Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኮለኔል ብርሃነ ሃይለ (ወዲ ውነሽ) ከምኡ `ውን ኮ/ል ደረስ ገብረኣምላኽ ብውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ተኣሲሮም።

[caption id="attachment_34383" align="alignright" width="191"] ኮ/ል ብርሃነ ሃይለ ( ወዲ ውነሽ)[/caption] ኮለኔል ብርሃነ ሃይለ (ወዲ ውነሽ) ከምኡ `ውን ኮ/ል ደረስ ገብረኣምላኽ፡ ዝርከቡዎም ኣባላት ስታፍ ቤትጽሕፈት ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ብ ሰሉስ 18 ታሕሳስ ብውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝተኣሰሩ ምንጭታት

ኮ/ል ብርሃነ ሃይለ ( ወዲ ውነሽ)

ኮለኔል ብርሃነ ሃይለ (ወዲ ውነሽ) ከምኡ `ውን ኮ/ል ደረስ ገብረኣምላኽ፡ ዝርከቡዎም ኣባላት ስታፍ ቤትጽሕፈት ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ብ ሰሉስ 18 ታሕሳስ ብውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝተኣሰሩ ምንጭታት ሓቢሮም።

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ሚኒስተር ምክልኻል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሓላፊ ቤትጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝነበረ ኮለኔል ብርሃነ ሃይለ (ወዲ ውነሽ)፡ ከምኡ `ውን ስታፍ ፋይናንስ ምክልኻል ዝነበረ ኮ/ል ደረስ ገብረኣምላኽ ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ከም ሓላፊ ምክልኻል ናብቲ ቦታ ድሕሪ ምምጽኡ ደስኪሎም ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ`ዞም ኮለኔላት ዝተወስደ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ብሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ከምዝወስደ `ውን እቲ ሓበሬታ የገንዘብ።

ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ኮለኔል ወዲ ውነሽ ይኹን ኮለኔል ደረስ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ መጥቃዕቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ከምዝተኣስሩ እዩ ዘረድእ። ስለዚ፡ ኣብ መጥቃዕቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ኢድ ከምዘለዎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ህዝቢ ናይ ምድንጋር ዕላማ ዘለዎ ከይከውን ጥንቃቐ ዘድልዮ እዩ።

ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ `ቲ ብ 19 ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምኣመሉ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃበን። ስለዝኾነ፡ ኩነታት መጥቃዕቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ገና ዝያዳ ምጽራይ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Amanuel December 22, 2018

    Assenna hasiskum beka. Ertra zibexih gosgas ab uwanu endatexebena meliskum nidihrit.

  • ወዲ ሓማሰን December 23, 2018

    ህግደፍ ጓሓፋት ዕላማኦም ዝከሓዱ ንለዋህ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠለሙ ውድቀቶም የሪአና ምስቲ ካሕዳም ሳጥናኤል መራሒኦም እዚ ርህሩህ ህዝቢ ሽግሩ ክውዳእ።

  • TekleabG December 23, 2018

    መንግስቲ ከም መንግስቲ በመነፅር ህዝቢ ክሀጅም ይግባእ ኢለ ኣምን፡፡
    ሓደ ናይ መንግስቲ ብዓል መዚ ብፅቡቅ ክምስገን፤ብሕማቅ ክንቀፍ ኢሉ ‘ውን ክውቀስ ካብኡ ሓሊፋ ክብቆስ እንተኾይኑ ብዓይኒ ረብሓ ህዝብን አብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘብፅሖ በደልን ክቃነ ይግባእ፣ክምራሕ ‘ውን ይግባእ ኢለ ኣምን፡፡

  • ዝበረቐ ጽሓየይ December 23, 2018

    እቲ ወዲ ዉነሽ ዝብል ስም ወዲ እንዳስዋ ይጥዕም እቲ ደረስ ድማ ሽም ናይ ጎንደሬ እዩ ስለዚ ኢሳያስ ኣብዚ ቐረባ ከፍትሖምዩ.ንወዲ እንዳስዋ ክእሰር ኢሳያስ ከም ናይ ወዲ መደቡ ስለዝርእዮ ንደረስ ጎንደሬ ድማ ኣብሓጎኡ ኣብ ጎንደር ስለ ዝተቐብሩ ብዝቐልጠፈ ነጻ ወጻእቲ እዮም እብል ኣነ

  • Hagherawi December 23, 2018

    እቲ ደመኛ ስርዓት ፥ ህዝቢ ናይ ምድንጋር ነዊሕ ተመክሮ ስለ ዘለዎ፥ ብመድብ ዝፍንዎ ጉጉይ ሓቤረታ ትቅብል ኣቢልካ ናይ ምውሓጥ ልምዲ ደምበ ተቃዉሞ ክብቅዕ ኣሎዎ።
    ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሓሰውቲ ኮይኖም ከም ዝርከቡ ገርካ ፥ ብድሕሪኡ ሰማዒ ዘይብሎም ኮይኖም ንኽተርፉ ዝግበር ፥ በሊሕን ፉሉጥን ናይ ፕሮፓጋንዳ ሜላ እዩ።
    እቲ ዕላማ ናይዚ ስሪሒት ፥ ህዝቢ ተስፋ ቆሪጹ፥ ተመሊሱ ኣብ ናይ ምልኪ ኣርዑት ተቀይዱ ከም ዝነብር ምግባር እዪ።
    ስለዚ ፥ ተባራሪ ወረታት ቀልጢፍካ ዘይምድጋም።
    መን እሉ ፥ ማኣስ ፥ ኣበይ ፥ ክመይ፥ ስለ ምንታይ፥ ንጥቅሚ መን፥ ኣንታይ ዕላሙኡ ፥ ዝብል ቀጻሊ ሕቶታት ምልዓል ኣድላይ እዩ።
    ካብ ዝተፈላለየ ማኣዝናት ዝናፈስ ወረታት፥ ቅድሚ ስምዒት ብኣእምሮ ምምዛን ኣድልይ እዩ።

  • Brhane December 23, 2018

    Wedi Wunesh is the most corrupt colonel From all the corrupt shaebiyas. I don’t feel sorry. Glad he is where he belongs.

  • k.tewolde December 24, 2018

    It is a cartel structure with the kingpin at the top calling the shots,with the territory widening there will be encroachment, at times intrusion and hostile takeover,the players armed with greed and insecurity which is a deadly combination.It is a nuclear fission scenario that has nothing to do with opposition or peoples democratic movement.2019 is around the corner,the magma at the core has been rumbling for too long,the once sitting at the top of the crater enjoying the panoramic view for sometime are smelling the whiff of the sulfur gas.Sometimes nature has to take its course. Hallelujah!

  • Wedi Hagher December 24, 2018

    If the tense and ominous situation in Asmsra continous like it’s now for another six month, the country is at risk.

  • Simon G. December 24, 2018

    Unfortunately “ብላዕ-ተበላላዕ ናይ ህግደፍ ዋላ ህግሓኤ መስርሕ”
    Nothing new here.

  • Warsay Adhanom January 4, 2019

    Nothing lasts for ever. The dictator has to go. enough is enough. We can’t expect to see mass demonstration , as we are witnessing in Sudan, due to extremely tied security in Eritrea.The biggest employer of the country.. But i still believe there are brave Eritreans in our defense force who will take action, hopefully sooner, rather than later..

POST A COMMENT