Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወትሩ ካብ ዜሮ ኣይንጀምር፡ ኣብ ዜሮ ከይንነብር! (መዘኻኸሪ ንተሳተፍቲ ጉባኤ)

ኣብቲ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ 21 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምስታፍ ሓያለ ኤርትራውያን ካብ መላእ ዓለም ናብ ኣዲስ ኣበባ ይገሹ ‘ለዉ። እዚ ጉባኤ’ዚ፡ እቲ ስለ ስስዕቲ ስልጣንን ጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሕኡን፡

ኣብቲ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ 21 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምስታፍ ሓያለ ኤርትራውያን ካብ መላእ ዓለም ናብ ኣዲስ ኣበባ ይገሹ ‘ለዉ። እዚ ጉባኤ’ዚ፡ እቲ ስለ ስስዕቲ ስልጣንን ጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሕኡን፡ ንሃገርና ኤርትራ መባድልቲ ዕንወት ዝገበራ፡ እንዶ-ሰናይ ዘይብሉ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ንድሕነትን ዕንወትን ዝፈሊ መስቀላዊ መንገዲ ጥሒሱ፡ ናብ ጥፍኣት ዘእቱ መንገዲ መሪጹ፡ ኣብ ገምገም ገደል ኣብ ዝርከበሉ ተኣፋፊ መድረኽ ይካየድ ብምህላዉ፡ ነቲ ጉባኤን ተሳተፍቱን ዘሰክሞ ሓላፍነት ረዚን’ዩ።

እቲ ስርዓት፡ ነቲ ናይ ጥፍኣት መገሻ ንብሕቱ እንተዝኾዶ፡ መፍቶ ናይቲ ክእለየሉ ዝምህለልን ዝጽልን ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ምኾነ። እዚ ስርዓት’ዚ ግን፡ ነታ ብመስዋእትን ኣሽሓት ዝመጸ ናጽነት ብኵናት ኣባኺኑ ሓዱሽ መግዛእቲ ምምሃዙ ከይኣክል፡ ‘ኣነ እንተዘይሃልየ ሃገር ሶማልያ ትኹን፡ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ’ እናበለ፡ ኣፈሙዝ ጠበንጃ ኣብ ኣፍልቢ ህዝብን ሃገርን ተኺሉ ‘ዩ ኣብቲ ገምገም ገደል በጺሑ ዝርከብ።

ስለዚ፡ እቲ ሕሉቡን ንጹፉን ከፊሉ ማይ ዝዓሞኸ፡ ዓስቢ ብጣስ ምህጸኑ ዝሰኣነ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ባሮት ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ መንእሰያት ደቁ፡ እቶም ተደንጊጹሎም ዝብሃሉ ግዳይ ነባሪ ምዝመዛ፡ እቶም ጨካን ዕጫ ዝበጽሖም ከኣ ተቐበልቲ ሞት ብምዃኖም ብቐጻሊ ኣብ ዝተኻኻእ ዳስ ሓዘን ተኾርምዩ፡ እቶም ኣብ መንጎ ምዝመዛን ሞትን ዘሎ ማእሰርትን ውርደትን ዓቕሎም ኣጽቢቡሎም ናብ ስደት ሃጽ ዝበሉ ኸኣ፡ ካብቲ ናይ ህግደፍ ዘይሰንፍ ባርነትን ስቓይን ሰሃራን ሲናይን ኣኳሊሙዎም ክርኢ ኸሎ ካልኣይ ቅርጸት ኮይኑዎ፡ ብዘይገሹ ንብዓት፡ ብዝገሹ ንብዓት ኣብ ዝነትዓሉ ዘሎ እዋን ዝወፍሩ ዘለዉ ተጋባእቲ እምብኣር፡ ነታ መመልከቲት ውጽኢት ጉባኤኦም ዝኾነት ቀስቲ ኣብ ልቢ’ዚ ውጹዕ ህዝቢ’ዚ ኣቐሚጦም’ዮም ነዚ ዕማም ‘ዚ ክመዝኑዎ ዝግባእ።

