Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክሳድ ሓዝ ኤርትራዊ

ምጭውቲ ኤርትራ ክምለስ 'ቲ ሕብራ ክሕደስ 'ቲ ክብራ ህዝባ ከስተማቕር፥ እቲ ንቡር ናብራ ስዓቱ ኣኺሉ፥ ህግደፍ ነቕነቕ ኢሉ። እቲ ጸልማት ለይቲ፥ 'ቲ ዘበን መከራ እቲ ዘበን ማእሰርቲ፥እቲ ከርፋሕ ናብራ እቲ ዘበን ስደት፥ እቲ ዘበን ከርተት እቲ ዘበን ስእነት፥ እቲ ዘበን ጥሜት ነበረ ክኸውን ከም ታሪኽ

ምጭውቲ ኤርትራ
ክምለስ ‘ቲ ሕብራ
ክሕደስ ‘ቲ ክብራ
ህዝባ ከስተማቕር፥ እቲ ንቡር ናብራ
ስዓቱ ኣኺሉ፥
ህግደፍ ነቕነቕ ኢሉ።

እቲ ጸልማት ለይቲ፥ ‘ቲ ዘበን መከራ
እቲ ዘበን ማእሰርቲ፥እቲ ከርፋሕ ናብራ
እቲ ዘበን ስደት፥ እቲ ዘበን ከርተት
እቲ ዘበን ስእነት፥ እቲ ዘበን ጥሜት

ነበረ ክኸውን ከም ታሪኽ ክንገር
ምስቲ መምጽኢኡ ጠቕሊሉ ክዕዘር
ስዓቱ ኣኺሉ፥
ህግደፍ ነቕነቕ ኢሉ።

ሃገር ብሃገራ ጅሆ ዝሓዘላ
ጀጋኑ ኤርትራ ብቓጻ ዘሕቀቀላ
ተስፋ ሓዳስ ሃገር ፍጹም ዘቕሃመላ

ናይ ሓሶት ጥብቅነት፥ንዶብ ልዑላውነት

‘ታ መጣልዒቱ እታ እንኮ ካርታ
ኣብ ኢዱ ሓውያቶ ብሃንደበት መይታ

ብዋጋ ኣሽሓት እተረኽበት ኤርትራ
መታን ከይድፈር ኣየር ምድሪ ባሕራ
ገለ ብግርህነት፥ ገለ ብዕሽነት
ገሌና ኣሚንና፥ ገለ ልቢ’ዕቢና
ስጋዕ ሕጂ ተጸሚምና
ዘይጽወር ተጻዊርና።

ሕጂ ግና
ታ ዘይፈትዋ ሰላም – ወትሩ ዝሃድመላ
ደፊኣ መጺኣቶ ሃንደበት ዱብ ኢላ
ካብ ኢዱ መንጢላ ነታ ናይ ዶብ ሕቶ
ምኽንያት ከሊኣ ጥርሑ ኣውጺኣቶ

ምጭውቲ ኤርትራ
ክምለስ ‘ቲ ሕብራ
ክሕደስ ‘ቲ ክብራ
ህዝባ ከስተማቕር፥ እቲ ንቡር ናብራ
ስዓቱ ኣኺሉ፥
ህግደፍ ነቕነቕ ኢሉ።

ሕስው ዝነበረ ብዶብ ብባድመ
ኣብ ልቡ ኣይነበረን ብእኡ ዘይሓመመ
ድሮ ረሲዎ ሓደ ኢና ‘ሉና
‘ዘን ሒደት ኣዋርሕ ክንደይ ኣርእየናና።

እዋን ጸብጻብ ምዃኑ ስለ ‘ተሰቆሮ
ዓቅሊ እንተ’ጽበበ ብዙሕ ተዕገርገሮ
ኣፍ ልቡ ‘ተወቕዐ ርእሱ ተነቕነቐ
ኣጉል ስሓቕ ሓሪቕ ዋላ ‘ተስሓቐ

ዓሰርተታት ዓመት ዓጽዩ ዝለኮቶ
ህዝቢ ክጠፍኣሉ ከይርከብ ዝሓቶ
ጋህ እንተበሎ ሕጂ እንተኸፈቶ
ምኽሪ ተንኮለኛ መን’ዩ ሞ ክስሕቶ።

ሰብ ሕቶ ከይሓትት መሰለይ ከይብል
ዝኽኣለ ክሃድም ዝፈርሀ ስቕ ክብል
ኣመሉ’ዩ ንሱ – ክህድድ ክድህል
ዕርፊ ጥራይ ምጽናዕ ናብ ዘበለ የብል።

እንተ እቲ ዶብ – እቲ ዶብ ድኣሞ
ኣሽሓት ጀጋኑ ብዓጽሞም ሓጺሮሞ
ነቕ ብዘይብል ውዕል  ሰሚሮሞ (ኣልጀርስ)
ፈትዩ ከይፈተወ ድማ ኣፈሪሞሞ።

