተባህለ ከም ጠንቂ ናይቲ ብሕጂ ዝስዕብ ደማዊ ነገር ክኸውን ተወጢኑ ከምዘሎ’ውን ዝሕብር ተወሳኺ ዜና ይመስል።

ዝኾነ ኮይኑ ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ሰራቕ ሞባእ ባዕሉ’ዩ ዝለፋለፍ። ንዜናዊ ፖሊሲ ህግደፍ ብጥቕሉል መዳዩ ክንሪኦ’ው ን እቲ ካብ ውሽጢ ዝልሑኽ ዘሎ ዜናታት በቲ ሓደ ኮነ ኢሉ ነዘን ህዝባዊ መራኸቢታት ከደናግር፡ ብኣውራኡሞ ነቲ ሓ ቀኛ ፍጻመ ንምዝንባሉ ተባሂሉ ከምዝልኣኽ ኣይሰሓትን። እዚ ናይ ሎሚ ዜና’ውን ነጸብራቕ ናይቲ ዝሓለፍናዮ ይደግም ስለዘሎ ብዉሑዱ ንገሊኡ ክንዝክሮ ስለዘገድደና’የ ኣነ ድማ “ስውእቲ ምሕረትሲ ብሓቂዶ በቲ ፓላሶ ቁልቁል ኣፋ ተነቚታ ነብሳ ቀቲላ ወይስ ቀቲሎም ሰንድዮማ?” ክብል ኣብ ሓቅነት ናይቲ ዜናን ናይቶም ጠንቂ ሞትን ኣዕሚቘ ክሓስብ ዝተገደድ ። በሉ ትማጎተሉን ትጫበጠሉን ስርዓት ካብዘይሃለወን ናብ ከምኡ ዝድርኽ ሕርኽርኽታ ካብ ወረሰናንሲ፡ እስከ ነቶም ክሳብ ሎሚ እናተደጋገሙ ዘሰልከዩና ልሉያት ጠንቂ ሞት ንጥቀሶም።

ሃንደበታዊ ሞት

እዚ ዓይነት ሞት ብከመይ ከምዝኽሰት ከይተሸገርኩ ብዙሕ እዋን ከምዘጓነፈን ዓይነቱ ድማ በቲ ስትሮክ (Stroke) ዝበ ሃል ይውከል ከምዝነበረን እዝክሮ ኢየ። ስትሮክ ቃል-ንቃሉ ‘መልመስቲ’ ክንብሎ ንኽእል። ዓይነትን ምኽንያትን መል መስቲ’ውን ኣይረሓቐናን። እቲ ዝኸፍአ ኩነተ-መቕዘፍቲ ግዳ ብከምቲ ፎርማሊን (Formalin) ዝበሃል መድረቒ ሬሳ ንጥ ዑይ ሰብ ምስ ዝወያብ ቀጥታዊ ሞት ከምዘስዕብ ርጉጽ’ዩ። ቅመማዊ ጥበባትን ግጉይ ኣወሳስዳ መድሃኒትን ንርእሱ መል መስቲ ሃንደበታዊ ምቁራጽ ስርዓተ-ህዋሳት ስለዘስዕብ፡ እቶም ከም ሓንጎል፣ ልቢ፣ ኩሊት ዝኣመሰሉ ተነቐፍቲ ኣካላት ቅ ጽበት ስራሓቶም ስለዘቛርጹ ተጠቃዕቲ ብቀንዶም ቅጽበት ይዝልሓጡ። ካልኦት’ውን ከም ፍሊት ኣብ ኣፍንጫ ዝንፍሑ ፣ ኣብ ማይ ዝነጥቡ፣ ኮታ ብዙሓት ኣዘልሓጥቲ ጥበባት ኣለዉ። ዕምሪ ተጠቃዒ ድማ ቀጥታውን ዘገምታውን ክኸውን  እንከሎ ከከም ዓይነቱን መጠን ኣወሳስዳኡን ይውሰን።