ቃሎምን ውሳኔታቶምን፡ ኣብ ክንዲ ብመንጽር ድሕነት ናይዚ እምባ ኣደራዕ ተጻዒኑዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመንጽር ውልቃውን ጉጅለኣዊ ረብሓታቶም እንተተቓንዩ ግን፡ ቀስቲ ለውጢ ከም ቀደማ ኣብ ዜሮ ከተምልክት ‘ያ ። ካብዚ ኣሽንባይ ዶ ንዝወዓሎ ንዘይወዓሎ ዝሰብር ኩነታት’ዚ ነጻ ንምዃን ሓደ ከስተብህሉሉ ዘለዎም ጉዳይ እምብኣር፡ ኣብ ክንዲ ካብ ዜሮ ካብ ዘሎ (ካብቲ ዝርካቡ) ምጅማር ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ።

በዚ መሰረት፡ እቲ ቅድሚ ኹሉ፡ ጉባኤ ንድሕሪት ግልጽ ከይበለ ብዝለዓለ ቐዳምነት ክዛተየሉ ዘለዎ ጉዳይ፡ እቲ ተጻባኢ ቅኑዕ ድሌታት ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ ከም ዋና ጸላኢ ህዝቢ ድሮ ዒላማ ለውጢ ኮይኑ ዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከመይ ኢሉ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ካብ ሱሩ ተማሕዩ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክረጋገጽ ከምዘለዎ እዩ። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ፡ ንባህርያትን በደላትን ስርዓት ህግደፍ ከም ብሓድሽ ክትጽብጽብ ምፍታን ግዜ ምጥፋእን ንትዅረት ናይቲ ጉባኤ ምድኻምን ጥራይ እዩ።

ብዘይካ’ቲ ብዝተፈላለዩ ኣኼባታት፡ ሕድሕዳዊ ዘተን ማዕከናት ዜናን ኣብ ህዝቢ ሓዲሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ እቲ መሰረት ናይዚ ጉባኤ’ዚ ዝኾነ፡ ቀዳማይ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲምክራስያዊ ለውጢ ነዚ ብዝምልከት ዘካየዶ ዘተን ክትዕን ነዚ ዛዕባ’ዚ ኣብ ምብሳል ግዲኡ ገይሩ እዩ።  ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ናይ ምምኽኻር ንኡስ ዋዕላታት ‘ውን ነቲ ጻዕሪ’ቲ ከምዝደረዖን፡ ንስሉጥነትን ኣድማዕነትን ጉባኤ ዘጠዓዕም ኣንፈት ከምዝፈጠረን ዝሰሓት ኣይኮነን።

ስርዓት ህግደፍ፡ ጸቢብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጉጅለኣዊ ረብሓ ጥራይ ዘገድሶ፡ ነዚ ናይ ዓመጽ ፖሊሲ ‘ዚ ብምቅዋም ዕንቅፋት ንዝኾኖ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ነቲ ንመግዛእቱ ዘይረዓመን መሳርሒኡ ዘይኮነን ከንበርክኽ፡ እንተዘይኮይኑሉ ድማ፡ ንሰባት በብውልቂ ከሕቅቕ ምእንቲ፡ ዝኣስር፡ ዝቐትል፡ ሓፈሻዊ ኵናት ከይተረፈ ዝእውጅ ፡ ዘይሕጋዊ፡ ጸረ ፍትሕን ዲሞክራስን፡ ጭካንን ዓንዳርን ዲክታተርያዊ ስርዓት ምዃኑ ኣሽንባይ ዶ በቲ ቀጥታዊ ተመክሮ ዝላደየ ኤርትራዊ፡ ዓለም ‘ውን ፈሊጣቶስ ኣብ መዛግብቲ ዲክታተራት ቅድሚት ሰሪዓቶ ትርከብ ኣላ። ስለዚ፡ ኩሎም ‘ቶም ጉባኤ ዘልዕሎም ኣጀንዳታት፡ ክልተ ይኾኑ ዓሰርተ ናብቶም ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ዘኽእሉ ሜላታትን ስትራተጂታትን ከተኵር ኣለዎ።