ኣብ ስርሖም ኣሚኖም ዶቦም ከም ዘውሓሱ
ናብቲ ሕዱር ሕማም ናብኡ ክምለሱ
ሕሳብና ንግበር ንጸባጸብ ካብ ዝብሉ
ዘመናት ኣቑጺሩ ካብ ሕጊ ሓኪሉ።

ሕጂ ግና – እታ እንኮ ካርታ
ሕይኽ ዝነበራ ሓንቲ መመኽነይታ
ጠሊማቶ – ኣኺሉዋ መይታ።

ዘይስከፍ ዘልኣለም ክሕሱ
ንሕጥያቱ – ከርእየና ኣንኢሱ
ኣፍ ሚልዮናት ብኢዱ ዓቢሱ
ኣይከሰርናን ‘ተበለና ንሱ

ውቅብቲ ሃገር ሕብራ ተደዊኑ
ሕቡን ህዝቢ ብእኡ ርእሱ’ድኒኑ
ልሙዕ መሬት ተሪፉ ባኺኑ
ወደባትና መስተይ ኣግማል ኮይኑ
ሃብታም ህዝቢ እንጌራ ስኢኑ
መንእሰይና ኩሉ ተበቲኑ
እንታይ’ዩ ክሳራ – እዚ ተዘይኮይኑ?

ኣቦታትና ናብ እምነት ዝመርሑ
ንሓቂ ደው ዝብሉ ንኽፍኣት ዝገንሑ
ጀጋኑ ሃገር ናጽነት ዘብጽሑ
‘ቶም ጽሓፍቲ ንነብሶም ከይፈርሑ
ድምጺ ህዝቦም ወትሩ ዘቃልሑ
ዘይግብኦም ኣብ ማሕቡስ ክበልዩ
ዘይእዚ’ሞ ክሳራ እንታይ’ዩ?

ክሳራና’ሞ ክንደይ’ልና ክንቆጽሮ
እዋን ጸብጻብ ምዃኑ እንቋዕ ተሰቆሮ
ኣይከሰርናን ኢሉ  ባዕሉ ካብ ጀመሮ
ሕሳብና ክንገብር ስዓቱ ኣኺሉ፥
ህግደፍ ነቕነቕ ኢሉ።

ስለዚ
ክሳድ ሓዙ ኩሉኹም ኣስመራ
ክሳድ ሓዚ ምልእቲ ኤርትራ
ክሳድ ሓዙ ዙርያ ድያስፖራ
ብሓደ ቃል ነስምዓዮ ቃልና
ገላውኻ ኣይኮኑን ደቅና
ርስቲ ‘ቦኻ ኣይኮነን መንበርና
ካሕሳ ናትካ ድሓን ይትረፈና
ካብ ዝባንና ቀልጥፍ ውረደልና።

ክሳድ ሓዝ ዋርሳይ ተጋዳላይ
ክሳድ ሓዝ ሓረስታይ ሸቃላይ
ክሳድ ሓዝ መምህር ተምሃራይ
ክሳድ ሓዙ ዓበይቲ ንኣሽቱ
ንገርዎ ምእካላ ስዓቱ።

ክሳድ ሓዙ ሃየ ተቓወምቲ
ክሳድ ሓዙ ናይ ትማል ደገፍቲ
ክሳድ ንሓዝ ዋላ ትዓዘብቲ
ክንጸባጸቦ ግብሩ ብብሓንቲ
ዝዳጎኖም ኣብ ጸልማት ብዓቲ፥
ንዘለዉ ውዕለቶም ክንነግሮም
ንዝሞቱ ብኽብሪ ክንቀብሮም
ዝተሰዱ ዓዶም ክምለሱ
ዝተገፍዑ ዕጽፊ ክከሓሱ
ክሳድ ንሓዝ መገዲ ነርእዮ
ክሳዕ ሕጂ እኳ ዶንጊናዮ።

 

ግዱስ ኤርትራዊ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Gezae October 7, 2018

    Uttering sugar-coated words dimension
    Promising justice aspect peaceful direction
    Walking too crazy, which embark on your mission
    That proves your readiness and willingness to give
    Stacks of moons and stars you promise
    In your haste to gain social mileage
    In the wake of the longing your increases
    On Assenna media on your Facebook pages
    Promising belittles the dignity
    Both here and at infinity where affinity
    Inherent in a spirit of true sacrifice
    Traverses promise chasms doesn’t suffice
    To raise hopes intend to dash
    Like the yellow cowardice you flash
    Earliest opportunity exploit cut and run
    Partners demand more than the fun
    Long to access in the social process
    Deliver less access in terms of genuine progress
    Where you profess to give much
    Purloin hallowed justice seekers, shamelessly power to snatch.

Post a Reply to Gezae Cancel Reply