ሓቅነቱ ክረጋገጽ ዘይከኣል ወይ ብእዋኑ ዘይጥቀስ’ኳ እንተነበረ ብበትሪ ‘ስትሮክ’ ከምዝተወቕዑ ካብ ዝሰማዕናዮም ስዉ ኣት ከም ዓሊ ስዒድ ዓብ ደላ፣ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ። ወልደሚካኤል ገብረማሪያም፣ ሳልሕ መኪ፣ ሓመድ ስዒድባረህ ን ወዘተን፡ ኣብ ሕክምና ኣትዮም ካብዝቐሃሙ ከምእኒ ስዉእ ስዒድ ፈረጅ፣ ኮታ ተጠቃዕቲ ማእለያ ከይህልዎ ይኽእል።

ድሕሪ ሞት ዘሎ መከራኸ? ሓንሳብ ኣብ ኢድ ጥበበኛ ዝወደቐት ነብሲ ብድሕሪኡ’ሞ ብፓላሶ ክትጓሓፍ፣ ንካልኦት መታ ን ሞት ከተመሓላልፍ ክትምረዝ፣ ምእንቲ መንፈስ ህሉዋት ክትርብሽ ኮታ ነብስስ ልዕሊ ብሂወታ ብሬሳኣ ዝያዳ በደል  ክወርዳን ደጋጊማ ክትመውትን ይግበር’ዩ። ግናኸ ኣይከምቲ እናረኣኻን እናሰማዕካን ክልተ፣ ሰለስተን መመሊሱካ ሞትን!

ሓደ ዓርከይሲ ብዛዕባ’ዚ ዝብሎ ዘለኹ ከነዕልል እንከለና ክቱር ተዓጂቡ “ዋእ! ፈጣርስ ካን ብዘይካ’ዚ ስታሊናዊ ሶቬታ ዊ ቅዝፈት ካልእ ዓይነት ንቡር ሕማምን ኣማዉታን ኣይፈጠረን ዲዩ?” ዝብላ ቃላቱ ንመዋእለይ ኣይርስዐንን ኢየ።

ብሓደጋ መኪና፦

ብተመኩሮይ ንምዝራብ እቲ ቀዳማይ “ካብ መኪና ጸዲፎም” እናተባህሉ ካብ ዝሓለፉ ስዉኣት ሓደ፡ እቲ ካብ ቤት ማእ ሰርቲ ሰልኪዩ ምስወጸ ዝተመርዓወን ኣብ ሕጽኖቱ ምስ መርዓቱ ካብ መኪና ጸዲፉ ከምዝተሰውአ ዝተነግረሉን “ወዲ ወ ልዱ” ዝተባህለ ገዲም ተጋዳላይ ስዉእ ብጻይና ነበረ። ብድሕሪ’ታ እዋን’ቲኣ ነብሲ’ውን ኣብ ሓለዋ ነብሳ ተጸምደት። ድ ሕሪ ናጽነት ድማ ንጥንቁላሓሶም ሸለው ዘበሉዎም፡ ወይ ብኻልእ ጥበቦም ኣካዊኖሞም ክንሶም ከምቲ ናይእኒ ስውእቲ ወዘነት ዝኣመሰሉ ግዳያት ብወለንታኦም ምስ መኪናኦም ንቁልቁል ከምተኖቕቱ ዝተወርየሎም ኣይወሓዱን።

ካብ ፓላሶ ዝጸደፉ፦

እቲ ታሪኽ ከይነውሓኒስኒ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ውሽጢ ኤናስኣ ዝተፈጸመ መስዋእቲ ኣቦ-መንበር ነበር መበገሲ ገይረ ክጥ ምቶ፡ እናሓደረ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻትና ዝፈጥሮ ዘሎ ሞት እናበርሃለይ ምስመጸ ክሳብ መስዋእቲ ናይ’ቲ ካብ ፓላሶ ብ ምጽዳፍ ከምተሰውአ ዝተነግረና ሕልፈት ስዉእ ተመስገን ጥሒሻ ከይተረፈ’ውን ክጥርጥሮ ጀሚረ። ኤርትራውነት ኣብ ምብራስ’ኮ ንጉስ ሃይለስላሰ ይኹኑ ደርጊ ን’ተጋዳላይ’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክሕግዙን ምስጢር ክመጣጠዉን እንታይ ከየ ጸግሞም!