እቲ ካልኣይ ንትዅረት ጉባኤ ካብዚ ዝተጠቕሰ ቀንዲ ዛዕባ ውገዳ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክኣልዮ ዘይብሉ ጉዳይ፡ ብዛዕባ ድሕሪ ውድቀት ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክህሉ ዘለዎ ቅዋምን ምሕደራን እዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ድሕሪ’ቲ ምሉእ ተሳታፍነት ህዝቢ ኤርትራ ከረጋግጽ ዝኽእል ለውጢ እዩ ክፍጸም ዘለዎ። ኮምሽን ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ነዚ ጉባኤ ‘ዚ ካብ ዘዳለዎም ኣርባዕተ ሰነዳት ሓደ ‘ቅዋም’ ወይ ‘መሰጋገሪ ቅዋም ’ኳ  እንተኾነ፡ እዚ ብቕዓት ዘይብሉ ሰነድ ምዃኑ ብመንገዲ ኮምሽን ተወዲቦም ብዛዕብኡ ኣብ ዝተኻየዱ ክትዓት ኮነ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብዝተኻየደ ዘተ ብቕዓት ከምዘይብሉ ተነጺሩ እዩ። ብዙሓት ሕጽረታት ‘ኳ እንተለዉዎ፡ ኣብ ዝርዝራቱ ከይኣተና፡ እቲ ቀንዲ መጋቢ ናይቶም ኩሎም ድኻማቱ ዝነበረ ምኽንያት፡ ምሉእ ተሳታፍነት ህዝቢ ዘይነበሮ ምዃኑ እዩ። እዚ ጉድለት’ዚ ኣብዚ ጉባኤ ‘ዚ ‘ውን ክፍወስ ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ፡ መጻብብብቲ ካልኦት እዋናውያን ኣጀንዳታት መታን ከይከውን ክውገን ኣለዎ። እዚ ጉባኤ’ዚ፡ መተካእታ ናይቲ ክወድቕ ዝደልዮ ስርዓት እንታይ ምዃኑ ከም ራእይ (Vision)) ከስፍር ቅቡል እዩ፡ ካብኡ ሓሊፉ፡ ነቲ ብኣውርኡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ፡ ኣብ ስደት ዝርዝራዊ ቅዋም ነዲፉ ከቕርበሉ፡ import ክገብረሉ ግን ቅቡል ኣይኮነን።

