Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክሳዕ ትመውትዶ!

ክሳዕ ትመውትዶ! ኣንታ እሙን ምልኪ ገዲም ተጋዳላይ እንታይ ደኣ ኣምጽኦ ብሃንደበት ምፍላይ ከምቶም ዝቐደሙ ዉሒጡካ ቀላይ ዓለምዶ’ታ ኣርኪባ ዘይብላ ኣፈላላይ ወዮ በል ክብለልካ ኮይነ መላቓሳይ!   ነዚ ዉጹዕ ህዝቢ ውዕለቱ ኪሒስካ እዚ ኹሉ በደል ይቕረ ከይበለልካ ምኻድ ዶ’ታ ኾይኑ ምሉቕ ኢልካ በል እስከ ፈጣሪ ምሕረቱ

ክሳዕ ትመውትዶ!

ኣንታ እሙን ምልኪ ገዲም ተጋዳላይ

እንታይ ደኣ ኣምጽኦ ብሃንደበት ምፍላይ

ከምቶም ዝቐደሙ ዉሒጡካ ቀላይ

ዓለምዶ’ታ ኣርኪባ ዘይብላ ኣፈላላይ

ወዮ በል ክብለልካ ኮይነ መላቓሳይ!

 

ነዚ ዉጹዕ ህዝቢ ውዕለቱ ኪሒስካ

እዚ ኹሉ በደል ይቕረ ከይበለልካ

ምኻድ ዶ’ታ ኾይኑ ምሉቕ ኢልካ

በል እስከ ፈጣሪ ምሕረቱ ይሃብካ!

 

ኣብ ስርዓት መላኺ ኣብ ህግደፍ ኮይኑ’ምበር

ከምዛ ዘይወለደት ተካእቲ እዛ ሃገር

ኣሪግካ ብሕማም እናበልካ ደንበርበር

ክሳዕ ትመዉትዶ ኣብ ስልጣን ይንበር!?

 

ትርፎ ቀታሊ ሰብ ከቢድ ዝገበኑ

ንሕልፈት ዚፍረድ መዋእል ዘበኑ

ስልጣን ሰባት ደኣ መዓስ ከምኡ ኾይኑ

ክሳዕ ሞት ዚጸንሕ ሸምጊሉ ቆንቊኑ

ኣረጊት ዘብሪ ሊቕድዩ ተሳኢኑ!?

 

ምእንቲ እዚ ህዝቢ ስለ’ዛ ናጽነት

ሰላሳ ዓመታት ከም ዘይበልካ ከርተት

እታ ለዋህ ወላዲት ደቃ ዘሰውአት

ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ወትሩ እናነበዐት

ትም ኢልካ ኪትሪኣ ዕስራን ክልተን ዓመት

ሃገር ብመላኺ ክዉሕጣ ደልሃመት

ዓገብ ዘይምባልካስ ይስመዓካዶ *ጸጸት?           *ጣዕሳ

 

እቶም ስውኣትና ዓበይቶም ንኣሽቶም

ኩነታት ሃገሮም እንተ ደኣ ሓቲቶም

ብሃለዋት ህዝቦም ሸቐልቀል እንተ ኢሎም

ሚኒስተር *ደማሒ እንታይ ኢኻ ኪትብሎም?     *መላኺ

 

ናይ ኩፖን ትኳቦ ክምጽወቱ *ጥርቂ           *ኣዝዩ ውሑድ፡ ቊንጣሮ

ኣፎም ተዓቢሱ ብብረት ጨፍላቒ

መላእ ስድራቤቶም ከም ዘለዉ ኣብ ጭንቂ

ትነግሮምዶ ትኸዉን ከይሓባእካ ሓቂ!?

 

ሹማሙንቲ ህግደፍ ምስ ኣቦ መንበርኩም

ሕማምን እርጋንን ተደራሪቡኩም

ህዝቢ ካብ ተጥፍኡ ትልኽ እናበልኩም

ምሁራት ከለዉ ኣባጽሕ ደቅኹም

ክሳዕ ሞት ትመጽእ እንታይ ኣጽናሓኩም

ክብሪ ዘይትረኽቡ ስልጣን ኣረኪብኩም!

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ነቶም በጃ ህዝቢ ዝሓለፉ ጀጋኑና!

 

ካብ ሓውኹም መሲናስ 05-08-2013

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT