Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡

ብቃል ይኹን ብጽሑፍ ብኣካል፡ ብበኢዓይነቱ ቃላት፡ እዛ ሓዳስ ዓመት  2020  ሓሳረ መከራና ተዛዚሙ፡ ናይ ሰላምን ራህዋን ዓመት ትግበረልና እናበልና ምንዮትና ንገልጽ ኣሎና።  ካብ ዝሓለፈ እዋናት ዝያዳ ተስፋ ዝህበና ዘሎ ድማ ኣብ ነንሕድና ዘሎ ምርድዳእ እናደልደለ

ብቃል ይኹን ብጽሑፍ ብኣካል፡ ብበኢዓይነቱ ቃላት፡ እዛ ሓዳስ ዓመት  2020  ሓሳረ መከራና ተዛዚሙ፡ ናይ ሰላምን ራህዋን ዓመት ትግበረልና እናበልና ምንዮትና ንገልጽ ኣሎና።  ካብ ዝሓለፈ እዋናት ዝያዳ ተስፋ ዝህበና ዘሎ ድማ ኣብ ነንሕድና ዘሎ ምርድዳእ እናደልደለ ይኸይድ ስለ ዘሎ‘ዩ።  ሐወይ ዮውሃንስ ጸጋይ ኣብ ደንቢኡ ደንበ ስኒትና፡ ኣብ ናይ ሓዲሽ ዓመት መልእኽቱ  ብሓልዮትን፡ ብውሕልል ኣባሃህላን፡  ውልቀ ሰባት ይኹኑ፡ ማሕበራት፡ ትካላት፡ ጉጅለታት፡ ሃገር ንምድሓን፡ ሰላም ንምርካብ ዝገብርዎ ዘለው ኣበርክቶን ክግበር ዘለዎምን፡ ኩሉ ጽሙቅ ኣቢሉ ምስ ምስጋንኡ ገሊጹ’ሎ።

ኣብ 2016  ርእሰ ለውጥ –self-transformation ዘርእስታ ጽሕፍቲ ይኹን ዘረባ ኣብ ደንበ ኣዝምሪኖ ኣሰና ተዘርጊሐ ነይራ። እሞ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት እዚኣ ብወገነይ ነዚ ኩላትና ክንሳተፍ ኣሎና ንብሎ ዘለና ክሕግዘና ይኽእል’ዩ ኢለ ዝኣምነሉ ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ ካብኣ ቁንጭል ኣቢለ እዚ ዝስዕብ ከንብብ’የ”