እቲ ሳልሳይ ካብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣኼባታት በዅሩ ዘይፈልጥ ጉዳይ ምስ ብዙሕነትን ማዕርነትን ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ኩሉ ሳዕ ሰፊሕ ግዜ ዝወስድ ኣርእስቲ እዩ። ኣብ ኤርትራ ብዙሕነት ሃይማኖት፡ ባህልታትን ቋንቋታት ከምዘሎ ንዝኾነ ኤርትራዊ ብሩህ እዩ። እቲ ክመጽእ ዝድለ ለውጢ ድማ፡ ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ ሓድነት ኤርትራውያን ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ‘ስርዓት ህግደፍ ኣብ ብሄር ወይ ሃይማኖት ዝተመስረተ፡ ንሓደ ብሄር ዘገልግል ስርዓት ‘ዩ…’ ወዘተረፈ፡ ብዝብል መስመር ዕንክሊል ምባል፡ ነቲ ዝጠቐስናዮ ቀንዲ ኣጀንዳ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ዝዕንቅፍ ኩነታት ፈጢሩ ታኼላ ጉባኤ ኮይኑ ክቕኒ እዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ንብዙሓት ዝትንክፍን ሰባት ክዛረቡሉ ዝደልዩ ጉዳይን ምዃኑ ኣይዝንጋዕን።  ኣብ ሓደ ሃገር ዜጋታት ከም ቀዳማይን ካልኣይን ዝረኣዩሉ ኩነታት ብጭቡጥ እንተልዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋላ ከምኡ ዓይነት ስምዒት እንተሃልዩ ‘ውን ከይተረፈ፡ እቲ ጉዳይ ብግቡእ ተጸኒዑ ክፍሰወስ ኣለዎ። እዚ ጉባኤ’ዚ ግን ክፈትሖም ኣይክእልን’ዩ። እቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ወከልቲ ‘ውን፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ወኪሎም ክፈርዱን ፍርዲ ክቕበሉን ውክልናን ዓቕምን ተኽእሎን የብሎምን። ነዚ ናይ ሓድነትን ብዙሕነትን ሕቶ፡ ርእሱ ዝኸኣለ መጽናዕታዊ ስርሓት ዝቐርበሉ ዋዕላታትን ዓውደ-መጽናዕትታትን ብምክያድ፡ ደረጃ ህላዊኡ ምድህሳስ፡ ህዝባዊ ንቕሓት ክብ ምባል ክስርሓሉ ዘለዎ ዕዮ ገዛ እዩ። ብዓቢኡ ድማ ለውጢ ኣብ ዝረጋገጸሉ ግዜ ማዕርነት ኩሎም ዜጋታት ዘረጋግጽ ሚዛናውን ፍትሓውን ፖሊሲታት ክሕንጽጽን ከጽድቕን ሓደ ካብ ኣገደስቲ ዕማማት ናይቲ ዝመጽእ ሃገራዊ ባይቶ ክኸውን ይግባእ።

እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓደ ካብ ዝመስከሮ ጽቡቕ ተስፋታት ኤርትራውያን እንተነይሩ፡ ካበየናይ ሃይማኖትን ብሄርን ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ገጽንገጽ ተራኺቡ ኣፍንኣፍ ክዘራረብ ከሎ፡ ኣብ ብዙሕነቱን ሓድነቱን ዘሎ ሚዛን ብግቡእ ዝርዳእ፡ ጸላእቱን ፈላለይቱን ኣጸቢቑ ዝፈልጥ፡ ብዙሕነት ሕድሕዱ ኣሚኑን ተኸባቢሩን ብሓድነት ምስራሕ ከምዘቕስኖን ከምዘዋጽኦን ከምዝግንዘብ እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኩሉ ሰብ ክግንዘቦ ዘለዎ፡ ንማዕርነት ዜጋታት፡ እቶም ተወጺዕና፡ ተዋሲና ዝብሉ ጥራይ ኣይኮኑን ዝቃለሱሉን ዝሰርሑሉን። ኩሉ ኤርትራዊ ብግብሪ ቀዳማይ ዜጋ ክኸውን ከሎ፡ ብጭብጢ ይኹን ብስምዒት ኣብ ዜግነት ቀጸላታት ዘይብላ ኤርትራ ጥራይ እያ ንኹሎም ዜጋታታ እተርብሕን እተቕስንን። ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ‘ውን ካብ ዜሮ ዘይኮነ ካብ ውህሉል ተመክሮ ክንጅምር ኣለና።

እቲ ራብዓይን ኣገዳስን፡ ክውገድ ዘለዎ ጉዳይ፡ ኣብ መንጎ ውድባትን መራሕትን ተቓወምቲ ኤርትራ ዘሎ ውድድርን ሃቐነ ምትዕብላልን እዩ። እዚ ጉባኤ’ዚ ንኽብደት ናይቲ ንሃገርና ኤርትራ ገጢሙዋ ዘሎ ቅልውላው ብዝዳረግ መጠን ደርማስ ስጉምቲ ወሲዱ፡ ርዝነቱ ከረጋግጽ እንተኾይኑ፡ ምእንቲ ሃገር እምበር ምእንቲ ውድቦም ይቃለሱ ከምዘየለዉ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ብግብሪ ከረጋግጹ ኣለዎም።

