Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፣ ሓላፊ ተዋህዶ ሃይማኖት፣ ኤርትራ ብመንግስቲ ኤርትራ ተላኢኹ፣ ገንዘብ ክዘምት ኣብ እስራኤል ኣትዩ ኣሎ።

ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፣ ሓላፊ ተዋህዶ ሃይማኖት፣ ኤርትራ ብመንግስቲ ኤርትራ ተላኢኹ፣ ገንዘብ ክዘምት ኣብ እስራኤል ኣትዩ ኣሎ። ሓላፊ ሃይማኖት ተዋህዶ ዮፍታሀ ድሜጥሮስ፣ ሰኑይ 6 ጥሪ 2014 ኣብ እስራኤል ምስ ዘለዉ፣ ልኡኻት ኣቕሽሽቲን መንእሰያትን ብምምስጣር፣ ካብቲ ምሉእ ብምሉእ  ኣማሓደርቲ ኣብ

ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፣ ሓላፊ ተዋህዶ ሃይማኖት፣ ኤርትራ ብመንግስቲ ኤርትራ ተላኢኹ፣ ገንዘብ ክዘምት ኣብ እስራኤል ኣትዩ ኣሎ።

ሓላፊ ሃይማኖት ተዋህዶ ዮፍታሀ ድሜጥሮስ፣ ሰኑይ 6 ጥሪ 2014 ኣብ እስራኤል ምስ ዘለዉ፣ ልኡኻት ኣቕሽሽቲን መንእሰያትን ብምምስጣር፣ ካብቲ ምሉእ ብምሉእ  ኣማሓደርቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ዝርከብ እንዳ መድሃነኣለም ቤተ ክርስትያን ኣብ ተልኣቪብ፣  ብሞባእ ዝተዋጽአ ገንዘብ ንምዝራፍ ኩነታት ኣጠዓዒሙ ኩሉ ሰብ ኣብ ራዕድን ሰልፍን ኣብ ዘለወሉ እዋን ኣደናጊሩ ገንዘብ ክዝርፍን ክምንጥልን መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝለኣኾ፣ ካብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ተዋህዶ ኣረጋጊጾም ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ የሩሳሌም ምስ ኣተወ ምስ ናተይ ዝብሎም ውሽጣዊ ውዱባቱን ተለኣኣኽቱን ቀሺ ጸጋይ ኣበራ፣ ቀሺ ሃብተስላሴ፣ ዲያቆን ምሕረተኣብን፣ ገሬ ተክለሚካኤልን ምስ ዝበሃሉ ቀንዲ መጋበርያታቱ ብሕቡእ እቲ ገንዘብ ብካልእ መገዲ ኣቢሉ ከግዕዞን ክዝርፎን፣ ብምጥባር ውሑስ ቦታ ከቐምጠልኩምን ብምባል፣ ሞባእ እቲ ቤተ ክርስትያን ክዘምትን ኣብ የሩሳሌም ዘሎ። ኣብ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ እቲ ሰልፈኛ ክፈልጦ፣ ገንዘብ ህዝቢ ብተዘዋዋሪ መገዲ ኣብ ኢድ ዮፍታሄ ከይኣቱ ሓበሬታ ተዋሂቡ ኣሎ።

ኣብቲ ቤተ ክርስትያን መድሃኒኣለም ዝርከቡ ውሽጣዊ ውዱባት ህግደፍ ከም በዓል ቀሺ ጸጋይን ገሬን ንግሩህ ኤርትራዊ ኣደናጊሮም ቅዱሳት ቦታታት ምብጻሕ ብዝብል ምኽንያት፣ ታሕሳስ 21, 2014፣ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝወደቦ ኣኼባ ብምውሳድ፣ ኣኼባ ከካይዱ ምፍታኖም ብደለይቲ ፍትሒ እቲ ኣኼባ ከም ዝጨንገፈ፣ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍውን ደኩመንቱ ራሕሪሑ ከም ዝሃደመን ዝዝከር እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ዕርቃኑ ኣብ ዓለም ስለ ዝወጸ፣ ዝዓበየት መሕብእን መኸወልን ኣብ ቤተክርስትያን እዩ ገይሩ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኩሉ ሞባእ ቤተክርስትያን ኣብ ካዝንኡ ኣእትዩ፣ ቀለብ ሃሱሳቱ ገይርዎ ኣሎ። ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ እዩ ኣብዛ እዋን ሽግር ዮፍታሄ ተጓይዩ፣ ናብ እስራኤል ተጓዒዙ ሞባእ ቤተ ክርስትያን ክወስድ ተሃንዲዱ መጺኡ ዘሎ።