“ብረት ሒዝካ ድላይካ ምእሳር፡ ኣሲርካ ምርሳዕ፡ ብዘይ ሕፍረት ዋንኡ ኣብ ወጻኢ ኣሎ ኢልካ ማዕጾ ሰቢርካ ምእታው፡ ምውራስ፡ ኣኻሊ ደሞዝ የብለይን ኢልካ ብሩኡይ ሓፍ ዘይብል ጉቦ ከይሓፈርካ ምብላዕ። ሕጽረት ገዛውቲ ዘምጽኦ ጽልእን ቅርሕንትን ማዕረ ምቅትታል፡ ከም ቅቡል ጌርካ ምውሳድ፡  ምስ ማፍያታት ተሓባቢርካ ናይ ሓብትኻን ሐውኻን ልብን ኮላሊትን ሸጥካ ዝረተሰርሐ ገዛ፡ ክንዲ ነቲ ሰብ ፎእ ትብሎ ተድንቆ ኮንካ፡ ብሓቂ እዚ ነገር እዚ ኣብ ሱር ደምና ኣትዩ ዝዕረ ነገር ኣይኮነን ይብሃል፡ ዘየብል’ውን ኣይኮነን። ግን ክዕረ ዝከኣል እዩ፡ ከመይ 60 ዓመታት ኣብ ዕድመ ወዲ ሰብ ብዙሕ’ዩ ወረ ዳርጋ ኩሉ እዩ፡ ኣብ ዕድመ ሓንቲ ሃገር ግን ኣዝዩ ውሑድ እዩ።  እወ ከምዚ ኹሉ ሰንከልከል ኢልና ክሳብ ዝኣኽለና፡  ፈጺምና ግን ኣይወደቅናን፡ እቲ ግሩም ባህልና፡ ጽፉፍ መናባብሮና፡ ምትሕቋቅፋና፡ ናይ ሓድሕድና ለውሃትና ፈጺሙ ጠፊኡ ማለት ኣይኮነን።  ኣብተን ብዙሕ ዝህዝበን ሃገራት፡ ብልሽውና፡ ሓሶት፡ ስርቂ፡ ዓመጽ፡ ቅትለት ምምካቱ ቀሊል ክኸውን ኣይክእልን።  ኣባና ግን ንምጥፍኡ ከቢድ ኣይኮነን።  ቀሊል ዝገብሮ ድማ ዋሕድናን ምትእስሳርናን እዩ፡ ወይ ናይ ስጋ ዘመድ ኢኻ፡ ወይ መዋስብቲ ኢኻ ወይ መማህርቲ ኢኻ ወይ ጎረባብቲ ኢኻ፡ ኣብ ብሽቅለትን ንግድን ብገለስ ትፋለጥ ኢኻ። ደቂ ቀይሕ ባሕርና ከበሳና መታሕትና ካብ ሓንቲ መኣዲ ንበልዕ ህዝቢ ኢና። ዘይከምኡ ርኸብዎ ኢሉና’ምበር ኣብዚ ድኽነትን፡ ድንቁርናን ስደትን ከልበትበትን ስቅያትን ህልቂትን ዘብጽሕ ኣይነበረን።  እንተኾነ እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ምውዳቅ ዘይኮነስ ወዲቅካ ዘይምትንሳእ እዩ ከም ዝብሃል፡ ንሕና ካብ ጌጋና ክንምሃር፡ ካብ ዘወዳቅናዮ ረግረግ ጭቃ ክንትንስእ ተኽእሎ ኣለና።  ስለዚ ኩላትና ርእሰለውጥ self-transformation ክንገብር  ብጽሞና ንርእስና ክንምርምራ፡ ክንሓትት ኣለና፡ ገለ ካብቲ ሕቶታት ዝብሎ እንሆ፡

“አነ  መን’የ ኣታሓሳስባይ ከመይ እዩ? ምእንቲ ሰላም ምእንቲ ናይ ረብሓ ህዝቢ ኢለ ኣብ ዘካይዶ ንጥፈታት ህልኽ፡ ኣንነት፡ ገዲፈ ትሕትና ለቢሰ ንኻልኦት ኣኽቢረ ይኸይድ ድየ? ፍልጠት መወዳእታ የብሉን፡ ስለዚ በታ ንእሽቶ ፍልጠተይ ከይተነየትኩ ካብ ዓብን፡ ንእሽቶን ክምሃር ይፍትን’የ? ምስ ዝሕጎሱ ዝሕጎስ ምስ ዝጉህዩ ይጉሂ ድየ? ሙጉሃይ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ጓሂ ዝወጸሉ መንገዲ ሃሰስ ይብልድ’የ? እዛ መሬት እዚኣ ንጊዚኡ ዝጥቀመላ እምበር ንዘለኣለም ዘይነብረላ ሙኳነይ ተረዲኤ፡ ሰናይ ተግባራት ጌይረ፡ ኣብ ስድራይን፡ ሃገረይን ጽቡቅ ስም ገዲፈ ድየ ክኻይድ ዝደሊ?  ወይስ  ዓይኒ የብለይ፡ ስኒ የብለይ ከምዛ ዘይሓምም፡ ዘይደክም፡ ዘይኣርግ፡ ጸገም ከም ዘይረኽበኒ ኣብ ደልሃመት ዝኣቱ ድየ? ኣብ ጥሮታ ምስ ኣቶኹ ዝኾነኒ ቤት ዘስራሕክዎ ከይጠፍኣኒ፡ ቤተሰበይ ምስ ዝናፍቆም ምእንቲ ጉያ ኢለ ክርእዮም ኣስመራ ፖለቲካ እንተዘይኣቲኻ ጽቡቅ ክትነብር ትኽእል ኢኻ እናበልኩ፡ ዓይነይ ዓሚተ፡ ኣእዘነይ ዓጽየ፡ ንሕልናይ ወሰንካ ሓዝ፡ ኢለ ምስቲ ቅንጣብ መሰል ወዲ ሰብ ዝባሃል ዘይሕሉ ብፍርሕን፡ ራዕድን ርኡይን፡ ዘይርእዩን ድኽነት፡ ህዝብና ዘሳቂ ዘሎ ጨካን ስርዓት ጠጠው ዝብል ድየ?