ንግዚኡ ስሙ ዘይዘከርኩዎ ኣብ ኣስመራ ፎርቶ ናይ እንግሊዝ ጋዜጠኛ ዝነበረ’ውን ብገዛእ ውሳነኡ ካብ መንበሪኡ ገዛ (ቃኘው) ብፓላሶ ከምዝጸደፈ’ሞ ተወርዩ’ዩ። ግናኸ ከይወዓለ ከምኡድማ ከይሓደረ ዝሰዓበ ዕላል’ሞ ባዕሎም ቀቲሎም ከምዘጽደፉዎ ዘርድእ ሕሹኽሹኽታስ ተጋውሐድኣ። እንሆ ድማ ሎሚ’ውን ስውእቲ ብጸይቲ ምሕረት ብገዛእ ውሳነኣ ካ ብ ፓላሶ ቁልቁል ኣፋ ከምተነቑተት ኮይኑ ይውረ!

ብድቁሶም ፦

ብድቑሶም ከምዝዓረቡ ካብ ዝዕለለሎም ምዝካር እንተተደልዩ ንኣብነት ጥራይ ንምጥቃስ’ውን፡ እቲ ብሩህ ኢንዱስትሪያ ዊ ኣእምሮን ተስፋ ሃገርና ዝተነብረሉን ስዉእ ሚኪኤል ፍሰሃየ ነይሩ። ካልእ ንምውሳኽ ከምእኒ “ኣልኮሊዛቶ ገባእኩ’ ይ ብል ነይሩ” እናተወርየሉ ዝሓለፈ ብጻይናን፡ ኮታ ካልእ ዝኽሪ ስዉኣትና’ሞ ኣብዛ ጸባብ ግዜ ክንደይ ክንብሎ! ናይ ብ/ር – ጀነራል መሓሪ ዑቕባዝጊ ዝተፈልየ ነይሩ። በዓልቲ ቤቱ ስራሕ ምስሓደረት፡ ብድሕሪኣ ኣብ መደቀሲኡ ዓሪፉ ከምዝሓደ ረ ምስተሰምዐ፡ ምስ ብጾቱ “ሓቂ ይሓይሽ” እናለ ክዕልል እንከሎ ኩሉ ነገራቱ ካብ መንፈሰይ ምእላይ ኣብዩኒ ነበረ።