እቲ ኣብ ኣርብዓታት፡ ፖለቲካዊ ሓሸውየ ዓቕሎም ዘጽበበሎም ኤርትራውያን ኣቦታት ፡ ‘ኤርትራውያን ከይንሳማማዕ ተሰማሚዕና ኢና’ ክብሉ ዝደርጕሑዎ ጥቕሲ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ‘ውን ኣይበለየን። እቶም ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ ዘለዉ ኤርትራውያን እምብኣር፡ ነዚ ሕማም’ዚ ንምፍዋስ ኣብዚ ጉባኤ ብኣብነት ክዋስኡ ኣለዎም።  ደጋጊምና ከም እንብሎ፡ ፖለቲካዊ ውድቦም ሃገሮም ክኸውን የብሉን፡ መሳርሒ ወይ ጊላ ህዝቢ ገይሮም ክርእዩዎ ይግባእ። ከምዚ እንተዘይኮይኑ፡ ንባህርያቶም ካብቲ ንስልጣኑ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝርኢ ስርዓት ህግደፍ ዝፈልዮ፡ ስልጣንን ሓይልን ዘይምህላዎም ጥራይ እዩ ክኸውን። ንንግስነት ዘይኮነ፡ ሕልናኦም ንምርዋይ፡  ክሰርሑን ክቃለሱን፡ ምእንቲ’ዚ ድማ ንቃልሲ ካብ ነብሶም ክጅምሩዎ ኣለዎም።

እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ መቐየሪ ማልያ (Dressing Room) ናብ ሜዳ  ከይወጽኡ ሓሊኹዎም ዘሎ ጸገም፡ ዝኸፍአ መልክዕ ዝሕዘሉ እውናት ‘ውን ኣሎ። እዚ ኸኣ ፖለቲካዊ ነጥብታቶም ክደክም ከሎ፡ ነቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝጠቐስናዮ ጉዳይ ብዙሕነትን ማዕርነትን ደባሊቖም ከም ፖለቲካዊ ካርታ ስለዝጥቀሙሉ፡ ንነገራት ናብ ስምዒታዊ ምትሕልላኽ ከውድቖ ምርኣይ’ዩ። እዚ ካብ ድኻም ዝብገስ ድሑር ጥበብ ፈጺሙ ቦታ ክህልዎ ኣይግባእን።

ብነቐፌታ ምጅማር ንገዛኣ ርእሶም ኮነ ደገፍቶም ሕርኽርኽ ከምዝብሎም ኣይሰሓትን ‘ዩ። ንሰብ ግን ሰብ ኣይኮነን፡ ውጻኢት ስርሑ እዩ ዝንእዶ። ደረጃን ዕምቆትን ውድባቶም ብዘየገድስ፡ ንሓያለ ዓመታት ተወዲቦም ክሰርሑ ‘ኳ እንተጸንሑ፡ ድምጾም ካብ ምስቲ ቀንዲ ከውድቑዎ ከም ዝተዓጠቑሉ ዝዛረቡሉ ዲክታተርያዊ ስርዓት፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ኣብ ዝገብሩዎ ክርፍስ እዩ ብዓውታ ክስማዕ ጸኒሑ። ነዚ ጉባኤ’ዚ እምብኣር ናብ ሓድሽ መድረኽ ከምእተሰጋገሩ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ቃልሲ ክሳተፍ ዝጽበዩዎ ህዝቢ ኤርትራ ዘመስክሩሉ ዕድል ገይሮም ክጥቀሙሉ ይግባእ።