ርእሰለውጥ ቀሊል ክኸውን ኣይክእልን። ንኻልእ ሰብ ክትልውጦ ምፍታን ይቐልል ካብ ንርእስኻ ምልዋጥ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ፈሪሃ እግዚኣቢሄርን፡ ብርቱዕ ፍቅሪ ሓድሓድን፡ ጽዓትን፡ ቖራጽነት የድሊ። ከምኡ ድማ ብጻይካ  ዝገበሮ ጽቡቅ እናታዓባበኻ፡ ዝገብሮ ሕማቅ እናናኣስካ፡ ነቲ ዝፈላልየካ ወጊድካ ኣብቲ ዘቃራርበካ ኣቶኩርካ ምኻድ የድሊ”  እታ ናይ 2016 ቁንጫል መልእኽተይ ኣብዚኣ ትውዳእ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እግዚኣቢሄር ይመስግን መንእሰይ “ይኣክል” ዝብል ጭርሖ ኣልዕሉ ዓቢ እውን ስዕብዎ፡ እቲ ጭርሖ ኣብ ተግባር ከይዱ፡ ባይቶታት ቆይመንን ገናውን ይቆማ ኣለዋ።  ብኣታተን ገይሩ ድማ ህዝቢ ይዋሳእን ይጠራነፍን ኣሎ። ብብዙሕ ጉጅለታት እውን መጽናዕትን፡ ሰሚናራትን ይካይድ ኣሎ። ኮይኑ ግን ንዓይ ከም ዝመስለኒ ምስቲ ኣብ ቅድሜና ተጊቲሩ ዘሎ ከቢድ ብድሆታት ናይ ኢሳያስ ክሳብ መወዳእታ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዋሪዱ ከጽነት ዝግብሮ ዘሎ ቁልዑን፡ ዘይቁሉዕን ተግባራት፡ ምስቲ ቀይሕ ባሕርና ጥራይ ዘገድሶም ብዙሓት ናይ ስግር ባሕሪ ጎበልል ዝገብርዎ ዘለው ምትእትታውን፡ ምጥውዋይን ዝዳረግ ዘሎ ኮይኑ ኣይስማዓንን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ዘገም ምባል ዘይኮነስ ብዘለና ሓይሊ ክንጎይ ናይ ግድን ግድን’ዩ። እንሆ ድማ  እዚ ዝስዕብ ምሕጽንታ ድዩ ለበዋ – ብዙሕ ሰብ እውን ዝብሎ’ዩ – እዝርዝር፡

ቀዳማይ፡ ካብ ብውልቂ ይኹን ወይ ብጉጅለ ዝተገብረ ጌጋታት ክንማሃር ይግባኣና። ከምኡ’ውን ጌጋኻ  ተኣሚንካ ብቃልዕ ይቅረታ ምባል ልብኻ የረስርሰካ፡ የቃራርበካ፡ ነቲ ዝሓለፈ ምዕራፍ ተማሂርካሉ ዓጺኻ ብሓዲሽ መንፈስ የጀምረካ እምበር ኣየራሓሕቀቅከን እዩ። እዚ ንእሽቶ ይመስል፡ ግን ካብዚ  ኩሉ ዓይነት ከቢድ ስቅያታትን፡ ውርደትን፡ ሕልፈትን ወጺእና፡ ልኡላውነትና ኣኽቢርናን፡ ተኸቢሩልናን ብሰላም ንኽንነብር  ዓቢ ተራ ኣለዎ ኢለ እኣምን።

ካልኣይ። ብዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ብከም ሃገርን ህዝብን ማለት ብልኡላውነትና  ኣሽካዕላል ምጽዋትን ሎሚ ካብ ካልእ መዓልቲ ብዝበለጸ ብቀጻሊ ሓቢርና ብባይቶ ኣቢልና ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ይኹን፡ ኣብ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት  ብቀጻሊ ብወግዒ ከነስምዕ ኣለና። እሱራት ምፍታሕን፡ ሃለዋት ዝተኣስሩ ምፍላጥን፡ ገደብ ዘይብሉ ዕስክርና ዘስዕቦ ዘሎ ህልቂትን ክፉእ ኣማውታን፡ ናይተን 22 ቤት ሕክማና ምዕጻው፡ ካብተን ቀንዲ ነቃላሐላን ኡይ ንብለለን እየን።

