Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወርሒ መስከረም! ብተስፋ’ዩ ህዝብና ዝጽበየኪ ሎሚ ዘበንከ! እንታይ ኮን ይኸውን ብስራትኪ!

ወርሒ መስከረም! ብተስፋ’ዩ ህዝብና ዝጽበየኪ ሎሚ ዘበንከ! እንታይ ኮን ይኸውን ብስራትኪ!   ተላዒሉ’ዩ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ይኣክል! ንኢሳያስ ኣብ ዝፈሓሮ ጉድጓድ ከጥሕል   ስለዚ ኣሕዋት! ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ሃ-ሰ-ስ! በሉ ንኢሳይስ ዝቕድም ዳህሊሉ ከይህሉ ነዚ ብሰይጣን ዝተላእከ ተዃሒሉ ናይ ወዲሰብ ርሕራሐ ዘይብሉ ንህዝቢ ዘጽነት ሓላዪ

ወርሒ መስከረም! ብተስፋ’ዩ ህዝብና ዝጽበየኪ

ሎሚ ዘበንከ! እንታይ ኮን ይኸውን ብስራትኪ!

 

ተላዒሉ’ዩ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ይኣክል!

ንኢሳያስ ኣብ ዝፈሓሮ ጉድጓድ ከጥሕል

 

ስለዚ ኣሕዋት! ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ሃ-ሰ-ስ! በሉ

ንኢሳይስ ዝቕድም ዳህሊሉ ከይህሉ

ነዚ ብሰይጣን ዝተላእከ ተዃሒሉ

ናይ ወዲሰብ ርሕራሐ ዘይብሉ

ንህዝቢ ዘጽነት ሓላዪ መሲሉ

ንኣመንቲ ምስልምና ክርስትና ዘጥፍእ ከፋፊሉ

ካብ ኣቡን ዝለዓለ ኣቡን ዝኸውን ቅሽነት ዘይብሉ

ነቶም ኣስላም ኣሕዋትናኸ እንታይ እናበለ ኮን!

የዳህልሎም ይህሉ?

 

ቃልሲ ዓወት ዝጅመር ብካልእ ድዩ ብዙር ፈንቅል?

በተግ ኢሉ ዝልዓል ንኢሳይስ ክነቅል!

 

እዞም ሰብ ዝመስሉ ሰይጣውንቲኸ እንታይ’ዩ ጉዶም

ኣሕዋትና እናበልናዮም

ዘጥፍኡና የማናይ ኢዱ ኮይኖም!

ምፍላጥ ስኢኖም?!

ምሳር ኢሳያስ ተጻውዳ ከም ዘላ ኣብ ክሳዶም!

ሓንቲ መዓልቲ ከም ትወድቕ ናብኦም

ስለ ምንታይ ኢዩ?

‘ቅዱም ኣይትኹን! እናበሉ ንካልኦት ኣሕሊፎም

ዝድሕኑ ዝመስሎም?

ምሕሳብ ድዮም ስኢኖም ዝህመሉ ዝታለሉ

ንህዝቦም ዘጽንቱ ክሳብ ብመዓልቶም ዝጥሕሉ!

ወግሐ ጸብሐ ዝዝምሩ፡ ‘ንሕና ንሱ!’

ኣብ ሃገርና ሰይጣን ከሎ ነጊሱ

ንዘጥፍኦም ሰይጣን ንበረልና! ዝብሉ ዘጣቕዑ!

ደድሕሪ ሰይጣን ዝኸደ ናብ ሰይጣን ድዩ ዝልወጥ?

ልኡኽ ሰይጣን ድዩ ዝኸውን ንህዝቡ ዘጥፍእ?

 

ሎሚ ግን ይልምልም’ዩ ዘሎ ተስፋ ህዝብና ይልምልም

ይትኣኻኸብ’ዩ ዘሎ ዝኣሊ ንኢሳያስ ጠላም

ይበዝሑ’ዮም ዘለዉ ዘመስክሩ ደቂ ህዝቢ ምዃኖም

ስለዚ፡ ‘እንቋዕ ሓጎሰና! እንቋዕ ሓጎሰኩም!

‘እንቋዕ መጋብሪ እከይ ካብ ምዃን ድሓንኩም!’

እናበልና ብሓጎስ ንቀበሎም

 

ዝተረፉ ከኣ ኣሰሮም ክስዕቡ ንምከሮም

ናይ ኢሳያስ ሃወርያ ጥፍኣት ምዃን ገዲፎዎ

ናብ ልቦም ክምለሱ ንህዝቦም ክሒሶም

ህዝብናን ሃገርናን ነድሕን! ዝብል ጻውዒት ሰሚዖም

ምስ ደላይ ፍትሒ ክጎዩ ከድሕኑ ንህዝቦም

ክስቆሮም ዕዳ ስውኣት ከም ዘለዎም

 

ወርሒ መስከረም! ህዝብና ብተስፋ ኢዩ ዝጽበየኪ

ሎሚ ዘበንከ እንታይ ኮን ይኸውን ብስራትኪ!

ንንፋስ ሃብዮ ነዚ ሰይጣን ይኣክል! ኢልኪ

ነዚ ምስ ሬሳ ከይተረፈ ዝብኣስ ሰይጣን

ሆስፒታላት ዓጽዩ ኣብ ሜዳ ዝሰጥሕ ንሕሙማን

ሓደራ ኣለና ህዝበይ! ድሕሪ’ጂ ብኢሳያስ ከይንግራህ

ድሉዋት ኮንና ክንጸንሕ ተንኮላት ኢሳያስ ንምብዳህ

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 30 ነሓሰ 2019

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Danilo September 1, 2019

    እወ ወርሒ መስከረም ለጋስ እያ፡
    ጸባ ብዳጉድ ተጨልጥ እያ፡
    ባዶ-ባዶ ( 00፡00 ) ስዓት እቶ እቶ፡
    ኩሉ ስርዓት ንዝምልከቶ ፡እወኣት መዓል ኮንቶ-መንቶ ፡ ሕጂ ፈሪስኩም ቢንቶ/ፎርቶ።

POST A COMMENT