ምእንቲ’ዚ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ብሓባር ዓው ኢሎም ክዝርግሑዎ ዝግባእ ኣዋጅ፡ ድሕሪ ምቕያር ስርዓት ህግደፍ ፖለቲካዊ ስልጣን ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምርካብ ዕማም እምበር ንገዛእ ርእሶም ዘውዲ ናይ ምድፋእ ጥሙሕ ከምዘይብሎም እዩ። ከምዚ ኢሎም ንህዝቢ ኤርትራ ብኣፍ ጥራይ ዘይኮነ ልባዊ መብጽዓ እንተኣትዮምሉ፡ ተሰታፍነት ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ክብ ካብ ምባል ሓሊፎም፡ ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ዘካየዱዎ ቃልሲ ‘ውን ሕልናዊ ሞሳ ክረኽቡሉ እዮም። ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንቃለስ ኣለና እናበሉ፡ ስልጣን ካብ ህግደፍ መንዚዖም ንገዛኣ ርእሶም እንተገይሮሞ ግን፡ ካብቲ ምእንቲ ናጽነት ተቓሊሰ ኢሉ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ዝፈሊ ነጥቢ ኣይክህልዎምን እዩ። በንጻሩ ነቲ ድምጽን መሰልን ህዝቢ ዓፊኑ ዘይሕጋዊ ስልጣን ዓትዒቱ ዘሎ ስርዓት ‘ዮም፡ ሕጋዊ ዝገብሩዎ ዘለዉ።

ለውጢ ዘይተርፍ እዩ። ኣብቲ ለውጢ ኣብ ክንዲ ሕመረት ቅራፍ ኮይኖም ከይተርፉ፡ ኣብ ምቅልጣፉ ጭቡጥ ተራ ክህልዎም፡ ህዝቢ ክስዕቦም እምብኣር፡ ካብ dressing room ወጺኦም ምስቲ ብጅምላዊ በደላቱን ጥፋኣቱን ጥራዩ ውጺኡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፎእ ኢሉዎ ዘሎ ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሜዳ መኸተ ክፋጠጡ ኣለዎም።

ብዓቢኡ፡ ኩሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝሳተፉ ወከልቲ መንእሰያት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን፡ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምውዳቕ እጃም ዘለዎም እዋናውያን ዛዕባታት ሰሪዖም ክዝትዩ፡ ረብሓን መጻእን ህዝቢ ኤርትራ ከቐድሙ ምእንቲ፡ ሓቅን ርትዕን ዘጕልሕ፡ ሚዛን ፍትሒ ዝሕሉ ንጡፍ ኣበርክቶ ክገብሩ ኣለዎም። ብድሕሪ’ዚ ኣነ ስለዝተሳተፍኩዎ ቅኑዕ፡ ውጽኢታዊ ኮይኑ፡ ኣነ ስለዘይተሳተፍኩዎ፡ ግጉይ፡ ፍሹል እዩ ዝብል ካብ ግላዊ ኩነታት ዝብገስ መጎተ ጸልዋ ኣይክህልዎን እዩ። እቲ ናዕታ ካብ ኣፍ ውጽኢት ‘ቲ ጉባኤ እዩ ክርከብ ዘለዎ። ምእንቲ’ዚ ኸኣ፡ ሓደራ፡ ካብ ዜሮ ኣይንጀምር፡ ኣብ ዜሮ ከይንነብር።

ንስመር ንዲሞክራስያዊ ለውጢ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

18 ሕዳር 2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Fanko November 19, 2011

    a. The author did his best to explain a lot of issues very well. But this so called “conference” which is really like a yearly meeting of certain political groups does not deserve a response of this magnitude. The best response is to ignore them.
    If these groups are promoting and marketing about this annual meeting as a “national conference” representing Eritrea, then they are only fooling themselves because they only represent the ideals of the dead Jebha and its defunct leadership.
    I also heard this morning in a Paltalk that many young Eritreans who were willing to participate were deliberately excluded by some individuals who call themselves as “commission”. The major insult was when Mr. Danel Tewelde who was elected as a representative of many Eritreans in California was accused as “higdef spy, TusTus, bojbaj … untrustworthy” by the chairman of the commission Amaha Domieniko but no commission member tried to defend poor Danel who was treated as a piece of shit. The was Issaias treats his cabinet members… b