ስርዓት ህግደፍ፣ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊእዎ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣቕሽሽቲ ምስ ኣቕሽሽቲ ኣናቚቱን ንሓድሕዶም ኣባኢሱን ፈላልዩን፣ ኣብ ማእከል ኣትዩ ሞባእ ንምዝራፍ እዩ ቀንዲ መደብ ሓንጺጹ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ።

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ፣

ሓድነትናን ፍቕርናን ብህግደፍ ኣይብለልን እዩ።

ግዱሳት ኤርትራውያን ካብ ተዋህዶ ሃይማኖት።

 

ነዚ ክብል ኢሉ ዘሎ ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ ቅድሚ ምርካብና፣ ይፍታሄ ዲሜጥሮስ ናብታ ሃገር ዝመጽኣሉ ተልእኾ እንታይ ምዃኑ ንምድህሳስ  ብቴለፎን ዝተወክስናዮም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ቀሺ ሰለሙን፣ ነቲ ብጥምቀትን ቃልኪዳንን ብዝኣመሰሉ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ዝተዋህለለ ገንዘብ ንምውሳድ ከምዝመጸ ኣሚቶም። ካብቲ መሳርሒ ፖለቲካ ዝኾነ ይፍታሄ ካልእ ሰናይ ተግባር ከምዘይጽበዩ ‘ውን ኣገንዚቦም።

እቲ ብጉልባብ ሃይማኖት ፖለቲካዊ ተልእኾ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብናይ ምፍጻም ኣመሉ ዝተፈልጠ ይፍታሄ ዲሜጥሮስ፣ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን መጻኢኦም ጸልሚቱዎም ናይ ርሑቕን ቀረባን ሓገዝ እንተላይ መንፈሳዊ ደገፍ ኣብ ዝደልዩሉ ዘለዉ ጽንኩር እዋን ገንዘብ ክምእርር ናብ እስራኤል ምኻዱ፣ ሰብኣውነት ዝጎደሎ፣ ዝባኑ ዝቐልዐ መጋበርያ ውልቀምልኪ ምዃኑ ዳግም ዘረጋግጽ እዩ።

ክቡራት ሰማዕትና ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቀሺ ሰለሙን ዝሃቡና ቃል ኣብ ናይ ጽባሕ መደብ ራድዮ ድምጺ ኣሰና ተኸታተሉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • mesel January 10, 2014

    ወዲ ቐሺ ድሜጥሮስ ፥ ብሰንኪ ክድዓት ኣቡኡ ኣቦታትና ህይወቶም ስኢኖም፥፡ ብሰንኪ ወዲ ቀሺ ድሜጥሮስ ድማ ንሕና ኣብ ሓደጋ ወዲቕና። መንፈሳዊ ህይወት ኤርትራዊ ኣብ ምዝራግ ኩሉ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ። ክገርመኩም ወዲ ቀሺ ድሜጥሮስ ንክልተ ነገራት ኣብ ቅድሚ ኢሰያስ ምእዙዝ እዩ።
    1, ወላዲኡ ዝገብሮ በደል ብምእዙዝ ምኻን ዝድበስ ይመስሎ
    2. ሓደ ወዲ ከባቢ ማይ ድማ ከም ዝሕብሮ፥ ቀሺ ድሜጥሮስ ትግራዋይ እዩ። ልዕሊ ኤርትራውያን ኤርትራዊ ክኸውን ይደሊ
    3. ኢሳያይሳ ወዲ ሓወቦኡ ይኸውን ኣሎ።

    ዝኾነ ምስ ኢሰያስ ወጊኑ ንህዝቢ ኤርትራ ዝብድል ዘሎ ሰብ ኣጽንዑዎ’ሞ፥ ገለ ምስ ውልቃዊ መንነቱ ዝተኣሳሰር ማሕበራዊ ሽግር ዘለዎ’ዩ። ገሊኣ ኣብ እንዳ ስዋ ስለ ዝዓበየት ፥ ማሕበራዊ ደረጃ ክብ ከም ምባል ጌራ ትወስዶ ገሊኣ ድማ ኩሉ እናፈለጠት ፥ እቲ ድሕሪ ለውጢ ዝመጽእ መንግስቲ ከይቀትላ ፈሪሓ ሞት ክትሕሉ ትውዕል

  • ER ITRAWIT January 10, 2014

    mesel,
    Please can anyone tell me who is in picture on the right hand side thank you.