እንኳዕ ድማ ኣብ ውሽጠይ ኣይኣተኹም! ካብ ብንጉሁኡ’ኮ ሕልፈት ናይ’ቶም እናሓደረ ብልሓታቱ ጽሓይ ዝወቕዖ ግዳያ ትና ክዝክር እንከለኹ ንመዋእለይ ዘይሃስስ ቃንዛ’ዩ ገዲፍለይ ዘሎ። ክጠቅስ፡ ናይ ወዲ ፍላንሳ ሓንሳብ ብነፋሪት፣ ሓንሳ ብ ብመድፍዕ፣ ሓንሳብ ድማ ብስልኳ ስለያ፣ . . .፡፣ ክሳብ ሎሚ ዘይትወሓጠለይ መስዋእቲ ነጋሲ ፍዚዝ’ውን ሓንሳብ ኣ ብ መገሻ (ጦፍ) እንከሎ ኣብ ድብያ ከምዘእተዉዎ፡ ካልእሳብ ምስ ብጾቱ ኣብ ኣኼባ እንከሎ ብስልዃ ተሓኤ፣ መስዋእቲ ወዲ-ሓምቢርን መኮነን ጉብጣንን፣ ከምኡድማ ፈተነ ቅትለት ሳልሕ ሕሩይ ሓንሳብ ብስልዃ ስለያ ጸላኢ፡ ሓንሳብ ምስ መኪናኡን ብጾቱን ጽርግያ ሰጊሩ ኣብ ጸላኢ ከምዝኣተወ ተመሲሉ ክቕተል ተፈቲኑ መኪናኡን ብጾቱን ተሰዊኦም በይኑ’ ኳ እንተተረፈ፡ ድሕሪ ናጽነት’ሞ ከምእኒ ማሕሙድ ኣልቀይሲስኳ ብደዎም፡ ከምእኒ ሳልሕ ግና ክእሰሩ’ዩም ዝተራእዩ።  ከምእኒ ቢተው ዝኣመሰሉ’ውን ካብ ማእሰርቲ ከምዝወጹ ተጌሩ ቅጽበት ዝተደግሙን፡ ዘእዊ ስለዘይተረኽበ ድማ ዳግማ ይ ምስ ኣተዉ ክሳብሎሚ ጠፊኦም ዘለዉን፡ ሳልሕ ሑሩይ’ውን ሓንሳብ ከምዝወጸ ተነጊሩ ከብቅዕ ዳግማይ ምስተኣስረ ብኡ ኣቢሉ ከምተሸርበ ስለዝመስለኒ ካብ ዝኽርታተይ ኣይተሓኸኸን። ኮታ ግጉይ’ውን እንተኾነ ንገበነኛ ዝኽረይ ኣነጻጺ ርኩም ከይትምንጥሉኒ ዘይኮነ ንዓይ ክጥዕመኒ ጥራይ ናይ ሃገርናን ህዝብናን ነገር “ወዘተ . . . ፡“ ኢለ ክገትኦ ይሕሸኒ።

ብሓጺሩስ ናይ’ቶም ኣብ ውሽጢ ውግእ እንከለዉ ዝተጠቑለቡ ብጾትና ታሪኽ ወላዲቶም ኤርትራ ትቑጸሮም። እንተ ብ ወገነይ ግና ናይቶም ኢሳይያስ ከይምንጥሉዎ ዝፈርሆም ዝነበረ ከምእኒ ተኽላይ ዓደን ዶኾን ቁሩብ ኣጠራጢርኒ ማለት እንተዘይኮይኑ፡ ሕልፈት ናይቲ ንኢሳይያስ ብትሕዞ ቀላሊዑ ምስ ኣዕፈሮ ኣፍ ኢሳይያስ ምሕረት ለሚናቶስ ኢብራሂም ምሕረቱ ከምዝለገሰሉ’ሞ እሰምዕ ነይረ። መስዋእቲ ኢብራሂም ዓፋን ዓይነቱን ምስተሰምዐ ግና ብድሕሪኡ ንዝነበረ መስ ዋእትታት ብኣንክሮ ክከታተሎ ከምዝጀመርኩ ታሪኸይ ይነግረኒ ኣሎ። ንኣብነት መስዋእቲ ናይ ዓሊ እብራሂምን መሰሉ ን ክጠቅስ እኽእል። መስዋእቲ ናይ’ቶም ብትሕዞን ብጅምላን ዝሓለፉ ‘ስዑራት’ ዝተጠመቑ ጀነራላትና’ውን ትማሊ’ዩ።

“ብልሓትኩም ትፈለጥ ህግደፍ!” ጥራይ በሉለይ እምበር እንተ ከም ንዓይ’ሞ እቲ ዝለመድኩዎ ወልደፍደፍኩም ከምዝ ሕብሮስ ከምቲ ናይታ ቡርኩታ ግድን እምኒ ዘላታ! ዕዮኹም ስለዝገስረጠ፡ ከምኡድማ ምስ ውኖይ ስለዘለኹን ዓላማ ኹም ኣጥሊለ ስለዝፈልጦን፡ ኩሉ እንተጠርጠረኸ እንታይሲ መእመኒ ኣልይኩም? እንታይ’ውን ከየሸግረኩም፡ ኩልና’ኮ ነውሐ-ሓጸረ ብገመድ ዝተቐፈድና እሱራትን ንሞት ዝተፈረድና ግዳያትን ብምዃንና፡ በቢ ሓደ ድማ ሰብ ካብ ወሓደስ ኣብዚ ናይ ሂወት ኣድሕን ወፈራ መንከ ኣልዩ ዘይዓጥቕን ስኑ ዘይሕርቅምን!! እንተኾነ እንታይ ዝኣመሰለ ዕጥቂ መልሓስ ን ትሕዞን ከምዘድሊ ኣጸቢቕኩም ሕሰቡሉ መታን ብዝወጻእኩሞ ከይትተርፉ።