    • Fanko November 19, 2011

      b. For the last few years until he was frozen, Danel Tewelde has been its official public relations officer in charge of media and documentation.
      Not only this but also Amha and others called the Ethiopian police and security forces to “throw him to jail and take action” on Danel. Learning from the higdef regime, which to its credit admits of being not democratic, Amha and the commission have “frozen” (mdskal) many ELECTED members without any legal and democratic process. Lomi Danel, tsbah nAKa:
      Any decision or Fatwa or decree made in the name of this undemocratic self-appointed commission is null and void. This self-appointed commission is illegal and its does not represent Eritrea or Eritrea’s interest. This is not Eritrea’s Gubaie. This is not Eritrea’s conference. This only represents the views and interests of its senile leadership.
      I urge Eritreans to stop talking and mentioning this commission because it only represents the rotten views of its aging leaders.
      This is another lost opportunity, waste of time and resources. This “commission” will not disappoint you to disappoint.

      • ahmed saleh November 20, 2011

        Franco
        Before I comment about this serious political problem, give me time to get the facts before
        I jump in conclusion. While it make sense what you said, we have to look other way for solutions.
        we have to engage practically and organize ourself create our own new progressive political party
        to confront these groups by supporting our party ideologically and financially to reach our goal.
        Otherwise, like MAO TSE TANG said we would look as we act like tigers on a picture.

  • dani November 20, 2011

    ኣማኑአል ኢያሱ ኣምባሳደር ናይ መለስ ዜናዊ ምኻንካ ኮ ሕጂ ኣይኮንካን ኣረጋጊጽካ
    እዛ ብመስዋእቲ ዝመጸት ሃገር ኣብ ሓደጋ ንምውዳቃ ብዙሕ ኢኻ ትህውትት ዘሎኻ፣
    ኣበይ ዝበጻሕካ ኢዩ መሲሉካ ፣
    ንግዚያዊ ረብሓ ክትብል ሃገር ክትሸይጥ ትፍትን፣
    መናእሰያት ኤርትራ ነዞም ከማኻን ወዲ ከማኻን ዝኣመሰሉ ሰባት፣ ዋጋኹም ክንህበኩም ኢና፣
    ነዊሕ ኣይኮነንን፣

  • Fanko November 20, 2011

    Yes, to mass action. No, to undemocratic forces.
    Look how the so called Addis-based “Commission” is practicing its drama. The Commission are hungry crying “enguy, enguy …” like a hyena. Just listen below the way Danel Tewelde, now former elected member of the Commission, was treated. He was kicked out unceremounsly without a democratic process. This looks like Jebha’s 1974 “hagerawi gubaie” when its leadership selected the majority of the “hagerawi gubaie” from Kessela, Khartoum … ignoring the ELF tegadeltis in the field to avoid “highlanders from dominating”.
    One speaker remarked ” … it is only in dark place that injustice can be committed … what is happening is exactly the same that had happened to the Haile Dru’es and Sherifos in the G-15 … Amaha Domenico and the Commission are trying to take a decision outside of the democratic political process hidden in wushaTe …”
    Why is ato Amanuel Eyasu of Radio Assenna and his web site quite on this issue? Is not Amanuel Eyasu concerned about the democratic process?
    Ms. Elsa Chyrum starts at 41 minutes and ato Daniel Tewelde starts around 53 minutes in the youtube link below:
    http://www.youtube.com/watch?v=C76OV4Nexc8&feature=player_embedded

  • gasha November 21, 2011

    t

  • keyword10 December 27, 2011

    Its such as you learn my mind! You seem to know a lot about this, such as you wrote the e book in it or something. I believe that you simply can do with some p.c. to force the message house a little bit, but other than that, that is excellent blog. A great read. I’ll certainly be back.

Post a Reply to keyword10 Cancel Reply