  • mesel January 10, 2014

    dear Ertrawit

    he is the one i am commenting about……Yoftahie Keshi Dimetros of Andnet. with abune Disqoros

    • ER ITRAWIT January 10, 2014

      mesel,
      Seriously, it looks like he works in the office to me nothing like Keshey.

    • selamawit January 10, 2014

      mesel, the legitim Abune (Antonios) is jailed by the regime. remembering him we should not forget the truth: “Abune Dioskoros” might be also a victim of the regime but all Orthodox Churchs do not recognize him as “Abune”…

  • Haqqi Nezareb January 10, 2014

    How much money are we talking about-500, 10,000 or 100,000 or million? Please stop fabrication that does not match with the facts on the found in Israel.

    • Haqqi Nezareb January 10, 2014

      please read as ” …..does not match with facts on ground in Israel”

  • bahre January 10, 2014

    መልሲ ንሓቂ ንዛረብ።
    ኣታ ደንቆሮ ዘይህግደፍ ደኣ ከማኻን ዝንስኻን እዮ ዘድልይዎ? ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰብ ጽዒራ ዘተራቐመቶ ገንዘብ ኣብ ተቐምጦ ሓርቢትዋ ዘሎ ኣብ እስራኤልሲ ከምዚ ኢልካ ትዛረብ? ከመይ ዓይነት ድፉን ዝኾነ ናይ ሰብ ኣእምሮ ዘይብልካ ጥፉእ ኢኻ?
    ኣብዚ እዋን እዚ ህግደፍ ዋላ ሓንቲ ዶላር ተድልዮ እያ። ብቐጥታ ካብቲ ህዝቢ ድማ ክረኽባ ከም ዘይክእል ይርድኦ ኣሎ። ዮፍታሄ ከማኻ ዝኣመሰሉ ደናቁርን፣ ከም ካልኦት ሃሱሳትን ኣለውዎ፣ ህግደፍ ረቂቕ እዩ። እታ እዋን በለጽ ኣብ እስራኤል፣ ጸሓይ ምስ ዓረበት ወርሒ ከየርክበት እያ ዘላ እታ ሰዓታ።
    ስለዚ ሞባእ ቤተ ክርስቲያን ምስራቕ ንህግደፍ ከቢድ ኣይኮነን። ይትረፍ ሞባእ፣ ክንደይ ብኣምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ንጹሃት ሰባት ኣሕቒቑን ይሕቅቕን ኣሎ።
    ስለዚ ገንዘብ ብዙሓት ዋናታቱ ዝርከብ ጽባሕ ኣይኮነ ድሕሪ ጽባሕ። ሎሚ እዩ። ጸሓይ ምስ ዓረበት ወርሒ ከየርከበት።
    እንታይ ደኣ እሞ ሕጂ ናብ እስራኤል መጺኡ ሰብ ኣብ ፈቐዳ ጽርግያ መሰላ እንዳ ሓተተት ንሱ ሃሱሳቱ ጸዊዑ ኣብ ሆቴል ኣኼባ ዘግብር ኣለዎ። ስለዚ ዘረባኻ ሓቂ ዘይኮነስ ናይ ዓያሹ ሓሶት እዩ።

    • Haqqi Nezareb January 10, 2014

      Bahre,

      You seem mad on my comment. I just wrote my honest comment. On the other hand, the ortho-pente group led by excommunicated priests such as Gebremichael of Atlanta, Debe kulu of Oakland, Tekeste of Seattle and other few ortho-pente priest are known to fabricate and exaggerate facts.

