Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኮንፈረንስ ኤርትራውያን መንእሰያት ዋሺንግቶን ዲሲ

“ሽግር ኤርትራ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ኤርትራውያን መንእሰያት ሽግር ሃገርና ንምቕንጣጥ አብ ሃገርና ዘሎ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት መዛዘሚ ንኽግበረሉ ዝሕግዝ ኮንፈረንስ ንምድላው አብ ምሽብሻብ ንርከብ። እዚ ዝተፈላለየ መደባት ዝሓቖፈ ኮንፈረንስ ካብ 25-28 ግንቦት አብ ርእሲ ከተማ ሕ.መ.ኣ ከተማ

“ሽግር ኤርትራ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን”

ኤርትራውያን መንእሰያት ሽግር ሃገርና ንምቕንጣጥ አብ ሃገርና ዘሎ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት መዛዘሚ ንኽግበረሉ ዝሕግዝ ኮንፈረንስ ንምድላው አብ ምሽብሻብ ንርከብ። እዚ ዝተፈላለየ መደባት ዝሓቖፈ ኮንፈረንስ ካብ 25-28 ግንቦት አብ ርእሲ ከተማ ሕ.መ.ኣ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ ክካየድ እዩ። ነዚ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ነቒሉ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርና ዘትዩ ንኹሎም ኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ለውጢ ናብ ሓደ ናይ መቃለሲ ባይታ ከምጽእ ተስፋ ዝግበረሉ ዘሎ ኮንፈረንስ ዓቕሚ ብዘፍቀደ መጠን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ንዝመጹ ጉዱሳት ከሳትፍ እዩ። ዛጊት ብዘሎና ሓበሬታ ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ክሳተፉዎ ከምዝኾነ ተረጋጊጹ አሎ።

እዚ ኮንፈረንስ እዚ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ዝተገብሩን ገና እውን ንዝግበሩ ዘለው ጻዕርታትን ሃልክታትን ብአወንታ ይግምግም። ጉዳይ ሃገር ብኢደይ ኢድካ እዩ ዝፍታሕ ዝብል ጹኑዕ እምነት ስለ ዘለዎ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ባእታታት ሓቢሩ ክሰርሕ ምዃኑ ካብ ሕጂ ከነጽሮ ይደሊ። ሽግር ኤርትራውን ዝፍታሕ ብኤርትራውያን እዩ ዝብል ቴማ ንምንታይ ተመርጸ ዝብል ሕቶ ናብ አእምሮ ህዝቢ ቅጅል ክብል ጉቡእ እዩ። እዚ ቴማ ዝተመርጸሉ ሕመረት ሓሳባት፤ ነቲ አብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ አደራዕን መከራን ናይ ምፍትሑ ሓላፍነት አብ እንግድዓ እዚ መንእሰይ ወይ ሓዲሽ ወለዶ ምዃኑ ብግልጺ ክሰፍር ስለዝተደለየ እዩ።

አብዚ ብስራሕ ሰሚርካ አንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኩለማዳያዊ ቃልሲ፡ ደለይቲ ለውጢ አብ ነንሕድሕዶም ዝህልዎም ሓልዮትን ምክብባርን ሓደ ረቛሒ ሓባሪ ዓወት ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። እቲ ነዚ ቴማ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ምስቲ ደለይቲ ለውጢ አካላት ንህዝብናን ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ብቐረባ ንኽከታተልዎ ክጥዕም አብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዘለዎም ህላዌ ወይ’ውን ንዝጥቀሙሉ ዘለው ባይታ ቃልሲ ዝጻረር ከምዘይኮነ ከነስምረሉ ንደልይ። እዚ ክንብል እንከለና እቲ መዘውር መንኮርኮር ለውጢ ኤርትራ ብኤርትራውያን ክጭበጥ አለዎ ካብ ዝብል ጹኑዕ እምነትና ንስድሪ እውን ድሕር ከይበልና እዩ። ነዚ ኤርትራውያን እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ደራኺ ተራ ዝህልዎን ናብቲ ራእይ ዝመርሓና እቲ መዘውር ናይቲ መንኮርኮር እምበር፤ እቲ ነዳዲ ናይቲ መንኮርኮር ዘይምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ እቲ እዋን ስለዝአኸለ ነቲ ዘይተርፍ ሓላፍነቱ ክስከም ይግባእ።