ስውእቲ ብጸይትና ምሕረት እምበኣር ዋላ’ኳ ንሳዶ ቀዲማቶ ወይስ በዓል-ቤታ ቀዲሙ፡ ከምኡ’ውን ዓይነት ሕልፈታ እን ተዘይተነጸረ ንምሕላፍ’ሞ ሓሊፋ ኣላ። ዝኾነ ይኹን ድማ ከምቲ ምስላ ናይታ ቡርኩታ እምኒ ዘላታ፡ ሕልፈት ብጸይትና ‘ውን ንተረፍቲ ዓቢ ትምህርቲ ከምዝህልዎ እተኣማመን ኢየ። ሓቀይ’የ’ውን፡ እንዳ መን ኣመኖምከ መን ይእመኖም?

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ዕረፍትን ንስውእቲ ብጸይቲ ምሕረት ተኹሉ! ንደቃን ቤተ-ሰባ ድማ ጽንዓት እምነ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ’ውን ንሰማእታትና!

ጎደፋ፡

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Desta April 23, 2017

    Ab qaNew zxedefe Amar ybahal. nay Areb gazeTeNa iyu neiru. zenau n enraging total eyu.

    • Daniel April 24, 2017

      What exactly are you trying to say or tell us, your message is not clear you either complete it with Tigrigna or English please! Why are you all so called historians & writers trying to confuse us with so many unclear messages/stories? I feel very sorry and extremely sad for their children who would have lost both their parents to a really sad and unfortunate tragedy.
      RIP to dearest sister Mihret and may the all mighty God help her children too.

  • andom April 24, 2017

    Really unnecessay over analysis. No one denies she suffered quitely for 16 years. I hope godefa or goduf understands what that means.

  • alem April 24, 2017

    It does not really matter how she died. She was killed every day for over a decade by pfdj.

  • aboy hanes April 24, 2017

    Zeziteregeme wilad nab bereka keydu. Ziteregemet nezanet dima hizu mexiu.

    • Keren April 25, 2017

      aboy hanes
      Well said indeed father johnny.
      I would only change or allow me to change your great comment to:
      Ziteregemet “barnet/slavery” dima hizu mexiu zeziteregeme ekey negis wilad.
      Unfortunately, these mad all alien lovinggedli shefatu have robbed our proud identity/freedom.

  • Aron Fist April 25, 2017

    hgdf are a pack of hungry wolves prey on innocent hero fighters so sad to the mother land. ሽግር ተሳጊርካስ ናብ ደልሃመት።

  • k.tewolde April 26, 2017

    One thing is for sure, the tyrant outlived everyone who worked for him and still going strong not because he is a vegan but his loyal servants are his diet and there are plenty of them left in his plate and he picks and choose who is going to be his soup de jour. The ones who figured him out early left town and the rest are simply watching till he finally picks up the plate and start licking it.By the time he burbs with satisfaction we will have a nation by the name Erdubai with modified flag like the current one.The Eritrean saga continues…

    • adhanom April 27, 2017

      They blindly joined his organisation (eplf) to liberate eritrea, blindly continued to be used and abused by him; he must be enjoying chewing them one by one. After all the binds and the fatty adey amete can make a delicious meal for iseyas.

      • adhanom April 27, 2017

        Correction
        After all the blind liberators and the fatty adey amete can be a delicious meal for iseyas.

  • Sol April 26, 2017

    ብርኩታ ኤሰያስ ካብ ሰብዓ ዓ ም ኩሉ ምስ እምና ይበልዓ ኣሎ።

Post a Reply to alem Cancel Reply