    • Meretse Asmelash January 11, 2014

      ኣቶ ባህረ
      መጀመርያ ሰላም ንዓካን ንተከታተልትን፡
      ቀጺለ ግን ኣብ መንጎ ጽሑፍኻ ሓንቲ ዝመስጠትኒ ሓረግ ኣላ። ንሳ ከኣ ” ጸሓይ ምስ ዓረበት ወርሕን ከየርከበት” እትብል እያ። ብሓቒ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዅነተታት ናይ ኤረትራ ሕሪሕራይ ጌራ እትገልጽ ሓረግ እያ። ስማካ ትረከብ በየን ረከብካያ። እንዳ “ንኪድ ጥራይ ግርም እዩ ዘሎ ውራይ” ኢንቶ ዝብሃል ኣይፈልጡን እዮም። ምእንቲ ህግደፍ፡ ምእንቲ ጎይታና ኢሰያስ ኢሎም ዝለመንዎ ገንዘብ ጌሮም ንሓደ ክልተ ጋዘጠኛታት ሚልዮናት ገንዘብ ኣሕቚፎም በጃኩም ኤኮኖሚ ኤረትራ ደሓን እዩ ዘሎ በሉልና መበሊ ኮይንዎም ኣሎ።
      ኣቱም ኣንበብቲ ሰማይ ዝሃገርኩምስ ደቡብ ሱዳን ከባቢ ሙግላድ ፣ ኣብዬ ፣ ትንታዊት ከተማ ቤንቱ ምስ ልዕለን ትሕተን ሃብታ፣ ከተማ ሩብኮና (Rubkona) ከተማ ቦር፣ ምስ ዋና ከተማ ጁባ ብሓዊ እንዳ ተቀጸላስ ካብ ዓለም ብሞባለ ምጣነ ሃብቲ ኤርትራ ሓዊስካ ዘርክበን የሎን ኢልካ ይዝረብ? ኣብዚ ሊስታ እዚ ሶማል ናበይ ተሪፋ።
      ህግደፍ ዋላ እንዳ ጠፍኡ ንሱ ከምዝሐጉሶም’ዶ ፈሊጡ ይከውን።
      መትሓዚ ዝተሳእኖ ምዕብልና ሃብቲ ደኣ ካብ እዞም ኣኣበይ ኮን ንሓድር ንኸውን? መጻኢ ሕይወትና ደብዚዙ ኢሎም ኣኣብ ቃልዕ ወጺኦም ንመንግስቲ እስራኤል ከም ሰብ ዅኒ ክብልዋ ዝውዕሉ ዘሎዉ’ዶ ገንዘብ ምለመነ?
      እንዳ ህግደፍ ሰብከ እንታይ ክብለና ይፈፍልጡ ድዮም? ትማሊ ዶብ ትሰግሩ ኣሎኩም ተባሂሎም ብጥዪት ካብ ተመልከተለይ ንስክላ ዘምለጣ ነብሳት ደኣ ሎሚ ገንዘብ ገንዘብ ገንዘብ ምበሉ። እታ ዓባይ እሞ ካበይ ትምጻእ?
      ካብቶም ዝውክሎም ኣቕሽቲ ሓሊፉ ሎሚ ባኦሉ ካብ ኣቶዎ ኣማን ብኣማን በርሀ እታ ግዜ ” ግዜ ጸሓይ ምስ ዓረበት ወርሕን ከየርከበት” ኾይናቶም ኣላ።

  • Tewolde January 10, 2014

    ሓቂ ንዛረብ ሓቂ ተዛሪብካ ኣይትፈልጥን ነዞም ክቡራት ካህናት ምስታ ጥንታዊት ተዋህዶ ሃይማኖት ዝቆሙ ትጻረፍ ኣሎካ ንስካ ድሩዝ ጳጳስካ ኢስያስ ኣቡንካ ማንኪ ዲያቆንካ ማንኪ እዞም ትርኩሳት ደኣ ተዋህዶ እንታዮም ኮይና? ሕርሕራይ ገይሮም ጸላዕላዕ ከብሉካ እዮም ዘይተፈተነ ዘይተኣልመ ዉዲት የሎን ቀጥ ኣብ ሃይማኖትና ወጊድ ንኣረማዉያን ማኦኢስት፡፡ የማነ ማንኪ ዝኣወጆ ኣዋጅ ፈሺሉ ንህግደፍ ትፈትዎም ትከዉን ንሶም ግን ነቶም ሓብሓብቶም ዝሓየሩ እዮም ኣይፍትዉካን እዮም ሱቅ ኢልካ ናብቲ ኣረመን ጎይታካ ጸሊ፡፡

    • Haqqi Nezareb January 11, 2014

      Tewold,

      Who are kubrat kahnat(Priests)? You mean Ato Gebremichael, Ato Debe, Ato Kesete, Ato Dr. (from Washington), Ato (from New York) and others. Ypu must be out of your mind. These excommunicated priests are here to destroy Tinataw Emnet abd replace by Ortho-Pente (menafkan!!).

      • haile January 11, 2014

        Haqqi nzareb bhaki dey shimka hizka aloka kemaka si msla alo .haki ente thlweka etom nay geza mehayur koynom zelewu aboka zaklu 3patrial mhatetka.nska haymanot zeleka keman aytmesln eka mknyatu haimonot haki sle zmhr.bzterefe ab zeytfelto bzuh aytzareb afka aytkfet bejaka.tekielka polotikan haimanotn bebeynu mkanu flet .ezom abotat sgab mewedaeta n tewahdo haimanot tetew elom alowu .wedi dmetros ayajbom wala manky ayajbom.netom haimanot ms polotika zetsegewo abotat keani mhret yewrdelom amlak mengedom yebrh

