Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወሰኽ ደሞዝ ብምጥላብ ኣብ ኣይቨሪኮስት ናዕቢ ዘለዓዓሉ ወተሃደራት ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት ተቖጻጺሮም ኣብ ዘለዉሉ እዋን ኣብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዘይምርግጋእ ከይክሰት ሻቕሎት ተፈጢሩ ከምዘሎ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ወሰኽ ደሞዝ ብምጥላብ ኣብ ኣይቨሪኮስት ናዕቢ ዘለዓዓሉ ወተሃደራት ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት ተቖጻጺሮም ኣብ ዘለዉሉ እዋን ኣብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዘይምርግጋእ ከይክሰት ሻቕሎት ተፈጢሩ ከምዘሎ ሮይተርስ ሓቢሩ። ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ እቲ ካብ ዋና ከተማ ኣቡጃን 350 ኪሎሜተር

ወሰኽ ደሞዝ ብምጥላብ ኣብ ኣይቨሪኮስት ናዕቢ ዘለዓዓሉ ወተሃደራት ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት ተቖጻጺሮም ኣብ ዘለዉሉ እዋን ኣብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዘይምርግጋእ ከይክሰት ሻቕሎት ተፈጢሩ ከምዘሎ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ እቲ ካብ ዋና ከተማ ኣቡጃን 350 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝጀመረ ናዕቢ ናብ ካልኦት ከተማታት ኣብ ዝላብዓሉ ዘሎ እዋን ሓይልታት ጸጥታ መዓስከራቶም ለቒቖም ይሃድሙ ኣለዉ። ኣብ ዋና ከተማ ኣይቨሪኮስ ኣቡጃን ከምዝብጽሑ ‘ውን ይንገር።

ኣይቨሪኮስት ኣብዞም ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ተደጋጋሚ ወተሃደራዊ ዕልዋታት ኣጋጢሞማ እዮም። ይኹን’ምበር እዚ ናይ ሎሚ ወተሃደራዊ ናዕቢ ኣብ መሰረታዊ ናይ መነባብሮ ሕቶታት ዘተኮረ ምዃኑ ተዓዘብቲ ‘ቲ ኸባቢ ይእምቱ።

ሎሚ ቀዳም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ፕርዚደንት ኣይፈሪኮስ Alassane Ouattara፣ ሕቶታት ናይቶም  ወተሃደራት ሰሚዑ ምስቶም ኣብ መላእ ‘ታ ሃገር ናዕቢ ዘለዓዓሉ  ወተሃደራት ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ብምግላጽ፣ እቶም ኣብ ምንቅስቓስ ዘለዉ ወተሃደራት ናብ መዓስከራቶም ክምለሱ ብትዊተር ጻውዒት ከዘመሓላለፈ ቢቢሲ ይጠቅስ። እንተኾነ፣ ብወገን ‘ቶም ኣድማ ኣልዒሎም ዘለዉ ወተሃደራት ዛጊት ዝተሰምዐ  ሓቅነት ናይዚ ምዕባለ ‘ዚ ዘረጋግጽ መገለጺ የልቦን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde January 7, 2017

    The day this kind of mutiny happens in Eritrea,the American government will wipe out its national debt to zero.So it seems.

POST A COMMENT