እዚ ተመሪጹ ዘሎ ቴማ “ሽግር ኤርትራውያን፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ሽግር ሃገርና ብኸመይ ይፍታሕ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ጠንቂ ሽግርናን ብውሽጥን ብደገን ንምፍላጥ ብዕምቆት ክዝትየሉ እዩ። ድሕሪ ክትዕን ዘተን ድማ ነቲ ብማሕበረሰብ ዓለም አብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ተበይኑ ዘሎ እገዳ ናብ ረብሓ ህዝብናን ቃልስናን ከነውዕሎ ብትሪ ክሰርሓሉ ከምዝኾነ ክፍለጥ ይግባእ። አጀንዳ ናይቲ ኮንፈረንስ አብ ቀረባ መዓልታት ንህዝቢ ከምዝዝርጋሕ እንዳሓበርና፡ ጉዱሳት አብኡ ርእይቶኦም ክህብሉን ክካትዕሉን ትጽቢት ይግበር።

አብ መዛዘሚ ክንብሎ እንደሊ እዚ አብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝጋባእ ኮንፈረንስ መንእሰያት ዓዳምን ጋሻን ዘይብሉ ኩልና ኤርትራውያን ብማዕረ እንውንኖ ጉዳይና ስለዝኾነ ክንሳተፎ ካብኡ ሓሊፍና እውን ተኻቲዕናን ዘቲናን ዳስ ኩልና ክንገብሮን አዳላዊት ኮሚተ ብኽብሪ ትሓትት። ነዚ ኮንፈረንስ ዕውት ንምግባር ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዝተዋጽኤት ሽማግለ ስለዘላ አካል ናይታ ሽማግለ ብምዃን እጃምኩም ከተበርክቱ እትደልዩ ንኽትውከሱና እንዳዘኻኸርና፤ አዚ ኮንፈረንስ እዚ ናትካ፣ ናትኪ፣ ናትኩም ናይ ኩላትና እዩ’ሞ አብቲ ጊዜን ቦታን ብሰላም የራኽበና ንብል።

ናብዚ ኮንፈረንስ ክትምዝገቡ ወይ’ውን ሓገዛትኩም ከተወፍዩ እትደልዩ http://eysc.net/ ኬድኩም ሓበሬታ ክትረኽቡ ከምእትኽእሉ ንሕብር።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!!

12 መጋቢት 2012 ዓ.ም

አዳላዊት ኮሚተ ኮንፈረንስ ዋሽንግቶን ዲሲ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Eritrea first April 4, 2012

    this a very big step forward in our struggle for change, if the youth came together and PFDJ have no future. I really wish all the success for this conference, I hope similar action would be taken by our youth in Europe as well. I am so eager to be part of it.

    • Senait April 4, 2012

      Eritrea First Stop lying to yourself. I am sure you are so busy cleaning your master Bath room. why not you leave your comfort zone area and join if there is any opposition and carry gun. Tell us what you are going to do on the west opposition who yourself hadami.

      • X TEGADALAYE April 4, 2012

        SENAIT You see you come to you sense now good comment. We need to tell this empty head to get up and start to do sumthing and sop JEBHA SHEABIA old story. My praye is wornking still i will pray for you and we love you to Senait.

      • concerned Eeritreawi April 4, 2012

        Senait stop the insult and try to learn Tigrigna your mother language that is if you are an Eritrean.

        • SINGAPO - ERITREAN April 5, 2012

          She could be Bilen or even Tigre christian ,I despise her opinions , but it is not only tigrinya speaking people that own the name Senait.

      • jonas-1923@hotmail.com April 5, 2012

        Senait
        The question is for you, if you like Isayas why ain’t living there? In fact the lucky ones are abroad, many choose to die at the high seas than live a hopless life under the dictator. Many EritreanS are killed by smugglers and their organs sold, still the exudos of reugees continue, because there is total despair in Eritrea. Those who died to free the country must be turning in their graves,

  • Yemane April 4, 2012

    COPY FROM YPFDJ CONFERENCE……LOL

  • Winta April 4, 2012

    I am really glad for those who took the initiative to make this happen, I am sure it would be a successful one, and the youth in the west are selling thier soul to the PFDJ regime because they don’t have such venues. Now i could smell the change that we all dream, because only the youth are instruments of change in all revolutions, that is why Isaias is depliting Eritrean youths from the streets long years back, who knew events like the arab would come one day.

  • SINGAPO - ERITREAN April 5, 2012

    wedi-hhilo

    Maybe you never heard the Tigrinya saying “ዝተናዕቀ ሽ…..ስ የጥንስ”or the Amharic one “የተናቀ ቁ.. ያስረግዛል “….roughly translated …”a despised tiny penis can impregnate ,a big woman “….do not make the same mistake PFDJ´s brother DERG ,made….”ከመቶ ሃምሳ የማይበልጡ በሃሽሽ የሰከሩ ተገንጣዮች…. “..false , they were not dopped with marijuana /hashish..,just drunk with DIMU – DIMU…and they kicked his black ass !!!

  • Senait April 5, 2012

    Everything easy behind the PC. Just Remember how the Shaebias did the Question again Can you leave your starbuck coffee and Carry Guns? Simple hadami wedi hadami or deki hadmeti answer the Question.

POST A COMMENT