  • haile January 10, 2014

    haqqi Nezareb

    please Amlak frah eka kndi htsab egrom zeytakil nfus zkonka seb si ortho-pent gele elka tfelasef.nska megemerta nska emnetka si atsebik ka do tfelta zkonka kun bzaeba nay wlkika haymanot b dekik flet kdm

    • Haqqi Nezareb January 11, 2014

      Haile,

      I will fight these ortho-pente excomminated priest as I do the dictator we have in Eritrea. One is the enemy of my tintawi religion and the other is the enemy of my beloved country. Haile,do you believe in virgin Mary? But I know for sure (with evidence)that Ato Gebremichael, the key leader of the Menafikan Movement, does not believe in St. Mary? What do you say Mr. Haile?

      • haile January 12, 2014

        Hi Haqqi nzareb

        first of all r u tewahdo? I am tewahdo.tewahdo haimano ay hdes ay kyer .metshaf kudus hanti eya aythdes aytgodl .ezen tblom zeleka b tewahdo zAMNI 81 metshaf kudus zamni b tabot egiziabher zamnu.eyom mariyam ente kem ade goytayn medhaniyeyn kem kdsti brkiti hanti aber zeybla kab kulen ansti mkana yamn.nsom keman yamnu.but kem bahli ab hzbna lieli egziabher zserewa alewu bzey mrdae.nbaela adena kdsti Maryam “nebsey ngoytay tebyo “ela tezariba neti fetaria.nska gna chaf hizka kemzi HGDEFAWyan npolotina halki ttkemelu aleka .

  • maedot January 12, 2014

    በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
    ብመጀመርታ ንኹሉ ተኻታታልን ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም እትነብር እንቃዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ኣብጽሓና ይብል።
    ቀጺለ ሓደ ምስላ ክነግረኩም (በይኑ ዝጎይ ዝቕድሞ የብሉ በይኑ ዝምጉት ዝረትዖ የብሉ) ዝብል ምስላ ኣበው ኣሎ። እቲ ቀንዲ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ብዛዕባ ገንዘብን ኣገልገልቲ ቤተክርስቲያንን እዩ። እዚ ካኣ ናይ ፖለቲካ ጸገም ግዘለዎም ዘይኮኑ ዝዛረብዎ ዘለዉ ናይ እምነት ጸገም ዘለዎም እዮም። ምኽንያቱ እዞም ተጠቒሶም ዘለው ናይ ቤተክርስቲያን ኣገልገልቲ ቅድሚ ሕጂ’ውን ብዙሕ ተጸሪፎምን ዘይ ስሞም ተዋሂቦምን እዮም። እቶም መስቀኢ ሒዝኩም ብዛዕባ መስቀል ስነ ምግባር ዘየብልኩም በብሓደ ሪኢናኩም ኣለና እንታይ ትገብሩን ትዛረቡ ትመኽሩን ብጥዕሚ እዩ ዘሕዝን ኣምላኽ ንነስሓ ዝኸውን ዕድመ ይህበኩም ኣሎ ተነስሑ ንብለኩም። እንተ እቲ ብሕቡእ ተኣኪቦም ብዛዕባ ገንዘብ ተዛራቲቦም ትብሉ ዘለኹም ካኣ ናይ ቤተክርስቲያን መድሃኔ ኣለም ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ጸብጸብ ይወሃብ እዩ። መጺእኩም ከይትሰምዕዎ ካኣ ኣመንቲ ስለ ዘይኮንኩም ብደገ ደገ ንብዙሕ ሰብ ተዳናግሩ ኣለኹም እምበር እቲ ገንዘብሲ ኣብ ባንኪ እስራኤል ተቐሚጡ ኣሎ። ብሓደ ሰብ ዝወጽእ ካኣ ኣይኮነን። ግን ፈሊጥኩም ተዛረቡ

  • MightyEmbasoyra January 13, 2014

    Haqqi Nezareb, If I was not a reasonable person I would tell you ሓቒቕካ ጥፋእ ምበልኩኻ። However, you are just an ignorant brother and I behave.
    I am not sure if nature sentenced you to be an idiot or you lead yourself into ደልሃመት. Either way, that’s your lose.
    However, I would like to say this to the at least diaspora Orthodox followers. Most of the churches are bugged by isayas’s cells and you guys are keep going to them. Why don’t you stop going there? Or, if you go, Why don’t you demand the churches need to be cleansed before they can preach? So, you can’t just blame Wedi rukus kesi demtros but you need to take some responsibilities. I, for myself, for that reason – I stopped going to church and I pray at home.

POST A COMMENT