ሳልሳይ እዚ ስርዓት እዚ ካብ ሰማያትና ምስ ተቐንጠጠ ናይ ነዊሕ ዓመት በሰላን ቁስልን ኣብ ዘይተናውሔ ጊዜ ክሐዊ ሰብን ሃገርን ክህነጽ፡ ሕጂ እተን ዝሰርሓ ዘለዋ civic organizations – በርገሳውያን፡ ሞያውያንን ማሕበራት ክድንፍዓ ዘይነበራ ድማ ክፍጠራ ናይ ግድን’ዩ። ሰብ ክህሉ ክማሐየሽ፡ ክምሃር ክምዕብል፡  ዝዓነወ ከተማታቱን  ዝጸመወ ገጠራቱን ክሃንጽ፡ ኣብ ሐውሲ ምድረበዳ ዝተለወጠ መሬቱ በቁጽልቲ ብኣግራብ ክሽፈን፡ ዘሎ መንእሰይን ዝመጽእ ወለዶን ሓንሳእን መውዳታን ራህዋን ሰላምን ክብረትን ክረክብ ኣካላውን፡ መንፈሳውን፡ ኣእሙራውን ጥዕና  የድሊ። ሕጂ “ይኣክል ኢሉ ይተንስእ እምበር ጽቡቅ ዘይርኣየ  ይዋእ መንእሰይ፡ ይሐይሽ ዶኹን ኢሉ ካብ ቤቱ፡ ካብ ተካል ዕስክርንኡ ወጺኡ ዝሐቅፎ ዘይረኸበ ብስነ ኣእሙራዊ ቅልውላው ዝጥቃዕ ዘሎ ውሑድ ኣይኮነን።  ሕሱም ናብራን፡ ድኽነትን፡ ፍርሕን፡ ስደትን ከልበትበትን፡ ናፍቆትን ዘስዕቦ  ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ይኽይን ኣብ ወጻኢ ዝርኤ ዘሎ ሕማማት እውን ቀሊል ኣይኮነን።

ራብዓይ፡ መድያታት ሓቢረን ምስ ዝሰርሐ ናይ ተለቪዝን ከቢድ ወጻኢታት ምፍዃስ ጥራይ ዘይኮነ በብዓይነት መልእኽታት ኣብ ሓጺር ጊዜ ክዝርጋሕ ይከእል’ዩ።

ኣብ መጨርሽታ ክብሎ ዝድለ ድማ እቲ ክንገብሮ ንኽእል ዉዓል ሕደር ዘይብሉ ንገብሮ፡ ዘይንኽእሎ ዝመስለና ድማ ፈጣሪና ክዓሞ ኣብኡ ንጸጋዕ። ዝኸፍልናዮ ዋጋ ብቀጻሊ ንዘክር።  ንሕና ካብዚ ኹሉ ወጺእና ተስፋ ናይ ካልኦት ኣፍሪውያን ክንከውን’ውን ብትሕትና ንሃቅን። ኣባሓጎታትና እኖሓጎታትና መምርሕ ህዝቢ ዝሓገግዎ መሰረታዊ ሕግታት ዓለም ክምሓደረሉ ዝኽእል እዩ፡ እዚ ሕግታት እዚ ኣብተን ዓበይቲ ሃይማኖታትና ናይ ምስልምናን ክርስትናን ዝተመርኮሰ እዩ።  ኣውራጃታትና ድማ ድሩዕ ስልማትና እዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እሞ ሰላምን ራህዋን ዝመልኦ ሓዲስ ዓመት ክኾነልና ገለ ጠቃቂሰ፡ ካልኦት ዝበልዎ እውን ደጊመ፡ ምሕጽንታትን ለባዋታትን ወሲኸ ብዙሕ ተዛሪበ እየ’ሞ፡ ብተስፋን ብሐጎስን ምስ ብዙሕ ሰላምታ ዘረባይ ኣብዚኣ እዓጹ።  ከም ወትሮ ድማ ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ንኹሉ ዝከእሎ ልዑል ኣምላኽና ይኹን።  ኣሜን።

ኣበባ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Ghirmay January 17, 2020

    Respected sister Abeba, thank you for your relentless efforts and positive contributions.

POST A COMMENT